ሞት ምስ ዘጋጥም

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 21 12 2022

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ እዩ። ብዛዕባ ቀብርን ቀብሪ ንምድላው እንታይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእል ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ድሕሪ ሓደ ሰብ ምማቱ ዘሎ እዋንን እቲ ሽዑ ንኽትሓስበሉ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራትን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ዝበርሀ ሽምዓ ዝሓዛ ክልተ ኣእዳው።

ስእሊ: Pixabay

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ምስ ሞተ ብዛዕባ ዝለዓል ናይ ውርሻን ካልኦት ሕጋውን ቍጠባውን ጕዳያትን እውን እዩ። ብዛዕባ ንወፈያ ኣካላት ዘለካ ኣረኣእያ ከመይ ምዃኑን እውን ክትሓስብ ክትክእል ኢኻ።

ኣብ ምሉእ ህይወትካ ጽቡቕ ህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለካ። ብሰንኪ ዕድሜኻ ኣድልዎ ንኸየጋጥመካ መሰል ኣለካ። ጽቡቕ ጥዕና ንኽህልወካ እውን መሰል ኣለካ። ዕድሜኻ ብዘየገድስ ንማሕበራዊ ርክባት፡ ኣታውን ውሕስነትን ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ኣብ ሕብረተ ሰብ ተሳታፊ ክትከውንን ንህይወትካ ክትጸልዎ ከም ትኽእል ኮይኑ ክስምዓካን መሰል ኣለካ።

ኣብ ሽወደን ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ንብዙሕ ዓመታት ንጡፍን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ክነብር ይኽእል እዩ።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ክፍልታት ህይወት፡ ምስ ኣረግካ ክትረኽቦ ትኽእል ደገፍን ሓገዝን ኣሎ። እዚ ሓልዮት ኣረጋውያን ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ሓደ ክፋል ናይቲ ማሕበራዊ ድሕንነት ሽወደን ድማ እዩ።

ምማት ምዕራፍ እውን ይብሃል እዩ፣ እቲ ዝሞተ ድማ ዘዕረፈ ይብሃል። ትርጕሙ ሓደ እዩ። መብዛሕትኦም ኣብ ሽወደን ዝሞቱ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ወይ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን እዮም ዝሞቱ። ሓደ ሰብ ኣብ ቤቱ እንተ ሞይቱ ሓደ ሓኪም መጺኡ እቲ ሰብ ከም ዝሞተ ከረጋግጽ ኣለዎ። እቲ ሰብ ኣብ ቀረባ እዋን ክንክን እንተ ተገይሩሉ ነይሩ ኾይኑ፡ ምስቲ ሓላፍነት ዘለዎ ብዓል ሞያ ክንክን ጥዕና ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ንሶም ሓኪም ከም ዝመጽእ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ'ውን ናብ ናይ ህጹጽ ረድኤት ቍጽሪ ተሌፎን 112 ደዊልካ እንታይ ከም ዘጋጠመ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ሓኪም እቲ ሰብ ስለምንታይ ከም ዝሞተ ንምፍላጥ ናይ ግድን ነቲ ሬሳ ክምርምሮ ኣለዎ። ኣብ ከምዚ ኵነት እቲ ሬሳ ናብ ሆስፒታል ይውሰድ። እተፈላለዩ ባህልታትን ሃይማኖታትን ንሬሳታት ብእተፈላለየ መገዲ እዮም ዝሕዝዎም። ቅድሚ ነቲ ሬሳ ምውሳዶም ክማልኣልካ ትደልዮ ድልየታት እንተ ኣለካ ኾይኑ ምስቶም ነቲ ሬሳ ክወስዱ ዝመጹ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ዝሞተ ሰብ እትሰናበተሉ ወትሩ እኹል ግዜ ኣሎ። ኣብ ሆስፒታላትን መናበዪ ኣረጋውያንን፡ መቕርብ ሬሳኦም ክርእይሉን ነቲ ዝሞተ ሰብ ክሰናበትሉን ዝኽእሉ ፍሉይ ክፍልታት ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ክፍሊ ደብዛዝ መብራህቲ እዩ ዝበርህ። ከምኡ'ውን መብዛሕትኡ ግዜ ዝተወልዐ ሽምዓን ምናልባት እውን ኣብ ሳርማ ዕምባባታትን ኣሎ። ምናልባት ካልእ ድልየታት ክህልወካ ይኽእል ይኸውን። ክንክን ጥዕና፡ ንስኻን እቶም መቕርብካን ከምቲ እትደልይዎ ጌርኩም ክትሰናበቱ ንኽትክእሉ ከረጋግጹ ይጽዕሩ እዩም።

ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ ሓድሓደ ግዜ ንኣካል ናይቲ ዝሞተ ሰብ ብዝተኻእለ መጠን ክጥቀምሉን ከምኡ ዓይነት ኣካል ንዘድልዮ ዝሓመመ ሰብ ክወሃብን ይኽእል እዩ። እዚ ወፈያ (donera) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ድሕሪ ሙማትካ ኣካላትካ ክትውፊ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕብኡ ንኣዝማድካ ክትሕብሮም ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ኣብ መዝገብ ወፈያ ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤት ምኽሪ ጥዕናን ድሕንነትን (Socialstyrelsen) ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣካል ምውፋይ ንኻልእ ሰብ ዝሓሸን ነዊሕን ህይወት ንኽነብርን ዕድል ክኸፍተሉ ይኽእል እዩ።

ኣብታ ቕድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ንሞት ንዝምልከት ኣየኖት ልምድታት እዩ ዘሎ?

ብዛዕባ ምውፋይ ኣካል እንታይ ርእይቶ ኣለካ?

ቀብሪ

ስነ-ስርዓት ቀብሪ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ እተፈላለየ ወግዕታትን ልምድታትን ከም ዝሰማማዕ ክግበር ይኽእል እዩ። እዚ ነቲ ዝሞተን ንኣዝማዱን ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቀብሪ ክህልወካ ከሎ ትካል ኣዳላዊ ቀብሪ ክትቈጽር ልሙድ እዩ። እዚ ነዝማድ ናይ ቀብሪ መደብ ኣብ ምውጻእን ኣብ ምድላውን ሓገዝ ንምሃብ ዝሰርሕ ትካል እዩ። ሃይማኖትካ ብዘየገድስ፡ ትካል ኣዳላዊ ቀብሪ ክትቈጽር ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ናይቲ ቀብሪ መደብ ኣብ ምውጻእ ሓገዝ ንምርካብ ምስ ሓደ ቀሺ፡ ራባይ፡ ኢማም ወይ ካልእ ሃይማኖታዊ ተወካሊ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ካልእ ኣማራጺ ከኣ ምስ ተወካሊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ኮሙን ምርኻብ እዩ። እዚ ሓደ ንኣባላት ቤተ-ክርስትያን ሽወደን ዘይኮኑ ሰባት ንዕኦም ብዝሰማማዕ መገዲ ክቕበሩ ከም ዝኽእሉ ዘረጋግጽ ሰብ እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ክግበር ይኽእል እዩ። ንኣብነት እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ቤተ-ክርስትያን፡ ቤት ጸሎት (ቻፕል) ወይ ኣብ ካልእ ሃይማኖታዊ ህንጻ ክካየድ ይኽእል እዩ። ሽዑ ሓደ ወኪል ሃይማኖት ስነ- ስርዓት ቀብሪ ይገብር። ኣብ ሃይማኖት ዘይሙርኮስ ቀብሪ እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ሲቪላዊ ቀብሪ ይብሃል። እዚ ንኣብነት ኣብ ቤት ጸሎት መቓብር፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ወይ ኣብ ደገ ኣብ ተፈጥሮ ክግበር ይኽእል እዩ።

ሓመድ ድበን ሬሳ ምንዳድን

ብመሰረት ሽወደናዊ ልምዲ ንሬሳ ኣብ ሳጹን ኢኻ ተእትዎ። ኣብ እዋን ሓመድ ድበ፡ ነቲ ናይ ሬሳ ሳጹን ኣብ ሓደ መቓብር ወይ መቕበሪ ቦታ ብምልኡ ኣብ መሬት ተእትዎ። ኣብ እዋን ምንዳድ ሬሳ፡ ነቲ ናይ ሬሳ ሳጹንን ኣካላትን ናብ ሓምዅሽቲ ክሳብ ዝቕየር ተንድዶ። ድሕሪኡ ነቲ ሓምዅሽቲ ኣብ ሓምዅሽቲ ዝነደደ ሬሳ ዝዕቈረሉ ቫዞ (ዳንሶ) ኣእቲካ ኣብ ሓደ መቓብር ወይ መቕበሪ ቦታ ትቐብሮ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ሳምዕ-መቓብር ክህልወካ፡ ወይ ነቲ ሓምዅሽቲ ኣብ ሓደ ኣጸደ-ዝኽሪ ከተንብሮ ትደሊ እንተ ዄንካ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ነቲ ሓምዅሽቲ መቓብር ኣብ ዘይኮነ ካልእ ቦታ ክትብትኖ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ኣብ ሓደ ነቲ መዋቲ ሕልፊ ዝነበሮ ቦታ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ እዋን ናይ ግድን ካብ ምምሕዳር ዞባ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ኣለካ።

