ኣድልዎ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 5 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣድልዎ እዩ። ኣድልዎ ሓደ ሰብ ካብ ካልኦት ዝሓመቐ ኣተሓሕዛ ክግበረሉ ከሎ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣድልዎ ዘይኮነ ክንሱ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ዝተገብረልካ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ።

ነቶም ሸውዓተ ዝተፈላለዩ መሰረታውያን ሕግታት ኣድልዎ ዝውክሉለ ጕጅለ ሰባት ዝተሳእሎ ኮላዥ።

ኣብዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣድልዎ እንታይ ምዃኑ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ኣድልዎ እንተ ኣጋጢሙካ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእል እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኣድልዎ እንታይ እዩ?

ንኣብነት እተወሰነ ጾታ ወይ ሕብሪ ቈርበት ስለ ዘሎካ ካብ ካልኦት ዝሓመቐ ኣተሓሕዛ እንተ ተገይሩልካ፡ ኣድልዎ ይበሃል። ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ኣድልዎ ምግባር ንሰብኣዊ መሰላት ምጥሓስ እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ኣድልዎ ምግባር ክልኩል እዩ ማለት እዩ።

ከም ኣድልዎ ጌርካ ክቝጸር ዝኽእል ገለ ኣብነታት እንሆ፡

  • ሓንቲ ሰራሕተኛ ነፍሰ ጾር ምዃና ትሕብር፡ ድሕሪኡ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ነቲ ናይ ኣመክሮ ግዜ የቋርጾ።
  • ሓንቲ ሰበይቲ መጐልበቢ ስለ ዝገበረት ቈጸራ ሓኪም ክትህዝ ኣይትኽእልን።
  • ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ንሓደ ስራሕ ዝደሊ ናይ ወጻእተኛ ስም ዘለዎ ሰብ ቓለ-መጠይቕ ክገብረሉ ኣይደልን።
  • ሓንቲ መምህር ንሓደ ተመሃራይ ክዳን ናይ ጓለንስተይቲ ብምኽዳኑ ኣብ ምልክት ሕቶ ተእትዎ።
  • ኣብ ካፈተርያ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ንሓደ ብምኽንያት ናይ ምርኣይ ጸገም ክርኢ ዘይክእል ጋሻ ኣብቲ ሜኑ እንታይ ተጻሒፉ ከም ዘሎ ምንባብ ይኣብይዎ።
  • ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ካልእ ሰበይቲ ስለ እተመርዓወት ኣብ ስርሓ የሸግርዋ።
  • ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ንሓደ ስራሕ ዝደሊ ዕድሚኡ ካብ 50 ዓመት ንላዕሊ ዝኾነ ሰብ ቓለ-መጠይቕ ክገብረሉ ኣይደልን።
  • ናብ ሓደ ቤት መግቢ ጻዕዳ ቈርበት ዘለዎም ሰባት ክኣትዉ እንዳ ኽኣሉ፡ ሓደ ጸሊም ቈርበት ዘለዎ ሰብ ግን ምእታው ይኽልከል።

Umo.se ብዛዕባ ኣድልዎ ሓደ ፊልም ኣድላዩ ኣሎ። እዚ ፊልም ብሽወደንኛ፡ ዓረብኛ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝኛ፡ ሶማልኛን ትግርኛን ኣሎ።

ሕጊ ኣንጻር ኣድልዎ

ንኣድልዎ ዝኽልክል ሓደ ፍሉይ ሕጊ ኣሎ። ሕጊ ኣንጻር ኣድልዎ ታባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ሕጊ ንወሃብቲ ስራሕ፡ ውድባትን ኣቕረብቲ ትምህርትን ንገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ዝሓመቐ ኣተሓሕዛ ከይገብርሎም ይኽልክሎም። ኣቕረብቲ ትምህርቲ ንኣብነት ሓደ ቤት ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ዓይኒ ሕጊ ከም ኣድልዎ ከይተራእየ ኣድልዎ ዘጋጠመካ ኾይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ።

ኣድልዎ ብሰንኪ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ካብዞም ሸውዓተ ናይ ኣድልዎ ምኽንያታት እንተ ኣጋጢሙ፡ ብሕጊ ክልኩል እዩ፡

