ድሕንነትካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 5 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ድሕንነትካ እዩ። ብዛዕባ ሓደጋታት ብኸመይ ከም እተወግድን ኣብ ከቢድ ህጹጽ ኵነታት ብኸመይ ስጕምቲ ከም እትወስድን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ሓደ ሰብ ንኻልእ በጥ ዝበለ ሰብ ናይ ልብን ሳንቡእን ህጹጽ ረዲኤት እንዳሃበ።

ብዛዕባ ድሕንነት ትራፊክ፡ ምሕምባስ ክትኽእል ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑን ቅልውላው እንተ ኣጋጢሙ ብኸመይ ክትዳሎ ከም እትኽእልን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ መሰል ናይ ህይወት፡ ናጽነትን ውልቃዊ ድሕንነትን ኣለዎ። ኵሉ ሰብ ዓመጽ፡ ገበንን ምሽጋርን ዘይብሉ ህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ። ንኣብነት ቈልዑ ብዛዕባ ኣብ ስድራ ቤት ዝፍጸም ዓመጽ ክጭነቑ የብሎምን፡ ደቂንስትዮ ንጾታዊ ዓመጽ ክጽመማ የብለንን ከምኡ’ውን ኣረጋውያ ዝምታን ስርቕን ከየጋጥሞም ክፈርሁ የብሎምን።

ሕብረተ ሰብ ሽወደን ንመብዛሕትኦም ሰባት ድሕንነት ዘለዎ እዩ። ግን ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ኣብዚ’ውን ገበን ይፍጸም እዩ። እንተዀነ ግን ዋላ ሓደ ሰብ ገበን ከም እተፈጸመ ንፖሊስ ንምሕባር ክፈርህ የብሉን። እቲ ብገበን ዝተጠርጠረ ሰብ ድማ፡ ኣብያተ ፍርዲ ነቲ ሰብ ቅድሚ ከም ገበነኛ ምፍራደን ልዑል መርትዖ ከም ዝሓታ ክፈልጥ ኣለዎ።

ገበን ብፖሊስ ጥራይ ኣይኮነን ደው ዝብል። ስድራ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ ስራሕ ቦታታት፡ ናይ ስፖርት ማሕበራትን ዓበይቲ የዕሩኽን እውን ክሕግዙ ኣለዎም።

ህጹጽ ኵነታት

ህጹጽ ሕክምና

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ብብርቱዕ እንተ ሓሚምኩም ወይ ብኸቢድ ተጐዲእኩም፡ ካብ ሓደ ናይ ህጹጹ ረድኤት መቐበሊ ሓገዝ ክትሓቱ ኣሎኩም። እቲ መቐበሊ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዝርከብ ኾይኑ ኵለን መዓልታት፡ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ክፉት እዩ።

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማቕ እንተ ኣለኹም ኾንኩምን ብቑልጡፍ ሓገዝ ዘድልየኩም ኾይኑን፡ ናብ ሓደ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒክ መቐበሊ ህጹጽ ረድኤት ክትከዱ ኣለኩም። ናበይ ከም ትኸይድ ንምፍላጥ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ንህይወት ሓደ ሰብ ዘስግእን ህጹጽ ኵነታትን እንተ ኾይኑ፡ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 112 ክትድውል ኣለካ። ሽዑ ቀልጢፍካ ሓገዝን ናብ ክሊኒክ ህጹጽ ረድኤት ተብጽሕ ኣምቡላንስን ክትረክብ ኢኻ።

ሓንቲ ብጫን ቀጠልያን ኣምቡላንስ።

112 ከምኡ’ውን 114 14

ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 112 ክትድውል ከለኻ፡ ምስ ኣምቡላንስ፡ ፖሊስን ኣገልግሎትን ህጹጽ ረድኤትን ክትራኸብ ኢኻ። 112 ጥራይ ኢኻ ትጥውቕ ወይ ትድውል፡ ካብኡ ዝበዝሕ ቍጽርታት ኣይኮንካን። ንኸምዚ ዝስዕብ ናብ 112 ደውል፦

  • ገበን ክፍጸም ትርኢ ኣለኻ።
  • ኣብዚ ዝሓለፈ ሓጺር ግዜ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሌኻ ገበን ፈጺሙ ኾይኑ።
  • ካብ ፖሊስ፡ ኣምቡላንስ ወይ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ሓገዝ የድልየካ ኣሎ ኾይኑ፣ ንኣብነት ሓደ ሰብ ከቢድ ጕድኣት እንተ ወሪድዎን ክንክን ዘድልዮ ኾይኑን።

