ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ቈልዑ ዘለዉኻ ምዃን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ቈልዑ ዘለዉኻ ምዃን እዩ። ብዛዕባ ኣየናይ ሓላፍነት ወለዲ ከም ዘለዎምን ኣየናይ ሓላፍነት ቤት ትምህርቲ ከም ዘለዎምን ከተንብብ ክትኽእል ኢኻ። ብዛዕብ ኣብ ቤት ትምህርቲ መን ከም ዝሰርሑን እቲ መምህር ብዛዕባ ዘለዎ ዕማምን እውን ከተንብብ ኢኻ።

መማህራንን ተመሃሮን ኣብ ጥቓ ሰደቓ ኮፍ ኢሎም ይዘራረቡ ኣለዉ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ውሑስ ቦታ ክኸውን ከም ዘለዎን፡ ኵሎም ተመሃሮ ማዕረ ዕድል ክህልዎም ከም ዘለዎን እውን እዩ። ብዛዕባ ተሳታፍነትን ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ጽልዋ ክገብሩ ከም ዝኽእሉን እውን ከተንብብ ኢኻ።

ኵሎም ቈልዑ ናይ ምምሃር መሰል ኣለዎም። መባእታዊ ትምህርቲ ግዴታውን ብናጻን ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ሽወደን እቲ ቈልዓ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ዝመልኣላ ዓመት ኣትሒዙ፡ ንቈልዑ ግዴታውን ዘይክፈሎን መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣለና። ቈልዑ ካብ ደቂ ሓደ ዓመት ኣትሒዞም ናይ መውዓሊ ህጻናት መሰል እውን ኣለዎም።

ናይ ቤት ትምህርቲ ሓላፍነት

ቤት ትምህርቲ እቲ ቈልዓ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘለወሉ እዋን ጽቡቕ ከም ዘሎን ኵሎም ቈልዑ ንኽመሃሩ ሓደ ዓይነት ዕድል ከም ዝረኽቡን ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ቤት ትምህርቲ ንዅሎም እቶም ዘድልዮም ቈልዑ ምስምማዓት ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ።

ሓደ ቈልዓ ክብሩ እንተ ተጋሂሱ ወይ ብኻልእ መገድታት ሕማቕ ኣተሓሕዛ ተገይርሉ እቲ ቤት ትምህርቲ ስጕምቲ ክወስድ ኣለዎ። ከም ወላዲ መጠን እቲ ቤት ትምህርቲ ስጕምቲ ዘይወስድ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንመምህር እቲ ቈልዓ ወይ ነቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ርእሰ መምህራን ክትሕብሮ ኣለካ።

ኵሎም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝሰርሑ ሓደ ቈልዓ ኣብ ገዝኡ ጽቡቕ ከም ዘየለ ወይ ብኻልእ መገዲ ጕድኣት ከም ዘጋጥሞ እንተ ጠርጢሮም ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከመልክቱ ይግደዱ እዮም። ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም ተመልክት ዝሕብር ልሙድ ኣሰራርሓ ኣሎ።

ናይ ወለዲ ሓላፍነት

ንስኻ ናይ ሓደ ተምሃራይ ቈልዓ መጕዚትነት ዘለካ፡ ነቲ ቈልዓ ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ምእንቲ ክጥቀም ክትድግፎ ሓላፍነት ኣለካ። ንውሉድካ ክትድግፈሉ እትኽእለሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ትምህርቲ ኣገዳሲ ምዃኑ ክትነግሮን እቲ ቈልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ ከም ዝኸይድ ዘሎን ዕዮ ገዛ ይዓዪ ከም ዘሎን ከተረጋግጽ ኣገዳሲ እዩ። ብዘይካዚ እቲ ቈልዓ መኣዛታት ዘለዎ ምግቢ፡ ድሕንነትን እኹል ድቃስን ክረክብ እውን ኣገዳሲ እዩ።

እንታዎት እዮም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝሰርሑ?

