ሰብን ብዓል ኣከባብን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 5 2 2024

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

ኣነባብራና ንኣከባብን ንክሊማን ይጸልዎ እዩ። ንኣብነት ኣከባብን ክሊማናን በቲ እንበልዖ ምግቢ፡ በቲ እንጐዓዘሉ መገዲ፡ ብኸመይ ከም ንነብርን በቲ እንዕድጎ ነገራት ይጽሎ እዩ። ልክዕ እዩ ፕላኔትና ጽቡቕ ንኽትህሉ ሓላፍነት ዝወስዱ ውልቀ ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን። ፖለቲከኛታት፡ ትካላት፡ ውድባትን ካልኦት ብዙሓትን እውን ክሕግዙ የድልዮም እዩ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣከባብን ክሊማን እዩ። ብዛዕባ ኣከባብያዊ ሸቶታት ናይ ሽወደንን ክሊማዊ ለውጥታት እንታይ ማለት ምዃኑን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ብኸመይ ብዝያዳ ምስ ተፈጥሮ ተሳኒኻ ክትነብር ከም ትኽእልን ኣብ ተፈጥሮ ኣብ ትህልወሉ እዋን ኣየኖት ግዴታታትን መሰላትን ከም ዘለካ እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

መንግስቲ ሽወደን ንኣጀንዳ 2030 ናይ ው. ሕ. ሃ. ዓለምለኻዊ ሸቶታት ንዘላቒ ምዕባለ ክበጽሖ ይጽዕር እዩ። ኣጀንዳ 2030 ድኽነት ንምጥፋእ፡ ክሊማዊ ለውጥታት ደው ንምባልን ሰላምን ድሕንነትን ዘለዎ ማሕበረ ሰብ ንምፍጣርን ዝወጸ መደብ እዩ።

ዘላቒ ምዕባለ፡ ንሕና ሕጂ ነቲ መጻኢ ወለዶታት ከም ናትና ዕድላት ክህልዎም ክኽእል ብዝገብር መገዲ ክንነብር ኣሎና ማለት እዩ። ዘላቕነት ሰለስተ ክፋላት ኣለዎ፣ ቍጠባዊ ዘላቕነት፡ ማሕበራዊ ዘላቕነትን ኢኮሎጅያዊ ዘላቕነትን እዮም። ኵሉ ሰለስቲኡ ክፋላት ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ጽሩይ ማይን ጽሩይ ኣየርን ንጥዕናናን ንኣከባቢናን ኣገዳሲ እዩ።

ሽወደናዊ ኣከባብያዊ ሸቶታትን ቀጻሊ ዕቤትን

ናይ ሽወደን ናይ ኣካባብያዊ ሸቶታት ፖሊሲ ንዅሉ ነገር ኣብ ግምት ዘእተወ ዕላማ ኣለዎ። ዕላማኡ ነቲ ዘለና ዓበይቲ ኣከባብያዊ ጸገማትና ሕጂ ምፍትሑ ደኣ እምበር ናብ ዝመጽእ ወለዶታት ዘይምስግጋር እዩ። ኣብ ርእሲ'ዚ ነቶም ናይ ሽወደን ናይ ኣካባብያዊ ሸቶታት ንኽትበጽሖም ኣብ ካልኦት ሃገራት ተወሳኺ ናይ ኣከባቢ ጸገማትን ናይ ጥዕና ጸገማትን ከምጽእ የብሉን ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ነዚ ወሲኑ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ዘሎ ኣከባብያዊ ሸቶታት ንምውቃዕ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ዅሉ ሰብ ክተሓጋገዝ ኣለዎ፦ መንግስታውያን ትካላት፡ኩባንያታት፡ ተገዳስነት ዘለዎም ጕጅለታት እንተዀነ ግን ኵላትና ኣብ ሽወደን ንነብርን ንነብርን ኢና። ገሊኣቶም ብዓል መዝታት ንኣብነት ብዓል መዚ ምክንኻን ተፈጥሮ፡ ምምሕዳር ዞባን ብዓል መዚ መጓዓዝያን እቲ ናይ ኣከባቢ ሸቶታት ንኽብጻሕ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎም።

