ተክኒካዊ ሓበሬታ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 9 12 2022

ኣብዚ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣቀራርጻ ናይዚ ኢንተርነት ኣድራሻ ዚን፤ ብቴክኒካዊ ኣጠማምታ ውን ብኸመይ ከም ዚሰርሕን ሰፊሩ ኣሎ።

እዚ መርበብ ሓበሬታ ንቑሕ እዩ። እዚ፡ ኣብቲ ትጥቀመሉ ዘሎኻ ስክሪን (ናይ ኮምፕዩትተር፡ ተለፎን ወዘተ ሻሽ) ተመርኵሱ ዕብየቱን ትርኢቱን ይምዓራረ ማለት እዩ። ንኣብነት ኣብ ተንቀሳቓሲ ተለፎን ካብ ኣብ ኮምፕዩተር ዝተፈልየ ኣሰራርዓ ኣሎዎ።

መንበብ-ኢንተርነት

እዚ መርበብ ሓበሬታ፡ በቶም ብልሙዳት ደረጃ መርበብ፡ ንኣብነት Internet Explorer, Google Chrome, Safari ወይ Mozilla Firefox ዝኣመሰሉ ዝድገፍ ዘመናዊ መማእረሪ መርበብ ሓበሬታ (webbläsare) ብዝበለጸ ክርኣ ይኽእል። እቲ ምሉእ ተግባራዊነት ንምርካብ፡ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ነቲ ያቫ-ስክሪፕት (JavaScript) ዚብል ንጡፍ ክትገብሮ እውን የድሊ እዩ።

ዕብየት ጽሑፍን መጕልሒን

ነቲ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ Ctrl ከምኡ ውን "+" ወይ "-" ብምጽቃጥ ክተጕልሖ ወይ ክተድቅቖ ይክኣል፤ ወይ ውን Ctrl ብምጽቃጥ ነታ ኣንጭዋ ንላዕልን ንታሕትን ኮረር ብምባል እዩ።

ገለ ካብ ኣንበቲ ኢንተርነት፤ ብፋላይ ንጽሑፍ ናይ ምጕላሕን ምድቃቕን ኣተግባርነት ዘለዎ ኮይኑ፤ ንስእሊን ንቦታን ንምጕላሕ ግን ኣየገልግልን እዩ።

ኣገልግሎት ንባብ

እቶም ኣብ Informationsverige.se ዘሎዉ ገጻት፣ ብኣገልግሎት ንባብ (uppläsningstjänst ነቲ ጽሑፍ ዘንብብ ኣገልግሎት) ክንበቡ ይኽእሉ እዮም።