ህይወት ስድራ ቤት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤት እዩ። ኣብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ወላዲ ምዃን ከመይ ከም ዝመስል ከተንብብ ኢኻ። ብዛዕባ ቈልዑ ምዕባይ፡ ልሙዳት ዝግበሩ ነገራት ኣብ ህይወት ቈልዑን ብዛዕባ ወላዲ ናይ ሓደ መንእሰይ ምዃንን እውን ከተንብብ ኢኻ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ እተፈላለየ ኣገባብ ኣነባብራን ምምስራት ስድራ ቤትን እውን ዝገልጽ እዩ። ብኸመይ ክትፋታሕ ከም እትኽእልን ኣብ ስድራ ቤትካን ኣብ ዝምድናታትካንን ጸገማት ከጋጥም ከሎ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእል እውን ከተንብብ ኢኻ።

ቈልዑ ፍሉይ መሰላት ኣለዎም፡ እቶም መሰላት ጋህዲ ንኽኾኑ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ዘለዎ ድማ ሕብረተሰብ እዩ። ኵሎም ቈልዑ ሕደ መሰላትን ማዕር ክብርን ኣለዎም። ዝኾነ ቈልዓ ኣድልዎ ከጋጥሞ የብሉን።

መሰላት ቈልዑ፡ ኣብቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ ዝብል ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ብዛዕባ መሰላት ናይ ቈልዑ ተጠርኒፉ ኣሎ። ኣብኡ ካልእ ገዲፍካ፡ ኵሎም ቈልዑ ብውሕስነት ክዓብዩን ንቘልዑ ዝምልከት ውሳኔ ወትሩ ናይቲ ቈልዓ ጥቕሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሰፊሩ ኣሎ። ቈልዑ ካብ ውግእን ሕማምን ክሕለዉ ከም ዘለዎምን ርእይትኦም ክኽበር ከም ዘለዎን እውን ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብ ሓንቲ ሓዳሽ ሃገር ወላዲ ምዃን

ናብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ምምጻእ ንዓበይትን ንቘልዑን ዓብይ ለውጢ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ቈልዑ ካብ ዓበይቲ ንላዕሊ ናብቲ ሓድሽ ሕብረተ ሰብ ንምእታው ዝቐለለ ክኾነሎም ይኽእል እዩ። ቈልዑ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ቋንቋ ካብ ዓበይቲ ንላዕሊ ብዝቐልጠፈ እዮም ዝመሃርዎ። እዚ ነቲ ኣብታ ስድራ ቤት ዘሎ ዕማም ክቕይሮ ይኽእል እዩ። እቶም ዓበይቲ ኣብቲ ምስ ሕብረተ ሰብ ዝገብርዎ ርክብ ጽግዕተኛታት ናይ ደቆም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ቈልዑ ናይ ወለዶም ሓላፍነት ክስከሙን እቲ ወለዶም ክገብርዎ ዘይክእሉ ነገራት ከዳልዉን ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ንሓደ ቈልዓ ምስካሙ ኣዝዩ ከቢድ ሓላፍነት እዩ። ንኣብነት ቈልዑ ወለዶም ምስ ብዓል መዝታት፡ ክንክን ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ክራኸቡ ከለዉ ንወለዶም ከተርጕምሎም የብሎምን።

ወለዲ ነቲ እታ ስድራ ቤት ዝመጸቶ ሕብረተ ሰብ ክፈልጥዎ ኣገዳሲ እዩ። ሽዑ ንደቆም ውሑስ ሃዋህው ምእንቲ ክፈጥሩ ክኽእሉ ድልዱላትን ዘተኣማምኑን ወለዲ ንኽኾኑ ተኽእሎ ኣለዎም። ብዛዕባ ናይቲ ሓድሽ ሕብረተ ሰብ ሕግታት፡ ስርዓታትን ልምድታትን፡ ፍልጠትን ርድኢትን ዘጥርዩ ወለዲ እቲ ሓድሽ ሕብረተሰብ ይሰማምዖምን ጽቡቕ ድማ ይህልዉን። እቶም ወለዲ ጽቡቕ እንተድኣ ሃልዮም ድማ፡ ንጥዕናን ምዕባለን ደቆም ኣወንታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

ከም ወላዲ መጠን ኣብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ከጋጥሞ ዝኽእል ብድሆታት ኣብነት ክትህብ ትኽእልዶ?

መጕዚ ምዃን

ብመሰረት ሕጊ ቈልዑ ደቂ 18 ዓመት ክሳብ ዝኾኑ ሞግዚትነት ክህልዎም ኣለዎ። ነቲ ቈልዓ ናይ ምክንኻን መሰልን ግዴታን ዘለዎ ከምኡ'ውን እቲ ቘልዓ 18 ዓመት ክሳብ ዝመልእ ሕጋዊ ሓላፍነት ዘለዎ መጕዚ ናይቲ ቘልዓ እዩ። ናይቲ ቈልዓ መጕዚ መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ እቲ ቈልዓ እዮም። ወለዲ ደቆም ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝምሃሩ እንተ ኾይኖም ክሳዕ 21 ዓመት ዝመልኡ ክናብይዎም ግዴታ ኣለዎም።

ሓባራዊ ሞግዚትነት፡ ክልቲኦም ወለዲ ሓላፍነት ናይቲ ቈልዓ ይማቐልዎ ማለት እዩ። ብዛዕባ እቲ ቈልዓ ዝምልከት ነገራት ብሓባር ክውስኑ ኣለዎም። እቶም ሓባራዊ መጕዚትነት ዘለዎም ወለዲ ዋላ ብሓባር ዘይነብሩ እንተ ኾኑ ሕደ መሰላትን ግዴታታትን ኣለዎም። ክልቲኦም ወለዲ ብዛዕባ ውሉዶም ካብ መውዓሊ ህጻናት፡ ቤት ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ፖሊስን ካልኦት ብዓል ምዝታትን ሕደ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።

እቲ ቈልዓ ክውለድ ከሎ ክልተ ወለዲ ምርዕዋት እንተ ነይሮም ኮይኖም፡ ብኡንብኡ ናይቲ ቈልዓ ሓባራዊ ሞግዚትነት ኣለዎም። ይኹን እምበር እቶም ወለዲ እተፈላለየ ሕጋዊ ጾታ እንተ ኣልይዎም ጥራይ እዩ እዚ ዘገልግል።

እቶም ወለዲ ዘይተመርዓዉ እንተ ኾይኖም ወይ ክልቲኣን ወለዲ ደቂ ኣንስትዮ እንተ ኾይነን፡ እታ ነቲ ቈልዓ ዝወለደት ሰብ ብኡንብኡ ንጽል ሞግዚትነት ይወሃባ። ንጽል ሞግዚትነት፡ ሓደ ወላዲ ጥራይ ናይቲ ቈልዓ ሓላፍነት ኣለዎ ማለት እዩ። ዘይምርዕዋት ጽምዲ እቲ ኻልኣይ ወላዲ ናይቲ ቈልዓ መን ምዃኑ ናይ ግድን ወረቐት መሊኦም ከመልክቱ ኣለዎም። እዚ ኣብቲ እትነብረሉ ኮሙን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕጊ ስድራ ቤት (familjerätten) እዩ ዝግበር። እቶም ጽምዲ ምስ'ዚ ኣተሓሒዞም ሓባራዊ ሞግዚትነት ከም ዝደልዩ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።

ወለድን መጕዚን ኣብ ልዕሊ ደቆም ኣየናይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ዝገልጽ ሕጊ፡ ሕጊ ወለዲ ይበሃል። እዚ ሕጊ'ዚ ካብ 1950 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ዳርጋ ኵለን ስድራ ቤታት ብሓንቲ ኣደ፡ ሓደ ኣቦን ከምኡ'ውን ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቈልዑ ዝቖማ እየን ነይረን። እዚ ነቲ ሕጊ እተጻሕፈሉ መገዲ ጸልይዎ እዩ። ግን ስድራ ቤታት እተፈላለያ ክመስላ ይኽእላ እየን፣ ቈልዑ እውን ብእተፈላለየ መገድታት ክውለዱ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ሓንቲ ስድራቤት ካብ ክልተ ንላዕሊ ወለዲ ክህልዋ ይኽእል እዩ። ይኹን'ምበር ብመሰረት ሕጊ ሓደ ቈልዓ ሓደ ወይ ክልተ ሕጋውያን ወለዲ ጥራይ እዮም ክህልውዎ ዝኽእሉ።

ንፉዕ ወላዲ ከመይ ክኸውን ኣለዎ?

ክልቲኦም ወለዲ ናይ ደቆም ሓላፍነት ኣለዎም

ክልቲኦም ወለዲ ኣብ ክንክንን ምዕባለን ውላዶም ክዋስኡ፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቲ ቈልዓ ንዝምልከት ኣብ ዝግበር ውሳነታት ክካፈሉ ኣድላዪ እዩ። ቈልዑ ንኽልቲኦም ወለዶም መሰል ከም ዘለዎም ውዕል መሰላት ቈልዑ ይገልጽ።

እዚ ኣብ ብምሉኡ እቲ ቈልዓ ዝዓብየሉ ግዜ፣ ካብ ዝውለድ ኣትሒዙ ክሳብ ዝጕብዝ/ትጕርዙ ማለት ወዲ 18 ዓመት ዝኸውን ይምልከት።

ወለዲ ዋላ እውን ብሓባር ዘይነብሩ ይኹኑ ናይ ውላዶም ናይ ሓባር ሓላፍነት ኣለዎም። እቶም ወለዲ ናይቲ ቈልዓ ሓባራዊ ሓላፍነት ምውሳዶም፡ እቲ ቈልዓ ጽቡቕ ከም ዝስምዖ፡ ብዝሓሸ ኣገባብ ከም ዝምዕብልን ምስ ወለዱ ዝበለጸ ርክብ ከም ዝህልዎን ይገብር እዩ።

ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ወለዲ ዘሎ ዝምድና እውን እቲ ቈልዓን ብምልእታ እታ ስድራ ቤትን ጽቡቕ ንኽህልዉ ኣገዳሲ እዩ። ናብ ሓንቲ ሓዳሽ ሃገር ምግዓዝ ነቲ ዝምድና ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ መዓልታዊ ናብራን ተግባር ወለድን ምዝርራብ ነቲ ኣብ መንጎ ወለዲ ዘሎ ዝምድና ዘደልድለሉ ሓደ መገዲ እዩ።

ኣብ ርእሲ ወለዲ ንጥዕናን ምዕባለን እቲ ቈልዓ ኣገደስቲ ዝኾኑ ብዙሓት ካልት ዓበይቲ ሰባት እውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን፡ ካልኦት ኣዝማድ፡ መማህራን፡ ኣሰልጠንትን የዕሩኽን መሓዙትን ወለዲ ወይ ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ ዓብይ ኣገዳስነት ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ምዕባይ ሓደ ቈልዓ - ኣብ ዓለም እቲ ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕማም

ወላዲ ወይ ካልእ ምስቲ ቈልዓ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎ በጽሒ ምዃን፡ ኣብ ህይወት እቲ ዝበለጸን ዝኸበደን ዕዮ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከም ወላዲ መጠን ዝጸልወካ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ውጥረት፡ ፍሉይ ንደቅኻ ዘድልዮም ነገራት፡ ካብ ካልኦት ዝሕተት ነገራትን ኣብ ህይወትካ ዘጋጥሙ ከበድቲ ኣጋጣሚታትን እኹል ከም ዘይኮንካ ኾይኑ ከም ዝስምዓካ ክገብር ይኽእል እዩ። ደገፍ ምድላዩ ባህርያዊ እዩ። ዘይጋገ ሰብ የለን፡ ኣብ ናይ ሓደ ቈልዓ ህይወት ንፉዕ ወላዲ ወይ በጽሒ ንምዃን ዘይጋገ ሰብ ምዃን እውን ኣየድልየካን እዩ።

ቈልዑ ካብ ወለዶምን ካልኦት ዓበይቲ ሰባትን ደገፍ፡ ድሕንነት፡ ፍቕሪ ከምኡ'ውን ክኽበሩ የድልዮም እዩ። ሓደ ቈልዓ ብኸመይ ከም ዝዓቢ ንርእሰ-ምትእምማን፡ ርእሰ-ኣኽብሮን ጠባይን እቲ ቈልዓ ዓብይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ቈልዑ ካብ መግናሕቲ ንላዕሊ ብዙሕ ፍቕሪ የድልዮም እዩ። ውሑስንን ፍቕሪ ዝመልኦን ኣተዓባብያ ዝዓብዩ ቈልዑ፡ ኣብ ትምህርቶም ብቐሊሉ ይዕወቱን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ምስ ዓበዩ ጽቡቕ ይስምዖምን እዩ።

ነቲ ቈልዓ ምእላይን ኣብ ህይወት እቲ ቈልዓ ንዝተፈላለየ ነገራት 'ሕራይ' 'ኣይፋል' ምባልን ሓደ ክፋል ወላዲ ምዃን እዩ። እንተዀነ ግን ወለዲ ንመሰላት እቲ ቈልዓ ዝጥሕስ ነገራት እንተ ኾይኑ፡ ጨሪሾም ክኽልክሉ ወይ ክፈቕዱ የብሎምን።

ቈልዑ ስምዒቶም ንኽርድኡን ንኽቈጻጸሩን ሓገዝ ዓበይቲ የድልዮም እዩ። ንኣብነት እቲ በጽሒ ንገሊኡ ነገራት ስለ ምንታይ ከም ዘይዘየፍቅድ ነቲ ቈልዓ ክገልጸሉ ኣለዎ።

