ተረካባይነት
ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 23 12 2025
ኣብ Informationsverige.se ዘሎ ትሕዝቶ ብመሰረት ኩነታትካ ንኽትካፈሎ መሰል ኣለካ። እዚ ተረካባይነት ይበሃል። ንሕና ነዚ መርበብ ሓበሬታ ንኣሊ ብቐጻሊ ክሳብ ክንደይ ተረካቢ ምዃኑ ንምርምሮን ንፍትኖን ኢና። ኣብ እንታይ በጺሕና ከም ዘለናን ኣብ ተረካባይነት ጕድለታት ከም ዘሎ ኮይኑ ምስ ዝስምዓካን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ
እዚ መርበብ ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ተረካቢ እዩ?
Informationsverige.se ብኽፋል ምስ ሕጊ ናይ ተረካባይነት ንህዝባዊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ዝሰማማዕ እዩ። እዚ ማለት ቴክኒካዊ ስራሓት ናይዚ መርበብ ሓበሬታ ዝበዝሓ ሸነኹ ነቲ ሕጋዊ ረቛሒታት ተረካባይነት ዘማልእ ኮይኑ፡ ሓደ ሓደ ጉድለታት ግን ኣለዉ።
ተረካቢ ዘይኮነ ትሕዝቶ
ኣብ Informationsverige.se ኣብ ተረካባይነት እዞም ዝስዕቡ ጕድለታት ኣለዉ፦
- እቲ ናይ ጽሑፍ መንበቢ መሳርሒ ብሶማልኛን ትግርኛን ክትጥቀመሉ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ነቶም ቋንቋታት ደገፍ ስለዘይብሉ እቲ ጉድለት ክእረም ኣይከኣልን እዩ።
- መንበቢ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ኤክስፕሎረር ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ብምሉእ ተግባር ክትጥቀመሉ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ጉድለት ክእረም ኣይክእልን እዩ ምኽንያቱ ኢንተርኔት ኤክስፕሎረር ደጊም ስለ ዘይሕደስ።
ንውሱን ካብ ደጋዊ ተዋሳእቲ ዝተዳለወ ትሕዝቶ፡ ብመሰረት ሕጊ ተረካባይነት ትሕዝቶ ናይ ገለ ክፋል ንህዝባዊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ዓንቀጽ 12፡ እዚ ሕጊ ንኸይምልከቶ ንሓትት። እዚ ማለት ነቲ ትሕዝቶ ንምትዕርራይ ብዙሕ ግዜ ክወስድ እዩ ኢልና ስለ ንኣምን እዩ።
ነዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ከም ዝሰማማዕ ምግባር ከም ዘይምኽንያታዊ ከቢድ ገርና ገምጊምናዮ ኣለና፦
- ነቲ ናይ ተረካባይነት ደረጃ ዘየማልእን ብናይ ደገ ተዋሳእቲ ዝፈረየ ፒዲኤፍ ፋይላት
- ነቲ ናይ ተረካባይነት ደረጃ ዘየማልኣን ብናይ ደገ ተዋሳእቲ ዝፈረያን ፊልምታት።
ብኻልእ ቅርጺ ዝተዳለወ ትሕዝቶ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ነቲ ኣብ Informationsverige.se ዘሎ ትሕዝቶ ካብቲ ሎሚ ዘሎ ብኻልእ ቅርጺ ብዝተዳለወ ክትካፈሎ ምስ እትደሊ ምሳና ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣየናይ ትሕዝቶ ከም ትደልን በየናይ ቅርጺ ከም ትደልዮን ብኢ-መይል ሓብረና። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ 2–3 ናይ ስራሕ መዓልታት መልሲ ክንህበካ ኢና።
ኣብ ተረካባይነት ጕድለታት ክትሕብር ምስ እትደሊ
ኵሉ ግዜ ናይ’ዚ መርበብ ሓበሬታ ተረካባይነት ከነመሓይሾ ኢና ንጽዕር። ኣብዚ ገጽ ዘይተገልጸ ጉድለት እንተረኺባክ ወይ እዚ መርበብ ሓበሬታ ሕጋዊ ረቛሒታት ዘየማልእ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ ምሳና ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኢ-መይል ወይ ብተሌፎን ርኸበና።
ከምኡ’ውን ኣብዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክወሃበካ ክትሓትት ወይ ጸገማት ክትሕብር ትኽእል ኢኻ፤
ተሌፎን፦ 010-224 40 00 (ከም ኣርእስቲ Informationsverige.se ሃብ)
ብሓገዝና እንተዘይዓጊብካ
ንርእይቶታትካ ከመይ ጌርና ከም ንሕዞም እንተ ዘይኣዕጊቡካ፡ ምስ ብዓል መዚ ንዲጂታላዊ ምምሕዳር (DIGG) ርክብ ብምግባር ብዛዕብኡ ክትሕብሮም ትኽእል ኢኻ። ብዓል መዚ ንዲጂታላዊ ምምሕዳር (DIGG)፡ ኵለን ብዓል መዝታት ንሕጊ ናይ ተረካባይነት ንህዝባዊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ከም ዝኽተለኦ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎ።
እዚ ገጽ ብዕለት 28 ሚያዝያ 2024 ተሓዲሱ።