ስራሕ ምድላይ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 4 10 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ስራሕ ምድላይ እዩ። ስራሕ ምድላይ ኣጸጋምን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስራሕ ከም እትደሊ ትፈልጥ እኳ እንተ ኾንካ እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ ወይ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ግን ኣይትፈልጥን ትኸውን። ኣበይ ክፉት ስራሕ ክትረክብ ትኽእል? ከመይ ገርካ’ኸ ከተመልክት ትኽእል? ምናልባት ብኡ ምስራሕ ክትቅጽሎ እትደሊ ናይ ሓደ ሞያ ተመክሮ ይህልወካ ይኸውን? ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ሰሪሕካሉ ኣብ ዘይትፈልጥ ክትሰርሕ ትደሊ ትኸውን?

ኣብዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ከመይ ገርካ ስራሕ ከም ትደልን ኣብ ምድላይ ስራሕካ ኣየናይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእልን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ መሰል ናይ ስራሕ ምህላው ኣለዎ። እዚ መሰል ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘይምንጻል ማለት እዩ። ካበይ ከም ዝመጻእካ፡ እንታይ ጾታ ከም ዘለካ ወይ ክንደይ ዓመት ከም ዝገበርካ ነቲ ናይ ስራሕ ዕድልካ ክጸልዎ የብሉን።

ምስ ስራሕ ዝተተሓሓዙ ብዙሓት መሰላት ኣለዉ። ንኣብነት መሰል ንፍትሓዊ ኵነታት ስራሕ፡ መሰል ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝን መሰል ንኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ምዃንን ኣለካ። ካብ ስራሕ ከተዕርፍን ናጻ ግዜ ክህልወካን እውን መሰል ኣለካ።

ወለዲ ንናብራ ስድራ ቤት ምስ ስራሕ ከወሃህድዎ ክኽእሉ እውን ሓደ መሰል እዩ። ቈልዑ ጐዳኢ ወይ ንምዕባለኦምን ትምህርቶምን ዝዓግት ዕዮ ከይዓዩ ውሕስነት ክረኽቡ መሰል ኣለዎም።

Arbetsförmedlingen

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ንሓደ ብጽቡቕ ዝሰርሕ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ከበርክት ዘሎዎ ብዓል መዚ እዩ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ንደለይቲ ስራሕ፣ ስራሕ ንኽረኽቡ፡ ወሃብቲ ስራሕ ድማ መሳርሕቲ ንኽረኽቡ ይሕግዝ።

ማሕተም ምልክት ንግድ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen)።

ኣብታ ቅድሚ ሕጂ ትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ሰባት ሓገዝ ናይ ስራሕ ንምርካብ ናበይ እዮም ዝኸዱ?

ምስ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ምስ ዝመሳሰል ተመክሮ ኣለካ’ዶ?

ስራሕ፡ ብብዙሕ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ክትደሊ ትኽእል ኢኻ፦

  • ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ መርበብ ሓበሬታ ዝርከብ መወዓውዒ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ (Platsbanken) ክትበጽሕን ብመንገዲ መወዓውዒ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ስራሕ ክትደልን ትኽእል ኢኻ።
  • ምስ ትካል ምምልማል ሰራሕተኛታት ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ትካል ምምልማል ሰራሕተኛታት ንዝተፈላለያ ትካላት ሰራሕተኛታት የካሪ።
  • ምስ ትካል ምቝጻር ሰራሕተኛታት ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ትካል ምቝጻር ሰራሕተኛታት፡ ሓድሽ ሰራሕተኛ ክቘጽራ ንዝደልያ ትካላት ሰብ ይረኽበለን።
  • ኣብ ጋዜጣታት ወይ ኣብ ኢንተርነት ንዝወጽእ ምልክታ መልሲ ክትህበሉ ትኽእል።
  • ምስ ሓደ ወሃብ ስራሕ ርክብ ክትገብር ትኽእል።
  • ንትፈልጦም ሰባት ክትሓትት ትኽእል።

ንመርበብ ሓበሬታ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ተጠቂምካሉ ትፈልጥ’ዶ ?

ኣብቲ ትነብረሉ እንታይ ዓይነት ክፉት ስራሕ ኣሎ?

ሞያታት ኣብ ሽወደን

ኣየናይ ሞያ ከም ዝሰማምዓካ ወይ እቲ ናትካ ሞያ ኣብ ሽወደን እንታይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ካብ ኣገልግሎት ሂታ ይርከን (Hitta yrken) ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሂታ ይርከን (Hitta yrken) ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ዘማዕበልዎ ሓደ ኣሃዛዊ መሳርሒ እዩ።

ኣብ ኣገልግሎት ሂታ ይርከን (Hitta yrken) ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኣሎ፦

  • ትርጕም ናይ ዝተፈላለዩ ሞያታት
  • ኣብ ውሽጢ ሓደ ፍሉይ ሞያ፡ ስራሕ ናይ ምርካብ ዘሎ ዕድል ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምኳኑ።
  • ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ሞያታት ስራሕ ንምርካብ ኣየናይ ትምህርትን ተሞኩሮን ክህልወካ ከም ዘለዎ።

ንመብዛሕትኦም እቶም ሞያታት ዝገልጹ ፊልምታት እውን ኣሎዉ።

ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዘሎ ናይ ስራሕ ዓለም እንታይ ሓሳባት ኣሎካ? ኣየናይ ሞያኸ እዩ ዘገድሰካ?

