ጡረታን ካልእ ቍጠባዊ ደገፍን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ጡረታኻ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ናይ ጡረታ ዕድመ፡ ካብ እተፈላለያ ሃገራት ብሓንሳእ ጥሮታ ክትረክብ ከም ትኽእልን ናይ ቀረባ ዘመድካ ምስ ሞተ መሰል ጥሮታ ብህይወት ንዝተረፈ (efterlevandepension) ክህልወካ ከም ዝኽእልን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ብዛዕባ መጠን ብዝሒ ጥሮታ ብኸመይ ክትጸልዎ ከም ትኽእል ከተንብብ ኢኻ፣ ከምኡ’ውን ስራሕካ ምስ ኣቋረጽካ እቲ ጥሮታ ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብር እተፈላለየ ኣብነታት ቀመር ክትርኢ ኢኻ።

ኣብ ምሉእ ህይወትካ ጽቡቕ ህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለካ። ብሰንኪ ዕድሜኻ ኣድልዎ ንኸየጋጥመካ መሰል ኣለካ። ጽቡቕ ጥዕና ንኽህልወካ እውን መሰል ኣለካ። ዕድሜኻ ብዘየገድስ ንማሕበራዊ ርክባት፡ ኣታውን ውሕስነትን ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ኣብ ሕብረተ ሰብ ተሳታፊ ክትከውንን ንህይወትካ ክትጸልዎ ከም ትኽእል ኮይኑ ክስምዓካን መሰል ኣለካ።

ኣብ ሽወደን ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ንብዙሕ ዓመታት ንጡፍን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ክነብር ይኽእል እዩ።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ክፍልታት ህይወት፡ ምስ ኣረግካ ክትረኽቦ ትኽእል ደገፍን ሓገዝን ኣሎ። እዚ ሓልዮት ኣረጋውያን ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ሓደ ክፋል ናይቲ ማሕበራዊ ድሕንነት ሽወደን ድማ እዩ።

ኣብነት፦ ሸሽቲንን ለናርትን ጡረታ ክወጹ እዮም

ሸሽቲን ጓል 67 ዓመት እያ፣ ጡረታ ክትወጽእ እያ። ዝበዝሓ ክፋል ህይወታ ተሓጋጋዚት ኣላዪት ሕሙማት ኮይና እያ ትሰርሕ ኔይራ። ከምኡ'ውን ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ኣብ ድኳን ትሰርሕ ኔይራ። ንሒደት ዓመታት ከኣ ስራሕ-ኣልቦ ኔይራ። ሰለስተ ቈልዑ ኣለዉዋ፡ እቶም ቈልዑ ንኣሽቱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከኣ ኣይትሰርሕን እያ ነይራ። ሽዑ ኣብ ቤታ ኾይና ነቶም ቈልዑ ትኣልዮም ኔይራ። ኣብተን ዓመታት እቲኣተን ኣብ ክንዲ ደሞዝ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ ትኽፈል ኔይራ። ሸሽቲን እንደገና ክትሰርሕ ምስ ጀመረት ካብ መሳርሕታ ንታሕቲ ደሞዝ ይኽፈላ ኔይሩ። ሸሽቲን ምስ ቈልዑ ኣብ ቤታ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት መሳርሕታ ይሰርሓ እየን ኔይረን። እቲ ደሞዝ ኣብ ወርሒ ብኣሽሓት ዝቝጸር ክሮናታት ይፈላለ ነይሩ። ሸሽቲን ጡረታ ምስ ወጸት እቲ ገንዘብ ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ንምግቢ፡ ንኽራይ ገዛን ካልእ ወጻኢታትን ኣይክተኣኻከልን እዩ ኢላ ትሻቐል እያ። ምናልባት ንተወሳኺ ሓገዝ ክራይ ገዛ ከተመልክት የድልያ ይኸውን።

