እታ ስድራ ቤት ደገፍ እንተ ኣድልይዋ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 10 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

ኵለን ስድራ ቤታት፡ ወለድን ቈልዑን ሓደ ሓደ ግዜ ደገፍን ሓገዝን የድልዮም እዩ። እዚ ሓገዝ ካብ መሓዙትን ስድራ ቤትካን ወይ ሓገዝ ካብ ኣገልግሎት ሕክምና ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ስድራ ቤት ንዘሎ ግጭታት ፍታሕ ንምርካብ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝወሃብ ደገፍ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ደገፍን ሓገዝን ዘድልየካ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንኽትረኽቦ ምሕታት ጨሪሹ ጌጋ ኣይኮነን።

ሓደ እተጨነቀ ኣቦ ብዛዕባ ሓደ መንእሰይን ኣልኮላዊ መስተን ዝሓስብ ዘሎ፡ ሓደ ሕዙን ቈልዓን ቈልዑን ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ክፍሊን ዘርኢ ስእሊ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሽወደን ንስድራ ቤታት፡ ወለድን ቈልዑን ዝወሃብ እተፈላለየ ዓይነት ደገፍ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ማእከላት ስድራ ቤት፡ ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ስድራ ቤትን ጕጅለታት ወለድን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ከምኡ’ውን እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ቍጠባዊ ሓገዝ ንስድራ ቤትን ሓገዝ ንስንክልና ዘለዎም ቈልዑን መንእሰያትን እዩ።

ቈልዑ ፍሉይ መሰላት ኣለዎም፡ እቶም መሰላት ጋህዲ ንኽኾኑ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ዘለዎ ድማ ሕብረተሰብ እዩ። ኵሎም ቈልዑ ሕደ መሰላትን ማዕር ክብርን ኣለዎም። ዝኾነ ቈልዓ ኣድልዎ ከጋጥሞ የብሉን።

መሰላት ቈልዑ፡ ኣብቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ ዝብል ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ብዛዕባ መሰላት ናይ ቈልዑ ተጠርኒፉ ኣሎ። ኣብኡ ካልእ ገዲፍካ፡ ኵሎም ቈልዑ ብውሕስነት ክዓብዩን ንቘልዑ ዝምልከት ውሳኔ ወትሩ ናይቲ ቈልዓ ጥቕሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሰፊሩ ኣሎ። ቈልዑ ካብ ውግእን ሕማምን ክሕለዉ ከም ዘለዎምን ርእይትኦም ክኽበር ከም ዘለዎን እውን ሰፊሩ ኣሎ።

ምዕባለ ናይ ቈልዓ

ቈልዓ ብብዙሕ ናይ ምዕባለ መድረኻት ይሓልፍ። ኵሎም ቈልዑ ሓደ ኣይኮኑን፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣመዓባብላ ኣለዎም። እቲ ምዕባለ ኣብ እተፈላለየ መድረኻት እተፈልየ ፍጥነት ኣለዎ። ከምኡ'ውን ቈልዑ ኣብ እተፈላለየ ክሊ ዕድመ እተፈላለየ ድሌት ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ወለድን ካልኦት መጕዚን ብዛዕባ ምዕባለ ውሉዶም ብዙሕ ሕቶታት ክህልዎም ልሙድ እዩ። ምኽሪ እንተ ደሊኻ ወይ ብዛዕባ ምዕባለ ውሉድካ ሕቶታት እንተ ኣልዩካ ኮይኑ፡ ሓገዝን ደገፍን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ኣብነት ናይ ገለ ካብቲ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት እንሆ፦