ቈልዑ ኣብቲ ብቤት ትምህርቲ ወይ ካልኦት ዝዳሎ እተፈላለየ ንጥፈታት ክሳተፉ እውን ዕድል ክወሃቦም የድልዮም እዩ። ቈልዑን ዓበይትን ክፋል እቲ ክዓብዩሉን ክነብሩሉን ዝኾነ ሓድሽ ሕብረተ ሰብ ብምዃኖም ጽቡቕ ይስምዖም እዮ።

ስሩዕ ልምድታት ኣብ ህይወት እቲ ቈልዓ

ቈልዑ ከም ወላዲ መጠን ምሳኻ ንሕግታትን ስሩዕ ልምድታት ኣብ ምውጽም ክሳተፉን ብዛዕብኦም ክመያየጡን መሰል ኣለዎም። እዚ ስሩዕ ልምድታት ናይ ከም ምድቃስ፡ ጸወታ ኮምፕዩተር፡ ናይ ትምህርቲ ዕዮ፡ ምምዋጽ ስኒ፡ ምውስዋስ ኣካላት፡ ምግብን መስተን ወይ ደረት ምግባር ናይ ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ክኸውን ይኽእል እዩ። ምእንቲ ንደቅኹም ዝምልከት ሓባራዊ ስሩዕ ልምድታትን ሕግታትን ክህልወኩም ክትውስኑ፡ ብዛዕባ ሓደ ሓደ ነገራት ምስ ካልኦት ወለዲ ምዝራብ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኵላትና ግን እተፈላለና ኢና። ስሩዕ ልምድታት፡ ሕግታትን ደረትን ምስ ባህርያት፡ ዕድመን ብስለትን እቲ ቈልዓ ክሰማማዕ ኣለዎ።

ከምኡ'ውን ከም ወላዲ መጠን ውሉድካ ንኽምዕብል፡ ሓላፍነት ክስከምን ነብሱ ክኽእልን ናይ ግድን ክትድግፎ ኣሎካ። ሓደ ሓደ ግዜ ቈልዑ ንኣብነት ሰላምን ህድኣትን ንምፍጣር፡ ኣብ ሓገዝ ዕዮ ገዛ ትምህርቲ ወይ ምስ ካልኦት ዝገብርዎ ዝምድናታት ተወሳኺ ደገፍን ሓገዝን ከድልዮም ይኽእል ይኸውን እዩ። ንውሉድካ ብዛዕባ ኣዕሩኽቱን መሓዙቱን ሕተቶ፣ እቲ ቈልዓ ዓርኪ ዘይብሉ ከይከውን ወይ ምስ የዕርኽቱ ተባኢሱ ከይህሉ ኣቕልበሉ።

ክልከላ ትግባረ ጐነጽን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ቈልዑ

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመት ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ ዘሎ ኣረኣእያ ብዙሕ ተቐዪሩ እዩ። ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ብዙሓት ወለዲ ተረርቲ እዮም ነይሮም። ቈልዑ ንዓበይቲ ክእዘዙ ድማ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ንደቆም ምህራም ንብዙሓት ባህርያዊ ክፋሊ ኣተዓባብያ ቈልዑ እዩ ነይሩ። ካብ 1979 ኣትሒዙ ግን ኣብ ሽወደን ኵሉ ዓይነት ጐነጽ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ተኸልኪሉ እዩ።

ግዳያት ጐነጽን ዓመጽን ዝኾኑ ቈልዑ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ብኡንብኡን ደሓር ኣብ ግዜ ቝልዕነቶምን እኹላት ሰባት ምስ ኮኑን ኣብ ህይወቶም ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸገማት ጥዕና ከጋጥሞም ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ። ንኣብነት ቈልዑ ምስ ካልኦት ሰባት ዘተኣማምን ዝምድና ምምስራት ከጸግሞም ከም'ውን ስምዒቶም ምቍጽጻር ክኸብዶም ይኽእል እዩ። ኣዝዮም ናኣሽቱ ቈልዑ እውን ከይተረፉ ንጐነጽን ዓመጽን ብምቕልዖም ወይ ምርኣዮም ይጕድኡ እዮም። ግዳይ ጐነጽን ዓመጽን ምዃን፡ ኵሉ ግዜ ከቢድ ጥሕሰት ርእሰ-ኣኽብሮት እቲ ቈልዓ እዩ።

ናይ ወለዲ ዕረፍቲ – ምስ ቈልዓ ኣብ ገዛ ምዃን

ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ምውሳድ፡ ውላድካ ንምሓዝ ካብ ትምህርቲ ወይ ስራሕ ዕረፍቲ ወሲድካ ኣለኻ ማለት እዩ። ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ከለኻ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንመተካእታ ደሞዝ ወለዲ (föräldrapenning) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ክትሰርሕ ወይ ከትምሃር ብዘይምኽኣልካ እትኽፈሎ ክፍሊት እዩ።

