ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Socialtjänsten) ስራሕን ሓላፍነትን እንታይ እዩ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 7 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት እዩ። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኵለን ኮሙናት ናይ ሽወደን ኣሎ፣ ንሰባት እተፈላለየ ዓይነት ሓገዝን ደገፍን ንምሃብ ድማ ይዓዪ። ቍጠባዊ ሓገዝ ንስድራ ቤታት ወይ ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ዝወሃብ ደገፍ ክኸውን ይኽእል። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንቘልዑ ዝበለጸ ወይ ዝጠቅም ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ከተንብብ ኢኻ። ብዛዕባ “ሕጊ ብዛዕባ ክንክን ንመንእሰያት፡ LVU” እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ሓደ መንእሰይ ምስ ኣቦኡ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይዘራረብ ኣሎ።

ዕማም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብቐዳምነት ወለዲ ንውልዶም ንኽኣልዩ እቲ ዘድልዮም ሓገዝን ደገፍን ምሃብ እዩ። ኣብ ናይ ወላዲ ምዃን ግዴኻ ገለ ከቢድ እዩ ትብሎ እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ ንኻልእ ሰብ ክትነግሮ ክትደፍር ጽቡቕ መጀመሪ እዩ። ሽዑ ገለ ለውጢ ክትገብር ዝቐለለ ይኸውን። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምስ ወለዲ ክተሓባበሩ እንተ ክኢሎምን ነንሓድሕዶም ተኣማሚኖምን፡ ቅኑዕ ሓገዝ ንምሃብ ዝቐለለ ይኾነሎም።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንጥቕሚ ቈልዑ ይሰርሕ - ሓበሬታ ንወለዲ

እዚ ጽሑፍ ካብታ "ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንጥቕሚ ቈልዑ ይሰርሕ - ሓበሬታ ንወለዲ" ዘርእስታ ናይ ቤት ምኽሪ ጥዕናን ድሕንነትን ብሮሹር እተወስደ እዩ።

ብዙሓት ስድራ ቤታት ብማሕበራዊ ኣገልግሎት ይሕገዛ እየን

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኵለን ኮሙናት ኣሎ። ኣብኡ ኵሎም ቈልዑ ብውሑስ መንገዲ ከም ዝዓብዩ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ዘለዎም፣ ኣብ ናይ ቈልዑት ድልየታት ፍሉይ ፍልጠት ዘለዎም ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት ይሰርሑ። ብተግባር፡ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ዘሎ ወይ ወልፊ ዘለዎ ሓደ ካብቶም ወለዲ ዝርከባ ስድራ ቤት ምድጋፍ ማለት እዩ። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንዓመጽን መጥቃዕትን ንዝቃልዑ ቈልዑን ወለድን ክከላኸለሎም እውን ኣለዎ።

ነገራት ብቐዳምነት ኣብ ገዛ ክመሓየሹ ኣለዎም

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብብዙሕ እተፈላለየ መገድታት ክሕግዝ ይኽእል እዩ። እቲ ንቡር ኣየናይ ደገፍ ዝበለጸ ምዃኑ ክትሰማማዕ ከለኻ እዩ። ንኣብነት ብዙሕ ግርጭት ዘለዎም ስድራ ቤታት፡ ከምዚኦም ዓይነት ጸገማት ንክፈትሑ ስድራ ቤታት ኣብ ምሕጋዝ ንፉዕ ዝኾነ ሰብ ክረኽባ ይኽእላ እየን። ብውልቂ ወይ ብጕጅለ ብዝግበር ዝርርብ፡ ከም ወላዲ መጠን ኣብ ዘለካ ናይ ወላዲ ግደ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንቈልዑ ሓደ ናይ ርክብ ሰብ (kontaktperson) ክግበረሎም ወይ ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ምስ ዘለዉ ካልኦት ቈልዑ ንኽራኸቡ ተኽእሎ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ኵሉ ሰብ ደገፍን ዕቝባንን ንምርካብ ከመልክት ይኽእል እዩ

ደገፍ ወይ ዕቝባ የድልየኒ እዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ሰብ፡ ባዕሉ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተራኺቡ ብዛዕባ ኵነታቱ ክሕብሮም ይኽእል እዩ። ቈልዑን ወለድን ሓገዝን ደገፍን ንምርካብ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም።

ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትዘራረብ እንተ ደሊኻ ምስቲ ኣብ ኮሙንካ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቶም ተራኸብ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኮሙን ቍጽሪ ተሌፎንን ካልእ ክትረኽቦም እትኽእለሉ መገድታትን ክህሉ ኣለዎ።

ሻቕሎት ዝስምዖ ሰብ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሕብር ይኽእል እዩ።

ሓደ ቈልዓ ምናልባት ይጕዳእ ከም ዘሎ ዝጥርጥር ኵሉ ሰብ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሕብር ይኽእል እዩ። ክትሕብር ከለኻ ንኣብነት ንሓደ ወላዲ ትኸስስ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን፣ እንታይ ድኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ቈልዓ ዘለካ ሻቕሎት ትሕብር ኣለኻ ማለት እዩ። ሰራሕተኛታት መውዓሊ ህጻናት፡ ቤት ትምህርቲ ወይ ሕክምና ሓደ ቈልዓ ይጕዳኣ ከም ዘሎ እንተድኣ ጠርጢሮም፡ ብመሰረት ሕጊ ናይ ግድን ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከመልክቱ ኣለዎም።

ብቐጥታ ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኢኻ ትሕብር። ብዛዕባ ዅነታት ሓደ ቈልዓ ሕቶታት ክትሓትት እንተ ደሊኻ፡ ስም እቲ ቈልዓ ከይነገርካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ድሕሪኡ እንታይ ክስዕብ እዩ?

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓደ ቈልዓ ዕቝባ ወይ ደገፍ ከም ዘድልዮ እንተ ገምጊሙ፡ ነቲ ቈልዓን ስድራ ቤትን ዝበለጸ እንታይ ምዃኑ ከጻሪ ስርሑ እዩ። መስርሕ ምምርማር ኵነታት እቲ ቈልዓ ይበሃል። ወለድን ቈልዑን ኣብቲ መስርሕ መርመራ ተሳቲፎም ናቶም ርእይቶ ክህቡ ይፍቀዶም እዩ። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንከም ኣዝማድን መማህራንን ዝኣመሰሉ ነቲ ቈልዓ ዝፈልጥዎ ሰባት እውን ከዘራርቦም የድልዮ ይኸውን።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት እንታይ ክነግር ይፍቀዶ?

ኵሉ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝራኸብ ሰብ ተኣፋፊ ሓበሬታ ናብ ካልእ ከም ዘይመሓላለፍ ክተኣማመን ክኽእል ኣለዎ። ስለዚ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታ ናይ ምዕቋብ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎ፣ እዚ ድማ ምዕቃብ ምስጢር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከም ወላዲ መጠን መብዛሕትኡ ግዜ ኵሉ ንውሉድካ ዝምልከት ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ቈልዓ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከእትዎ ዝኽእል ነገር ክነግር ኣይፍቀዶን እዩ። እቲ ቈልዓ እንዳ ዓበየ ክኸይድ ከሎ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ዝያዳ ባዕሉ ይውስን። ስለዚ ዝጐበዙ ቈልዑ ወለዶም ብዛዕብኦም ሓደ ሓደ ሓበሬታ ንኽወሃቦም ከፍቅዱ ከድሊ ይኽእል እዩ።

እቲ ቈልዓ ኣብ ገዝኡ ምንባር ክቕጽል ዘይኽእል እንተ ኾይኑ ዝወሃብ ደገፍ

እቲ ቈልዓ ኣብ ገዝኡ ክነብር እንተ ዘይተኻኢሉ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ካልእ ቦታ ክነብር ከድልዮ ይኽእል ይኸውን እዩ። ንኣብነት እቲ ቈልዓ ምስ ካልእ ስድራ ቤት (ቈልዑ ዘዕቁቡ ስድራ ቤት፡ familjehem ወይ ኣብ ክንክን ዝህብ ቤት ወይ መንበሪ (HVB) ክነብር ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነት እቶም ወለዲ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ደገፍ ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። ንኣብነት ኣብ ናይ ኣተዓባብያ ሜላኻ ብቕዓትካ ክብ ከተብል ሓገዝ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ዕላማ ናይ'ዚ ነቲ ቈልዓ ኵሉ ነገር ብዝተኻእለ መጠን ጽቡቕ ንኽኾነሉ እዩ።