መውዓሊ ህጻናት

ኣብ መውዓሊ ህጻናት መማህራን መውዓሊ ህጻናትን ኣለይቲ ቈልዑን ይሰርሓ። ናይ ስእሊ፡ ድራማን ሙዚቃን መማህራን እውን ኣብ መውዓሊ ህጻናት ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም። ሓላፊ ናይ መውዕሊ ህጻናት ሓለቓ መውዓሊ ህጻናት (förskolechef) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ መውዕሊ ህጻናት እቲ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ እቲ ሓለቓ መውዓሊ ህጻናት እዩ።

መባእታዊ ቤት ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን

ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እተፈላለዩ ዓይነት መማህራን ይሰርሑ። ኣብ ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ክፍሊ (ቀዳማይ ደርጃ) ሓደ መምህር ቀንዲ ሓላፍነት ናይ ሓደ ክፍሊ ሃልይዎ ነቶም ቈልዑ መብዛሕትኡ ዓይነት ትምህርቲ ይምህሮም። እዚ መምህር መብዛሕትኡ ግዜ መምህር ክፍሊ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ፍሉይ ዓይነት ትምህርቲ ዝምህሩ ፍሉይ ስልጠና ዘለዎም መማህራን እውን ኣለዉ። መማህራን ዓይነት ትምህርቲ (ämneslärare) ተባሂሎም ይጽውዑ። ኣብ ቀዳማይ ደርጃ ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ መማህራን ዓይነት ትምህርቲ ብቐዳምነት ኣብ ተግባራዊ ዓይነት ትምህርቲ ከም ኢደ-ስርሓት፡ ሙዚቃ፡ ስእሊን ስፖርት እዮም ዝምህሩ።

ኣብ ማእከላይ ደረጃ፡ ላዕለዋይ ደረጃን ናይ መባእታዊ ቤት ትምህርትን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትንን ኣብ ክልሰ-ሓሳባዊ ዓይነት ትምህርቲ ከም ሽወደንኛ፡ ታሪኽን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን እውን ዝምህሩ መማህራን ዓይነት ትምህርቲ ኣለዉ።

ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ፍሉያት መማህራንን ሓገዝቲ ተመሃሮን እውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ፍሉያት መማህራን ነቶም ፍሉይ ደገፍ ዘድልዮም ተመሃሮ ንኽምህርዎም ዝስልጥኑ እዮም። ሓገዝቲ ተመሃሮ ኣብ ሰዓታት ትምህርቲ ንተምሃሮ ኣብ ዝተፈላለየ ነገራት ክሕግዝዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ተማሃሮ ቀረብ ናይ ሓኪም ቤት ትምህርቲ፡ ኣላዪት ሕሙማት ቤት ትምህርቲ፡ ኣማኻሪ፡ ስነ-ኣእምሮኛን ፍሉያት መማህራን ክህልዎም ኣለዎ።

ብዘይካዚ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ከም ዓቃብ ህንጻ፡ መምህር ናጻ ግዜ፡ ኣማኻሪ ትምህርቲ፡ ከሻንን ናይ ቤት ትምህርቲ ዓቃብ መጻሕፍትን ዝኣመሰሉ ካልኦት ብዙሓት ሰራሕተኛታት እውን ይሰርሑ እዮም።

ሓላፊ ናይ ሓደ ቤት ትምህርቲ ርእሰ መምህር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ እቲ ርእሰ መምህር እዩ።

ኣብታ ቅድሚ ሕጂ ትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣየኖት ሞያዊ ዕማማት ኣሎ?

ናይ መምህር ዕማም

እቲ መምህር ናይ'ቲ ትምህርቲ መደብ ምውጻእን ምምራሕን ከምኡ'ውን ናይ ነጥቢ ምሃብን ሓላፍነት ኣለዎ። ይኹን'ምበር ሓደ መምህር ካልእ ብዙሕ ዕዮታት እውን ኣለዎ።

ኣብ መንጎ መማህራንን ተማሃሮን ምትእምማን ክህሉ ኣለዎ። ተመሃሮ ዘይተረድኦም ነገር እንተ ኣሎ ኾይኑ ክሳብ ክዛረቡሉ ዘድፍሮም ኣብ ክፍሊ ተኣማንነት ክስምዖም ኣለዎ። እቲ ተመሃራይ እቲ መምህር ከም ዝሓልየሉ ኾይኑ እንተ ተሰሚዕዎ ንኽምሃር ይቐለሉ እዩ። ኣብ ትምህርቲ ዝያዳ ሓላፍነት ክትስከምን ጽልዋ ከተሕድርን እውን ዝቐለለ ይዀነካ።

ሓደ መምህር ንነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ክርእዮን ከቕልበሉን ኣለዎ። ንኣብነት እቲ መምህር ንተመሃሮ ኣብ እዋን ትምህርቲ ከመይ ይኸዱ ከም ዘለዉ ብምሕታት ነቲ እተረድእዎን ዘይተረድእዎን ነገራት ክፈልጥ ይኽእል እዩ። ድሕሪኡ እቲ መምህር ነቲ ትምህርቲ ከተዓራርዮን ንኣብነት ብኻልእ መገዲ ክገልጾን ይኽእል እዩ።

ሓደ ንፉዕ መምህር ከመይ ክኸውን ኣለዎ?