ኣንስትን ሰብኡትን ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ክወስዱ ልሙድ እኳ እንተ ኾነ ካብ ሰብኡት ንላዕሊ ዝበዝሓ ኣንስቲ እየን ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዝወስዳ። ብዙሓት ሰብኡት ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ንኽወስዱ ንምትብባዕ ካብ ሓደ ወላዲ ናብቲ ኻልእ ወላዲ ክመሓላለፍ ዘይክእል መተካእታ ደሞዝ ትወስደሉ መዓልታት ኣሎ። ይኹን እምበር ንስኻ ንጽል መጕዚትነት ዘለካ እንተ ዄንካ ንዅሉ እቲ መተካእታ ደሞዝ ዝውሰዶ መዓልታት ባዕልኻ ክትጥቀመሉ መሰል ኣለካ።

ንጥፈታት ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ንዝወሰዱ

ምስቶም ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዝወሰዱ ሰባት ክትራኸብ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ኣብ እዋን ናይ ወለዲ ዕረፍትኻ እተፈላለየ ዝግበር ንጥፈታት ኣሎ።

ኣብ ኮሙንካ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ንዝወሰዱ ዝኸውን ኣየኖት ንጥፈታት ከም ዘሎ ከመይ ጌርካ ክትፈልጥ ትኽእል?

ናይ ሓደ መንእሰይ ምዃን

እቲ ኣብ ክሊ 13 ዓመት ክሳብ 19 ዓመት ዘሎ መንእሰይ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዘን ዓመታት እዚኣን ብዙሓት መንእሰያት ብዝያዳ ርእሶም ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ መንነቶም፡ መን ምዃኖምን ከመይ ክኾኑ ከም ዝደልዩን ብዝያዳ ክሓስቡ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም። ከም ወላዲ ወይ ከም ካልእ መጕዚ መጠን ንመንእሰይ ውሉድካ ክትድግፎ ኣለካ። እቲ መንእሰይ ብዝያዳ ርእሱ ምእንቲ ክኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነ ክውስን ክትገድፎ ኣገዳሲ እዩ። መንእሰይ ውሉድካ ኣየናይ ሕግታት ከገልግሉ ምዃኖም ኣብ ምውሳን ክሳተፍ ፍቐደሉ።

መብዛሕትኦም ኣብ መንጎ ሸሞንተን 14 ዓመትን ዘለዉ ቈልዑ ኣብ ገለ እዋን ይጕብዙ/ትጕርዙ እዮም፣ እዚ ግን ከቐድም ወይ ክዱንጊ ይኽእል እዩ። ምጕባዝ ወይ ምጕርዛው ማለት ኣካላትና ካብ ናይ ቈልዓ ናብ ናይ ዓቢ ሰብ ዝምዕብለሉ እዋን እዩ። ኣዋልድ ካብ ኣወዳት ንላዕሊ ኣቐዲመን እየን ዝጕርዝዋ። መንእሰያት ብዛዕባ ጾታውነትን ኣካላቶምን ክሓስቡ ልሙድ እዩ። ንውሉድካ ብዛዕባ እተን ንዅሎም ካብ 13 ክሳዕ 20 ዓመት ንዝዕድሚኦም ዝኸውን ብዛዕባ ኣካላት፡ ጾታዊ ርክብን ጥዕናን ዝገልጻ መርበብ ሓበሬታ UMO.se ከምኡ'ውን YOUMO.se ሓብሮ። ውሉድካ ምስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ክፍሊ ጥዕና ተምሃራይ (elevhälsan) ወይ ምስ ክሊኒክ መንእሰያት እውን ክዘራረብ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኣተዓባብያኻ ደገፍ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ወይ ብዛዕባ መንእሰይ ውሉድካ ትጭነቕ እንተ ዄንካ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ ካልኦት ዓበይቲ ክትዛረብ፡ ምስ ጕጅለታት ወላዲ ክትሳተፍ ወይ ምስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ክፍሊ ጥዕና ተምሃራይ ወይ ምስ ክሊኒክ መንእሰያት ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ወለዲ ምስ መንእሰያት ደቆም ብዛዕባ ስምዒታትን ዝምድናታትን ከመይ ገይሮም ክዛረቡ ይኽእሉ?