ኮል ፖ ሶስ (Koll på soc) – ዕብይ ንዝበሉ ቈልዑ

Kollpasoc.se ንቘልዑ ብዛዕባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝገልጽ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ኣብኡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ንቘልዑን ንመንእሰያትን ንምሕጋዝ እንታይ ተኽእሎታት ከም ዘለዎም ዝገልጽ ሓበሬታ ኣሎ። እቲ ጽሑፋት ብቐሊል ሽወደንኛ ኮይኑ ኣብ ናይ ሓቂ ሕቶታት ቈልዑ እተመርኰሰ እዩ።

ሰላም ካሪን! ናይ ቤት ምኽሪ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕንነትን (Socialstyrelsen) ስራሕን ሓላፍነትን እንታይ እዩ?

ቤት ምኽሪ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕንነትን (Socialstyrelsen) ንክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ሓልዮትን ብዝምልከቱ እቲ ቀንዲ ፈላጥ ወይ ክኢላዊ ብዓል መዚ (kunskapsmyndighet) እዩ። ንሕና ንኣብነት ንኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ከምኡ'ውን ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ስታተስቲክ፡ ሕግታትን ፍልጠትን ነዳሉን ነማዕብልን ማለት እዩ። ኵሎም ሰባት ብማዕረ ኵነት ጽቡቕ ክንክንን ሓልዮትን ምእንቲ ክረኽቡ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕናን ሕክምናን ከምኡ'ውን ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተዋፊሮም ዝሰርሑ ሰባት ደገፍን ሓገዝን ንህብ።

ሓደ ቈልዓ በስገዳድ ኣብ ትሕቲ ክንክን ዝኣትወሉን ምስ ስድራ ቤቱ ክነብር ዘይክእለሉን ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ቈልዑ ኣብ ገዝኦም ምስ ስድራ ቤቶም ክነብርሉ ዘይክእሉሉ ብዙሕ እተፈላለየ ምኽንያታት ክህሉ ይኽእል እዩ። ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ንኣብነት ሓደ ወላዲ ድሮጋ ስለ ዝወስድ ወይ ዓመጸኛ ስለ ዝኾነ እቲ ቈልዓ ኣብ ገዝኡ ይጕዳእ ስለ ዘሎ ወይ ንኽጕዳእ ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ምኽንያት ከኣ እቲ ቈልዓ ንነብሱ ወይ ንኻልኦት ክጐድእ ተኽእሎ ስለ ዘሎ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንሓደ ቈልዓ በስገዳድ ኣብ ትሕቲ ክንክን ክኣቱ መን እዩ ዝውስን?

ማሕበራዊ ኣገልግሎት እዩ ነቶም ካብ ሕብረተሰብ ሓገዝ ዘድልዮም ቈልዑ ቀንዲ ሓላፍነት ዘለዎ። ንሶም ነቶም ዘድልዮም ቈልዑ እተፈላለየ ዓይነት ደገፍን ዕቝባን ክህብዎም ይኽእሉ እዮም። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሓደ ህጹጽ ኵነታት እቲ ቈልዓ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘይኰነስ ኣብ ካልእ ቤት ንኽቕመጥ ናይ ኣስገዳድ ክንክን ምእታው ውሳነ ከሕልፍ ይኽእል እዩ። ድሕርኡ ሓደ ቤት ፍርዲ እቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝገበሮ ውሳነ ቅኑዕ እንተ ነይሩ ይውስን።

በስገዳድ ኣብ ትሕቲ ክንክን ምእታው ብኸመይ ይግበር?

