መሰላትን ግዴታታትን ኣብ መንበሪኻ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 7 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ገዛ ክትካረ ወይ ክትውንን ከለኻ ብዛዕባ ዘለዉኻ መሰላትን ግዴታታትን እዩ። ኣብ ቤትካ ኵሉ ግዜ ድሕንነት ክስምዓካ ኣለዎ። ስለዚ’ዩ ምስ መንበሪኻ እተተሓሓዘ ክልቲኡ መሰላትን ግዴታታትን ዘሎ። እቶም መሰላትን ግዴታታትን ኣብ ነቲ ገዛ ትካረዮ ዲኻ ትውንኖ ተመርኹሶም ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም።

ንኣብነት ብዛዕባ ውዕል ክራይ ገዛን ኣብ ኣፓርታማኻ ገለ ነገር እንተ ተሰይሩ እንታይ ከም ዘጋጥምን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ናይ ቤት መድሕንን ሓገዝ ክራይ ገዛን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ መሰል ናይ መንበሪ ምህላው ኣለዎ። መሰል ናይ መንበሪ ኣለካ ማለት ኣብ ገሊኡ መንበሪ እንተ ዘይብልካ ኴንካ ሓደ ዓይነት መንበሪ ንኽትረክብሃገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ሓደ ኮሙን ንተቐማጦ እቲ ኮሙን መንበሪ ከም ዝህሉ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ።

ክትግዕዝን ኣበይ ኣብ ሽወደን ከም ትነብር ክትመርጽን እውን መሰል ኣለካ።

​ኩሉ ሰብ ንመንበሪ ቤት መሰል ኣለዎ

ኣብ ሽወደን ኩሉ ሰብ ንመንበሪ ቤት መሰል ኣለዎ። ንሓደ መንበሪ ቤት ዚደሊ ሰብ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ምኽንያታት ክትንጽሎ ኣንጻር ሕጊ እዩ፤

  • ብብሔር
  • ብሃይማኖትን እምነትን
  • ብስንክልና
  • ብጾታ
  • ጾታዊ መንነንት ወይ ጾታዊ ግልጽነት
  • ጾታዊ ባህርያት
  • ዕድመ

ኣድልዎ ከም እተገብረልካ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ ምኽርን ደገፍን ንምርካብ ምስ ቤት ጽሕፈት ጸረ ኣድልዎ (antidiskrimineringsbyrå) ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ኣብ ሓያሎ ኮሙናት ደገፍ ንምርካብ ክትረኽቦ እትኽእል ኮሙናላዊ ሓባሪ ሸመትቲ (konsumentvägledning) ኣሎ።

ውዕል ክራይ ገዛ

ውዕል ክራይ፡ ገዛ ክትካረ ከለኻ ክህልወካ ዘለዎ መሰል እዩ። ኣብቲ ውዕል፡ እቲ ክራይ ገዛ እንታይ ከም ዘጠቓልል፡ ኣብቲ ገዛ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ክትጸንሕ ከም ትኽእልን እቲ ናይ ውዕል መቛረጺ ግዜ (ናይ ስምዕታ ግዜ) ክንደይ ምዃኑን ሰፊሩ ኣሎ። ኣብቲ ውዕል ከም ተኻራያይ መጠን ዘሎካ ግዴታታት እውን ሰፊሩ ኣሎ። ንኣብነት ክራይ ገዛ መዓስ ክትከፍሎ ከም ዘለካን ነቲ ገዛ ክትከናኸኖ ከም ዘለካን። ኣፓርተማ ትካረ ወይ ትውንን እንተ ዄንካ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብኡ ዝነብር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክምእዘዞ ዘለዎ ናይ ጽቡቕ ምህላው ሕግታት (trivselregler) ኣለዉ።

ናይ ስቨዳላ ኮሙን ብዛዕባ ውዕል ክራይ ገዛ ፊልም ኣዳልዮም ኣለዉ። እዛ ፊልም ብዓረብኛ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝኛ፡ ሶማልኛን ሽወደንኛን ኣላ።

ወነንቲ ገዝውቲ ይኹኑ ተኻረይቲ ንውዕል ክራይ ገዛ ክኸፍሉ ወይ ነቲ ውዕል ክሸጥዎ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ብገንዘብ ዝዕደግን ዝሽየጥን ውዕል ክራይ ገዛ መብዛሕትኡ ግዜ ጸሊም ውዕል ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። እቲ ንሓደ ውዕል ክራይ ገዛ ክትከፍለሉ ዝደልየካ ሰብ ገበን ይፍጽም ኣሎ፣ ከምኡ ብምግባሩ ድማ ንማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል እዩ።

ብገንዘብ ውዕል ክራይ ትዕድግ ሰብ፡ ኣብ ሓደ ዓቢ ሓደገኛ ኵነታት ኢኻ እትኣቱ ዘለኻ። እቲ ዋና ገዛ ነቲ ውዕል ብጸሊም ከም ዝዓደግካዮ እንተ ፈሊጡ ነቲ ውዕል ክትከስሮ ትኽእል ኢኻ።

ንስኻ ከም ተኻራያይ መጠን ክትግዕዝ እንተ ደሊኻ ነቲ ውዕል ክራይ ገዛኻ ክትስርዞ ኵሉ ግዜ መሰል ኣሎካ። ድሕሪ ነቲ ውዕል ክራይ ገዛኻ ምስራዝካ ንሓደ ዝተወሰነ ግዜ ነቲ ገዛ ክራይ ምኽፋል ምቕጻል ከድልየካ ይኽእል ይኸውን እዩ። እዚ ናይ ምስራዝ ግዜ ይብሃል። እቲ ናይ ምስራዝ ግዜ ኣብቲ ውዕል ካልእ ሰፊሩ እንተ ዘየለ ኾይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ሰለስተ ወርሒ እዩ። እቲ ናይ ምስራዝ ግዜ፡ ድሕሪ ነቲ ውዕል ክራይ ገዛኻ ምስራዝካ ዘላ ትስዕብ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ይውዕል።

እቲ ኣካራዪ ነቲ ምስ ተኻራዪ ዝገበሮ ናይ ክራይ ኮንትራት ከቋርጾ መሰል ኣለዎ። ከምዚ ዚኸውን እቲ ተኻራዪ ነዚ ዚስዕብ ምስ ዚፍጽም እዩ፤

  • ክራይ ካብ ምኽፋል ሓደ ሰሙን እንተ ሓሊፉ።
  • ብዘይ ፍቓድ ናይ ኣካራዪ ነቲ ገዛ ንኻልእ ሰብ ምክራይ ወይ ምትሕልላፍ።
  • ነቲ ገዛ ብጀካ ንምቕማጥ ንኻልእ ምጥቃም፡ ንኣብነት ንገበናዊ ንጥፈታት ወይ ካብቲ ገዛ ሓደ ዓቢ ትካል ምክያድ።
  • ብሓላፍነትካ ናብቲ ህንጻ ባልዕ ክኣትዉ ወይ ኣብኡ ባልዕ ከም ዝተላብዑ ጸብጻብ ካብ ምሃብ ምቑጣብ።
  • ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ንኣብነት ኣብ እዋን ምዕራይ ነቲ ኣካራዪ ንኽኣቱ ምኽልካል፡ ኣካራዪ ናብቲ መንበሪ ንኽኣቱ ምኽልካል።
  • ነቲ መንበሪ ብሕማቕ ምሓዝ።
  • ኣብቲ ውዑል ክራይ ዘሎ እንተ ዘይተማሊኡ።

