ዕዳጋ-ዕዮ ኣብ ሽወደን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዘሎ ዕዳጋ ስራሕ እዩ። ዕዳጋ ስራሕ እቶም ዘለዉ ስራሓት ማለት እዩ። ንስኻ ኣብ ስራሕ ዓለም ዘለኻን ስራሕ ንኽሰርሑ ስራሕ ዝቘጽሩ ወሃብቲ ስራሕን እውን ዕዳጋ ስራሕ ኢኹም።

ቈልዑት ብኢዶም ዝሓዘት ኣላዪት ቈልዑን ኣብ ክንክን ጥዕና ኣረጋውያን ትሰርሕ ኣላዪት ሕሙማት ዘርኢ ኮላዥ ናይ ሓንቲ ክፍሊ።

ኣብ ሽወደን ምስራሕ ምስቲ ኣብታ ቅድሚ ሕጂ ትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ክወዳደር ከሎ ምናልባት እተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ ኣብ ሽወደን ዕዳጋ ስራሕ ብኸመይ ከም ዝዓዪ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ማዕርነት ጾታ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ መሰል ናይ ስራሕ ምህላው ኣለዎ። እዚ መሰል ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘይምንጻል ማለት እዩ። ካበይ ከም ዝመጻእካ፡ እንታይ ጾታ ከም ዘለካ ወይ ክንደይ ዓመት ከም ዝገበርካ ነቲ ናይ ስራሕ ዕድልካ ክጸልዎ የብሉን።

ምስ ስራሕ ዝተተሓሓዙ ብዙሓት መሰላት ኣለዉ። ንኣብነት መሰል ንፍትሓዊ ኵነታት ስራሕ፡ መሰል ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝን መሰል ንኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ምዃንን ኣለካ። ካብ ስራሕ ከተዕርፍን ናጻ ግዜ ክህልወካን እውን መሰል ኣለካ።

ወለዲ ንናብራ ስድራ ቤት ምስ ስራሕ ከወሃህድዎ ክኽእሉ እውን ሓደ መሰል እዩ። ቈልዑ ጐዳኢ ወይ ንምዕባለኦምን ትምህርቶምን ዝዓግት ዕዮ ከይዓዩ ውሕስነት ክረኽቡ መሰል ኣለዎም።

ኣብ ሽወደን ዘሎ ዕዳጋ ስራሕ ተቐዪሩ እዩ

ኣብ ሽወደን ሎሚ ዳርጋ ማዕረ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ስራሕ ዓለም ኣለዋ። ግን ኵሉ ግዜ ከምኡ ኣይኰነን ኔይሩ። ቀደም መብዛሕትኦም ሰብኡት ክሰርሑ ከለዉ ኣንስቲ ግና ንስድራ ቤተን ይከናኸና እየን ኔይረን ። ዓይነት ስራሕ እውን ተቐዪሩ እዩ። ቀደም ብዙሓት ኣብ ሕርሻን ኢንዱስትርን እዮም ዝሰርሑ ኔይሮም። ንኣብነት ሎሚ ኣብ ድኳናት ወይ ኣብ ክፍሊ መሸጣ ምስራሕ ብዝያዳ ልሙድ እዩ። ገለ ካብቲ ኣብ ሽወደን ዝውቱራት ዝኾኑ ሞያታት፣ ተሓጋገዝቲ ኣለይቲ ሕሙማት፡ መምህራን መባእታዊ ቤት ትምህርቲን ሸየጥቲ ኣብ ድኳናትን እዮም። ሎሚ ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ሽወደን ዝርከቡ ሓያሎ ሞያታት ናይ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ይሓቱ እዮም።

ኵነታት ስራሕን ድሕንነትን ናይ ሰራሕተኛታትን እውን ተቐዪሩ እዩ። ቅድሚ ኣስታት 150 ዓመት ወሃብቲ ስራሕ ዳርጋ ንዅሉ እቲ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ናይ ስራሕ ቦታታት ይውስኑ ኔይሮም። ኵነታት እቶም ሰራሕተኛታት ሕማቕ እዩ ነይሩ። ሓደ ሰራሕተኛ እንተ ሓሚሙ ወይ እቲ ኣስራሒ ሕማቕ ከም ዝሰርሕ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ብዘይ ናይ ውዕል መቋረጺ ግዜ ወይ መጠንቀቕታ ካብ ስራሕ ክስጐግ ይኽእል ኔይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ዘሎ ዕዳጋ ስራሕ ዝያዳ ዘተኣማምንን ውሑስን እዩ። ንመሰላት ሰራሕተኛታት ዘውሕሱ ሕግታት፡ ናይ ሓባር ውዕላትን ማሕበራት ሰራሕተኛታትን ኣለዉ።

