ምግዓዝ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 7 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ምግዓዝ እዩ። ናብ ሓድሽ ገዛ ክትግዕዝ እንተ ዄንካ ብዙሕ ክትሓስበሉ ዘሎካ ነገራት ክህሉ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ክትግዕዝ ከለኻ ንኽትፈልጦ ኣገዳሲ ክኸውን ዝኽእል ነገራት ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ንኣብነት ብዛዕባ ምቍራጽ ውዕል ክራይ ገዛ፡ ኣድራሻ ምቕያርን ብዛዕባ ጶስጣ ተቐቢሎም ናብ ሓድሽ ኣድራሻ ምልኣኽን (eftersändning av post) ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ መሰል ናይ መንበሪ ምህላው ኣለዎ። መሰል ናይ መንበሪ ኣለካ ማለት ኣብ ገሊኡ መንበሪ እንተ ዘይብልካ ኴንካ ሓደ ዓይነት መንበሪ ንኽትረክብሃገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ሓደ ኮሙን ንተቐማጦ እቲ ኮሙን መንበሪ ከም ዝህሉ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ።

ክትግዕዝን ኣበይ ኣብ ሽወደን ከም ትነብር ክትመርጽን እውን መሰል ኣለካ።

ናይ ቅድሚ ሕጂ ውዕል ክራይ ሰርዞ

ካብ ናይ ክራይ ኣፓርተማ እንተ ግዒዝካ ነቲ ውዕልካ ከተቋርጾ የድልየካ እዩ። እቲ ናይ ውዕል ምቝራጽ መጠንቀቕታ ዝወሃበሉ ንውሓት ግዜ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ዋናታት ገዛ ክፈላለ ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ውዕል ምቝራጽ መጠንቀቕታ ዝወሃበሉ ንውሓት ግዜ ናትካ ኣብቲ ውዕል ክራይ ገዛኻ ተጻሒፉ ክህሉ ኣለዎ። ንዋና ገዛኻ ናይ ኣፓርተማኻ ውዕል ክራይ ከተቋርጾ ከም እትደሊ ብጽሑፍ ክትሕብሮ ጽቡቕ እዩ።

ህዝባዊ ምዝገባን ምሕባር ምግዓዝን

ህዝባዊ ምዝገባ መሰረታዊ ምዝገባ ናይ ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት እዩ። ኣብቲ ህዝባዊ ምዝገባ ንኣብነት ውልቃዊ ሓበሬታኻ፡ ኣበየናይ ኣድራሻ ከም ትቕመጥን ምርዑው እንተ ዄንካን ወይ ውሉዳት እንተ ኣልዮምኻን ይምዝገብ። ኣበየናይ ህዝባዊ ምዝገባ ከም እተመዝገብካ፡ ንኣብነት ኣበየናይ ኮሙን ግብሪ ክትከፍል ከም ዘለካ፡ ኣበይ ክትመርጽ ከም ዝፍቀደካን መሰል ናይ ዝተፈላለዩ ቍጠባዊ ሓገዛትን ሓለፋታትን ዝኣመሰሉ ነገራት ኣገዳስነት ኣለዎ። ከምኡ'ውን ነፍሲ ወከፍ ኮሙን ብመሰረት ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኣብኣ ከም ዝነብሩ ግምት ብምእታው እያ መደባታ ትሰርዕ።

ናብ ሓድሽ ኣድራሻ እንተ ግዒዝካ ካብታ ዝገዓዝካላ ዕለት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምግዓዝካ ናብ ብዓል መዚ ግብሪ (Skatteverket) ከም ዝገዓዝካ ክትሕብር ኣለካ። እዚ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ ሕጊ ህዝባዊ ምዝገባ ከም ዝገዓዝካ ክትሕብር ግዴታ ከም ዘለካ ሰፊሩ ስለ ዘሎ። ደብዳበኻ ናብ ቅኑዕ ኣድራሻ ንኽመጸካ እውን ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ምግዓዝካ ምሕባር ኣይክፈሎን እዩ። ኣብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኻ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ክትገብሮ ወይ ቅጥዒ መሊእካ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኣፓርተማ እንተ ዂንካ ትነብር፡ ኣድራሻኻ ቍጽሪ ኣፓርተማ ክህልዎ ኣለዎ። እቲ ቍጽሪ ኣፓርተማ ኣርባዕተ ቍጽርታት ኣለዎ፣ ንኣብነት 1001፡ እቲ ኣፓርታማ ኣበየናይ ደርቢ ከም ዘሎን ኣበይ ኣብቲ ደርቢ ከም ዝርከብን ድማ ይሕብር። ነቲ ቍጽሪ ኣፓርተማኻ ኣብ ውዕል ክራይ ገዛኻ፡ ኣብ ሳጹን ጶስጣኻ ወይ ኣብ ማዕጾ ናይ ኣፍ ደገ ቤትካ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ብዓል መዚ ግብሪ ብዛዕባ ህዝባዊ ምዝገባን ብዛዕባ ምምልካት ምግዓዝን ሓደ ፊልም ኣድላዩ ኣሎ። እዚ ፊልም ብሽወደንኛ፡ ዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፋርስኛ፡ ሶማልኛን ትግርኛን ተዳልዩ ኣሎ።

ጶስጣ ተቐቢልካ ናብ ሓድሽ ኣድራሻ ምልኣኽ (Eftersändning av post)

