ንኣራጋውያን ዝኸውን ሕብረተ ሰብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣብ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ከም ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ መጠን ምንባር እዩ። ብዛዕባ ናይ ሽወደን ሓልዮት ኣረጋውያንን ምስ ኣረግካ እንታይ ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእልን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ብእግሮም ክኸዱ፡ ዝስዕስዑ፡ ኣብ ኮፍ መበሊ ኮፍ ዝበሉ፡ ኣብ ጥቓ ኮምፕዩተር ኮፍ ዝበሉን ኣብ መንበሪ ኣረጋውያን ምግቢ ዝበልዑን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዝተሳእሎ ኮላዥ።

ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ጥዑያት ኣዕሩኽ ክህልዉኻ፡ ንጥዕናኻ ምክንኻንን ንጽቡቕን ነዊሕን ህይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ካልኦት ነገራትን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኣብ ምሉእ ህይወትካ ጽቡቕ ህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለካ። ብሰንኪ ዕድሜኻ ኣድልዎ ንኸየጋጥመካ መሰል ኣለካ። ጽቡቕ ጥዕና ንኽህልወካ እውን መሰል ኣለካ። ዕድሜኻ ብዘየገድስ ንማሕበራዊ ርክባት፡ ኣታውን ውሕስነትን ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ኣብ ሕብረተ ሰብ ተሳታፊ ክትከውንን ንህይወትካ ክትጸልዎ ከም ትኽእል ኮይኑ ክስምዓካን መሰል ኣለካ።

ኣብ ሽወደን ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ንብዙሕ ዓመታት ንጡፍን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ክነብር ይኽእል እዩ።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ክፍልታት ህይወት፡ ምስ ኣረግካ ክትረኽቦ ትኽእል ደገፍን ሓገዝን ኣሎ። እዚ ሓልዮት ኣረጋውያን ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ሓደ ክፋል ናይቲ ማሕበራዊ ድሕንነት ሽወደን ድማ እዩ።

ሓልዮት ኣረጋውያን

ኣብነት፦ ኣና ኣብ መዓልታዊ ህይወታ ሓገዝ ትረክብ እያ

ጓል 75 ዓመት ኣና ከምዚ ትብል፡ "ካብ ደቀይ ብእተፈላለየ መገድታት ብዙሕ ሓገዝ እረክብ እኳ እንተ ነብርኹ፡ ኵሉ ግዜ ነብሰይ ክኽእል እየ ዝፈቱ ኔይረ። ሕጂ ምስ ኣረግኩ ኣብ መዓልታዊ ህይወተይ ብዝያዳ ግብራዊ ሓገዝ የድልየኒ እዩ። ሳራ ጓለይን ኣዲል ወደይን ብዙሕ እዮም ዚሰርሑ። ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራ ቤታት ኣለዎም፡ ኣብ ኵሉ ነገራት ንኽሕግዙኒ ድማ ኣየርክብሉን እዮም። ግን ኣብ ሽወደን ደገፍን ሓገዝን ዘድልዮም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንዕኡ ካብ ሕብረተ ሰብ ንኽረኽብዎ መሰል ከም ዘለዎም ዝገልጽ ሕጊ ኣሎ። ኣነ እዚ ኣጸቢቑ ጽቡቕ እዩ በሃሊት እየ! ደቀይ ብእተኻእሎም መጠን ብዙሕ ግዜ ይበጽሑንን፡ ግዜ ክረኽቡ ከለዉ ድማ ይሕግዙንን እዮም። ዳርጋ መዓልታዊ ብተሌፎን ንዛረብ ኢና።"

ኵሎም ሕብረተ ሰባት ንኣረጋውያኖም ይከናኸንዎም እዮም፣ እዚ ግን ብእተፈላለየ ኣገባብ እዩ ዝፍጸም። ኣብ ብዙሓት ሃገራት እቲ ናይ ቀረባ ስድራ ነቶም ኣረጋውያን ይከናኸኖምን፡ ከምኡ'ውን እቲ ናይ ሕድሕድካ ምትሕግጋዝ ኣድላይነት እንዳ ዛየደ ክኸይድ ከሎ ወለዲ ናብ ደቆምን ደቂደቆምን ክግዕዙ ልሙድ እዩ። ንኣብነት ከም ኣብ ሽወደን ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዘድልዮም ሓገዝ ንኽረኽቡ መንግስትን ኮሙናትን ናይ ምርግጋጽ ዓብይ ሓላፍነት ኣለዎም። ነዚ ዝቈጻጸሮ ሕጊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እዩ። ኣብ ሽወደን ከም እኹል ሰብ መጠን ምስ ወላዲኻ ብሓባር ምቕማጥ ልሙድ ኣይኮነን።

ኣብታ ቅድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት እቲ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ዝወሃብ ትፈልጦ'ዶ?