ኣብ ህዝባዊ ወይ ብሕታዊ ጽላት ምስራሕ

ዕዳጋ ስራሕ ኣብ ብሕታውን ህዝባውን ጽላት ክመቓቐል ይኽእል እዩ። እቲ ህዝባውን ጽላት ብመንግስቲ፡ ዞባታትን ኮሙናትንን እዩ ዝውነን። እቲ ናይ ህዝባዊ ጽላት ንጥፈታት ብሓገዝ ካብ ግብሪ ዝኣተወ ገንዘብ እዩ ዝካየድ። እዚ ሕብረተ ሰብ ክሰርሕ ንኽኽእል ብዙሓት ኣብ ህዝባዊ ጽላት ዘለዉ ከም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ትካላት ፍትሒን ትምህርቲን ዝኣመሰሉ ስራሓት ኣገደስቲ እዮም። እቶም ኣብ ህዝባዊ ጽላት ተቖጺሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ንኣብነት ከም ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ጥዕና፡ መማህራን፡ ኣለይቲ ቈልዑ፡ ፖሊስን መጥፋእቲ ሓዊን ኮይኖም ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም። ከም ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕን ብዓል መዚ ኢሚግረሽንን ዝኣመሰሉ ብዓል መዝታት ሓደ ክፋል ናይ ህዝባዊ ጽላት እዮም።

ኣብ ናይ ብሕቲ ጽላት እተን ትካላት ብመንግስቲ ዘይኰነስ ብውልቀ ሰባት እየን ዝውንና። ቀንዲ ዕላማ ናይ ብሕቲ ትካላት፡ ካብ ንጥፈታተን ገንዘብ ንምርካብ እዩ። እዘን ትካላት እተፈላለያ መልክዕ ክህልወን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ናኣሽቱ ድኳናት ወይ ካልእ ንግዲ፡ ኣብያተ-ምግቢ፡ ኢንዱስትሪታት ፍርያምነት፡ ህንጸት ወይ ኣብ ሕጊ፡ ቍጠባን መጐዓዝያን ዝነጥፋ ትካላት ክኾና ይኽእላ እየን። ዳርጋ 70 ሚእታዊት ናይ ኵሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ናይ ብሕቲ ጽላት እዮም ዝሰርሑ። ኣብነት ናይተን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ናይ ብሕቲ ጽላት ቮልቮ፡ ኤሪክሰንን ሄነስ ኤንድ ሞሪትስን እየን።

ዕዳጋ ስራሕ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ክፋላት ሽወደንን ኣብ መንጎ ገጠራትን ከተማታትን ክፈላለ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብዙሓት ዓበይቲ ትካላት ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ኣለዋ።

ማሕበራዊ ትካላት

ማሕበራዊ ትካላት ነቲ ኣብ ሕብረተ ሰብ ዘጋጥም እተፈላለየ ብድሆታት ፍታሕ ንምፍጣር ይሰርሓ። ንኣብነት ህያው ገጠራት፡ ዝሓሸ ውህደት ኣብ ሕብረተሰብ ንኽህሉ ወይ ዕድመ፡ ጾታ፡ ዓሌት ወይ ካልእ ብዘየገድስ ኵሉ ሰብ ስራሕ ምእንቲ ክረክብ ክጽዕሩ ይኽእሉ እዮም። ንሓደ ማሕበራዊ ትካል ቍጠባዊ ረብሓ ልዕሊ ኵሉ ኣገዳሲ ኣይኮነን። እቲ ማሕበራዊ ትካል ዝረኽቦ ገንዘብ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ትካል ንምምዕባል እዩ ዝውዕል።

ወሃብቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን

ዕዳጋ ስራሕ ኣብ ክልተ ወገን ማለት ኣብ ወሃብቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ዝተኸፍለ እዩ። ወሃብቲ ስራሕ ሰባት ይቖጽሩን ስራሕ ስለ ዝሰርሑ ደሞዝ ይኸፍሉን። ሰራሕተኛ ሓደ ስራሕ ዝተቖጽረ ሰብ እዩ።

