ሰባት ብኸመይ ይነብሩ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 1 2024

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ሰባት ኣብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዝነብሩ እዩ። እተፈላለየ መገድታት ናይ ምንባር ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ክፍሊ፡ ኣብ ሓደ ብዙሕ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ዝርከብ ናይ ክራይ ኣፓርተማ ወይ ኣብ ትውንኖ ገዛ ክትነብር ትኽእል ኢካ።

ብዛዕባ እተፈላለየ መገድታት ናይ ምንባርን ብኸመይ መንበሪ ከም እትረክብን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ሕጽረት ኣባይትን ቤት-ኣልቦነትን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ መሰል ናይ መንበሪ ምህላው ኣለዎ። መሰል ናይ መንበሪ ኣለካ ማለት ኣብ ገሊኡ መንበሪ እንተ ዘይብልካ ኴንካ ሓደ ዓይነት መንበሪ ንኽትረክብሃገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ሓደ ኮሙን ንተቐማጦ እቲ ኮሙን መንበሪ ከም ዝህሉ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ።

ክትግዕዝን ኣበይ ኣብ ሽወደን ከም ትነብር ክትመርጽን እውን መሰል ኣለካ።

ኣብ ሽወደን ምንባር

ሽወደን ኣብ ሰሜን ኣውሮጳ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ሓውሲ ደሴት ስካንዲናቭያ ትርከብ። እቲ ንሽወደን፡ ደንማርክ፡ ኖርወይ፡ ኣይስላንድን ፊንላንድን ዘጠቓልል ዞባ ኖርዲክ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሽወደን ዓባይን ነዋሕን ሃገር እያ። ሽወደን ኣብ ሰለስተ ክፋላት ትምቀል፦ ዮታላንድ ኣብ ደቡብ፡ ስቨያላንድ ኣብ ማእከላይ ከምኡ ድማ ኖርላንድ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይዛ ሃገር ይርከብ። ከምኡ'ውን ሽወደን ኣብ 25 ክፍለ ሃገራት፡ 21 ዞባታትን 290 ኮሙናትን ዝተኸፍለት እያ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሽወደን ኣስታት ዓሰርተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ይነብሩ ኣለዉ። ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ኣብተን ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታትን ከባቢኣንን ይነብሩ፦ ስቶኮልም፡ ዮተቦርይን ማልመን። ስቶኮልም ርእሲ ከተማ ናይ ሽወደን እያ።

ተፈጥሮኣዊ ቅርጺ ናይ ሰሜንን ደቡብን ሽወደን፡ ካብ ነንሕድሕዱ ዝተፈላለየ እዩ። ሰሜን ሽወደን፡ ኣኽራን፡ ዱርን ቀላያትን ዝበዝሖ እዩ። ዝበዝሑ ወሓይዝ ሰሜን ሽወደን፡ ሃይድሮ-ኤለክትሪካዊ ጸዓት ንምምንጫው የገልግሉ። ኣብ ማእከላይ ሽወደን፡ ብዙሕ ጫካታት ኣሎ። ኣብ ደቡብ ሽወደን ብዙሕ ናይ ሕርሻ ቦታን ጥጡሕ ሜዳን ኣሎ። ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን ገማግም ባሕሪ፡ ብዙሓት ደሴታትን ነዋሕቲ ገማግምን ኣሎዉ። እተን ዝዓበያ ደሴታት፡ ኦላንድን ዮትላንድን ኮይነን ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ፡ ካብ ስቶክሆልም ንደቡብ ይርከባ። ናይ ሽወደን ዝዓበየ እምባ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝርከብ "ከብነካይሰ" ተባሂሉ ዝፍለጥ 2099 ሜተር ዝንውሓቱ እምባ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዝግበር ጕዕዞ

ሽወደን ብፍላይ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ዝነብሩሉ ከባቢ ብዙሓት ጽርግያን ሓዲድ መገዲ ባቡርን ኣለዋ። እቲ ዝበዝሓ መገዲ ባቡር ኣብ ከባቢ ስቶኮልም፡ ዮተቦርይን ደቡባዊ ሽወደንን ይርከብ። ኣብ ሰሜን ሽወደን ብኣውቶቡስ ወይ ብመኪናኻ ምጕዓዝ ብዝያዳ ልሙድ እዩ። ናብ ርሑቕ ቦታ ናይ'ዚ ሃገር ንዝገይሽ፡ ነፋሪት ክወስድ ይኽእል እዩ። ኣብ መብዛሕትአን ዓበይቲ ከተማታት መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎ።

ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ንኹሉ ዘገልግል ሓባራዊ መጎዓዝያ ኣሎ።

ንኣብነት ኣውቶቡሳት፡ ናይ ከተማ ባቡራት፡ ናይ ጋለርያ ባቡራት ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ እተፈላለየ መነሃርያታት ከተማ ዚመላለሳ መሰጋገርቲ ወይ ኣብ መንጎ ከተማታትን ገጠራትን ዚመላለሳ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ኪኾና ይኽእላ። ኣብ መንጎ ገለ ከተማታት ናይ ውሽጢ ሃገር ነፈርቲውን ኣለዋ። ካብቲ ቀንዲ መሬት ሽወደን ናብ ጎትላንድ ዘመላልሳ መርከባት ኣለዋ።

ብሓባር ንምጕዓዝ ቲከት ክትዕድግ የድሊ።

ዝተፈላለየ ኣገባባት መቐመጢ

ኣብ ሽወደን ብዝተፍአለየ ኣገባብ ክትነብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኣፓርትማ ክትካረ ወይ ክትገዝእ ትኽእል። ሓደ ገዛ ክትካረ ወይ ክትገዝእ ትኽእል። ኣብዚ ሓበሬታ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ኣገባብ ምንባር ትረክብ።

ዝተዓሸጋ መካይንን ከምኡ ድማ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘለዎም ነዋሕትን ሓጸርትን መንበሪ ህንጻታትን ዘለዎ ጐደና ናይ ሓደ ከተማ።

ስእሊ፡ ሚሳክ ናልባንድያን

ኣብ መላእ ናይ ሽወደን ኮምዩናት ዝካረ ኣፓርትመንት እትደልየሉ ናይቲ ከባቢ ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣሎ። እተን ትካላት ናይ ሓደ ሰብ ወይ ናይ ኮምዩን እየን። ብኮምዩን ዚውነነ ትካል ክራይ ኣባይቲ ህዝባዊ ትካል ኣባይቲ ይብሃል። ኣብ መሰል ተኻራያይ ዝሕለወሉ ቤት ምስ እትቕመጥ ከም ተኻራዪ ኢኻ እትፍለጥ። ነቲ ኣፓርትማ ካብቲ ኣካራዪ ትካረዮ (ትልቅሖ) ኢኻ ዘሎኻ፡ ማለት ካብቲ ነቲ ገዛ ዚውንን ትካል።

ሓደ ሓደ ኣካረይቲ ገዛውቲ ኣፓርተማ ከካርዩ ከለዉ ትሕጃ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። ትሕጃ ኣብቲ ናይ ክራይ እዋን ከም ውሕስነት ንዋና ገዛኻ ትህቦ ገንዘብ እዩ። ካብቲ ገዛ ክትግዕዝ ከለኻ ገንዘብካ ይምለሰካ እዩ። ነቲ ኣፓርታማ እንተ ኣበላሽኻዮ ወይ ክትወጽእ ከለኻ እንተ ዘይኣጽሪኻዮ፡ እቲ ዋና ነቲ ገንዘብ ክሕዞ መሰል ኣለዎ።

ኣፓርተማ ክትካረ ከለኻ ኣብ ወወርሒ ክራይ ገዛ ክትከፍል ኣለካ።

ኮምዶሚንዩም ኪብሃል ከሎ ዚካረ ገዛ ኾይኑ እትኸፍሎ ግዴታታት ዘለዎ እዩ። ካብቲ ነቲ ገዛ ዚውንኖ ማሕበር፡ ብርኪ ምግዛእ ማለት እዩ። ሽዑ ናይቲ ማሕበር ኣባል ትኸውን ነቲ ገዛ ድማ ትጥቀመሉ።

ኣብቲ ኮንዶሚንዩም ክትቅመጥ ከሎኻ ነቲ ማሕበር ነፍስወከፍ ወርሒ ኢኻ እትኸፍሎ። ነዚ ንኽትከፍል ካብ ባንካ ተለቂሕካ እንተ ኾንካ ነቲ ባንካ ወለድን ግዴታን ክትከፍል ይግበኣካ።

ኣብ ኮምዩናት ኣየናይ ገዛ ከም ዚሽየጥ ዚሕብሩ ናይቲ ከባቢ ወኪላት ክራይ ኣባይትን ትካላት ክራይ ኣባይትን ኣለዉ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩናት ናይ መርበብ ገጻት እንታይ ዞባውያን ትካላት ከም ዘለዉ ክትረክብ ትኽእል። ኣብ ኢንተርነት ኣቲኻውን ባዕልኻ ዝሽየጥ ኮንዶሚንዩም ክትደሊ ትኽእል።

