ናይ ስድራን ቈልዑን ንጥፈታት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 16 1 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ናይ ስድራ ቤትን ናይ ቈልዑ ንጥፈታትን እዩ።

ብዛዕባ ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ናጻ ግዜን ብዛዕባ ንባህሊ ስፖርትን ማሕበራዊ ሂወትን ዝኸውን እንታይ ዓይነት ዕድላት ከም ዘሎ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ኣባል ናየና ማሕበር ክትከውን ከም ትደሊ እውን ክትሓስ ክትክእል ኢኻ።

ብዛዕባ ክፉት መውዓሊ ህጻናትን ካልኦት ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ንዘለዉ ዝኸውን ንጥፈታትን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ኣብ ስነ-ጥበብ፡ ሙዚቃ፡ ትያትር፡ ሳዕስዒት፡ ፊልም፡ ስነ-ጽሑፍን ስነ-ፍልጠትን ክሳተፍ መሰል ኣለዎ። ባዕልኻ ባህሊ ከተተግብርንን ስነ-ጥበብ ክትፈጥርን እውን መሰል ኣለካ። ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ኣየናይ ክፋል ባህሊ ክሳተፉ ከም ዝደልዩ ባዕሎም ክውስኑ መሰል ኣለዎም።

ቈልዑ ንዕድመ እቲ ቈልዓ ዝበቅዕ ንጡፍ ናጻ ግዜ፡ ምጽዋትን ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታትን መሰል ኣለዎም። ቈልዑ እውን ባህሊ ናይ ምክፋልን ባህሊ ናይ ምትግባርን ስነ-ጥበብ ናይ ምፍጣር መሰል ኣለዎም።

ስንክልና ዘለዎም ሰባት ምስ ካልኦት ሰባት ብማዕረ ኵነት ኣብ ባህላዊ ህይወት ክካፈሉን ባህሊ ከተግብሩን ክኽእሉ ኣለዎም። ሽወደን ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ብዛዕባ መሰላት ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ፈሪማትሉ እያ።

ንጥፈታት ኣብ ዕረፍቲ ንዝርከቡ ወለዲ

ንዓኻ ኣብ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ዘሎኻ ኣብ ናይ ዕረፍትኻ ግዜ ምስ ካልኦት ኣብ ዕረፍቲ ዘለዉ ክትራኸብ እንተ ደሊኻ ክትገብሮ ትኽእል ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣሎ።

ክፉት መውዓሊ ህጻናት ንስኻ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ተራኺብካ ክትዘነጋዓሉ እትኽእልን እቶም ቈልዑ ምስ ካልኦት ቈልዑ ብሓባር ንኽጻወቱ ዕድል ክረኽብሉ ዝኽእሉን መራኸቢ ቦታ እዩ። ኵሉ ሰብ ናብኡ ክኸይድ ብሓጐስ ቅቡል እዩ፣ ኣቐዲምካ ምምልካት ኣየድልየካን እዩ፣ ዝኾነ ዝኽፈል እውን የብሉን። ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ኣብኡ ሽወደንኛ ንኽትምሃር ሓገዝ ናይ ምርካብ ዕድል ዝህባ ብፍላይ ናብ ሓደሽቲ መጻእቲ ወለዲ ዘድሃባ ክፉታት መውዓሊ ህጻናት ኣሎዋ። ክፉታት መውዓሊ ህጻናት ብኮሙን እየን ዝካየዳ ግን ብኣብያተ ክርስትያናትን ማሕበራትን እውን ክካየዳ ይኽእላ እየን።

ካልኦት ንጥፈታት ናይ ህጻውንቲ ርክብ (babyträffar)፣ ኣብ ቤት ንባብ፣ ናይ ወለዲ ካፈታት (föräldracaféer)፣ ናይ ህጻውንቲ ረምታ (barnrytmik) ናይ ህጻውንቲ ምሕምባስን (babysim) ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሓደ ሓደ ማእከል ድኳናትን ዓበይቲ መሸጣ ቤትን ናይ ስድራን መጥበዊ ክፍልን ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብኡ ኮፍ ኢልኪ ከተጥዊ፣ ፓምፐር ክትልውጢን ኣብ ህዱእ ቦታ ኴንኪ ናይቲ ህጻን መግቢ ከተሙቕን ዕድል ኣሎ።

ሽወደንኛ ምስ ቆልዓ

ብመገዲ 'ሽወደንኛ ምስ ቆልዓ'፡ ካልኦት ወለዲ ክትረኽቡን ሽወደንኛ ክትለማመዱን ትኽእሉ ኢኹም።

ነቶም ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ዘለዉ ዝኸውን ንጥፈታት ምህላዉ ስለምንታይ እዩ ጽቡቕ ኢልካ ትሓስብ?

ናይ ቈልዑን መንእሰያትን ናጻ ግዜ

ቈልዑ ንኽጻወቱ፣ ከዕርፉን ነጻ ግዜ ክህልዎምን መሰል ኣሎዎም። ሓደ ጠቕሚ ዘሎዎ ናይ ነጻ ግዜ ንጥፈት ኣብቲ ምዕባለ ናይቲ ቈልዓ ሓገዝ ክኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኦም ቈልዑ ኣብ ነጻ ግዜኦም ምስ የዕርኽቶም ክኾኑ ይፈትዉ። ኢንተርነት ክጥቀሙ፣ ተለቪዥን ክርእዩን ሙዚቃ ክሰምዑን ንቡር እዩ። ብዙሓት ብዝያዳ ዝተወደበ ንጥፈታት ይገብሩ።

​ስፖርት

መብዛሕትኦም ቈልዑ ኣብ ሽወደን ኣብ ግዜ ቍልዕነቶም ኣባላት ናይ ገለ ስፖርታውያን ማሕበራት ይኾኑ። ዳርጋ ማዕረ ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ንጡፋት እየን። ናይ ስፖርት ማሕበራት ኣብ ኵሉ ክሊ ዕደም ንዝርከቡ ሰባት ልሙዳት እየን፡ ኾይኑ ግን እቶም ዝበዝሑ ኣብ ስፖርት ዝነጥፉ ቈልዑ ኣብ ክሊ ዕድመ 10-12 ይርከቡ። እቶም ልሙዳት ስፖርት ኵዕሶ እግሪ፣ ምውጣሕ ፈረስ፣ ኢነባንድይ፣ ተኒስ፣ ስፖርት ምሕንባስ፣ ቃርሳ፣ ጂምናስቲክ፣ ኵዕሶ ኢድ፣ ኵዕሶ ሰክዔትን ኣትለቲክስን እዮም።

ናይ ሽወደን ስፖርት ሓደ ዓይነት ደሞክራስያዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ኣብ ሓደ ማሕበር ማሕበርተኛ ብምኳንን እቶም ኣባላት ናይ ማሕበርተኛ ክፍሊት ብምኽፋልን ይቐውም። ኣብ ናይ ሽወደን ስፖርት መብዛሕትኦም መራሕቲ (ኣሰልጠንቲ)፡ ናይቶም ኣባላት ቈልዑ ወለዲ እዮም። እቶም መብዛሕትኦም ኣሰልጠንቲ ብዘይ ደሞዝ ይሰርሑ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ናይ'ቲ ቈልዓ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝተተሓሓዘ ዝግበር ንጥፈታት ወለዲ ክሕግዙ ትጽቢት ኣሎ።

ኣብ ገሊኡ ኮሙናት ቈልዑ ናይ ስፖርትን ናይ ናጻ ግዜን መሳሪሒታት ብናጻ ክልቃሕሉ ዝኽእሉ ናይ ናጻ ግዜ ባንክ (fritidsbank) ኣሎ።

​ባህሊ

ቤት ትምህርቲ ባህሊ

ቤት ትምህርቲ ባህሊ ቈልዑን መንእሰያትን ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ ስነ-ጥበባውን ባህላውን ንጥፈታት ንኽሳተፉ ዕድል ይህብ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ባህሊ ቈልዑ ካልእ ገዲፍካ መሳርሒ ሙዚቃ፡ ምድራፍ፡ ምስዕሳዕ፡ ምውሳእ ይምሃሩን ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነት ስነ-ጥበብ ይዋስኡን።

