ባህልን ናጻ-ግዜን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 6 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ባህልን ናጻ ግዜን እዩ። ጽቡቕ ምእንቲ ክስምዓና ባህልን ናጻ ግዜን የድልየና እዩ። ኣብ ሽወደን ንባህልን ናጻ ግዜን ዝከውን ብዙሕ ዕድላት ኣሎ።

ኣብ ሓደ ሃገራዊ መናፈሻ መስቀላዊ መገዲ ጕዕዞን እተፈላለየ ናይ ሓበሬታ ምልክታትን ዘለዎ ቦታ።

ስእሊ: ኣመልየ ዊንሰል

ብዛዕባ ንኣብነት ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት፡ ካብ ቤት መጻሕፍቲ መጻሕፍቲ ከመይ ገርካ ከም ትልቃሕን ብዛዕባ ሽወደንኛ ምስ ካልኦት ኴንካ ምልምማድ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ኣብ ስነ-ጥበብ፡ ሙዚቃ፡ ትያትር፡ ሳዕስዒት፡ ፊልም፡ ስነ-ጽሑፍን ስነ-ፍልጠትን ክሳተፍ መሰል ኣለዎ። ባዕልኻ ባህሊ ከተተግብርንን ስነ-ጥበብ ክትፈጥርን እውን መሰል ኣለካ። ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ኣየናይ ክፋል ባህሊ ክሳተፉ ከም ዝደልዩ ባዕሎም ክውስኑ መሰል ኣለዎም።

ቈልዑ ንዕድመ እቲ ቈልዓ ዝበቅዕ ንጡፍ ናጻ ግዜ፡ ምጽዋትን ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታትን መሰል ኣለዎም። ቈልዑ እውን ባህሊ ናይ ምክፋልን ባህሊ ናይ ምትግባርን ስነ-ጥበብ ናይ ምፍጣር መሰል ኣለዎም።

ስንክልና ዘለዎም ሰባት ምስ ካልኦት ሰባት ብማዕረ ኵነት ኣብ ባህላዊ ህይወት ክካፈሉን ባህሊ ከተግብሩን ክኽእሉ ኣለዎም። ሽወደን ነቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ብዛዕባ መሰላት ንስንክልና ዘለዎም ሰባት ፈሪማትሉ እያ።

ናጻ ግዜ፡ ባህሊን ማሕበራዊ ሂወትን

ካብ ስራሕ፡ ቤት ትምህርትን ናይ ገዛ ስራሕን ናጻ ዝኾንካሉ ግዜ ናጻ ግዜ ይብሃል። ኣብ ናጻ ግዜኻ እንታይ ክትገብር ከም ትደሊ ባዕልኻ ትመርጽ።

ኣብ ናጻ-ግዜ ዝውቱራት ዝኾኑ ተገዳስነታት ንኣብነት ስፖርት፡ ሳዕስዒትን ትያትርን፡ ሙዚቃ ምጽዋት፡ ጸወታታት ቪድዮ፡ ጸወታታት ኮምፕዩተርን መጻሕፍቲ ምንባብ እዮም። ብዙሓት ማሕበራትን ኮሙናትን እተፈላለየ ዓይነት ዘተኩራሉ ዓውድታትን ናይ ናጻ-ግዜ ንጥፈታትን ኣለወን። ናይ ስፖርትን ባህልን ማሕበራት፡ መጽናዕታዊ ማሕበራት ሃይማኖታዊ ማሕበራትን ገለ ኣብነታት ናይ ዝተፈላለያ ዓይነት ማሕበራት እየን።

ኣብቲ ናይ ኮሙን ወይ ዝተፈላለያ ማሕበራት ንጥፈታት ምስታፍ፡ ሓደሽቲ ሰባት ንኽትላለን ቋንቋ ሽወደን ክትለማመድን ዕድል ይህብ እዩ።

ክትመርጸን ትኽእል ብዙሓት ዝተፈላለያ ማሕበራትን ንጥፈታትን ኣሎዋ።

ኣብቲ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ንምእታው ዝቐለለ ምእንቲ ክኸውን፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኮሙናትን ማሕበራትን ንሓደሽቲ መጻእቲ፡ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን፡ ንጥፈታት ኣሎወን። ኣብቲ ኮሙንካ እንታይ ከም ዘሎ ንምርኣይ ምስ ኮሙንካ ተራኸብ ወይ ኣብቲ ናቶም መርበብ ሓበሬታ ድለ።

ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ኣየኖት ናይ ናጻ-ግዜ ንጥፈታት ኣለዉ?