ትምህርቲ ስራሕ ክህብ ይኽእል እዩ

ምምሃር ነቲ ስራሕ ናይ ምርካብ ዘለካ ዕድላት ንምዕባዩ ሓደ መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሕ ዓይነት ትምህርትታት ኣሎ። ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ንኣብነት ንናይ ምምህርና፡ ሓኪም ወይ ኣላዪት ሕሙማት ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሞያታት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ሞያ ተመክሮ ወይ ትምህርቲ እንተ ኣልዩካ ኾይኑ ኣብ ሽወደን ኣብ ተመሳሳሊ ሞያ ንምዕያይ፡ ዝሓጸረ ትምህርቲ ወሲድካ ክትምልኣሉ የድልየካ ይኸውን እዩ።

ኣብቶም ዓቢ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ዘለዎም ሞያታት፡ ሓደ ስናፕ-ስፖር (ቅልጡፍ መስመር) ዝበሃል ኣሎ። እዚ ንዓኻ ድሮ ኣብ ሓደ ሞያ ተመክሮ ወይ ትምህርቲ ንዘለካ ሓደ ቅልጡፍ መገዲ ናብ ስራሕ እዩ።

ናይ ዕዳጋ ስራሕ ትምህርታት እውን ኣሎ። እዚ ነቲ ሕጽረት ምሁራት ሰራሕተኛታት ዘለዎ ሞያታት ዝኸውን ሓጸርቲ ናብ ሞያ ዘድሃቡ ትምህርትታት እዩ።

ንኽእለትካ ወረቐት ምስክርን መርትዖን ርኸበሎም

ትምህርቲ ወይ ተመኩሮ ካብ ሓደ ስራሕ እንተ'ላካ ኾይኑ፡ ግን ናቱ ወረቐትን ወረቐት ምስክርን ዘይሃልዩካ፡ ምርግጋጽ ዓቕሚ ናይ ዓቕምኻ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንዓቕምኻ መረጋገጺ እንተ ጌርካሉ ፡ ትምህርትኻ ክትውድእን ብቕልጡፍ ስራሕ ክትረክብን ትኽእል ኢኻ።

ብቕዓትካ ምርግጋጽ፡ ንስኻ ነቶም ዘሎዉኻ ተመኩሮታትን እንታይ ከም ትኽእልን ትገልጾምን ትግምግሞምን ማለት እዩ። ነቶም ዘለዉኻ ተግባራውንን ክልሰ-ሓሳብን ፍልጠታት ብመገዲ ቃለ-መሕትት፡ ፈተናታትን ናይ ስራሕ ፈተናታትን ከተርእዮም ዕድል ትረክብ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣብ ምርግጋጽ ብቕዓት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ዓምቕኻ ኣበየናይ ደረጃ ከም ዝርከብን ኣብ ሓደ ፍሉይ ሞያ ክትሰርሕ ንምኽኣል ተወሳኺ ትምህርቲ ዘድልየካ እንተ ኾይኑን ንምግምጋም ሓገዝ ትረክብ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ነቲ ናትካ ምርግጋጽ ብቕዓት ኣብ ሓደ ናይ ብቕዓት ወረቐት ምስክር ይስንድዎ።

ብቕዓቱ ከተረጋግጾ ዘድልየካ ትምህርቲ ወይ ናይ ስራሕ ተመክሮ ኣለካ ድዩ?

ገምጋም ንናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ

ዝወዳእካዮ ናይ ወጻኢ ሃገር ናይ ካልኣይ ደረጃ፡ ድሕሪ ናይ ካልኣይ ደርጃ ወይ ብኣካዳምያዊ ደረጃ ወይ ናይ ሞያ ትምህርቲ እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ነቲ ትምህርትኻ ብናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ (Universitets- och högskoleråde) ከተገምግሞ ትኽእል ኢኻ። እቲ ግምገማ ብናጻ እዩ።

ገለ ሞያታት፡ በቲ ንሞያዊ ስራሕ ዝምልከት ናይ ሽወደን ሕጊ ይምእዘዙ እዮም። ንኣብነት ምረቓን ሕጋውነትን ብዝምልከት። ኣብ ሓደ ውሱን ሞያ ንምስራሕ፡ ካብ ዝምልከቶ ብዓል መዚ፡ ፍቓድ የድሊ። ንናይ ሓኪም ሞያ ወይ ናይ ነርስነት ሞያ፡ ማሕበራዊ ምምሕዳር እዩ ዘፍቅድ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ንዘድሊ ሞያ ድማ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ የፍቅድ።

