መንነትን ባህልን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 6 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ መንነትን ባህልን እዩ። መንነትን እንታይ ምዃኑን ናይ ሓደ ሰብ መንነት ኣብ ህይወቱ ብኸመይ ከም ዝቀያየርን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ መንነትካ እውን ክትሓስብ ክትክእል ኢኻ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ናብ ሓንቲ ሓዳሽ ሃገር ምምጻእን ምስ ክልተ ባህልታት ምንባርን ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ኮይኑ፡ ምውህሃድ (integration) ንዓኻ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ እውን ክትሓስብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ እቶም ኣብ መላእ ዓለምን ኣብ ሽወደንን ዝብዓሉ ልምድታትን በዓላትን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ከም ሓድሽ ውላድ መጠን ስም፡ ዜግነትን ብሕጊ ምክልኻል ክትርክብን መሰል ኣለካ። ኣብ ህይወትካ ፍልጠትካ፡ ባህላዊ መንነትካ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ፡ ሃይማኖትካን ጾታዊ ዝምባሌኻን ከተማዕብል ክትኽእል ኢኻ። እቶም ንነብሶም ምስ ውሑዳን ዝቘጽርዋ ሰባት ምስ ሓደ ዓይነት መንነት ዘለዎም ካልት ሰባት ኮይኖም ናይ ገዛእ ርእሶም ሃይማኖት፡ ቋንቋን ባህልን ናይ ምጥቃም መሰል ኣለዎም።

ኵሉ ሰብ መንነት ናይ ምምዕባል መሰል ኣለዎ። መንግስቲ ንእተፈላለየ መንነት ብእተፈልየ መገዲ ከኽብር ኣይክእልን እዩ፣ መንነትካ ናይ ምምዝጋብ መሰል እውን የብሉን።

ኣነ መን እየ፡ ንስኻ መን ኢኻ፡ ንሕና’ኸ መን ኢና?

ንስኻ መን ኢኻ? ብዛዕባ እዚ ሓሲብካሉ ትፈልጥ’ዶ? ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ልክዕ ከምዚ ሕጂ ዘለካዮ ሰብ ዲኻ ክትከውን?

እዘን ሕቶታትን እዛ ጽሕፍትን ብዛዕባ መንነት እየን። መንነት ብዛዕባ ንሕና መን ምዃንናን ብዛዕባ ኣብ ገዛእ ርእስና ዘሎና ኣረኣእያን እዩ።

ኣብ ህይወት ዓበይቲ ለውጥታት ከጋጥም ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ንመንነት ዝምልከት ሕቶታት ኣገደስቲ ይኾኑ። ናብ ካልእ ሃገር ምግዓዝ ዓብዪ ለውጢ እዩ፣ ብዙሕ ሓሳባትን ስምዒታትን ከኣ ከበራብር ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ሓድሽ ልምድታትን ባህልታትን ምርካብ የሐጕሶም እዩ። ገሊኦም ከኣ ከቢድንን ኣጸጋምን ኮይኑ ይስምዖም። ክልቲኡ ስሚዒታት ንቡር እዩ። ንዅሉ እቲ ኣብ ሓዳስ ሃገር ዘሎ ሓድሽ ነገራት ንኽትለምዶ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

መንነትካ ኣብ ምሉእ ህይወትካ እናማዕበለ እዩ ዝኸይድ። ኵሉ እቲ ናብ ሽወደን ሒዝካዮ ዝመጻእካ ተመክሮታት ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘለካ መንነት ፈጢርዎ እዩ። ኵሉ እቲ ኣብ ሽወደን እትምኮሮ ነገራት እውን ንመንነትካ ክጸልዎ እዩ። ምስ ሓደስቲ ሰባት ክትራኸብ፡ ሓድሽ ቋንቋ ክትመሃርን ሓደስቲ ልምድታት ከተጥርን ኢኻ።

ኵሉ እቲ ንዓኻ ዘጋጥመካ ነገራት፡ እትሓስቦን ዝመስለካን፡ እትረኽቦም ሰባት ከምኡ'ውን ኣብ ዓለም ዘጋጥም ነገራት ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ዘለካ ኣረኣእያ ይጸልዎ እዩ። ተመክሮታት ኣብ ምቕራጽ መንነትካ እጃሞም የበርክቱ እዮም። ስለዚ መንነትካ ብኣኻን በቲ ኣብ ከባቢኻ ዘጋጥም ነገራትን እዩ ዝቕረጽ።

እዚ ገለ ካብቲ መንነት ብኸመይ ከም ዝቕረጽ ዘርኢ ኣብነታት እዩ። ኣብ ሓደ እዋን እተፈላለየ መንነት ክህልወና ይኽእል እዩ። ኣየኖት መንነት ኣለዉኻ?

