ከምዚ ገርና ንሰርሕ
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 17 12 2025
Informationsverige.se ንዓኻ ኣብ ሽወደን ሓድሽ ዝኾንካ በቲ ትርድኦ ቋንቋ ሓበሬታ ኣብ ሓደ ቦታ ክትረክብ ንኽትክእል ተባሂሉ ዘሎ እዩ። ንሕና ነዚ መርበብ ሓበሬታ ንኣልዮ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ኣብ ዞባ ምዕራባዊ ዮታላንድ ንርከብ። ኣብዚ ብዛዕባ ከመይ ከም እንሰርሕ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ምስ ብዓል መዝታትን ውድባትን ንተሓባበር ኢና
ንሕና ምስ Informationsverige.se እንሰርሕ፡ ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን፡ ኣርበትስፎርመድሊኘንን ካልኦት ብዙሓት ብዓል መዝታትን ውድባትን ንተሓባበር ኢና። ከምዚ ብምግባር ብዛዕባ እንታይ ክንጽሕፍ እዋናዊ ዘሎን፡ ዝኾነ ሓበሬታ ክንቅይር እንተድኣ ኣድልዩናን ንፈልጥ።
እቶም ጽሑፋት ብኽኢላታት ልክዕነቶም ይረጋገጽ እዩ
ኩሎም ኣብ Informationsverige.se ዘለዉ ጽሑፋት ብክኢላታት ብዓል መዝታትን ውድባትን ልክዕነቶም ይረጋገጽ እዩ። ስለ’ዚ እቲ ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ ክትኣምን ትኽእል ኢኻ።
ንኹሉ ዝሓቁፍ ጽሑፋት ክንጽሕፍ ንደሊ
ንኹሉ ዝሓቁፍ ጽሑፋት ክንጽሕፍ ኢና ንጽዕር። እዚ ክንብል ከለና፡ ንስኻ ከም ኣንባቢ መጠን እቲ ንጽሕፎ ነዚ ዝስዕብ ዘማልእ ገርና ክንጽሕፎ ንፍትን ኢና ማለት እዩ
- ነቲ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎን ድሕሪ ምንባብካ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ክርድኣካ
- እቲ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ንዓኻ ከም ዝምልከ ኮይኑ ክስምዓካ።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሽወደን ሓደስቲ ንዝኾኑ ሰባት ነቲ ጽሑፋት ኣንቢቦም እንታይ ርእይቶ ከም ዘለዎም ክነግሩና ንሓትት ኢና። ሽዑ ንኣብነት ዝኾነ ሓበሬታ እንተጎዲሉ ወይ ንምርዳእ ኣጸጋሚ እንተኾይኑ ክንፈልጥ ንኽእል።
ሕቶታትን መልስታቱን
ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ብዝረኸብናዮ ስታተስቲክ ተመርኲስና ኢና ነቶም እንትርጉሞም ቋንቋታት ንመርጾም። እቲ ስታተስቲክስ፡ ነቶም ሓተትቲ ዕቕባ ወይ ሓደስቲ ናብ ሽወደን ዝመጹ ሰባት ብብዝሒ ዝዛረብዎም ቋንቋታት የርኢ።
Informationsverige.se ብቐጻሊ ይሕደስ እዩ። ብክኢላ ዝተመርመረ ውዱእ ጽሑፍ ብሽወደንኛ ምስ ኣዳለና፡ ትርጉም ናይቲ ጽሑፍ ንእዝዝ። ብድሕሪኡ ነቲ ጽሑፍ ንሓትሞ።