ርክብ ምስ ብዓል መዝታት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 23 11 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ርክብ ምስ ኣብ ሽወደን ዘለዉ ብዓል መዝታት እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ምስ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ብዓል መዝታት ክትራኸብ የድልየካ ይኸውን።

ምናልባት ናብ ሓድሽ ኣድራሻ ክትግዕዝ ስለ ዝኾንካ ምስ ብዓል መዚ ግብሪ ክትራኸብ የድልየካ ይኸውን። ምናልባት ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ትወስድ ትኸውን፣ ብዛዕባ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ ድማ ንቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ሕቶታት ይህልወካ ይኸውን። ኣብዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ምስ ብዓል መዝታት ክትራኸብ ከለኻ ክትፈልጦ ጽቡቕ ክኸውን ዝኽእል ነገራት ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ንኣብነት ብዛዕባ መሰል ንተርጓሚን ብዓል መዝታት ንውልቃዊ ሓበሬታ ከመይ ገይሮም ከም ዝሕዝዎን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ህዝባዊ መዝገብ፡ ወረቐት መንነትን ኤለክትሮኒካዊ መንነትን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ካብ ብዓል መዚታት ዝወሃብ ሓበሬታ ክደልን ክረክብን ክኽእል መሰል ኣለዎ። ናጻ ኴንካ ሓበሬታ ምድላይን ነቲ ሓበሬታ ክትካፈሎ ምኽኣልን፡ ናይ ናጽነት ርእይቶን (åsiktsfrihet) ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን (yttrandefrihet) መሰረት እዩ። እቲ ሕጊ ብዛዕባ ሓበሬታ ናይ ሕብረተ ሰብ ንኣብነት ኣየኖት ሕግታት ከም ዘለዉ፡ ከምኡ’ውን ሓበሬታ ብዛዕባኻ ንኣብነት ኣብ ሓደ ብዓል መዚ ጕዳያት እንተ ኣለካ ኾይኑ እዩ።

እቶም ብዓል መዝታት እተፈላለየ ኵነታት ዘለዎም ሰባት ነቲ ካብ ብዓል መዝታት ዝወሃብ ሓበሬታ ንኽቕበልዎን ክርድእዎን ተኽእሎ ከም ዘለዎም ከረጋግጹ ኣለዎም። ንኣብነት ምስ መንግስትን ኮሙናትን ክትራኸብ ከለኻ ሽወደንኛ ዘይትዛረብ ዘይትኽእል ወይ ዘይርድኣካ እንተ ዄንካ ወይ ብቋንቋ ምልክት እንተ ዄንካ ትዛረብ፡ ተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ካብ ብዓል መዝታት ንዓኻ ብዝሰማማዓካ ቅርጺ (format) ንኣብነት ብረይል፡ ብቐሊሉ ተነባቢ ጽሑፍ ወይ ብናውቲ ሓገዝ ዝንበብ ጽሑፍ ዝሓዘ ሰነድ ክትረክብ ወይ ክትእዝዝ ክትክእል ኣለካ። እቲ ናይ ብዓል መዝታት ድጂታላዊ ሓበሬታ እውን ምስ ኵነታት ዝተፈላለዩ ሰባት ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ንኣብነት እቶም ብዓል መዝታት ነቲ ናቶም ቪድዮታት ብጽሑፍ ከሰንይዎን እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ብዓል መዝታት ዘሎ ሓበሬታ ብቐሊሉ ክርድኣካ ዝኽእልን ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ።

ኣብ ሽወደን ምስ ሓደ ብዓል መዚ ምርኻብ

ምስ ብዓል መዝታት ክትራኸብ መሰል ኣለካ፡ ምስኦም ክትራኸብ ከለኻ ድማ ክሕግዙኻ ግዴታ ኣለዎም።

ቅልል ዝበለ ሕቶታት እንተ ኾይኑ ዘለካ፡ እቲ ዝበለጸ ናይታ ብዓል መዚ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት ምብጻሕ እዩ። ናይተን ብዓል መዝታት መርበብ ሓበሬታ መብዛሕትኡ ግዜ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሓበሬታ ኣለዎ። ናብተን ብዓል መዝታት ክትከይድ ወይ ክትበጽሓን እውን ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ሓያሎ ብዓል መዝታት ዝተሓባበሩሉ መንግስታውያን ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎት (servicekontor) ኣለዉ። ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት ብጀካ ብሽወደንኛ ኢንግሊዝኛን ብብዙሕ ካልኦት ቋንቋታት ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሰባት ይሰርሑ።

ካብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት (servicekontor) ሓገዝ ርኸብ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት፡ ካብ ዝተፈላለዩ ብዓል መዝታት ሓገዝን ሓበሬታን ክትረክብ ትኽእል። ምስ ናይ ኣርቤትስፎርመድሊኘን፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (Försäkringskassan)፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን፡ ብዓል መዚ ጥሮታን ብዓል መዚ ግብርን ዝተተሓሓዙ ጕዳያት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። መንግስታዊ ማእከል ኣገልግሎት ናይተን ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎት ሓላፍነት ኣለዎ።

እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ካልእ ገዲፍካ ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ንኽትጥቀም፡ ቅጥዕታትን ምልክታታትን ንኽትመልእ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ዘሎ ጕዳያትካ ሓበሬታ ክህቡኻን ዝተፈላለየ ምስኽር ወረቓቕትን መርትዖታትን ሓቲምካ ከተውጽእ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓያሎ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣርበትስፎርመድሊኘን ሓበሬታ ክትረክብን ንዕኡ ንኽትጥቀመሉ ሓገዝ ክትረክብን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኡ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት፡ ንወረቐት መንነት ከተመልክትን ካብኡ ክትወስዶን ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ ማእከል ኣገልግሎት።

መሰል ንተርጓሚ

ምስ ብዓል መዝታት፡ ኮሙንን ኣገልግሎት ጥዕናን ኣብ እትገብሮ ኵሉ ርክብ ሽወደንኛ ዘይትዛረብ ወይ ዘይትርድኦ እንተ ዄንካ ተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ኣለካ። ንኣብነት ነቲ ምስ ብዓል መዚ ዘለካ ጕዳይ ንኽትርድኦ ወይ ንኸተረድኦም ተርጓሚ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ተርጓሚ ንኽገብሩልካ ክትሓቶም መሰል ኣለካ። ንምብጻሕካ ቈጸራ ክትገብር ከለኻ ተርጓሚ ከም ዘድልየካ ክትሕብሮም ኣለካ። ተርጓሚ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ብዓል መዚ ይሕዘልካ እዩ። ርግጸኛ እንተ ዘይኰንካ ነቲ ብዓል መዚ ሕተቶ።

ካብ ብዓል መዚ ዘይትርድኦ ሓበሬታ እንተ ተዋሂቡካ፡ ምስኦም ርክብ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ።

ኣብነት፦ ማርቲን ተርጓሚ የድልዮ እዩ

ማርቲን ምስ ጁልያን ወዱ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ክወስድ እዩ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነት ንመተካእታ ደሞዝ ወለዲ ምልክታ መሊኡ ኣሎ። እንተዀነ ግን ነቲ ሓበሬታ ብልክዕ መሊእዎ እንተ ኾይኑ ርግጸኛ ኣይኰነን። ማርቲን ኣብዚ ቐረባ እዋን እዩ ናብ ሽወደን መጺኡ፡ ሽወደንኛ ድማ ገና ኣይተማህረን ዘሎ። ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነት ዘሎ ሓበሬታ ክርድኦ ከቢድ እዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣለዎ፣ ከምኡ'ውን ዝኾነ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነት ኣቕሪብዎም ዘሎ ቋንቋታት ኣይዛረብን እዩ።

ኣማራጺ 1 ፦ ማርቲን ንጕዳዩ ንዝምልከት ካብ ሓደ ተሓዝ ጕዳይ ሓገዝ ስለ ዘድልዮ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነት ይድውል እቲ ተሓዝ ጕዳይ ኣብቲ ዝርርብ ተርጓሚ ከም ዘድሊ ይግምግምን፡ ምስ ማርቲንን ተርጓምን ከኣ እተፈልየ ኣኼባ ንኽገብሩ ቈጸራ ይገብር።

ኣማራጺ 2 ፦ ማርቲን ሓገዝ ንምርካብ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ክኸይድ ይመርጽ። እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ዝሰርሕ ተሓዝ ጕዳይ ኣብቲ ዝርርብ ተርጓሚ ከም ዘድሊ ይግምግምን፡ ምስ ማርቲንን ተርጓምን ከኣ እተፈልየ ኣኼባ ንኽገብሩ ቈጸራ ይገብር።

ምዕቃብ ምስጢር

ኣብ ብዓል መዝታት፡ ዞባታትን ኮሙናትን ዘሎ መብዛሕትኡ ሰነዳት ቅሉዕ እዩ። ህዝባዊ ሰነዳት ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚ ማለት፡ ኵሉ ሰብ ከንብቦም ይፍቀዶ ማለት እዩ። ንኣብነት ናብ ሓደ ብዓል መዚ ኢ-መይል እንተ ሰዲድካ፡ ካልኦት ሰባት ከንብቡልካ ክሓትቱኻ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ብዓል መዚ ሓደ ሰነድ ቅድሚ ምውጽኡ እቲ ሰነድ ምስጢራዊ ሓበሬታ ዝሓዘ እንተ ዀይኑ ወትሩ ይግምግም። ናይ ምስጢር ፍተሻ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ብዓል መዚ ብምዕቃብ ምስጢር እተዓቝበ ሰነዳት ከውጽእ ኣይፍቀዶን እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ ጥዕና ሓደ ሰብ ሓበሬታ ዝሓዘ ሰነዳት ብምዕቃብ ምስጢር ክዕቈብ ይኽእል ኢዩ።

በዓል መዝታት ንውልቃዊ ሓበሬታኻ ይሕዝዎ እዮም

ምስ ብዓል መዝታት ክትራኸብ ከለኻ መብዛሕትኡ ግዜ ወረቐት መንነትካ ምርኣይ የድልየካ እዩ። እቶም ብዓል መዝታት ርክብ ዝገብርዎ ዘለዉ ምሳኻ እምበር ምስ ካልእ ሰብ ከም ዘይኮነ ምፍላጥ የድልዮም እዩ። ከምኡ'ውን ነቶም ብዓል መዝታት ካልእ ውልቃዊ ሓበሬታ ምሃብ ከድልየካ ይኽእል እዩ።

ኣብነታት ናይ ውልቃዊ ሓበሬታ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • ስምካ
  • ውልቃዊ ቍጽሪ መንነትካ (personnummer)
  • ኢ-መይል ኣድራሻኻ
  • ቍጽሪ ተለፎንካ

ሓደ ብዓል መዚ ብዛዕባኻ ኣየኖት ውልቃዊ ሓበሬታታት ከም ዘለዎ ክትፈልጥ መሰል ኣለካ። ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ምስቲ ብዓል መዚ ተራኸብ። ሓደ ብዓል መዚ ንውልቃዊ ሓበሬታኻ ክቕይሮ ወይ ክድምስሶ እንተ ደሊኻ እውን ምስኡ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ብዓል መዚ ነቲ ሓበሬታኻ ክዕቅብዎ ይግደዱ እዮም። ኣብ ከምዚ ኵነት እቲ ብዓል መዚ ይሕብረካን ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩ ይገልጸልካን እዩ።

ገሊኡ ብውልቃዊ ሓበሬታ ተኣፋፊ ሓበሬታ እዩ። ተኣፋፊ ውልቃዊ ሓበሬታ ምሓዝ መብዛሕትኡ ግዜ ክልኩል እኳ እንተ ኾነ ከምኡ ዘይግበረሉ ግዜ ግን ኣሎ። ንኣብነት ኣገልግሎት ጥዕና ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ ጥዕናኻ ተኣፋፊ ውልቃዊ ሓበሬታ ክሕዙ ይፍቀዶም እዩ። ብዛዕባ ጥዕናኻ ዝገልጽ ሓደ ሓደ ሓበሬታ ንኣብነት ኣብ መዛግብቲ ሕክምና ክርከብ ይከኣል እዩ። ኣገልግሎት ሕክምና ናይ ሕክምና መዝገብ ናይ ምጽሓፍ ግዴታ ኣለዎም። ኣገልግሎት ሕክምና፡ ምእንቲ እቲ ዝወሃበካ ክንክን ብእተኻእለካ መጠን ጽቡቕ ክኸውን ነቲ ነቲ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ይጥቀምሉን ይዕቅብዎን።

ኣብነታት ናይ ተኣፋፊ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ሓበሬታት ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • ዓሌታዊ መበቈል
  • ፖለቲካዊ ኣረኣእያ
  • ሃይማኖት
  • ጥዕናን ክንክንን
  • ናይ ሓደ ሰብ ጾታዊ ዝንባሌ
  • ናይ ሓደ ሰብ ስንክልና

ሓደ ብዓል መዚ ንውልቃዊ ሓበሬታኻ ብጌጋ ይሕዞ ከም ዘሎ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ናብ ብዓል መዚ ምሕላው ብሕትና (Integritetsskyddsmyndigheten) ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ። እቶም ናይ ውልቃዊ ሓበሬታ ዝሕዙ፡ ሕጊ ይኽተሉ ከም ዘለዉ ዝቈጻጸር ብዓል መዚ እዩ።

እዚ ውልቃዊ ሓበሬታ እዚ ተኣፋፊ ጌርካ ዝርአ ስለምንታይ ይመስለካ?

ስቱር ውልቃዊ ሓበሬታታት

ገበን ምክትታል ወይ ከቢድ ምሽጋር ከጋትመካ ዝኽእል እንተ ኾይኑ፡ ኣብ ገሊኡ ኵነት ስቱር ውልቃዊ ሓበሬታካ ብስቱር ክተሓዝ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ስምካን ኣድራሻኻን ብስቱር ክተሓዝ ይኽእል ማለት እዩ። እዚ ንኻልኦት ሰባት ኣበይ ከም እትነብር ንኽፈልጡ ከም ዘጸግሞም ይገብር። መንዛሕትኡ ግዜ እቶም ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ዘለዉ ሓበሬታታት ቅሉዓት እዮም።

ሰለስተ ዓይነት ስቱር ውልቃዊ ሓበሬታታት ኣለዉ፦ ስቱር ህዝባዊ መዝገብ፡ መመልከቲ ስቱርነት (sekretessmarkering) ከምኡ'ውን ዝተማህዘ ውልቃዊ ሓበሬታታት (fingerade personuppgifter)።

ስቱር ውልቃዊ ሓበሬታታት ክህልወካ ዝኽእል እንተ ኾይኑ ዝውስኑ ብዓል መዚ ግብሪ ወይ ፖሊስ እዮም። ስቱር ህዝባዊ መዝገብን መመልከቲ ስቱርነትን ንኽህልወካ ናብ ብዓል መዚ ግብሪ ኢኻ ተመልክት። ዝተማህዘ ውልቃዊ ሓበሬታታት (fingerade personuppgifter) ንኽግበረልካ ናብ ፖሊስ ኢኻ ተመልክት።

ኣብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ስቱር ውልቃዊ ሓበሬታታት፡ ከመይ ጌርካ ከም ተመልክትን ስቱር ውልቃዊ ሓበሬታታት ሒዝካ ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑን ተወሳኺ ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ።

ሓደ ካብቲ ስቱር ውልቃዊ ሓበሬታታት ዝግበረሉ ምኽንያት ካብ መጻምድትኻ ወይ ስድራ ቤትካ ንዓመጽ እንተ ተቓሊዕካ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምስ ብዓል መዝታት ክትራኸብ ከለኻ ጽቡቕ ኣቀባብላ ክትረክብ መሰል ኣለካ

ምስ መንግስቲ፡ ብዓል መዚ፡ ዞባ ወይ ኮሙን ክትራኸብ ከለኻ ጽቡቕን ተመዛዛንን ኣቀባብላ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ሰባት ንዅሎም ሰባት ብማዕረ ክሕዝዎምን ሚዛናውያን ክኾኑን ኣለዎም። ንኣብነት ብሕታዊ ርእይቶኦም ነቲ ዝገብርዎ ውሳነታት ክጸልዎ ከፍቅዱ የብሎምን።

ማዕረ ኣተሓሕዛ ክበሃል ከሎ እቲ ኣቀባብላ ኵሉ ሳዕ ልክዕ ሓደ ዓይነት ወይ ብሓደ ዓይነት ኣገባብ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን፣ የግዳስ ጾታኦም፡ ዕድመኦም፡ ዓሌቶም፡ ሃይማኖቶም ወይ ጾታዊ ዝምባሌኦም ብዘየገድስ ንዅሎም ተቐመጥቲ ብማዕረ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት፡ ብዓል መዝታት፡ ዞባታት ወይ ኮሙናት ዝሰርሑ ሰባት ምሳኻ ወይ ምስ ካልእ ሰብ ክራኸቡ ከለዉ ኣድልዎ ክገብሩ የብሎምን። ኣድልዎ እንታይ ምዃኑ ኣብ ነፍስ ወከፍ ውልቂ ጕዳይ ዝውሰን እዩ። ንኣብነት እቲ ትረኽቦ ብዓል ስልጣን ዘነኣእስ ቃላት ኣብ ልዕሌኻ ተዛሪቡ ክከውን ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ነቲ ክትካፈሎ መሰል ዘለካ ሰነዳት ክትረኽቦ ኣይፍቐደልካን ይኸውን፣ ወይ እቲ ብዓል ስልጣን ተሌፎን ደዊልካሉ ምምላስ ክኣቢ ከሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ እተቓላዕካሉ ነገር ከም ኣድልዎ ክርኣ እንተኾይኑ ምስቶም ኣብ ሕጊ ኣድልዎ ዝርከቡ ሸውዓተ ናይ ኣድልዎ ምኽንያታት ምስ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ካብኦም ናይ ግድን ክተሓሓዝ ክኽእል ኣለዎ። ሓደ ሓደ ኣብነት ናይ ኣድልዎ ምኽንያታት፣ ዕድመ፡ ስንክልና፡ ጾታን ዓሌትን እዮም።

ህዝባዊ መዝገብ

ህዝባዊ ምዝገባ መሰረታዊ ምዝገባ ናይ ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት እዩ። ኣብቲ ህዝባዊ ምዝገባ ንኣብነት ውልቃዊ ሓበሬታኻ፡ ኣበየናይ ኣድራሻ ከም ትቕመጥን ምርዑው እንተ ዄንካን ወይ ውሉዳት እንተ ኣልዮምኻን ይምዝገብ። ኣበየናይ ህዝባዊ ምዝገባ ከም እተመዝገብካ፡ ንኣብነት ኣበየናይ ኮሙን ግብሪ ክትከፍል ከም ዘለካ፡ ኣበይ ክትመርጽ ከም ዝፍቀደካን መሰል ናይ ዝተፈላለዩ ቍጠባዊ ሓገዛትን ሓለፋታትን ዝኣመሰሉ ነገራት ኣገዳስነት ኣለዎ። ከምኡ'ውን ነፍሲ ወከፍ ኮሙን ብመሰረት ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኣብኣ ከም ዝነብሩ ግምት ብምእታው እያ መደባታ ትሰርዕ።

ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ምስ ተመዝገብካ ንሂወትካ ምሉሕ ትሕዞ ሓደ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት (ፐርሾንኑመር) ይወሃበካ። እቲ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት ዕለት ልደትካን ስዒቡ ድማ ኣርባዕተ ቍጽርታት ዝሓዘ እዩ። ንኣብነት ምስ ሆስፒታላት፡ ብዓል መዝታትን ኮሙናትን ክትራኸብ ከለኻ እቲ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት የድልየካ እዩ።

ብዓል መዚ ግብሪ ነቲ ብዛዕባኻ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ ንኻልኦት ብዓል መዝታትን ባንክታትን የካፍሎም እዩ። እዚ ማለት፡ ናብ ካልእ ቦታ እንተ ግዒዝካ ወይ ንኣብነት ስምካ እንተ ቐዪርካ ባዕልኻ ኽትነግሮም ኣየድልየካን ማለት እዩ።

ንኣብነት ወረቐት መንነት ክወሃበካ ንኸተመልክት ናይ ግድን ኣብ ናይ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ዝተመዝገብካ ክትከውን ኣለካ።

ወረቐት መንነት (Identitetskort)

ብሽወደንኛ ወረቐት መንነት identitetskort እዩ ዝብሃል፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ Id-kort ተባሂሉ ይሓጽር። ወረቐት መንነት ንኣብነት ካብ ፋርማሲ መድሃኒት ክትውሰድ ከለኻ ወይ ናይ ባንክ ጕዳያት ከተሳልጥ ከለካ መንነትካ ንምሕባር ትጥቀመሉ።

ኣይዲ ካርዲ ምእንቲ ክውሃበኩም፡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ሽወደን ዝተመዝገብኩምን ብዕድመ ኸኣ 13 ዓመት ዝመላእኩምን ክትኮኑ ኣለኩም። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኹም ምስ እትኾኑ'ሞ፡ ኣይዲ ካርዲ ክውሃበኩም ምስ ዝድለ፡ ፍቓድ ወይ ኣፍልጦ ሓላፍነትኩም ዝወሰዱ ወለዲ ወይ ወላዲ (vårdnadshavare) ወይ ከኣ ናትኩም ተሓታቲ የድሊ። 'ሓላፍነት ትሕቲ ዕድመ ዝውንን ወላዲ' ክብሃል እንከሎ፡ እቲ ንትሕቲ ዕድመ፡ ማለት ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነ ውላዱ፡ ሕጋዊ ሓላፍነት ዝውንን ወላዲ ማለትና እዩ።

ቅቡል ዝኾነ ሰነድ፡ ንኣብነት ፓስፖርትኻ ብምርኣይ መንነትካ ከተረጋግጽ ትኽእል። ከምኡ’ውን ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድኻ ናብኡ ምሳኻ ሒዝካዮ ክትከይድ ኣለካ። ፓስፖርት ምስ ዘይህልወካ ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድኻ ጥራይ ሒዝካ ኺድ። መን ምዃንካ ከረጋግጽ ዝኽእል ሰብ ሒዝካ እውን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ወረቐት መንነት ክወሃበካ ንኸተመልክት፡ ናብ ሓንቲ ካብተን ናይ በዓል መዚ ግብሪ ናይ ኣገልግሎት ኣብያተ ጽሕፈት ክትከይድ ኣሎካ። ናብቲ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ቅድሚ ምኻድካ ቈጸራ ክትገብር ኣለካ።

ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ዝወሃበካ ወረቐት መንነት ንሓሙሽተ ዓመት እዩ ዘገልግል። እዚ ኣብ ሽወደን ተቐባልነት ዘለዎ ሰነድ መንነት እዩ። ካብ ሽወደን ወጻኢ ንምጋሽ ነቲ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ወረቐት መንነት ኣብ ክንዲ ፓስፖርት ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ወረቐት መንነት ኣብ ሽወደን ጥራይ እዩ ዘገልግል። ወረቐት መንነትካ እንተ ኣጥፊእካዮ ደዊልካ ከም ዝዕገት ግበሮ። ሽዑ ዝኾነ ካልእ ሰብ ነቲ ወረቐት መንነትካ ክጥቀመሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ወረቐት መንነትካ እንተ ተሰርቀ ንፖሊስ እውን ክትሕብሮም ኣለካ።

ፐርሾንበቪስ፡ ማለት ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ (Personbevis)

ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ፡ ማለት ፐርሹን በቪስ፡ (personbevis)፡ ብዓል መዚ ግብሪ፡ ብዛዕባኹም መዝጊቡዎ ዝርከብ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ንኣብነት፡ ስም፡ ኣድራሻን ኩነተ መርዓን ዝብል ዝሓዘ ሰነድ እዩ። እዚ ሰነድ'ዚ ንኣብነት ፍቓድ መዘወሪ ማኪና ከተውጽኡ እንከለኹም የድልየኩም። ፐርሹንበቪስ፡ ማለት ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ ግን፡ ከም ታሴራ ወይ መረጋገጺ መንነት ከገልግል ከምዘይክእል ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ።

ውልቃዊ መረጋገጺ መንነት (personbevis) እንተ ደሊኻ ኣብ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ መርበብ ሓበሬታ ኣቲኻ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ናትካ ሓበሬታ ጥራይ ዝሓዘ ውልቃዊ መረጋገጺ መንነት (personbevis) ብቐጥታ ኣብ ሓታሚትካ ክትሓትሞ ወይ ኣብ ኮምፕዩተርካ ክትዕቅቦ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ናብ ሓደ ናይ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ኬድካ ውልቃዊ መረጋገጺ መንነት (personbevis) ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ።

ዲጂታልዊ ሕብረተሰብ

ሕብረተ ሰብ ሽወደን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዲጂታላዊ እንዳ ኾነ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ንዅላትና ይጸልወና እዩ። ንኣብነት ብመገዲ እተፈላለየ ት መርበብ ሓበሬታታት ወይ ኣፓት ጌርካ ምስ ብዓል መዝታት ዲጂታላዊ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ ብኢንተርነት ኣቢልካ ናይ ባንክ ጕዳያት ከተሳልጥ፡ ዜና ከተንብብን ክትርእን ከምኡ'ውን ምስ ስድራ ቤትካን የዕሩኽትኻን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ዲጂታልየልፐን (ዲጂታላዊ ሓገዝ) ነቶም ቁሩብ ወይ ጨሪሹ ዲጂታላዊ (ናይ ኮምፕዩተር) ተመኩሮ ዘይብሎም ሰባት ሓደ ሓበሬታ ዝሓዘት ብሮሹር ኣዳልዩ ኣሎ። ኣብዚ ብሮሹር ኢንተርኔትን ዲጂታላዊ ኣገልግሎትን ንምጥቃም ከመይ ጌርካ ሓገዝ ከም ትረክብ ዝሕብር ምኽርታት ኣሎ።

E-legitimation (ኤለክትሮኒካዊ ወረቐት መንነት)

ኤ-መንነት፡ ሓደ ኤለክትሮኒካዊ ሰነድ መንነት እዩ። ምስ ተራ ወረቐት መንነት ክመሳሰል ይኽእል እዩ። ኤ-መንነት ንኣብነት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ወይ ኣፕ ብዝተኣማምን ኣገባብ መንነትካ ኣተጋጊጽካ ንምእታው ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኣብነት ናይ ኤ-መንነት፡ ባንክ- ኢደ እዩ። ንኣብነት ከም ፍረያ ኤ-ኢደን አበ ስቨንስካ ፓስን ዝኣመሰሉ ካልኦት ብዙሓት ዓይነት ኤ-መንነት እውን ኣለዉ።

ባንክኢደ ንኣብነት ውዕል ንኽትኣቱን ኣብ ኢንተርኔት ንኽፍሊታት ክትፍርምን ምእንቲ መንነትካ እተረጋግጸሉ ሓደ ቀሊል ኣገባብ እዩ። ብባንክኢደ ጌርካ ኤለክትሮኒካዊ ክታም ምጥቃም ልክዕ ከምቲ ብኣካል ተንብሮ ክታም ብሕጋዊ መገዲ ቀያዲ እዩ።

ባንክ እዩ ንኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID) ዝዕድል። ኤለክርትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነት (BankID) ንኽትከፍት ናይ ሽወደን ውልቓዊ መለለዩ ቑጽሪ (personnummer) ክህልወካ ኣለዎ።

ውሕስነት፣

  • ባንክኢደ ውልቓዊ ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ(e-legitimation) እዩ። ካልእ ሰብ ነቲ ኤለክትሮኒካዊ መንነት መረጋገጺ ክትከፍት እንተሓቲቱካ፣ ንኣብነት ብቴለፎን ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢ፡ ኤልክትሮኒካዊ መንነት መረጋገጺ ኣይትጠቐም።
  • ናይ ናትካ ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID) ናይ ውሕስነት ቑጽሪ (Säkershetskoden) ውልቓዊ እዩ። ናይ ውሕስነት ቑጽሪ ብፍጹም ንዝኾነ ሰብ ኣይትሃብ። ንክትታለል ተኽእሎ ኣሎ።

ኤ-ኣገልግሎት (ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎት)