ናብ 112 ክትድውል ከለኻ፡ ምሉእ ዓመት መዓልትን ለይትን፡ ኵሉ ግዜ ዝምልሰልካ ሰብ ኣሎ። እቶም ዝምልሱ ሽወደንኛን እንግሊዝኛን እዮም ዝዛረቡ። ተርጓሚ እውን ኣሎ። እቲ ዚምልሰካ ሰብ፡ ብዙሕ ዝሓተካ ሕቶታት ኣለዎ። እንታይ ከም ዘጋጠመን ዝተጐድኣ ሰብ እንተ’ሎ ኾይኑን ክትምልስ ኣለካ። ኣበይ ሓገዝ ከም ዘድሊ፡ መን ይድውል ከም ዘሎን ካበየናይ ቍጽሪ ትድውሉ ከም ዘለኻን ክትነግር ኣለካ። እቲ ዘድሊ ሓገዝ ናብቲ ልክዕ ቦታ ምእንቲ ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፉ ክመጽእ፡ ነቲ ዝቐርበልካ ሕቶታት ክትምልሶ ኣለካ።

እቲ ኵነታት ህጹጽ እንተ ዘይኮይኑ፡ ናብ ፖሊስ ክትድውለሎም እትኽእል ካልእ ቍጽሪ ተሌፎን ኣሎ።

ንኸምዚ ዝስዕብ ናብ 114 14 ደውል፦

  • ንእተፈጸመ ገበን ከተመልክት ደሊኻ።
  • ንፖሊስ ብዛዕባ ገበን ክትሕብር ደሊኻ።
  • ብዛዕባ ፓስፖርት ሓበሬታ ደሊኻ።
  • ኣድራሻታት ናይ መደበር ፖሊስ ደሊኻ።
  • ብዛዕባ ናይ መደበር ፖሊስ ናይ ስራሕ ሰዓታት ሓበሬታ ክትረክብ ደሊኻ።

ናብ ቍጽሪ ተሌፎን 114 14 ክትድውል ከለኻ፡ መልሲ እትህብ ማሺን እያ ክትቅበለካ። ስለምንታይ ትድውል ከም ዘለኻ መልእኽቲ ክትገድፍ ኣለካ። "ኣንሜላን" ማለት ምምልካት እንተ ኢልካ ምስ ሓደ ፖሊስ ክትዘራረብ ኢኻ። ቍጽሪ 114 14 ምሉእ ዓመት መዓልትን ለይትን ክፉት እዩ። እቶም ዝምልሱ ሽወደንኛን እንግሊዝኛን እዮም ዝዛረቡ። 114 14 ጥራይ ኢኻ ትጥውቕ ወይ ትድውል፡ ካብኡ ዝበዝሕ ቍጽርታት ኣይኮንካን።

ኣገልግሎት ድሕነት (Räddningstjänsten)

ኣገልግሎት ድሕነት፡ ብዙሕ ዕማማት ይዓምም። ንኣብነት ባርዕ ሓዊ የጥፍእ: ኣብ ትራፊክ ወይ ከኣ ኣብ ባሕሪ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ይረድእ። ኣገልግሎት ድሕነት፡ ባርዕ ሓዊ ኣብ ምክልኻል'ውን ይነጥፍ'ዩ። ንኣብነት መጠንቀቒ ባርዕ ሓዊ(ኣላርም) ከምኡ'ውን መጥፍኢ ሓዊ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ይሕብር። "ኣገልግሎት ድሕነት መጥፋእቲ ሓዊ" ተባሂሉ'ውን ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ዋንነቱ ድማ ናይቲ ኮምዩን'ዩ።

ባርዕ ምስ ዘጋጥም፡ እቲ ክትገብሮ ዘለካ ኣገዳሲ ነገር፡ 112 ምድዋል'ዩ! እንታይ ከም ዘጋጠመን እንታይ ዓይነት ዝረአ ጒድኣት ከም ዝወረደን፡ ረድኤት ዘድሊ እንተ ኾይኑን ንገር። እቲ ረዲአት ኣበይ ከም ዘድልን መን ምዃንካን'ውን ሓብር።

ኣብታ ቅድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት እቲ ህዝቢ ንፖሊስ ይኣምኖም'ዶ?

ሰባት ኣብ ሽወደን ንፖሊስ ዝኣምንዎም'ዶ ይመስለካ?

ምክልኻል ሓደጋታት

ቤት ንዓበይትን ንቘልዑን ንዅሎም ዘተኣማምንን ድሕንነት ዘለዎን ቦታ ክኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግን ኣብ ቤት እውን ከይተረፈ ብፍላይ ንቘልዑ ሓደጋታት ኣሎ። ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ንኣሽቱ ቘልዑ እንተ ኣልዮም ኮይኖም፡ ንቤትካ ንዕኦም ኣብ ሓደጋ ዘየውድቕ ክትገብሮ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ንመድሃኒት፡ ሳሙናን ኦሞን፡ ንኣሽቱ ባትሪታትን ካልእ ክምርዝን ክጐድእን ዝኽእል ነገራት ቈልዑ ከርክብዎ ኣብ ዘይክእሉ ቦታ ኣቐምጦ።