ኣብነት፦ ምስ ክልተ ባህልታት ምንባር

ኣርያና ኣብ ሽወደን ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ተቐሚጣ ኣላ። ብዛዕባ መንነትን ባህልን ከምዚ ትብል፡ "ኣብታ ቕድሚ ሕጂ ዝነብረላ ዝነበርኩ ሃገር ብዙሓት ሰባት እተፈላለየ መንነትን ባህልን ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ገይሮም እዮም ዝሓስቡ፡ኣነ'ውን ኵሉ ግዜ ከምኡ እዩ ኢለ ይኣምን ነይረ። ሕጂ ግን ሰባት እተፈላለየ መንነትን ድርብ ባህልን ክህልዎም ይኽእል እዩ ኢለ እሓስብ። ከምዚ ኢለ ክሓስብ ንዓይ ብዙሕ እዩ ዘገድሰኒ"።

ንገሊኣቶም ኣብታ ሓዳስ ሃገር ንዘሎ ኵሉ ክቕበልዎ ኣገዳሲ እዩ። እንተዀነ ግን ገለ ክፋል ናይ ቀደም ህይወት ማለት ህይወት ቅድሚ ሽወደን ምምጻእካ ዝነበረ ምዕቃቡ እውን ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንዓኻ ኣገዳሲ ትብሎ እንታይ እዩ?

ምሕዝነትን ተመሳሳልነትን

መንነት ውልቃዊ እዩ። መንነትካ ናትካ ጥራይ እዩ። ከምኡ ክንሱ ምስ ካልኦት ሰባት ብጻይነት ከም ዝስምዓካ ዝገብር መንነትካ እዩ። ሃይማኖት ምስ ካልኦት ሰባት ብጻይነት ከም ዝስምዓካ ዝገብር ሓደ ክፋል ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ እምነት ኣለኩም፡ ሕደ በዓላት ተብዕሉን ንዓለም እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ትርእይዋን።

ሽወደናዊ፡ ኣመሪካዊ ወይ ሶማልያዊ እንተ ዄንካ ምናልባት ምስቶም ካብዘን ሃገራት ዝመጹ ካልኦት ሰባት ብጻይነት ይስምዓካ ይኸውን። ሓደ ዓይነት ቋንቋ ትዛረቡ፡ ልምድታትን ባህልታትንን ከምኡ'ውን ነቶም ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝግበሩ ኣየናይ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ዘይግሁድ ሕግታት ትፈልጥዎም ኢኹም።

ስለዚ መንነትና ብምሕዝነትን ተመሳሳልነትን እዩ ዝቕረጽ። ግን ብፍልልያት እውን። ንኣብነት ኣብ መንጎ ሽወደናዊ፡ ኣመሪካዊ፡ ወይ ሶማልያዊ ዘሎ ፍልልይ ወይ ኣብ መንጎ ሰበይቲ ወይ ሰብኣይ ምዃን ዘሎ ፍልልይ።

መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ምምስሳል ካብቲ ፍልልያት ዝዓበየ እዩ። በዓላት ሓደ ኣብነት እዩ። ኣብ ኵለን ሃይማኖታት እተፈላለየ በዓላት ዝበዓል እኳ እንተ ኾነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ብተመሳሳሊ መገዲ ኢና እነብዕል። መብዛሕትኡ ግዜ ጥዑም ምግቢ ንበልዕን ምስ ስድራ ቤትናን ፈተውትናን ድማ ንራኸብን።