ኣብቲ ገዛ ገለ ምስ ዚስበር እቲ ኣካራዪ እዩ ዘዐርዮ። ከም ተኻራያይ መጠን ንኣብነት እቲ ፎርኖ ወይ ፍሪጅ ምስራሕ ምስ ዚኣቢ ክትከፍል የብልካን። ግን ነቲ ምስባር ባዕልኻ ዝፈጸምካዮ ምስ እትኸውን ክትከፍል ትግደድ። እቲ ኣካራዪ ቅድሚ ኣብቲ ገዛ ምእታውካ ንኹሉ ቍጽጽር ይገብረሉ እዩ። ከምኡ ዚገብር መታን ነቲ ኣቐዲሞም ካልኦት ተኻረይቲ ዘበላሸውዎ ከይትኸፍል ብማለት እዩ።

ኣብ ኮንዶሚኒዩም ትነብር እንተ ዄንካ ነቲ ኣፓርተማ ባዕልኻ ክትከናኸኖ ኣለካ። ምድጃ፡ መዝሓሊ ወይ ካልእ ነገር እንተ ተተሰይሩ ባዕልኻ ከፊልካ ከተዓርዮ ወይ ክትትክኦ ኣለካ።

"ገዛ ምብልሻው ወይ ብሕማቕ ምሓዝ" እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ኣፓርተማኻ እንታይ ክትከናኸን ከም ዘሎካ ኣብነታት ክትህብ ትኽእል'ዶ ?

ስንክልና ንዘለዎም ሰባይ ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ መንበሪ

ንስኻ ወይ ሓደ ካብ ስድራ ቤትካ ስንክልና እንተ ኣልይኩም ኮይኑ፡ ኣብቲ ትነብረሉ ኮሙን ከተመልክተሉ እትኽእል ከም ዝሰማማዕ እተገብረ እተፈላለየ ዓይነት መንበሪ ኣሎ። እዚ ንኣብነት ንቤትካ ምስቲ ዘድልየካ ነገራት ንኸተሰማምዖ ሓገዝ ትረክብ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዝያዳ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ካብ ሰራሕተኛታት ሓገዝን ደገፍን ኣብ እትረኽበሉ ከም ዝሰማማዕ ኣብ እተገብረ መንበሪ ንኽትቅመጥ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ገዛ ምልውዋጥ

ናይ ሓደ ኣፓርተማ ናይ ቀዳማይ ኢድ ውዕል ምስ ዝህልወካ እሞ ቅቡል ምኽንያት ምስ ዝህልወካ፡ ነቲ ኣፓርተማኻ ምስ ካልእ ክትቅይሮ መሰል ኣለካ። ቅቡል ምኽንያታት ማለት፡ ዝሰፍሐ ኣፓርተማ፡ ዝተሓተ ክራይ ዘለዎ ኣፓርተማ ወይ ኣብ ጥቓ ስራሕካ ዝርከብ ኣፓርተማ ስለ ዘድልየካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምሳኻ ኣፓርተማ ክልውጥ ዝደሊ ሰብ ባዕልኻ ክትረክብ ኣለካ። ምሳኻ ኣፓርተማ ክልውጥ ዝደሊ ሰብ ምስ ረኸብካ ናይ ግድን ክልቲኦም ኣካረይቲ ነቲ ለውጢ ክሰማምዕሉ ኣለዎም። ኣካራዪ ነቲ ምልውዋጥ ከይተሰማምዓሉ ኣፓርተማኻ ምስ ካልእ ሰብ እንተ ለዊጥካ፡ ነቲ ናይ ቀዳማይ ኢድ ውዕልካ ከተጥፍኦ ትኽእል ኢኻ።

ማሕበር ተኻረይቲ

ማሕበር ተኻረይቲ፡ ሓደ ናይ ኣባልነት ማሕበር ንተኻረይቲ ኣብ ሽወደን እዩ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕዮኦም ንኣባላቶም ክራይ ገዛ ክንደይ ክኸውን ከም ዘለዎ ምስምማዕ እዩ። ሸቶኦም ክራይ ገዛ ካብቲ ኣብ ሕብረተ ሰብ ዘሎ ካልእ ዋጋታት ንላዕሊ ከይውስኽን ዘይርትዓዊ ወሰኽ ክራይ ገዛ ከይግበር ምዕጋትን እዩ። ማሕበር ተኻረይቲ፡ ምስሕሓብ እንተ ኣጋጢሙ ሕጋዊ ደገፍ ክህብን ብዛዕባ መሰላትካን ግዴታታትካን ከም ተኻራዪ ንዝለዓል ሕቶታት ክምልስን እውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ዝርብሹ ጐረባብቲ እንተ ኣለዉኻ ኾይኖም ወይ ንስኻን ዋና ገዛኻን ብዛዕባ ክራይ ገዛ እንተ ዘይተሰማሚዕኩም ምኽርን ደገፍን ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ቤት ፍርዲ ኣባይቲ

ቤት ፍርዲ ኣባይቲ፡ ኣብ መንጎ ኣካራዪን ተኻራይን ንዝህሉ ምስሕሓባት ዝዳኒ ኣካል'ዩ። ኣብ ሽወደን፡ 8 ኣብያተ ፍርዲ ክራይ ኣባይቲ ኣለዋ። ንሳተን ድማ፡ ኣብ ስቶክሆልም፡ ቨስተሮስ፡ ሊንሾፒን፡ ዮንሾፒን፡ ማልመ፡ የተቦሪ፡ ሱንድስቫልን ኡመዮን ይርከባ። ቤት ፍርዲ ክራይ ኣባይቲ ኣብ መንጎ ኣካራይን ተኻራይን ዘይምርድዳእ ምስ ዝህሉ ውሳነ ይህብ። ንኣነብነት እቲ ተኻራዪ፡ ነቲ ገዛ መሊሱ ከካርዮ ምስ ዝደሊ'ሞ ዘይምርድዳእ ምስዘጋጥም ማለት'ዩ። ብዛዕባ'ቲ ሕግታት ሕቶ ምስ ዝህልወካ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ክትውከሶ ትኽእል ኢኻ።

ኮንዶሚኒዩም ትውንን እንተ ዄንካ ዘለካ ግዴታታት

ኮንዶሚኒዩም ትውንን እንተ ዄንካ ኣባል ናይ ማሕበር ኮንደሚንዩም እውን ኢኻ። ኵሎም ኣባላት ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕበር ኮንደሚንዩም ግዴታ ኣለዎም። ንኣብነት ነቲ ማሕበር ኣብ ወወርሒ ክፍሊት ክትከፍል ኣሎካ፣ ነቲ ገዛ ድማ ብሕማቕ ክትሕዞ የብልካን። ግዴታታትካ እንተ ዘይኣማሊእካ፡ እንተ ኸፍኣ ናይቲ መንበሪ መሰልካ ከተጥፍኦ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ኵነት ክትሸጦ ኣለካ። ይዅን'ምበር እዚ ኣዚዩ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም።

ውሕስነት ወይ ኢንሹራንስ ናይ ገዛ

ውሕስነት ገዛ፡ ማለት ኢንሹራንስ ክህልወኩም ኣገዳሲ እዩ። ከመይ'ሲ፡ መሰረታዊ ቅሳነት ስለ ዝህበካ። ውሕስነት ገዛ ዝሸጣ ብዙሓት ትካላት ኣለዋ። ውዕል ውሕስነት ገዛ ክትዕድጉ ወይ ክትፍርሙ ምስ ትደልዩ፡ ምስ ምርጫኹም ዝሳነ ዝበለጸ ኣማራጺ ኣወዳዲርኩም ዓድጉ። ንብረትኩም ምስ ዝስረቕ ወይ ምስዝዓኑ፡ ብሰንኪ ባርዕ ወይ ዕልቕልቕ ንብረታዊ ሃስያ ምስ ዘጋጥመኩም፡ ግን ከኣ ውሕስነት ገዛ ምስ ዝህልወኩም፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ይውሃበኩም። ትካል ውሕስነት ገዛ፡ ንኹሉ'ቲ ኣብ ገዛኹም ዘሎ ንብረት የውሕሰልኩም። ንኹላቶም እቶም ኣብ ደብዳበ ናይቲ ውዕል ውሕስነት ዝተመዝገቡን ኣብቲ ገዛ ዝቕመጡን ሰባት ውሕስነት ይህብ። እትነብሩሉ ገዛ፡ ናይ ባዕልኹም ምስ ዝኸውን፡ ንውሕስነት ገዛ ብዝምልከት፡ ምስ ትካላት ውሕስነት ኮንዶሚንዩም ወይ ውሕስነት ቪላ ተዘራረቡ።

ሓገዝ ንኽራይ ገዛ (Bostadsbidrag)

ትሑት ኣታዊ እንተ ኣልዩካን ኣብ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ኴንካን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነት (Försäkringskassan) ንኽራይ ገዛኻ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ሓገዝ ክራይ ገዛ (bostadsbidrag) ይበሃል። ቈልዑ ዘለዉኻ፡ ሓገዝ ክራይ ገዛ ንኽወሃበካ ከተመልክት መሰል ኣለካ። ሓገዝ ክወሃበካ እንተ ኾይኑን፡ እንተ ተፈቒዱካ ክንደይ ከም ትወሃብን ዝውስኖ፡ ብዝሒ ስድራ ቤትካ እዩ። ከምኡ'ውን ክራይ ገዛ ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ምዃኑን ክንደይ ገንዘብ ከም ተእትዉን እውን ይውስኖ እዩ። ዕድሜኻ ካብ 18 ክሳዕ 28 ዓመት ዝኾንካ እውን ሓገዝ ክራይ ገዛ ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ትሑት ኣታዊ እንተ ኣልዩካን ኣብ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ኴንካን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነት (Försäkringskassan) ንኽራይ ገዛኻ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ሓገዝ ክራይ ገዛ (bostadsbidrag) ይበሃል። ቈልዑ ዘለዉኻ፡ ሓገዝ ክራይ ገዛ ንኽወሃበካ ከተመልክት መሰል ኣለካ። ሓገዝ ክወሃበካ እንተ ኾይኑን፡ እንተ ተፈቒዱካ ክንደይ ከም ትወሃብን ዝውስኖ፡ ብዝሒ ስድራ ቤትካ እዩ። ከምኡ'ውን ክራይ ገዛ ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ምዃኑን ክንደይ ገንዘብ ከም ተእትዉን እውን ይውስኖ እዩ። ዕድሜኻ ካብ 18 ክሳዕ 28 ዓመት ዝኾንካ እውን ሓገዝ ክራይ ገዛ ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ምስ ካልኦት ጥቓንጥቓ ምንባር

ኣብ ሓደ ብዙሕ ኣፓርተማታት ዘለዎ ህንጻ ጥቓ ጐረባብትኻ ኢኻ ትነብር። እዚ ማለት ሓልዮት ክህልወካን ንኣነባብራ ካልኦት ክትዕገስን ኣሎካ ማለት እዩ። ኵሎም እቶም ኣብ ሓደ ናይ ክራይ ህንጻ ዝቕመጡ ተኻረይቲ ነቲ ከም መደያይቦ፡ መሕጸቢ ኣዳራሽን ኣብ ከባቢ እቲ ህንጻ ዘሎ ቦታን ዝኣመሰለ ኵሉ ሰብ ዝጥቀመሉ ቦታ ናይ ሓባር ሓላፍነት ኣለዎም።

ኣብ ግዜ ምሸትን ለይትን ድምጺ ከተወሃህድን ንጎረባብትካ ክብረት ከተርእን ይግበኣካ እዩ። ንኣብነት ኣብ ተለቭጅንካ ወይ ብመጉልሒ ድምጺ ኣዝዩ ልዑል ድምጺ ከይትገብርን፣ ከይትኹዕትን ወይ መስማር ኣብ መንደቕ ከይትሃርምን፣ ናይ ገዛ ማሽናት ኣዝዩ ምሸት ወይ ለይቲ ከይትጥቐምን ክትሓስብ ማለት እዩ።

ንናይ ባርዕ ድሕነትን ጽርየት ንምቕላልን ኣብ ኣስካላ፣ ኮረድዮ ወይ መኻዚኖ ነገራት ከተቐምጥ የብልካን።

ኣብ ባልኮን ክትጠብስ ዝበዝሕ ግዜ ፍቑድ ኣይኮነን። ኣብ መዘናግዒ ጀርዲን ክፍቐድ ይኽእል እዩ። ካብ ጥብሲ ዝብገስ ትኪ ግና ንጎረባብትኻ ክርብሾም ከም ዝኽእል ክትዝክር ኣለካ።

ኣብ ከም በዓል ኣስካላ፣ ኮረድዮ፣ መኻዚኖን መሕጸቢ ክዳውንቲ ክፍሊን ዝኣመሰሉ ናይ ሓባር ክፍልታት ሽጋራ ምትካኽ ኩልኩል እዩ። ኣብ ባልኮንግ ምትካኽ ክፍቐድ ይኽእል እዩ። ንጎረባብትኻ ክብረት ከተርእን ውዳእ ሽጋራ ካብ ባልኮንግ ከይትድርብን ግና ክትሓስብ ኣለካ።

ክፍሊ መሕጸቢ ክዳውንቲ ኩሎም ዝእከብሉ ናይ ሓባር ክፍሊ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ መሕጸቢ ክፍሊ ድሕሪ ምሕጻብ ክጸሪ ዘለዎ። ኣብተን ዝበዝሓ ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ዝቅመጥዎ ገዛ ንክትሓጽብ ናይ ሕጽቦ ግዜ ክህልወካ ኣለዎ። ብናይ መመዝገቢ መስርሕ እዩ ሪጋ ዝትሓዝ።

ናይ ዘቤት እንስሳታትካ ንጎረባብትኻ ከይርብሽዎም ወይ ንመጻወቲ ቦታታት፣ መሬት ዕንባባን, ናይ ሳዕሪ መንጸፍን ካልኦት ኣብ ከባቢ ገዛ ዝርከብ ቦታታትን ከይብክልዎም ንስኻ ኢኻ ሓላፍነት ትወስድ።

ኣንተና ወይ ዲሽ ክትተክል እንተደሊኻ ካብ ኣካራይኻ ወይ ወነንቲ ገዛ ፍቓድ ክትረክብ ከድልየኻ ይኽእል እዩ።

ፊልምታት ብዛዕባ ምስ ካልኦት ጥቓንጥቓ ኮይንካ ምንባር

ናይ ስቨዳላ ኮሙን ብዛዕባ ኣብ ኣፓርተማ ምንባርን ተሰማሚዑካ ምንባርን ዝገልጽ ፊልምታት ኣዳልዮም ኣለዉ። እዞም ፊልምታት ብዓረብኛ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝኛ፡ ሶማልኛን ሽወደንኛን ኣለዉ።

"ሓልዮት ክህልወካን ንኣነባብራ ካልኦት ክትዕገስን" እንታይ ማለት እዩ?

ኣብቲ እትነብረሉ ኣየኖት ናይ ጽቡቕ ምህላው ሕግታት (trivselregler) ከም ዘለዉ ትፈልጥ'ዶ?

ገዛ ክትካረ ከለኻ እቶም ቐንዲ ኣገደስቲ መሰላትን ግዴታታትን ኣየኖት ምዃኖም?