ንኣረጋውያን ዚኸውን መንበሪ ገዛን ኣብ ቤት ዚወሃብ ሓገዝን

ብዕድመ እንዳ ደፋእካ ምስ ከድካ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ደገፍ ንምርካብ ናብ እቲ ትነብረሉ ኮሙን ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ምሽማት፡ ምጽራይ ገዛ፡ ኣብ ምስራሕ መግብን ኣብ ምጥቃም ዓይን-ምድሪን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ፡ ዘቤታዊ ኣገልግሎት (ሄምሸንስት) ይብሃል፡ ኣብ ቤትካ ሓገዝ ትረክብ ማለት ድማ እዩ።

ዝያዳ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ኾይኑን ኣብ ቤትካ ኴንካ ሂወትካ ክትመርሕ ምስ ዘይትኽእልን፡ ክትግዕዘሉ እትኽእል ፍሉይ መንበሪ ናይ ኣረጋውያን ኣሎ። ኣብ ገሊኡ መንበሪታት ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ሰራሕተኛታት ኣለዉ። እዞም መንበሪታት "መንበሪ ኣረጋውያን" ይብሃሉ። ኵሎም ኣብኡ ዝቕመጡ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሶም ክፍልታት ወይ ኣፓርተማታት ኣለዎም፡ ኮይኑ ግን ኵሎም ድልየት ዘለዎም ምስቶም ካልኦት ብሓባር ግዚኦም ከሕልፉ ይኽእሉ እዮም። ኣብኡ ንኣብነት ተለቪዥን ትርእየሉ፡ ተንብበሉ፡ ሙዚቃ ትሰምዓሉን ካልእ ብዙሕ ትገብረሉን ክፍሊ ኣሎ። ኣብ መንበሪ ኣረጋውያንን ዘቤታዊ ኣገልግሎትን ክልቲኦም ጾታታት ማለት ኣንስትን ሰብኡትን እዮም ዝሰርሑ።

ኣብዚ ጽሑፍ ዝተፈላለየ ዓይነት መንበርን ደገፍን ንኣረጋውያን ይግለጽ። ብዕድመ ምስ ደፋእካ ኣብ ከመይ ዓይነት መንበሪ ክትነብር ትደሊ ይመስለካ?

እንታይ ዓይነት ደገፍ ክወሃበካ ምደለኻ?

ውሕስነት ኣብ ሓልዮት ኣረጋውያን

ኣብ ሓደ ናይ ኣረጋውያን መንበሪ በይንኻ ኣይኮንካን ትነብር። ንዓኻ ይኹን ንመቕርብካ ውሑስ እዩ።

ኣብ ሽወደን ሰብኡትን ኣንስትን ኪሰርሑ ልሙድ ስለ ዝዀነ ንወለዶም ንምክንኻን ግዜ ንኽህልዎም እውን ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ መንበሪ ኣረጋውያን ዝነብሩ ወይ ዘቤታዊ ኣገልግሎት ዘለዎም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ እንተ ኣለዉኻ ኾይኖም፡ መዓልታዊ ምግቢ፡ መድሃኒትን እቲ ዘድልዮም ሓገዝን ከም ዝረኽቡ ትፈልጥ ኢኻ። ወለድኻ ኣብ ሓደ መንበሪ ይነብሩ ኣለዉ ማለት ራሕሪሕካዮም ማለት ኣይኮነን። ንስኻ ክትበጽሖም ትኽእል ኢኻ፡ንሳም እውን ኪበጽሑኻ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ምሉእ ህይወትካ መሰላት ኣለዉኻ፣ ነዚ ንምርካብ ድማ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። ፍሉይ መንበርን ዘቤታዊ ኣገልግሎትን ምስ ኣረግካ ክትረኽቦም ናይ እትኽእል ሓገዛት ክልተ ኣብነታት ጥራይ እዮም። ከምኡ'ውን ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ መሰነይታ፡ መጠንቀቕታ ድሕነት (ትርግሄትስላርም)፡ ናውቲ ሓገዝን ወዘተን ንምርካብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከም ሓገዝ መኸዲ (ሩላቱር) ዝኣመሰለ ናውቲ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ግበር።