ቀደምን ሕጅን

150 ዓመት ይገብር ሽወደን ሓንቲ ብሕርሻ እትናበር ሕብረተ ሰብ እያ ነይራ። ሓደ ዓይነት ስራሕ ከምቶም ወለዲ ዚዓይዎ ዝነበሩ ዕዮ ምዕያይ ልሙድ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ክገሹን ካብ ካልኦት ቦታታትን ባህልታትን ጦብላሕታ ከሕድሩን ብዙሕ ዕድል ኣይነበሮምን። ምስ ካብ ካልእ ማሕበራዊ ደርቢ ዝመጹ ሰባት ምርኻብን ብሓደ ግዜ ምሕላፍን እውን ልሙድ ኣይነበረን። ናይ ሰባት ክብርታትን ንዓለም ዝርእዩሉን መገድታትን ካብ እተወሰነ ዅነታት እዩ ዝብገስ ነይሩ።

ሎሚ ኣብ ሽወደን ኰነ ኣብ ሓያሎ ካልኦት ሃገራት ካብዚ እተፈልየ እዩ። ብዙሕ ዕድላት ኣሎ። ኣብ ዓለምለኻዊ ሕብረተ ሰብ ኢና እንነብር ዘለና፡ በቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ናይዛ ዓለም ብዘጋጥም ነገራት ድማ ብቐጻሊ ንጽሎ ኢና።

ሽወደን ብዙሓት ዝሓሸ ናብራ ንምንባር ዝገደፍዋ ሃገር እያ ነይራ። ሎሚ ሽወደን ካብ እተፈላለየ ክፋላት ዓለም ንዝመጹ ሰባት እትቕበል ሃገር እያ። ሰባት ናብ ሽወደን ብምግዓዞም ምስ ካልኦት ባህልታት፡ ልምድታትን ኣነባብራን ክንላለ ክኢልና።

ልምድታትን በዓላትን

ኣብ ኵለን ሃገራት ዓለም ሰባት በዓላትን ልምድታትን የብዕሉ እዮም። ሽዑ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ እተፈጸመ ፍሉይን ኣገዳስን ነገር ንምብዓል ይተኣኻከብ። መብዛሕትኡ ዝብዓል ልምድታትን በዓላትን ካብ ሃይማኖት ዝመጸ እዩ። ኣብታ ንኣማኢታት ዓመታት ክርስትያናዊት ሃገር ዝኾነት ሽወደን እውን ከምኡ እዩ። ሎሚ ኣብ ሽወደን ካብ እተፈላለያ ሃገራትን ሃይማኖታትን ዝመጽእ ልምድታትን በዓላትን ይብዓል ኣሎ። ናብ ሓንቲ ሃገር ሓድሽ ኣብ ዝኾንካሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓድሽ በዓላትን ልምድታትን ትፋለጥ ኢኻ።

እዚ ኣብነታት ናይቲ ኣብ ሽወደን ዝብዓል ገሊኡ በዓላት እዩ።

ኣብ ለካቲትን መጋቢትን ኣብ ሽወደን ብዙሓት ሰባት ሰምላ ዝብሃል ምቝር ሃንዛ ይበልዑ። ልዕጣጥ ለውዚ እተለኽየን ዝተወቕዐ ላህመት ዘለዎን ምቝር ሃንዛ እዩ። እዚ ልምዲ እዚ ካብቲ ሰባት ኣብ ሽወደን ዝጾሙሉ ዝነበሩ እዋን ኣትሒዙ ዝነበረ ልምዲ እዩ። ቅድሚ ጾም ምጅማሩ ሰባት ስቡሕ መግቢ ይበልዑ ነይሮም። እቲ ዝጸውም ሰብ ንኣብነት ብሃይማኖታዊ ምኽንያታት ንእተወሰነ እዋን ገለ ነገር ይሕረም። መብዛሕትኡ ግዜ ምግቢ እኳ እንተ ኾነ ግን ካልእ ነገራት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