ቤት ንባብ

ቤት ንባብ ንዅሉ ሰብ እዩ። ኣብያተ ንባብ መብዛሕትኡ ግዜ ንቈልዑን መንእሰያትን ዝተፈላለየ ንጥፈታት፣ ጸወታታትን መዘናግዕን ኣሎዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ኢንተርነት ክትጥቀመለን ትኽእል ኮምፕዩተራት ከምኡ'ውን ፊልምታት፣ ጸወታን ናይ ድምጺ መጻሕፍትን ክትልቃሕ ይከኣል።

መዓልታዊ ምንባብ ንናይቲ ቈልዓ ቃላዊ ብቕዓት፣ ናይ ትምህርቲ ድሉውነትን ውጽኢት ትምህርትን ይጸልዎ እዩ። ጽውጽዋይ ምንጋር ንናይቲ ቈልዓ ማህደረ-ቓላት ይውስኾ፣ ዘንብቦ ንኽርድኦ ይሕግዞን ሓሳባቱ ንኽገልጽ ዓቕሙ የማዕብሎን።

​ኢንተርነት

ቈልዑ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ምጥቃም ኢንተርነት ክጅምሩ ንቡር እዩ።

ናእሽቱ ቈልዑ ብዙሕ ግዜ ሓጸርቲ ፊልምታት ይርእዩ እዮም። እቶም ቈልዑ እንዳ ዓበዩ ክኸዱ ከለዉ፡ ክሳብ 10 ዓመቶም፡ ምጽዋት ይዛይድ። ድሕሪኡ ተገዳስነት ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይዛይድ።

ማእከል መዘናግዒ መንእሰያት

ኣብ ማእከል መዘናግዒ መንእሰያት ብሰራሕተኛታት ናይ ነጻ ግዜ መራሕቲ ዝምራሕ ንጥፈታት ኣሎ። ኣብኡ ቈልዑ ካብ ናይ ቤት ትምህርቲ ግዜ ወጻኢ ክራኸቡ ይኽእሉ። ንጥፈታት፣ ውራያት፣ ምሸታዊ ቴማታትን ናይ ጕጅለ ንጥፈታትን ካብ ናይ እቶም መንእሰያት ምንዮትን ድልየትን ተበጊሱ ይስራዕን ይምደብን።

​ማሕበራዊ ሂወት

ኣብ ሽወደን ንቈልዑን ዓበይትን ዝኾና ማሕበራት ዘሎዎ ሓደ ሓያል ማሕበራዊ ሂወት ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ብዙሓት ማሕበራት ክለባት ኣለዋ። ንዅሉ ዓይነት ተገዳስነት ዝኾና ማሕበራት ኣሎዋ። ናይ ፖርት ክለባት፡ ናይ ፊልም ክለባት፡ ናይ ትያትር ጕጅለታት፡ ናይ ጸወታ ማሕበራት፡ ጕጅለታት ስካውት፡ ናይ ዓሌት ማሕበራት፡ ናይ ኣብ ግዳም ዝግበር ንጥፈታት ማሕበራት፡ ናይ ስእሊ ምልዓል ማሕበራትን ካልኦት ብዙሓትን ኣሎዋ። ኣባል ናይ ሓንቲ ማሕበር ብሙዃን ነቲ ደስ ዝብለካ ነገር ትገብር። ከምኡ'ውን ኣብኡ ተነሳሳሊ ገዳስነት ዘለዎም ካልኦት ሰባት ትፋለጥ።

ንደቅኻ ዘገድሶም ንጥፈታት ንኽረኽቡ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል?

ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ኣየኖት ማሕበራት ኣለዋ?

ኣባል ሓንቲ ማሕበር ክትከውን ምደለኻ'ዶ? ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ምሰየነይቲ ማሕበር?