ኣብ Informationsverige.se ንዘሎ ትሕዝቶ ምጥቃም

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 17 12 2025

እቲ ጽሑፍ ካበይ ከም ዝመጸ ክሳብ ዘርኣኻ፡ ክፋል ናይቲ ኣብ nformationsverige.se ዘሎ ጽሑፋት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ካብ ዘሎ ትሕዝቶ ክትጥቀም እንተደሊኻ፡ እንታይ ከም ዝምልከት ኣብዚ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ምሉእ ጽሑፋትን ስእልታትን ካብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣይትቕዳሕ።

ካብ Informationsverige.se ምሉእ ጽሑፋት ወይ ስእልታት ቀዲሕካ ኣብ ናትካ መርበብ ሓበሬታ ወይ ኣብ ናትካ ጽሑፍ ክትጥቀመሎም ኣይፍቀደካን እዩ። እቶም ጽሑፋትን ስእልታትን ብመሰል ደራሲ ዝተሓለዉ እዮም።

ገለ ክፋል ናይቲ ጽሑፋት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፡ ግን ምንጪ ምጥቃስ ኣይትረስዕ

ገለ ክፋል ናይቲ ጽሑፋት ምጥቃስ ይከኣል እዩ፡ እቲ ጥቕሲ ካብ Informationsverige.se ከም ዝመጸ እንተ ጽሒፍካ። ነቲ ጥቕሲ ናብቲ ጥቕሲ ዘምጻእካሉ ገጽ መላግቦ ብምግባር ምሉእ ግበሮ።

ካብቲ መርበብ ሓበሬታ ንዝመጽእ ትሕዝቶ ክፍሊት ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ነቲ ካብ Informationsverige.se ዝመጽእ ትሕዝቶ ንምጥቃም ነጻ ክኸውን ኣለዎ።

ፍሉይ ሓለፋ ንዓኻ ከም መላለዪ ሕብረተሰብ እትሰርሕ

ንስኻ ልልይ ሕብረተሰብ እትምህር ብምልኡ ነቲ ኣብ Informationsverige.se ዘሎ ጽሑፋትን ስእልታትን ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ብፓወርፖይንት ምቕራብ ወይ ካብቲ መርበብ ሓበሬታ ገጻት ንኽትሓትም ክትጥቀመሎም ትኽእል ኢኻ። እቲ ትሕዝቶ ካብ Informationsverige.se ከም ዝመጸ ኩሉ ግዜ ግለጽ።

ካብቲ መርበብ ሓበሬታ ንዝመጽእ ትሕዝቶ ክፍሊት ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ።