ኣብ ሽወደን፡ ርእስኻ ምኽኣልን ምምዕባልን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።
ናይ ሓደ መምህር፡ ናይ ወረቐት ሰልድን ሰናቲምን፡ ክልተ ሓካይምን ሓደ ጸራብን ከምኡ’ውን ሓደ ተምሃራይ ኣብ ጥቓ ሓደ ሰደቓ ዝተሳእሎ ኮላዥ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ነብስኻ ምንባይን ምምዕባልን እዩ።

ብዛዕባ ብኸመይ ስራሕ ከም ትደሊ፡ ስለምንታይ ግብሪ ከም ንኸፍልን እቲ ብግብሪ ዝኣቱ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከም ዝውዕልን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ትምህርቲ ንኣባጽሕ፡ ማሕበራዊ ውሕስነትን ብዛዕባ ኮሙን እንታይ ስራሕን ሓላፍነት ከም ዘለዎን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ቍጠባ እውን እዩ። ብዛዕባ ንኣብነት ንመዓልታዊ ቍጠባኻ ብኸመይ መደብ ከተውጽኣሉ ከም ትኽእል፡ ብዛዕባ ክፍሊታትን ኣቕሑን ኣገልግሎትን ክትዕድግ ከለኻ እንታይ መሰላት ከም ዘሎካን ከተንብብ ክትኽእል ኢኻ።

ኮሙን እንታይ ስራሕን ሓላፍነትን ከም ዘለዎን ኣብ ምዓልታዊ ህይወትካ ነየናይ ኣገልግሎትን ደገፍን ክትረክብ መሰል ከም ዘለካን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።