እቲ በስገዳድ ኣብ ትሕቲ ክንክን ምእታው ብእተፈላለየ መገዲ ክግበር ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ኵነታት ወለድን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ነቲ ቈልዓ ዝበለጸ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ገዝኡ ክነብር ከም ዘይብሉ፡ ማለት እቲ ቈልዓ ኣብ ካልእ ቤት ንኽቕመጥ ክምደብ ይሰማምዑ እዮም። እዚ ወለንታዊ ምደባ ቦታ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሓደ ሓደ ግዜ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ቤት ፍርድን ንሓደ ቈልዓ ኣንጻር ድሌት ወለዱን ድልየቱን ኣብ ካልእ ቤት ክቕመጥ ክምድብዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣስገዳድ ምደባ ቦታ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ቤት ፍርድን ነዚ ንጥቕሚ እቲ ቈልዓ እዮም ዝገብርዎ። ውሳነኦም ብመሰረት ሕጊ ብዛዕባ ክንክን ንመንእሰያት ይውስንዎ።

ሓደ ቈልዓ ምስ ካልእ ስድራ ቤት ወይ ኣብቲ ግዝያዊ መንበሪ ቦታ ንትሕቲ ዕድመ (jourhem) ወይ ኣብ ክንክን ዝህብ መንበሪ ቤት ((HVB) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክቕመጥ ክምደብ ይኽእል እዩ። ማሕበራዊ ኣገልግሎት እዩ ነቲ ቈልዓ መንበሪ ዘዳልወሉ። እቲ ቈልዓ ኣብ ካልእ ቦታ ክቕመጥ ምስ ተመደበ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ቈልዓን ንወለድን ደገፍን ሓገዝን ይህብዎም እዮም።

እቲ ቈልዓ ሃይማኖቱ ምእንቲ ከተግብር ወይ ቋንቋኡ ክዛረብ ምስ መን ከም ዝቕመጥ ምንዮተይ ክገልጽ እኽእል ድየ?

እወ፡ እቲ ቈልዓን ወለዱን ወይ እቶም መጕዚ እቲ ቈልዓ ኣበይ ክቕመጥ ከም ዝምደብ ምንዮቶም ክገልጹ ይኽእሉ እዮም። እቲ ቈልዓ ናይ ቋንቋኡ፡ ሃይማኖቱን ዓሌታውን ባህላውን ድሕረ ባይታኡ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንሓደ ቈልዓ ኣብ ካልእ ቤት ክቐመጥ ክውስኑ ከለዉ፡ ንኣብነት ምስ ኣዝማዱ ወይ የዕሩኽ ክቕመጥ ዝኽእል እንተ ኾይኑ ክምርምሩ ኣለዎም። እቲ ልዕሊ ኵሉ ዘገድስ ነቲ ቈልዓ እንታይ ዝበለጸ ምዃኑ እዩ። እዚ ኵሉ ምንዮታት ወትሩ ክፍጸም ኣይክእል እዩ ማለት እዩ።

መዓስ እዩ እቲ ቈልዓ ናብ ገዝኡ ክምለስ ዝኽእል?

እቲ ቈልዓ ኣብ ካልእ ቤት ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ክነብር ከም ዘለዎ ይፈላለ እዩ። ሒደት መዓልትታት፡ ሰሙናት፡ ኣዋርሕ ወይ ብምሉኡ ክሳብ ዝዓብን ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ዕላማ እቲ ቈልዓ ዝከኣል ምስ ኮነ ናብ ስድራ ቤቱ ክምለስ ንኽኽእል እዩ። እቲ ቈልዓ ኣብ በስገዳድ ኣብ ክንክን ኣትይሉ ኣብ ዘሎ እዋን እቶም ወለዲ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ደገፍን ሓገዝን ክረኽቡ መሰል ኣለዎም።

ጐረቤተይ ንደቁ ይወቕዖም ከም ዘሎ ጥርጣረ ኣለኒ፡ እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ሓደ ቈልዓ ይጕዳእ ከም ዘሎ ትጠራጠር እንተደኣ ዄንካ ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ሻቕሎትካ ምልክታ ክትነግር ኣለካ። ቈልዑ ሳሕቲ እንተ ዘይኮይኑ ባዕሎም ይውቅዑ ወይ ብኻልእ መንገዲ ይጕድ ከም ዘለዉ ኣይዛረቡን እዮም። ስለዚ እዩ እቶም ኣብ ቀረባ እቲ ቈልዑ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት ብዛዕባ ሓደ ቈልዓ ዝሻቐሉ እንተ ኾይኖም ስጕምቲ ክወስዱ ዘለዎም።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንቘልዑ ዘድልዮም ዕቝባን ደገፍን ናይ ምሃብ ቀንዲ ሓላፍነት ኣለዎ። ከምዚ ንምግባር፡ ሓደ ቈልዓ ደገፍ ናይ ማሕበረ ሰብ ዘድልዮ እንተ ኮይኑ ክፈልጡ ክኽእሉ ኣለዎም። ክፈልጥሉ ዝኽእልሉ ሓደ መንገዲ፡ ብናይ ሻቕሎት ምልክታ እዩ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ሻቕሎት ምልክታ ምስ ረኸቡ፡ እቲ ቈልዓ ሓገዝ ዘድልዮ እንተ ኾይኑ ንምፍላጥ ነቲ ኵነታት ይምርምርዎ እዮም። ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ርክብ ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትነብረሉ ኮሙን ኣሎ።

