ምዕባለ ደሞክራሲ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

ኣብ ሽወደን ቅድሚ ኣስታት ሚእቲ ዓመት ይገብር ኵሎም ዓበይቲ ኣንስትንን ደቂ ተባዕትዮን ንኽመርጹ መሰል ተዋሂብዎም። እዚ ኣብ ምዕባለ ደሞክራሲ ሽወደን ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ ነይሩ። ቅድሚኡ ሓደ ሓደ ጕጅለታት ኣብ ሕብረተሰብ ጥራይ እዮም ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ ክመርጹ ዝፍቀደሎም ነይሩ። ንኣብነት ኣታዊኻን ጾታኻን ክትመርጽ ትኽእል እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ይውስን ነይሩ። ናይ ሽወደን ደሞክራሲ ብቕልጡፍ እዩ ማዕብሉን ገና ክሳብ ሕጂ ድማ መዓልታዊ ይምዕብል ኣሎ። እቲ ሎሚ እንገብሮ ነገራት፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ንደሞክራሲ ይጸልዎ እዩ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ምዕባለ ደሞክራሲ እዩ። ብዛዕባ ደሞክራሲ ኣብ ኣውሮጳን ሽወደንን ብኸመይ ከም ዝማዕበለ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ሽወደንን ንደሞክራስያዊ ምዕባለ ኣገዳስቲ ዝነበሩ ሓደ ሓደ ፍጻመታት ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐጥታ ወይ ንተወከልቱ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ብምምራጽ ኣብ ምምሕዳር ሃገሩ ናይ ምክፋል መሰል ኣለዎ።

ናጽነት ርእይቶን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን እውን ኣለካ። እዚ ዝደለኻዮ ርእይቶ ክህልወካን ክትሓስብን መሰል ኣለካ ማለት እዩ። ሓሳባትካን ርእይቶካን ናብ ካልኦት ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክትዝርግሕ እውን ትኽእል ኢኻ። ግን ነቲ ናይ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባትን ጕጅለታትን ጽልእን ጸለመን ንምዝርጋሕ ክትጥቀመሉ ኣይፍቀደካን እዩ። ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ማሕበራትን ክትሳተፍን ከተዳልዎምን እውን መሰል ኣለካ። ይዅን’ምበር ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ንኸትሳተፍን ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ንኸትከውንን እውን መሰል ኣለካ።

ምዕባለ ደሞክራሲ ኣብ ኤውሮጳ

ታሪኽ ኣውሮጳ ካብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣጸቢቑ ዝረሓቐ እዩ ነይሩ። ደሞክራሲ ቅድሚ ነቲ ዝነበረ ስርዓታት ጥሒሱ ተፈላጥነት ምርካቡ ሓደ ገዛኢ ንኣብነት ሓደ ልኡል፡ ንግስቲ ወይ ንጉስ እዩ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ዝገዝእ ዝነበረ። ደሞክራሲ ኣብ ኤውሮጳ ዝደንፈዐ፡ሰባት ብዝያዳ ማዕርነት ዘለዎ ምክፍፋል ናይ ስልጣን ክህሉ ስለ ዝደለዩ እዩ።

ኣብዚ ጽሑፍ ኣብ ኣውሮጳ ንደሞክራስያዊ ምዕባለ ኣገዳስቲ ዝዀኑ ሓደ ሓደ ፍጻመታት ተገሊጾም ኣለዉ።

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝወሓደ ስልጣን ረኺባ

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ንኣማእታት ዓመታት ብዙሕ ስልጣን ነይርዋ። እቶም ዝገዝኡ ዝነበሩ ገዛእቲ ስልጣኖም ካብ ህዝቢ ዘይኰነስ ካብ ኣምላኽ ከም ዝረኽብዎ ኾይኑ ይስምዖም ነይሩ። ኣብ መጀመርታ መበል 16 ክፍለ ዘመን ብዙሓት ሰባት ንቤተ ክርስትያን ክቕይርዋ ደለዩ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ኣብ ክርስትያናዊ እምነት ንላዕሊ ብዝያዳ ብዛዕባ ስልጣንን ገንዘብን እያ ትግደስ ዝብል ርእይቶ ነይርዎም። ብዙሓት ገዛእቲ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሓራ ወጺኦም እቲ ዝበዝሓ ስልጣን ባዕሎም ክውንንዎ ደለዩ። ኣብ ኣውሮጳ ዝነበራ ሓያሎ ሃገራት ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ወጺኤን ፕሮተስታንት ኰና። እዚ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እተገብረ ለውጢ ምምሕያሽ (reformationen) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ክርስትያናዊት ቤተ-ክርስትያን ከም እትከፋፈልን ከም እትደክምን ገበረ።

ኣብ መበል 18ን 19ን ክፍለ ዘመን ሓድሽ ሓሳባት ብዛዕባ ሰብ

ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብመዋእል ንቕሓተ- ኣእምሮ ዝፍለጥ ግዜ ጀሚሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ሰባት ኣብ እተፈላለዩ ስነ ፍልጠት እተፈላለዩ ርኽበታት ረኺቦም። ፈላስፋታት ንሰባት ብገዛእ ርእሶም ክሓስቡ ከም ዝኽእሉን ወትሩ ነቲ ቤተ ክርስትያን ወይ እቶም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ዝበልዎ ክስዕብዎ ከም ዘየድልዮምን ምስ ገለጽሎም፡ ሰባት ካብ ቤተ ክርስትያን ክርሕቑ ጀመሩ። ሰባት ሕብረተሰብ ብኸመይ ክህነጽ ከም ዘለዎ ሓድሽ ሓሳባት ክሓስቡ ጀመሩ። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ሰባት ከንብቡ ስለ ዝኽእሉ ዝነበሩ እቲ ሓሳባት ተዘርግሐ።

ሃገራት ኣውሮጳ በቲ ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እተገብረ ሰውራ ተተባብዐ።

ሰውራ ኣመሪካ ዝጀመረ እቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣብ ባይቶ ብሪጣንያ ክካፈሉ ስለ ዘይተፈቕደሎም እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብሪጣንያውያን ነታ ሕጂ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትበሃል ከም ሓንቲ ግዝኣት የመሓድርዋ ነይሮም። ኣመሪካውያን ሰውራ ጀመሩ፡ ንብሪጣንያ ምስ ሰዓርዋ ከኣ ርእሰ ምሕደራ ረኸቡ። እታ ሓዳሽ እተመስረተት ሃገር ነቲ ናይ ፈረንሳዊ ፈላስፋ ሞንቴስኲዩ ናይ ሓንቲ ሃገር ምሕደራ ብኸመይ ክህነጽ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሓሳብ ተጠቀመትሉ። እቲ ምሕደራ ሰለስተ ክፋላት ዝሓቘፈ እዩ፣ እቲ ሕግታት ዝሕግግን ውሳነታት ዝውስንን ሓጋጊ ኣካል፡ እቲ ውሳኔታት ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕሉ ዝገብርን ሕግታት ከም ዝስዓቡ ዘረጋግጽን ፈጻሚ ኣካል፡ ከምኡ'ውን እቲ ንሕግታት ዝትርጕምን ነቶም ሕግታት ዝጥቀመሎምን ፈራዲ ኣካል እዮም። እዚ ንስልጣን ዝመቓቕል ኣገባብ ነተን ደሓር ደሞክራስያዊ ስርዓታት ዝኾና ብዙሓት ሃገራት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዀነ።