  • ንኣብነት ምስ የዕሩኽትኻን ስድራ ቤትካን ተዛረብ።
  • እቲ ቈልዓ ገና ትምህርቲ ዘይጀመረ እንተ ኾይኑ፡ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ (BVC) ተራኸብ።
  • እቲ ቈልዓ ገና ትምህርቲ ዘይጀመረ እንተ ኾይኑ፡ ምስቲ ዝኸዶ መውዓሊ ህጻናት ወይ ስድራ ቤታዊ መውዓሊ ህጻናት ተዘራረብ።
  • እቲ ቈልዓ ትምህርቲ ጀሚሩ እንተ ኾይኑ፡ ምስ ጥዕና ተማሃራይ ተራኸብ።
  • ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ተራኸብ።
  • ምስቲ እትነብረሉ ኮሙን ተራኸብ። ገሊኤን ኮሙናት ብጕጅለ ወይ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ወለዲ ናይ ወለዲ ደገፍ ይህባ እየን። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትነብረሉ ኮሙን ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ።
  • ናብ መርበብ ሓበሬታ 1177.se ብጻሕ። ኣብኡ ብዛዕባ ካብ 0 ክሳዕ 18 ዓመት ክሊ ዕድመ ናይ ዝርከቡ ቈልዑ ምዕባለ ዝምልከት ሓበሬታ ኣሎ። ኣብ ናይ 1177.se መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ወላዲ ምዃን ናይ ኣብ እተፈላለየ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ቈልዑ ከመይ ምዃኑ ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብ ኣተዓባብያ ውላድካ ደገፍን ሓበሬታን ከድልየካ ከሎ

ወላዲ፡ መጕዚ ወይ ካልእ ኣገዳሲ ዓቢ ሰብ ናይ ሓደ ቈልዓ ምዃን ኵሉ ግዜ ቀሊል ኣይኰነን። እቲ ሓላፍነት ከቢድን ንበይንኻን ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ዓቕሊ ዝጽበካ፡ ድኻም ወይ ተነቃፊ ዝኾንካ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ከምዚ ክስምዓካ ንቡር እዩ። ካብ ካልእ ሰብ ደገፍ፡ ምኽሪ ወይ መረጋገጺ ምርካብ ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን።

ዘድልየካ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ ሓገዝን ደገፍን ክትሓትት ኣገዳሲ እዩ። እቲ ብድሆታት ክጅምር ከሎ ቀልጢፍካ ርክብ እንተ ሓቲትካ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ጸገማትካ ንምፍታሕ ሓገዝ ክትረክብ ዝቐለለ እዩ። እቶም ኣቐዲሞም ሓገዝ ዝረኽቡ ወለዲ እቲ ቈልዓ ዳሕራይ ኣብ ህይወቱ ጸገም ከየጋጥሞ ከወግዱ ይኽእሉ እዮም። ሓገዝ ምሕታትን ጸገማት ከም ዘሎ ንኽትነግረካ ምድፋርን ከም ወላዲ መጠን ሓላፍነት ምውሳድ እዩ።

ናይ ወለዲ ደገፍ

ኵለን ኮሙናት ነቶም ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቈልዑ መምርሒ፡ ሓበሬታን ምኽርን ዝደልዩ ወለዲ ናይ ደገፍ ዕድል ክህባ ኣለወን። እዚ ናይ ወለዲ ደገፍ (föräldraskapsstöd) ይብሃል። ወላዲ እንተ ዄንካ ብጕጅለ ወይ ብውልቂ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት እቲ ኮሙን ትምህርቲ ንወለዲ፡ ምኽሪ ብተሌፎን ወይ ምብጻሕ፡ ከምኡ'ውን ካልእ ዓይነት ንጥፈታት ክህብ ይኽእል እዩ። ስምካ ምንጋር ኣየድልየካ እዩ። እቲ ናይ ወለዲ ደገፍ ብናጻ እዩ።

ኣብዚ ብዛዕባ እቲ ንወለዲ፡ ንስድራ ቤታትን ቈልዑን ዝወሃብ እተፈላለየ ደገፍ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፦

1177 ቮርድጋይደን ካብ ናይ ሽወደን ዞባታት ዝወሃብ ኣገልግሎት እዩ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ 1177.se ካልእ ገዲፍካ ብዛዕባ ጥንሲ፡ ሕርስን ኣተዓባብያን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ሓበሬታን ምኽርን ብዛዕባ ናይ ቈልዑ ጥዕና፡ ሕማማት፡ ክንክን፡ ምዕባለን መሰላትን እውን ክትረክብ ኢኻ። ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ብእተፈላለየ ቋንቋታት ሓበሬታ ኣሎ።

ኵለን ነፍሰ ጾራት ናብ ክሊኒክ ኣዴታት (barnmorskemottagning, BMM) ክበጽሓ ይኽእላ እየን። ኣብኡ ንስኺ ነፍሰ ጾር ዝኾንኪ ምስ ሓንቲ ንዓኽን ነቲ ዕሸልን ከመይ ከም ዘለኹም ትምርምር መሕረሲት ክትራኸቢ ኢኺ። ብዛዕባ ጥንስኽን ሕርስኽን ሕቶታት ክትሓቲ ከምኡ'ውን ደገፍ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ክሊኒክ ኣዴታት ምስ ካልኦት ወለዲ ክትራኸብሉ እትኽእሊ ናይ ወለዲ ርክባት ምግባር እውን ልሙድ እዩ።

ኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ ከም ወላዲት ብዛዕባ ናይ ቈልዓ ጥዕናን ምዕባለን ደገፍን ምኽርን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት ብዛዕባ ምጥባው፡ ድቃስን ሕማማትን ዝምልከት ምኽሪ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ብዛዕባ ወላዲት ምዃን ምስ ሓደ ስነ-ኣእምሮኛ ክትዛረቢ እንተ ደሊኺ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ ክሊኒክ ኣዴታት ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብ ብዙሓት ኮሙናት ናብ ወለድን ቈልዑን ዘተኰረ ማእከላት ስድራ ቤት ኣሎ። ኣብ ማእከል ስድራ ቤት፣ ክሊኒክ ኣዴታት፡ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ ክፉት መውዓሊ ህጻናትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ማእከል ስድራ ቤት ናይ ወለዲ ደገፍ ትምህርቲ ወይ ካልኦት ንቈልዑን ወለድን ዝኸውን ንጥፈታት የዳሉ እዩ። ኵሉ ንቘልዑ፡ ኣተዓባብያን ዝምድናታትን ዝምልከት ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ናብ ማእከል ስድራ ቤት ምብጻሕ ብፍታው ኮይኑ ንዅለን ስድራ ቤታት ድማ ክፉት እዩ። ብናጻ እውን እዩ።ኣብቲ እትነብረሉ ዘሎ ማእከል ስድራ ቤት ንምርካብ ንኣብ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑ፡ መውዓሊ ህጻናት፡ ቤት ትምህርቲ ወይ ቤት ንባብ ዝሰርሑ ንኽሕግዙኻ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ "ማእከል ስድራ ቤት " ኢልካ ናይቲ ትነብረሉ ከባቢ ወይ ኮሙን ስም ብምሃብ ኣብ ኢንተርነት እውን ከተናዲ ትኽእል ኢኻ።

ኵለን ኮሙናት ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ስድራ ቤት ኣለወን። ምኽሪ ስድራ ቤት ንጽምድን ንስድራ ቤታትን ደገፍን ሓገዝንን የወፊ እዩ። ዝሓሸ ዝምድና ሃልይዎም ብሓደ ምንባር ክቕጽሉ ዝደልዩ መጻምድቲ ወይ ከኣ ሓደ ካብኦም ወይ ክልቲኦም ክፈላለዩ ዝደልዩ መጻምድቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ዝተመርዓኹም ወይ ብናይ ነ'ባር ሕጊ ብዓል ቤት ወይ ብዓልቲ ቤት ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ወላዲ ምዃን ሓገዝን ደገፍን ዝደለዩ መጻምድቲ ወይ ወለዲ እውን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ምኽሪ ስድራ ቤት፡ ንጸገማት ፍታሕ ንኽትረክብ ዝሕግዙኻ ምኽሪ ምስ እትህበካ ኣማኻሪት ስድራ ቤት ክትዘራረብ ኢኻ። ሓበሬታ ብዛዕባ ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ስድራ ቤት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትነብረሉ ኮሙን ትረክብ ኢኻ።

ኣብ ገሊኡ ኮሙናት ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ምኽሪ ንወለዲ ኣሎ። ኣብኡ ብዛዕባ ወላዲ ምዃንካ ሕቶታት ክትሓትትን ደገፍ ክትረክብን ትኽእል ኢኻ።

ክፉት መውዓሊ ህጻናት ንወለድን ንቘልዑን መራኸቢ ቦታ እዩ። ናብ ክፉት መውዓሊ ህጻናት ክትከይድ ኣይክፈሎን እዩ። ኣቐዲምካ ክትምዝገብ ኣየድልየካን እዩ። ወለድን ቈልዑን ንኽጻወቱ ናብ ክፉት መውዓሊ ህጻናት ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም። ንስኻ ከም ወላዲ መጠን እውን ኣብ ኣተዓባብያኻ ደገፍ ክትረክብን ምስ ካልኦት ኣብ ከባቢኻ ዝነብሩ ስድራ ቤታት ክትፋለጥን ትኽእል ኢኻ።

