ብዛዕባ Informationsverige.se - ሓበሬታ ናይ ሽወደን ሕብረተ ሰብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 11 2023

Informationsverige.se ብዛዕባ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ብእተፈላለየ ቋንቋታት ዝገልጽ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ኣብ ኮምፕዩተርን ታብለትን ሞባይልን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ ብቐንዱ ንዓኻ ሓታት ዕቝባ ዝኾንካ ወይ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ዝኸውን ሓበሬታታትን ናውትን ኣለዉ፣ ብዘይካዚ ነቶም ምስ'ዞም ጕጅለታት እዚኣቶም ዚሰርሑ ሰባት ዚኸውን እተወሰነ ሓበሬታታ እውን ኣሎ።

ፊልም ብዛዕባ Informationsverige.se

Informationsverige.se ስለምንታይ ኣሎ?

ኵሉ ሰብ ካብ ብዓል መዚታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ መርበብ ሓበሬታ እዚ ክሕግዘካን ነቲ ኣብ ሽወደን ዘሎካ ኵነታት ንኽትጸልዎ ተወሳኺ ዕድል ንኽፈጥረልካ ሓጋዚ ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ Informationsverige.se እንታይ ክትረክብ ትኽእል?

ኣብ Informationsverige.se ዝተኣከበ ሓበሬታ ናይ ሽወደን ሕብረተ ሰብ ትረክብ። ሽወደን ብኸመይ ከም ትመሓደርን ብኸመይ ተሳቲፍካ ጽልዋ ከም ትገብርን ከተንብብ ትኽእል። ቍጠባዊ ሓገዝ ብኸመይ ከም ዝዓይን ናይ ሽወደን ክንክን ጥዕናንን ኣገልግሎት ሕክምናን ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ሓበሬታ ክትረክብ ክትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ንልልይ ማሕበረሰብ ዝኸውን፡ ሽወደንኛ ክትለማመድ ክትጅምረሎም ትኽእል፡ ከምኡ'ውን ናባኻ ወላዲ ዝኾንካ ዝተኾሩ ጽሑፋት ዝሓዙ ገጻት ኣሎዉ።

ኣብቲ ናይ መጀመርታ ግዜካ ኣብዚ ሃገር ምሰየኖት ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ከም እትራኸብ እውን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ካብቲ ዕቝባ ንምርካብ ዘመልከትካሉ ኣትሒዝካ ክሳብ ኣብ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ተሳታፊ ኴንካ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ዝጀመርካሉ ብኸመይ ከም ዝዓዪ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።

ሓላፍነት ናይ Informationsverige.se ዘለዎ መን እዩ?

ምምሕዳር ዞባ ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ዮታላንድ ብሓባር ምስ ካልኦት ምምሕዳር ዞባታት ናይ ሽወደን ንInformationsverige.se ከመሓድሮ ሓላፍነት ኣለዎ። መንግስቲ እዩ ንInformationsverige.se ዝምውሎ።

ኣብ Informationsverige.se ብኸመይ ኢና ንጽሕፍ?

እተን ምምሕዳር ዞባታት እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ሓበሬታ እዋናውን ልክዕን ንኽኸውን ምስ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽንን ካልኦት ብዓል መዝታትን ማሕበራትን ብሓባር ይሰርሓ።

እዞም ጽሑፋት ብጕጅለ ኣሰናዳኢ ኣብ Informationsverige.se ወይ ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ብዝርከቡ ክኢላታት እዮም ተጻሒፎም። እቶም ብጕጅለ ኣሰናዳኢ እተጻሕፉ ጽሑፋት ኣብ እተፈላለየ ዓውድታት ዝርከቡ ክኢላታት ይምርምርዎ እዮም። እቶም ጸሓፍቲ ነቲ ጽሑፋት ከዳልዉ ከለዉ ብዙሓት እተፈላለየ ምንጭታት ይጥቀሙ እዮም። እታ ኣብ Informationsverige.se እትሰርሕ ጕጅለ ኣሰናዳእቲ ንዅሉ እቲ ጽሑፋት ብቐሊሉ ምእንቲ ተነባቢን ብቐሊሉ ምእንቲ ዝርዳእን ክኸውን ዳግማይ ትርእዮ እያ።