ሰውራ ኣመሪካ ዝረኸቦ ዓወት ነተን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ሃገራት ኣተባቢዒወን እዩ። ንኣብነት ኣብ ፈረንሳ ብዙሓት ሰባት በቲ ንጉስ ነታ ሃገር ዝገዝኣሉ ኣገባብ ሕጕሳት ኣይነበሩን። እታ ሃገር ኣብ እተፈላለየ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ውግኣት ተኻፊላ እያ። ኣብ ርእሲ እዚ ምህርቲ ሕርሻ ንብዙሕ ዓመታት ሕማቕ ስለ ዝነበረ እቲ ህዝቢ ዝበልዖ ኣይነበሮን። እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘለዋ ኣብ ምውሳን ናይ ምክፋል መሰል ደለዮም። ኣብ መወዳእታ እቶም ህዝቢ በቲ ብ1789 ዝጀመረ ሰውራ ነቲ ንጉስ ካብ ስልጣኑ ዓለውዎ። እቲ ሰውራ ደማዊ ኢዩ ነይሩ፡ ንኣብነት እቲ ሽዑ ዝነበሩ ንጉስን ንግስትን ከምኡ'ውን ካልኦት ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም።

ሰውራ ፈረንሳ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ንደሞክራስያዊ ምዕባለ ኣብ ኣውሮጳን ሽወደንን ዝጸለዉ ኣገዳሲ ፍጻመታት ኰነ። ድሕሪ እቲ ሰውራ ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ሓደ ሓድሽ ሕጊ ንኸውጽእ ወሲኑ። እቲ ሕጊ ስልጣን ካብ ህዝቢ ክብገስ ከም ዘለዎን ዝዀነ ይኹን ሰብ ድማ ካብ ካልእ ንላዕሊ ክብሪ ከም ዘይብሉን ይገልጽ ነበረ። ይኹን'ምበር ኣብ ፈረንሳ ብቐዳምነት መሰላት ዝረኸቡ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ነይሮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ መሰላት ንደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ሰባት እዩ ዝምልከቶም ዘሎ።

ምዕባለ ደሞክራሲ ኣብ ሽወደን

እተፈላለዩ ፍጻመታት ኣብ ሽወደን ንምዕባለ ደሞክራሲን ሎሚ እዚ ሕብረተ ሰብ ከመይ ከም ዝመስል ዘሎን ጸልዮሞ እዮም። ኣብ መበል 19ን መጀመርታ መበል 20ን ክፍለ ዘመን እተፈጸሙ ገሊኦም ፍጻመታት ብፍሉይ ኣገደስቲ እዮም። እዚኦም ንዘመናዊትን ደሞክራስያዊትን ሽወደን መሰረት ኣንቢሮም እዮም።

እዛ ሃገር ደሞክራስያዊት ቅድሚ ምዃና ግን ኣብ ሽወደን ዝነበረ ሕብረተሰብ ከመይ ይመስል ነበረ? እቲ ንጉስ ብዙሕ ስልጣን ነበሮን ብኣምላኽ ከም ዝተመረጸ ጌርካ ይርኣ ነበረን። መብዛሕትኦም ቈልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይከዱን እዮም ነይሮም። መብዛሕትኦም ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ሽወደን ብኸመይ ክትመሓደር ከም ዘለዋ ኣብ ምውሳን ክሳተፉ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። ብርግጽ ነቲ ኵነታት ንምቕያሩ ነዊሕ ግዜ እዩ ወሲዱ።

ኣብዚ ጽሑፍ ኣብ ሽወደን ንደሞክራስያዊ ምዕባለ ኣገደስቲ ዝኾኑ ሓደ ሓደ ፍጻመታት ተገሊጾም ኣለዉ።

መበል 18 ክፍለ ዘመን፡ መዋእል ሓርነትን ብዛዕባ ናጽነት ሕትመት ዝገልጽ ሓድሽ ሕግን

ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ሽወደን ሓደ ሓድሽ ዓይነት ስርዓት መንግስቲ ኣተኣታትያ። ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ኣርባዕተ እተፈላለዩ ብደምበ ዝጽውዑ ጕጅለታት ተመቕለ፣ እዚኣቶም ከኣ ልዑላውያን፡ ካህናት፡ ዜጋታትን ገባሮን እዮም። ነፍሲ ወከፍ ደምበ ብዛዕባ ሓድሽ ሕግታትን ቀረጽን ንዝምልከት ጕዳይ ሓደ ድምጺ ነበሮ። እቲ ሓድሽ ባይቶ ሽወደን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ እኳ እንተ ዘይተመርጸ ብዙሓት ሰባት ግን ኣብ ምውሳን ክሳተፉ ተፈቒድዎም ነበረ። ስልጣን ኣብ ሕብረተ ሰብ ተመቓረሐ፡ ዝያዳ ናጽነት ዝርከበሉ እዋን ድማ ጀመረ። ስለዚ እዩ እዚ እዋን እዚ መዋእል ሓርነት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሃገራዊ ባይቶ ብኽልተ ሰልፍታት ዝቘመ እዩ ነይሩ። እቶም ብሃታና (ሰብ ባርኔጣታት) ዝፍለጡ ብቐዳምነት ናይቶም ልኡላት ሰልፍን፡ እቶም ብሞሱና (ሰብ ቆብዕ) ዝፍለጡ ብቐዳምነት ናይቶም ታሕተዎት ማሕበራዊ ደርቢ ሰልፊ እዮም ነይሮም። ንጉስ ጉስታቭ ሳልሳዊ ብ1772 ዕልዋ መንግስቲ ምስ ገበረ እቲ መዋእል ሓርነት ኣብቅዐ። ሽዑ እቲ ንጉስ ዝያዳ ስልጣን ረኸበ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ስልጣን ኣጥፍኣ።

ድሮ ካብ 1766 ኣትሒዙ ሽወደን ኵሉ ሰብ ዳርጋ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ጽሑፋት ክጽሕፍን ከሕትምን ክሓትምን መሰል ከም ዘለዎ ዚገልጽ ብዛዕባ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ናጽነት ሕትመትን ዝገልጽ ሕጊ ኣውጺኣ ነይራ። ቅድሚ 1766 ሽወደን ሜማ (ሳንሱር) ዝትግበረላ ሃገር ኢያ ነይራ። እቶም ሰበ ስልጣን እተሰማምዑሉ ነገራት ጥራይ እዩ ክጸሓፍን ክሕተምን ዝፍቀደሉ ነይሩ። ኵሎም ዝሕተሙ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ኣቐዲሞም ተቐባልነት ክረክብ ነበሮም። እቲ ሕጊ ንሸሞንተ ዓመት ጥራይ እኳ እንተ ኣገልገለ ኣብ ደሞክራስያዊ ታሪኽ ሽወደን ግን ኣገዳሲ ለውጢ እዩ።

1809፡ ሽወደን ሓደ ሓድሽ ቅዋም ኣውጺኣ

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሽወደን ተቐይራ። ብ1809 እቲ ንጉስ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ። ሽወደን ዝወሓደ ስልጣን ዝነበሮ ሓደ ሓድሽ ንጉስ ነገሳ። ብ6 ሰነ ኣብታ ዓመት እቲኣ ሽወደን ናይ 1809 ወግዓዊ ሰነድ መንግስቲ (regeringsform)ዝጽዋዕ ሓደ ሓድሽ ቅዋም ኣውጸኣት። እቲ ሕጊ ንስልጣን ናይቲ ንጉስ ነከዮ። ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ዝያዳ ስልጣን ረኸበ፡ ኣብያተ ፍርዲ ድማ ዝያዳ ናጽነት ረኸባ። 6 ሰነ ሃገራዊ መዓልቲ ሽወደን እያ።

ስልጣን ኣብ መንጎ ንጉስን ሃገራዊ ባይቶን እኳ እንተ ተመቕለ ሽወደን ግን ዝማዕበለት ደሞክራሲያዊት ሃገር ኣይነበረትን። እንተዀነ ግን እዞም ሓድሽቲ ሕግታት ንሽወደን ዝያዳ ደሞክራስያዊት ንኽትከውን ዝቐለለ ገበሩላ። ንኣብነት ሰባት ሓሳባቶምን ርእይቶኦምን ንኽዛረቡን ክጽሕፉን ቀሊል ኮነሎም።

