ሰብን ብዓል መዝታትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 19 1 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

ኣድሪያን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ሽወደን ግዒዙ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሽወደንን ኣብ ካልኦት ሃገራት ምስ ብዓል መዝታት ተራኺቡ ነይሩ እዩ። እንተኾነ ግን እቶም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ብዓል መዝታት ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝረኸቦም ዝነበረ ብዓል መዝታት ብእተፈልየ ኣገባብ ዝዓዩ ኢዮም ዝመስሉ፡ ካልእ ኣስማት እዩ ድማ ዘለዎም። ብዛዕባ ስራሕ ምድላይ ምኽሪ እንተ ደልዩ ምስየናይ ብዓል መዚ እዩ ክራኸብ ዘለዎ? ፍቓድ መምርሒ ማኪና ከውጽእ እንተ ደልዩ ምስየናይ ብዓል መዚ እዩ ክራኸብ ዘለዎ? ኵሎም ዝተፈላለዩ ብዓል መዝታት እንታይ ከም ዝሰርሑ ንምፍላጥ ቀሊል ኣይኮነን።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዘለዉ ብዓል መዝታት እዩ። እተፈላለዩ ብዓል መዝታት እንታይ ከም ዝሰርሑን ብዛዕባ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ክጸልወካ ዝኽእል ዝውስንዎን ከተንብብ ኢኻ። ካብ ሓደ ብዓል መዚ ንዝወሃበካ ውሳነ ከመይ ጌርካ ይግባይ ከም ትብሎ እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ካብ ብዓል መዚታት ዝወሃብ ሓበሬታ ክደልን ክረክብን ክኽእል መሰል ኣለዎ። ናጻ ኴንካ ሓበሬታ ምድላይን ነቲ ሓበሬታ ክትካፈሎ ምኽኣልን፡ ናይ ናጽነት ርእይቶን (åsiktsfrihet) ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን (yttrandefrihet) መሰረት እዩ። እቲ ሕጊ ብዛዕባ ሓበሬታ ናይ ሕብረተ ሰብ ንኣብነት ኣየኖት ሕግታት ከም ዘለዉ፡ ከምኡ’ውን ሓበሬታ ብዛዕባኻ ንኣብነት ኣብ ሓደ ብዓል መዚ ጕዳያት እንተ ኣለካ ኾይኑ እዩ።

እቶም ብዓል መዝታት እተፈላለየ ኵነታት ዘለዎም ሰባት ነቲ ካብ ብዓል መዝታት ዝወሃብ ሓበሬታ ንኽቕበልዎን ክርድእዎን ተኽእሎ ከም ዘለዎም ከረጋግጹ ኣለዎም። ንኣብነት ምስ መንግስትን ኮሙናትን ክትራኸብ ከለኻ ሽወደንኛ ዘይትዛረብ ዘይትኽእል ወይ ዘይርድኣካ እንተ ዄንካ ወይ ብቋንቋ ምልክት እንተ ዄንካ ትዛረብ፡ ተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ካብ ብዓል መዝታት ንዓኻ ብዝሰማማዓካ ቅርጺ (format) ንኣብነት ብረይል፡ ብቐሊሉ ተነባቢ ጽሑፍ ወይ ብናውቲ ሓገዝ ዝንበብ ጽሑፍ ዝሓዘ ሰነድ ክትረክብ ወይ ክትእዝዝ ክትክእል ኣለካ። እቲ ናይ ብዓል መዝታት ድጂታላዊ ሓበሬታ እውን ምስ ኵነታት ዝተፈላለዩ ሰባት ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ንኣብነት እቶም ብዓል መዝታት ነቲ ናቶም ቪድዮታት ብጽሑፍ ከሰንይዎን እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ብዓል መዝታት ዘሎ ሓበሬታ ብቐሊሉ ክርድኣካ ዝኽእልን ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ።

ኣብ ሽወደን ዝርከባ ብዓል መዝታት

ሽወደን ብዓል መዝታት፡ ዞባታትን ኮሙናትንኣለዋ። እተፈላለየ ዕዮን ሓላፍነታትን ኣለዎም።

ብዓል መዝታት

ኣብ ሽወደን ብኣማኢት ዝቝጸራ መንግስታውያን ብዓል መዝታት ኣለዋ። ነቶም ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ዝወሰኖም ሕግታት ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕሉ ከረጋግጹ ኣለዎም።