ቈልዑ ኵሉ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሓደጋ ከየስተብሃሉ ተሃንጥዮም ንኸባቢኦም ይድህስሱ።

ሓደ ባርዕ ኣዚዩ ቀልጢፉ ከስፋሕፍሕ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ክፍሊ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቒቕ ምሉእ ብምሉእ ክትቃጸል ትኽእል እያ። ሓዊ ከተጥፍእ ንኽትክእል፡ ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ነቲ ባርዕ ብግዜኡ ምርካቡ እዩ።

ዝነድድ ፈሳሲታትን ጋዝን ኣብ ቤትካ ጨሪሽካ ኣይተቐምጥ። ዝተወልዐ ሽምዓ ኣብ ዘይትርእዮ ቦታ ኣይትሕደግ።

መጠንቀቒ ባርዕ

መጠንቀቒ ባርዕ ትኪ ከም ዘሎ ዝሕብር መሳርሒ እዩ። ሓዊ ክነድድ ክጅምር ከሎ ከጠንቅቕካ ይኽእል እዩ። መጠንቀቒ ባርዕ ነፍስ ወከፍ ዓመት ህይወት ብዙሓት ሰባት የድሕን እዩ። መጠንቀቒ ባርዕ ኣብ ሰንቀ ክኸውን ኣለዎም። ከም ዝሰርሕ ንምርግጋጽ ኣብ ወወርሒ ነቲ መፈተኒ ዝጥወቕ ጠውቆ። እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ባርዕ ሓዊ ለይቲ እዩ ዝጅምር። ትኪ መሪዙ ከም ዘይትበራበር ክገብረካ ይኽእል እዩ። መጠንቀቒ ባርዕ ግን ዓው ኢላ ድምጺ ብምግባር ተበራብረካ።

ሓደ ጻዕዳ ዝሕብሩ መጠንቀቒ ባርዕ

መጥፍኢ ሓውን ኮቦርታ ሓውን

ብሓገዝ መጥፍኢ ሓውን ኮቦርታ ሓውን ንኣሽቱ ባርዕ ሓዊ ባዕልኻ ከተጥፍኦም ትኽእል ኢኻ። ብቐሊሉ ኣብ ትረኽቦም ቦታ ኣቐምጦም። ብኸመይ ጌርካ ከም እትጥቀመሎም ፍለጥ። ክነድድ ከሎ ብዛዕብኡ ንምሕሳብ ዝኸውን ግዜ የለን።

ሓደ ቀይሕ ዝሕብሩ መጥፍኢ ሓውን ሓደ ኮቦርታ ሓውን

ባርዕ ኣብ ምድጃ

ብዙሕ ባርዕ ሓዊ ኣብ ምድጃ እዩ ዝጅምር። ርእሲ ምድጃ ተወሊዑ ከም ዘሎ ብቐሊሉ ክትርስዖ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ድስቲ ወይ ባዴላ ክነድድ እንተ ጀሚሩ ነቲ ሓዊ ብመኽደኒ ወይ ኮበርታ ሓዊ ጌርካ ክትዕፍኖ ኣለካ። ዘይቲ ወይ ቅብኣት እንተ ኾይኑ ዝነድድ ዘሎ ኣብቲ ልዕሊ ድስቲ ወይ ባዴላ ማይ ኣይተፍስስ። ከምኡ እንተ ጌርካ ብዝያዳ ክነድድ ክጅምር እዩ።

ሓደ ሓላዊ ምድጃ (spisvakt)፡ ኣብቲ ምድጃ ባርዕ ከጋጥም ሓደጋ እንተ’ሎ ኾይኑ ንኤለክትሪክን ከትጥፍእ ዝኽእልን ድምጺ ዝገብርን መሳርሒ እዩ። ሓላዊ ምድጃ (spisvakt) ንኽትገጥም ካብቲ ዋና ገዛ ናይ ግድን ፍቓድ የድልየካ እዩ።

ባርዕ ሓዊ ምስ ዘጋጥም፡ ነዚ ዝስዕብ ግበር፦

  • ኣድሕን! – ኣብ ሓደጋ ዘሎ ህይወት ኣድሕን። ኣብ ንህይወትካ ዘስግእ ኲነታት ግን ኣይትእቶ። ትኪ መርዛም ምዃኑ ኣይትረስዕ። እንተጋጢሙ፡ ኣብ ምድሪቤት ፍሑኽ እናበልካ ውጻእ። መዓጹን መሳኹትን ዕጾ።
  • ኣጠንቅቕ! – ነቶም ኣብ ሓደጋ ሓዊ ዘለዉ ኣጠንቅቕ።
  • ኣስምዕ! (ኣጠንቅቕ!) – መጠንቀቒ ባርዕ ሓዊ እንተሎ ወልዕ ወይ ኣብ ዘተኣማምን ውሑስ ቦታ ዄንካ 112 ደውል። ኣገልግሎት ድሕነት ምስ መጹ ርኸቦም።
  • ሓዊ ኣጥፍእ! – መጥፍኢ ሓዊ እንተሎካ፡ ሓዊ ምጥፋእ ጀምር። መጥፍኢ ሓዊ ክትጥቀም እንከለኻ፡ ናብ ሃልሃልታ ሓዊ ዘይኮነስ ናብ ጓህሪ ኣቕኒዕካ ንጸግ።

ኣብ ሽወደን ዝዀነ ሰብ ብሓደጋ ትራፊክ ከይመውት ወይ ብኸቢድ ከይጕዳእ፡ ዝጸዓረሉ ሓደ ሸቶ ኣሎ። እዚ ሸቶ እዚ "Nollvisionen" "ዜሮ ራኢ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ምእንቲ ክዉን ክኸውን ግን ኵላትና ንሕግታት ትራፊክ ከነኽብርን ንኻልኦት ኣብ ትራፊክ ዘለዉ ክንሓልየሎምን ኣለና። ስለዚ'ዩ ካብቲ ኣብ መገዲ ዘሎ ፍቑድ ፍጥነት ንላዕሊ ብፍጥነት ክትዝውር ዘይፍቀደካ። ኣልኮላዊ መስተ ምስ ሰተኻ ማኪና ክትዝውር ኣይፍቀደልካን እዩ። ከምኡ'ውን ማኪና ክትዝውር እንተ ዄንካ ክትወስዶም ዘይተፈቕደልካ መድሃኒት ኣለዉ። ማኪና ክትዝውር ከለኻ ሞባይል ተሌፎንካ ክትጥቀም እውን ኣይፍቀደልካን እዩ።

ኣብ ሽወደን ኵሎም ብማኪና ዝጕዓዙ ኣብ ቅድሚትን ድሕሪትን ኮፍ መበሊ ዕጣቕ መንበር (ቍልፊ ድሕነት) ክጥቀሙ ኣሎዎም ዝብል ሕጊ ኣሎ። ካብ 135 ሰንቲ ሜተር ዝሓጽሩ ቈልዑ ብተወሳኺ ፍሉይ መከላኸሊ ናውቲ፡ መከላኸሊ ህጻን፣ ናይ ቈልዓ መንበር ናይ ማኪና ወይ ክብ መበሊ መንበር ክጥቀሙ ኣሎዎም።

ንህጻናት ዝኸውን ጸሊም ዝሕብሩ ኮፍ መበሊ ቈልዑ ኣብ መኪና።

ሰብ ብሽክለታን ኣጋርን

ንዓኻ ብብሽክለታ ትንቀሳቐስን ብእግርኻ ትኸይድን ዝምልከቱ ሕግታት ትራፊክ እውን ኣለዉ። ሓንቲ ብሽክለታ መብራህቲ፡ ነጸብራቕን ልጓምን ክህልዋ ኣለዋ። ኵሎም ትሕቲ 15 ዓመት ዕድሚኦም ናይ በሽክለታ መከላኸሊ ቆብዕ ክገብሩ ኣለዎም። ንሓደ ቘልዓ ኣብ ብሽክለታ ምሳኻ ጽዒንካዮ ክትከይድ እንተ ዄንካ እቲ ቘልዓ ናይ በሽክለታ መከላከሊ ቆብዕ እንተድኣ ዘይብሉ ኾይኑ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ። ብሽክለታ ብየማናይ ሸነኽ መገዲ ክትዝውር ኣለካ። ኣብ ናይ ኣጋር መገዲ ብሽክለታ ክትዝውር ኣይፍቀደካን እዩ።

መገዲ ኣጋር እንተ’ሎ ኾይኑ ብእግርኻ ክትከይድ ኣለካ። መገዲ ኣጋር እንተ ዘየልዩ ብጸጋማይ ሸነኽ መገዲ ክትከይድ ኣለካ። ጸልማት እንተ ኾይኑ ነጸብራቕ ተጠቐም።

ኣንንጸባርቒ ጅለን ዝለበሰን ኣብ ኣእጋሩ መንጸባረቒ ዘለዎ ሓደ ሰብ።

ፍቓድ መምርሒ ማኪናን መድሕንን

ማኪና ንኽትዝውር ኣብ ሽወደን ቅቡል ዝኾነ ፍቓድ መምርሒ ማኪና ክህልወካ ኣለዎ። ፍቓድ መምርሒ ማኪና ንኸተውጽእ፡ ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ኣሎካ። ናይ ወጻኢ ሃገር ፍቓድ መምርሒ ማኪና ተቐባልነት ክረክብ ይኽእል እዩ። ብዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን ነዚ መልሲ ክህበሉይኽእል እዩ።

