ቈልዑን ጥዕናን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 8 5 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ጥዕና ቈልዑ እዩ። ውሉድካ ክዓቢ ከሎ ንስኻን ውሉድካን ብዛዕባ ክትበጽሕዎም ዝኾንኩም ክሊኒካት ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ውሉድካ እንተ ሓሚሙ ወይ ካልእ ዓይነት ሓገዝ ኣድልይዎ ምስ መን ከም ትራኸብ ክትፈልጥ ክትክእል ኢኻ።

ሓደ ሓኪም ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ምስ ሓደ ቈልዓ ኮፍ ኢሉ ይዘራረብ ኣሎ።

ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ሕማም ከተንብብን፡ ብዛዕባ ሓደጋታት ድሮጋን ብገንዘብ ምጥላዕን ከምኡ’ውን ውሉድካ ወልፊ እንተ ሒዝዎ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ክትፈልጥ ክትክእል ኢኻ።

ኵሎም ቈልዑ ብዝተኻእለ ዝበለጸ ኣካላ’ውን ኣእምሮኣ’ውን ጥዕና ክህልዎም መሰል ኣለዎም። ቈልዑ ብሉጽ ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ክረኽቡ እውን መሰል ኣለዎም።

ጽቡቕ ጥዕና ክህልወካ ማለት ጥዑይን ጽቡቕ ዝስምዓካን ምዃን ማለት እዩ። መንግስቲ ንዅሎም እቶም ኣብ ሕብረተ ሰብ ዘለዉ ሰባት ዘድልዮም ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ንምርካብ ናይ ክጽዕር ግዴታ ኣለዎ። ቈልዑ ካብ ኵሉ ዓይነት ምዝመዛን መጥቃዕትን መከላኸሊ ክረኽቡ ኣለዎም።

ጥዕና ቈልዑ

ጥዕና ቈልዑ ኣገዳሲ እዩ። ኵሎም ቈልዑ መሰል ምርካብ ምግቢ፡ ሓልዮትን ብዝተኻእለ ዝበለጸ ጥዕናን ኣለዎም።

ከም ወላዲ መጠን ንናይ ውላድካ ኣፋፍኖት ከተስተብህለሎምን ክትሰምዖን የድልየካ እዩ። ቈልዑ ፍቕርን ሓልዮትን ጥራይ ዘይኰነስ መኣዛታት ዘለዎ ምግብን ድቃስን እውን የድልዮም እዩ። ከም ወላዲ መጠን ኵሉ ግዜ ንውሉድካ ካብ ሓደጋታት ክትከላኸለሉን እቲ ቈልዓ ሕክምና ዘድልዮ እንተ ኾይኑ ምስ ሕክምና ክትራኸብን ኣለካ። ሓደ ሓደ ቈልዑ መድሃኒት ወይ ተወሳኺ ናውቲ ሓገዝ ከም ዓረብያ ስንኩላን ወይ ናይ መስምዒ መሳርሒ (hörapparat) የድልዮም እዩ። ኣብ ሽወደን ኵሎም ቈልዑን መንእሰያትን ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ከም ወላዲ መጠን ንመዓልታዊ ህይወትካ ምስቲ ውሉድካ ዘድልዮ ነገራት ከተሰማምዖ ኣለካ።

ክሊኒክ ኣዴታት፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑን ክፍሊ ጥዕና ተምሃራይን

መብዛሕትኦም ወለዲ እቲ ቈልዓ ቅድሚ ምውላዱ ምስ ክሊኒክ ኣዴታት (BMM)፡ ክሳብ ናይ ትምህርቲ ዕድሚኡ ዝኣክል ድማ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ (BVC) ጽዑቕ ርክብ ኣለዎም። ኣብ ክሊኒክ ኣዴታት (BMM) ከምኡ'ውን ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑን (BVC)፡ ምሁራት መሕረስቲ፡ ኣለይቲ ሕሙማትን ሓካይምን ይሰርሑ። ናብ ኣብ ክሊኒክ ኣዴታት (BMM) ከምኡ'ውን ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑን (BVC) ምብጻሕ ኣይክፈሎን እዩ።