ዞባታት

ኣብ ሽወደን 21 ዞባታት ኣለዋ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ በቶም ኣብቲ ዞባ ዝነብሩ ሰባት እተመርጹ ፖለቲከኛታት ይሰርሑ። እተን ዞባታት ንኣብነት ናይ ኣገልግሎት ሕክምናን ህዝባዊ መጓዓዝያን ሓላፍነት ኣለወን። ሽወደን ኣብ 21 ዞባታት ዝተመቕለት እያ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ምምሕዳር ዞባ (länsstyrelse) ዝብሃል ብዓል መዚ ኣሎ።

ኮሙናት

ኣብ ሽወደን 290 ኮሙናት ኣለዋ። ሓንቲ ኮሙን ናይ ንኣብነት ከም ቤት ትምህርቲ፡ ሓልዮት ቈልዑን ሓልዮት ኣረጋውያንን ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ናይቲ ከባቢ ሓላፍነት ኣለዋ። ተቐማጦ ናይ ሓንቲ ኮሙን ብመንገዲ ናይ ኮሙን ምርጫ ገይሮም መን ከም ዝውክሎም ይመርጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣበየነይቲ ዞባን ኣበየነይቲ ኮሙንን ኢኻ ዘለኻ?

ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ህይወትካ ምስ ብዓል መዝታት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ናይ መንበሪ ፍቓድ ተመልክት እንተ ኣለኻ ዄንካ፡ ናብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ትኸይድ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዝጸልወካ ውሳኔታት ዝውስና ካልኦት ብዓል መዝታት እውን ኣለዋ። ንኣብነት ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነትን ብዓል መዚ ግብርን ዝኣመሰላ።

ይግባይ ምባል ንውሳነ ካብ ብዓል መዚ

ካብ ብዓል መዚ ጌጋ ኾይኑ ዝስምዓካ ውሳነ እንተ ተዋሂቡካ፡ ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ውሳነ ዝወሰነ ብዓል መዚ ከመይ ጌርካ ይግባይ ከም እትብል ክሕብረካ እዩ። እቲ ሓበሬታ ምስቲ ውሳነ ተተሓሒዙ እዩ ዝወሃበካ። ከመይ ጌርካ ይግባይ ከም ትብል፡ ነቲ ይግባይ እንተ ደንጎኻ መዓስ ክተእትዎ ከም ዘለካን ንኣብነት ገለ ሰነዳት ምስኡ ኣተሓሒዝካ ምልኣኽ ዘድልየካ እንተ ኾይኑን ኣብኡ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብነት፦ ኣኒታ ንሓደ ውሳነ ይግባይ ንኽትብል ሓገዝ ትረክብ ኣላ

ኣኒታ ጓል 73 ዓመት እያ፡ ካብቲ ኣብ ትነብረሉ ኮሙን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድማ ዘቤታው ሓገዝ ንምርካብ ኣመልኪታ ነይራ። ሓደ ተሓዝ ጕዳይ ደገፍ (biståndshandläggare) ኣኒታ ደገፍ ዘድልያ እንተ ኾይኑ ይምርምሮ። ድሕሪ እቲ መርመራ እቲ ተሓዝ ጕዳይ ደገፍ (biståndshandläggare) ነቲ ውሳነ ናብ ኣኒታ ብደብዳበ ይልእኮ። እቲ ዘመልከተቶ ስለ ዝተነጽገ ዘቤታዊ ሓገዝ ኣይክትረክብን እያ። ንሳ እዚ ጌጋ እዩ ብሃሊት እያ። እንታይ ክትገብር ኣለዋ? እብቲ ውሳነ ብዛዕባ ይግባይ ዝገልጽ ተጻሒፉ እኳ እንተ ሃለወ፡ ንሳ ግን ንምርድኡ ከቢድ እዩ ብሃሊት እያ። ኣኒታ ነቲ ናብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ብኸመይ ይግባይ ከም ዝብሃል ክሕብራ ግዴታ ዘለዎ ተሓዝ ጕዳይ ደገፍ (biståndshandläggare) ትድውለሉ።

ንሓደ ውሳነ ብኸመይ ይግባይ ከም ትብለሉ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ገሊኡ ኮሙናት ቤት ጽሕፈት ዜጋታት ናይታ ኮሙን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ሓደ ብዓል መዚ ንዝወሃበካ ውሳነ ከመይ ጌርካ ይግባይ ከም ትብሎ ትፈልጥ ዲኻ?

ዝተፈላለያ በዓል መዝታት እንታይ ይገብራ?