  • ጾታ፡ ኣብ ሽወደን እቶም ሕጋውያን ጾታታት ጓለንስተይቲ ወይ ወዲ ተባዕታይ ኣለዉ። ሓደ ሰብ ብሰንኪ ጾታ ካብ ካልእ ሰብ ብዝሓመቐ ከይትሓዝ ዝኽልክል ሕጊ፡ ነቶም ጾታኦም ክልውጡ ዝኾኑ ወይ ድሮ ለዊጦም ዘለዉ ሰባት እውን ይምልከቶም እዩ።
  • ጾታዊ መንነት፡ ጾታዊ መንነት ብዛዕባ ከም ክዳውንትን ኣካላዊ ቋንቋን ዝኣመሰለ ትርኢት እዩ ዝገልጽ። ምሰየናይ ዓይነት ኣካላት ከም ዘለካ እተተሓሓዘ ኣይኰነን፡ የግዳስ ኣባል ናየናይ ዓይነት ጾታ ኾይኑ ከም ዝስምዓካ እዩ።
  • ዓሌታዊ ምትእስሳር፡ ሃገር፡ ዓሌት፡ ሕብሪ ቈርበትን ቋንቋ ኣደን ኣብ ሕጊ፡ ዓሌታዊ ምትእስሳር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኩሉ ሰብ፡ ሓደ ወይ ብዙሕ ዓሌታዊ ምትእስሳር ኣሎዎ። ንሰባት ብሰንኪ ዓሌቶም ብሕማቕ ምሓዝ ዓሌትነት እዩ።
  • ሃይማኖት ወይ ካልእ እምነታት፡ እምነት-ኣይሁድ፡ ክርስትናን ምስላምናን ኣብነት ናይ ሃይማኖታት እዮም። ኢ-ኣምላኽነት ካልእ ዓይነት እምነት እዩ። ኢ-ኣምላኸኛ ብዝኾነ ኣምላኽ ዘይኣምን እዩ።
  • ስንክልና፡ ሓደ ሰብ ስንክልና ኣለዎ ማለት፡ እቲ ሰብ ንኽንቀሳቐስ፡ ንኽርኢ፡ ንኽሰምዕ ወይ ሓበሬታ ንኽርዳእ ከጸግሞ ይኽእል ይኸውን ማለት እዩ።
  • ጾታዊ ዝንባሌ: ጾታዊ ዝንባሌ፡ በየናይ ጾታ ወይ ጾታታት ከም ትሰሓብ ወይ ከም ተፍቅር ይገልጽ። እቲሕጊ ንግብረ ሶዶም፡ ፍሉየ-ጾተኛን ድርብ ጾተኛን ዘጠቓለለ እዩ።
  • ዕድመ፡ ሰባት ብሰንኪ ዕድሚኦም ካብ ካልኦት ዝሓመቐ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም የብሉን።

መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብእተፈላለየ ናይ ኣድልዎ ምኽንያታት ኣድልዎ የጋጥሞም እዩ። ሓደ ኣብነት፡ ሓንቲ ሓደ ዓይነት ሃይማኖት ዘለዋ ሰበይቲ ብሰንኪ ጾታኣን ሃይማኖታን ኣድልዎ ከም ዘጋጠማ ኾይኑ ክስምዓ ይኽእል እዩ።

ሓደ ውልቀ-ሰብ ንኣብነት ጐረቤትካ ወይ መማህርትኻ ብሕማቕ እንተ ርእዩካ ወይ ሒዙኻ፡ እቲ ሕጊ ኣንጻር ኣድልዎ ነዚ ኣይምልከቶን እዩ። ይኹን እምበር ብኻልእ ምኽንያት ዘይሕጋዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስቲ ኣብዚ ጽሑፍ ዘሎ ኣብነታት ክነጻጸር ከሎ እንታይ እዩ ፍልልዩ?

ሓገዝ ርኸብ

ኣድልዎ ከም ዘጋጠመካ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

  • ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ቤት ጽሕፈት ጸረ ኣድልዎ (antidiskrimineringsbyrå) እንተ ኣልዩ ኾይኑ፡ ምኽርን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
  • ኣብ ስራሕካ ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ ምስ ኣካያዲ ስራሕካ ወይ ምስ ወኪል ድሕንነትካ (skyddsombud) ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ወሃብ ስራሕካ ነቲ ጕዳይ ክምርምሮን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣድልዎ ምእንቲ ከየጋጥም ንኸወግድ ክጽዕርን ኣለዎ።
  • ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኻ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙ እሞ ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታ እንተ ኴንካ ንሶም ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ቤት ጽሕፈታት ጸረ ኣድልዎ

ኣብ ሽወደን እተፈላለያ ናይ ከባቢን ዞባን ጸረ-ኣድልዎ ቤት ጽሕፈታት ኣለዋ። ንዓኻ ንኣድልዎ ዝተቃላዕካ ምኽርን ደገፍን ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ

ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ (DO)፡ ሕጊ ኣንጻር ኣድልዎ ከም ዝሰዓብ ዘሎ ዝቈጻጸር መንግስታዊ ብዓል መዚ እዩ። ኣድልዎ እንተ ኣጋጢሙካ ናብ ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ (DO)፡ ሓበሬታ ክትህብን ጥርዓን ከተእቱን ትኽእል ኢኻ።

ተሓላቕ ፍትሒ ኣንጻር ኣድልዎ (DO) ነቶም ሓበሬታታትን ጥርዓናትን ብቐዳምነት ሕጊ ከም ዝሰዓብ ዘሎ ንምርግጋጽ እምበር ንናይ ውልቀ ሰባት ኵነታት ፍታሕ ንምርካብ ኣይኮነን ዝጥቀመሎም።

ገበን ጽልኢ

ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰባት ምስ ሓንቲ ጕጅለ ምትእስሳር ዝለ ዘለዎም ጥራይ ገበን እንተ ፈጺሙ፡ ገበን ጽልኢ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ስለዚ እቲ ገበነኛ ነዚ ገበን እዚ ንኽፍጽም ዝደረኾ ኣብ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ናይ ኣድልዎ ምኽንያት ዝተመርኾሰ ጽልኢ ወይ ቅድመ-ፍርዲ እንተ ኾይኑ፡ ገበን ጽልኢ እዩ ። እቲ ግዳይ፡ ምስታ ጕጅለ ምትእስሳር ይሃልዎ ኣይሃልዎ ብዘየገድስ። ናይ ጽልኢ ገበን እንተ ዀይኑ ዝውስኖ ድራኸ ናይቲ ገበነኛ እዩ። እቲ በዳሊ ናይ ጽልኢ ገበን ድራኸ እንተድኣ ኣልይዎ ኾይኑ ጽኑዕ መቕጻዕቲ ይፍረዶ።

ገበን ጽልኢ ንሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስን ኣብ ሽወደን ክልኩልን እዩ። ግዳይ ገበን ጽልኢ እንተ ዄንካ ናብ ፖሊስ ከተመልክት ኣለካ።