እቲ ናይ 1809 ወግዓዊ ሰነድ መንግስቲ (regeringsform) ክሳዕ 1975 ብወግዒ ኣገልጊሉ። ሽወደን ብ1974 ሓደ ሓድሽ ወግዓዊ ሰነድ መንግስቲ (regeringsform) ኣውጺኣ። እዚ ሕጂ ኣብ ሽወደን ዘገልግል ዘሎ ወግዓዊ ሰነድ መንግስቲ (regeringsform) እዩ።

1842፡ ኵሎም ቈልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ክኢሎም

ብ1842 ኵሎም ቈልዑ ምእንቲ ክመሃሩ ኣብ ሽወደን ግዴታዊ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ተተኣታተወ። ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ኣዚዮም ብዙሓት ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ክምሃሩ ክኢሎም። እዚ ነቲ ናይ ሽወደን ደሞክራስያዊ ምዕባለ ሓደ ኣገዳሲ ቅድመ-ኵነት እዩ ነይሩ።

ስለምንታዩ ትምህርትን ቤት ትምህርትን ንደሞክራሲ ኣገዳስነት ዘለዎ ይመስለካ?

1866፡ ጽምዶ ባይቶ ዘለዎ ሃገራዊ ባይቶ ተኣታትዩ

ብ1865 እቶም ኣርባዕተ ብደምበ ዝጽውዑ ጕጅለታት ናይ ሃገራዊ ባይቶ (ልዑላውያን፡ ካህናት፡ ዜጋታትን ገባሮን) በሪሶም። ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ክንድኡ ብ1866 ጽምዶ ባይቶ ዝጽዋዕ ክልተ ክፍልታት ኣተኣታትዩ፣ ቀዳማይ ባይቶን ካልኣይ ባይቶን። ካብ 1971 ኣትሒዙ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ሓንቲ ባይቶ ጥራይ እዩ ዘለዎ።

መበል 19ን 20ን ክፍለ ዘመን፡ እዋን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሽወደን

ኣብ መበል 19 ዘመን ኣብ ሽወደን እተፈላለያ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ተበጊሰን። ሰባት ኣብ ሕብረተ ሰብ ሽወደን እተፈላለየ ጸገማት ይርእዩ ነይሮም፣ ማለት ጸገም ኣልኮላዊ መስተ፡ ሕማቕ ኵነታት ስራሕ፡ ሕማቕ ኣባይቲን ከምኡ'ውን ደቅንስትዮ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ይግበረለን ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ህዝቢ እንተ ተሓባቢሩ እቲ ጸገም ክፍታሕ ከም ዝኽእል ሓሰቡ። እቶም ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ሰባት ክራኸቡ፡ ብማሕበር ክውደቡን ብሓባር ኰይኖም ድማ ነቲ ጸገማት ክፈትሕዎ ክፍትኑ ከኣሉን።

ከም ምንቅስቓስ ምሕራም ኣልኮላዊ መስተ፡ ናጻ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ምንቅስቓስ ደቀንስትዮ፡ ምንቅስቓስ ገባሮ፡ ሊበራላዊ ምንቅስቓስ ንመሰል ምድማጽን ምንቅስቓስ ሸቃሎን ዝኣመሰላ ብዙሓት እተፈላለያ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ተቐልቀላ። እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ንደሞክራሲ ኣገዳስነት ነይርዎ እዩ፣ ከመይሲ ንኣብነት ሰባት ንፖለቲካ ብኸመይ ከም ዝጸልውዎን ከም ዝቕይርዎን ስለ ዝተማህሩ። እቶም ኣብቲ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዝነጥፉ ዝነበሩ ሰባት፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ባይቶ ዝግበር ዝነበረን ክሳብ ሕጂ እውን ዝግበር ዘሎን፣ ይእከቡ፡ ይካትዑን ንምውሳን የድምጹን ነይሮም። እዚ ካብ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ እተገብረ ቃልሲ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ተርእዮ እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝነጥፉ ዝነበሩ ሰባት ድምጾም ኣስሚዖምን ንመንግስቲ፡ንቤተ ክርስትያንን ካልኦት ሰበ ስልጣንን እውን በዲሆሞም ነይሮም።