ብመሰረት ሕጊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ሓመድ ድበ ሳጹን ሬሳ ወይ ምንዳድ ሬሳ ካብቲ ሞት ዘጋጠመሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ክፍጸም ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ሃይማኖታት እቲ መዋቲ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ኪቕበር ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ንምፍጻሙ ይከኣል እዩ።

ነቲ መዋቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክትቀብሮ እንተ ደሊኻ፡ ሓደ ትካል ኣዳላዊ ቀብሪ ንመጓዓዝያ ንዝምልከት ክተሓጋገዝ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ሞት ምሕባር

ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሞት ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ንስድራ ቤት፡ ኣዝማድን ፈተውትን መዋቲ ክትሕብሮም ኣገዳሲ እዩ። ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ትካላት መድሕንን ብዛዕባ እቲ ሞት ብኡንብኡ ሓበሬታ ይመጸን እዩ። ንኻልኦት ብዙሓት ትካላት ግን ባዕልኻ ክትሕብረን ከድልየካ እዩ። እቲ ዝሞተ ሰብ ምናልባት ክትስርዞ ዘሎካ ወርሓዊ ዝኽፈል ኵንትራት ጋዜጣ፡ ወርሓዊ ዝኽፈል ኵንትራት ተሌፎን ከምኡውን ካልኦት ወርሓዊ ዝኽፈል ኵንትራታት ነይርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተ ዘይኰይኑ ግን ፋክቱራታ ምምጻእ ክቕጽል እዩ። ምናልባት ናይቲ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝነበሮ ሕሳብ እውን ክትዓጽዎ ትደሊ ትኸውን።

ሞት ዘመድ መብዛሕትኡ ግዜ ዘሰምብድ ተመኵሮ እዩ። ሓዚንካን ጕሂኻን ከለኻ ክትገብሮ ዘሎካ ኵሉ ነገራት ክትዝክሮ ከቢድ እዩ።

ኣብ ናይ ሓባሪ ብህይወት ዝተረፍ (Efterlevandeguiden) መርበብ ሓበሬታ ድሕሪ እቲ ሞት ዘጋጠመሉ ዘሎ መጀመርታ እዋን እንታይ ከድልየካ ናይ ዝኽእል ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ። ኣብኡ ንኣብነት ሓደ መቈጻጸሪ ዝርዝር ናይ ንኽትስዕቦም ጽቡቅ ዝኾኑ ነገራት ኣሎ።

መሰል ውርሲ

ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ፡ ናይቲ መዋቲ ገንዘብን ኣቕሑን ንኻልእ ሰብ ይወሃቦ። እዚ ውርሻ ይብሃል መን ከም ዝወርስ ዝውስኑ ሕግታት ኣለዉ፣ እዚ መሰል ውርሲ ይብሃል። መሰል ውርሲ ንምርዑዋትን ዘይምርዕዋትን ጽምዲ እተፈልየ እዩ።

እቲ መዋቲ ምርዑው እንተ ነይሩ

እቲ መዋቲ ምርዑው እንተ ነይሩ እቲ መጻምድቲ ኵሉ ይወርስ። እቲ ብህይወት ዝተረፈ መጻምድቲ ምስ ሞተ እቶም ናይ ሓባር ውላዶም ይወርሱ። እቲ መዋቲ ካብ ካልእ ሰብ ዝተወልዱ ቈልዑ እንተ ሃልዮሞ ግን እቶም ቈልዑ ንእለቱ ብጽሒት ውርሶም ይወስዱ።

እቲ መዋቲ ምርዑው እንተ ዘይነይሩ

እቲ መዋቲ ምርዑው እንተ ዘይነይሩ ውላዱ ኵሉ ይወርስዎ። ዝወርሱ ውላድ ምስ ዘይህልዉዎም፡ ወለዶም ይወርስዎም። ወለዶም ምውታት እንተ ኾይኖም፡ ኣሕዋቶም ወይ ደቂ ኣሕዋቶም ይወርስዎም።

ካልእ ዝወርስ ሰብ እንተ ዘየልዩ

ነቲ መዋቲ ዝኾነ ዝወርሶ ሰብ እንተ ዘይሃልዩ፡ ናይቲ መዋቲ ገንዘብን ኣቕሑን ናብ ሃገራዊ ማዕከን ውርሲ (Allmänna arvsfonden) ይኣቱ። እቲ ሃገራዊ ማዕከን ውርሲ፡ ንምዕባለ ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ስንኩላንን ኣበርክቶ ንዝገብር ፕሮጀክትታት ይምውል።