ውላድ ኣብ ምጽባይ ዘለዉ ወለዲ ኣብ እዋን ጥንሲ እቲ ህጻንን እታ ነፍሰ ጾርን ጽቡቕ ከም ዘለዉ ንምምርማር ናብ ክሊኒክ ኣዴታት ይኸዱ። ክልቲኦም ወለዲ ናብ ክሊኒክ ኣዴታት ክበጽሑ ቅቡላት እዮም። ቈልዓ ትጽበዩ ከም ዘለኹም ምስ ፈለጥኩም ምስ ክሊኒክ ኣዴታት ርክብ ግበሩ።

ኣብ ክሊኒክ ኣዴታት እታ መሕረሲት ነታ ነፍሰ ጾር ክብደታ ትመዝና፡ ንኸብዳ ትልክዖ፡ ብዛዕባ ጥንሲን ሕርስን ትዛረብ ከምኡ'ውን እቶም ውላድ ኣብ ምጽባይ ዘለዉ ወለዲ ንኽህልዎም ዝኽእል ሕቶታት ትምልስ። ክሊኒክ ኣዴታት መብዛሕትኡ ግዜ ምስቶም ንመጀመርታ ግዜ ወለዲ ክዀኑ ዝጽበዩ ዘለዉ ወለዲ ብሓባር ኣኼባታት የዳልዋ እየን። ኣብቲ ኣኼባታት እቶም ውላድ ኣብ ምጽባይ ዘለዉ ወለዲ ብዛዕባ ጥንሲ፡ ሕርሲ፡ ምጥባውን ካልእን ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ። ኣብ ምብጻሕን ኣብቲ ኣኼባታትን ክልቲኦም ወለዲ ክሳተፉ ልሙድ እዩ። ኣብ እዋን ሕሪሲ እቲ ካልኣይ ወላዲ እውን ክሳተፍ ልሙድ እዩ።

ኣገልግሎት ጥዕና ቈልዑ፡ እቲ ቈልዓ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ክሳብ ቅድመ-ትምህርቲ ዝጅምር ጥዕንኡ ከመይ ከም ዘሎ፡ከመይ ይዓብን ይምዕብልን ከም ዘሎ ይከታተል። ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ወለዲ ንውሉዶም ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ከም ዝከናኸንዎ ንኣብነት ብዛዕባ ምጥባው፡ ድቃስን ሕማማትን ዝምልከት ምኽርን ደገፍን ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ናይ መጀመርታ ናይ ርክብ ግዜ ንምውሳን እቶም ወለዲ ባዕሎም ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ርክብ ክገብሩ ኣለዎም። እቲ ናይ መጀመርታ ርክብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤትኩም እዩ ዝግበር። ሽዑ እታ ኣላዪት ሕሙማት ብዛዕባ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ትሕብርን እቲ ቈልዓ ጽቡቕ ምህላዉ ትምርምሮን።

እቲ ቈልዓ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ነቲ ቈልዓ ዝምርምሮ ሓኪም እውን ክረክብ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ናይ መጀመርታ ርክብ ምስ ሓኪም ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ እቲ ቈልዓ ወዲ ኣርባዕተ ሰሙን ምስ ኮነ እዩ ዝግበር። እታ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ዘላ ኣላዪት ሕሙማት እቲ ቈልዓ ክሳብ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ ዝጅምር ንብዙሕ ናይ ጥዕና መርመራ ምግባር ክትዕድመኩም እያ።

ሓደ ሓደ ግዜ ወለዲ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ንፉዓት ወለዲ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ንከይግምግሞም ይሻቐሉ እዮም። ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ግን ከምዚ ዓይነት ስራሕ የብሎምን። ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ንሓደሽቲ ወለዲ ንኽድግፍ ተባሂሉ ዘሎ እዩ።

እቲ ቈልዓ ኣብ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ ምስ ጀመረ እቲ ሓፈሻዊ መርመራ ጥዕናን ናይ ቤት ትምህርቲ ቅድመ ሕማም ዝወሃብ ኣገልግሎት ጥዕናን ተምሃራይ ሓላፍነት ናብ ክፍሊ ጥዕና ተምሃራይ (elevhälsan) ይመሓላለፍ። ክፍሊ ጥዕና ተምሃራይ (elevhälsan)፡ ሓኪም ቤት ትምህርቲ፡ ኣላዪት ሕሙማት ቤት ትምህርትን ኣማኻሪትን ዝሓቘፈ እዩ።

ኵሎም ተመሃሮ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ከለዉ ሰለስተ ግዜ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ድማ ሓንሳብ ናይ ምብጻሕ ንናይ ጥዕና መርመራ መሰል ኣለዎም። ኣብ ምብጻሕ ንናይ ጥዕና መርመራ ሓንቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣላዪት ሕሙማት ምስቲ ቈልዓ ብዛዕባ ጥዕና ትዛራረብ። እቲ ቈልዓ ክብደቱ ይምዘንን ቁመቱ ይልካዕን ከምኡ'ውን ናይ ምርኣይ ክእለቱን ዓንዲ ሕቑሑን ይምርመር።

ምህላው ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ስለምንታይ እዩ ኣገዳሲ?

ንፉዕ ወላዲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ንከይግምግምዎ ንዝሻቐል ሰብ እንታይ ክትብሎ ትኽእል?

ተሓድሶ ቈልዑ

ተሓድሶ ቈልዑ ከቢድን ንዕምሪ ምሉእ ዝጸንሕን ስንክልና ዘሎዎም ቈልዑን መንእሰያትን ይቕበል።

ናይ ተሓድሶ ተግባራት፡ ምኽሪ፣ ሓገዝን ፍወሳን ከምኡ'ውን ምእዛዝን ምፍታንን ናይ ናውቲ ሓገዝ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ክታበት ናይ ቈልዑ

ኵሎም ወለዲ ንደቆም ከኽትብዎም ዕድል ይወሃቦም እዩ። ኣብ ሽወደን ኣንጻር ዓሰርተው ሓደ እተፈላለየ ሕማማት ናይ ክታበት መደብ ኣሎ፣ ቪሩስ ሮታ፡ ፖልዮ፡ ትኽትኽታ፡ ዲፍተርያ፡ ቴታኑስ፡ ሄሞፊለስ ኢንፍሉወንዛ ዓይነት ቢ (HIB)፡ ንዮሞከከር፡ ቪሩስ ሁማንት ፓፒሎም (HPV)፡ ንፍዮ፡ ጽግዕን ሩቤላን። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ናይ ብደም ዝመሓላለፍ ሕማም ወይቦን ዓባይ ሰዓልን ክታበት ንምውሳድ ዕድል ይወሃብ እዩ። ነዞም ክታበታት ትህብ እታ ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ወይ ኣብ ክፍሊ ጥዕና ተማሃራይ ትሰርሕ ኣላዪት ሕሙማት እያ። እዞም ክታበታት ንቘልዑ ካብቲ ሕማም መከላከሊ ንኽረኽቡን እቲ ለብዒ ኣብ ሕብረተ ሰብ ንኸይዝርግሑን ተባሂሎም ዝወሃቡ እዮም።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባ ሓደጋታት መደብ ክታበት ግጉይ ሓበሬታ ይዝርጋሕ እዩ። ኣብነት ናይ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታታት ርኢኻ ትፈልጥ'ዶ?

ንሓደ ሓበሬታ ክትኣምኖን ከይትኣምኖን ንኽትፈልጥ ክትህቦም ትኽእል ኣየኖት ምኽርታ ኣለዉኻ?

ግዴታ ምዕቃብ ምስጢርን መሰል ንተርጓሚን

ኵሎም ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። ንስኻ ከም ወላዲ መጠን ፍቓድካ ከይሃብካ ብዛዕባ ውሉድካ ሓበሬታ ክህቡ ኣይፍቀደሎምን እዩ። እዚ ንክሊኒክ ኣዴታትን ንማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑን እውን ይምልከት እዩ።

ተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ኣለካ። ተርጓሚ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ቅድሚ ናይ ምብጻሕ ግዜኺ ሓብር። ቈልዑን ኣዝማድን ተርጐምቲ ክኾኑልካ የብሎምን። እቲ ተርጓሚ እውን ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ።

ሓደ መንእሰይ ኣብ ሓደ ናይ መንእሰያት ክሊኒክ ኣብ ሓደ ጣውላ ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ እንዳተዛረበ።

ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ሕክምና ተርጓምን ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም እንታይ ማለት እዩ?

ስለምንታይ እዩ እዚ ኣገዳሲ ዝኾነ?

ውሉድካ እንተ ሓሚሙ ወይ ካልእ ደገፍ ኣድልይዎ

ውሉድካ እንተ ሓሚሙ ብቐዳምነት ናብ ሓበሬታ ሕክምና 1177 ወይ ናብ ናትካ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትድውል ኣለካ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ www.1177.se ብዙሕ ሓበሬታ ብዛዕባ እተፈላለየ ሕማምን ጸገማትን እውን ኣሎ።

ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ውሉድካ ናይቶም ልሙዳት ሕማማትን ጸገማትን ሓገዝ ክረክብ ይኽእል እዩ። እቲ ሓኪም ውሉድካ ክንክን ናይ ክኢላ የድልዮ እዩ ኢሉ እንተ ገምጊሙ፡ እቲ ሓኪም ናብ ሓደ ክኢላ ሓኪም ንኣብነት ናብ ሆስፒታል ውከሳ (መተሓላላፊ) ይጽሕፍ። ድሕሪኡ ንስኻን ውሉድካን ኣብ ካልእ እዋን ናብ ክኢላ ሓኪም ክትጽውዑ ኢኹም።

ኣብ ሽወደን ውሉድካ ዝርኣየሉ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ምርጫ እንተ ዘይጌርካ ውሉድካ ኣብ ጥቓ እቲ እትነብረሉ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ማእከል ክንክን ጥዕና ክርኣ ክምደብ እዩ። ናብቲ ማእከል ጥዕና ንመጀመርታ ግዜ ምስ ከድካ፡ ኣብቲ ናይ ማእከል ክንክን ጥዕና ንኽትምዝገብ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ንቘልዑን ንመንእሰያትን ዝኸውን ፍሉይ ሆስፒታላት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ናኣኣሽቱ ከተማታት ንካብ 0 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን መንእሰያትን ሓደ ፍሉይ ክሊኒክ ኣሎ።

ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ሕክምናዊ ክሊኒክ (BUM)፡ ክሳብ 17 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቈልዑን መንእሰያትን ዝኸውን ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ክሊኒክ እዩ። ናብ ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ሕክምናዊ ክሊኒክ (BUM) ንምብጻሕ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ንኣብነት ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ተምሃራይ ወይ ካልእ ሕክምናዊ ክሊኒክ መወከሲ ይሓትት እዩ።

መብዛሕትኦም ወለዲ ንደቆም መድሕን ቈልዑ ክኣትውሎም ይመርጹ እዮም። መድሕን ቈልዑ ንኣብነት ኣብ እዋን ሕማም፡ ሓደጋታት፡ ስንክልናን ከምኡ'ውን ናይ ስራሕ ዓቕሚ ምጕዳል ካሕሳ ክህብ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኦም መድሕን ቈልዑ ፖሊሲታት እቲ ቈልዓ ክሳብ 25 ዓመት ዝገብር የገልግል። እቲ ኣብ ናይ ቈልዑ መድሕን ፖሊሲ እንታይ ከም ዝኣቱ ይፈላለ እዩ። ስለዚ ነቲ መድሕን ቅድሚ ምእታውካ ትሕዝቶ ናይ'ቲ ውዕል ከተንብቦ ኣገዳሲ እዩ።