ለናርት እውን ወዲ 67 ዓመት እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓደ ዓብዪ ትካል እዩ ነይሩ፣ ደሞዙ ድማ ብዙሕ እዩ ነይሩ። ለናርት እውን ሰለስተ ቈልዑ ኣለዉዎ፣ ግን እቶም ቈልዑ ንኣሽቱ ከለዉ ንሱ ምስራሕ ቀጺልዎ እዩ። ኣብ ምሉእ ናይ ስራሑ ዕድሚኡ ካብ ወሃብቲ ስርሑ ደሞዝ ይኽፈሎ ነይሩ። ለናርት ጡረታ ምስ ወጸ እቲ ገንዘብ ይተኣኸለለይ'ዶ ይኸውን ኢሉ ኣይሻቐልን እዩ። ከም ጡረተኛ ንጡፍ ህይወት ንኸሕልፍ ብሃንቀውታ እዩ ዚጽበ ዘሎ፣ ብዙሕ ክገይሽን ጎልፍ ክጻወትን ድማ መደበ የውጽእ ኣሎ።

ንጡረታኻ ክትጸልዎ ትኽእል ኢኻ

ጡረታ ምስ ሸምገልካን ስራሕ ኣቋረጽካን እትረኽቦ ገንዘብ እዩ። ስርዓት ጡረታ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ብእተፈልየ ኣገባብ እዩ ዝፍጸም።

ናይ ጡረታ ገንዘብካ ብብዙሕ እተፈላለዩ ክፋላት ዝቘመ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዝበዝሓ ክፋሉ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መንግስቲ እዩ ዝመጽእ። እዚ ሓፈሻዊ ጡረታ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ካልእ ክፋል ካብቶም ወሃብቲ ስራሕካ ዝነበሩ ክመጽእ ይኽእል እዩ። እዚ ክፋል ናይ ኣገልግሎት ጡረታ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንጡረታኻ ዝኸውን ባዕልኻ እውን ገንዘብ ከተዋህልል ትኽእል ኢኻ። እዚ ናይ ጡረታ ውህለላ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቶም እተፈላለዩ ክፋላት ብሓባር ድምር ጡረታኻ ይኾኑ።

ኵሉ ኣብ ሽወደን ዝሰርሕን ዝነብርን ሰብ ሓፈሻዊ ጡረታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ፣ መጠን ትረኽቦ ናይ ጡረታ ገንዘብ ግን ይፈላለ እዩ። እዚ ካልእ ገዲፍካ ኣብ ክትሰርሕ ከለኻ እትኸፍሎ መጠን ብዝሒ ደሞዝን ንኽንደይ ዓመት ከም እትሰርሕን ዝተሞርኰሰ እዩ። ንነፍስ ወከፍ እትሰርሓላ ዓመት፡ ዝለዓለ ጡረታ ኢኻ ትረክብ። መጠን ጡረታኻ፡ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ጡረታ ዝኸውን ዝኸፍል ወሃብ ስራሕ እንተ ኣለካ ኾይኑን ባዕልኻ ንጡረታኻ ዝኸውን ተዋህልል እንተ ዄንካ እውን ዝተሞርኰሰ እዩ።

ብሓፈሻኡ ክርአ ከሎ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝወሓደ ጡረታ ኣለወን። እዚ ኣብ ብዙሕ ነገራት እዩ ዝምርኰስ። ኣብቲ ብዙሓት ኣንስቲ ዝሰርሓሉ ሞያ ዝኽፈል ደሞዝ ዝተሓተ እዩ፡ ናይ ከፊል-ግዜ ስራሕ ዝሰርሓ ደቂንስትዮ ይበዝሓ፡ ከምኡ'ውን ዝበዝሓ ክፋል ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዝወስድኦ ኣንስቲ እየን። ብዘይካዚ ቈልዑን ኣዝማድን ክሓሙ ከለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ዝኣልየኦም ደቂንስትዮ እየን።

ሓዴኹም ካብቲ ካልእ ዝተሓተ ጡረታ ኣብ ዝወስደሉ ናይ ጽምዲ ዝምድና ትነብር እንተ ዄንካ፡ ንዕኡ እትትክኣሉ እተፈላለየ መንገድታት ኣሎ። ንኣብነት ነቲ ካብ ክልቴኹም ዝወሓደ ጡረታ ዝወስድ ውልቃዊ ናይ ጡረታ ውህለላ ክትጅምርሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ሽወደን ዘሎ ሰለስተ ዓይነት ጥሮታ ዘርኢ ስሉስ ኵርናዕ ዘለዎ ቅርጺ፦ ሓፈሻዊ ጥሮታ፡ ናይ ኣገልግሎት ጥሮታን ውልቃዊ ናይ ጥሮታ ውህለላን።

ስርዓት ጡረታ ኣብታ ቅድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ብኸመይ እዩ ዚዓዪ?