ብዛዕባ ሓልዮት ኣረጋውያን ብዝያዳ ክትፈልጥ ወይ ናይ ሓልዮት ኣረጋውያን መመልከቲ ከተእቱ ምስ እትደሊ፡ ምስቲ ትነብረሉ ኮሙን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ጥዕናን እርጋንን

ኣብነት፦ ሃናን ሮሳን ኣረጋውያን እየን፡ በይነን ድማ ይቕመጣ

ሃና በይና እያ እትነብር። ንገዛእ ርእሳ ምግቢ ምኽሻን ዘሰልኪ ኮይኑ ስለ ዚስምዓ መብዛሕትኡ ግዜ ስሩሕ ምግቢ እያ ትዕድግ። ጽቡቕ ኣይትድቅስን እያ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ እዋን ቀትሪ ድኻም ይስምዓ። ሓኪማ ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጽ ከም ዘለዋ እኳ እንተ ነገራ እዚ ግና ከቢድ እዩ፣ ንሓያሎ ዓመታት ሽጋራ ኣትኪኻ እያ። ሃና ከምቲ ትደልዮ መጠን ምስ መሓዙታ ክትራኸብ ሓይሊ የብላን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤታ ኮፍ ትብልን ኣብ እዋን ምሸት ተሌቭዥን ትርእን። ዝሳለጥ ጕዳይ ክህልዋ ከሎ ኣውቶቡስ ወይ ማኪናኣ ትወስድ።

ሮሳ እውን በይና እያ ትነብር። ኣካላታ ክደክም ከሎን ጽሩይ ኣየር ክትወስድ ከላን ጽቡቕ ድቃስ ስለ ትድቅስ መዓልታዊ ነዊሕ እያ ብእግራ ትንቀሳቐስ። ሮሳ ክትበራበር ከላ ዳርጋ ኵሉ ግዜ ዘዕረፈትን ንቕሕትን ዘላ ኾይኑ እዩ ዝስምዓ። ኣብ እዋን ቀትሪ ምስ መሓዙታ ትራኸብን ትዘናጋዕን እያ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤት ንባብ እየን ዝራኸባ። ሓድሓደ ግዜ ብሓባር ምግቢ ይኽሽና። ኵሉ ግዜ ብዙሕ ኣሕምልቲ ዘለዎ፡ ሓድሓደ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ናይ ኣሕምልቲ ምግቢ ይኽሽና።

ዕድመ እንዳ ደፋእካ ክትከይድ ከለኻ ህይወት ይለዋወጥ እዩ። ነዚ ብእተፈላለየ መንገዲ ተስተብህለሉ። እቲ ብዝያዳ ጋህዲ ዝኾነ ነዚ ትርእየሉ መንገዲ፡ ናይ ኣካላትካ ምልውዋጥ እዩ። ክትኣርግ ከለኻ ኣካላትካን ሓንጎልካን ልክዕ ከምቲ መንእሰይ ከለኻ ዝነበሮ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ጭዋዳታት ከምቲ ናይ ቀደሞም ሓያላት ኣይኰኑን፡ ሚዛንካ ካብቲ ዝነብሮ ይዳኸም፡ ናይ ምዝካር ዓቕምኻ እውን ከምኡ። እዚ ከጋጥም ከሎ ኣሸጋሪ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ክኣርግ እየ ኢልካ ክትሓስብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን'ምበር ነዞም ለውጥታት ክትጸልዎም ትኽእል ኢኻ። ክሳብ ኣብ ሂወትካ ድሒሮም ከም ዝመጹ እውን ክትገብሮም ትኽእል ኢኻ። ንኣካላትካን ንሓንጎልካን ብምንቅስቓስን ምልምማድን ንነዊሕ እዋን ጥዑይን ንቑሕን ኴንካ ክትነብር ትኽእል ኢኻ።

