መሰላት ቈልዑን ውዕል መሰላት ቈልዑን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 19 9 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

ኣብቲ ሽወደን ዝፈረመትሉ ውዕል መሰላት ቈልዑ፡ መሰላት ቈልዑ ሰፊሩ ኣሎ። መንግስቲ እዩ ውዕል መሰላት ቈልዑ ይስዓብ ከም ዘሎ ናይ ምርግጋጽ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ። ብዘይካ’ዚ ወለዲ ምእንቲ ደቆም ንመሰላቶም ክረብሕሉ ክኽእሉ ክድግፍዎም ንኽኽእሉ፡ ቈልዑ ኣየኖት መሰላይ ከም ዘለዎም ክፈልጡ ኣገዳሲ እዩ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ መሰላት ቈልዑን ውዕል መሰላት ቈልዑን እዩ። ብዛዕባ ውዕል መሰላት ቈልዑ፡ እቶም ኣብቲ ውዕል ዘለዉ መሰላት ንወለዲ እንታይ ማለት ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ነቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ መን ክስዕቦ ከም ዘለዎን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ቈልዑ ፍሉይ መሰላት ኣለዎም፡ እቶም መሰላት ጋህዲ ንኽኾኑ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ዘለዎ ድማ ሕብረተሰብ እዩ። ኵሎም ቈልዑ ሕደ መሰላትን ማዕር ክብርን ኣለዎም። ዝኾነ ቈልዓ ኣድልዎ ከጋጥሞ የብሉን።

መሰላት ቈልዑ፡ ኣብቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ ዝብል ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ብዛዕባ መሰላት ናይ ቈልዑ ተጠርኒፉ ኣሎ። ኣብኡ ካልእ ገዲፍካ፡ ኵሎም ቈልዑ ብውሕስነት ክዓብዩን ንቘልዑ ዝምልከት ውሳኔ ወትሩ ናይቲ ቈልዓ ጥቕሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሰፊሩ ኣሎ። ቈልዑ ካብ ውግእን ሕማምን ክሕለዉ ከም ዘለዎምን ርእይትኦም ክኽበር ከም ዘለዎን እውን ሰፊሩ ኣሎ።

ውዕል መሰላት ቈልዑ

ውዕል መሰላት ቈልዑ ኣብ ዓለም ዘለዉ ኵሎም ቈልዑ ክህልዎም ዘለዎ መሰላት ዝሓዘ እዩ። እቲ ውዕል ንዅሎም እቶም ካብ 0 ክሳዕ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩ ወይ ዝርከቡ ቈልዑ ይምልከቶም እዩ። ሽወደን ነቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ ፈሪማትሉ እያ። እዚ እቶም ኣብ ውዕል መሰላት ቈልዑ ዘለዉ መሰላት ንዅሎም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ቈልዑ፡ ሽወደናውያን ዜጋታት ይኹኑ ኣይዅኑ፡ ንግዜኡ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ይኹኑ ሓተትቲ ዕቝባ ብዘየገድስ ይምልከቶም እዩ ማለት እዩ። ኣብ'ዚ ጽሑፍ ኵሎም ዘይኮኑ ገለ ካብቶም ኣብ ውዕል መሰላት ቈልዑ ዘለዉ መሰላት ተገሊጾም ኣለዉ።

መሰረታውያን ሕግታት ናይ ውዕል መሰላት ቈልዑ

ውዕል መሰላት ቈልዑ 54 ብዓንቀጻት ዝጽውዑ ሕግታት ዝሓዘ እዩ። ኵለን ዓንቀጻት ብማዕረ ኣገዳስነት እኳ እንተሃለወን፡ ነተን ካልኦት ዓንቀጻት ከነንብበ ከለና ክንዝክረንን ቀየስትን ዝኾና ኣርባዕተ ዓንቀጻት ግን ኣለዋ።

እዘን ኣርባዕተ ዓንቀጻት፡ መሰረታውያን ሕግታት ናይ ውዕል መሰላት ቈልዑ እየን።

  • ዓንቀጽ 2 ኵሎም ቈልዑ ማዕረ ክብርን ሓደ ዓይነት መሰላትን ከም ዘለዎም እያ እትገልጽ። ዝኾነ ቈልዓ ኣድልዎ ከጋጥሞ የብሉን።
  • ዓንቀጽ 3 ብዛዕባ ነቲ ቈልዓ ዝጠቅም ወይ ዝበለጸ ነገራት እያ እትገልጽ። ፖለቲከኛታት፡ ብዓል መዝታትን ኣብያተ ፍርድን ንቈልዓ ዝጸሉ ውሳኔ ክውስኑ ከለዉ፡ ኵሉ ግዜ ነቲ ቈልዓ ዝበለጸ እንታይ እዩ ኢሎም ክሓስቡ ኣለዎም።
  • ዓንቀጽ 6 ብዛዕባ ኵሎም ቈልዑ ብህይወት ናይ ምንባርን ምምዕባልን መሰል ከም ዘለዎም እያ እትገልጽ።
  • ዓንቀጽ 12 ብዛዕባ ቈልዑ ርእይትኦም ናይ ምዝራብ መሰል ከም ዘለዎምን፡ ዓበይቲ ድማ ነቶም ቈልዑ ክሰምዕዎም ከም ዘለዎምን እያ እትገልጽ።

ነቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ ክስዕቦ ዘለዎ መን እዩ?

ኵሎም ዓበይቲ ንመሰላት ቈልዑ ናይ ምኽባር፡ ናይ ምሕላውን ናይ ምድልዳልን ሓላፍነት ኣለዎም። መንግስቲ ሽወደን እዩ ነቲ ኣብ ውዕል መሰላት ቈልዑ ሰፊሩ ዘሎ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ። ንኣብነት ናይ ሽወደን ሕግታትን ስርዓታትን ምስቲ ኣብቲ ውዕል ዘሎ መሰላት ናይ ግድን ክሰማማዕ ኣለዎ። ብዓል መዝታት፡ ኣብያተ ፍርዲ፡ ኮሙናትን ዞባታትን እውን ነቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ ናይ ምትግባር ሓላፍነት ኣለዎም። እዚ ማለት ንኣብነት ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦

  • ኣብ ሓደ ኮሙን ዘለዉ ፖለቲከኛታት ንቘልዑ ብዛዕባ ዝጸሉ ነገራት ቅድሚ ምውሳኖም ነቶም ቈልዑ ብዛዕብኡ እንታይ ርእይቶ ከም ዘለዎም ክሓትዎም ኣለዎም።
  • ወለዲ ሓደ ቈልዓ ክፋትሑ እንተ ኾይኖም እሞ እቲ ቈልዓ ኣበይ ከም ዝቕመጥ እንተ ዘይተሰማሚዖም፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንወለድን ነቲ ቈልዓን ድልየቶም እንታይ ምዃኑ ክሓቶም ኣለዎ።
  • ኮሙናት ንኣብነት ሓደስቲ ኣባይቲ፡ መጻወቲ ቦታ ወይ ቤት ትምህርቲ ክሃንጹ ከለዉ፡ ንቘልዑ ዝበለጸ ነገራት ክሓስቡ ኣለዎም።
  • ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ከምኡ'ውን ኣብያተ ትምህርቲ ዝኾነ ይኹን ቈልዓ ኣድልዎ ከየጋጥሞ ክሰርሓ ኣለወን።

ወለዲ ብኸመይ መገዲ ንውዕል መሰላት ቈልዑ ክስዕብዎ ኣለዎም?