ውርሲ ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ እንተ ወሪሶም፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ውርሲ ሓገዝ ካብ ሓደ ሕጋዊ መጕዚ (god man) ይረኽቡ። ሕጋዊ መጕዚ ሓደ ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ቍጠባ ዝሕግዝ ሰብ እዩ። ሕጋዊ መጕዚ በቲ ትነብረሉ ኮሙን እዩ ዝምዘዝ።

ለበዋ

ለበዋ እንተ ጽሒፍካ ምስ ሞትካ መን ከም ዝወርሰካ ክትውስን ትኽእል ኢኻ። ይኹን'ምበር ክትስዕቦም ዘለካ ሕግታት ኣለዉ። ንኣብነት ውሉዳት እንተ ኣለዉኻ ኾይኖም፡ ንሶም ኵሉ ግዜ ናይቲ ውርሲ እጃሞም ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ሓደ ለበባ ቅድሚ ምጽሓፍካ ወትሩ ንሓደ ጠበቓ ተወከስ።

ከይተመርዓዉ ብሓባር ዚነብሩ ሰባት (ሳምቡ) ብቐጥታ ነንሓድሕዶም ኣይወራረሱን እዮም። ብሓባር ዝነብሩ ጽምዲ ነንሓድሕዶም ክወራረሱ እንተ ደልዮም ናይ ግድን ለበዋ ክጽሕፉ ኣለዎም።

ካብ ጠበቓ ሓገዝ ርኸብ

ሓደ ሰብ ምስ ሞተ ነቲ ውርሲ ክትመቕሎን ንዅሉ ካልእ ነገራት ክትኣልዮ ክትክእልን ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ብፍላይ ሽወደናዊ ዜጋ እንተ ዘይኴንካ። ክትኣልዮ ዘለካ ብዙሕ ነገራት እኳ እንተ ሃለወ፣ እቲ ትካል ኣዳላዊ ቀብሪ ግን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንሶም ናይ ባዕሎም ጠበቓታት ኣለዎም ወይ ምስ ጠበቓ ንኽትራኸብ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ጸብጻብ ንብረት (Bouppteckning)

ጸብጻብ ንብረት፡ ናይቲ ዝሞተ ሰብ ዝነበሮ ኵሉ ንብረትን ዕዳን ዝገልጽ ሰነድ እዩ። እቶም ዝወርሱ ሓደ ጸብጻብ ንብረት ክገብሩ ኣለዎም።

ንብረት መዋቲ (Dödsbo)

ኵሉ እቲ መዋቲ ገዲፍዎ ዝኸደ ንብረት ኣቕሑን፡ ንብረት መዋቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቶም ንኽወርሱ መሰል ዘለዎም ብሓባር ነቲ ንብረት መዋቲ ይውንንዎ።

ሞት ከጋጥም ከሎ፡ ምምቕቓል ንብረትን ምክፋል ውርሲን (Bodelning och arvskifte)

ሓደ ምርዑው ዝነበረ ወይ ምስ መጻምዱ ከይተመርዓወ ብሓባር ዝነብር ዝነበረ (sambo) ሰብ ምስ ዝመውት ኵሉ ወይ ገሊኡ ንብረት እቶም መጻምድቲ ኣብ መንጎኦም ብማዕረ ክማቐል ኣለዎ። እዚ ምምቓል ንብረት ይብሃል። ንንብረት ናይ መዋቲ መሰል ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ ምምቕቓል ንብረት (Bodelning) ናይ ግድን ክግበር ኣለዎ። ንሶም ወረስቲ ይበሃሉ።

ኣብ ምምቕቓል ንብረት፡ ፍርቂ እቲ ንብረት ብህይወት ተሪፉ ንዘሎ ሰብ ይወሃቦ። እቲ ዝተረፈ ፍርቂ ኣብ መንጎ ወረስቲ ክመቓቐል ኣለዎ። እዚ ምክፋል ውርሲ (arvskifte) ይበሃል። እቲ ምዉት እንተ ዘይተመርዓወ ወይ ብሓባር ምስ ካልእ ዘይነብር እንተ ነይሩ፡ ፈለማ ምምቕቓል ንብረት ከይተገብረ ብቐጥታ ምክፋል ውርሲ ይግበር።

ምክፋል ውርሲ

ምክፋል ውርሲ፡ ወረስቲ ንኣቕሑትን ገንዘብን መዋቲ ክመቓቐልዎ ከለዉ እዩ። ንኣብነት ገንዘብ ካብቲ ናይ መዋቲ ሕሳብ ናብ ናይ ወራሲ ሕሳብ ክሰጋገር ከሎ ወይ ሓደ ወራሲ ንኣፓርተማ ናይቲ መዋቲ ክወስዶ ክኽእል ከሎ እዩ።