ኣብታ ቅድሚ ሕጂ ትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት እቶም ዝውቱራት ናይ ናጻ-ግዜ ተገዳስነታት ኣየኖት እዮም?

ብዙሕ ዝተፈላለየ ዓይነት ባህሊ ኣሎ። ኵሉ ባህሊ ንዕቤት ሓደ ውልቀ ሰብ ኣበርክቶ ክገብር ኣለዎ። እዚ ማለት፡ ባህሊ ንሰባት ከም ዝምዕብሉ ይገብሮም ማለት እዩ። ሽወደን ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራት ብመልክዕ ንኣብነት ብተፈጥሮ፡ ብታሪኽን ብምግብን ክተበርክቶ እትኽእል ብዙሕ ባህሊ ኣለዋ።

እቶም ባህላዊ ህይወት ክትካፈለሎም እትኽእል ቦታታት ኵሉ ሰብ ከም ዝረኽቦም ክኾኑ ኣለዎም። እዚ ማለት፡ ንኣብነት ዓረብያ ስንኩላን ጌርካ ናብቲ ህንጻ ክትኣቱ ክትክእልን ኣብ ሰሌዳ ምልክታ ዘሎ ጽሑፋት ነቶም ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ሰባት ዝሰማማዕ ክኸውንን ኣለዎን ማለት እዩ።

ኣብነት ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታትን ባህላዊ ሂወትን፦

ኣብ ሽወደን ኣብ ወጺእካ ተፈጥሮ ምህላው ልሙድ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈት እዩ። ክትበጽሖም ትኽእል ብዙሓት ሃገራውያን ሕዛእቲ ኣለዉ። ብእግርኻ ኽትጕዓዘሎም እትኽእል ብዙሓት መተሓላልፎታት እውን ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ብእግርኻ ትጓዓዙሉ መገዲ ጐጀታት ወይ ካብ ንፋስ መዕቈቢታት ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ነቲ መሬት መን ከም ዝውንኖ ብዘየገድስ ኵሉ ሰብ ኣብ ተፈጥሮ ክህሉ ይፍቀዶ እዩ። እዚ መሰል ኵሉ ሰብ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ብመሰረት መሰል ኵሉ ሰብ፡ ጐምጠጥ (ፍረታት)፡ ቃንጥሻን ዕምባባታትን ክትኣሪ ይፍቀደካ እዩ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ናይ ሰብ ኣቲኻ ክትኣሪ ኣይፍቀድን እዩ። ገሊኦም ኣትክልቲ ዝተዓቀቡ እዮም። ፈጺምካ ክትቅንጥቦም የብልካን። ኣብ ሃገራዊ መናፈሻታትን ሃገራዊ ሕዛትእን እንታይ ክትኣሪ ከም ዝፍቀደካ ፍሉይ ሕግታት ክህሉ እውን ይኽእል እዩ።

ካንታረል፡ ካርልዩሃን ካንታረል ትራትካንታረል ዝብሃል ኣብ በረኻ ክትኣርዮ ትኽእል ዓይነት ቃንጥሻ ኾይኑ ክብላዕ ዝከኣል ቃንጥሻ እዩ። ዘይትፈልጦ ዓይነት ቃንጥሻ ኣይትእረ። ንኣብነት ከም ፍሉግስቫምፕ ዝብሃል ዓይነት ቃንጥሻ ዝኣመሰሉ መርዛማት ቃንጥሻ ኣለዉ። ኣብ ዱር ክብላዕ ዝኽእል ብዙሕ ፍረታትእውን ኣሎ። ሊንጎን፡ ብሎቤር፡ ዩርትሮን ከምኡ'ውን ሃሎን ኵሎም ክትበልዖም ጥዑማት ጐምጠጥ (ፍረታት) እዮም። መርዛም ፍረታት እውን ኣሎ። ዘይትፈልጦ ዓይነት ጐምጠጥ (ፍረታት) ኣይትእረ።