ኣብ ሽወደን ገዛ ክትዕድግን ክትካረን ይከኣል። ገዛ ክትዕድግ ምስ እትደሊ እቲ ዋጋ ኣብ መንጎ ዓበይቲ ከተማታትን ነኣሽቱን ከምኡውን ገጠራትን ይፈላለ እዩ። ኣብቲ ኮምዩናት ናይቲ ከባቢ ኣየናይ ገዛ ከም ዝሽየጥ ዚሕብሩ ወኪላት ክራይ ኣባይን ኣከፋፈልትን ኣለዉ። ጥርሑ መሬት ገዚእካውን ኣብኡ ናይ ውልቂ ገዛ ክትሰርሕ ይከኣል እዩ።

ኣብ ሃገር ሽወደን ብሰከንድሃንድ ምክራይ ልሙድ እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ካብ ሓደ ቀዳማይ ኮንትራት ዘለዎ ሰብ ገዛ ትካረ ማለት እዩ። ካብቶም ኣብ ኮንዶሚንዩም ዘለዉ ወይ ድማ ናይ ባዕሎም ገዛ ዘለዎም ክትካረ ትኽእል።

ብሰከንድሃንድ ገዛ ክትካረ ምስ እትደሊ፡ እቲ ኣካራዪ ፍቓደኛ ምዃኑ ከተረጋግጽ ይግባኣካ።

ብሰከንድሃንድ ገዛ ክትካረ ከሎኻ ኮንትራት ምጽሓፍ ኣይትረስዕ። ከምኡ ምስ ዘይትገብር እቲ ቀዳማይ ኮንትራት ዝገበረ ነቲ ገዛ ምስ ዚደልዮ፡ ከውጽኣካ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ኮንትራት ምጽሓፍካ፡ ሰከንድሃንድ ክትካረ ከሎኻ እንታይ መሰላት ከም ዘሎካ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ብኻልኣይ ኢድ ክትካረ ከለኻ ብዙሕ ክራይ ገዛ ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ። እቲ ክራይ ገዛ ርትዓዊ ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ክበሃል ከሎ እቲ ክራይ ገዛ ክሳዕ ክንደይ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ዝሕብር ሕግታት ኣሎ ማለት እዩ። ክራይ ናይ ሓደ ኣፓርተማ ምስ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ተመሳሳሊ ኣፓርታማታት ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝለዓለ እንተ ኾይኑ፡ እቲ ክራይ ገዛ ኣዝዩ ዘይርትዓዊ ልዑል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብዙሕ ክራይ ገዛ ትኸፍል ከም ዘለኻ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ነቲ ዋና ገዛ ክትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ክራይ ገዛ እንተ ዘይተሰማሚዕኩም፡ ምስ ቤት ፍርዲ ክራይ ኣባይቲ (Hyresnämnden) ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ እቲ ቤት ፍርዲ ክራይ ኣባይቲ ንኣፓርታማኻ ርትዓዊ ክራይ ገዛ ክንደይ ምዃኑ ይግምግም።

ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ኣፓርትማ ወይ ገዛ እውን ተኻሪኻ ክትቅመጥ ይከኣል እዩ። ከምዚ ማለት ንስኻ ምስ ሓደ ኮንትራት ዘለዎ ወይ ነቲ ገዛ ዝውንኖ ሰብ ኢኻ ትቕመጥ ዘሎኻ ማለት እዩ። እዚ ድማ ጽግዕተኝነት ይብሃል። ጽግዕተኛ እንተ ኾንካውን ኮንትራት ምግባር ከድልየካ እዩ። ስለዚ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ኣፓርትማ ወይ ገዛ ተኻሪኻ ክትቅመጥ ከሎኻ ኮንትራት ምጽሓፍ ኣይትረስዕ።