ንሰራሕተኛታትን ወሃብቲ ስራሕን ዝውክላ ማሕበራት/ውድባት ኣለዋ። ወሃብቲ ስራሕ ወይ ሰራሕተኛታት ኣብ ዕዳጋ ስራሕ ንረብሓታቶም ዝተሓባበሩለንንን ዝሰርሑለንን ማሕበራት ወይ ውዱባት እየን። ኵሎም ኣባላት ናይታ ማሕበር ወይ ውዱብ ዝኾኑ ተሳቲፎም ክጸልዉ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ወሃብቲ ስራሕ ውድባት፡ ናይ ባዕላተን ድሌታትን ጥቕምታትን'የን ዘቐድማ።
እተን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ ውድባት፡ እዘን ዝስዕባ እየን፡

  • ስቨንስክት ኔሪንግስሊቭ (Svenskt näringsliv) ንብሕታውያን ትካላት
  • ብዓል መዚ ወሃብቲ ስራሕን (Arbetsgivarverket) ኤስኮኣርን (SKR) (Sveriges Kommuner och Regioner ናይ ሽወደን ኮሙናትን ዞባታትን) ንህዝባዊ ናይ ስራሕ ቦታታት

ማሕበር ሰራሕተኛታት ንረብሓታት ሰራሕተኛታት፡ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ይውክሉ።
እቶም ዝዓበዩ ውዱባት ሰራሕተኛታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • ኤልኡ (LO ሃገራዊ ውድብ ኣብ ሽወደን)
  • ተሰኡ(TCO ማእከላይ ውዱብ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት)
  • ሳኮ (SACO ማእከላይ ውዱህ ናይ ሽወደን ኣካዳምያውያን)

እቶም ሃገራውያን ውዱባት ሰራሕተኛታት ንዝተፋላለዩ ሞያታትን ጨንፈራትን ብዝውክሉ ብብዙሓት ናእሽቱ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝቖሙ እዮም።

ሕብረት ሰራሕተኛታትን ማሕበራት ሰራሕተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ "ፋከት" ተባሂሉ ይሓጽር እዩ። ፋከት እቶም ቲቖጺሮም ዝሰርሑ ሰባት ኣብ ስርሖም ዝሓሸ ክኵነታት ንኽህልዎም ይጽዕር። ንኣብነት ምስ ወሃብቲ ስራሕ ብዛዕባ ደሞዝ ኣባላቶም ይመያየጡ። ኣብ ሽወደን ካብ 1880ታት ኣትሒዙ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ነይረን እየን።

ፋከት ኣብ ስራሕካ ጸገም እንተ ኣጓኒፉካ፡ ንኣብነት ግጉይ ደሞዝ እንተ ተኸፊልካ ወይ ካብቲ ኣብ ውዕል ስራሕ እተጠቕሰ ንላዕሊ ዝበዝሓ ሰዓታት ክትሰርሕ እንተ ተገዲድካ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ኣባል ናይ ገለ ማሕበር ሰራሕተኛ ናይ ምዃን ተመክሮ ኣለካ'ዶ?

ሰራሕተኛ እንተ ዄንካ እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል?

ሓባራዊ ውዕል (Kollektivavtal)

ሓባራዊ ውዕል (kollektivavtal) ዝብሃል ኣብ መንጎ ወሃብቲ ስራሕን ማሕበራት-ሞያን ዝእቶ ጽሑፋዊ ውዕል'ዩ። ኣብ ሓደ ሓባራዊ ውዕል፡ ንሳዓታት ስራሕ፡ ንዓመታዊ ዕረፍትን ንደሞዝ ሰራሕተኛታትን ዝምልከቱ መምርሒታት ኣሎዉ። ዝበዝሕ እዋን፡ መጠን ደሞዝካ ዝውስኖ፡ ሓባራዊ ውዕል ወይ ስምምዕ'ዩ።

  • ሓባራዊ-ውዕል፡ ነዞም ዝስዕቡ መምርሒታት ይጥርንፍ፡
  • ዓይነት ስራሕ
  • ትርፊ ሰዓት
  • ደሞዝን ካሕሳን
  • ሰዓታት ስራሕ
  • ዕረፍቲ
  • ስንብታ
  • ጡረታን ናይ ሓደጋ መድሕንን

