ናይ ፖሊስ ግደ ኣብ ሕብረተ ሰብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 30 3 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ፖሊስን ናይ ፖሊስ ግደ ኣብ ሕብረተ ሰብን እዩ። ብዛዕባ ናይ ፖሊስ ስራሕ፡ ብዛዕባ ንገበን ከመይ ገርካ ከም ተመልክትን ንፖሊስ ከመይ ገርካ ሓበሬታ ክትህቦም ከም ትኽእልን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ብዛዕባ ግዳይ ገበን እንተ ዄንካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን ግዳይ ገበን ምስ ኮንካ ብሰንኩ እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ ከጋጥመካ ከም ዝኽእልን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ፍርዲ እንታይ ከም ዘጋጥም እውን ብዝያዳ ኽትፈልጥ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ መሰል ናይ ህይወት፡ ናጽነትን ውልቃዊ ድሕንነትን ኣለዎ። ኵሉ ሰብ ዓመጽ፡ ገበንን ምሽጋርን ዘይብሉ ህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ። ንኣብነት ቈልዑ ብዛዕባ ኣብ ስድራ ቤት ዝፍጸም ዓመጽ ክጭነቑ የብሎምን፡ ደቂንስትዮ ንጾታዊ ዓመጽ ክጽመማ የብለንን ከምኡ’ውን ኣረጋውያ ዝምታን ስርቕን ከየጋጥሞም ክፈርሁ የብሎምን።

ሕብረተ ሰብ ሽወደን ንመብዛሕትኦም ሰባት ድሕንነት ዘለዎ እዩ። ግን ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ኣብዚ’ውን ገበን ይፍጸም እዩ። እንተዀነ ግን ዋላ ሓደ ሰብ ገበን ከም እተፈጸመ ንፖሊስ ንምሕባር ክፈርህ የብሉን። እቲ ብገበን ዝተጠርጠረ ሰብ ድማ፡ ኣብያተ ፍርዲ ነቲ ሰብ ቅድሚ ከም ገበነኛ ምፍራደን ልዑል መርትዖ ከም ዝሓታ ክፈልጥ ኣለዎ።

ገበን ብፖሊስ ጥራይ ኣይኮነን ደው ዝብል። ስድራ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ ስራሕ ቦታታት፡ ናይ ስፖርት ማሕበራትን ዓበይቲ የዕሩኽን እውን ክሕግዙ ኣለዎም።

ፖሊስ ኣብ ማሕበረ ሰብ

ፖሊስ ንሰባት ክሕግዝዎምን ካብ ገበን ክከላኸልሎምን ኣለዎም። ነቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩን ክበጽሑ ዝመጹን። ኵሉ ሰብ ኣብ ምሉእ ሽወደን ድሕንነት ክስምዖ ኣለዎ። ሰባት ኣብ ቤቶም፡ ኣብ መገዲ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕን ኣብ ኵሉ ካልእ ቦታታት ድሕንነት ክስምዖም ኣለዎ። ፖሊስ ኵሉ ኣብ ሽወደን ዘሎ ሰብ ነቲ ናይ ሽወደን ሕጊ ከም ዝኽተሎ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎም። ፖሊስ ገበን ምእንቲ ከይፍጸምን ማሕበረ ሰብ ድሕንነት ምእንቲ ክህልዎን ምስ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኮሙናት፡ ትካላት፡ ማሕበራትን ብዓል መዝታትን ብሓባር ይሰርሑ እዮም።

ፖሊስ ንዜጋታት ሽወደን ፓስፖርትን ሃገራዊ ወረቐት መንነትን ዘዳሉ ብዓል መዚ እዩ። ከምኡ'ውን እተፈላለየ ፍቓድ ዘፍቅዱ፡ ንኣብነት ሰለማዊ ሰልፊ ክግበር ዘፍቀዱ ፖሊስ እዮም። ሃገራዊ ባይቶ ንዕዮ ፖሊስ ዝምልከት ሕግታትን መምርሒታትን ይውስን። ፖሊስ ነቶም ሕግታትን መምርሒታትን ክስዕብዎም ኣለዎም።

ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘሎ ምትእምማን ዳርጋ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ከምኡ ዝኾነሉ ስለምንታይ ይመስለካ?

ኣብታ ቕድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዘሎ ምትእምማን ከመይ እዩ?