ሓደ ናይ ሓባር መንበሪ፡ ብዙሓት ብሓባር ዝነብሩ ሰባት ዘለውዎ ቦታ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣብቲ ናይ ሓባር መንበሪ ዝነብሩ ሰባት ንእተወሰነ ነገራት ብሓባር እዮም ዝጥቀምሉ። ሓደ ናይ ሓባር መንበሪ ብእተፈላለየ መገዲ ክዳሎ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ገዛእ ርእስኻ ክፍሊ እኳ እንተሎካ ንኣብነት ክሽነን ዓይኒ ምድሪን ግን ምስቶም ካልኦት ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ብሓባር ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ማሕበራዊ ውዕል ክራይ ገዛ ነቶም ናይ ገዛእ ርእሶም መንበሪ ከዳልዉ ዘይክእሉ ሰባት ዝኸውን መፍትሒ መንበሪ እዩ። ንሓደስቲ ስደተኛታት ወይ ዕዳ ንዘለዎም ስድራ ቤታት ግዝያዊ መንበሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ወልፊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጸገም ንዘለዎ ሰብ ከም መለማመዲ ኣፓርታማ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ማሕበራዊ ውዕል ክራይ ገዛ ከዳሉ ዝኽእል እቲ ትነብረሉ ኮሙን እዩ። ማሕበራዊ ውዕል ክራይ ገዛ ንኽፍቀደካ እተወሰነ ጠለባት ከተማልእ የድልየካ እዩ። እቲ መንበሪ ግዝያዊ ጥራይ እዩ። እቲ ብዝያዳ ዝውቱር፡ ፍሉይ ቅድመ-ኵነታት ዘለዎ ናይ ካልኣይ ኢድ ውዕል እዩ።

ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ኣየኖት ትካላት ክራይ ኣባይቲ ከም ዘለዋ ትፈልጥ'ዶ?

ወለድን ኣራታን (በብቝሩብ ኣብ እተወሰነ ግዜ ዝኽፈል) እንታይ ምዃኑ ትፈልጥ ዲኻ? ዘይትፈልጦ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕብኡ ኣበይ ሓበሬታ ክትረክብ ከም ትኽእል ትፈልጥ ዲኻ?

ብኻልኣይ ኢድ ገዛ ክትካረ ከለኻ ክትሓስበሉ ዘለካ ኣገዳሲ ነገር እንታይ እዩ?

ናይ ብኻልኣይ ኢድ ምክራይ ተመኩሮ ኣለካ'ዶ?

ከምዚ ዝስዕብ ጌርካ መንበሪ ትረክብ

ኣብ ገሊኡ ኮምዩናት፡ ገዛ ምርካብ ዳርጋ ቀሊል ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ግን ከቢድ እዩ። ኣብ ሓያሎ ኮሙናት ብቐዳምነት ብዝያዳ ናይ ክራይ ኣፓርተማታት እዩ ዘድሊ ዘሎ።

ኣብነት፦ ሚርያም መንበሪ ትደሊ ኣላ

ሚርያም ዝካረ ኣፓርተማ እያ እትደሊ ዘላ። ኣብ ሰሙን ብዙሕ ግዜ ዝካረ ኣፓርተማታት እንተ ኣሎ ኾይኑ ንምርኣይ መወዓውዒ ኣባይቲ ናብ ዘለዎ እተፈላለየ መርበብ ሓበሬታ ትኣቱ እያ። ንሚርያም ዝበቅዕ ኣፓርተማ ምስ ወጸ ብኡንብኡ ንኽትካረዮ ተመልክት። ከምኡ'ውን ኣብ ሰሙን ብዙሕ ግዜ ሓደ ኣፓርተማ ንምክራይ ዝወሃባ ዕድል ከየምልጣ ምእንቲ ኢ-መይላ ትርኢ እያ። ከምኡ እትገብር እቲ ዝተዋህባ ዕድል ካብኣ ሓሊፉ ንኻልእ ሰብ ቅድሚ ምሃቡ ቀልጢፋ ንኽትቅበሎ እዩ።

ገዛ ኣናዲ

ኣብ ሓያለ ከተማታት፡ ኣብያተ ጽሕፈት 'መራኸብቲ-ገዛ' ኣለዉ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ገዛ፡ ተመዝጊብካ ገዛ እተናድየሉ ናይ ኢንተርነት መርበብ ሓበሬታ ኣሎዎ።

ምስ ተመዝገብካ: ናብቲ መርበብ ሓበሬታ እናኣተኻ፡ ሓደስቲ ናጻ ገዛውቲ ዘለዉን ዘየለዉን ወይ ከኣ ዝመጹን ዘይመጹን ግድን ብቐጻሊ ክትርኢ ኣለካ። ሓድሽ ገዛ ከም ዘሎ ዝነግር ሓበሬታ እንተ ርኢኻ: እሞ ድማ ምስ እትደልዮ፡ ነቲ ገዛ ክትካረዮ ተመልክት።