ውሉድካ ንኣእምሮኣዊ ሕማም ሓገዝን ደገፍን ዘድልዮ እንተ ኾይኑ ፈለማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ውሉድካ ምስ ዝርከብ ጥዕና ተምሃራይ ወይ ምስ ሓደ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኣድላዪ እንተ ኾይኑ ውሉድካ ናይ ክኢላ ክንክን ክግበረሉ ይኽእል እዩ። እቲ ቈልዓ ክሳብ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት እንተ ኾይኑ ንምኽሪ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቈልዓ እውን ካብ ወዲ 13 ዓመት ምዃኑ ንደሓር ባዕሉ ምስ ክሊኒክ መንእሰያት ክራኸብ ይኽእል እዩ።

ኣእምሮኣዊ ሕማም ንፈኾስቲ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ካብኦም ዝኸበዱ ኣእምሮኣዊ ሕማማትን ዘጠቓልል ጥርኑፍ ኣምር እዩ።

ቅዛነት ከከም ዕድሜኻ ብእተፈላለየ መንገዲ ይርኣ። ቅዛነት ዘለዎም ቈልዑን መንእሰያትን ኵሉ ግዜ ኣይኮኑን ብርኡይ ሕዙናት ዝኾኑ። ኣብ ክንድኡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣብነት ቀጨውጨው ይብሉን ይሓርቁን።

ክሊኒክ መንእሰያት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ከባቢ 12-13 ክሳብ 25 ዓመት ንዘለዉ መንእሰያት እዩ። ናብኡ ምብጻሕ ኣይክፈሎን እዩ።

ኣብቲ ክሊኒክ መንእሰያት ነቲ ሕማቕ ዝስምዖ ዘሎን ዘዘራርቦ ሰብ ዘድልዮን፡ ናይ ብዝርርብ ዝወሃብ ደገፍ ምርካብ ዕድል ኣሎ። ብዛዕባ ኣካላት ወይ ብዛዕባ ጾታውነትን መከላኸሊ ጥንሲን ዝምልከት ሕቶታት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ኣካላት፡ ጾታዊ ርክብን ጥዕናን ብብዙሕ እተፈላለየ ቋንቋታት ሓበሬታ ዝሓዘ Youmo.seዝብሃል መርበብ ሓበሬታ ኣሎ። Yuomo.se ንካብ 13 ክሳብ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት እዩ። ኣብ youmo.se ናይ ኵለን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ናይ መንእሰያት ክሊኒካታት ናይ ርክብ ሓበሬታ እውን ኣሎ።

ሕክምና ስነ ኣእምሮ ቈልዑትን መንእሰያትን (BUP)፡ ነቶም ዝበዝሓ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕክምና ደገፍ ወይ ክንክን ዘድልዮም ቈልዑን መንእሰያትን ይከናኸን። ሕክምና ስነ ኣእምሮ ቈልዑትን መንእሰያትን (BUP) ክሳዕ 18 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ይቕበል። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኮንካ ስነ ኣእምሮኣዊ ሓገዝ እንተ ደሊኻ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ምስ ሕክምና ስነ ኣእምሮ ዓበይቲ ክትራኸብ ኣለካ።

እቲ ንዓኻ ዝቐረበ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣበይ ኣሎ?

ደገፍ ዘድልዮ ቈልዑ እቲ ዘድልዮም ቅኑዕ ደገፍ እንተ ዘይረኺቦም እንታይ ዓይነት ሓደጋታት ከጋጥም ይኽእል?

ወለዲ ውላዶም ክምርመር እንተ ዘይደልዮም እንታይ ዓይነት ሓደጋታት ከጋጥም ይኽእል?