እርጋን ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ሓደ ጽቡቕ እዋን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስራሕ ካብ ዘይትሰርሓሉ ዘሎ እዋን ንንየው ግዜኻ ኣብ ምንታይ ከም ተጥፍኦ ባዕልኻ ክትውስን ትኽእል ኢኻ። ግን ሓደ ንጡፍ ሂወት ክህልወካ ንኽኽእል፡ ጽቡቕ ጥዕና ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ።

ጥዕና ዳርጋ ከም መዋህለሊ ሕሳብ ናይ ባንካ እዩ። ብስሩዕ ገንዘብ ተቐምጥ እንተ ዄንካ፡ ምስ ኣረግካ ከተውጽኦ ትኽእል ዝያዳ ገንዘብ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ንጥዕናኻ ክትከናኸን ኣገዳሲ እዩ።

ጥዑይ ኣነባብራ

ኣብ ምሉእ ህይወትካ ንጥዕናኻ ክትጸልዎ ከም እትኽእል ክትዝክር ኣገዳሲ እዩ። ጥዑይ መግቢ ንምምጋብን ምውስዋስ ኣካላት ንምጅማርን፡ ጨሪሹ ግዚኡ ሓሊፉ እዩ ዝብሃል ኣይኮነን። ህንጸተ-ኣካል፡ ማለት ንጭዋዳ ኣካላት ብምውስዋስ ምጥንካር ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመ ዝርከብ ሰብ ክገብሮ ጽቡቕ ኮይኑ ኣብ ገዛኻ ኴንካ ክትገብሮ እውን ዝከኣል እዩ። ኣብ ግዳም ብእግርኻ ምንቅስቓስ እውን ጽቡቕ እዩ፡ ምእንቲ ብርሃን ቀትሪ ክትረክብ ኣብ እዋን ቀትሪ እንተ ኾነ ይሓይሽ። ብርሃን ቀትሪ ብኣካላውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ይገብር እዩ። ትንፋስ ክሳብ ዝሓጽረካ ምውስዋስ ኣካላት ክተገብር ከለኻ ድልዳለ ኣካላትካ የዛይዶን ንተጻዋርነትካ ድማ የዕብዮን። ንኣካላዊ ድልዳለ ዝግበር ምውስዋስ ንልቢ ዝጠቅም እኳ እንተ ዀነ ንሓንጎል እውን ኣገዳሲ እዩ። ኣዘውቲርካ ምውስዋስ ኣካላት ትገብር እንተ ዄንካ፡ ዝሓሸ ድቃስ ክትድቅስ፡ ዝሓሸ ተዘክሮ ክህልወካ፡ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣትኵሮ ክህልወካ ከምኡ'ውን ብዙሕ ካልኦት ጥቕምታት ክትረክብ ኢኻ። ሓንጎል ኣብ ምሉእ ህይወቱ ሓድሽ ነገራት ኪመሃር ይደሊ እዩ። ነዚ ክትገብሮ እትኽእለሉ ብዙሕ መንገድታት ኣሎ። ንኣብነት ከተንብብ፡ ኣባል ሓደ ማሕበር ክትከውን ወይ መሳርያ ሙዚቃ ክትጻወት ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሂወትካ ንነዊሕ እዋን ጽቡቕ እንዳ ተሰመዓካ ንኽትነብር፡ ሎሚ እንታይ ክትገብር እዩ ንዓኻ ኣገዳሲ?

ስድራ ቤትን መሓዙትን

ብዕድመ እንዳ ደፋእካ ብዝኸድካ መጠን ኣካላትካን ሓንጎልካን ጥራይ ኣይኰነን ዝቕየር። ማሕበራዊ ህይወት እውን ኪቕየር ይኽእል እዩ። ስድራ ቤትን መሓዙትን ኣገዳሲ ክፋል ናይ ህይወት እዮም።

ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ጽምዋ ይስምዖም እዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ብዙሕ እተፈላለየ ምኽንያታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። መሓዙትካ ወይ መጻምድትኻ ሞይቶምኻ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብእግርኻ ምኻድ የጸግመካ ይኸውን ወይ ናብ ሕብረተሰብ ንኸይትጽንበር ዘጸግመካ ሕማም ይህልወካ ይኸውን። ስራሕ ምቍራጽ ካልእ ዓብዪ ለውጢ እዩ፣ መዓልታዊ መሳርሕትኻ ዘይምርኣይ ከኣ ጽምዋ ከም ዝስምዓካ ክገብር ይኽእል እዩ። ስለዚ ጡረታ ምስ ወጻእካ ምሳኻ ግዜ ከሕልፉ ዝኽእሉ ኣዕሩኽ ኪህልዉኻ ኣገዳሲ እዩ። ጡረታ ምውጻእ ማለት፡ ስራሕ ኣቋሪጽካ ማለት እዩ። ኣብ ሽወደን መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ ኣብ 65 ዓመቱ ጡረታ ይወጽእ።