ናይ ኣከባቢ ሸቶታት፡ እተፈላለየ ዓውድታት ዝሽፍን እዩ። ንኣብነት ጽሩይ ኣየር፡ ምዕቃብ ስነ-ህይወታዊ ብዙሕነት፡ ጽሩይ ማይ፡ ምክልኻል ኣግራብን ባሕርታትን ከምኡ'ውን ፍንወት ጋዛት ሓምላይ-ገዛ ምንካይ።

ኣከባብያዊ ሸቶታት ኣብ ኣብ ሽወደን ዘላቒ ምዕባለ ንኽህሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣገደስቲ እዮም። ዘላቒ ምዕባለ ማለት ነቲ ሓባራዊ ጸጋታትና ብቝጠባዊ፡ ማሕበራውን ኢኮሎጅያውን መዳይ ዘላቒ ብዝኾነ መገዲ ምጥቃም ማለት እዩ።

ጽቡቕ ኣከባቢ እንታይ ማለት እዩ? ብዛዕባ እዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ?

ጽቡቕ ኣከባቢ ክህልወና ሓላፍነት ናይ መን እዩ? ብዛዕባ እዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ?

ክሊማዊ ለውጥታት

ኣብ መንጎ ኵነታት ኣየርን ክሊማን ፍልልይ ኣሎ። ኵነታት ኣየር በብመዓልቱ እተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ጸሓይ ይኸውን ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ዝናብ ይዘንብ። ገሊኡ ቈራሪ ወርሓት ሓጋይ ካብ ካልእ ኣዝዩ ቈራሪ ይኸውን። ክሊማ ኵነታት ኣየር ንዓመታት ወይ ንዘመናት ኣብ ሓደ ቦታ ብኸመይ ከም ዝነበረ ዝገልጽ እዩ። ተመራመርቲ ነቲ ክሊማ ንምዕቃን ንንውሕ ዝበለ ግዜ ሓበሬታ ክእክቡ ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ ተመራመርቲ ነቲ ክሊማ ምእንቲ ክርድእዎን ክገልጽዎን ኣብ ነናይ 30 ዓመት እዋን ወይ ካብኡ ዝነውሕ ይልክዕዎ።

ክሊማ ምድሪ ወትሩ ምስ ተለዋወጠ እዩ። ምድሪ ዝሞቐትን ዝዘሓለትን ዝነበረትሉ እዋናት ነይሩና እዩ። ንኣብነት መብዛሕትኡ ክፋል ምድሪ ብበረድ እተሸፈነሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ናይ ቅድሚ ሕጂ ክሊማዊ ለውጥታት ብዙሕ ኣሽሓት ዓመታት እዩ ወሲዱ፣ ሎሚ ግን ክሊማዊ ለውጢ ኣዝዩ ቅልጡፍ እዩ ዘሎ።

ሙቐት ምድሪ ይውስኽ እዛ ፕላነት ከኣ እናሞቐት ትኸይድ። እቲ ሳዕቤን ሓምላይ-ገዛ ዝብሃል ከም ዝብርትዕ ዝገብሮ ብኸፊል ብሰንኪ እቲ ንሕና ሰባት ንፍንዎ ጋዛት ሓምላይ-ገዛ እዩ።

ሳዕቤን ሓምላይ-ገዛ ባህርያዊ ክስተት እዩ። ብዘይ ሳዕቤን ሓምላይ-ገዛ ኣብ ምድሪ ህይወት ኣይሃለወን ነይሩ። ምድሪ ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ኣዚያ ቈራሪት ምዀነት ነይራ። ኣብ ዙርያ ምድሪ ከም ሃፋ ማይ፡ ካርቦን ዳይኦክሳይድን ሜታንን ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ጋዛት ዝሓቘፈ ሃዋህው ኣሎ። እቶም ጋዛት ጋዛት ሓምላይ-ገዛ ይብሃሉ። ንሶም ኣብ ዙርያ ምድሪ ሰሪቦም ጩራታት ጸሓይ ናብ ህዋ ኣብ ክንዲ ዘንጸባርቕ ኣብ ምድሪ ጸኒሑ ከም ትመውቕ ይገብሩ። ዳርጋ ከም ኣብ ሓደ ሓምላይ-ገዛ።