እተፈላለየ ኣገባብ ኣነባብራን ምምስራት ስድራ ቤትን

ልምድታትናን እምነትናን ሓንቲ ስድራ ቤት እተወሰነ ምስሊ ክህልዋ ኣለዎ ይብለና። ሓንቲ ስድራ ቤት ብሓንቲ ኣደን ሓደ ኣቦን ከምኡ'ውን ብሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቈልዑ ዝቖመት ጌርካ ምሕሳብ ቀሊል እዩ። ግን ብሓባር እንነብረሉ እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ንኣብነት ኵሎም ጽምዲ ኣይኰኑን ቈልዑ ክህልውዎም ዝመርጹ፣ ሓንቲ ስድራ ቤት ከኣ ሕደ ጾታ ብዘለዎም ክልተ ወለዲ ክትቆውም ትኽእል እያ።

ኣብ ሽወደን እታ ዝያዳ ዝውትርቲ ዝኾነ ስድራቤት እታ ሓደ ሰብ ዝትሕዝቶኣ ቤት እያ። እዚ ኣብታ ቤት(ገዛ) ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ ዝነብር ማለት እዩ። 40 ሚእታዊት ናይ ኵሉ ኣብ ሽወደን ዘሎ ቤታት ሓደ ሰብ ዝትሕዝትኡ ቤት እዩ።

ኣብ ሓንቲ ቤት እትነብር በጽሒ ንስኻ ጥራይ እንተ ዄንካ፡ ንበይኑ ዝቕመጥ (Ensamstående) ተባሂልካ ትጽዋዕ። ምስ ቈልዑት ወይ ብዘይ ቈልዑት ትነብር "ንበይኑ ዝቕመጥ" ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ቈልዑ ዘለዎም ዓበይቲ እንተ ተፋቲሖም እቲ ቈልዓ ወይ ኵሉ ግዜ ምስ ሓደ ካብቶም ወለዱ ይቕመጥ ወይ ከኣ በብግደ ምስ ክልቲኦም ወለዲ ይቕመጥ፡ ንኣብነት ኣብ ከክልተ ሰሙን።

ሓደ ካብቶም ወለዲ ንሳ ወይ ንሱ እውን ቈልዑ ዘለውዎ መጻምድቲ እንተ ረኺቡ እሞ ብሓባር እንተ ክነብሩ ጀሚሮም እተፈላለዩ ወለዲ ምስ ዘለዎም ቈልዑ ሓደ ዓቢ ስድራ ቤት ይምስርቱ። ከምዚ ዓይነት ስድራ ቤት መብዛሕትኡ ግዜ ቦኑስፋሚልይ ተባሂላ ትጽዋዕ፡ ከመይሲ እታ ስድራቤት ካብ ሓደስቲ ኣባላት "ተወሰኽቲ፡ bonus" ስለ ዝረኸበት እያ። ኣባላት ሓንቲ ቦኑስፋሚልይ መብዛሕትኡ ግዜ ብቦኑስቦርን፡ ቦኑሲስኩን ከምኡ'ውን ቦኑስፎርኤልድራር ተባሂሎም ይጽውዑ።

ቃል ኪዳን ማለት፡ ምምርዓው ማለት እዩ። ኣብ ሽወደን፡ 18 ዓመት ዕድመ ምስ መላእካ ኢኻ ቃል ኪዳን ክትኣስር ትኽእል። ኣብ ሕጊ'ውን ሰፊሩ'ሎ። እዚ ሕጊ'ዚ፡ ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ዘበለ ሰብ፡ ዋላ ሽወደናዊ ዜጋ ኣይኹን፡ ንዂሉ'ዩ ዝምልከት። ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ካልኦት ሕግታት ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም። ትካላት መንግስቲ ሽወደን ግን፡ ነቶም ሕጊ ሽወደን ዝኽተሉ ቃል ኪዳናት ናይ ወጻኢ ጥራይ'ዮም ዝቕበሉዎም።

ኣብ ሽወደን፡ ቃል ኪዳን፡ ኣብ ጾታ ዝተሰረተ ኣይኮነን። እዚ ማለት ከኣ፡ "ክልተ ሕደ ዝጾተኦም ውልቀ ሰባት፡ ክማራዓዉ ይኽእሉ እዮም" ማለት እዩ። ሓደ ሲቪላዊ ፈጻሚ ቃል ኪዳን (borgerlig vigselförrättare)፡ ክልተ ሕደ ዝጾተኦም ሰባት፡ 'ቃልኪዳን ክንኣስር ደሊና' ምስ ዝብሉዎ፡ 'ኣይፋሉን' ክብሎም ኣይክእልን'ዩ። ሃይማኖታውያን ፈጸምቲ ቃልኪዳን፡ ንኣብነት ኣቕሽሽቲ ቤተክርስትያን ሽወደን፡ 'እወ ወይ ኣይፋል' ክብሉ ይኽእሉ'ዮም። ሓደ ቐሺ 'ኣይፋል' ምስ ዝብል ከኣ፡ ካልእ ቀሺ ምንዳይ እዩ።