ስራሕ ምስ ኣቋረጽካ፡ ካብ ድሕሪኡ ንንየው ከም ዘይተድሊ ኮይኑ እውን ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ሓደ ካብቲ ምስ ካልኦት ሰባት እትራኸበሉን ንማሕበረ ሰብ ኣበርክቶ ምሃብ እትቕጽለሉን መንገዲ፡ ኣባል ሓደ ማሕበር ምዃን ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣረጋውያን ንጥፈታት ዘዳልዋ ሓያሎ ማሕበራት ኣለዋ። ሃገራዊ ማሕበር ጡረተኛታት PRO ሓደ ኣብነት ናይ ከምዚ ዓይነት ማሕበር እዩ።

ኣእምሮኣዊ ሕማም

ከም ጭንቀትን ቃዝኖትን ዝኣመሰሉ ኣእምሮኣዊ ሕማም ኣብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ልሙድ እዩ። ይኹን እምበር ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ናብ ሕክምና ዝኸይድ፡ ብኡ ምኽንያት ድማ ነቲ ጸገማቱ ሕክምና ኣይረኽበሉን። ሓደ ካብቲ ምኽንያታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣእምሮኣዊ ሕማም ከም ሓደ ባህርያዊ ክፋል ናይ እርጋን ጌርካ ስለ ዝርአ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ከምኡ ግን ኣይኰነን።

ምሕማም ወይ ኣብ ካልኦት ጽግዕተኛ ምዃን ነቲ ኣደዳ ዓመጻ ናይ ምዃን ተኽእሎ ከዛይዶ ይኽእል ኢዩ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡትን ኣንስትን ኣደዳ ዓመጻ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፣ ግን ደቂ ኣንስትዮ ብዝያዳ ንዓመጽ ዝተቃልዓ እየን። ብዕድመ ስለ ዝደፍአን ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝኾናን ንዓመጽ ክቃልዓ ይኽእላ እየን። ዓመጻ ኣብ ኵሉ ዓይነት ዝምድና ከጋጥም ይኽእል እዩ። እቲ ዓመጻ ዝፍጽም ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ምስቲ ግዳይ ቅርበት ዘለዎ ሰብ እዩ። ኵሎም ግዳያት ዓመጽ፡ ካብ ሕብረተ ሰብ ናይ ደገፍን ሓገዝን መሰል ኣለዎም። መንእሰይ ኩን ብዕድመ ዝደፋእካ ብዘየገድስ።

ከም መንእሰይን ብዕድመ ዝደፋእካን መጠን ዝበለጸ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ክህልወካ መሰል ኣሎካ። ዋላ ምስ ኣረግካን ስራሕ ምስ ኣቋረጽካን፡ ጽቡቕ ክስምዓካ፡ ጽቡቕ ክትድቅስ፡ ጽቡቕ ክትበልዕን ኣብዚ ሕብረተ ሰብ ከም ተኻፋሊ ኮይኑ ክስምዓካን ኣለዎ።

ነዊሕ ዕድመ ኢና እንነብር

ኣብ ሽወደን ሰባት ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ። ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ጡረታ ምውጽኦም ንሓያሎ ዓመታት ንጡፍ ህይወት ይነብሩ እዮም። ማእከላይ ገምጋም ዕምሪ ምሉእ ነበርቲ ሽወደን፡ 82 ዓመት እዩ። ንደቂ ኣንስትዮ ኣስታት 84 ዓመት ክኸውን ከሎ ንሰብኡት 80 ዓመት እዩ።

ኣብታ ቅድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ማእከላይ ገምጋም ዕምሪ ክንደይ እዩ ኢልካ ትሓስብ?