ንዅሉ ዝኸውን ቤት ትምህርቲ

ኣብ ሽወደን ከም ድልየትካ ቤት ትምህርቲ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እቶም ወለዲ ኣብ ኵለን ኣብታ ኮሙን ዘለዋ መባእታውያን ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ቈልዓ ቦታ ንምርካብ ከመልክቱ መሰል ኣለዎም ማለት እዩ። እቶም ወለዲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እቲ ቈልዓ ዝነብረላ ኮሙን ኣብ ዝርከብ ናይ ግሊ መባእታውያን ኣብያተ ትምህርቲ እውን ቦታ ንምርካብ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።

ቤት ትምህርቲ ኣብ ምልእቲ እዛ ሃገር ሓደ ዓይነት ክኸውን ኣለዎ። እቲ ኣመሃህራ ኣብ ኵሉ ቦታ ብተመሳሳሊ መገዲ ክዳሎ ኣለዎ ማለት ግን ኣይኰነን። ተመሃሮ እተፈላለዩ እዮም፣ ከምኡ ምዃኑ ድማ ነቶም ሓደ ክፍሊ ዘለዉ ተምሃሮ ጽቡቕ እዩ። ኵላትና እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ፡ ተመክሮን ኵነታትን ኣለና። እቲ ቤት ትምህርቲ ነዚ ከም ኣወንታዊ ነገር ገይሩ ክርእዮን ነቲ ናይ ትምህርትን ናይ ቤት ትምህርትን ሃዋህው ድማ ምስ ፍልልያት እቶም ተመሃሮ ከም ዝሰማማዕ ክገብሮን ኣለዎ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ነቶም ነቲ ናይ ፍልጠት ደረጃ ክበጽሕዎ ዘጸግሞም ተመሃሮ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎ፣ ዘድልዮም ተወሳኺ ደገፍ ድማ ክቕርበሎም ኣለዎ። ዕላማ ቤት ትምህርቲ ኵሎም ተማሃሮ ንትምህርቶም ኵሉ ግዜ ኣብ ክፍሎም ኮይኖም ክመሃርዎ ክኽእልይ እዩ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ኣብ ምስ ሓንቲ ንእሽተይ ጕጅለ ኴንካ ምምሃር ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መማህራንን ቤት ትምህርትን ካብ ኵሎም ተመሃሮ ልዑል ትጽቢት ኣለዎም። ካብቶም ትምህርቲ ቀሊል ዝኾነሎም ተመሃሮ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ኵሎም ተመሃሮ ዕብየትት ይጽበዩ እዮም። እቶም ዝያዳ ደገፍ ዘድልዮም ተመሃሮ እውን ከይተረፉ ዕብየት ክገብሩ ኣለዎም።

እቲ ቤት ትምህርቲ ጾታ፡ ጾታዊ መንነት፡ ሃይማኖት ወይ ካልእ እምነታት፡ ስንክልና፡ ዓሌት፡ ጾታዊ ዝንባለን ዕድመን ብዘየገድስ ኵሎም ተመሃሮ ንኽምዕብሉ ሓደ ዓይነት መሰላትን ዕድላትን ከም ዝህልዎም ከረጋግጽ ኣለዎ። ንገሊኤን ኣብያተ ትምህርቲ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ከምኡ ዝኾነሉ ድማ እተፈላለየ ምኽንያታት ክህሉ ይኽእል እዩ። ዋሕዲ ናይ ብቕዓት ዘለዎም መማህራን ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ብወገን ስለ እተኸፋፈለ ወይ ከኣ ተመሃሮ ካብ ወለድን ካብ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዓበይቲ ሰባትን ተሳታፍነት ስለ ዝጐድሎም እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሕውስዋስ ናይ ምኽንያታት እዩ። ብዙሕ ጸገማት ዘለዎ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ተማሃሮ ዘለዎ ህቡብነቲ እውን ይጎድል እዩ። ገሊኦም ተመሃሮ ዕድል እንተ ረኺቦም ናብ ካልእ ኣብያተ ትምህርቲ ንክግዕዙ የመልክቱ እዮም። እዚ ናይታ ቤት ትምህርቲ ቍጠባ ስለ ዝጸልዎ ነታ ቤት ትምህርቲ ነቲ ኵነታት ንኸተመሓይሾ ዝከበደ እዩ ዝገብሮ።