ሽወደናዊ ማሕበር ናይ ደገ ንጥፈታት (Svenskt Friluftsliv) ብዛዕባ መሰል ኵሉ ሰብ (allemansrätten) ዝገልጽ ፊልምታት ኣዳልዩ ኣሎ። እዞም ፊልምታት ብሽወደንኛ ኮይኖም፡ ብዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፋርስኛን ቋንቋ ዩክሬይንን ትሕተ-ኣርእስቲ ኣለዎም።

ኵለን ኣብ ሽወደን ዘለዋ ኮሙናት ንነበርተን ዝኸውን ቤት ንባብ ኣለወን።

ኣብ ቤት ንባብ መጻሕፍቲ ክትልቃሕ፡ ጋዜጣ ከተንብብ፡ ሙዚቃ ክትሰምዕን ኮምፕዩተር ክትጥቀምን ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ብብዙሕ ብእተፈላለየ ቋንቋታት መጻሕፍትን ጋዜጣታትን ኣሎ። ገሊኣን ኣብያተ ንባብ ናይ ቋንቋ ልምምድንን ሓገዝ ናይ ትምህርቲ ዕዮ ገዛን እውን ኣለወን።

መጻሕፍቲ፡ ጋዜጣታትን ሲዲታትን ብዘይክፍሊት ትልቃሕ። ንኽትልቃሕ ሓደ ካርድ ቤት ንባብ (መለቅሒ ካርድ) የድልየካ። መለቅሒ ካርድ ኣብ ቤት ንባብ እዩ ዝወሃበካ።

ናይ ልቓሕ ግዜ መብዛሕትኡ ግዜ ሰለስተ ሰሙን እዩ። መጽሓፍ ወይ ካልእ ነገር ክትልቃሕ ከለኻ፡ እቲ ልቓሕ መዓስ ከም ዝምለስ ዝገልጽ ቅብሊት ክትቅበል ኢኻ። ነቲ ልቓሕ ኣብ ግዚኡ እንተ ዘይመለሲካዮ፡ ናይ ምዱንጓይ ክፍሊት ክትከፍል ኢኻ።

መብዛሕትኣን ኣብያተ ንባብ ናይ ኮምፕዩተርን ኢንተርነትን ኣቕርቦት እውን ኣለወን። ሓደ ሰነድ ክትሓትም ወይ ክትቀድሕ እንተ ደሊኻ ገንዘብ ክትከፍል ኣሎካ።

ብዙሓት ኣብያተ ንባብ ናይ ቋንቋ ካፈታት (språkcaféer) እውን የዳልዋ እየን። ኣብኡ እተፈላለየ ቋንቋታት ንኽለማምዱ ዝመጹ ሰባት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ክትወሳወስ ወይ ክትለማመድ ትግደስ እንተ ዄንካ፡ ብዙሕ ዕድላት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ህዝባውያን መናፈሻ፡ መሓምበሲ ኣዳራሻትን ኣድራሻ በረድን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ንኣብነት ተኒስ ክትጻወተሉ ወይ ካልኦት ንጥፈታት ክትገብረሉ ትኽእል ናይ ስፖርት ኣዳራሻትን ኣሎ።