እቲ ዝተሓተ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ክንደይ ክኸውን ከም ዘሎዎ፡ ኣብ ሓባራዊ ውዕል ይውሰን። እቲ ውዕል፡ ኣብ ሓባራዊ ውዕል ዘሎዎ ትካል ዝሰርሑ፡ ግን ካኣ ኣባላት ማሕበረ ሞያ ዘይኮኑ'ውን ይምልከት'ዩ። ኣብ ሽወደን፡ እቶም ዝተሓቱ ደሞዛት ክንደይ ክኾኑ ከም ዘሎዎም ውዕል እምበር ሕጊ የለን።

ወሃብ-ስራሕካ፡ ዋላ ናይ ስራሕ ውዕል ይሃሉዎ፡ ብዛዕባ ደሞዝካ ዝምልከት ምስኡ ክትመያየጥን ክትካታዕን ተኽእሎ ኣሎ። ደሞዝካ ኣብቲ ዓይነት ብርተዐ ስራሕን ኣብቲ እተርእዮ ብልሓትን ዝተመስረተ እዩ። ዝበዝሑ ዓበይቲ ውድባትን ዋኒናትን፡ ምስ ማሕበር-ሞያ እዮም ናይ ስራሕ ውዕል ዝገብሩ። ሓባራዊ ውዕል ዘይገብሩ ወሃብቲ ስራሕ'ውን ኣለዉ።

ኣብ መንጎ ማሕበራዊ ድሕነት፡ ግብርን ስራሕን ዘሎ ምትእስሳር

ኣብ ህይወትና ካብ ሕብረተሰብ ሓገዝ እንደልየሉ እዋናት ኣሎ። ኵላትና ክንሓምም ወይ ሓደጋ ከጋጥመና ይኽእል እዩ። ምናልባት መጥባሕቲ የድልየካ ይኸውን ወይ ክትሓርሲ ትኾኒ። ብኸቢድ ሕማም እንተ ሓሚምካ ንኣገልግሎት ጥዕና ብዙሕ ገንዘብ ከተውጽእ ኢኻ። ስራሕ ኣልቦ እንተ ዄንካ፡ ምናልባት ገንዘብካ ምግቢ ንምግዛእን ክራይ ገዛን ንምኽፋልን እኹል ከይከውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ እቲ ሓገዝ ከም እትረክብ ዝገብር ሕብረተሰብ ሃኒጽና ኢና።

ንዓኻ ኣብ ሽወደን ትነብር መንግስቲ ናትካ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎ። ዋላ ስራሕ ኣልቦ፡ ሕሙም ወይ ብዙሕ ደሞዝ ዘይብላ ኹን፡ መሰረታዊ ኣታዊ ክህልወካን ጽቡቕ ህይወት ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። እተን ነቲ ማሕበራዊ ድሕነት ካብ ግብሪ ብዝተረኽበ ገንዘብ ክምውልኦ ዝመረጻ ሃገራት፡ ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት ተባሂለን እየን ዝጽውዓ።

ኣብ ሓደ ማሕበራዊ ድሕነት ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ኵሎም ሰባት ክሕግዙ ኣለዎም። ነዚ ብእተፈላለየ መገዲ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ሓደ ካብቲ ነዚ እንገብረሉ መገዲ፡ ኵሉ ሰብ ንዘድልዮም ነገራት ብሓባር ክንከፍሎም ክንክእል እዩ። ነዚ ግብሪ ብምኽፋል ንገብሮ። ኵሎም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ንመንግስቲ ግብሪ ክኸፍሉ ኣለዎም። ትካላት እውን ንመንግስቲ ግብርን ክፍሊትን ይኸፍላ እየን። ምስ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ከነጻጸር ከሎ ኣብ ሽወደን ብዙሕ ግብሪ ኢና ንኸፍል፣ ምኽንያቱ መንግስቲ ንቤት ትምህርቲ፡ ንኽንክን ጥዕናን ካልእ ብዙሕን ንኽሽፍን ስለ ዝመረጽና እዩ።

ኣማራጺ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ብግብሪ ምኽፋል እንታይ እዩ?

ንማሕበራዊ ድሕነት ካብ ግብሪ ወጻኢ ብኻልእ ዝኽፈለሉ መገዲ ትፈልጥ ዲኻ?

ግብሪ እንተዘይከፊልካ እንታይ የጋጥም?

ግብሪ እንተዘይከፊልካ ገበን ጌርካ ማለት እዩ፣ እዚ ናይ ግብሪ ገበን ይበሃል።

ግብሪ ከይከፈልካ እንተ ሰሪሕካ፡ ብጸሊም ትሰርሕ ኣሎኻ ይብሃል። ብጸሊም ምስራሕ ዘይሕጋዊ እዩ። ክሳብ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ክትሰርሕ ከለኻ ግብሪ ዘይትኸፍል እንተ ዄንካ፡ ልሙድ ስራሕ ዝህበካ እተፈላለየ መሰላት ኣይክትረክብን ኢኻ። ግብሪ ከይከፈልካ ትሰርሕ እንተ ዄንካ ነዚ ዝስዕብ ከይትረብ ትኽእል ኢኻ፦

  • ናይ ስራሕ ውዕል ስለ ዘይወሃበካ፡ ደሞዝካ ክትታለል ትኽእል ኢኻ።
  • ስራሕ ኣልቦ እንተ ዄንካ ካብ ኣ-ካሳ ክፍሊት ኣይትረክብን ኢኻ።
  • ናይ ሕማም ክፍሊት ወይ ናይ ዓመታዊ ዕረፍቲ ክፍሊት ኣይክትረክብን ኢኻ።
  • መተካእታ ደሞዝ ሕማም ወይ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ ኣይክትረክብን ኢኻ።
  • ዝተሓተ ጥሮታ ክትረክብ ኢኻ።
  • እንተ ተጎዲእካ ወይ ብኣጋጣሚ ንኻልእ ሰብ ጎዲእካ፡ ወይ ክትሰርሕ ከለኻ ብኣጋጣሚ ገለ ነገር ኣባላሺኻ መድሕን የብልካን። ንኣብነት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኻ ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙካ ዋላ ሓንቲ ካሕሳ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣድልዎ ክህሉ የብሉን

ናይ ስራሕ ዓለም ጾታዊ ማዕርነት ማዕርነትን ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ስራሕ ዓለም ኣድልዎ ክግበር ክልኩል እዩ። ከምኡ ክንሱ ገና ከጋጥም ይኽእል እዩ።

ኣድልዎ እንታይ ምዃኑ ካብ ጕዳይ ናብ ጕዳይ ክፈላለ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ቤት ፍርዲ ኣድልዎ ኣጋጢሙ እንተ ኾይኑ ክውስን ኣለዎ። ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣድልዎ ዝግበረሉ ክልተ ጕዳያት እንሆ፦

ኣብነት፦ ሚርያም ነፍሰ ጾር ስለ ዝነበረት ካብ ስራሕ ተሰጕጋ

ማሪያም ኣብ ሓደ ኩባንያ ታክሲ ከም መራሒት ታክሲ ኾይና ስራሕ ረኸበት። ድሕርኡ ነዊሕ ከይጸንሐት ጠነሰት። ነቲ ኣካያዲ ስራሕ ብዛዕባ እዚ ነገረቶ፡ ካብ ሽዑ ንደሓር ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ክትሰርሕ ከም ዘይፍቀደላ ድማ ተነግራ። ማሪያም ነቲ ዘጋጠመ ክሲ ኣቕሪባ፡ ሓደ ቤት ፍርዲ ድማ ንኣድልዎ ከም ዝተቓልዓት ፈሪዱ። ማሪያም ነፍሰ ጾር ስለ ዝነበረት ካብ ስራሓ ምስንባታ ጌጋ እዩ ነይሩ። እታ ኩባንያ ታክሲ ንማሪያም ንኣድልዎ ስለ ዘቃልዓታ ናይ ገንዘብ ካሕሳ ከም ትኸፍሉ ተገይሩ።

ኣብነት፦ ፋጥማ መሃረብ ርእሲ ተሸፊና – ስራሕ ተኸሊኣ

ፋጥማ ኣብ ሓደ ሰራሕተኛ ዝምልምሉ ትካል ግዝያዊ ናይ ስራሕ ዕድል ተዋሂባ። እቶም ትካል ግን መሃረብ ርእሲ ከም ትሽፈን ምስ ፈለጡ ነቲ ናይ ስራሕ ምቝጻር ክቕጽልዎ ኣይደለዩን። እቲ ናታ መሃረብ ርሕሲ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ንድሕንነት ሓደገኛ ምዃኑ ገለጹላ።

ኣብ ገሊኡ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ውሑስ ንኽትከውን ወይ እቲ ስራሕ እተወሰነ ዓይነት ጽሬት ስለ ዝሓትት እንታይ ዓይነት ክዳውንቲ ክትክደን ከም ዘለካ ጠለባት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ፋጥማ ስራሕ ዝረኸበትሉ ቦታ ግን ከምኡ ኣይነበረን። ስለ’ዚ ሓደ ቤት ፍርዲ እቲ ትካል ንፋጥማ ኣድልዎ ከም ዝገበረላ ገይሩ ፈሪድዎ።

ወሃብቲ ስራሕ ዘለዎም ሓላፍነት

ኵሎም ወሃብቲ ስራሕ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣድልዎ ከም ዘየጋጥም ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም። ስለ'ዚ ወሃብ ስራሕ ዝኾነ ሰብ ብመሰረት እቶም ሸውዓተ ናይ ኣድልዎ ምኽንያት ዝተበገሰ ኣድልዎ ንኸየጋጥሞ ከረጋግጽ ኣለዎ። ንስኻን ኵሎም ምሳኻ ዝሰርሑን ሰባትን ሓደ መሰላት ኣለኩም።

እቲ ወሃብ ስራሕ ኣብ ሓሙሽተ መዳያት ኣድልዎ ምእንቲ ከየጋጥም ክዓዪ ኣለዎ፦

  • ኵነታት ስራሕ
  • ደሞዝን ኵነታት ኣቖጻጽራ ስራሕን
  • ስራሕ ንቝጻርንን ዕቤትን
  • ክእለት ምምዕባልን ትምህርትን
  • ስራሕን ወላዲ ምዃንን ከተወሃህዶ ተኽእሎ ምህላው።

መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ዘጋጥሙ ኣድልዎታት ምስ ጾታ ወይ ዕድመ ዝተተሓሓዙ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ሰብ ብእተፈላለዩ ናይ ኣድልዎ ምኽንያታት፡ ንኣብነት እታ ሰብ ጓለንስተይትን መንእሰይን እንተ ኾይና ዝተፈላለየ ኣድልዎ ኣብ ሓደ እዋን ከጋጥማ ይኽእል እዩ።

ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ

ኣብ ሽወደን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያን ዝተፈላለየ ዓይነት ስራሕን እዮም ዝሰርሑ። ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ሓደ ምክፍፋል ኣሎ፣ ንኣብነት ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ክንክን ጥዕናን ሓልዮትን ክሰርሓ ከለዋ ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ናይ ተክኒክን ህንጻን ሞያ ይሰርሑ። ከምኡ'ውን ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ገዛእ ርእሶም ትካል ይኸፍቱ ወይ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ሓለፍቲ እዮም።

ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ማዕረ ስራሕ ደቂ ተባዕትዮ ኣኽቢርካ ኣይርአን እዩ። ንኣብነት ኣብቲ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሓሉ ሞያታት ደሞዝ ዝወሓደ እዩ። እተን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓደ ሞያ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ዋላ እኳ ከም ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ዓይነት ስራሕ ዝሰርሓ ይኹና መብንዛሕትኡ ግዜ ዝወሓደ ደሞዝ እየን ዝኽፈላ።

ኣብቲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሓሉ ሞያ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኵነታት ስራሕን ናይ ስራሕ ኣካባቢን ዝሓመቐ እዩ። ኣብቲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሓሉ ሞያታት ካብቲ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ዝሰርሑሉ ሞያታት ንላዕሊ ብሰንኪ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጸገማት ብኩራት ብምኽንያት ሕማም ከጋጥም ዘሎ ተኽእሎ ዝዓበየ እዩ። ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብምኽንያት ናይ ስራሐን ሓሳባት ድቃስ ከም ዘሸግረን፡ ኣብ ስራሕ ምፍርራህን ዓመጽን ከም ዘጋጠመን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ስርሓን ንኣካላተን ዘማህምህ ተደጋጋሚ ምንቅስቓስ ዘለዎ ስራሕ ከም ዝሰርሓ ጸብጻብ ይህባ እየን። ይኹን እምበር ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ እዮም ብሰንኪ ናይ ስራሕ ሓደጋታት ዝሞቱ። ከምዚ ዝዀነሉ ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ከኣ ብዙሓት ሰብኡት ንኣብነት ኣብ ከም ህንጸት ዝኣመሰለ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደጋታት ኣብ ዘጋጥመሉ ሞያታት ስለ ዝሰርሑ እዩ።

መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ መንጎ እቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንስራሕን ንናብራ ስድራ ቤትን ናይ ምውህሃድ ዘለዎም ተኽእሎ ፍልልይ ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ዋላ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ እኳ ወፊረን እንተ ሰርሓ፡ መብዛሕትኡ ዕዮ ገዛ ግን ንሰን እየን ዝዓየኦ። ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝነውሐ እዋን ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ይወስዳ።

ብዝያዳ ጾታዊ ማዕርነት ምእንቲ ክህሉ፡ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን፡ ኣብ ሽወደን ሓደ ፖሊሲ ማዕርነት ጾታ ንኽህልዋ ወሲኑ። ሓደ ካብቲ ሸቶታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ማዕረ ዕድላትን ኵነታትን ንኽህልዎም እዩ። ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ኵሉ ሞያታት ክሰርሑ ንኽኽእሉ እዩ። ዝኾነ ሰብ ንደቂ ተባዕትዮን እዚ ንደቂ ኣንስትዮን እዚ ስራሕ እዚ እዩ ዝሰማምዖም ብዝበል ቅድመ-ፍርዲ ክዕገት የብሉን። ኵሉ ሰብ ካብ ብቕዓቱ፡ ክእለቱን ተገዳስነቱን ተበጊሱ ሞያ ክመርጽ ክኽእል ኣለዎ።

ኣብነት፦ ናይ ኣና ሓድሽ መሳርሕታ ዝያዳ ደሞዝ ይወስድ

ኣና ካብ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ጀሚራ ኣብ ሓደ መደበር ነዳዲ ትሰርሕ ኣላ። ሓደ መዓልቲ ኣሚር ዝስሙ ሓደ ሓድሽ መሳርሕታ ምስኣ ክሰርሕ ጀሚሩ። ኣሚር ክንደይ ወርሓዊ ደሞዝ ከም ዘለዎ ምስ ፈለጠት፡ ተገሪማ። ካብ ኣና ንላዕሊ 1,000 ክሮነር ደሞዝ ኣለዎ። ተመሳሳሊ ዕዮ እዮም ዝዓዩ፣ ካብኣ ዝወሓደ ተመክሮ እውን እዩ ዘለዎ። ኣና ካብ ኣሚር ዝወሓደ ደሞዝ ክትወስድ ዘይፍትሓዊ እዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዋ።

ምስ ኣና ትሰማማዕ'ዶ?

ናይ ወሃብ ስራሕ ግዴታታት ንሓደ ማዕርነት ዘለዎ ናይ ስራሕ ቦታ

ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት ኵሎም ወሃብቲ ስራሕ ኣብ መንጎ ደሞዝ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደሞዝ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ፍልልይ እንተ'ልዩ ንምፍላጥ ኣብ መንጎ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምንጽጻር ክገብሩ ኣለዎም። ኣብ ሕጊ ኣንጻር ኣድልዎ ሰፊሩ ኣሎ። እቲ ምንጽጻር ንተዳራጊ ስራሕ ኣብ መንጎ እቶም ጾታ ፍልልይ ከም ዘሎ እንተ ኣርእዩ፡ እቲ ደሞዛት ክቕየር ኣለዎ።

ወሃብቲ ስራሕ እውን ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ስራሕን ናይ መሪሕነት ቦታታትን ማዕረ ብዝሒ ምክፍፋል ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ንኽህሉ ክጾሩ ኣለዎም። ንኣብነት ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕርነት ዘይብሉ ናይ ኣካየድቲ ስራሕ ዝርጋሐ እንተድኣ ኣልዩ፡ እቲ ወሃቢ ስራሕ ነዚ ንምቕያር ክጽዕር ኣለዎ። ንኣብነት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ወይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ መሪሕነት ቦታ ምእንቲ ክህልዎም ክኽእል፡ ንሰራሕተኛታት ትምህርቲ ብምሃብ ክኸውን ይኽእል እዩ።