ኣብ ሽወደን ስድራ ምምስራትን ምስ ቈልዑ ምንባርን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።
ሓደ ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊ፡ ሓደ ስድራ ኣብ ኮፍ መበሊ፡ ኣብ መጻወቲ ቦታ፡ ሓንቲ ኣደ ምስ ቈልዓን ሓንቲ ነፍሰ ጾር ሰበይት ዝተሳእሎ ኮላዥ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ስድራ ምምስራትን ምስ ቈልዑ ምንባርን እዩ።

ብዛዕባ ኣብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ወላዲ ምዃን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ እዚ ሕብረተ ሰብ ቘልዑ ንዘለዎም ስድራ ቤት ከወፍየሎም ዝኽእል ዝተፈላለየ ዓይነት ደገፋት ብዝያዳ ክትፈልጥ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ መሰላት ቈልዑን ናይ ወለዲ መሰላትን ግዴታታትን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ጥዕና ቈልዑ እውን ኮይኑ፡ ሓደ ቈልዓ ክሓምም ከሎ፡ ብኣእምሮኣዊ ሕማም ክሳቐ ከሎ ወይ ናይ ወልፊ ጸገማት ከጋጥሞ ከሎ ምስ መን ከም ትራኸብ ክትፈልጥ ኢኻ።

ብዛዕባ ናይ ሽወደን ስርዓተ ትምህርትን፡ ኣብ ናይ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ዝምሃር ውላድ ክህልወካ ከመይ ምዃኑን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።