ማኪና ትውንን እንተ ዄንካ፡ መድሕን ትራፊክ ክህልወካ ኣለዎ። ብዘይ መድሕን ማኪና ክትዝውር ኣይፍቀደካን እዩ።

ብዛዕባ ድሕንነት ኣብ ትራፊክ ዝገልጽ ፊልምታት

ኤን.ቲ. ኤፍ (NTF, ሃገራዊ ማሕበር ምትብባዕ ድሕንነት ኣብ ትራፊክ) ብዛዕባ ድሕንነት ኣብ ትራፊክ ብዙሓት ፊልምታት ኣዳልዩ ኣሎ። እዞ ፊልምታት ብቐሊል ሽወደንኛ ዝተዳለዉ እዮም።

ብድሕንነት ብሽክለታ ምዝዋር

ኣብ ጸልማት ከም ትርኣ ምግባር

ኣልኮላዊ መስተ ከይሰተካ ኣብ ትራፊክ ምህላው

ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት)፡ ንሓደ ደውታ ህርመት ልቢ ዘጋጠሞ ሰብ ህርመት ልብን ምስትንፋስን ንምጅማር ዝጥቀም እዩ። ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ምሃብ ቅድሚ ምጅማርካ እቲ ሰብ ሃለዋቱ ዝፈልጥን ዘስተንፍስን እንተ'ሎ ኾይኑ ኣረጋግጽ። እቲ ሰብ ሃለዋቱ ኣጥፊኡን ዘየስተንፍስን እንተ'ሎ ኾይኑ ናብ 112 ደዊልካ ድሕሪኡ ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ምሃብ ጀምር።. ኣብ 112 ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት). ብኸመይ ከም እትገብር ክመኽሩኻ ይኽእሉ እዮም።

ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ብኸምዚ ኣገባብ ይግበር፡ ነቲ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ዘሎ ሰብ ኣብ ኣፍልቡ 30 ግዜ ኣትሪካ ጽቐጦ፡ ድሕሪኡ 2 ሳዕ ኣየር ናብ ኣፉ ትነፍሕ። ክሳብ ኣምቡላንስ ትመጽእ ነዚ ደጋጊምካ ትገብሮ።

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ህርመት ልቢ ጀመርቲ መሳርሒታት ወይ ዲፊብሪለተር ተባሂለን እውን ዝጽወዓ ኣለዋ። ዲፊብሪለተር ነቲ ህይወት ዘይብሉ ኣካላት እንደገና ህርመት ልቢ ንምጅማር ንኣካላቱ ተዘዝታ ብኤለክትሪክ ዝህብ መሳርሒ እዩ። ዝኾነ ሰብ ዲፊብሪለተር ክጥቀም ይኽእል እዩ። ናይ ሕክምና ትምህርቲ ዘለኻ ምዃን ኣየድልየካን እዩ።

ኣስተብህል" እዚ ምኽሪ ንዓበይቲ ዝግበር ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ዝምልከት እዩ። ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ኣብ ቈልዑ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣይኮነን ዝግበር። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤት ምኽሪ ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ከምኡ'ውን ኣብ ዓበይትን ኣብ እተፈላለየ ኽሊ ዕድመ ንዝርከቡ ቈልዑ ብኸመይ ረድኤት ልብን ሳንቡእን (ቀዳማይ ረድኤት) ከም ዝግበር ዘቊ ፊልምታት ኣሎ።

ረድኤት ልብን ሳንቡእን ኣብ ምሃብ ተኣማንነት ምእንቲ ክስምዓካ፡ ልምምድ ክትገብር ኣለካ። ክትካፈሎ ትኽእል ኮርሳት ኣሎ። ኣብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤት ምኽሪ ረድኤት ልብን ሳንቡእን፡ ኣበይ እቲ ኮርስ ክትወስዶ ከም ትኽእል ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ክትሕምብስ ትኽእል እንተ ዄንካ ህይወትካን ህይወት ካልኦትን ከተድሕን ትኽእል ኢኻ። ግን ስለዚ ጥራይ ኣይኮነን ክትሕምብስ ምኽኣል ጽቡቕ ዝዀነ። ሽወደን ነዊሕ ገማግም ባሕርን ዳርጋ 100,000 ቀላያትን ኣለዋ። ብዙሕ ንጥፈታት ምሉእ ዓመት ኣብ ማይ እዩ ዝግበር። ኣብ ቈራሪ ወርሓት እቲ በረድ እኹል ረጒድ እንተ ኽይኑን ናይ በረድ ሸታሕታሕ እናበልካ ክትዛወር ትኽእል ኢኻ፣ ኣብ እዋን ክረምቲ ድማ ብዙሓት ብጃላቡ ይግጕዓዙን ይሕምብሱን።

ቈልዑ ብእተኻእሎም መጠን ቀልጢፎም ምሕምባስ ክመሃሩ ኣገዳሲ እዩ። ቈልዑ ኣብ 6ይ ክፍሊ ኣብ ዓይነት ትምህርቲ "ስፖርትን ጥዕናን" መሕለፊ ነጥቢ ንኽረኽቡ፡ 200 ሜተር ክሕምብሱ ካብቲ 200 ሜተር 50 ሜተር ብሕቖኦም ክሕንብሱ ኣለዎም።