ውዕል መሰላት ቈልዑ፡ መሰላት ቈልዑ ንምርግጋጽ ልዕሊ ዅሉ ሓላፍነት ዘለዎ መንግስቲ ምዃኑ ይገልጽ። ግን ንስኻ ከም ወላዲ ወይ ከም መጕዚ መጠን መሰላት ውሉድካ ንምሕላውን ጋህዲ ከም ዝኸውን ንምርግጋጽን ኣገዳሲ ኢኻ። ውዕል መሰላት ቈልዓ ኣብ ኣተዓባብያ ቈልዓ መምርሕን ደገፍን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ወለዲ ነቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ ኣብ ግምት ዘእትዉ ሕግታት ክስዕብዎም ኣለዎም።

ኣብ ውዕል መሰላት ቈልዑ ንኣተዓባብያን ምዕባለን ቈልዓ ሓላፍነት ዘለዎም ወለዲ ወይ ካልእ መጕዚ እዮም ዝብል ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ክልቲኡ መሰልን ግዴታን እዩ።

ናይ ሓደ ቈልዓ መጕዚ ማለት ናይቲ ቈልዓ ሓላፍነት ምህላውን እቲ ቈልዓ ጽቡቕ ከም ዘሎ ምርግጋጽን ማለት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ መጕዚን ወላድን ሓደ ሰብ እዩ።

ወለድን ካልኦት መጕዚን ካብ'ቲ ማሕበረ ሰብ ንኣብነት ካብ ኮሙን ወይ ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።

ብፍላይ ንቘልዑ ፍሉይ መሰላት ክህልዎም ስለ ምንታይ እዩ ኣገዳሲ ዝኾነ?

ገለ ኣብነታት ካብቲ ኣብ ውዕል መሰላት ቈልዑ ዘሎ መሰላት

ውዕል መሰላት ቈልዑ ንቘልዑ፡ ንወለዲን ንኻልኦት ዓበይቲ ሰባትን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም እንታይ ትርጕም ኣለዎ? ብዛዕብኡ ኣብ'ዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ብዝያዳ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ኣብ'ዚ ጽሑፍ ኵሎም ዘይኮኑ ገሊኦም ካብቶም ኣብ ውዕል መሰላት ቈልዑ ዘለዉ መሰላት ተገሊጾም ኣለዉ። ኣብ'ዚ ጽሑፍ ንስኻ ከም ወላዲ መጠን ብዛዕባ እቶም እተፈላለዩ መሰላት ብኸመይ ክትሓስብ ከም እትኽእል ዘርኢ ኣብነታት ኣሎ።

ኵሎም ቈልዑ ማዕረ ክብሪ ኣለዎም

ኵሎም ቈልዑ ሓደ ዓይነት ዕድላትን መሰላትን ክህልዎም ኣለዎ። ዝኾነ ቈልዓ ኣድልዎ ከጋጥሞ የብሉን። እዚ ማለት ዝኾነ ቈልዓ፡ ንኣብነት በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ካብ ካልእ ሰብ ብዝሓመቐ ክትሓዝ የብሉን፦

  • ሓደ ዝተወሰነ ጾታ ስለ ዘለዎ።
  • ስንክልና ስለ ዘለዎ።
  • ኣብ ሓንቲ ፍልይቲ ሃገር እተወልዱ ወለዲ ስለ ዘለውዎ።
  • ሓደ ፍሉይ ሃይማኖት ስለ ዘለዎ።
  • ሃብታም ወይ ድኻ ስድራ ቤት ስለ ዘለውዎ።
  • ሓደ ፍሉይ ቋንቋ ስለ ዝዛረብ።

ንኣብነት ኣዋልድን ኣወዳትን እንተ ደልዮም ኵዕሶ እግሪ ክጻወቱ ወይ ክስዕስዑ ክመርጹ ክኽእሉ ኣለዎም።

ቈልዑ ጨሪሾም ኣደዳ ምሽጋር፡ ዓሌትነት፡ ምድሃል ወይ ካልእ ገሃሲ ዝኾነ ኣተሓሕዛ ክኾኑ ኣየድልዮምን እዩ። ከም ወላዲ መጠን ምስ ውላድካ ኣብ ህይወቱ፡ ንኣብነት ኣብ መውዓሊ ህጻናት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲን ኣብ ኢንተርነት እንታይ የጋጥሞ ከም ዘሎ ክትዘራረብ ኣገዳሲ እዩ።

ብሓደ ሸነኽ ብጕጅለ ቅርጽታት፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ሓደ ንበይኑ ቅርጺ ዘለዎ ምስሊ።

ወለዲ ምስ ደቆም ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወቶም ዘጋጥሞም ዘሎ ነገራት ክዘራረቡ ስለ ምንታይ እዩ ኣገዳሲ?

ነቲ ቈልዓ ዝበለጸ ብቐዳምነት

ዓበይቲ ንቘልዑ ዝጸሉ ውሳነታት ክውስኑ ከለዉ ወትሩ ብዛዕባ ነቲ ቈልዓ ዝበለጸ ክሓስቡ ኣለዎም። ንኣብነት ፖለቲከኛታት፡ ብዓል መዝታት፡ ኣብያተ ትምህርቲን ኣብያተ ፍርድን ንቘልዑ ዝጸሉ ነገራት ክውስኑ ከለዉ፡ ኵሉ ግዜ ንቘልዓ ዝበለጸ እንታይ እዩ ኢሎም ክሓስቡ ኣለዎም። እቲ ውሳነ ንሓደ ቈልዓ ድዩ ንሓደ ጕጅለ ቈልዑ ዝጸሉ ብዘየገድስ እዚ ኣብ ግብሪ ይውዕል።

ቈልዑ ብህይወት ናይ ምንባርን ናይ ምምዕባልን መሰል ኣለዎም

ቈልዑ ብህይወት ናይ ምንባርን ናይ ምምዕባልን መሰል ኣለዎም። ብጽቡቕ ኣገባብ ንክምዕብሉ ብዙሕ ነገራት የድልዮም እዩ፡ ንኣብነት ቤት፡ ድሕንነት፡ ፍቕሪ፡ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን።

ሓደ ሓደ ግዜ ቈልዑ ተወሳኺ ሓገዝን ደገፍን ንኣብነት ሓገዝ ዕዮ ገዛ ኣብ ምዕያይ ወይ ደገፍ ኣብ ዝምድናታት ከድልዮም ይኽእል እዩ። ገሊኦም ቈልዑ መድሃኒት ወይ ተወሳኺ ናውቲ ሓገዝ ከም ዓረብያ ስንኩላን ወይ ናይ መስምዒ መሳርሒ (hörapparat) የድልዮም እዩ።

ወለዲ ወይ ካልኦት መጕዚ እዮም ቈልዑ ውሑስ ብዝኾነ ኣገባብ ንኽዓብዩን ዘድልዮም ንኽማላኣሎምን ብቐዳምነት ሓላፍነት ዘለዎም። ወለዲ ደገፍ ዘድልዮም እንተ ኾይኑ እቲ ማሕበረ ሰብ ንኣብነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ደገፍን ሓገዝን ከወፍዩ ይኽእል እዮም።

ቈልዑ ሓሳቦም ክገልጹ ክኽእሉ ኣለዎም

ቈልዑ ብዛዕባ እቲ ንህይወቶም ዝጸሉ ነገራት እንታይ ከም ዝሓስቡ ናይ ምዝራብ መሰል ኣለዎም፣ ዓበይቲ ድማ ክሰምዑ ኣለዎም። ብዓል መዝታትን ኣብያተ ፍርድን ንኣብነት ነቲ ቈልዓ ዝምልከት ውሳነ ክውስኑ ከለዉ፡ ነቲ ቈልዓ እንታይ ርእይቶ ከም ዘለዎ ክሓትዎን ነቲ ቈልዓ ክሰምዕዎን ኣለዎም። ንኣብነት ኣብ ሓደ ኮሙን ዘለዉ ፖለቲከኛታት ንቘልዑ ብዛዕባ ዝጸሉ ነገራት ቅድሚ ምውሳኖም ነቶም ቈልዑ ብዛዕብኡ እንታይ ርእይቶ ከም ዘለዎም ክሓትዎም ኣለዎም።

ቈልዑ ካብ ጐነጽን ዓመጽን ክሕለዉ ኣለዎም

ውዕል መሰላት ቈልዑን ካልኦት ኣብ ሽወደን ዘለዉ ሕግታትን ኵሉ ዓይነት ጐነጽ ይኽልኽሉ እዮም። ኣብ ሽወደን ካብ 1979 ኣትሒዙ ቈልዑ ምህራም ወይ ካልእ ዓይነት ዓመጽ ምጥቃም ክልኩል እዩ።