ናይ ኣረጋውያን መጓዓዝያን ጕዕዞን

ኣብ ሓያሎ ኮሙናት ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት እንተ ወሓደ ኣብ እተወሰነ እዋናት ናይ መዓልቲ ብኣውቶቡስ፡ ስፖርቫግን ወይ ቱነልባ ብዝሓሰረ ዋጋ ወይ ብናጻ እዮም ዝጐዓዙ።

ከምኡ'ውን ብዙሓት ኮሙናት ንኣረጋውያን ዝኸውን ፍሉይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣለወን። መብዛሕትኡ ግዜ ፍለክስትራፊከን (flextrafiken) ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። እተን ኣውቶቡሳት ካብተን ዝውቱራት ኣውቶቡሳት ዝነኣሳ ኮይነን ናብ ጥቓ ገዛኻ ከንብሓኻ ይኽእላ እየን። ምእንቲ ሓገዝ መኸዲ (ሩላቱር) ወይ ዓረብያ ስንኩላን ዝጥቀሙ ሰባት ብቐሊሉ ንኽስቀልወን ትሑት ባይታ እለወን። ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ብኸመይ ንፍለክስትራፊከን ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ኮሙንካ ርክብ ግበር።

ናይ ምንቅስቓስ ጸገም ዘለዎም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ (färdtjänst) ክረክቡ እውን ይኽእሉ እዮም። ኣገልግሎት መጓዓዝያ እንተ ኣዚዝካ ናብ እትኸደሉ ቦታ ብታክሲ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እቲ ጕዕዞ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቁሩብ ክብር ዝበለ እኳ እንተ ኾነ ካብቲ ስሩዕ ብታክሲ ንምግጕዓዝ እትኸፍሎ ግን ዝሓሰረ እዩ። ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንምርካብ ናብቲ ትነብረሉ ኮሙን ከተመልክት ኣለካ። ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጐዓዝ ከም ዘይትኽእል ዝሕብር ወረቐት ምስክር ካብ ሓኪም ምስቲ ምልክታ ኣተሓሒዝካ እውን ክትልእኽ ኣሎካ።

ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ተኽእሎታት

ክልተ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ ሓደ ጣውላ ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተር ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።

ኣብነት፦ ፉዋድ ኢንተርነት ምጥቃም ተማሂሩ

ወዲ 69 ዓመት ፉዋድ፡ "ምሉእ ህይወተይ ኣብ ፋብሪካ እየ ዝስርሕ ኔይረ፣ ኣብ ስራሐይ ጨሪሸ ኮምፕዩተር ተጠቂመ ኣይፈልጥን እየ። ጡረታ ምስ ወጻእኩ ኣብ ገዛይ ኮምፕዩተር ኣይነበረትንን። ኣብ ኣብራኸይ ቃንዛ ኣለኒ፡ ንኽወጽእ ድማ የጸግመኒ እዩ። ስራሕ ምስ ኣቋረጽኩ ጽምዋ ክስምዓኒ ጀሚሩ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ጓለይ ኮምፕዩተር ዓዲጋትለይ፣ ኣነ ድማ እዚ ኮሙን ኣብ ዘዳለዎም ሓደ ናይ ኮምፕዩተር ትምህርቲ ንጀመርቲ ተማሂረ። ዳርጋ መዓልታዊ ዝራኸቦም ሓደስቲ ኣዕሩኽ ረኺበ። ከምኡ'ውን ምስ ኣብ ሊባኖን ዘለዉ የዕሩኽተይን ኣዝማደይን ዳግማይ ርክብ ክገብር ክኢለ። ነንሕድሕድካ ክትርኣኣ ክትክእል ደስ ስለ ዝብል ብቪድዮ ጌርና ኢና ነዕልል ።"

ፉዋድ ፍሉይ ኣይኰነን። 6% ካብ ህዝቢ ሽወደን ሳሕቲ እዩ ኢንተርነት ዝጥቀም ወይ ፈጺሙ ኢንተርነት ኣይጥቀምን እዩ። እዚኣቶም ልዕሊ 600 000 ሰባት እዮም። መብዛሕትኦም ካብዚኦም ደቂ 65 ወይ ካብኡ ዝዓብዩ እዮም። መብዛሕትኦም ንኢንተርነት ካብቲ ዝጥቀምሉ ንላዕሊ ኪጥቀሙ ምደለዩ። ገሊኦም ዚዓግቶም ስንክልና ስለ ዘለዎም ከምኡ ክገብሩ ኣይክእሉን። ገሊኦም ድማ ከመይ ከም ዚገብሩ ኣይፈልጡን እዮም።

