ኣብ ሽወደን ብዕድመ ምድፋእ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።
ብእግሮም ክኸዱ፡ ዝስዕስዑ፡ ኣብ ኮፍ መበሊ ኮፍ ዝበሉ፡ ኣብ ጥቓ ኮምፕዩተር ኮፍ ዝበሉን ኣብ መንበሪ ኣረጋውያን ምግቢ ዝበልዑን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዝተሳእሎ ኮላዥ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ምሽምጋል እዩ።

ብዛዕባ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣየኖት መሰላትን ዕድላትን ከም ዘለዎምን ብዛዕባ ኣየናይ ዓይነት ክወሃብ ዝኽኣል ሓገዝ ከም ዘሎን ከተንብብ ክትኽል ኢኻ። ብዛዕባ ኣድልዎ ዕድመን ነዚ እንተ ተቓሊዕካዮ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ጡረታን እናዓበኻ ምስ ከድካን ስራሕ ምስ ኣቋረጽካን ቍጠባኻ ብኸመይ ከም ዝጽሎን እውን እዩ። ድሕሪ ናይ ስራሕ ዓለም ብኸመይ ጽቡቕን ንጡፍን ህይወት ክትነብር ከም እትኽእልን ምስ ሸምገልካ ንጥዕናኻ ብኸመይ ክትከናኸኖ ከም እትኽእልን ክትሓስብ ክትክእል ኢኻ።

ናይ ቀረባ ዘመድካ ምስ ሞተ ብዛዕባ እንታይ ክትሓስብ ከም ዘለካ እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።