ዝካረ ገዛ፡ ባዶ ምህላዉ ኣብ ምልክታ ምስ ወጸ፡ እቶም ክመጽኡ ዝግበኦም ሰብ ሪጋ ከይመጹ ዕለተ ምልክታ እንተሓሊፉ፡ ኣካራዪ፡ ነቶም ነቲ ገዛ ክርእዩ ዝመጽኡ ሰባት ይመርጽ። እዚ ማለት ግን ዝኾነ ዝመጸ ዘበለ ማለት ዘይኮነስ ኣብ ሪጋ ስዒቦም ዝርከቡ ክኾኑ ኣለዎም። መብዛሕትኦም ኣካረይቲ፡ ናይ ገዛ ስርዓተ-ሪጋ ኣሎዎም። ነታ ትካረ ገዛ ምስ ርኣኹማ፡ ትደልዩዋ ምዃንኩምን ዘይምዃንኩምን ነቲ ኣካራዪ ክትሕብሩ ኣለኩም። እታ ገዛ ከም ቀዳማይ ኢድ ምስ እትበጽሓኩም ከኣ፡ እቲ ኣካራዪ ኣካል ወይ ሰብ ክረኽበኩምን ከዘራርበኩምን እዩ።

ሓደ ኣፓርተማ ንኽትካረዮ ምስ ኣመልኪትካ፡ ንኽትካረዮ ንዝወሃበካ ዕድል ንኸየምልጠካ ኢ-መይልካ ክትከታተል እውን ኣገዳሲ እዩ። ንሓደ ኣፓርተማ ንኽትካረዮ ዕድል እንተ ተዋሂቡኻ፡ ሕራይ ኢልካ መልሲ ንምሃብ ቅልጡፍ ክትከውን ኣለካ። እንተ ዘይኰይኑ እቲ ዕድል ናይ ኣፓርተማ ምክራይ ንኻልእ ሰብ ክወሃብ እዩ።

ናይ ስቨዳላ ኮሙን ብዛዕባ ከመይ ገርካ ገዛ ከም ትረክብ ፊልም ኣዳልዮም ኣለዉ። እዛ ፊልም ብዓረብኛ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝኛ፡ ሶማልኛን ሽወደንኛን ኣላ።

ብመንገዲ ናይ እተፈላለያ ትካላት ክራይ ኣባይቲ መርበብ ሓበሬታ ኣቢልካ መንበሪ ንምርካብ ደሊኻ'ዶ ኣለኻ?

ብዲጂታላዊ ኣገባብ ገዛ ንምድላት እንታይ የድሊ?

ምኽሪ ንደለይቲ ገዛ

ሓድሓደ ግዜ፡ ነቶም ኣራኸብቲ-ገዛ ጥራይ ምውካስ እኹል ኣይኮነን። ነቲ ኣካራዪ ብቐጥታ ክትረኽቦ ዝሓሸ እዩ። እቶም ዓበይቲ ኣካረይቲ፡ ናታቶም ወብሳይት ኣሎዎም። ኣብኡ ድማ፡ ናይ ገዛ ምድላይካ ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ። ብሰበሰብ፡ ብኣዝማድ ወይ ኣዕሩኽ'ውን ብዛዕባ ናጻ ዘሎ ኣባይቲ፡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ካልእ መንገዲ ድማ ኣብ ድኳናት፡ ኣብያተ መጻሕፍትን ኮረድዮታትን ወይ ካልእ ናይ መለጠፊ ሰሌዳ ዘሎዎ ቦታ ምልክታታት ምልጣፍ ይክኣል'ዩ።

ከምኡ'ውን ኣብ ገለ ጋዜጣታት ወይ ወብሳይታት ንገዛ ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብኻልኣይ ኢድ ዝካረ ገዛ ክትረክብ ትኽእል። እዚ ማለት ካኣ ብቐጥታ ካብቲ ኣካራዪ ዘይኮነስ ካብቲ ተኻርዩዎ ዘሎ'ሞ ከካሪ ዝደሊ ዘሎ ማለት እዩ።

ብኻልኣይ ኢድ ናይ ኣፓርታማታት ክራይ ክትረኽበሉ እትኽእል መወዓውዒ ኣባይቲ ዝሓዛ ሓያሎ መርበብ ሓበሬታታት ኣለዋ። ገዛ ትደሊ እንተ ኣለኻ ዄንካ ንዝወጸ ምልክታ ክትምልስን ናትካ ምልክታ ከተውጽእን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ እውን ገዛ ከተናዲ ትኽእል ኢኻ።