ንሕና ሰባት ዝያዳ ጋዛት ሓምላይ-ገዛ ክንፍኑ ከለና፡ ሳዕቤን ሓምላይ-ገዛ ዝደልደለ ይኸውን፡ ፕላነትና ድማ ዝሞቐት ትኸውን። ንኣብነት ብመጓዓዝያና፡ ኢንዱስትሪታትናን ምግቢ ከነፍሪ ከለናን ጋዛት ሓምላይ-ገዛ ንፍኑ። ምውሳኽ ሙቐት ምድሪ መብዛሕትኡ ግዜ ግሎባዊ ውዕየት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ክሊማዊ ለውጥታት ንሕብረተ ሰብና ብብዙሕ መንገድታት ይጸልዎ እዩ። ንኣብነት ከም ብርቱዕ ድርቂ ወይ ብርቱዕ ዝናም ዝኣመሰለ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ዝያዳ ልሙድ ይኸውን። ብሰንኪ ምምካኽ በረድ ዓለም ጽፍሒ ባሕሪ ይውስኽ። ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ መሬት ትሕቲ ማይ ከይጥሕል ስለ ዘስግእ ሰባት ክግዕዙ ክግደዱ ይኽእሉ ይኾኑ። ክሊማዊ ለውጥታት ካብ ቅድሚ ሕጂ ኣዚዩ ቀልጢፉ እዩ ዘጋጥም ዘሎ፣ እዚ ድማ ንኣብነት ሓደ ሓደ እንስሳታትን ኣትክልትን ምስቲ ኵነታት ንኽወሃሃዱ ከም ዘየርክቡን ከም ዝሞቱን ይገብር።

ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ትነብረሉ ዝነበርካን ሕጂ ትነብረሉ ዘለኻን ኣከባብያዊ ጸገማት ኣስተብሂልካሉ'ዶ ትፈልጥ?

ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘላቒን ምስ ተፈጥሮ ተሳኒኻ ምንባርን

ኵላትና ብህይወት ንምንባር ኣብ ፕላኔትናን ተፈጥሮን ኢና እንምርኰስ። ስለዚ ኵላትና ብዝያዳ ምስ ተፈጥሮ ክንሳነን ዘላቒ ኣነባብራ ክንነብርን ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ኣብዚ ክፋል እዚ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ዝያዳ ምስ ተፈጥሮ ክትሳነየሉ እትኽእል እተፈላለየ መዳያት ብዝያዳ ክትፈልጥ ኢኻ።

ጐሓፍን ዳግመ-መዓላን

ኣብ ሽወደን ዓመታዊ ብዙሕ ጐሓፍ ይእከብ። ኵሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ ጐሓፉ ክፈላልዮ ከመ ዘለዎ ሕጊ እዩ። ጐሓፍካ እንተ ፈላሊኻዮ ንኣከባቢ እውን ጽቡቕ እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ንድርብዮ ኣብ ካልእ ነገር ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። እዚ ዳግመ-መዓላ ጐሓፍ ይብሃል። ጐሓፍ ብምፍልላይን ኣብ ዳግመ-መዓላ ምውዓልን ንጸጋታ ፕላኔትና ንዕቅቦም።

ኣብ ጥቓ መብዛሕትኡ መንበሪ ቦታታት ጐሓፍካ እትፈላልየሉ መደበራት ወይ እንዳ ጐሓፍ ክፍሊ ኣሎ። እዚ ተረፍ መረፍ-መግቢ፡ ሜታል፡ ጠራሙዝ፡ ፕላስቲክን ወረቐትን ኣብ እተፈላለየ መትሓዚ ትድርብዮ ማለት እዩ።

ጐሓፍ ክትድርብየሎም እትኽእል ካልኦት ቦታታት'ውን ኣለዉ፦

መደበር ዳግመ-መዓላ

ኣብዚ ባኮታት ፡ ጋዜጣታትን ባተሪታትን ክትገድፍ ትኽእል።

መደበር ኣከባቢ

ኵሉ ሰብ ንኣከባቢ ሓደገኛ ዝዀኑ ጐሓፋቱ ክእክቦም ኣለዎ። ነዚ ብእተፈላለየ መገዲ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ሓደገኛ ዝኾነ ጐሓፍካ ኣብ መደበር ኣከባቢ፡ ኣብ ማእከል ዳግመ-መዓላ ወይ ንኣብነት ኣብ ዱኳናት ኣብ ዝርከብ መኣከቢ ክትገድፎ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ሓደገኛ ጐሓፍ ንምእካብ ኣብ እቲ ኮሙን ትዘውር ፍልይቲ ማኪና እውን ኣላ።

ማእከል ዳግመ-መዓላ

ኣብዚ ግዝፍ ዝበሉ ጐሓፋትን ዓበይቲ ነገራትን ከምኡ'ውን ሓደገኛ ጐሓፋት ንኣብነት ኬሚካላትን ኤለክትሮኒክስን ምግዳፍ ይክኣል።

ማይን ናይ ረሳሕ ፈሳሲ ትቦታትን

ኣብ ሽወደን ብዙሕ ማይ ኣሎ። እቲ ኣብ ቡምባ ዘሎ ማይ ልዑል ብሉጽነት ዘለዎ እዩ። እቲ ዝሑል ማይ ክትሰትዮንን ክትክሽነሉን ዘተኣማምን እዩ፣ ካብ ቡምባ ውዑይ ማይ ኣይትስተ። ምግቢ ክትክሽን ከለኻ እውን ውዑይ ማይ ኣይትጠቐም። ውዑይ ማይ ክትጥቀም ከለኻ ሓደ ሓደ ሜታል ምስኡ ክወጽእ የስግእ እዩ። ንኣብነት ኣእዳውካ ኽትሓጽብ፡ ከተጸርን ነብስካ ክትሕጸብን ከልኻ ውዑይ ማይ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ካብ ናይ ረሳሕ ፈሳሲ ትቦታት ዝመጽእ ማይ፡ ናብ ሓደ ፋብሪካ መጻረዪ (reningsverk) የምርሕ። ፋብሪካ መጻረዪ (reningsverk) ንማይ የጻርን ድሕሪኡ ነቲ ማይ ናብ ቀላያትን ባሕርን ይደፍኦ። ኵሉ ነገር ክጸሪ ኣይክእልን እዩ፣ ሓደገኛ ንጥረ-ነገራት ካብ ማይ ምውጻእ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ኢና ንኣብነት ቀለም ወይ መድሃኒት ኣብ ናይ ረሳሕ ማይ መፍሰሲ ክንክዕዎ ዘይብልናን።

ቅብኣትን ዘይቲ ምግብን ኣብ ጐሓፍ ደርብዮ። ቅብኣትን ዘይቲ ምግብን ናብቲ ረሳሕ ማይ ነፍስሰሉ እንተ ክኵዒናዮ ክዓብሶ ይኽእል እዩ።

ጸዓት

ኵሉ እንጥቀመሉ ጸዓትን ኤለክትሪክን ንኣከባቢ ይጸልዎ እዩ። ኣብ መጓዓዝያ፡ መሞቒ ህንጻታትን ኢንዱስትርን ብዙሕ ጸዓት እዩ ዝሃልኽ። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጸዓት ካብ ነዳዲ፡ ጋዝን ከሰልን እዩ ዝመጽእ፡ ንኣከባቢ ድማ ጽቡቕ ኣይኰነን። ኣብ ክሊማ ዝርአ ለውጥታት ንምንካይ ዝወሓደ ጸዓት ክንጥቀምን፡ ንኣከባቢ ዝጠቅም ካብ ማይ፡ ንፋስን ጸሓይን ዝርከብ ጸዓት ክንመርጽን ኣለና።