ኮሙናትን ውድባትን ክፉት መውዓሊ ህጻናት ኣለወን። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትነብረሉ ኮሙን ዝያዳ ሓበሬታ ኣለካ። ብዘይካዚ "ክፉት መውዓሊ ህጻናት" ኢልካ ናይቲ ትነብረሉ ከባቢ ወይ ኮሙን ስም ብምሃብ ኣብ ኢንተርነት እውን ከተናዲ ትኽእል ኢኻ።

ኮሙናት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ወለዲ ጕጅለታት ኣለወን። ጕጅለ ወለዲ፡ ንስካ ከም ወላዲ ምስ ካልኦት ወለዲ ክትራኸብን ተመክሮታትን ፍልጠትን ክትካፈልን ከተካፍልን እትኽእለሉ ጕጅለ እዩ። ብዙሓት ኮሙናት ብኮምፕዩተርካ፡ ብታብለትካ ወይ ብዘመናዊት ተሌፎንካ ኣቢልካ ክትሳተፈሉ እትኽእል ዲጂታላዊ ናይ ወለዲ ጕጅለታት ኣለወን።

ብዙሓትት ዝተፈላለዩ ኣብ ኮሙን ዝርከቡ ተዋሳእቲ ከም ክሊኒካት ኣዴታት፡ ክፉት መውዓሊ ህጻናት ወይ ማሕበራት፡ ጕጅለታት ወለዲ ክውድቡ ይኽእሉ እዮም።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኵለን ኮሙናት ናይ ሽወደን ኣሎ። እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ብዛዕባ ንቈልዑ ዘድልዮ ዝፈልጡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት እዮም። ኵሎም ቈልዑ ጽቡቕ ምህላዎምን ብውሕስነት ከም ዝዓብዩ ዘለዉን ከረጋግጹ ኣለዎም። ከም ወላዲ መጠን ብውልቅን ብጕጅለ ኣብ ናይ ወላዲ ምዃንካ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ከም ወላዲ መጠን ደገፍ ክትረኽበሉን ምስ ካልኦት ወለዲ ኽትራኸቡን እትኽእለሉ ብዙሓት ውድባትን ማሕበራትን ኣለዋ። ንኣብነት ኣብ ስፖርትን ባህልን ዝነጥፋ ማሕበራት ኣለዋ። ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ዝነጥፋ ንኣብነት ንወለዲ ናይ ኣውቲዝም ዘለዎም ቈልዑ ዝኾና ማሕበራት ኣለዋ። ንኣብነት ከም ብሪስን ( Bris) ሬዳ ቦርነን (Rädda Barnen) ዝኣመሰላ ንመሰላት ቈልዑ ዝሰርሓ ውድባት እውን ኣለዋ። ደገፍ ከወፍያ ዝኽእላ ማሕበራት መጽናዕቲ፡ ሃይማኖታዊ ማሕበራትን ኣብያተ ክርስትያንን እውን ኣለዋ።

ብሪስ ነቶም ብዛዕባ ደቆም ዝሻቐሉ ዓበይቲ እውን ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ዓበይቲ ናብ ናይ ብሪስ ናይ ዓበይቲ ተሌፎን 077-150 50 50 50 ክድውሉ ይኽእሉ እዮም።

ወለዲ ብእተፈላለየ መገድታት ሓገዝን ደገፍን ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ወላዲ ወይ ካልእ መጕዚ እንተ ዄንካ ኣየናይ መገዲ ዝሰማምዓካ ይመስለካ?

ቊጠባዊ ደገፍ ንወለዲ

ንዓኻ ወላዲ ወይ ካልእ መጕዚ ዝወሃብ እተፈላለየ ዓይነት ቍጠባዊ ደገፍን ቍጠባዊ ሓገዝን ኣሎ። መሰል ናይ ክፍሊታት ንኽህልወካ እተወሰን ቅድመ-ኵነት ከተማልእ ኣለካ።

ሓገዝ ክራይ ገዛ፡ ክራይ ገዛ ወይ ናይ መንበሪኦም ወርሓዊ ወጻኢታት ንምኽፋል ሓገዝ ንዘድልዮም ቈልዑ ዘለውዎም ስድራ ቤት ዝወሃብ ሓገዝ እዩ።