ቤት ትምህርቲ ንዅሎም ተመሃሮ ዘተኣማምን ቦታ ክኸውን ኣለዎ። ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካብ ካልኦት ተማሃሮ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ዓበይቲ ሕማቕ ኣተሃሕዛ ዝተገብረሎም ኮይኑ እንተ ተሰሚዕዎም፡ ኵሉ ግዜ ንመማህራን ወይ ንኻልኦት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ዓበይቲ ክሕብሩ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ሰብ ንኣድልዎ፡ ጾታዊ ምሽጋር ወይ ካልእ ገሃሲ ኣተሓሕዛ ክቃላዕ የብሉን። ቤት ትምህርቲ ንኸምዚ ነገር ኣየፍቅድ እዩ። ቤት ትምህርቲ ከምዚ ነገር ንኸየጋጥም ክጽዕር ግዴታ ኣለዎ።

ገሃሲ ኣተሓሕዛ ንኣብነት ሓደ መምህር ንሓደ ተመሃራይ ኣብ ቅድሚ ክፍሉ ሃዝራጥ ኢሉ ክጽውዖ፡ ሓደ ተማሃራይ ናይ ካልእ ተማሃራይ መጻሕፍቲ ክወስድ ወይ ሓደ ሰብ ብምቕምጽማጽ ከላግጽ ከሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ጾታዊ ምሽጋር ክብሪ ሰብ ዝግህስ ጾታዊ ባህርይ ዘለዎ ተግባር እዩ። እዚ ንኣብነት ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ብጾታዊ ኣጠማምታ ክርእዮ ከሎ ወይ ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ብዘይ ድልየቱ ክትንክፎ ከሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ዘይድለ ናእዳን ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዝወሃብ ሓሳባትን ዝኣመሰለ ርእይቶታት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሓደ ቈልዓ ወይ ሓደ ተመሃራይ ብተደጋጋሚ ግዳይ ገሃሲ ኣተሓሕዛ፡ ኣድልዎ ወይ ጾታዊ ምሽጋር እንተ ኾይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ምድሃል (mobbning) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ከም ወላዲ መጠን ምስ ውላድካ ኣብ ህይወቱ፡ ንኣብነት ኣብ መውዓሊ ህጻናት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲን ኣብ ኢንተርነት እንታይ የጋጥሞ ከም ዘሎ ክትዘራረብ ኣገዳሲ እዩ። ከም ወላዲ መጠን ውሉድካ ብሕማቕ ይተሓዝ ወይ ምድሃል የጋጥሞ ከም ዘሎ እንተ ፈሊጥካ፡ ንውሉድካ ክትሕግዘሉ እትኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ምስ መምህር ውሉድካ ወይ ምስቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ርእሰ መምህራን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቤት ትምህርቲ ክሕግዘካ ግዴታ ኣለዎ። ምስቲ ሓደ ክፋል መንግስታዊ ብዓል መዚ ቍጽጽር ኣብያተ ትምህርቲ ዝዀነ ናይ ቈልዑን ተማሃሮን ተወካሊ (Barn- och elevombudet) እውን ክትራከብ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ገሃስቲ ኣተሓሕዛ፡ ኣድልዎን ምሽጋርን ኣዝዮም ከበድቲ ካብ ምዃኖም እተላዕለ ገበናዊ ተግባራት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ገበናዊ ተግባራት ኵሉ ግዜ ናብ ፖሊስ ክሕበሩ ኣለዎም።

ቈልዑ ንናይ ሃይማኖት ናጽነት መሰል ኣለዎም። እቲ ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ መውዓሊ ህጻናትን ኣብ መጽንሒ ድሕሪ ትምህርትን እውን ሃይማኖት ከተግብር መሰል ኣለዎም ማለት እዩ። ቈልዑ ንኣብነት ቅድሚ ምግብና ጸሎት ካብ ምግባር ዝኽልክሎም ዝኾነ ነገር የለን።