ኣብ ሽወደን ምስ ቈልዓ ምምርዓው ክልኩል እዩ። ምስ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ምምርዓው እውን ክልኩል እዩ።

ንምርዕዋት “ሕጊ ቃል ኪዳን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ እዩ ዝምልከቶም። ኣብ ሕጊ ቃል ኪዳን ካልእ ገዲፍካ ብዛዕባ ኣብ ሓዳር ብህይወት ዘሎ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምውራስ መሰሉ ዝምልከት ሕጊ ኣሎ። ቈልዑ ምስ ዝህልዉ ኵሉ ግዜ ናይ ምውራስ መሰል ኣለዎም።

ቃል ኪዳን ከይኣሰሩ፡ ብሓደ ዝቕመጡ ክልተ መጻምዲ፡ 'ሳምቦ' ተባሂሎም ይፍለጡ።

ኣብ ሽወደንን ኣብ ሃገራት ኖርዲክን ናይ ነ'ባር ሕጊ ብዓል ቤት ወይ ብዓልቲ ቤት ምዃን (ከይተመርዓኻ ብሓባር ምንባር sambo) ልሙድ እዩ። ከይተመርዓኻ ቈልዑ ምውላድ እውን ልሙድ እዩ። ንኸይተመርዓኻ ብሓባር ምንባር ዝምልከት ሕጊ ኣሎ፣ ነ'ባር ሕጊ (sambolagen) ይብሃል። ኣብቲ ነ'ባር ሕጊ ብዛዕባ እቲ እቶም ብሓባር ዝነብሩ ዝቕመጥሉ ገዛን ብዛዕባ እቲ ክልቲኦም ዝውንንዎ ነገራትን ዝምልከት ሕግታት ኣሎ። ሓደ ካብቶም ክልተ ሰባት እንተ ሞይቱ እቲ ብሓባር ዝነብር ሰብ ኣብቲ ብሓባር ዝነበርዎ መንበሪ ክነብር መሰል ኣለዎ። እቲ ናይ ነ'ባር ሕጊ ብዓል ቤት ወይ ብዓልቲ ቤት ኣብቲ ገዛ ዘሎ ናይ ክልቲኦም ናይ ሓባር ነገራት እውን ክወርስ ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ነ'ባር ሕጊ ብዓል ቤት ወይ ብዓልቲ ቤት ካልእ ንብረት ንኣብነት ኣብ ባንክ ዘሎ ገንዘብ ክወርስ ንኽኽእል ለበዋ ክህሉ ኣለዎ።

ክልተ ሰባት ብብዙሕ መገድታት ምስ እቲ ናይ ነ'ባር ሕጊ ብዓል ቤት ወይ ብዓልቲ ቤት ወይ ሓዳር ዝመሳሰል ዝምድና ክህልዎም ዝኽእል ኾይኑ እቶም ሰባት ግን ብሓባር ኣይነብሩን። እዚ ብሓደ ዘይነብሩ መጻምድቲ (Särbo) ይበሃል።

ኣብ ሽወደን ሓንቲ ስድራ ቤት ከመይ ክትመስል ትኽእል?

ፍትሕ

ካብ ካልእ ሰብ ምፍልላይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ዋላ ነቶም ዘይተመርዓዉ ግን ከኣ ብሓባር ዝነብሩ፡ ንኣብነት ነቶም ናይ ነ'ባር ሕጊ ብዓል ቤት ወይ ብዓልቲ ቤት። ህይወት ብሃንደበት ይቕየርን ብዙሕ ግብራዊ ውሳነታት ክግበር ኣለዎን፣ ብፍላይ ኣብታ ስድራ ቤት ቈልዑ እንተ ኣልዮም ኮይኖም።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ፍትሕን ምፍልላይን ቈልዑ ኣብቲ ጕዳይ እንተ ኣለዉ ኾይኖም፡ ንመንበርን ምስ ቈልዑ ምርኻብን ዝምልከት ናብ ግጭት ከምርሕ ይኽእል እዩ። ወለዲ ክትሰማምዑ እንተ ዘይክኢልኩምን ሓገዝ ኣድሊዩኩምን፡ ምስ ናይቲ ትነብርሉ ኮሙን ሕጊ ስድራ ቤት (familjerätt) ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም። ቅድሚ ምፍልላይኩምን ኣብ እዋን ምፍልላይኩምን ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ክትፋታሕ እንተ ደሊኻ ምስቲ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካሉ ኮሙን ዝርከብ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ክትራኸብ ኣለካ። ዞባዊ ቤት ፍርዲ (Tingsrätten)፡ ቤት ፍርዲ እዩ። ሽዑ ንኽትፋታሕ ተመልክት። ምፍራስ ቃል ኪዳን (äktenskapsskillnad) ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ።