ኣብ ሓደ ማእከል ልምምድ ክትለማመድ እንተ ደሊኻ ሓደ ክፍሊት ናይ ግድን ክትከፍል ኣሎካ። መብዛሕትኡ ግዜ ወርሓዊ ኢኻ ትኸፍል። ከምኡ'ውን ንገለ ንጥፈት ክትፍትን እንተ ደሊካ፡ ናይ ንጽል ካርድ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኦም ማእከል ልምምድ ህንጸተ-ኣካል (ጂም)ን ናይ ጕጅለ ልምምድን ይቕርቡ እዮም። እቲ ናይ ጕጅለ ልምምድ ንኣብነት ጂም፡ ሳዕስዒት ወይ ዮጋ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ስነ-ጥበብ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዘርእዩ ኣብያተ መዘክራትን ናይ ስነ-ጥበብ ጋለሪን ኣሎዉ። እዚ፡ ኵሉ ካብ ቅብኣ፡ ስነ-ውቕሮ ወይ ግራፋዊ ንድፊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ናይ መእተዊ ክፍሊት ክትከፍል የድልየካ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብናጻ እዩ።

ሽወደን ሃብታም ናይ ሙዚቃ ሂወት፡ ንኣብነት ከም ኮንሰርት፡ ምስ መዘምራን ምዝማርን ኦፐራን ዝኣመሰሉ ኣሎዋ። ገሊኤን ባራት ሓደ ሓደ ምሸት ህያው ሙዚቃ ይቕርባ እየን። ከምኡ'ውን ኣብ ጐደና ክትደርፍን ሙዚቃ ክትጻወትን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ህዝባውያን ቦታታት ሙዚቃ ንኽትጻወት ፍሉያት ሕግታት ኣሎዎ። እቶም ሕግታት ካብ ኮሙን ናብ ኮሙን ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ኵሉ ቦታታት ናይ ሽወደን ክፉታት ዝኾና ኣብያተ ክርስትያናትን ካልኦት ሃይማኖታውያን ኣዳራሻትን ኣለዋ። ኣብ ቤት ክርስትያን ሽምዓ ክትውልዕን ንሰላም ምስትንታንን ግዜ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት መስጊዳትን ምዅራብን (ናይ ኣይሁዳውያን ቤት ጸሎት) እውን ኣሎ።

ናይ ሽወደን ታሪኽ ኣብ ብዙሓት ናይዚ ዓዲ ኣብያተ-መዘክራት ክርኣ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኣን ካብዘን ኣብያተ- መዘክራት ናይ መእትዊ ክፍሊት የኽፍላ እየን።

ናይ ጥንቲ ሰባት ኣሰር ዝኾነ ቅርስታት እውን ኣሎ።

​ሽወደንኛ ንኽትምሃር ዝበለጸ ኣገባብ እንተሎ፡ ሽወደንኛ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ምዝራብ'ዩ።

ምስ ሓደ ብኢንተርነት ርክብ ዝነበረካ ሰብ ብኣካል ክትራኸቦ እንተ ዄንካ፡ ክትጥንቀቕ ከም ዘለካ ዘክር። ናበይ ከም እትኸይድ ዘለኻ ንሰብ ክትነግር ጽቡቕ እዩ። ምስቲ ሰብ ከኣ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ክትራኸብ ወስን።

ብዙሓት ኮሙናትን ወለንታውያን ማሕበራትን ንሓደሽቲ መጻእቲ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ምስ ሽወደናውያን ንኽራኸቡ ኣብ ምሕጋዝ ይነጥፋ እየን። ስም ናይቲ ንጥፈታት ክፈላለ ይኽእል እዩ። ስፕሮክቬን (språkvän)፡ ሓባሪ ስደተኛ (flyktingguide)፡ ኣቦ (fadder)፡ ዓላማይ (mentor) ወይ ዓርኪ (kompis) ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል እዩ።

ብሓገዝ ናይ "ብጻይ ቋንቋ" ወይ "መራሒ ስደተኛ"፡ ቀልጢፍካ ሽወደንኛ ክትማሃርን፡ ዕለታዊ መነባብሮኻ ዘቃልሉ ርክባት ክትፈጥርን ትኽእል ኢኻ። ናይ ቋንቋ ዓርኪ ወይ መራሒ ስደተኛ ክህልወካ ከም ትደሊ፡ ንኮምዩንካ ኢኻ ትሕብር።

ኣብ ከባቢኻ ኣብ ተፈጥሮኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል?

ሓደ ሰብ ነየናይ ቦታታት ክበጽሖ ምመኸርካዮ?