ነቲ ካብ ማካይን ዝፍኖ ጋዛት ንምንካይ ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጐዓዝ ትኽእል ኢኻ። ብህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጐዓዝ ማለት፡ ኣብ ክንዲ ማኪና ስፖር-ቫግን፡ ቱነልባና ወይ ኣውቶቡስ ትወስድ ማለት እዩ። ኣብ ክንዲ ብነፋሪት ትጐዓዝ ብባቡር ክትጐዓዝ እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ድኳን እትዕድጎ ነገራት ምሕሳብ ጽቡቕ እዩ። ኣብ ጥቓ እቲ እትነብረሉ ከባቢ እተሰርሐ ነገራት ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ። ምህርቲ ስጋ ብዙሕ ጸዓት ስለ ዝሓትት፡ ዝወሓደ ስጋ ክትበልዕ እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ ። ኣብ ቤትካ እውን ጸዓት ከትቍጥብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ክበርህ ዘየድልየካ መብራህቲ ብምጥፋእን ኣብ መሞቝ ሙቐት ብምንካይን ነዚ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

እዚ ኤለክትሪክ ንምቝጣብ ክትገብሮ ትኽእል

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሽወደንን ኣውሮጳን ሕጽረት ኤለክትሪክ ኣሎ። ሽዑ ድማ ኤልክትሪክ ይኸብር። ስለዚ ኢና ዝወሓደ ኤለክትሪክ ክንጥቀም ዘድልየና ዘሎ።

ዝወሓደ ኤለክትሪክ እንተ ተጠቒምካ ገንዘብ ከትቁጥብ ትኽእል ኢኻ። ዝወሓደ ኤለክትሪክ ምጥቃም ንኣከባቢ እውን ጽቡቕ እዩ። ኵልና ኣብ ኣጠቓቕማ ኤለክትሪክ እንተ ተሓጋጊዝና፡ ንሓደጋ ምቁራጽ ኤለክትሪክ ክንንክዮን ንዋጋ ኤለክትሪክ ክንጸልዎን እውን ንኽእል ኢና።

ኤለክትሪክ ንምቝጣብ ዝሕግዙኻ ምኽርታት፦

  • ነቲ ናይ መሞቒ ሙቐት ኣትሕቶ፡ ብፍላይ ናይ ኤለክትሪክ መሞቒ ምስ ዝህልውካ።
  • ውዑይ ማይ ምጥቃም ቀንሶ፡ ንኣብነት ነብስካ ክትሕጸብ ከለካ ዝሓጸረ ግዜ ውሰድ። ከምኡ’ውን መሕጸብ ኣቁሑትን መሕጸብ ክዳውንትን ክመልእ ከሎ ጥራይ ብምሕጻብ ውዑይ ማይ ክትቁጥብ ትኽእል ኢኻ።
  • ክዳውንትኻ ኣብ ክንዲ ኣብ መንቀጺ ማሽን ኣብ መስጥሒ ኣንቅጾ።
  • ዘይትጥቀመሉ ኤሌክትሮኒክ ንኣብነት ከም ተሌቭዥንን ኮምፕዩተርን ኣጥፍኣዮም። ኣብ ድሉው ኵነታት ዘሎ (ምሉእ ብምሉእ ዘይጠፍኣ) ኤሌክትሮኒክ እውን ኤለክትሪክ ይስሕብ እዩ።
  • ካብ ክፍሊ ክትወጽእ ከለኻ መብራሕቲ ኣጥፍእ።
  • መሳዅትን መዓጹን ንፋስ ከየእቱ ዓሽጎ።
  • ኣቕሑትን ክዳውንትን ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ወይ ቀዳመ-ሰንበት ሕጸብ። ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት ኣብ መንጎ ሰዓት 07.00-09.00 ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ሰዓት 17 00-19 00፡ ብዙሓት ሰባት ኤለክትሪክ ስለ ዝጥቀሙ ኣብ መስመር ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘሎ ጽዕነት ልዑል እዩ።