ንስኻን መጻምድትኻን ነቲ መመልከቲ ወረቐት ብሓባር ክትመልእዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሽወደን ዋላ እውን ክልቴኹም ክፋትሑ ኣይትድለዩ፡ ነታ ዝተመርዓኻያ ሰብ ክትፈትሖ ትኽእል ኢኻ (ጓለንስተይቲ እውን ከምኡ ካብ ብዓል ቤታ)። ኣብ ከምዚ ኵነት በይንኻ ንፍትሕ ተመልክት። ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ስድራ ቤት ነዚ ንኽትገብሮ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ንስኻን መጻምድትኻን ብሓባር ንፍትሕ እንተ ኣመልኪትኩምን ቈልዑ ዘይብልኩም ኴንኩምን፡ እቲ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክፈርድ (ክውስን) ይኽእል እዩ። ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ እንተ ኣለዉኹም ኮይኖም ወይ ሓደ ካባኻትኩም ክፋታሕ ዘይደሊ ኮይኑ ናይ መሕሰቢ ግዜ (betänketid) ክወሃበኩም እዩ። እዚ ብሓቂ ክትፋታሑ ትደልዩ እንተ ዄንኩም ንኽትሓስብሉ ግዜ ይወሃበኩም ማለት እዩ። እቲ ናይ መሕሰቢ ግዜ እንተ ወሓደ ሽዱሽተ ወርሒ እንተ ነውሓ ድማ ሓደ ዓመት እዩ። ኣብቲ ናይ መሕሰቢ ግዜ ብሓባር ንኽትነብር ኣየድልን እዩ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ገና ክትፋታሕ ትደሊ እንተ ኣለኻ ዄንካ ባዕልኻ ምስቲ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ክትራኸብ ኣለካ። እዚ ምፍጻም ፍትሕካ ይበሃል። ፍትሕካ ክትፍጽሞ ከም እትደሊ ዝገልጽ ደብዳበ እንተ ዘይሰዲድካ እቲ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ንጕዳይካ ክዓጽወካ እዩ። ድሕሪኡ እቲ ናይ ፍትሕ ምልክታኻ ኣይሰርሕን እዩ። እቲ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ሓደ ካባኻትኩም ክምርዓ ከም ዝተገደደ (ግዱድ መርዓ) እንተ ጠርጢሩ፡ ብዘይ ናይ መሕሰቢ ግዜ ብኡንብኡ ፍትሕ ክወሃብ ይኽእል እዩ።

እቶም ክፋትሑ ዝደልዩ ስለ ምንታይ ናይ መሕሰቢ ግዜ ይወሃቦም ይመስለካ?

ሕጊ ስድራ ቤት

ክትፋትሑ እንተ ኴንኩም እሞ እቶም ቈልዑ ኣበይ ከም ዝቕመጡ ወይ እቶም ወለዲ ንደቆም ኣብ ከክንደይ ግዜ ከም ዝረኽብዎም እንተ ዘይተሰማሚዕኩም፡ ምስ ሕጊ ስድራ ቤት ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሕጊ ስድራ ቤት (Familjerätten) ንወለዲ ኣብ እዋን ፍትሕ ንኽተሓባበሩ ዝሕግዝ ሓደ ጨንፈር ናይ'ቲ ኮሙን እዩ። ቤት ፍርዲ ኣይኰነን። ሕጊ ስድራ ቤት ናይቲ ቈልዓ ጥቕሚ ኣተኩሮ ክወሃቦ የረጋግጽ። ንሶም እቲ ቈልዓ ኣበይ ከም ዝቕመጥን ነቲ ቈልዓ ንዝምልከት መን ከም ዝውስንን ወለዲ ጽቡቕ ፍታሕ ንኽረኽቡ ይሕግዝዎም። እዚ ናይ ምትሕብባር ዝርርብ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሕጊ ስድራ ቤት ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎ።

ብሓገዝ ሕጊ ስድራ ቤት እንተ ዘይተሰማሚዕኩም ናብ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። ሽዑ እቲ ዞባዊ ቤት ፍርዲ እቲ ቈልዓ ኣበይ ከም ዝቕመጥን ነቲ ቈልዓ ዝምልከት ውሳነ ካባኻትኩም መን ከም ዝውስኖን ውሳኔ የሕልፍ። እቲ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ውሳነ ምውሳኑ ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ንዘሎ ሕጊ ስድራ ቤት መርመራ ክገብር ይሓቶ እዩ።