በዓል ትንሳኤ ኣብ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ኣቢሉ ይበዓል። ሽዑ ዝኽሪ ሞትን ትንሳኤን እየሱስ ይበዓል። በዓል ትንሳኤ መብዛሕትኦም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት ምስ ፈተውቶምን ስድራ ቤቶምን ሓቢሮም ዘብዕልዎ በዓል እዩ። ኣብ እዋን በዓል ትንሳኤ እንቋቝሖ፡ ዕየት ሳልሞንን (ላክስ) ሲልን (ሳልሞንን ሲልን ዓይነት ዓሳ እዮም) ምብላዕ ልሙድ እዩ። ከምኡ'ውን ቈልዑ ኣብ ዓበይቲ እንቋቝሖ መሰል መትሓዚ ካራሜላ ክወሃቦም ልሙድ እዩ። ቅድሚ በዓል ትንሳኤ ብዙሓት ቈልዑ ባህላዊ ናይ ትንሳኤ ክዳውንቲ ይኽደኑ። ኣብ እንዳ ሰብ እንዳ ኳሕኵሑ ድማ ርሑስ ትንሳኤ ይምነዩ። ሽዑ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ቈልዑ ካራሜላ ይህቦም።

ኖሩዝ ኣብ ከም ፋርሳውያን ኩርዳውያን ኣፍጋኒኣውያን ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ህዝብታት በዓል ሓድሽ ዓመት እዩ። ኣብ ሽወደን ኖሩዝ መብዛሕትኡ ግዜ ሓድሽ ዓመት ፋርስ ወይ ኩርዳውያን ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ኖሩዝ መዓልትን ለይትን ሓደ ዓይነት ንውሓት ኣብ ዘለዎ 20፡ 21 ወይ 22 መጋቢት እዩ ዝበዓል። ኖሩዝ ጽድያ ሓንጐፋይ ኢልካ ንምቕባል እዩ ዝበዓል፡ ን13 መዓልታት ድማ ብብዙሕ ድግስን ምግብን ሓጐስን ይበዓል። ሰብ ብልዕሊኦም ዝሳገር ናእሽቱ ሃልሃልታ ድማ ይውልዑ።

30 ሚያዝያ ድሮ ዋልፐርጊስ (ቫልቦርይሜሳፍቶን) እዩ። ብዙሓት ሰባት ጽድያ ይኣቱ ስለ ዘሎ የብዕልዎ። ዓብዪ ሃልሃልታ (ዳሜራ) ኣንዲድካ ደርፊ ብዛዕባ ጽድያ ምድራፍ ልሙድ እዩ።

ግንቦት 01፡ መዓልቲ ሰራሕተኛታት እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ድማ፡ ካብ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ይብዓል ነይሩን ኣሎን። ግንቦት 01፡ ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን የዕሪፎም ዝውዕሉሉ መዓልቲ እዩ። ኣብ ግንቦት 01፡ ንምኽባር መሰል ሰራሕተኛታት ዝዓለመ ሰልፊ ይግበር።

ዕለተ-ዕርገት ድሕሪ ፋሲካ ኣብ 40 መዓልታ ትውዕል። የሱስ ድሕሪ ሞቱ ንምድሪ ዝገደፈላ እዋን ንምዝካር ትበዓል። ዕለተ-ዕርገት ህዝባዊ በዓል እያ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ’ዛ እለት እዚኣ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ እዮም ፣ ሓያሎ ድኳናት ድማ ዕጹው እዩ።

6 ሰነ ናይ ሽወደን ሃገራዊ መዓልትን ህዝባዊ በዓልን እዩ። ኣብ ሃገራዊ መዓልቲ ገሊኦም ሰባት ባህላዊ ክዳውንቲ ይኽደኑ እዮም። እቲ ባህላዊ ክዳውንቲ ካበየናይ ክፋል ሽወደን ከም ዝመጻእካ ተመርኵሱ ዝተፈላለየ ምስሊ ኣለዎ።

ድሮ መፋርቕ ክረምቲ (ሚድሶምማርኣፍቶን) ኣብ ሽወደን ሓደ ህቡብ በዓል እዩ። ድሮ መፋርቕ ክረምቲ ወትሩ ካብ 19 ሰነ ክሳዕ 25 ሰነ ኣብ ዘላ ዓርቢ ይብዓል ። ኣብ ሽወደን መፋርቕ ክረምቲ፡ ሽወደን ክርስትያን ቅድሚ ምዃና ኣዚዩ ኣቐዲሙ እዩ ዝበዓል ነይሩ። ኣብ ድሮ መፋርቕ ክረምቲ ሰብ ኣብ ዙርያ ዓንዲ መንፈቕ ክረምቲ ክስዕስዕ ዝውቱር እዩ። ሓደ ብኣቝጽልትን ጕንጕን ናይ ዕምባባታትን እተሸፈነ ዓንዲ እዩ። ብዙሓት ዓበይቲ ሰባትን ቈልዑን እውን ኣብ ጸጕሮም ጕንጕን ናይ ዕምባባታት ይገብሩ እዮም። ኣብ መፋርቕ ክረምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሲል ሳልሞን ሓድሽ ድንሽ ከምኡ'ውን ስትሮውቤሪ ኢኻ ትበልዕ።