ጡረታ ምስ ወጻእካ ቍጠባዊ ኵነታትካ ከመይ ዝኸውን ይመስለካ?

ዕድመ ጡረታ

መዓስ ጡረታ ከም እትወጽእን ናይ ጡረታ ክፍሊት ካብ መዓስ ክኽፈለካ ዝጅምርን ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ እትውስን። እንተ ቐልጠፈ ወዲ 62 ዓመት ምስ ኮንካ ጥሮታ ክትወጽእ ትኽእል፣ ክሳብ ወዲ 68 ዓመት እትኸውን ድማ ክትሰርሕ መሰል ኣሎካ። ንስኻን ወሃብ ስራሕካን እንተ ተሰማሚዕኩምሉ፡ ድሕሪ 68 ዓመት ምምላእካ እውን ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ናይ ጡረታ ገንዘብካ ካብ ግቡእ ግዜኻ ኣዚኻ ደንጕኻ ክትወስዶ ብዝመረጽካ መጠን፡ ኣብ ወወርሒ ዝበዝሐ ገንዘብ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ሽወደን ማእከላይ ገምጋም ዕምሪ እናወሰኸ ስለ ዝኸይድ ዘሎ፡ እቲ ጡረታ ኣቐዲምካ ክትውጽኣሉ እትኽእል ዕድመ ክልዕል እዩ። እዚ ነቲ ንኽንደይ እዋን ክትሰርሕ መሰል ዘለካ ዕድመ እውን ይምልከት እዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል ዘለካ፡ መዓስ ስራሕ ከም እተቋርጽ ባዕልኻ ኢኻ ትመረጽ።

ጥሮታ ካብ ብዙሓት ሃገራት

ኣብ ካልኦት ሃገራት ትነብር ወይ ትሰርሕ ዝነበርካ፡ ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ናይ ጡረታ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እታ ሃገር ሓንቲ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት/ኤውሮጳዊ ቍጠባዊ ዞባ ወይ ሓንቲ ሽወደን ምስኣ ስምምዕ ዘለዋ ሃገር እንተ ኾይና፡ ብዓል መዚ ጡረታ ነቲ ገንዘብ ንኽወሃበካ ንኸተመልክት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ኣበየኖት ሃገራት ትሰርሕ ከም ዝነበርካ ንብዓል መዚ ጡረታ ሓብር ኢኻ።

መጠን ብዝሒ ጡረታኻ ክንደይ ክኸውን እዩ?

ኣብ ወወርሒ ክንደይ ዝኣክል ጡረታ ክትረክብ ከም እትኽእል ዘርኢ ኣርባዕተ ኣብነታት እንሆ። እቲ ኣብነታት ሓደ ካብ ደሞዝካ ግብርን ናይ ወሃብ ስራሕ ክፍሊትን ከምኡ'ውን ናይ ኣገልግሎት ጡረታ ክፍሊትን ዝኸፍል ዝነበረ ወሃብ ስራሕ ከም ዘነበረካ ጌይሩ ዝተሓስበ እዩ።

  • ብ1985 ኢኻ ተወሊድካ። ናብ ሽወደን ኣብ 2015 መጺእካ፡ ኣብ 2023 ድማ ናይ ከፊል ግዜ ስራሕ ክትሰርሕ ጀሚርካ። ወዲ 68 ዓመት ምስ ኮንካ ኣብ ሽወደን ን30 ዓመት ሰሪሕካ ኣለኻ። ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ኣብ ወርሒ ብገምጋም 15,000 ክሮኑር ተእቱ ኣለኻ። ጡረታ ምስ ወጻእካ ግብሪ ቅድሚ ምኽፋልካ ኣብ ወርሒ ኣስታት 10,000 ክሮኑር ክትረክብ ኢኻ።

  • ብ1965 ኢኻ ተወሊድካ። ናብ ሽወደን ኣብ 2015 መጺእካ፡ ኣብ 2018 ድማ ስራሕ ክትሰርሕ ጀሚርካ። ወዲ 68 ዓመት ምስ ኮንካ ኣብ ሽወደን ን15 ዓመት ሰሪሕካ ኣለኻ። ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ኣብ ወርሒ ብገምጋም 25,000 ክሮኑር ተእቱ ኣለኻ። ጡረታ ምስ ወጻእካ ግብሪ ቅድሚ ምኽፋልካ ኣብ ወርሒ ኣስታት 10,000 ክሮኑር ክትረክብ ኢኻ።