ምልክታ ናይ ዓመጽን ካልእ ገበናትን ናብ ፖሊስ እውን ክግበር ኣለዎ።

ውሉደይ ኣብ እዋን ቀትሪ ግዚኡ ኣብ ገዛ እዩ ዘሕልፎ። እቲ ቈልዓ ምሉእ ለይቲ ኮፍ ኢሉ ሓዲሩ ቀትሪ እዩ ዝድቅስ። እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ውሉድካ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገብር ዘሎ ኣጻሪ። ገሊኦም ቈልዑ ሓዚኖም ወይ ተጨኒቖም ስለ ዘለዉ ኣብ ገዝኦም ኮፍ ይብሉ እዮም። ምኽንያት ናይዚ እቲ ቈልዓ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድሕንነት ስለ ዘይስምዖ ወይ እቲ ቈልዓ ብኣእምሮኣዊ ሕማም ስለ ዝሳቐ ዘሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ከኣ እቲ ቈልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ከም ዘቋርጽ ክገብር ይኽእል እዩ። ንጥዕናን ናይቲ ቈልዓ ምስ የዕርኽቱንን ስድራ ቤቱን ዘለዎ ዝምድና እውን ክጸልዎ ይኽእል እዩ።

ብዝተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ሓገዝ ክትሓትት ፈትን። ንኣብነት ምስ ቤት ትምህርቲ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወይ ምስ ክሊኒክ ስነ ኣእምሮ ቈልዑትን መንእሰያትን (BUP) ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ቈልዓ ቅኑዕ ደገፍ ክህቡ ንምኽኣል ብሓባር ምስራሕ የድልዮም እዩ። ብዙሓት ኮሙናትን ዞባታትን በቲ ክሊኒክ-ፈሽታ ሊንየን (första linjen-mottagning) ዝብሃል ብኣጋ ዕድል ናይ ደገፍን ሕክምናን እውን ይህባ እየን። እቲ ደገፍ ንኣብነት ምኽሪ ዝህብ ዝርርብ፡ ተራፒ ወይ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ሕክምና ብመድሃኒት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሕጊ ብዛዕባ ክንክን ንመንእሰያት (LVU)

ሓደ ትሕቲ 21 ዓመት ዝዕድሚኡ ቈልዓ ወይ መንእሰይ ብኸቢድ ክጕዳእ ተኽእሎ እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ እቲ ቈልዓ ብመሰረት ሕጊ ብዛዕባ ክንክን ንመንእሰያት፡ LVU ኣብ ክንክን ክኣቱ ይኽእል እዩ። ሕጊ ብዛዕባ ክንክን ንመንእሰያት፡ ቈልዑን መንእሰያትን ንከይጕድኡ ክከላኸለሎም ኣለዎ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብሓገዝ ሕጊ ብዛዕባ ክንክን ንመንእሰያት ንሓደ ቈልዓ ወይ መንእሰይ ብዘይድልየት እቲ ቈልዓን ወለድን ናብ ሓንቲ ቈልዑ ዘዕቁቡ ስድራ ቤት (familjehem) ከም ዝኣትዉ ክገብር ይኽእል እዩ። ሓደ ቈልዓ ኣብ ገዛ ምስ ስድርኡ ሕማቕ እንተ'ሎ ኾይኑ ወይ እቲ ቈልዓ ሕማቕ ወይ ነቲ ቈልዓ ክጐድእ ዝኽእል ነገር ይገብር እንተ ኣልዩ ኾይኑ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ክገብር ይኽእል እዩ።