ኣብ ሽወደን ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምሕንባስ ክኸዱ ልሙድ እዩ። እንተዀነ ግን ዓበይቲ እውን ሓምቢሶም ክኽእሉ ማዕረ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ መብዛሕትኣን ኮሙናት ንቘልዑን ንዓበይትን ዝኸውን ናይ መሓንበሲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣሎ።

ኣብ ጃልባ ዓበይትን ቈልዑን መንሳፈፊ ጃኬት ክኽደኑኣገዳሲ እዩ። ቈልዑ ኣብ ጥቓ ማይ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ወይ ኣብ ድልድል ኮይኖም ክጻወቱ ከለዉ መንሳፈፊ ጃኬት ክኽደኑን ኣለዎም።

እንተዀነ ግን ኣብ ቤት እውን ሓደጋታት ኣሎ። ንሓደ እግሪ ተኽሊ ሒደት ሰንቲ ሜተር ማይ ኣብ ባስካ ወይ ጋብላ መሓንበሲ ንኺጥሕል እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወትሩ ነቲ ህጻን ክትሕዞ ኣብ እትኽእለሉ ርሕቀት ሃሉ። ንስኻ ከም ዓቢ መጠን ኵሉ ግዜ ናይ ውላድካ ሓላፍነት ኣለካ። ቈልዓ ኣብ ጥቓ ማይ ክጻወት ከሎ ጨሪሽካ የዒንትኻ ካብኡ ኣይትፍለየን። ሓደጋ ምጥሓል ቅልጡፍን መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይ ድምጽን እዩ ዘጋጥም።

መንሳፈፊ ጃኬት እንተ ዘይብልካ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ኮሙንካ መንሳፈፊ ጃኬት ክትካረ ወይ ካብ ሓደ ማዕከን መንሳፈፊ ጃኬት (fltyvästdepå) ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ።

ኣበይን ብኸመይን እዩ ሓዊ ኣብ ግዳም ከተንድድ ዝፍቀደልካ?

ኣብ ደገ ሓዊ ምንዳድ ሓደገኛን ዘይሕጋውን ዝኾነሉ ኣበይ እዩ?

ናይ ካልእ ሃገር ፍቓድ መምርሒ ማኪና ኣለካ ድዩ? ኣየኖት ሕግታት ከም ዝምልከቱኻ ትፈልጥ'ዶ?

ኣብ ሽወደን ፍቓድ መምርሒ ማኪና ከተውጽእ ትደሊ'ዶ? ፍቓድ መምርሒ ማኪና ንምውጻእ እንታይ ክትገብር ኣለካ?

ኣብ ጥቓኻ ኣየኖት ኣብያተ ትምህርቲ ምሕንባስ ኣለዋ?

ክትሕምብስ እንተ ደሊኻ ብቐረባ ትረኽቦ ማይ ኣየናይ እዩ፦ ቀላይ፡ ባሕሪ ወይ መሓምበሲ ኣዳራሽ?

ሓደ ኣጥፋኢ ሓዊ ኣብ መንጎ ክልተ ማኻይን መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ሓደ መደበር መጥፍእ ሓዊ።

ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ስቱርዮተቦርይ

ኣብ እዋን ሓደጋ ወይ ባርዕ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ክሳብ ክንደይ ቀልጢፎም ይመጹ?

ክንድዚ ክትብል ዘጸግም እዩ። ርሕቐት ናይ ሓውን ሓደጋ ዝተርኽበሉን ቦታታን እተፈላለየ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ጽርግያታት ብዙሕ ትራፊክ ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ ቈራሪ ወርሓት ውርጭን በረድን ክህሉ ይኽእል እዩ። ብእተኻእለና መጠን ቀልጢፍና ክንበጽሕ ንጽዕር እኳ እንተ ኾንና፡ ኵሉ ግዜ ውሑስ ኣዘዋውርዝ ክንዝውር ኣለና።

እቲ መጸዋዕታ ናብቲ መደበር ባርዕ ምስ መጸ፡ እታ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ ማኪና ኣብ ውሽጢ 90 ካልኢት ካብቲ መደበር መጥፋእቲ ሓዊ ክትወጽእ ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ እዚ ክዳውንትና ተኸዲንና ኣብ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ ማኪና ንኽንኣቱ ከነርክብ ኣለና። ኮፍ ኢልና ንበልዕ፡ ኣካላዊ ምውስዋስ ንገብር ወይ ኣብ ዓይኒ-ምድሪ ንሃሉ ብዘየገድስ ኣብ ውሽጢ 90 ካልኢት ቅሩባት ክንከውን ኣለና።

መጥፍኢ ሓዊ ንኽትከውን እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ክትምሃር ኣለካ?