እዚ ክልከላ ንዅሉ ሰብ ይምልከትን ኣብ ኵሉ ቦታ፣ ኣብ ቤትን ኣብ ብምሉኡ ሕብረተሰብን የገልግል።

ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቈልዓ ማህሰይቲ ከውርድ ከሎ እዩ። እዚ ንኣብነት ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል እዩ፦

  • ኣካላዊ ዓመጽ፦ ኣካላዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ዝወርድ ኵሉ ዓይነት ዓመጽ እዩ። ፈኵስ ማህረምቲ፡ ጸጕርኻ ምስሓብን ምቝንጣውን እውን ኣካላዊ ዓመጽ እዩ።
  • ስነ ኣእምሮኣዊ ዓመጽ፦ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዓመጽ ምስንባድ፡ ምምፍራሕ፡ ዕሽሽ ምባል ወይ ንቘልዓ ኣብ ሓደ ቦታ ምዕጻው ክኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ቈልዓ ንኣብነት ከም ዓዋን ወይ ዘይረብሕ ዝኣመሰሉ ክፉእን ሕማቕን ኣስማት ምጽዋዑ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስነ ኣእምሮኣዊ ዓመጽ ማዕረ እቲ ኣካላዊ ዓመጽ ንርእሰ-ተኣማንነትን ምዕባለን ናይቲ ቈልዓ ክሃስዮ ይኽእል እዩ።
  • ጾታዊ ዓመጽ፦ ኵሉ እቲ ኣንጻር ፍቓድ ሓደ ሰብ ዝፍጸም ጾታዊ ተግባራት ጾታዊ ዓመጽ እዩ። ምስ ቈልዓ ዝፍጸም ጾታዊ ተግባር ኵሉ ግዜ ዓመጽ እዩ።
  • ግዱድ መርዓን መርዓ ትሕቲ ዕድመን፦ ንሓደ ቈልዓ ንኽምርዖ ናብ ካልእ ሃገር ንኽገይሽ ምግዳድ ወይ ምትላል።
  • ግዝረትን ምኽንሻብን ናይ ኣዋልድን ኣንስትን።
  • ገበን ጥሕሰት ናይ ሓደ ቈልዓ ክብሪ (Barnfridsbrott)፦ ቈልዑ ኣብ ዘቤታዊ ገበን ንዝፍጸም ገሊኡ ገበናት ክርእይዎ ወይ ክሰምዕዎ ምቅላዕ ዘይሕጋዊ እዩ። ንኣብነት ቈልዑ ኣብ መንጎ ወለዲ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ወይ ኣዝማድ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ምፍርራሕ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ክርእዩ ወይ ክሰምዑ ኣየድልዮምን እዩ። ኣብ መንጎ ወለዲ ዝፍጸም ጐነጽ፡ ኣብ ልዕሊ ቈልዓ እውን ይፍጸም ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ገበን፡ ገበን ጥሕሰት ናይ ሓደ ቈልዓ ክብሪ (Barnfridsbrott) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
  • ንቘልዓ እኹል ሓልዮት ዘይምሃቡ፦ ወለድን ካልኦት መጕዝን ንቘልዓ ንኣብነት ምግቢ፡ ክዳውንትን ሕክምናን ካብ ምሃብ ዕሽሽ ክብሉ የብሎምን።

Hedersförtryck.se ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዝፍጸም ዓመጽ ዝገልጽ ፊልም ኣዳልዮም ኣለዉ። እዚ ፊልም ብሽወደንኛ፡ ዓረብኛ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ፋርስኛ፡ ቋንቋ ሩስያ፡ ሶማልኛ፡ ቋንቋ ስጳኛን ትግርኛን ተዳልዩ ኣሎ።