ስራሕ ፖሊስ

ፖሊስ ኣብ ሽወደን ምንባርን ምቕማጥን ድሕንነትን ውሕስነት ንኽህልዎ እዮም ዘለዉ። ፖሊስ ንሰባት ክሕግዙን ገበን ደው ከብሉን ኣለዎም። ገበን ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ፖሊስ ጣልቃ ክኣትዉ ኣለዎም። ኣብ ሽወደን ደቅንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከም ፖሊስ ኮይኖም ይሰርሑ። ሓደ ዓይነት ስራሕ ኣለዎም።

ገበን ምጽራይን ገበን ምፍታሕን ናይ ፖሊስ ስራሕ እዩ። ፖሊስ ነዚ ብዛዕባ እቲ ገበን ገለ ነገር ክፈልጡ ምስ ዝኽእሉ ሰባት ብምዝርራብ ይገብርዎ። ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ፖሊስ ምትሕብባር የድልየካ እዩ። እዚ ብዛዕባ ሓደ ዘጋጠመ ነገር እቲ ዝረኣኻዮን እትፈልጦን ነገራት ብምንጋር ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ካብታ 15 ዓመት ዝመላእካል ክትምስክር ግዴታ ኣለካ። እዚ ማለት፡ ብዛዕባ ገበን ገለ ትፈልጥ ነገር እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ንፖሊስ ክትነግሮም ትግደድ ኢኻ ማለት እዩ። ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ገበን ብኻልእ መገድታት እውን ሓበሬታ የናድዩ እዮም።

ፖሊስ ወትሩ ንሰባት ብምዝርራብ ጸገማት ክፈትሑ ይፍትኑ እዮም። ይዅን'ምበር ሓደ ሓደ ግዜ ፖሊስ ሓይሊ ኽጥቀሙ ይግደዱ እዮም። ፖሊስ ከምኡ ክገብሩ ይፍቀዶም እዩ። እዚ ፖሊስ ንሰባት ካብ ሓደገኛ ሰብ ክከላኸልሎም ስለ ዘድልዮም ክኸውን ይኽእል እዩ። ፖሊስ ንሓደ ገበን ከም ዝፈጸመ እተጠርጠረ ሰብ እውን ክሕዝዎ ምናልባት የድልዮም ይኸውን። ፖሊስ ንገዛእ ርእሶም እውን ክከላኸሉላ የድልዮም እዩ። ፖሊስ ኣብ ሽወደን ሓይሊ ናይ ምጥቃም መሰል ዘለዎ እንኮ ብዓል መዚ እዩ። እንተዀነ ግን ነቲ ኵነታት ንምፍታሕ ካብ ዘድሊ ንላዕሊ ክኸውን የብሉን።

ፖሊስ ምስኦም ናይ በርበረ ጸሊም መንጸጊ፡ በትሪ ፖሊስ፡ ሽጉጥን ናይ ኤለክትሪክ ሽጉጥን ይሕዙ እዮም። ፖሊስ ክሓትቱኻ ከለዉ ኵሉ ግዜ ኣልግስ። ንኣብነት ንሓደ ሰብ ክሕዝዎ እንተ ደልዮም፡ ነቶም ፖሊስ ክትክልክሎም ኣይትፈትን። ገበን እዩ። ኣብ ሽወደን ገንዘብ ብምኽፋል ንዕዮ ፖሊስ ወይ ናይ ብዓል መዝታት ውሳነ ክትጸልዎ ምፍታን ገበን እዩ። እዚ ጉቦ ምሃብ ይብሃል።

ንሓደ ገበን ባዕልኻ ክትፈትሖ እውን ክትፍትን የብልካን። ኣደዳ ዓመጽ እንተ ዄንካ ንርእስኻ ናይ ምክልኻል መሰል ኣለካ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ዝጐድኣካ ወይ ካልእ ገበን ዝገበረ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ሕነ ክትፈዲ ኣይፍቀደልካን እዩ። ኣብ ክንዳኡ ምስ ፖሊስ ተራኸብ። ፖሊስ እንታይ ከም ዘጋጠመ ክምርምርዎ እዮም። ድሕሪኡ ሓደ ሰብ ብገበን ክፍረድ እንተ ኾይኑን እቲ ሰብ እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ከም ዝወሃቦን ዝውስን ቤት ፍርዲ እዩ።

ፖሊስ መንእሰያት ገለ ገበን ዝኾነ ነገር ንኸይፍጽሙ ብዙሕ እዮም ዝጽዕሩ። ስለዚ'ዩ ፖሊስ መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ኣብ ዝርከብሉ ቦታታት ዝህልዉን ምስኦም ምዝራብ ዘዘውትሩን። ሓደ ሓደ ግዜ ገበን ዝፍጽሙ ሰባት ንመንእሰያት ንኣብነት ድሮጋ ንኽሸጡ ክጥቀሙሎም ይደልዩ እዮም። ንሓደ ሰብ ዝዀነ ይኹን ገበን ንኽፍጽም ምግዳድ ክልኩል እዩ። ፖሊስ ምስ ናይዛ ሃገር ኮሙናት ብምትሕብባር፡ ቈልዑን መንእሰያትን ምስ ኣባላት ፖሊስ ምእንቲ ክራኸቡን ብዛዕባ ስራሕ ፖሊስ ዝያዳ ምእንቲ ክመሃሩን ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ይበጽሑ እዮም።

ኣብ ሽወደን ካብ ወዲ 15 ዓመት ትኸውን ኣትሒዝካ ናይ ዝፈጸምካዮ ገበን ሓላፍነት ትስከም ኢኻ። እዚ ማለት፡ ገለ ገበን እንተ ፈጺምካ ክትፍረድ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። እንተ ተፈሪድካ ኣብ ናይ ገበን መዝገብ ትኣቱ። እዚ ንመጻኢኻ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ መዝገብ ገበን ምህላው፡ ስራሕ ንምርካብ ወይ ፍቓድ መምርሒ ማኪና ንምውጻእ ዝኸበደ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ወይ ዜግነት ንምርካብ እውን ዝኸበደ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ከቢድ ገበን እንተ ፈጺምካ ካብ ሽወደን ንኽትስጐጕን ምምላስ ክትክልከልን ተኽእሎ ኣሎ። ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ገበን እንተ ፈጺሞም፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ቈልዑ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ዝውስን ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት እዩ።

ገበን እንተ ርኢኻ ወይ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሌኻ ገለ ገበን ክኸውን ዝኽእል ነገር እንተ ፈጺሙ ምስ ፖሊስ ክትራኸብ ኣገዳሲ እዩ። ኵሉ ገበናት ናብ ፖሊስ ክምልከት ኣለዎ። ገበን እንተ ተፈጺሙ ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ከተመልክት ኣለካ። ምስ ፖሊስ ክትራኸብ ከለኻ ተርጓሚ ክግበረልካ መሰል ኣለካ።

ብዛዕባ ካልእ ሰብ ትጭነቕ እንተ ዄንካ እውን ምስ ፖሊስ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓደ እትፈልጦ ሰብ ገለ ገበነ ንከይፍጽም ትጭነቕ ትኸውን። ፖሊስ ገበን ደው ንምባል ሓገዝ የድልዮም እዩ። ስለዚ'ዩ ፖሊስ ሓበሬታ ክረኽቡ ኣገዳሲ ዝኸውን። ዘጠራጥር ነገር እንተ ርኢኻ ወይ ሓደ ሰብ ገበን ከም ዝፍጽም ዘሎ እንተ ፈሊጥካ ምስ ፖሊስ ተራኸብ። ክትድውለሉ ከለኻ መን ምዃንካ ምንጋር ኣየድልየካን እዩ።

ንእተፈጸመ ገበን ከተመልክት እንተ ደሊኻ ናብ 114 14 ደውል። ንኣብነት ዓመጽ፡ ስርቅን ናብ ቤት ኣቲኻ ስርቅን ክኸውን ይኽእል እዩ። ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ገበን ከተመልክት ኣገዳሲ እዩ።

ህጹጽ ኵነታት እንተ ድኣ ኾይኑን ፖሊስ ብኡንብኡ ክመጹ እንተድኣ ኣድልዩን ናብ 112 ደወል። ንኣብነት ሓደ ሰብ ክህረም ከሎ ትርኢ እንተ ኣለኻ ዄንካ።

ሓደ ሰብ ብገበን ንኽፍረድ፡ መርትዖ ክህሉ ኣለዎ። ዝረኣኻዮ ንፖሊስ ምንጋር ነቲ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ክረኽብዎ ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ቤት ፍርዲ ሓደ ሰብ ንሓደ ገበን ገበነኛ እንተ ኾይኑ ክውስኑ ከለዉ መሰኻኽር ኣገደስቲ እዮም።

ግዳይ ገበን እንተ ዄንካ ፖሊስ ነቲ ገበን ንምፍታሕ ከዘራርቡኻ ይደልዩ እዮም። እንታይ ከም ዘጋጠመ ክትነግር ክትክእል ኢኻ፣ ፖሊስ ድማ ሕቶታት ክሓትቱኻ እዮም። እዚ መርመራ ይበሃል። ናብ መርመራ ሰብ ሒዝካ ክትከይድ መሰል ኣለካ። ሓደ ሓደ ግዜ ብተሌፎን ምስ ሓደ ፖሊስ ምዝርራብ እኹል እዩ።

ንስኻን ፖሊስን ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትረዳድኡ ኣስተርጓሚ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ። ተጐዲእካ እንተ ኴንካ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል እውን ኣለካ፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ዘዘራርብ ሰብ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ ። ፖሊስ ብኸመይ ሓገዝ ከም ትረክብ ክሕብሩኻ እዮም። ፖሊስ ክሕግዙኻን ክሰምዑኻን እዮም ዝደልዩ። ምስ ፖሊስ ክትራኸብ ከለኻ ክትፈርህ ወይ ክትጭነቕ ኣየድልየካን እዩ።

ፖሊስ ንሓደ ገበን ምስ መርመርዎ፡ ዓቃብ ሕጊ እቲ ጕዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እንተ ኾይኑ ይውስን። እቲ ዝተጠርጠረ እንታይ መቕጻዕቲ ከም ዝወሃቦ ወይ ናጻ ክወጽእ እንተ ኾይኑ ዝውስን ቤት ፍርዲ እዩ። እቲ ውሳነ ኣብቲ ፖሊስ እቲ ገበን ከም እተፈጸመ መርትዖ ረኺቦም እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም እተመርኰሰ እዩ፣ ብኻልእ ዝኾነ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኵሉ ሰብ ማዕረ እዩ።

ብሓደ ብይን እንተ ዘይዓጊብካ ይግባይ ክትብለካ ትኽእል ኢኻ። ንስኻ ግዳይ ገበን ዝኾንካን እተፈረድካን ክልቴኹም ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ብይን ከመይ ጌርካ ይግባይ ከም እትብልን ክንደይ ግዜ ከም ዘለካን ተጻሒፉ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ፍርዲ እቲ ብይን ናብ ቤትካ ክለኣኽ እዩ። እቲ ብይን ንጠበቓኻ ወይ ናይ ከሳሲ ጠበቓ ክህበካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ገበን ፈጺምካ ተባሂሉ ዝተከሰሰ ሰብ ዝውክልን ዝጣበቐሉን፡ ናይ ተኸሳሲ ጠበቓ (Försvarare) ይብሃል።

ናይ ከሳሲ ጠበቓ (målsägandebiträde) ኣብ እዋን መርመራን ፍርድን ነቲ ግዳይ ዝሕግዝ ጠበቓ ወይ ክኢላ ሕጊ እዩ። እቲ ናይ ከሳሲ ጠበቓ ኣብ ቤት ፍርዲ ክጣበቐልካን ብዛዕባ ካሕሳ ንዝምልከት ሕቶታት ክሕግዘካን ይኽእል እዩ። ካሕሳ ግዳይ ገበን ኴንካ እንተ ኔርካ ዝኽፈል ክፍሊት እዩ።

ኣብ ገሊኡ ገበናት ንኣብነት ጾታዊ ገበን ኵሉ ግዜ ናይ ከሳሲ ጠበቓ (målsägandebiträde) ክግበረልካ መሰል ኣለካ። ግዳይ ናይ ከም ስርቅን መጥቃዕትን ዝኣመሰሉ ከቢድ ገበናት እንተ ዄንካ እውን ናይ ከሳሲ ጠበቓ (målsägandebiträde) ክግበረልካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።። ናይ ከሳሲ ጠበቓ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ነቶም ፖሊስ ሓብሮም ኢኻ። ናቱ መሰል እንተ ኣለካ ኾይኑ ዝውስን ዞባዊ ቤት-ፍርዲ እዩ። ከምኡ እንተ ኾይኑ ብናጻ እዩ ዝግበረልካ። መሰል ናይ ከሳሲ ጠበቓ ዘይብልካ እንተ ዄንካ ግን ከምኡ ክንሱ ሕጋዊ ሓገዝ ትደሊ ዄንካ ምስ ሓደ ባዕልኻ ትኸፍሎ ጠበቓ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ግዳይ ገበን ምዃን ብዙሕ ስምዒታት ከለዓዕል ይኽእል እዩ። ምናልባት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ብዙሕ ትሓስብ ትኸውን፡ ንስኻ ንባዕልኻ ምስዚ ገበን እዚ ዝተተሓሓዘ እንታይ ከም ዝገበርካን እንታይ ከም ዘይገበርካን እውን ትሓስብ ትኸውን። ክትሓርቕ፡ ክትጭነቕ፡ ክትጕሂ ወይ ክትፈርህ ትኽእል ኢኻ። እዚ ባህርያዊ እዩ። ኣሉታዊ ስምዒታት ከይስምዓካ እውን ባህርያዊ እዩ። እቲ ዝስምዓካ ዘሎ ጌጋ እዩ ክብለካ ዝኽእል ዝኾነ ሰብ የለን። ኮይኑ ግን ብዛዕባ እቲ ዝስምዓካ ነገራት ምስ ሓደ ሰብ ክትዘራረበሉ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናይ ጸጸት ስምዒት እውን ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ንስኻ ግዳይ ገበን ዝኾንካ ግን በቲ ዘጋጠመ ነገር ጸጸት ክስምዓካ የብሉን። ግዳይ ገበን ዝኾንካሉ፡ ጨሪሹ ጌጋኻ ኣይኰነን። እቲ ገበነኛ እዩ ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲ።

ግዳይ ገበን እንተ ዄንካ እሞ ምስ ሓደ ሰብ ክትዘራረብ እንተ ደሊኻ ንኣብነት ምስ ብዓል መዚ ግዳያት ገበን ወይ ማእከል ግዳያት ገበን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ምስክር ወይ ዘመድ ዝኾንካ እውን ይምልከተካ እዩ። ስምካ ምንጋር ኣየድልየካ እዩ። ብብዙሕ ብእተፈላለየ ቋንቋታት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ምስ ገበን እተተሓሓዘ ናይ ምዝርራብ ደገፍን ሓገዝን ዝህባ ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ። ብሪስ (BRIS)፡ ንቘልዑ ኣብ ምሕጋዝ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም እዮም። ጓለንስተይቲ እንተ ዄንክን ንምፍርራሕን ዓምጽን ተቃሊዕኪ ኴንክን ንኣብነት ምስ ክቪኖ ፍሪድስ ሊንየን ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ምስ ሓደ እተዘራርብዮ ሰብ ከመይ ጌርኪ ክትራኸቢ ከም ትኽእሊ እውን ወትሩ ንፖሊስ ክትሓትዮም ትኽእሊ ኢኺ።

ብዓል መዚ ግዳያት ገበን ናይ ግዳያት ገበን መሰላት ንኽከላኸልን ድልየታቶምን ተገዳስነትን ከም ዝፍለጥ ንምግባር ተባሂሉ ከም ዘሎ ትፈልጥ’ዲ ኔርካ?

ሓደ ፖሊስ ኣብ ጎኒ ሓንቲ ብድሕርቲ ገረብ ዝርኣ ዘለዎ ማኪና ፖሊስ ደው ኢሉ ኣሎ።

ምንጪ፦ ፖሊስ

ስለምንታይ ፖሊስ ክትኮኒ ደሊኺ?

ምስ ሰባት እትራኸበሉ እትኽእል ሞያ እዩ። ፖሊስ ኴንካ ኣብ እተፈላለየ ነገራት ክትዓዪ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ ትራፊክ ወይ መንእሰያት ዝተተሓሓዘ ክትዓዪ ትኽእል ኢኻ።

ንፉዕ ፖሊስ ከመይ ክኸውን ኣለዎ?

ንፉዕ ፖሊስ ሕያዋይ፡ ምስ ሰባት ክዘራረብ ዝኽእልን ንሰባት ክሕግዝ ዝደልን ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ስራሕኪ ካብ ሽወደናኛ ንላዕሊ ካልእ ብዙሕ ቋንቋታት ትጥቀሚ ዲኺ?

ሓደ ሓደ ግዜ እንግሊዝኛ። ምስ ሓደ ሽወደንኛ ወይ እንግሊዝኛ ዘይርድኦ ሰብ እዘራረብ እንተ ኣለኹ ኾይነ፡ ተርጓሚ የድልየኒ እዩ።

ከም ፖሊስ መጠን ኣብ ስራሕኪ እንታይ ትፈትውዮ ነገር ኣለኪ?

ንሰባት ንምሕጋዝ። ኵሉ መዓልታት ተመሳሳሊ ዘይምዃኑ ድማ። እፈትዎ እየ።

ዘይትፈውዮ ነገር ኣሎ'ዶ?

ኣብ ስረሐይ ብዙሕ ክጽሕፍ ኣለኒ፡ ግዜ ድማ ይወስድ እዩ። ንኣብነት ንሓደ ሰብ ድሕሪ ምምርማር ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ጽሕፈት ስራሕ ኣብ ደገ ዝወሓደ ግዜ ከም ዝህሉ ይገብረኒ።

ብዛዕባ ሓንቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ንገርኒ።

ኵሉ ግዜ ክልተ ፖሊስ ብሓባር ኢና ንሰርሕ፡ ናይ ትራፊክ ቍጽጽር ንምግባር፡ ስርቂ ኣብ ድኳናት፡ መጥቃዕትን ካልእን ከጋጥም ከሎ ንወጽእ። ሓደ ሓደ ግዜ ቀትሪ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ምሸት ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ለይቲ ይሰርሕ።

ኣብ ገለ እዋን ኣብ ስራሕ ፈሪሕኪ ትፈልጢ'ዶ?

ኣይፈርህን፡ ግን ኣብ ቅድመይ ገበነኛታት ከም ዘለዉ እንተ ፈሊጠ ይጭነቕ እየ።

ክትሰርሒ ከለኺ ምሳኺ እንታይ ኣለኪ?

ሽጉጥ፡ ናይ በርበረ ጸሊም መንጸጊ፡ መቝሕ ኢድን ናይ ፖሊስ ራድዮን። ኣብ ናይ ፖሊስ ማኪና ቅያር ክዳውንቲ፡ መከላኸሊ ቆብዕ፡ መጽሓፊ ናውቲ፡ማይን ፍሩታን ኣለኒ።

ፖሊስ ንሰባት ንምሕጋዝ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ?

ኵሉ ግዜ ኢና ንሰባት ንሕግዝ። ሓደጋ ትራፊክ ከጋጥመና ከሎ እተን እተጋጨዋ ማካይን ካብቲ ቦታ ከም ዘልግሳ ንገብር። እቶም ኣብታ ማኪና ዘለዉ ሰባት እንተ ዘይተጐዲኦም እሞ ተኽእሎ እንተ ኣለና ኾይኑ፡ ካብቲ ቦታ ናብ ገዘኦም ወይ ናብ ስርሖም ነብጽሖም ኢና።

ከም ፖሊስ ኴንኪ ክትሰርሒ ከለኺ ካብ ዘጋጠመኪ ብፍሉይ ትዝክርዮ ክትነግርና ትደልይዮ ኣለኪ'ዶ?

እወ፡ ብዛዕባ ስርቂ ሓደ ገዛ መጸዋዕታ መጺኡና። ኣብ ጥቕኡ ስለ ዝነበርና ቀልጢፍና ናብኡ በጺሕና። እቶም ሰረቕቲ ኣብኡ ስለ ዝነበሩ ክንሕዞም ክኢልና። ጽቡቕ'ዩ።

ንሓደ ፖሊስ ክኸውን ዝሓስብ ዘሎ ሰብ እንታይ ክትብልዮ ትደልዪ?

ፖሊስ ኩን፡ ንኻልኦት ሰባት ከኣ ክትሕግዞም ክትኽእል ኢኻ። ጽቡቕ ምትሕብባር ዘለዎ ዘሐጕስ ሞያ እዩ።

ካልእ ክትብልዮ ትደልዪ ነገር ኣለኪ ድዩ?

ናብ ፖሊስ ደውል። ከነድሊ ከለና ምእንቲ ኣብቲ ዘድሊ ቦታ ክንህሉ፡ ሰባት ክድውሉልና ንደሊ ኢና።