ኣድልዎ ዕድመ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣድልዎ ዕድመ፡ ማለት ብምኽንያት ዕድመኻ ከም ካልኦት ተመሳሳሊ ዕድልታት ኣይትረክብን ኢኻ እዩ። ብዛዕባ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘሎ ኣድልዎ ዕድመን ወሃብ ስራሕ ኣየኖት ግዴታታ ከም ዘለዎን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘሎ ኣድልዎ ዕድመ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብነት ክወሃበካ እዩ፣ ከምኡ’ውን ኣድልዎ ከም ዘጋጠመካ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ እንታይ ክትገብር ከም ትኽእል ክትፈልጥ ኢኻ።

ዝርዝር ተመክሮ (CV) ዝሓዙ ጐኒ ንጐኒ ዘለዉ ኣርባዕተ ሰባት ዝሃዘ ዝተሳእለ ኮላዥ። እቶም ክልተ ዝዓበዩ ሰባት ኣብ ልዕሊኦም ቀይሕ ምልክት መስቀል ኣለዎም።

ኣብ ምሉእ ህይወትካ ጽቡቕ ህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለካ። ብሰንኪ ዕድሜኻ ኣድልዎ ንኸየጋጥመካ መሰል ኣለካ። ጽቡቕ ጥዕና ንኽህልወካ እውን መሰል ኣለካ። ዕድሜኻ ብዘየገድስ ንማሕበራዊ ርክባት፡ ኣታውን ውሕስነትን ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ኣብ ሕብረተ ሰብ ተሳታፊ ክትከውንን ንህይወትካ ክትጸልዎ ከም ትኽእል ኮይኑ ክስምዓካን መሰል ኣለካ።

ኣብ ሽወደን ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ንብዙሕ ዓመታት ንጡፍን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ክነብር ይኽእል እዩ።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ክፍልታት ህይወት፡ ምስ ኣረግካ ክትረኽቦ ትኽእል ደገፍን ሓገዝን ኣሎ። እዚ ሓልዮት ኣረጋውያን ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ሓደ ክፋል ናይቲ ማሕበራዊ ድሕንነት ሽወደን ድማ እዩ።

ኣድልዎ ዕድመ እንታይ እዩ?

ኣድልዎ ዕድመ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነት ከማኻ ካብ ዝርከቡ ካልኦት ሰባት ብዕድመ ዝነኣስካ ወይ እትዓቢ ስለ ዝዀንካ ጥራይ ከም ናቶም ዕድላት ኣይትረክብን ማለት እዩ። ኣብ ትምህርትታት፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ሆስፒታላት፡ ኣብ ኣብያተ-ንባብ፡ ወይ ኣብ እተፈላለየ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ኣብ ሓደ ንጥፈት ዝሳተፉሉ ካልእ ቦታታት ከጋጥም ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ኣድልዎ ዕድመ ክልኩል እዩ። እንተዀነ ግን እዚ ሕጊ ዘይምልከቶም ነገራት ኣለዉ። እዚኣቶም መብዛሕትኡ ግዜ ንቘልዑን ንመንእሰያትን ዚምልከቱ እዮም። ንኣብነት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ድምጺ ክህቡ፡ ከምኡ'ውን ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ክዕድጉ ኣይፍቀደሎምን እዩ።

ኣድልዎ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ

መንእሰያትን ዓበይትን ክልቲኦም ግዳይ ናይ ኣድልዎ ዕድመ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣድልዎ ዕድመ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ወሃብቲ ስራሕ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ከም መንእሰያት ኣበርቲዖም ክዓዩ ኣይክእሉን እዮም ወይ ከኣ መንእሰያት ማዕረ ብዕድመ ዝደፍኡ ብዙሕ ፍልጠት የብሎምን ኢሎም ስለ ዝሓስቡ እዩ።

ኣድልዎ ዕድመ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ንኽልቲኦም ነቲ ዝጥቃዕን ነታ ትካልን ሓደ ዓቢ ጸገም እዩ። ኣብ ሽወደን ሰብ ጡረታ ዝወጻሉ ዕድመ ካብቲ ዝነብሮ ወሲኹ ኣሎ፣ እንደገና እውን ክውስኽ እዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ስራሕ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ዕድሚኦም ከም እተነጽጉ ኾይኑ እዩ ዚስምዖም።

68 ዓመት ክሳብ ትመልእ ክትሰርሕ መሰል ኣለካ። ድሕሪኡ ወሃብ ስራሕካ ከፍቅዶ ኣለዎ። ስራሕ ኣልቦ እንተ ዄንካ፡ ክሳብ 65 ዓመት ትመልእ ናይ ኣ-ካሳ መሰል ኣለካ።

ኣድልዎ ስራሕ ካብ ወዲ 40 ዓመት ዝኾንካሉ ኣትሒዙ ስርሕ ክትደሊ ከለኻ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ካብ ሰብኡት ንላዕሊ ኣንስቲ እየን ብብዝሒ ዝጥቅዓ።

ሓደ ወሃብ ስራሕን እቶም ሰራሕተኛታትን ዝኾነ ሰብ ብኣድልዎ ዕድመ ምእንቲ ከይጥቃዕ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ?

ሓገዝ ርኸብ

ሓደ ሓደ ግዜ ግዳይ ናይ ኣድልዎ እንተ ዄንካ ክትፈልጥ ኣጸጋሚ እዩ። ከምኡ'ውን ብምኽንያት ዕድሜኻ ኣድልዎ ከም ዘጋጠመካ፡ ንኣብነት ስራሕ እንተ ዘይተዋሂብካ ወይ ካብ ባንክ ልቓሕ ክትወስድ እንተ ዘይክኢልካ፡ ብኡ ምኽንያት ምዃኑ ጭብጢ ከተቕርብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ እዋን ብሰንኪ እተፈላለየ ነገራት ኣድልዎ ከጋጥመካ ይኽእል እዩ፡ ንኣብነት ብምኽንያት ዕድመኻን ጾታኻን። ምናልባት እቲ ኣድልዎ ዚገብር ሰብ ደይመደይ ኢሉ ከምኡ ኣይገብርን ይኸውን። ይኹን'ምበር እዚ ኣድልዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣድልዎ ከም ዘጋጠመካ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

  • ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ቤት ጽሕፈት ጸረ ኣድልዎ (antidiskrimineringsbyrå) እንተ ኣልዩ ኾይኑ፡ ምኽርን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
  • ኣብ ስራሕካ ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ ምስ ኣካያዲ ስራሕካ ወይ ምስ ወኪል ድሕንነትካ (skyddsombud) ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ወሃብ ስራሕካ ነቲ ጕዳይ ክምርምሮን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣድልዎ ምእንቲ ከየጋጥም ንኸወግድ ክጽዕርን ኣለዎ።
  • ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኻ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙ እሞ ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታ እንተ ኴንካ ንሶም ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ናብ ተሓላቕ ፍትሒ ኣድልዎ (Diskrimineringsombudsmannen (DO)) ብዛዕባ ኣድልዎ ሓበሬታ ክትህብን ጥርዓን ከተእቱን እውን ትኽእል ኢኻ። ተሓላቕ ፍትሒ ኣድልዎ (DO) ነቶም ሓበሬታታትን ጥርዓናትን ብቐዳምነት ሕጊ ከም ዝሰዓብ ዘሎ ንምርግጋጽ እምበር ንናይ ውልቀ ሰባት ኵነታት ፍታሕ ንምርካብ ኣይኮነን ዝጥቀመሎም።

ግዳይ ኣድልዎ እንተ ዄንካ እንታይ ክትገብር ትኽእል?