ኣብያተ ትምህርቲ ንተመሃሮ ሃይማኖቶም ከተግብሩ ከቃልላሎም ክፍትና ኣለወን። ይኹን'ምበር እቲ ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ከምኡ ክገብር ከም ዘለዎ ብሕጊ ስርዓት ዝሓዘ ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ ባዕላ ክትውስን ትኽእል እያ።

ብመሰረት ሕጊ ቤት ትምህርቲ ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ዝጸቐጠ ትምህርቲ ክህልወን ይኽእል እዩ። ኮሙናላውያን ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ክህልወን ኣይፍቀድን እዩ። ንኣብነት ሓደ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ዝጸቐጠ ትምህርቲ ዝህብ ቤት ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ኵሉ ግዜ ንግሆ ብሓባር ክጽልዩ ወይ ንዕኦም ዝሰማማዕ ምግቢ ክምገቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ሃይማኖታዊ መደብ ምስታፍ ብወለንታ ክኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር ትምህርቲ ኵሉ ግዜ ካብ ሃይማኖታዊ መደብ ናጻ ክኸውን ኣለዎ።

ኵሎም ተመሃሮ ቀረብ ናይ ጥዕና ተማሃሮ ኣለዎም። ብመገዲ ክፍሊ ጥዕና ተምሃራይ እቲ ቈልዓ ምስ ኣላዪት ሕሙማት ቤት ትምህርቲ ወይ ሓኪም ቤት ትምህርቲ ክራከብ ይኽእል እዩ። እቲ ቈልዓ እንተ ጕህዩ ወይ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማቕ እንተ ኣሎ ኾይኑ ዘዘራርብዎ ኣማኸርን ስነ ኣእምሮኛን እውን ኣለዉ። ኵሎም እቶም ኣብ ጥዕና ተምሃራይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። እቲ ቈልዓ እንተ ዘይፍቂዱ ብዛዕባ እቲ ቈልዓ ንኻልኦት ክነግሩ ኣይፍቀደሎምን ማለት እዩ። ሓደ ከምኡ ዘይግበረሉ ኵነት፡ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ቈልዓ ንኽጕዳእ ተኽእሎ ኣሎ ኢሎም እንተ ጠርጢሮም ወይ ፈሊጦም እዩ።

ከም ዓቢ ሰብ መጠን ሓደ ቈልዓ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምድሃል የጋጥሞ ወይ ክብረቱ ይገሃስ ከም ዘሎ እንተ ፈሊጥካ እንታይ ክትገብር ትኽእል?

ተሳታፍነትን ጽልዋ ምግባርን ኣብ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ናይ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ሰብ ብዙሕ ብዛዕባ ደሞክራሲ ይዛረብ እዩ። ሓደ ካብቲ ዕላማታት ናይ ቤት ትምህርቲ፡ ተመሃሮ ኣብቲ ሓባራዊ ሕብረተ ሰብ ተሳተፍትን ሓላፍነት ወሰድትን ዓበይቲ ሰባት ኮይኖም ንኽዓብዩ እዩ። ተመሃሮ ኣብ ደሞክራሲ ምንባር ክመሃሩን መሰሎምን ግዴታቶምን ክፈልጡን ኣለዎም። ስለዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ ምምሃር ተመሃሮ ብዛዕባ ደሞክራሲ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝለማመድሉ ዕዮታት ኣሎ።

ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ተመሃሮ ብርእሶም ምሕሳብ ዝምሃርሉን ንትምህርቶም ክጸልው ተኽእሎ ዘለዎምን ቤት ትምህርቲ እዩ ዘለና። እቲ መምህር መራሒ ናይቲ ጕጅለ እዩ፡ ይዅን'ምበር ኣብ መንጎ ተማሃራይን እቲ መምህርን ዘሎ ርክብ ግን ተመዛዛኒ እዩ።

መሰረት ክብርታት (värdegrund) ናይ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ካብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝመንጨወ እዩ። መሰረት ክብርታት ብዛዕባ ከም ቈልዑ፡ መንእሰያትን በጽሕታትንን ነንሕድሕድና ከመይ ንተሓሓዝ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ናይ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ሰብ ንኻልእ ሰብ ብሕማቕ ክሕዞ ኣይፍቀዶን እዩ ማለት እዩ። ኵሎም ቈልዑ ሓደ ዓይነት ዕድላት ክህልዎም ኣለዎ።

ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ደሞክራስያዊ ክምህር ጥራይ እኹል ኣይኰነን። እቲ ትምህርቲ ብደሞክራስያዊ መገዲ ክካየድ ኣለዎ። ተመሃሮ ኣብ መደብ ምውጻእን ምግምጋምን መዓልታዊ ትምህርቲ ክሳተፉ ክፍቀደሎም ኣለዎ፣ ብዘይካ'ዚ ኮርሳት፡ ዓይነት ትምህርትታት፡ኣርእስትታትን ንጥፈታትን ክመርጹ ክፍቀደሎም ኣለዎ። ብኸምዚ ኣገባብ እቶም ተመሃሮ ጽልዋ ኣብ ምግባር ንኽሳተፉ ይለማመዱ።

ተመሃሮ ኣብ ትምህርቶምን ናይ ዕዮ ከባቢምን ተሳታፍነት ክህልዎም መሰል ኣለዎም። ተሳታፍነትን ጽልዋ ንኽትገብርካ ተኽእሎ ምህላውን ንኽትመሃርን ሓላፍነት ክትወስድን ዘለካ ድልየት የዛይዶ እዩ።

ጽልዋ ትገብረሉ እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ናይ ክፍሊ ኣኼባታትን ናይ ክፍሊ ቤት ምኽርን ቈልዑ ኣብ ክፍሎም ጽልዋ ክገብረሉ ዝኸእሉ ክልተ መገድታት እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣብያተ ትምህርቲ ንብምሉኡ እቲ ቤት ትምህርቲ ክጸሉ ዝኽእል ቤት ምኽሪ ተመሃሮ እውን ኣሎ። ቤት ምኽሪ ተመሃሮ ካብ እተፈላለየ ክፍልታትን ደረጃን ዝመጹ ተመሃሮ ዝሓዘ ጕጅለ እዩ። ቤት ምኽሪ ተመሃሮ መብዛሕትኡ ግዜ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ተመሃሮ ዝጸሉ ጕዳያት ንኣብነት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሕግታት ኣካይዳ፡ መቖም ብሽክለታትት ኣበይ ክኸውን ከም ዘለዎ ወይ ንሰሌዳ ግዜ ዝምልከት ሕቶታት ይሰርሕ።

ኣብ መንጎ ወለድን ቤት ትምህርትን ዘሎ ምትሕብባር

ኣብ ሽወደን ወለዲ ኣብ ናይ ደቆም ዕዮ ትምህርቲ ተሳተፍቲ ክኾኑ ትጽቢት ኣሎ። ወለዲ፡ መማህራን ተማሃሮን ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብእተኻእለ መጠን ጽቡቕ ከም ዝህልዉ ንምግባር ብሓባር ይሰርሑ። ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ፡ ወለዲ ኣብ ህይወት ደቆም ንጡፋት ክኾኑን ከምኡ'ውን ወለዲ እቲ ተማሃራይ ኣብ ቤት ትምህርቲ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ክፈልጡን ክርድኡን ይደልዩ እዮም።

ከም ወላዲ መጠን ኣብ ናይ ምዕባሌ ዝርርብ (utvecklingssamtal) ክትሳተፍ ክትዕደም ኢኻ። ኣብ እዋን ናይ ምዕባሌ ዝርርብ እቲ ተማሃራይን እቲ መምህርን፡ እቲ ተምሃራይ ኣብቶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ ከመይ ይኸይድ ከም ዘሎን እቲ ቈልዓ ኣብ ዝቕጽል ወቕተ-ትምህርቲ ኣየኖት ሸቶታት ምዕባሌ ክህልዎ ከም ዘለዎን ይዘራረቡ። ከም ወላዲ መጠን ቅድሚ እቲ ኣኼባ ክትሓስበሉ ዘሎካ ሕቶታት እውን ክህሉ ይኽእል እዩ። ሽወደንኛ ዘይኮነ ካልእ ቋንቋ ኣደ እንተኾይኑ ዘለካ፡ ኣብቲ ዝርርብ ተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ኣለካ።