እቲ ትምህርቲ Skydd Mot Olyckor (ምክልኻል ሓደጋ) ይብሃል። እዚ ትምህርቲ ናይ 2 ዓመት ትምህርቲ ኮይኑ ኣብ ክልተ ቦታታት ኣብ ሽወደን ኣሎ፣ ኣብ ሳንድኦን ረቪንገን።

እቶም መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ጥቓ መደበር መጥፋእቲ ሓዊ ክነብሩ ኣለዎም ድዩ?

ኩነታት እዩ ዝውስኖ። ናይ ምሉእ ግዜ ከም መጥፍኢ ሓዊ ትሰርሕ እንተ ዄንካ ኣብ ጥቓ መደበር መጥፋእቲ ሓዊ ክትነብር ኣየድልየካን እዩ። መጥፋእቲ ሓዊ ብእብረ እዮም ዝሰርሑ። እዚ፡ መጥፋእቲ ሓዊ ኵሉ ግዜ ኣብ መደበር መጥፋእቲ ሓዊ ኣለዉ ማለት እዩ፣ ለይትን መዓልትን። ስለዚ ኣብ መደበር መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ዘይትሰርሓሉ መዓልትታት ምሉእ ብምሉእ ናጻ ኢኻ።

ከም ተጠባባቒ መጥፍኢ ሓዊ ዄንካ እውን ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ከም ተጠባባቒ ከለኻ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክትሰርሕ ክትጽውዕ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ብኡንብኡ ናብቲ መደበር መጥፋእቲ ሓዊ ኽትከይድ ኣለካ። ስለዚ ከም ተጠባባቒ መጥፍኢ ሓዊ ትሰርሕ እንተ ዄንካ ኣብ ጥቓ መደበር መጥፋእቲ ሓዊ ክትነብርን ክትሰርሕን ኣለካ።

ኣብ መዕቈሪ (ታንኪ) ናይታ መጥፍኢት ሓዊ ማኪና ማይ ጥራይ ድዩ ዘሎ?

መብዛሕትኡ ግዜ ማይ ጥራይ እዩ፡ ገሊኤን መጥፋእቲ ሓዊ ማኻይን ግን ዓፍራ ናብቲ ማይ ይሕውሳሉ ይኽእላ እየን። ንሓደ ሓደ ባርዕ ንምጥፋእ ኣድላዪ እዩ።

ኣብ ናይ ሰባት መንበሪ ኣባይቲ መጥፍኢ ሓውን መጠንቀቒ ባርዕ ክህሉ መን’ዩ ሓላፍነት ዘለዎ?

ብመሰረት ሕጊ መጠንቀቒ ባርዕ ኣብ ኵሉ ኣባይቲ ክህሉ ኣለዎ፣ ናይ ምግዛእን ምስቃሉን ሓላፍነት ዘለዋ ድማ እቲ ዋና ገዛ እዩ።
መጥፍኢ ሓዊ ንኽህሉ ለበዋ እዩ፣ እቲ ኣብቲ ገዛ ዝነብር ሰብ ድማ እዩ ናይ ምዕዳጉ ሓላፍነት ዘለዎ።

ድልውነት ንቕልውላው

ሽወደን ንልዕሊ 200 ዓመት ኣብ ውግእ ኣይተሳተፈትን። ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን ድሕሪ ደጊም ኣብዚ ፈጺሙ ውግእ ኣይኪህሉን እዩ ማለት ኣይኰነን። ንሓንቲ ሃገር ከጥቅዓ ዝኽእል ካልእ ቅልውላው እውን ኣሎ።

ኣብ ቡምባ ማይ እንተ ዘይህሉን ኣብ ድኳናት ምግቢ እንተ ዝውዳእን እንታይ ምገበርካ? ወይ ኤለክትሪክ ምዕያይ እንተ ዘቋርጹ? ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ተዳሊኻ ዲኻ? ንሒደት መዓልትታት ብዘይ ኤለክትሪክን ማይን ንበይንኻ ኣብ ቤትካ ንኽትክእሎ እንታይ ክትገብር ከም ዘድልየካ ሕሰብ። ኵሉ ዘድልየካ ኣለካ'ዶ ወይስ ገለ ነገር ክትዕድግ ኣለካ?

ኣብ ሕብረተሰብ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ምስ ዘጋጥም ብዙሕ ሓበሬታ ይዝርጋሕ እዩ። እንተዀነ ግን ኵሉ እቲ ሓበሬታ ሓቂ ኣይኰነን። ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክዝርግሑ ዝደልዩ ሰባት ኣለዉ። ነቲ ሓበሬታ ዝልእኽ መን ምዃኑን ነቲ ለኣኺ ክትኣምኖ ትኽእል እንተ ዄንካን ኣስተብህል። ዘተኣማምና ምንጭታት ዜና፡ ንኣብነት እተን ዓበይቲ ጋዜጣታት፡ ረድዮ ሽወደን፡ ተለቪዥን ሽወደንን መርበብ ሓበሬታ krisinformation.se እየን።