ክንክን ስኒ

ኣብ ሽወደን ህዝባውን ብሕታውን ሕክምና ስኒ ኣሎ። እቲ ህዝባዊ ክንክን ስኒ ፎልክታንድቮርደን (Folktandvården) ይበሃል። ናብ ህዝባዊ ክንክን ስኒ ዲኻ ወይስ ናብ ናይ ብሕቲ ሓኪም ስኒ ክትከይድ ትደሊ፡ ባዕልኻ ኢካ ትመርጽ።

ክሳዕ እታ 23 ዓመት ዝመላእካላ ዓመት ናብ ክንክን ስኒ ምኻድ ኣይክፈሎን እዩ። እንተዀነ ግን ካብ 1 ጥሪ እታ 24 ዓመት ዝገበርካላ ዓመት ኣትሒዝካ ባዕልኻ ኽትከፍል ኣለካ።

ንዕቝባ ሓተትቲ ቈልዑን መንእሰያትን ክሳብ 18 ዓመት ዝመልኡ ክንክን ስኒ ብናጹ እዩ።

ትምባኾ፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ናርኮቲካን ብገንዘብ ምጥላዕን

ትምባኾ፡ ፍርያት ኒኮቲን፡ ኣልኮላዊ መስተን ናርኮቲካን ኣብነት ናይ ድሮጋ እዮም። ድሮጋ ንኣካላትካ ጐዳኢ እዩ፣ ንጥዕናኻ ድማ ይጸልዎ እዩ። ወልፊ እውን ክሕዘካ ይኽእል እዩ።

ኣልኮላዊ መስተ፡ ትምባኾን ፍርያት ኒኮቲንን ሕጋዊ እኳ እንተኾነ ኣብ ኵሉ ቦታ ክዕደግ ይኹን ኵሉ ሰብ ክዕደጎ ኣይከኣልን እዩ። ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ሲስተምቡላገት ዝብሃል ፍሉያት ድኳናት እዩ ዝሽየጥ። ካብ ሲስተምቡላገት ክትዕድግ ናይ ግድን ወዲ 20 ዓመት ክትከውን ኣለካ። ሽጋራ፡ ስንቀን (ስኑስ) ከምኡ'ውን ካልኦት ትሕዝቶ ኒኮቲን ዘለዎም ፍርያት ንምዕዳግ ናይ ግድን ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ኣለካ። እዚ ቈልዑን መንእሰያትን ኣልኮላዊ መስተ፡ ትምባኾን ፍርያት ኒኮቲን ንኸይጥቀሙ ንምክልኻል እዩ።

ኣብ ሽወደን ኵሉ ሰብ ናርኮቲካ ክጥቀም፡ ክዕድግ፡ ክሸይጥ፡ ናብ ሃገር ከኣቱ፡ ከፍሪ ወይ ምስኡ ክሕዝ ክልኩል እዩ። ከም ካናቢስ፡ ጫት፡ ሄሮይን፡ ኣምፈታሚን፡ ኮከይንን ኤክስታሲ ዝብሃሉ እተፈላለዩ ዓይነት ናርኮቲካ ኣለዉ። ሓደ ሓደ ግዜ ናርኮቲካ ድሮጋ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።

ንኣብነት ከም ሎተሪ፡ ቢንጎ፡ ስፖርት፡ ካዚኖ ጠላዕን ፖከርን ዝኣመሰለ ብገንዘብ ምጽዋት እውን ውሉፍ ከም እትኸውን ክገብረካ ይኽእል እዩ። ብገንዘብ ምጥላዕ ነቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ዘይሕጋዊ እዩ።

