ብዛዕባ Informationsverige.se
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 17 12 2025
Informationsverige.se ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካ ዝኸውን መርበብ ሓበሬታ እዩ። ካብ ብዓል መዝታት ሽወደን ዝወሃብ ብዛዕባ ስራሕ፡ መንበሪ፡ ክንክን ጥዕና፡ ቍጠባን ካልእ ብዙሕን ሓበሬታ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዓሰርተ ሓደ ቋንቋታት ኣሎ።
ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካ ወይ ኣብ ቀረባ ግዜ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ
Informationsverige.se ንዓኻ፦
- ሓታቲ ዑቕባ፡
- ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ዘሎ፡
- ካብቲ ኣብ ኡክረይን ዘሎ ውግእ ዝሃደምካን
- ብዘይ ወለድኻ ናብ ሽወደን ዝመጻእካን ዝኸውን ሓበሬታ ዝሓዘ መርበብ ሓበሬታ እዩ።
ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ንልልይ ሕብረተ ሰብ (samhällsorientering) ዝኸውን “ ብዛዕባ ሽወደን” ጽሑፋት እውን ኣሎ። ኣብኡ ቁሩብ ንውሕ ዝበለ ጽሑፋት ብዛዕባ ሽወደንን ሕብረተሰብ ሽወደንን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ሓበሬታ ካብ ብዓል መዝታት – ብዓሰርተ ሓደ ቋንቋታት
እቲ ኣብ Informationsverige.se ዘሎ ሓበሬታ ካብ ብዓል መዝታት ናይ ሽወደን ዝመጸ እዩ። እዚ መርበብ ሓበሬታ ብዓሰርተ ሓደ ቋንቋታት ኣሎ። ኣየናይ ቋንቋ ከም ትመርጽ ብዘየገድስ፡ እቲ ትሕዝቶ ኣብ ኩሉ ገጻት ሓደ እዩ። ነቲ ጽሑፍ ክትሰምዖ እንተደሊኻ፡ ነቲ "ንትሕዝቶ ስምዓዮ" ዝብል መጠወቒ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እቲ መጠወቒ ብዘይካ ብሶማልኛን ብትግርኛን፡ ንኹሎም ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዘለዉ ቋንቋታት ይሰርሕ እዩ።
ኣብዛ ፊልም ኣብ Informationsverige.se እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ክትረክብ ከም እትኽእል ክትፈልጥ ኢኻ።
ሕቶታትን መልስታቱን
ምምሕዳር ዞባ ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ዮታላንድ ብሓባር ምስ ካልኦት ምምሕዳር ዞባታት ናይ ሽወደን ናይ Informationsverige.se ሓላፍነት ኣለዎ። እተን ምምሕዳር ዞባታት፡ መንግስታውያን ብዓል መዝታት እየን። ወጻኢታት ናይ Informationsverige.se ብመንግስቲ ዝሽፈን ኮይኑ፡ ነዚ ዕማም ንምምሕዳር ዞባ ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ዮታላንድ እዩ ሂብዎ።
ኣብ ላዕሊ ናይቲ ገጽ ኣብ ዘሎ ግሎብ ጠውቕ። ድሕሪኡ ነቲ ከተንብቦ እትደሊ ቋንቋ ምረጽ።
ኣብ ላዕሊ ናይቲ ገጽ ዘሎ ኣጕላሒ መረጼን ጠዊቕካ ኣብቲ ክፉት ቦታ መድለዪ ቃል ጽሓፍ። ነቲ መድለዪ ቃል በቲ መሪጽካዮ ዘለኻ ቋንቋ ጽሓፎ።
ኣብ ትሕቲ ኣርእስቲ ናይ ነፍስ ወከፍ ገጽ "ንትሕዝቶ ስምዓዮ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ መጠወቒ ኣሎ። ነቲ መጠወቒ ምስ እትጥውቖ ትሕዝቶ ናይቲ ገጽ ክንበብ እዩ።