ኣብ ሽወደን ብዙሓት ብዓል መዝታት ኣለዋ። ብዛዕባ ገለ ካብተን ክትራኸበን ዘድልየካ ብዓል መዝታት ዝገልጽ ሓበሬታ እንሆ።

ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ነቲ ናይቶም ኣብ ሃገር ሽወደን ኪበጽሑ፡ ኪቕመጡ ወይ ዕቝባ ኪሓቱ ወይውን ዜግነት ዚደልዩ ሰባት ዘቕርቡዎ መጠየቕታ ይቕበልን ይምርምርን።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ንሓደ ብጽቡቕ ዝሰርሕ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ከበርክት ዘሎዎ ብዓል መዚ እዩ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ንደለይቲ ስራሕ፣ ስራሕ ንኽረኽቡ፡ ወሃብቲ ስራሕ ድማ መሳርሕቲ ንኽረኽቡ ይሕግዝ።

ገሊኦም ሓደስቲ መጽእቲ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ንኽኣትዉ መደብ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት እውን ኣለዎም። እዚ፡ መደብ መትከል እግሪ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነት ናይ መብዛሕትኡ ክፋል ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ሓላፍነት ኣለዎ። ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ኣብ እተፈላለየ ክፋላት ህይወት ቍጠባዊ ውሕስና ይህብ።

ከም ናይ ወለዲ መተካእታ ደሞዝ፡ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዑ፡ ክፍሊት መትከል እግሪን ካብ 14 መዓልታት ንላዕሊ ክትሓምም ከለኻን ዝኽፈለካ ክፍሊትን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ቍጠባዊ ሓገዛትን ክፍሊታትን ኣለዉ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነት ንምልክታኻ ተቐቢሉ መሰል ንኽፍሊት እንተ ኣለካ ኾይኑ ይውስን። ከምኡ'ውን ቍጠባዊ ሓገዛትን ክፍሊታትን ይኸፍሉኻ።

ግብሪ ምእካብን ግቡእ ግብሪ ትኸፍል ከም ዘለኻ ምቍጽጻርን ገለ ካብቲ ብዓል መዚ ግብሪ ዘለውዎ ዕማማት እዮም። ብዓል መዚ ግብሪ ሓላፍነት ናይ ህዝባዊ ምዝገባ ኣለዎ። እዚ መዝገብ ኣየኖት ሰባት ኣብ ሽወደን ከም ዝነብሩ፡ ኣበይ ከም ዝነብሩን እንታይ ዓይነት ቤተ ሰባዊ ዝምድና ከም ዘለዎምን ዝምዝግብ እዩ። ከምኡ'ውን ነቶም ኣብ ሽወደን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገቡ ሰባት ወረቐት መንነት ይህቡ።

ፖሊስ ንገበን ይምርምሩን ይቃለሱን። ድሕንነት ንምስፋሕን ገበን ንምውጋድን እውን ይጽዕሩ። ግዳይ ገበን እንተ ዄንካ ናብ ፖሊስ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ነፍስ ወከፍ ኮሙናት ናይ ሽወደን ኣሎ። ነቶም ዘድልዮም ተቐማጦ ናይታ ኮሙን ደገፍን ሓገዝን ይህቡ። ዕማም ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብከም ሕጊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝኣመሰሉ ብዝተፈላለዩ ሕግታት እዩ ዝቕየድ። ኣብ ሕጊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኣብነት መን ንቝጠባዊ ሓገዝ መሰል ከም ዘለዎን ብዛዕባ ማሕበራዊ ሓልዮትን ሰፊሩ ኣሎ።

ንርእስኻ ወይ ንስድራ ቤትካ ምንባይ ዘጸግመካ እንተ ኾይኑ ቍጠባዊ ሓገዝ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ኮሙንካ ብዝያዳ ኣንብብ።

ናይ ቤትጽሕፈት ትራፊክ ዕማም እቲ መገድታት ጥዑይ ምዃኑ ምክትታል፡ ባቡር ብሰዓታ ምምጻኣ፡ ናይ ትራፊክ ሓበሬታ ድማ እዋናዊ ምዃኑ ምርግጋጽ እዩ። ንሱ ነቲ ናይ ምምራሕ ማኪና ዚወሃብ ፈተናታትን መኣስ ናይ ምምራሕ ማኪና ፍቓድ ከም ዚወሃብን ንዚብሉ ጉዳያት ሓላፍነት ይወስድ።