ኵሉ ግዜ ቅድሚ ክራይ ናይቲ ትካረዮ ዘለኻ ኣፓርተማ ወይ ክፍሊ ምኽፋልካ ምስቲ ዘካርየካ ዘሎ ውዕል ክትፈራረም ከም ዘለካ ኣይትረስዕ። ንስኻን ዋና ገዛኻን ውዕል ቅድሚ ምፍራምኩም ንዝኾነ ሰብ ትሕጃ ክትከፍል የብልካን። እንተ ዘይኰይኑ ንገንዘብካ ክትታለል ትኽእል ኢኻ።

ከመይ ጌርካ ዝካረ ገዛ ከም ትደሊ ዝምልከት ኣብ መንጎ ሽወደንን ኣብታ ቕድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ምምስሳል ኣሎ'ዶ? ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኣየኖት ምምስሳላት?

ዝካረ ኣፓርተማ ክትደሊ ከለኻ ክትሓስበሉ ጽቡቕ ዝኾነ ነገር እንታይ እዩ?

ኵሉ ሰብ መንበሪ ቤት ኣለዎ’ዶ?

ኣብ ዓበይቲ ከተማታትን ኣብ ከባቢኣንን ዝካረ ኣፓርተማታት ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ገሊኡ ክፋላት ናይተን ከተማ ንምንባሩ ኣዝዩ ህቡብ ስለ ዝዀነ መብዛሕትኡ ግዜ ዝካረ ኣፓርተማ ንምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ብዙሓት ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ክነብሩ እዮም ዝመርጹ። ኣብዘን ከተማታት እዚኣተን መንበሪ ዝደልዩ ብዙሓት ካልኦት እውን ስለ ዘለዉ፡ ነቲ ገዛውቲ ንምርካቡ ዓብዪ ውድድር ከም ዝህሉ ይገብር። ደ'ባል (ካብ ተኻራያይ ክፍሊ ምክራይ) ምዃን ወይ ኣፓርተማ ብኻልኣይ ኢድ ምክራይ ዝውቱር እዩ። ካብተን ዓበይቲ ከተማታት ወጻኢ ኣፓርተማ ምርካብ ዝቐለለ ክኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ናብ ዓበይቲ ከተማታት ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት ጽቡቕ ናይ ኣውቶቡስን ባቡርን መራኸቢታት ኣሎ።

ቀደም መንግስቲ ኣብ ህንጸት ኣባይቲ ብዝያዳ ይሳተፍ ነይሩ። ሕጂ ሓደ ነገር ኣበይን መዓስን ከም ዝህነጽ መደብ ትገብር ኮሙን እያ። ናይ ውልቂ ትካላትን ናይ ኮሙን ትካላትን መንበሪ ኣባይቲ ይሃንጻ እየን።

ኮሙን ኵሎም ተቐማጦ መንበሪ ገዛ ከም ዝህልዎም ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዋ። ንገሊኦም ጕጅለታት ኮሙን ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዋ። እዚ፡ ንገሊኦም ኣረጋውያን፡ ንገሊኦም ስንኩላን፡ ንገሊኦም መንበሪ ፍቓድ እተዋህቡ ሓደስቲ መጻእትን ከምኡውን ነቶም ብዘይ ወለዶም ዝመጹ ዕቝባ ሓተትቲ ቘልዑ ዝምልከት እዩ።

ኣብ ሽወደን ኣብ ብዙሕ ቦታትት ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ብዝሒ ህዝቢ ንነዊሕ እዋን እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እኹል ኣባይቲ ስለ ዘይህነጽ ዘሎ እዩ። ንህንጸት ኣባይቲ ዝጸሉ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ዝህነጸሉ መሬት እንተ ኣልዩን እቶም ኣባይቲ ዝሃንጹ ከኣ ካብኡ ክኸስቡ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖም እዩ።

ሓደስቲ መንበሪ ኣባይቲ መብዛሕትኡ ግዜ ልዑል ክራይ ገዛ ስለ ዘለዎ ብዙሓት ሰባት ኣብኡ ክነብሩ ዓቕሚ የብሎምን። እዚ ማለት፡ ብዙሓት መንበሪ ገዛ ዘድልዮም ሰባት ዝተሓተ ክራይ ገዛ ዘለዎ ኣረጊት ኣባይቲ ከናድዩ ወይ ብኻልኣይ ኢድ ዝካረ ገዛ ክረኽቡ ክፍትኑ ኣለዎም ማለት እዩ። ነቶም ብዙሕ ገንዘብ ዘይብሎም፡ ሓጺር ግዜ ኣብ ሪጋ ገዛውቲ ዝገበሩ ወይ ብዛዕባ ዝካረ ገዛውቲ ሓበሬታ ክህብዎም ዝኽእሉ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝፋለጡ ሰባት ብፍላይ ኣጸጋሚ እዩ።

ዋሕዲ ኣባይቲ፡ ናብ ኣግልሎ፡ ተጨቓጪቕካ ምንባርን ቤት-ኣልቦነትን እዩ ዘምርሕ። ብዘይካ'ዚ ሰባት ንነዊሕ እዋን ኣብ ግዜያዊ መንበሪ ከም ዝጸንሑ ክገብር ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ቍጽሪ ናይቶም መንበሪ ቦታ ንምርካብ ሓገዝ ሕብረተ ሰብ ዘድልዮም ሰባት ወሲኹ ኣሎ። ስለዚ እዩ ቍጽሪ ናይቲ ብቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኮሙናት ብማሕበራዊ ውዕል ክራይ ገዛ (Sociala hyreskontrakt) ዝካረ ኣባይቲ ወሲኹ ዘሎ።

ናይ ስቨዳላ ኮሙን ብዛዕባ ኵነታት መነባብሮ ኣብ ሽወደን ፊልም ኣዳልዮም ኣለዉ። እዛ ፊልም ብዓረብኛ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝኛ፡ ሶማልኛን ሽወደንኛን ኣላ።

ኣግልሎ ማለት እተፈላለዩ ሰባት ካብ ሓድሕዶም ተፈላልዮም ይነብሩን ይሰርሑን ማለት እዩ። እዚ፡ ሰባት ብመሰረት ኣታዊኦም፡ ዓሌቶም ወይ ጾትኦም ክፈላለዩ ከለዉ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ሓደ ዓይነት ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብሓባር ይነብሩን ይሰርሑን ወይ ናብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ይኸዱ ማለት እዩ።

ናይ ገዛ ኣግልሎን ናይ መንበሪ ኣግልሎን ክልተ እተፈላለየ ዓይነት ኣግልሎ እዩ።

ናይ ገዛ ኣግልሎ ማለት ዝተፈላለየ ዓይነት ገዛውቲ ኣብ እተፈላለየ ከባቢ ይርከብ ማለት እዩ፣ ንኣብነት ናይ ክራይ ገዛውቲ ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢ፡ ቪላታት ድማ ኣብ ካልእ ከባቢ። ናይ መንበሪ ኣግልሎ ማለት ዝተፈላለዩ ጕጅለ ሰባት ኣብ እተፈላለየ ከባቢ ይነብሩ ማለት እዩ። ንኣብነት እቶም ብዙሕ ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደ ውሱን ከባቢ ክነብሩ ከለዉ እቶም ውሑድ ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ድማ ኣብ ካልእ ከባቢ ይነብሩ ማለት እዩ። እቲ ሰባት ዝነብርሉ ከባቢ፡ ነቲ ኣብ ሂወትካ ዘጋጥመካ ዕድላት ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ስራሕ ናይ ምርካብ ወይ ኣብ ሓደ ጽቡቕ ቤት ትምህርቲ ናይ ምምሃር ዕድልካ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ዕምሪ ናይቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ብብዙሕ ዓመታት ክፈላለ ይኽእል እዩ።

በቲ ሓደ ሸነኽ ሓያሎ ዓበይቲ ብስሚንቶ እተሰርሐ ኣፓርተማታት በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ቪላታት ዘለዎ ኮላጅ።

ዋሕዲ ኣባይቲ ገሊኦም ሰባት ተጨቓጪቖም ከም ዝነብሩ ይገብር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ብዝያዳ ተጫቓጪቖም ይነብሩ። ተጨቓጪቕካ ምንባር ኣብ መንእሰያት፡ ኣብቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወለዱን ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ብዙሕ ገንዘብ ዘይብሎም ሰባትን ብዝያዳ ልሙድ እዩ። ተጨቓጪቕካ ምናባር ንሰባት ብእተፈላለየ መገዲ ይጸልዎም እዩ። ንኣብነት ቈልዑ ኣብ ህዱእ ሃዋህው ዕዮ ቤት ትምህርቲ ንኽዓዩ ዘለዎም ተኽእሎ ክጸልዎ ይኽእል እዩ።