ከምኡ ክኸውን ኣይነበሮን። ኢንተርነት ብምጥቃም ዝርከብ ብዙሕ ተኽእሎታት ኣሎ። ኣብ ርእሲ ምስ ኣዕሩኽካ ምርኻብካ ብዙሕ ጕዳያት ከተሳልጥ ትኽእል ኢኻ። ብሓገዝ ሓንቲ ኮምፕዩተር ወይ ዘመናዊት ተሌፎን ኣብ ገዛኻ ኴንካ ፋክቱራታት ክትከፍል፡ ትኬት ክትእዝዝን ሕሉፍ ሓሊፍካ ምስ ሓኪም እውን ክትራኸብን ትኽእል ኢኻ። ክሳዕ ሕጂ ብዘይ ኢንተርነት ነገራት ከተሳልጥ ዳርጋ ይከኣል ነይሩ፣ ግን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ኣገልግሎታት ብዝያዳ ዲጂታላውያን (ብኮምፕዩተር ወይ ዘመናዊት ተሌፎን ዝግበር) እንዳ ኾኑ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ብዓል መዝታት ኵሉ ሰብ ንመርበብ ሓበሬታ ናቶም ክርድኦን ንዲጂታላውያን ኣገልግሎቶም ንኽጥቀመሉን ሓላፍነት ኣለዎም። ይኹን'ምበር ንስኻ እውን ንኽትመሃር ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓላፍነት ኣለካ። ዘይትርድኦ ነገር እንተ ኣልዩካ ኾይኑ ምስቲ ብዓል መዚ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ንምትላልን ገበን ንምፍጻምን ኢንተርነት ዝጥቀሙ ሰባት ኣለዉ። ንዘይትፈልጦም ሰባት ውልቃዊ ኮድ ወይ ቍጽሪ ሕሳብ ናይ ባንክ ፈጺምካ ክትህቦም የብልካን ወይ ውሑስ ኮይኑ ዘይስምዓካ ዝኾነ ይኹን ነገር ክትገብር የብልካን። ኣብ ኢንተርነት ብውሑስ ኣገባብ ኣገልግሎት ከተሳልጠሉ እትኽእል ሓደ ሜላ ኣሎ። እዚ ኤ-መንነት (e-legitimation) ይበሃል። ንኣብነት ብኢንተርነት ናይ ባንክ ጕዳያትካ ምእንቲ ከተሳልጥ ክትክእል፡ ብሓገዝ ኤ-መንነት (e-legitimation) ብዲጂታላዊ ኣገባብ መንነትካ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ናይ ካሳ ውሕስነት (Försäkringskassan) ከምኡ'ውን ናይ ካልኦት ብዓል መዝታት መርበብ ሓበሬታ ኣቲኻ ንገሊኡ ጕዳያት ንምስላጥ ናይ ግድን ኤ-መንነት ኪህልወካ ኣለዎ። ኤ-መንነት ንምውጻእ ምስ ባንክኻ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኣብነት ናይ ኤ-መንነት፡ ባንክ- ኢደ እዩ። ገለ ሰብ ብተሌፎን ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢ ተራኺቡ ኣብቲ ናትካ ኤ-መንነት ክትኣቱ እንተ ሓቲቱካ፡ ከም ዝበለካ ኣይትግበር ወይ ኣይትእቶ።

ብዙሓት ሰባት ኢንተርነት ከም ከቢድ ኮይኑ ይስምዖም እዩ። ንሓደ እትፈልጦ ሰብ ከርእየካ ክትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። ናይ ኢንተርኔት ትምህርቲ እውን ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ኮሙናት ከምቲ ፉዋድ ዝተማህሮ ዲጂታላዊ ትምህርቲ ንጀመርቲ ብዙሕ ግዜ የዳልዋ እየን። ሓደ ሓደ ግዜ ንኣረጋውያን ዝኸውን ፍሉይ ኮርሳት ኣሎ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብናጻ እዩ። ብዘይካዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣብያተ - ንባብ ክትልቀሓን ትኽእል ኢንተርነት ዘለወን ኮምፕዩተራት እውን ኣለዋ። ምስ ትነብረሉ ኮሙን ብምርኻብ እንታይ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።