ናይ መኪና መምርሒ ፍቓድ ዝህብ በዓልመዚ መጓዓዝያ (Transportstyrelsen) እዪ። ኣብ ዕዮ ናይ በዓልመዚ መጓዓዝያ ውሕስነት ትራፊክን ምቛም ሕጊ ትራፊክን እውን ይጠቓለሉ እዮም።

ብዓል መዚ ትምህርቲ ኵሎም ተመሃሮ ኣብ ውሑስ ሃዋህው ጽቡቕ ትምህርቲ ከም ዝረኽቡ ንምግባር ይዓዪ። ብዓል መዚ ትምህርቲ ነቲ ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ንቤት ትምህርቲ ዝምልከት ዝወሰንዎ ኣብ ምትግባር ይሕግዙ። ብዓል መዚ ትምህርቲ ንኣብነት ተመሃሮ እንታይ ክመሃሩ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ዕላም ኮርሳትን ዓይነት ትምህርትን (kurs- och ämnesplaner) የዳሉ።

ቍጽጽር ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ሽወደን ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝዓያን ነቲ ዘሎ ሕግታት ይስዕብኦ ምህላወንን ይቈጻጸር። እቲ ሸቶ ኵሎም ተመሃሮ ኣብ ውሑስ ሃዋህው ጽቡቕ ትምህርቲ ከም ዝረኽቡ ንምግባር እዩ። ኵሎም ሰባት ኣብ ቤት ትምህርቲ ገለ ነገር ጽቡቕ ከም ዘየለ ኮይኑ እንተ ተሰሚዕዎም ናብ ቍጽጽር ኣብያተ ትምህርቲ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።

መንግስታዊ ማእከል ኣገልግሎት ናይ’ቲ ሓያሎ ብዓል መዝታት ዝተሓባበርሉ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ሓላፍነት ኣለዎ።

እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ካልእ ገዲፍካ ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ንኽትጥቀም፡ ቅጥዕታትን ምልክታታትን ንኽትመልእ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ዘሎ ጕዳያትካ ሓበሬታ ክህቡኻን ዝተፈላለየ ምስኽር ወረቓቕትን መርትዖታትን ሓቲምካ ከተውጽእ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓያሎ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣርበትስፎርመድሊኘን ሓበሬታ ክትረክብን ንዕኡ ንኽትጥቀመሉ ሓገዝ ክትረክብን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኡ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት፡ ንወረቐት መንነት ከተመልክትን ካብኡ ክትወስዶን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት ብጀካ ብሽወደንኛ ኢንግሊዝኛን ብብዙሕ ካልኦት ቋንቋታት ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሰባት ይሰርሑ።

ኣብ ሽወደን ትፈልጠን ካልኦት ብዓል መዝታት ኣለዋ ድየን?

ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣየኖት በዓል መዝታት ተራኺብካ ኔርካ?

መን እዩ ነተን ብዓል መዝታት ዝቈጻጸረን?

ብዓል መዝታትን ኣብያተ ፍርድን እቶም ኣብኡ ዝሰርሑን፡ ስርሖም ከሰላስሉን ሕግታት ክኽተሉን ኣለዎም። ስለዚ እዩ ብኻልኦት ከም ተሓላቕ ፍትሕን (Justitieombudsmannen (JO)) ቤት ጽሕፈት ቻንስለር ፍትሕን (Justitiekanslern (JK)) ዝኣመሰሉ ብዓል መዝታት ቍጽጽር ዝግበረሎም።

ተሓላቕ ፍትሕን (Justitieombudsmannen (JO)) ቤት ጽሕፈት ቻንስለር ፍትሕን (Justitiekanslern (JK)) ኣብያተ ፍርድን ብዓል መዝታትን ንጕዳያትን ክርክራትን ብትኽክል ከም ዝሕዝዎም ከረጋግጹ ኣለዎም። ንባዕልኻ ወይ ንኻልእ ሰብ ብብዓል መዝታት ወይ ብቤት ፍርዲ ቅኑዕ ብዘይኮነ ኣተሓሕዛ ተታሒዝና ዝብል ርእይቶ እንተ ለካ ኾይኑ፡ ናብ ተሓላቕ ፍትሕን (Justitieombudsmannen (JO)) ቤት ጽሕፈት ቻንስለር ፍትሕን (Justitiekanslern (JK)) ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ። ዝኾነ ሰብ ከመልክት ይኽእል እዩ። እተወሰነ ዕድመ ክህልወካ የብሉን። ንኽትጠርዕ ሽወደናዊ ዜጋ ክትከውን ወይ ኣብ ሽወደን ክትነብር ኣየድልየካን እዩ።