ናብ ናይ ወለዲ ኣኼባታት እውን ክትዕድም ኢኻ። ኣብ ናይ ወለዲ ኣኼባ እቲ መምህርን ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ርእሰ መምህራን እቲ ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝዓዪ፡ ሰሌዳ ግዜ ከመይ ከም ዝመስል፡ ብዛዕባ መሰረታዊ ክብርታት እቲ ቤት ትምህርቲ ወዘተ ክሕብሩ እዮም።

ንኣብነት ብመንገዲ ኣብ ናይ ክፍሊ ፌስታ ወይ ኣብ ናይ ክፍሊ መጋሻ ብምሕጋዝ ተሳታፊ ንኽይከውን ተኽእሎ ኣሎ። እዚ በቲ ቤት ትምህርቲ ይምስገነሉን ብምሉኦም ኣባላት እታ ስድራቤት ብዛዕባ እቲ ቤት ትምህርቲ ንኽርድኡ ድማ ኣበርክቶ ይገብርን እዩ።

ብዙሓት ኣብያተ ትምህርትን መውዓሊ ህጻናትን ምስ ተማሃሮን ወለድን ብኢ-መይልን ብኣፕን ኣቢለን እየን ርክብ ዝገብራ። ከም ወላዲ መጠን ኮምፕዩተር ወይ ዘመናዊት ተሌፎንን ናይ ኢ-መይል ኣድራሻን እንተ ኣለካ ኽይኑ ነቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ንኽትካፈሎ ዝቐለለ ይዀነልካ።

ከም ወላዲ መጠን ሕቶታት ንምሕታት ወይ ብዛዕባ ውሉድካ ንምዝርራብ ኵሉ ግዜ ምስ መማህራን፡ ርእሰ መምህራ ወይ ምስ ጕጅለ ጥዕና ተማሃሮ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ትምህርቲ ደቅኻ ዘይምስታፍ እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ?

ርእይቶታት እንተ ኣለካ ኾይኑ ወይ ብዛዕባ እቲ ቤት ትምህርቲ ብገለ ነገር ዘይዕጉብ ኴንካ

ብዛዕባ ገለ ነገር እቲ ቤት ትምህርቲ ርእይቶ እንተ ኣለካ ኾይኑ ወይ ምስ ትምህርቲ ውሉድካ ዝተኣሳሰር ዝዀነ ይኹን ነገር እንተ ዘይዓጊብካ፡ ምስ ሓደ መምህር ወይ ምስቲ ርእሰ-መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተራኸብ። እቲ መምህር ወይ ርእሰ-መምህር ይሰምዓካ ከም ዘየለ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ ምስ ላዕለዋይ ተሓታቲ (huvudmannen) ናይቲ ቤት ትምህርቲ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ላዕለዋይ ተሓታቲ (huvudmannen) ናይ ሓደ ኮማዊ ቤት ትምህርቲ፡ እቲ ንስኻ ትነብረሉ ኮሙን እዩ። ላዕለዋይ ተሓታቲ (huvudmannen) ናይ ሓደ ናይ ግሊ ቤት ትምህርቲ ቦርድ ዳይረክተራት እቲ ቤት ትምህርቲ እዩ። እቲ እትህቦ ርእይቶታት ብዕቱብነት ዘይውሰድ ዘሎ ኾይኑ እንተ ተሰሚዑካ ናብ ብዓል መዚ ቍጽጽር ኣብያተ ትምህርቲ ምልክታ ከተእቱ ትኽእል ኢኻ። ብዓል መዚ ቍጽጽር ኣብያተ ትምህርቲ (Skolinspektionen) ነተን ናይ ሽወደን ኣብያተ ትምህርቲ ተቘጻጻሪ ብዓል መዚ እዩ። ተቘጻጻሪ ብዓል መዚ (tillsynsmyndighet) ንኣብነት ከም ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝኣመሰለ ንጥፈት ነቲ ካብኡ ዝድለ የማልእ እንተ'ሎ ኾይኑ ክምርምር ዘለዎ ብዓል መዚ እዩ።

ምግዓዝ

ናብ ካልእ ቦታ ክትግዕዝ እንተ ዄንካ እሞ ናብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ቈልዑ እንተ ኣለዉኻ ኾይኖም፡ ንሓድሽ ናይ መውዓሊ ህጻናት ቦታ ወይ ንሓድሽ ቤት ትምህርቲ ምምልካት ምናልባት የድልየካ ከይከውን ዘክሮ ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ኮሙንካ ዘገልግል ሕግታት ምስ ኮሙንካ ተዘራረብ።