ተረካባይነት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 7 2023

Informationsverige.se ብምምሕዳር ዞባታት ዝመሓደር መርበብ ሓበሬታ እዩ። ንInformationsverige.se ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ክጥቀምሉ ክኽእሉ እዩ ድልየትና። እዛ ገጽ፡ እዛ መርበብ ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ንሕጊ ናይ ተረካባይነት ንህዝባዊ ኣሃዛዊ (ዲጂታላዊ) ኣገልግሎት ከም ተማልእን፡ ምናልባት ፍሉጣት ናይ ምርካብ ጸገማትን እንተ ኣለዉ ኾይኖም ምእንቲ ከነዐርዮም ነቶም ጉድለታት ናባና ከመይ ጌርካ ክትሕብር ከም ትኽእልን ትገልጽ።

እዛ መርበብ ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ተረካቢት እያ?

እዛ መርበብ ሓበሬታ ብኽፋል ምስ ሕጊ ናይ ተረካባይነት ንህዝባዊ ኣሃዛዊ ኣገልግሎት ዘማልኣት እያ።

ገለ ክፋል ናይዛ መርበብ ሓበሬታ ክትጥቀመሉ እንተ ዘይክኢልካ እንታይ ክትገብር ትኽእል?

እቲ ካብ Informationsverige.se እትረኽቦ ሓበሬታ ካብቲ ሕጂ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ብኻልእ ቅርጺ (format) እንተ ደሊኻዮ፡ እቲ ትሕዝቶ ብኻልእ ቅርጺ ንኽወሃበካ ንኽትሓትት ምሳና ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። መልሲ ዝወሃበሉ ግዜ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ 2-3 ናይ ስራሕ መዓልታት እዩ።

ኣብ ተረካባይነት ናይ’ዛ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ጸገማት ሓብር

ኵሉ ግዜ ናይ’ዛ መርበብ ሓበሬታ ተረካባይነት ከነመሓይሾ ኢና ንጽዕር። ኣብዚ ገጽ ዘይተገለጹ ጸገማት እንተ ረኺብካ ወይ ነቲ ሕጊ ዝጠልቦ ኣየማላእኩምን ዝብል ርእይቶ ሃልዩካ ኾይኑ፡ እቲ ጸገም ከም ዘሎ ምእንቲ ክንፈልጦ ክትሕብረና ትኽእል ኢኻ።

ከምኡ’ውን ኣብዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክወሃበካ ክትሓትት ወይ ጸገማት ክትሕብር ትኽእል ኢኻ፤

  • ተሌፎን፡ 010-224 40 00 (ከም ኣርእስቲ informationsverige.se ሃብ)

ቍጽጽር

ብዓል መዚ ንኣሃዛዊ ምምሕዳር (Myndigheten för digital förvaltning - DIGG) ንሕጊ ናይ ተረካባይነት ንህዝባዊ ኣሃዛዊ (ዲጂታላዊ) ኣገልግሎት ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ኣለዎ። ንርእይቶታትካ ከመይ ጌርና ከም ንሕዞም እንተ ዘይኣዕጊቡካ፡ ምስ ብዓል መዚ ንኣሃዛዊ ምምሕዳር (DIGG) ርክብ ብምግባር ብዛዕብኡ ክትሕብሮም ትኽእል ኢኻ።

ተክኒካዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይዚ መርበብ ሓበሬታ ተረካባይነት

እዚ መርበብ ሓበሬታ ብኽፋል ምስ ሕጊ ናይ ተረካባይነት ንህዝባዊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ዘማልእ እዩ።