ብዙሓት ብዓለ-መዝታት ኤ-ኣገልግሎት ኣለዎም። ሓደ ሓደ ግዜ ባዕላዊ-ኣገልግሎት (självservice) ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ኤ-ኣገልግሎት፡ ብመገዲ ኮምፕዩተርካ ወይ ሞባይልካ ጌርካ ዝተፈላለየ ጕዳያት ንምስላጥ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኣገልግሎት እዩ። ሓደ ኣብነት ናይ ኤ-ኣገልግሎት፡ ኣብ ናይ ካሳ-ውሕስነት መርበብ ሓበሬታ ኣቲኻ ናይ መትከል እግሪ ክፍሊት ንኽኽፈለካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኤ-ኣገልግሎት ንኽትጥቀም መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ኤ-መንነት የድልየካ እዩ።

ኢ-መይል

ኢ-መይል፡ ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ልሙድ ደብዳበታት ዝትክእ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ኣገልግሎት እዩ። ኢ-መይል ምስ ኩባንያታት፡ ብዓል መዝታትን ውድባትን ክትራኸብ ከለኻ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ገለ ካብቶም ልሙዳት ናይ ኢ-መይል ኣገልግሎት፡ ጂመይል (Gmail)፡ ኣውትሉክ (Outlook) ከምኡ'ውን ያሁ (Yahoo) እዮም።

ኣድራሻ ኢ-መይል እንተ ኣልዩካ ኮይኑ፡ ናይ ሓሶት መልእኽቲ ብኢ-መይል ከም እተላእከልካ ተመኵርካ ትኸውን ኢኻ። ካባኻ ሓበሬታ ወይ ገንዘብ ኣደናጊሮም ክረኽቡ ክፍትኑ ዝኽእሉ ሰባት ኣለዉ። ከምኡ'ውን ቫይረስ ክዝርግሑ ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ብኢ-መይል ወይ ብኻልኦት ዲጂታላውያን ካናለታት ዝለኣኽ ተጓዳእቲ ኮዳት ማለት እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ባንክኻ ወይ ካብ ገለ ብዓል መዚ ዝመጸ ዝመስል ናይ ኢ-መይል መልእኽቲ ይመጸካ ይኸውን። ምናልባት ሓበሬታ ናይ ባንክ ሕሳብካ ክትሰደሎም ወይ ኣብ ሓደ መላግቦ (ሊንክ) ክትጥውቕ ይሓቱኻ ይዀኑ። ብሓቂ ንሶም እንተ ኾይኖም ክራኸቡ ዝፍትኑ ዘለዉ ንምርግጋጽ፡ ምስቶም ኢ-መይል ዝለኣኹልካ ዝመስሉ ብዓል መዚ ወይ ኩባንያ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ነቲ መልእኽቲ ብቐጥታ ኣይትምልሰሉ፡ ኣብ ክንዳኡ ናይቲ ብዓል መዚ ወይ ኩባንያ መርበብ ሓበሬታ ርአ። ብናይ ኢ-መይል መልእኽቲ፡ ብኤስኤምኤስ ወይ ተሌፎን ደዊሎም ንምስጥራዊ ኮድካ (lösenord) ወይ ናይ ካርድኻ ሓበሬታ ንዝሓቱኻ፡ ጨሪሽካ ኣይትሃቦም።

ኢንተርነት፡ ኮምፕዩተር ወይ ሞባይል ክትረክብ ዘይትኽእል ወይ ክትጥቀም ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሕብረተ ሰብ እንታይ ከጸግመካ ይኽእል ይኸውን?

ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ኣብ ኢንተርነት

ኣብ ኢንተርነት ዳርጋ ዝዀነ ነገር ጽሒፍካ ክትዝርግሕ ቀሊል እዩ። ኣየናይ ሓበሬታ ክትኣምኖ ከም እትኽእልን ኣየናይ ሓበሬታ ሓሶት ክኸውን ከም ዝኽእልን ክትፈልጥ እውን ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ኢንተርነት ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ።

ከምዚ ዝስዕብ ጌርካ ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ፦ ነቲ ጽሑፍ መን'ዩ ጽሒፍዎ፡ ስለምንታይ'ከ ጽሒፍዎ?

ናይ ሓደ ብዓል መዚ ቅኑዕን ዝተሓደሰን ሓበሬታ ንምርካብ፡ ናብቲ ናይ ብዓል መዚ መርበብ ሓበሬታ ክትበጽሕ ወይ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።