መስከረም ወይ ነሓሰ ኣቢሉ፡ 'ዮም ኪፕፑር' ዝተሰምየ ኣገዳሲ በዓል እብራውያን ይኽበር። እዚ በዓል እዚ፡ ብጾም፡ ጸሎት፡ ቅዳሴን ከባቢኻ ንዘለዉ ሰባት ይቕረ ብምሕታትን ይብዓል። ዮም ኪፑር፡ ዕለተ-ዕርቂ (መዓልቲ ስኒት) ድሕሪ 10 መዓልታት ካብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት እብራውያን (ሮሽ ሃሻና) ኣብ ዘሎ ዕለት ይኽበር።

ፌስታ ምውታን፡ ኣብ መንጎ 31 ጥቅምትን 06 ሕዳርን ዘላ ቀዳም ይውዕል። እዚ በዓል'ዚ፡ ምዉታን ዝዝከሩሉ ናይ ክርስትያን በዓል እዩ። ብዙሓት ሽወደናውያን፡ ናብ መቓብር ብምኻድ ኣብቲ ናይ ኣዝማዶም ወይ ብጾቶም መቓብር ሽምዓ ይውልዑ።

13 ታሕሳስ መዓልቲ ሉስያ ዝበዓለሉ እዩ። ኣብ ሽወደን መዓልቲ ሉሲያ ድሕሪ ቘራሪ ወርሓት ሓጋይ ምእንቲ ብርሃን ክምለስ ይበዓል። ኣብ መውዓሊ ህጻናትን ኣብያተ-ትምህርቲን ዝኸዱ ቈልዑ ብዛዕባ ሉሲያን በዓል ልደትን መዝሙር ይዝምሩ።

ልደት ንልደት እየሱስ ንምዝካር ዝበዓል ክርስትያናዊ በዓል እዩ። ስድራ ቤታት ብሓደ ግዚኦም ንኸሕልፉ፡ ምግቢ ንምኽሻን፡ ንምብላዕን ህያባት ነንሕድሕድካ ንምሃብን ይእከቡ። እዚ ህያባት እዚ ህያባት ልደት ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ኣብ ሽወደን ከኣ ድሮ ልደት 24 ታሕሳስ ይወሃብ። ኣብ እዋን በዓል ልደት ኣብ ገዛኻ ጽሕዲ ገርካ፡ ነቲ ጽሕዲ ብገመድ ዝተተሓሓዘ መብራህቲ፡ መጸባበቒ ዑንቅታትን ብልጭልጭ ዝብል መጸባበቕን ምሽፋን ዝውቱር እዩ።

ራማዳን ናይ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ጾም እዩ ። ንሓደ ወርሒ ይጽወም። ኣብ እዋን ራማዳን ብዙሓት ዓበይቲ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳብ ዕራርቦ ጸሓይ ኣይበልዑን፡ ኣይሰትዩን፡ ሽጋራ ኣየትክኹን ወይ ጾታዊ ርክብ ኣይፍጽሙን እዮም። ራማዳን ኢድ ኣል-ፈጥር ብዚበሃል ዓብዪ ድግስ እዩ ዝዛዘም። ነፍሰ-ጾር ዝኾናን፡ ጻግነ ዘለወንን ወይ ዘጥብዋ ኣዴታት ግድን ክጾማ ኣየድልየንን እዩ። እንተ ኣሪግካ ወይ እንተ ሓሚምካ እውን ኣየድልየካን እዩ። ዓመት እስላም ንወርሒ ስለ ዝስዕብ፡ ራማዳን ኣብ እተፈላለየ እዋናት እዩ ዝውዕል።