1918–1921: ምዕባለ ደሞክራሲ - ሓፈሻውን ማዕረን መሰላት ምድማጽ

ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ሽወደን ዝነበሩ ሰባት ምእንቲ ሓፈሻውን ማዕረን መሰላት ምድማጽ ንኽቃለሱ ክወዳደቡ ጀሚሮም። ቅድሚኡ ሒደት ክፋል ህዝቢ ሽወደን ጥራይ እዮም ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ ክመርጹ ዝፍቀደሎም ነይሩ። መን ክመርጽ ከም ዝፍቀደሉ ዝወስን ሃብቲ ናይቲ ሰብን እቲ ሰብ ወዲ ተባዕታይ ድዩ ወይስ ጓል ኣንስተይቲ ዝብል እዩ ነይሩ። እተወሰነ ሃብቲ እንተ ዘይነበረካን ወይ ጓለንስተይቲ እንተ ዄንክን ክትመርጽ ወይ ክትመርጺ ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ።

ብ1909 ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ሽወደን ንደቂ ተባዕትዮ ሓፈሻዊ መሰል ምድማጽ ክህልዎም ወሲኑ። ግብሪ ዝኸፍሉን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙን ልዕሊ 24 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ ኣብቲ ምርጫ ናብ ካልኣይ ክፍሊ ባይቶ ክመርጹ ተፈቕደሎም። እቲ ብፋቲግቮርደን (fattigvården) ዝፍለጥ ዝነበረ ሓልዮት ናይ ድኻታት ዝኣለዮም ወይ ተኣሲሮም ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ክመርጹ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ ።

ኣብ ቀውዒ 1918 ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ሰላም ኮነ። ሽወደን ኣብቲ ውግእ ኣይተኻፈለትን፡ በቲ ውግእ ግን ተጸልያ እያ። ደቂ ተባዕትዮን ደቂንስትዮን ኣብቲ እዋን ውግእ ኣብ ሕርሻ ኢንዱስትሪን ኣብ ኣባይቶምን ክሕግዙ ነበሮም። ብዙሓት ሰባት እቲ ህዝቢ ኣብ እዋን እቲ ውግእ ኣበርቲዑ ስለ ዝተቓለሰ ናይ ምርጫ መሰል ክወሃቦ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ነበሮም።

ብ1919 ዓ.ም ሃገራዊ ባይቶ ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ ክመርጻ ክፍቀደለን ወሰነ። ኣብቲ ብ1921 እተገብረ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶ ሓፈሻውን ማዕረ ናይ ድምጺ መሰላትን ኣብ ግብሪ ወዓለ። ደቂንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ክመርጹ ክኢሎም። ሽዑ ድምጺ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ማዕረ ክብሪ ነበሮ።

ግን ብ1921 ኵሉ ሰብ ድዩ ክመርጽ ክኢሉ? ኣይፋሉን፡ 55 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ጥራይ እዩ ክመርጽ ክኢሉ ነይሩ። ብዙሓት ጕጅለታት ካብቲ ማሕበረ ሰብ ክመርጻ ኣይክእላን ነይረን። ንኣብነት እቶም ቅድሚኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ፡ ዕዳ ናይ ብዙሕ ቀረጽ ዝነበሮምን ከም እኹላት ሰባት ዘይቍጸሩ ዝነበሩን ክመርጹ ኣይተፈቕደሎምን ነይሩ። ብዙሓት ስንክልና ዝነበሮም ሰባት ቤት ፍርዲ እኹላት ሰባት ኣይኮኑን ኢሉ እንተ ወሲኑ ክመርጹ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። ብ1989 እቲ ብዛዕባ "እኹል ሰብ" ዝብል ኣምር ካብ ሕጊ ሽወደን ተኣልዩ። ካብ ሽዑ ንንየው ሓደ ሰብ ከም በጽሒ ሰብ ክግለጽ ኣይከኣልን ነይሩ ማለት እዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኵሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን ዜጋታት ኣብ ባይቶ ሃገር ኣብ ዝግበር ምርጫ ክመርጹ ተፈቕደሎም።