ጶስጣኻ ተቐቢሎም ናብ ሓድሽ ኣድራሻኻ ንኽልእኩልካ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ናብቲ ናይ ቀደም ኣድራሻኻ ዝለኣኸካ ጶስጣ ተቐቢሎም ናብቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ይልእኩልካ ማለት እዩ። ካብ Svensk Adressändring AB (ስቨንስክ ኣድረስ ኤንድሪንግ ኣበ)፡ ጶስጣ ተቐቢልካ ናብ ሓድሽ ኣድራሻ ምልኣኽ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ። ጶስጣ ተቐቢልካ ናብ ሓድሽ ኣድራሻ ምልኣኽ እንተ ኣዚዝካ፡ እቲ ናይ ህዝባዊ ምዝገባ ኣድራሻኻ ከም ዘይቕየር ግን ዘክር።

ውዕልን ወርሓዊ ዓሚልነትን

ብዙሓት ክትቅይሮም ወይ ክትስርዞም ዘድልዩኻ ውዕላትን ወርሓዊ ዓሚልነትን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት ውዑላት ናይ መሰረዚ ግዜ ወይ ቀያዲ ግዜ ከም ዘለዎም ዘክር። ስለዚ ቅድሚ ምግዓዝካ ኣቐዲምካ ምስራዞም ጽቡቕ እዩ። እዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ናይ ክቕየሩ ወይ ክስረዙ ከድልዮም ዝኽእል ውዑልን ወርሓዊ ዓሚልነትን እዮም፡

  • ወርሓዊ ዝኽፈል ኵንትራት ቀዋሚት ተሌፎን (ናይ ሞባይል ዘይኰነ)
  • ናይ ኢንተርነት ወርሓዊ ዓሚልነት
  • ዝኽፈሎም ናይ ተለቪዥን ካናላት
  • ናይ ኤለክትሪክ ውዕል
  • መዓሸጊ ማኪና
  • ላርም
  • መድሕናት

ክትግዕዝ እንተ ዄንካ ናይ ኣየኖት ወርሓዊ ዝኽፈል ኵንትራትን ውዕላትን ክትስርዝን ኣለካ?

ንዓኻን ንኣቑሑትካን ውሕስነት ዝኾነካ ሓደ መድሕን ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሽወደን ዳርጋ ኵሉ ገዛውቲ ናይ ገዛ መድሕን ኣለዎ። ሓደ መድሕን ገዛ፡ ኣቑሑትካ እንተ ተሰሪቖም ወይ ኣብ ባርዕ ሓዊ ተበላሽዮም ወይ ብማይ ተበላሽዮም፡ ናቶም ካሕሳ ከውህበካ ዝኽእል ሓደ መሰረታዊ ውሕስነት እዩ። ከምኡ'ውን እቲ ናይ ገዛ መድሕን ንዅሎም ኣብቲ ውዕል መድሕን ኣትዮም ዘለዉን ኣብቲ ገዛ ዝነብሩን ሰባት ውሕስነት ይህብ እዩ። ብተወሳኺ ናይ ገዛ መድሕናት ካልእ ገዲፍካ ትሕዝቶ ናይ መገሻ ውሕስነት ኣሎዎም።

ናይ ምግዓዝ ምጽርራይን ፍተሻን

ኣብ ቪላ፡ ኮንዶሚኒዩም ወይ ኣብ ናይ ክራይ ገዛ ትነብር እንተ ኣለካ ዄንካ ብዘየገድስ ካብ ቤትካ ክትግዕዝ ከለኻ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ቤትካ ናይ ምግዓዝ ምጽርራይ ከተጽርዮ ኣለካ። ናይ ምግዓዝ ምጽርራይ ካብቲ ንቡር ምጽራይ ዝበዝሓን ብዙሕ ግዜ ዝወስድን እዩ። ነቲ ናይ ምግዓዝ ምጽርራይ ባዕልኻ ክትገብሮ ወይ ናይ ጽሬት ትካል ክትቆጽር ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ምግዓዝ ምጽርራይ ብጽቡቕ እንተ ዘይተገይሩ፡ ገንዘብ ክትከፍል ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።

ከም ልሙድ ሓደ መንበሪ እቲ ተኻራያይ ክግዕዝ ከሎ ይፍተሽን ምናልባት ብልሽታት እንተ'ሎ ኾይኑ ሓደ ቅዳሕ ናይ ውዕል ይጽሓፍን። ሓደ ተኻራያይ ኣብ ሓደ ገዛ ንዘጋጠሙ ብልሽታት ክኽሕስ ክሕተት ይኽእል እዩ።

እቲ ሓድሽ ገዛ

ኵሎም መፋትሕ ናይቲ ሓድሽ ገዛኻ ክትወሃብ ኣገዳሲ እዩ። ናብ ሓደ ናይ ክራይ ገዛ እንተ ዄንካ ትግዕዝ ዘሎኻ፡ ምእንቲ ዘይተፈለጡ ብልሽዋት ኣብቲ ገዛ ከይህልዉ፡ ነቲ ናይ ፍተሻ ቅዳሕ ናይ ውዕል (besiktningsprotokoll) ምስ እቲ ገዛኻ ከተረኣእዮ ጽቡቕ እዩ።

ክትግዕዝ እንተ ዄንካ ክትሓስበሉ ዘለካ ኣገደስቲ ነገራት እንታይ እዩ?