ዘላቒ ሃልኪ

ኣብ ሽወደን ምስ ካልኦት ሃገራት ክንወዳደር ከለና ብዙሕ ኢና ነህልኽ። ፍርያትን ኣገልግሎታትን ክንዕድግ፡ ክንጥቀመሉን ክነህልኾን ከለና፡ ንኣከባቢን ክሊማን ይጸልዎ እዩ። ክዳውንቲ፡ ጫማ፡ ኣቕሑ ገዛ፡ ምግብን ካልእ እነህልኾ ነገራትን፡ ንምድላው ካብ ተፈጥሮ ብዙሕ ጸጋ የድልዮ እዩ። ንኣብነት ንኽዳውንቲ ዝኸውን ጡጥ ንምብቋል ብዙሕ ማይ የድሊ። ምህርቲ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ነቲ ፍንወት ጋዛት ሓምላይ-ገዛ የበርክት፣ ንሱ ብግዲኡ ድማ ንክሊማዊ ለውጥታት ኣበርክቶ ይገብር።

ንኣብነት ኣቕሑ ተለቂሕና ወይ ተኻርና ወይ ናይ ካልኣይ ኢድ (ሰከንድ ሃንድ) ብምዕዳግን ብምሻጥን ዝያዳ ዘላቒ ብዝኾነ ኣገባብ ከነህልኽ ንኽእል ኢና። ብዙሕ ነገራት እውን ከተዕርዮ ይከኣል እዩ። ኣካባብያዊ ምልክት (miljömärkning) ዘለዎም ፍርያት እውን ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ።

ኤኮሎጅያዊ ምግቢ

ኣብ ድኳንካ ኽትዕድግ ከለኻ ኣሕምልቲ፡ ፍረታት፡ ስጋ፡ ጸባን ካልኦት ብዙሓት ዓይነት ኤኮሎጅያውያን ዝኾኑ ምግቢን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ክበሃል ከሎ እቲ ሓረስታይ ወይ እቶም ምግቢ ዘፍርዩ ካልኦት ሰባት ብእተኻእሎም መጠን ንኣከባቢ ምእንቲ ከይጸልውዎ ብመሰረት ፍሉይ ሕግታት እዮም ኣብቝሎሞ ማለት እዩ። ንኣብነት ካብ ተፈጥሮ ወጻኢ ዝኾነ ድዅዒ ወይ ከሚካላት ክጥቀሙ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ንከም ጸረ ነፍሳት ዝኣመሰለ ንእንስሳታት ዝኸውን መድሃኒት እውን ጽኑዕ ሕግታት ኣሎ።

ኣካባብያዊ ምልክታት (Miljömärkningar)

እተፈላለዩ ብዙሓት ኣካባብያዊ ምልክታት ኣለዉ። ሓደ ፍርያት ኣካባብያዊ ምልክት ምስ ዚግበረሉ፡ እቲ ምህርቲ እተወሰነ ኣከባብያዊ ብቕዓታት የማልእ ማለት እዩ። ኣብነት ናይ ኣካባብያዊ ምልክት፡ Bra Miljöval፡ EU Ecolabel (ናይ ሕብረት ኤውሮጳ-ዕምባባ)፡ EU:s ekomärke (እታ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ-ቆጽሊ), KRAV, MSC, FSC och GOTS እዮም።

ኣብ ምግቢ ዝግበር ኤኮሎጂካዊ ምልክት፡ KRAV och EU:s ekomärke (እታ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ-ቆጽሊ) እዮም።

ኣብ ቀረባ ዝበቍል ወይ ኣብ ቀረባ ዝዳሎ ምግቢ

ኣብ ጥቓ እቲ እትዕድገሉ ቦታ ዝበቍል ወይ ዝፈሪ ምግቢ ቀረባ ዝበቍል ወይ ቀረባ ዝዳሎ ምግቢ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ምግቢ ኣብ ቀረባ ዝዳሎ ምዃኑ ኵሉ ግዜ ንኣከባቢ ዝሓሸ እዩ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ፍርያት ብኸመይ ከም ዝበቍል ወይ ከም ዝፈሪ ካብቲ እቲ ኣቕሓ ዝጓዓዘሉ ቦታ ንላዕሊ ንኣከባቢ ይጸልዎ እዩ። ኣብቲ ቀረባ ዝበቍል ወይ ኣብ ቀረባ ዝዳሎ ምግቢ ክንዕድግ ዘድልየና ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ነቶም ኣብቲ ትነብረሉ ዝርከቡ ኣፍረይትን ድኳናትን ክትድግፎም ትደሊ ትኸውን። ብእተኻእለካ መጠን ሓድሽ ፍርያት ክትረክብ ትደሊ ትኸውን። ኣቕሑ ናብ ርሑቕ ቦታ ከይከይድ ክተወግድ ትደሊ ትኸውን።