ቈልዑ ዓበይቲ ክርእዩ፡ ክሓቱን ስጕምቲ ክወስዱን ይደልዩ እዮም።

ቈልዑ ግዳይ ናይ ዓመጽን መጥቃዕትን ንኸይኮኑ ክከላኸልሎም ናይ ኵሎም ዓበይቲ ሓላፍነት እዩ። ሓደ ቈልዓ ግዳይ ዓመጽ ክኸውን ከሎ ኵሎም ዓበይቲ ናይ ግድን ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም። ኣካላዊ ዓመጽ፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ዓመጽ፡ ጾታዊ ዓመጽ ወይ ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽ ይኹን ብዘየገድስ።

ሓደ ቈልዓ ምናልባት ይጕዳእ ከም ዘሎ ዝጠርጠረ ኵሉ ሰብ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክራኸብ ይኽእል እዩ። እዚ ናይ ሻቕሎት ምልክታ (orosanmälan) ምግባር ይበሃል። ክትሕብር ከለኻ ንኣብነት ንሓደ ወላዲ ትኸስስ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን፣ እንታይ ድኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ቈልዓ ዘለካ ሻቕሎት ትሕብር ኣለኻ ማለት እዩ። ሰራሕተኛታት መውዓሊ ህጻናት፡ ቤት ትምህርቲ ወይ ሕክምና ሓደ ቈልዓ ይጕዳኣ ከም ዘሎ እንተድኣ ጠርጢሮም፡ ብመሰረት ሕጊ ናይ ግድን ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከመልክቱ ኣለዎም።

ዓመጽ ወይ መጥቃዕቲ ይፍጸም ከም ዘሎ እንተ ጠርጢርካ፡ ኵሉ ግዜ ናብ ቝጽሪ ተሌፎን 114 14 ደዊልካ ናብ ፖሊስ ከተመልክት ኣለካ። ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ናብ 112 ክትድውል ኣለካ።

ቈልዑ ንውልቃዊ ህይወት መሰል ኣለዎም

ቈልዑ ንውልቃዊ ህይወት መሰል ኣለዎም። እዚ ማለት ንኣብነት ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦

  • ንስኻ ከም ወላዲ መጠን ናይ ውላድካ መዝገበ-ዕለት፡ መልእኽትታት ኣብ ሞባይል ውሉድካ ወይ ኣብ ኮምፕዩተር ናይ ዕላል መልእኽትታት ከተንብብ የብልካን።
  • ቈልዑ ማዕጾ ዓጽዮም በይኖም ብሰላም ክግደፉ ክኽእሉ ኣለዎም።
ሓደ ቈልዓ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ክፍሉ ኣብ ሰደቓ ኮፍ ኢሉ ይስእል ኣሎ።

ቈልዑ ናይ ምጽዋት፡ ናይ ምዕራፍን ናይ ናጻ ግዜን መሰል ኣለዎም

ቈልዑ ኣብ ናጻ ግዜኦም ንምጽዋትን ንኣብነት ከም ምቕባእ፡ ስፖርት ምግባር፡ ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ምጽዋት፡ ትያትር ምዋሳእ ወይ ኣባል ማሕበር ናይ ምዃን ዝኣመሰሉ ደስ ዝብሉ ነገራት ናይ ምግባር መሰል ኣለዎም።

ከምኡ’ውን ቈልዑ ከዕርፉ መሰል ኣለዎም። ንኣብነት ድሕሪ ቤት ትምህርቲ ወይ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ንኸዕርፉ ዕድል ክህልዎም ኣለዎ።

ሓደ ሓደ ግዜ ቈልዑ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤቶምን ኣብ ቤቶምን ምግቢ ኣብ ምኽሻ፡ ናኣሽቱ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ምሓዝን ካልእ ዕዮታት ኣብ ምዕያይን ይሕግዙ እዮም። ይኹን እምበር ብዙሕ ከቢድን ግዜ ዝወስድን ዕዮታት ቤት ነቲ ቘልዓ ንኸይጻወት፡ ንኸየዕርፍን ንኸይዘናግዕን ክዓግቶ ይኽእል እዩ።

ቈልዑ ንኽምዕብሉን ጽቡቕ ክህልዉን እንታይ ዘድልዮም ይመስለካ?