  • ብ1985 ኢኻ ተወሊድካ። ናብ ሽወደን ኣብ 2015 መጺእካ፡ ኣብ 2018 ድማ ስራሕ ክትሰርሕ ጀሚርካ። ወዲ 68 ዓመት ምስ ኮንካ ኣብ ሽወደን ን35 ዓመት ሰሪሕካ ኣለኻ። ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ኣብ ወርሒ ብገምጋም 30,000 ክሮኑር ተእቱ ኣለኻ። ጡረታ ምስ ወጻእካ ግብሪ ቅድሚ ምኽፋልካ ኣብ ወርሒ ኣስታት 16,000 ክሮኑር ክትረክብ ኢኻ።

  • ብ2000 ኢኻ ተወሊድካ። ናብ ሽወደን ኣብ 2019 መጺእካ፡ ኣብ 2020 ድማ ስራሕ ክትሰርሕ ጀሚርካ። ወዲ 68 ዓመት ምስ ኮንካ ኣብ ሽወደን ን48 ዓመት ሰሪሕካ ኣለኻ። ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ኣብ ወርሒ ብገምጋም 35,000 ክሮኑር ተእቱ ኣለኻ። ጡረታ ምስ ወጻእካ ግብሪ ቅድሚ ምኽፋልካ ኣብ ወርሒ ኣስታት 22,500 ክሮኑር ክትረክብ ኢኻ።

ጥሮታ ክትወጽእ ከለኻ ኣብ ሽወደን ንብዙሕ ዓመታት ዘይተቐመጥካ እንተ ዄንካ፡ እቲ ዝኽፈለካ ጡረታ ዝወሓደ ክኸውን፣ ወይ እውን ጨሪሹ ከይክፈለካ ይኽእል እዩ። ንዓኻ ዝኸኑ ካብ ብዓል መዚ ጡረታ ከተመልክተሎም እትኽእል ተወሰኽቲ ቍጠባዊ ሓገዛት ንኣብነት ከም ተወሳኺ ሓገዝ ክራይን መናበዪ ደገፍ ንኣረጋውያንን ዝኣመሰሉ ኣለዉ።

ሓደ ናይ ቀረባ ዘመድ ምስ ዝመውት ዝኽፈል ጡረታ

ናይ ቀረባ ዘመድካ እንተ ሞይቱ፡ መሰል ናይ ጡረታ ብህይወት ንዝተረፈ (efterlevandepension) ዝበሃል ሓደ ዓይነት ጡረታ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ጡረታ ብህይወት ንዝተረፈ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጡረታ እቱው ኮይኑ፡ ጡረታ ቈልዓ (barnpension)፡ ደገፍ ብህይወት ንዝተረፈ፡ ጡረታ መተኻኸሊን (omställningspension) ጡረታ መበለትን (änkepension) ዝሓዘ እዩ። ንናይ ሽወደን ጡረታ ብህይወት ንዝተረፈ መሰል ንኽህልወካ፡ እቲ ዝሞተ ሰብ ኣብ ሽወደናዊ ኣብ ገለ እዋን ዝሰርሕ ዝነበረ ወይ ዝተቐመጠ ክኸውን ኣለዎ። መጠን ብዝሒ ናይቲ ጡረታ ብህይወት ንዝተረፈ ክንደይ ከም ዝኸውን፡ ኣብ እቲ ዝሞተ ሰብ ብሂወት እንተ ዝህሉ ክንደይ ምተቐበለ ነይሩ ዝተምርኰሰ እዩ።

ናይ ቀረባ ዘመድካ ምስ ሞተ፡ ንጡረታ ብህይወት ንዝተረፈ ንምርካብ ከተመልክት ኣየድልየካን ኢዩ። ሓደ ሰብ ምስ ሞተ ኵሉ ግዜ ብዓል መዚ ጡረታ ሓበሬታ ይረክብን መሰል ናይ ጡረታ ብህይወት ንዝተረፈ ዘለዎ ብህይወት ዝተረፈ መቕርብ እንተ ኣሎ ኾይኑ ይምርምርን እዩ።