ንኣከባቢ ብዝወሓደ ንምጽላው ክትገብሮ እትኽእል ነገር ኣሎዶ፡ እንተ'ሎ ኾይኑ እንታይ?

ኣብ ተፈጥሮ ምዃን

መሰል ኵሉ ሰብ

ኣብ ሽወደን ነቲ መሬት መን ከም ዝውንኖ ብዘየገድስ ኵሉ ሰብ ኣብ ተፈጥሮ ክህሉ ይፍቀዶ እዩ። እዚ መሰል ኵሉ ሰብ (allemansrätten) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መሰል ኵሉ ሰብ ንኣብነት ኣብ ብሕታዊ መገድታት ክትከይድ ክትክእል ወይ ኣብ ተፈጥሮ ንሓደ ለይቲ ቴንዳ ተኺልካ ከተዕርፍ መሰል ይህበካ።

ብመሰረት መሰል ኵሉ ሰብ፡ ጐምጠጥ (ፍረታት)፡ ቃንጥሻን ዕምባባታትን ክትኣሪ ይፍቀደካ እዩ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ናይ ሰብ ኣቲኻ ክትኣሪ ኣይፍቀድን እዩ። ገሊኦም ኣትክልቲ ዝተዓቀቡ እዮም። ፈጺምካ ክትቅንጥቦም የብልካን። ኣብ ሃገራዊ መናፈሻታትን ሃገራዊ ሕዛትእን እንታይ ክትኣሪ ከም ዝፍቀደካ ፍሉይ ሕግታት ክህሉ እውን ይኽእል እዩ።

መሰል ኵሉ ሰብ፡ ጥንቁቓት ክንከውን፡ ከምኡ’ውን ንተፈጥሮ፡ እንስሳታት፡ ወነንቲ መሬትን ካልኦት በጻሕትን ከነኽብር ኣለና ማለት እውን እዩ።

ንኣብነት ኣብቲ ሓረስቶት ዝዘርእሉ ቦታ ክትከይድ ኣይፍቀደልካን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጥቓ እቲ ዝተዘርኣ መሬት ክትከደሉ እትኽእል መንገዲ ኣሎ።

ኣብ ተፈጥሮ ጐሓፍ ኣይትደርቢ። ኣብ ሽወደን ጐሓፍ ኣብ ናይ ህዝቢ ቦታ ምድርባይ ዘይሕጋዊ እዩ። እቲ ጐሓፍ ኣብ ናይ ህዝቢ ቦታ ዝድርቢ ብገንዘብ ክቕጻዕ ወይ ክእሰር ይኽእል እዩ። ጐሓፍካ ወሲድካ ኣብ መፈላለዪ ጐሓፍካ ደርብዮ።