ቅድሚ ቅልውላው ወይ ውግእ ብኸመይ ከም እትዳሎ ብዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ናብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ብዓል መዚ ምክልኻል ሕብረተሰብን ምድላውን (Myndigheten för samhällsskydd och beredskap) ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ቅልውላው ወይ ውግእ እንተ መጺኡ (Om krisen eller kriget kommer) ትብል ብሮሹር እውን ኣላ። ብእተፈላለዩ ብዙሕ ቋንቋታት ተዳልያ ኣላ፡ ብናጻ ድማ ናብ ቤትካ ኽትልኣኸልካ ክትእዝዛ ትኽእል ኢኻ።

ንምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምቍራጽ ሙቐትን ተዳሎ።

ኣብ ሽወደን ንነዊሕ ግዜ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ምቁራጽ ሙቐትን ዘይልሙድ እኳ እንተ ኾነ ተዳሊኻሉ ምጽናሕ ግን የድልየካ እዩ። ኣብቲ ቈራርን ጸልማትን ዝኾነሉ እዋን ሓጋይ ብፍላይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዓቢ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን መብራህትን ኤልክትሮኒካዊ መሳርሒታት ኣብ ቤትን ጥራይ ኣይኮነን ዝጽሎ። ሓደ ሓደ ግዜ ሙቐት፡ ማይ፡ ተሌፎንን መኽፈሊ ስርዓትን እውን ይጽለዉ እዮም። ስለ’ዚ ገና ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከይጠፍኣ ከሎ ክትዳሎ ጽቡቕ እዩ።

ኣብ ቤትካ ክህልዉኻ ጽቡቕ ዝኾኑ ሒደት ነገራት ኣለዉ፡ ንኣብነት፦

  • ላምባዲና ኢድ
  • ባተሪ
  • ሽምዓ
  • ክርቢት ወይ መወልዒ
  • ማይ ዝሓዘ ጀሪካን
  • ሙቐት ከም እትረክብ ዝገብሩኻ ንኣብነት ከም መደቀሲ ኸረጺት (sovsäck)፡ ኮቦርታታት፡ መደቀሲ ምንጻፍን ምዉቕ ክዳውንትን ዝኣመሰሉ ነገራት
  • ኣብ መዝሓሊ ወይ መብረዲ ምቕማጥ ዘየድልዮ ከምኡ’ውን ከም ዘለዎ ክትበልዖ ትኽእል ወይ ብዘይ ማይ ክትክሽኖ ትኽእል መግቢ ንኣብነት ዕሹግ መግቢ
  • መጸራረዪ ነገራት ንኣብነት ከም ርጡብ ወረቐት (våtservetter)፡ ናይ ኢድ ኣልኮሆል፡ ጨርቂ ሽንቲ (blöjor)፡ ከምኡ’ውን መሸፈኒ ወርሓዊ ጽግያት
  • ኣብ ገዛ ትሕዞ መድሃኒት ንኣብነት ናውቲ መጀመርታ ረድኤት፡ ኣድለይቲ መድሃኒታትን መዐቀን ረስኒ ተርሞሜተርን
  • ብባተሪ ትሰርሕ ራድዮ፡ ብመጥወዪ መሊእካ ትሰርሕ ራድዮ፡ ሶላር ራድዮ
  • ጥረ ገንዘብ
  • ናይ ሞባይል ተሌፎን ፓወር ባንክ
  • ዝርዝር ኣገደስቲ ቍጽሪ ተሌፎናት ናይ ስድራ ቤት፡ ጐረባብቲ፡ ሆስፒታል፡ ኮሙን፡ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤትን ኣቕረብቲ ሓይሊ ኤለክትሪክን
  • ተንቀሳቓሲ ክሽነን ነዳድን (እንተ ተኻኢሉ ኣብ ደገ ተጠቀመሉ)
  • ፋኑስን ነዳድን፡ ንኣብነት ናይ ፋኑስ ዘይቲ ወይ ላምባ። ጽቡቕ ንፋስ ምእታው ኣይትረስዕ።
  • ካልእ ኣማራጺ ናይ ሙቐት ምንጪ ንኣብነት ብላምባ ወይ ንኣብነት ብላምባ ወይ ጋዝ (ብኤል. ፒ. ጂ.) ዝሰርሕ

113 13

113 13 ናይ ሽወደን ሃገራዊ ቍጽሪ ስልኪ ናይ ሓበሬታ እዩ። ብዛዕባ ቅልውላው ንኣብነት ብዛዕባ ቅልውላው ጸዓት፡ ዓበይቲ ህቦብላታት፡ ምዕልቕላቓት ወይ ላበዳ ሕማማት ሓበሬታ ምስ እትደሊ ናብ 113 13 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ከበድቲ ሓደጋታት ንኣብነት ዓበይቲ ሓደጋታት ትራፊክ ወይ ባርዕ ሓዊ እውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ።