ካኩር

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 9 12 2022

እቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ ካኩር (ኩኪይስ) ዝብሃሉ ትሕዝቶ ኣለዎ። ሓደ ካካ፡ እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ናትካ ኮምፕዩተር ዝዕቕቦ ሓደ ንእሽተይ ጽሑፍ እዩ።

ኩኪይስ ክትጥቀም እንተ ዘይደሊኻ፡ ኣብቲ ናትካ መንበቢ መርበብ ሓበሬታ ንኩኪይስ ንኸይትቕበሎ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንኹሎም ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዘለዉ ኣገልግሎታት ክትጥቀመሎም ኣይትኽእልን ኢኻ።

ንካኩር ብከምዚ ኣገባብ ንጥቀመሎም

Informationsverige.se ነዚ መርበብ ሓበሬታ ንበጻሕቲ ምእንቲ ከመሓይሾ ካኩር ይጥቀም እዩ ። ንኣብነት ስም-ኣልቦ ስታቲስቲክ ነውጽእ ኢና። ዝኾነ ውልቃዊ ሓበሬታ ከም ኢ-መይል ወይ ስም ናይ በጻሕቲ ኣይዕቀብን እዩ።

ዕለት 25 ሓምለ 2003 ሕጊ ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ መራኸቢ ኣብ ግብሪ ውዒሉ። ብመሰረት እዚ ሕጊ ብዛዕባ ኣዚ ዝስዕብ ክንሕብር ኣሎና፡

  • እቲ መርበብ ሓበሬታ ትሕዝቶ ናይ ኩኪይስ እንተ ኣለዎ ኾይኑ፡
  • እዞም ኩኪይስ ንምንታይ ከም ዝጥቀሙን
  • ንኩኪይስ ከመይ ጌርጋ ከም ተውግዶምን።

ክልተ ዓይነት ካኩር ኣለዉ

ሓደ ቀዋሚ ካካ ንሓደ ዝተወሰነ ግዜ ኣብ ኮምፕዩተርካ ይጸንሕ። እዚ ንኣብነት ካብቲ መወዳእታ ነቲ መርበብ ሓበሬታ በጺሕካሉ ዝነበርካ ግዜ እንታይ ሓድሽ ከም ዘሎ ንዝነግሩ መሳርሒታታ የገልግል። ከምኡ'ውን ምስምማዓት ጌርካ ኔርካ እንተ ዄንካ ንምዝካር የገልግል። እዚ ንኣብነት ኣየናይ ቋንቋ መሪጽካ ከም ዝነበርካ ንምዝካር ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሓደ ግዝያዊ ካካ፡ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኻሉ ዘለኻ ግዜ ንግዚኡ ኣብታ ናይ ኮምፕዩተር መዘከሪ ይዕቀብ። ግዝያውያን ካኩር ነቲ መርበብ ሓበሬታ ምስ ዓጸካዮ ይጠፍኡ እዮም።

እቲ ናይ ካካ-ተግባር ዕጸዎ

ካኩር ክጥቀም እንተ ዘይተቐቢልካዮ፡ ኣብቲ ናትካ ናይ መርበብ ሓበሬታ መንበቢ ናይ ድሕነት ኣከዋወኒ (säkerhetsinställningar) ነቲ ካኩር ክትዓጽዎ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ናይ ቪድዮ መጻወቲ ውሽጢ ካኩር (ኩኪይስ) ተተኺሉ ኣሎ

ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዘለዋ ፊልምታት ብInformationsverige.se ዝውነና ኮይነን፡ እዚኣተን ካኩር ከይጥቀማ ሓደ ክወና ኣለወን። ኣብኡ ካብ ካልኦት ብዓል መዝታትን ማሕበራትን እውን ፊልምታት ኣሎ፡ ኣብኣን ድማ ንጡፍ ካኩር ክህሉ ይኽእል እዩ።

እቲ ኣብ መጻወቲ ቪደዮ ዘሎ ካኩር ኣብ ዝተፈላለየ ዕላማታት እዩ ዝውዕል። እዚኦም፡ ተግባራውያን ዝኾኑ ካኩር፡ ድሕንነት ንምዝያድ ዘገልግሉ ካኩር፡ ኣጠቓቕማ ንምትንታን ዘገልግሉ ካኩር፡ ከምኡ’ውን ንመወዓውዕን ነቲ ተመኩሮ ውልቃዊ ንምግባር ዘገልግሉ ካኩርን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ዝስዕብ ኣብነት ናይ ብካኩር ክእከብ ዝኽእል ሓበሬታ እዩ፦

  • ናትካ ኣድራሻ ኢንተርኔት (din IP-adress)
  • እንታይ ዓይነት መሳርሒ ከም ትጥቀም
  • እንታይ ዓይነት መንበብ መርበብ ሓበሬታ ከም ትጥቀም
  • ክወና ትጥቀመሉ ቋንቋ
  • ቅድሚ ኣብታ ፊልም ምጥዋቕካ፡ ኣበየናይ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝነበርካ።

ኣብ ናይ ዩቱብ ፊልም ወይ ቪሜዮ ቪድዮ ክትጥውቕ ከለኻ፡ ንኣጠቓቕማ ካኩር እውን ትሰማማዕ ኣለኻ። ኣብ መርበብ ሓበሬታኻ ካኩር ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ከም ዝኽእሉ ባዕልኻ ከተዋድዶ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት መንበብ መርበብ ሓበሬታ ብሕቡእ ኣብ ኢንተርኔት ንኽትዘዋወር እውን ዕድል ይህባኻ እየን። እዚ፡ ነቲ መስኮት መንበብ መርበብ ሓበሬታ ክትዓጽዎ ከለኻ፡ ካኩር ናይ ቅድሚኡ ዝበጻሕካዮም መርበብ ሓበሬታት ዝገልጽ ታሪኽ ይስረዝ ማለት እዩ።