ቆልዑ ዘሎዉወን ስድራቤታት፡ ሓገዝ ክራይ-ገዛ ክሓታ መሰል ኣሎወን። ሓገዝ-ክራይ ገዛ ክትወስድ እንተዄንካ፡ ግድን ኣብ ሽወደን ተመዝጊብካ እትቕመጥ ክትከውን ኣለካ።

ክንደይ ዝመጠኑ ሓገዝ ክራይ-ገዛ ክትወስድ ከምዝግብኣካ ዝውስኖ፡ ቊጽሪ ኣባላት ስድራ እዩ። መጠን ዝኽፈል ክራይ-ገዛን ዘሎካ ኣታውን 'ውን ይውስኖ'ዩ።

እቶትካ ለውጢ ምስ ዘርእይ፡ ንትካል ውሕስነት፡ ማለት 'ፎርሼክሪንካሳ' ክትሕብር ኣገዳሲ እዩ። እንተዘይኮይኑ ዝምለስ ክፍሊት ክህልወካ ይኽእል እዩ።

መተካእታ ደሞዝ ወለዲ፡ ኣብ ክንዲ ንስራሕ ትወፍር፡ ስራሕ ትደሊ ወይ ትምሃር ምስ ውላድካ ኣብ ገዛኻ ክትከውን ንኽትክእል ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ዝኽፈለካ ገንዘብ እዩ።

ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝወሃበካ ኣብ ኣታዊኻ እዩ ዝምርኰስ። ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት መርበብ ሓበሬታ ብገምጋም ክንደይ ዝኣክል መተካእታ ደሞዝ ወለዲ ከም ዝመጸካ ሕሳብ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንሓደ ቈልዓ ን480 መዓልቲ ናይ ወለዲ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ ይኸፍል። ነተን መዓልታት ክልተ ወለዲ ክትማቐልወን እንተ ዄንኩም፡ ንነፍስ ወከፍ ወላዲ ዝተሓዝኣ ዝተወሰና መዓልታት ኣለዋ። ናይቲ ቈልዓ ንጽል መጕዚትነት እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ናይ ብምሉኣን እተን 480 መዓልቲ መሰል ኣሎካ። ውላድካ ክሳብ 12 ዓመት ዝመልእ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ክንክን ዝሓመመ ቈልዓ (vab)፡ ዝሓመመ ቈልዓ ንኽትኣሊ ካብ ስራሕ ኣብኵርካ ኣብ ገዛኻ ክትጸንሕ ከለኻ ወይ ኣ-ካሳ ምውሳድ ክትሓድጎ ከለኻ እዩ። ካብቲ ኣብ ገዛኻ እንተ ዘይትጸንሕ ኔርካ ክትረኽቦ ዝነበርካ ኣታዊ 80% ዝኸውን ክፍሊት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ክፍሊት መተካእታ ደሞዝ ንምእላይ ዝሓመመ ቈልዓ (tillfällig föräldrapenning) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ዓመት እንተ በዝሓ 120 መዓልቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

መናበዪ ቍጠባዊ ሓገዝ (Underhållsbidrag)፡ ምስ ውሉዱ ዘይነብር ወላዲ ንመናበዪ ውላዱ ክኸፍሎ ዘለዎ ገንዘብ እዩ። እቲ ገንዘብ ነቲ ምስቲ ቈልዓ ዝነብር ወላዲ እዩ ዝኽፈል። እቲ መናበዪ ቍጠባዊ ሓገዝ ንመንበሪ፡ ምግብን ናይ ናጻ ግዜ ተገዳስነትን ናይቲ ቈልዓ ክውዕል ኣለዎ።

መናበዪ ደገፍ (Underhållsstöd) እቲ ኻልእ ወላዲ መናበዪ ቍጠባዊ ሓገዝ (Underhållsbidrag) እንተ ዘይከፊሉ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ምስቲ ቈልዓ ንዝነብር ወላዲ ዝኸፍሎ ቍጠባዊ ደገፍ እዩ።

መናበዪ ደገፍ ንምርካብ ካልእ ገዲፍካ ምስቲ ቈልዓ ኣብ ሽወደን ትነብር ክትከውን ይሓትት እዩ። እቲ ቈልዓ ናይ ግድን ትሕቲ 18 ዓመትን ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገበን ክኸውን ኣለዎ። መናበዪ ደገፍ ንኽወሃበካ ናይቲ ቈልዓ መጕዚትነት ዘለካን ንስኻን እቲ ካልእ ወላድን ብሓባር ዘይትቕመጡ ክትኮኑ እውን ይሓትት እዩ።

ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዑ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ነቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩን ቈልዑ ዘለዎምን ስድራ ቤት ነፍስ ወከፍ ወርሒ ብቐጥታ ዝኸፍሎ ቍጠባዊ ደገፍ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ነቲ ናይ መጀመርታ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዑ እቲ ቈልዓ ምስ ተወልደ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ወይ እቲ ቈልዓ ናብ ሽወደን ምስ ገዓዘ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ይኸፍል። እቲ ቈልዓ 16 ዓመት ምስ መልኣ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዑ ምኽፋል የቋርጽ።

ካብ 16 ክሳዕ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝምሃሩ መንእሰያት ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲ (Studiebidrag) ይወሃቦም እዩ። ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ፡ ሲ. ኤስ. ኤን.( CSN) እዩ ብዛዕባ ቍጠባዊ ደገፍ ትምህርቲ ዝውስን። ሲ. ኤስ. ኤን ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲ ንዓሰርተ ኣዋርሕ፣ ካብ መስከረም ክሳዕ ሰነ ይኸፍሎ። ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ንምርካብ ምምልካት ኣየድልየካን እዩ። ሲ. ኤስ. ኤን ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ብቐጥታ እዩ ዝኸፍሎ። መንእሰያት እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲ እንተ ነውሓ ክሳብ እታ 20 ዓመት ዝመልኡላ ዘላ ወቕተ-ትምህርቲ ጽድያ እዩ ክወሃቦም ዝኽእል።

ሓንቲ ስድራ ቤት ትሑት ኣታውን ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝምሃር ቈልዓ ኣልዩዋን፡ ካብ ሲ. ኤስ. ኤን. ኣብ ርእሲ እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲ ተወሳኺ ገንዘብ ከተመልክት ተኽእሎ ኣለዋ። እቲ ቍጠባዊ ሓገዝ፡ ተወሳኺ ቍጠባዊ ሓገዝ ትምህርቲ (extra tillägg) ይብሃል።

ደገፍ ስንክልና ንዘለዎም ቈልዑን መንእሰያትን

ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ስንክልና ዘለዎም ቈልዑ ካብ ሕብረተ ሰብ ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። መብዛሕትኡ ናይ ደገፍ ጻዕርታት ንኽትረክብ ንስኻ መጕዚ ባዕልኻ ከተመልክት ኣለካ።

እቲ ደገፍ ኣብ ናይ እቲ ቈልዓ ዓይነት ስንክልናን ነቲ ቈልዓ ኣብ መዓልታዊ ህይዎቱ ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸልዎን ዝተሞርኮሰ እዩ። ነቲ ደገፍ ዝህብ እቲ ትነብርሉ ኮሙን ወይ ዞባ እዩ።

ክወሃበካ ዝኽእል እተፈላለየ ዓይነት ደገፍ ኣሎ። ንኣብነት ቤት ትምህርቲ ስንክልና ንዘለዎም ቈልዑ ፍሉይ ደገፍ ክህቦም ኣለዎ። ንኣብነት ሓደ ተመሃራይ ዝድግፎ ሓደ ተሓጋጋዚ ተመሃሮ የድልዮ ይኸውን።

ከቢድ ስንክልና ዘለዎ ቈልዓ ብእተኻእለካ መጠን ጽቡቕን ነብስኻ ክኢልካ ትነብረሉ ህይወት ምእንቲ ክነብርን ደገፍ ንምርካብ ከመልክት መሰል ኣለዎ። እዚ ኣብ ሓደ "ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገሊኦም ስንኩላን" ዝብሃል ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ኤል. ኤስ.ኤስ ኣሕጽሮ ቃል ናይቲ ሕጊ እዩ።

ስንክልና ዘለዎ ቈልዓ እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ንቍጠባዊ ሓገዝ ክንክንን (omvårdnadsbidrag)፡ ንተወሳኺ ወጻኢታት ክፍሊትን (merkostnadsersättning) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብዛዕብኡ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት መርበብ ሓበሬታ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብነት ናይ ቈልዑ ዘለዎም ስድራ ቤታት ክወሃቦም ዝኽእል እተፈላለየ ዓይነት ቍጠባዊ ሓገዝ ክትህብ ትኽእል'ዶ?