ዘይጠፍኣ ተረፍ ሽጋራ ብፍጹም ኣብ ተፈጥሮ ኣይትደርቢ። እቲ ጓህሪ፡ ባርዕ ሓዊ ከበግስ ይኽእል እዩ።

ብጫ ዓይነት ቃንጥሻ ኣብ ሓደ ቅርቅሃ ዘንቢል።

ስእሊ: Pixabay

ሓዊ ከተንድድ ወይ ክትጠብስ ከለኻ ጥንቁቕ ኩን

ሓዊ ኣብ ዘይዝርግሓሉ ወይ ንተፈጥሮ ኣብ ዘይጎድኣሉ ቦታ ሓዊ ምንዳድ ወይ ምጥባስ። ኣብ መናፈሻታትን ተፈጥሮኣዊ ሕዛእትን መብዛሕትኡ ግዜ ክትጠብሰሉ እትኽእል ፍሉይ መእጐዲ ሓዊ ቦታታት ኣሎ። ምስ ወዳእካ ነቲ ሓዊ ጽቡቕ ጌርካ ኣጥፍኣዮ።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ተፈጥሮ ሓዊ ምንዳድ ወይ ምጥባስ ክልኩል ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣዝዩ ንቑጽ ወይ ብዙሕ ይነፍስ እንተ’ሎ ኾይኑ፡ ኣብ ተፈጥሮ ሓዊ ከተንድድ ኣይፍቀድን እዩ። እቲ ካብ ሓዊ ጠራዕራዕ ኢሉ ዝወጽእ ንጣር፡ ባርዕ ከበግስ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣኻውሕ ወይ ኣብ ዓበይቲ ኣእማን ኴንካ ሓዊ ኣይተንድድ። ብሰንኪ ዋዒ ክጭደዱን ክበላሸዉን ይኽእሉ እዮም።

ሓዊ ክትኣጕድ ወይ ክትጠብስ እንተ መዲብካ፡ ባርዕ ከጋጥመካ ተኽእሎ ከይህሉ ወይ ብኮሙንካ ወይ ምምሕዳር ዞባ ክልከላ ምንዳድ ሓዊ ተገይሩ ከይህሉ ኣረጋግጽ። ብዛዕባ ሓደጋ ባርዕን ሓዊ ምንዳድን ሕቶታት ምስ ዝህልወካ፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከብ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ Krisinformation.se ኣብዚ እዋን እዚ ኣበይ ናይ ምንዳድ ክልከላ ከም ዘሎ ዘርኢ ካርታ ኣሎ።

ሕዛእቲ ተፈጥሮ

ሕዛእቲ ተፈጥሮ ሓደ ሰፊሕ ከባቢ ኮይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ተፈጥሮ፡ ኣታኽልትን እንስሳታትን ኣዚዮም ተነቀፍቲ ወይ ፍሉያት ብምዃኖም ካብ ብዓል መዝታት ጸወነ ዝተገብረሎም እዮም። ብዘይካዚ ሰባት ኣብ ተፈጥሮ ኮይኖም ግዳማዊ ምንቅስቓሳት ምእንቲ ክህልዎም እውን ሕዛእቲ ተፈጥሮ ክግበር ይከኣል እዩ። ኣብ ሽወደን ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቝጸር ሕዛእቲ ተፈጥሮ ኣሎ። ጥንታዊ ዱር፡ ነዋሕቲ ኣኽራን ወይ ኣብተን እኩባት ደሴታት ዝርከብ ቀላያት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ሕዛእቲ ተፈጥሮ፡ ኣብቲ ከባቢ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን እንታይ ክትገብር ከም ዘይትኽእልን ዝሕብር ምልክታት ኵሉ ግዜ ኣሎ። ኣብ እተፈላለየ ሕዛእቲ ተፈጥሮ እተፈላለየ ሕግታት ክህሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሕዛእቲ ተፈጥሮ ዕምባባታት ምቕንጣብ ክልኩል እዩ።

ስለምንታይ እዩ ንሕዛእቲ ተፈጥሮ ምዕቃብ ኣገዳሲ?

ኣየናይ ሕዛእቲ ተፈጥሮ ኣብ ቀረባኻ ኣሎ?

ዝተዓቀቡ ኣታኽልትን እንስሳታትን

ምዕቃብ ነቶም ከይጠፍኡ ዘስግኡ ኣትክልትን እንስሳታትን ምክልኻል እዩ። ዕቝባ ዝረኸበ ኣትክልቲ ክእከብ ክዅዕት ክውገድ ወይ ክጕዳእ የብሉን። ዝተዓቀቡ እንስሳታት ክቕተሉ ኣይፍቀድን እዩ። ምዕቃብ ናይ ኣዕዋፍ ንእንቋቝሖአንን ሰፈረንን እውን ይምልከት እዩ።