ሰባት ቤት-ኣልቦ ዝኾኑ ብእተፈላለየ ብዙሕ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ብሰንኪ ወልፊ ቤት-ኣልቦ ኮይኑ ክኸውን ይኽእል። ንኻልኦት እቲ ጠንቂ ሕማም ኣእምሮ፡ ፍትሕ፡ ዓመጸኛ መጻምድቲ ገዲፍካ ምኻድ፡ ወይ ካብ ቤቶም ተገዲዶም ምውጻእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ቤት-ኣልቦነት ብሰንኪ ንኣብነት ከም ርትዓዊ ክራይ ዘለዎም ኣባይቲ ዘይምህላው ወይ ዋናታት ገዛ ልዑል ኣታዊታት ስለ ዝሓቱ ዝኣመሰሉ ካልኦት ምኽንያታት እውን ክከውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ሽወደን፡ ቤት ምኽሪ ጥዕናን ድሕንነትን (Socialstyrelsen) ቤት-ኣልቦነት ብኸመይ ይዓቢ ከም ዘሎ ናይ ምክትታል ሓላፍነት ኣለዎ። ቤት ምኽሪ ጥዕናን ድሕንነትን (Socialstyrelsen) ሓደ መንግስታዊ ብዓል መዚ እዩ። ብመሰረት ቤት ምኽሪ ጥዕናን ድሕንነትን (Socialstyrelsen)፡ ኣብ መገዲ ትድቅስ እንተ ዄንካ፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ንግዜኡ ምስ ስድራ ቤትካ ወይ ምስ እትፈልጦም ሰባት ብዘይ ውዕል ትነብር እንተ ዄንካ እውን ከም ቤት-ኣልቦ ኢኻ ትቝጸር።

ኣብ ኮሙን ዘሎ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ነቶም ቤት-ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ብእተፈላለየ መገዲ ክሕግዞም ይጽዕር እዩ። ንኣብነት ግዝያዊ መንበሪ፡ ኣብ ናይ ህጹጽ መንበሪ ቦታ ብምድላው ወይ ንኣብ ሆስተል መንበሪ ዝከውን ቍጠባዊ ሓገዝ ብምሃብ።

ክራይ ገዛ እንተ ዘይከፊልካ እቲ ዋና ገዛ ነቲ ውዕልኩም ከቋርጾ ይኽእል እዩ። ሽዑ ኣብ ኣፓርተማ ክትቅመጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ በስገዳድ ምውጻእ (vräkt) ይብሃል። ካብ ቤትካ በስገዳድ እንተ ወጺእካ ካልእ ቤት ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነቶም በስገዳድ ዝወጹ ኣስገዲዱ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት ዘለዎ ብዓል መዚ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (Kronofogdemyndigheten) እዩ። ብዓል መዚ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (Kronofogdemyndigheten) መብዛሕትኡ ግዜ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (Kronofogden) ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።

ከም ተኻራያይ መጠን ክራይ ገዛ ክትከፍል ዘይትኽእል እንተ ዄንካ ሓገዝ ክትሓትት ሓላፍነት ኣለካ። ክራይ ገዛ ክትከፍል እንተ ዘይክኢልካ ወይ በስገዳድ ክትወጽእ ዘስግእ እንተ ኾይኑ ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ቤትካ ንኽትጸንሕ ዘሎካ ዕድል ንኸተዛይድ ክመኽረካን ክድግፎን ይኽእል እዩ።

ሕብረተ ሰብ ነቶም በስገዳድ ካብ ቤቶም ክወጹ ዘስግኡ ሰባት ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ኣለዎ። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ዋና ገዛን ብዓል መዚ ኣስፈጻምነት (Kronofogdemyndigheten) ዝኾነ ሰብ ምእንቲ ካብ ቤቱ በስገዳድ ከይወጽእ ብሓባር ክዓዩ ኣለዎም። ንኣብነት ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ተኻራያይ ኣቐዲምካ ብምርኻብ ናይ ደገፍ ዕድል ብምሃብ። ብዘይካዚ ገዛ ክትካረ ከለኻ እቲ ዋና ገዛ ከም ተኻራያይ መጠን ኣየኖት መሰላትን ግዴታታትን ከም ዘለዉኻ ሓበሬታ ክህበካ ኣገዳሲ እዩ።

መጻኢ ሰባት በቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ብኸመይ ክጽሎ ዝኽእል ይመስለካ?