ተረካቢ ዘይኮነ ትሕዝቶ ኣብዚ ይግለጽ፦

  • ናይ መርበብ ሓበሬታ መንበቢ ኣገልግሎት ንቛንቋታት ሶማልኛን ትግርኛን ኣይሰርሕን እዩ።
    ከም ዝተዓረየ ይሕሰብ፦ ወሃቢ ኣገልግሎት፡ ደገፍ መንበቢ ንቛንቋታት ሶማልኛን ትግርኛን ኣይህብን ኣሎ።
  • ሓበሬታ ብዛዕባ ካኩር ወይ ኩኪይስ ብብዙሕ ቋንቋታት። ብሰንኪ ሕጽረት መተግበሪ ኣብ ናይ ሕትመት መሳርሒ፡ ብዛዕባ ናይ ካኩር/ኩክይስ ሓበሬታ ኣብ ናይ ዝርርብ ሳጹን ብጀካ ብሽወደንኛን እንግሊዝኛን ናብ ካልኦት ቋንቋታት ክትርጎም ኣይክኣልን እዩ።
    ከም ዝተዓረየ ይሕሰብ፦ ፍታሕ ናይቲ ጸገም ንምርካብ ጻዕርታት እና ተኻየደ እዩ። ኣብ መወዳእታ 2023 ክዕረ ትጽቢት ይግበረሉ።
  • ካብ ጥሪ 2021 ጀሚርና፡ ኢንተርነት ኤክስፕሎረር መርበብ ሓበሬታ ንዝጥቀሙ በጻሕቲ ምሉእ ተግባራውነት ውሕስነት ክንህቦም ኣይንኽእልን ኢና። ኢንተርነት ኤክስፖረር ኣይሕደስን እዩ ዘሎ፡ ብመርበብ ሓበሬታ ኤጅ (Edge) እውን ተተኪኡ እዩ።
    ከም ዝተዓረየ ይሕሰብ፦ ነዚ ንምዕራይ ዝኾነ መደብ የለን።

ዘይምኽንያታዊ ከቢድ ምስምማዕ

ምምሕዳር ዞባ፡ ብመሰረት ሕጊ ተረካባይነት ንህዝባዊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ዓንቀጽ 12፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ትሕዝቶ ናይ ዘይምኽንያታዊ ከቢድ ምስምማዕ፡ እዚ ሕጊ ንኸይምልከቶ ይሓትት።

  • ካባና ወጻኢ ብዝኾኑ መሳርሕቲ/ኣቕረብቲ ኣብ ዝተዳለዉ ፊልምታት ዘሎ ሕጽረታት ተረካባይነት።
    ኣብ መርበብ ሓበሬታ Informationsverige.se ከም መመላእታ ናይቲ ኣብኡ ዘሎ ጽሑፋትን ስእልታት ኮይነን ዘገልግላ ብዙሓት ፊልምታት ኣለዋ። እተን ፊልምታት ብናይ ደገ ተዋሳእቲ ዝፈረያ ኮይነን፡ ኣብ ገለ ገለ ኵነታት ነቲ ናይ ተረካባይነት ደረጃ ኣየማልኣን እየን። ነቲ ፊልምታት ከም ዝሰማማዕ ምግባር ከም ዘይምኽንያታዊ ከቢድ ጌርካ እዩ ዝርኣ።

  • ካባና ወጻኢ ብዝኾኑ መሳርሕቲ/ኣቕረብቲ ኣብ ዝተዳለዉ ሰነዳት ዘሎ ሕጽረታት ተረካባይነት።
    ኣብ መርበብ ሓበሬታ Informationsverige.se ከም መመላእታ ናይቲ ኣብኡ ዘሎ ጽሑፋትን ስእልታት ኮይኑ ዘገልግላ ብዙሕ ናይ ፐዲኤፍ ሰነዳት ኣሎ። እቲ ፐዲኤፍ ሰነዳት ብናይ ደገ ተዋሳእቲ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ገለ ኵነታት ነቲ ናይ ተረካባይነት ደረጃ ኣየማልኣን እየን። ነቲ ፐዲኤፋት ከም ዝሰማማዕ ምግባር ከም ዘይምኽንያታዊ ከቢድ ጌርካ እዩ ዝርኣ።

ከምዚ ጌርና ኢና ነዛ መርበብ ሓበሬታ ፈቲን’ናያ

ኣሰናዳእቲ መርበብ ሓበሬታና፡ ከም ኣካል ስራሕ ናይ ተረካባይነት ነዚ መርበብ ሓበሬታ ይግምግምዎን ይፍትንዎን እዮም።
ኣብ ውሽጢ 2023 ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ዝስዕብ፡ እተፈላለየ ምምሕያሻት ክንገብር ኢና፦

  • ኣብ 2022 ብሓደ ደጋዊ ተዋሳኢ ብዛዕባ ተረካባይነት ናይዚ መርበብ ሓበሬታ ዝተገብረ ግምገማ።
  • ኣብ 2022 ካብ ጕጅለታት ኣትኵሮ (fokusgrupper) እተረኽበ ርድኢት።

እዚ መርበብ ሓበሬት በዚ ሕጂ ዘለዎ ዓይነት ብ23 ሕዳር 2022 እዩ ተሓቲሙ።
እቲ ዝርዝር ብዕለት 28 ሚያዝያ 2023 ብሓድሽ ተተኪኡ።