ንዓኻ ከም ወላዲ ወይ ካልእ መቕርብ ዝኾንካ ዓቢ ሰብ

መንእሰያት ብዛዕባ ብገንዘብ ምጥላዕ፡ ኣልኮላዊ መስተን ናርኮቲካን ክፈልጡ ክህንጠዩን ክፍትኑ ክደልዩን ልሙድ እዩ። ስለዚ ከም ወላዲ ወይ ካልእ መቕርብ ዝኾንካ ዓቢ ሰብ መጠን ብዛዕባ ድሮጋ ምጥቃምን ብገንዘብ ምጥላዕን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታትን ኣየኖት ሳዕቤናት ክህልዎ ከም ዝኽእል ክትዛረብ ኣገዳሲ እዩ። ኣየኖት ሕግታትን መምርሒታትን ከም ዘለዉ እውን ንገር ኢኻ።

ኣብዚ ብናጻ ዝወሃብ ደገፍን ሓገዝን ኣሎ

ናይ ምጥላዕ፡ ኣልኮላዊ መስተ ወይ ናርኮቲካ ጸገን ዘለዎም መንእሰያት ሓገዝ የድልዮም እዩ። ከም ወላዲ መጠን ብዛዕባ ውሉድካ ትሻቀል እንተ ዄንካ፡ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ግን ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ ደገፍን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ክትድውለሉን ምኽሪ ክትሓተሉን እትኽእል መስመራት ተሌፎናት ኣሎ።

ስሉታ ሮካ-ሊንየን (ምትካኽ ደው ኣብል- ተሌፎን፡ Sluta Röka-linjen)፦ 020-84 00 00

ኣልኮሆልሊንየን (ተሌፎን ኣልኮላዊ መስተ፡ Alkohollinjen)፦ 020-84 44 48

ድሮግየልፐን (ሓገዝ ድሮጋ፡ Droghjälpen)፦ 020 – 91 91 91

ስቶድሊንየን (ተሌፎን ደገፍ፡ Stödlinjen)፦ 020-81 91 00 (ንጸገም ምጥላዕ)

ኣዝማድን መንእሰያትን ናብዚ ቍጽርታት ተሌፎን እዚ ባዕሎም ክድውሉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ደዋሊ ስም-ኣልቦ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስም- ኣልቦ ምዃን መን ምዃንካ ምንጋር ኣየድልየካን ማለት እዩ። እቲ ትዛረቦ ዘለኻ ሰብ መንነትካ ክፈልጥ ክፍትን ኣይፍቀዶን እዩ።

ሓገዝን ደገፍን እንተ ደሊኻ ኵሉ ግዜ ናብ 1177 ቮርድጋይደን እውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ንሳም ክመኽሩካን ዝያዳ ሓበሬታ ክህቡኻን ይኽእሉ እዮም። ኣብ መርበብ ሓበሬታ 1177 ቮርድጋይደን እውን ሓበሬታ ኣሎ።

ማእከላይ ማሕበር ብዛዕባ ናይ ኣልኮላዊ መስተን ናርኮቲካን ሓበሬታ Drugsmart ዝብሃል መርበብ ሓበሬታ ኣለዎ። ናብ መንእሰያትን ዝሻቐሉ ወለድን ዘድሃበ እዩ። ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ፡ ናርኮቲካ፡ ሓይሊ ዝህብ ዘይሕጋዊ መድሃኒትን ትምባኾን ሓበሬታ ኣሎ። ብዛዕባ ካብ 13 ክሳብ 19 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዝምልከት ብኢ-መይል ሕቶታት ክትሓትት እውን ይከኣል እዩ። መንእሰያትን ወለድን ሕቶታት ክሓትቱ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ገሊአን ኮሙናት ማሪያሙታግኒንጋር (Mariamottagningar) ዝብሃል ክሊኒካት ኣሎ። ኣብ ናይ መንእሰያት ኣልኮላዊ መስተን ናርኮቲካንን ጸገማት ፍሉይ ክእለት ዘለዎም እዮም። ኣብ umo.se እውን ብዛዕባ ትምባኾ፡ ኣልኮላዊ መስተን ናርኮቲካን ሓበሬታ ኣሎ።