ኣብነት፦ ኣሊ ረዛ ትምህርቱ ናይ ግድን ክግምገም ኣለዎ

ኣሊረዛ ዝሰልጠነ ኣላዪ ሕሙማት እዩ፣ ከምኡ ኮይኑ ድማ ኣብ ኢራን ንዓሰርተ ዓመት ሰሪሑ እዩ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ናብ ሽወደን መጺኡ፣ ሕጂ ድማ በዚ ሞያ እዚ ክዓዪ ይደሊ ኣሎ። ነዚ ክገብር ንኽኽእል ኣብ ሽወደን ፍቃድ ዝተዋህቦ ኣላዪ ሕሙማት ምዃን የድልዮ።

ኣሊረዛ ነቲ ናይ ኢራን ትምህርቱ ቅቡል ንኽኸውን ምስ ቤት ምኽሪ ጥዕናን ድሕንነትን (Socialstyrelsen) ርክብ ይገብር። ቤት ምኽሪ ጥዕናን ድሕንነትን ንትምህርቲ ኣሊረዛ ምስ ናይ ሽወደን ትምህርቲ ዝመዛዘን እንተ ኾይኑ ንምርኣይ የወዳድርዎ። ። እቲ ትምህርቲ ቅቡል እንተ ኾይኑ ኣብ ሽወደን ከም ኣላዪ ሕሙማት ኮይኑ ስራሕ ንኽደሊ ፍቃድ ክወሃቦ እዩ። ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ ነቲ ትምህርቲ ከማልኦ ኣለዎ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝተማሃርካዮ ትምህርታዊ ነጥቢ ምትርጓም፡

እቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ወረቐት ምስክርካ ክግምገም እንተ ኾይኑ መጀመርታ ናብ ሽወደንኛ ክትርጐም ኣለዎ። እቲ ትርጕም ብሓደ እተፈቕዶ ተርጓሚ ክግበር ኣለዎ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ነቲ ምስክር ወረቐት ንምቱርጓሙ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም። እቶም ወረቐት ምስክር ናይ ትምህርትኻ ብእንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ጀርመንኛ፡ እስጳንኛ፡ ወይ በቶም ቋንቋታት ስካንዲናቭያ እንተ ኾይኖም ተጻሒፎም ምቱርጓም ኣየድልዮምን እዩ።

ስንክልና እንተ'ለካ ኾይኑ፡ ሕሙም ወይ ዝተጐዳእካ እንተ ዄንካ

ንዓኻ ብኣካላ ወይ ብኣእምሮ ዝጸልወካ ድኽመት ተግባራዊ ዓቕሚ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ እዚ ስንክልና ምህላው ይብሃል። እዚ ንመዓልታዊ ሂወትካ ወይ ስራሕ ንኽትክእሎ ናውቲ ሓገዝ ወይ ደገፍ የድልየካ ይኸውን ማለት እዩ።

ኣብነት ናይ ንኽትሰርሕ ወይ ክትመሃር ዓቕምካ ክጸልዉ ዝኽእሉ ኵነታት፦

  • ናይ ምርኣይ ጸገም እንተ’ለካ ኾይኑ፡ ንኣብነት ካብ ርሑቕ ሰብ ከተለሊ ወይ ደቀቕ ጽሑፍ ከተንብብ ዝጽግመካ እንተ ኾይኑ።
  • ናይ ምስማዕ ጸገም እንተ’ለካ ኾይኑ፡ ንኣብነት ጸገም ናይ ኣብ ዝርርብ ምስማዕ ወይ ኣብ እዝንኻ ዝርብሸካ ድምጺ ኣለካ ኾይኑ።
  • ሕማቕ ኣንተ ኣለኻ ዂንካ፡ ንኣብነት ጭንቀት ይስምዓካ፣ ቃዝኖት፣ ናይ ምድቃስ ጸገም፣ ናይ ኣተኵሮን ምዝካርን ጸገማት ወይ ናይ ምምሃር ጸገም ኣለካ ኾይኑ።
  • ኣብ ኣካላትካ ቃንዛ እንተ’ለካ ኾይኑ፡ ንኣብነት ኮፍ ክትብል፣ ደው ክትብል፣ ክትከይድ ወይ ምናትካን ኣእዳውካን ክትጥቀመሎም ዘጸግመካ እንተ ኾይኑ።
  • ኣብ ስድራኻ ጸገም እንተ’ለካ ኾይኑ፡ ንኣብነት ወልፊ፣ ዝሓመሙ መቕርብ ወይ ዘቤታዊ ጐነጽ ኣለካ ኾይኑ።

ሓገዝ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ንጥፈታት ንምስታፍ

ስራሕ ትደሊ እንተ ኣሎኻ ኴንካ፡ ኣብቶም ንዓኻ ስራሕ ንኽትረክብ ዘምርሑ ንጥፈታት ክትሳተፍ ክትክእል ኣገዳሲ እዩ። ንቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ስንክልና ከም ዘለካ እንተ ነጊርካዮም፡ እዞም ንጥፈታት ክመዓራረዩ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ’ውን ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ዕድላት ናይ ፍሉይ ደገፋት ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኣየናይ ሓገዝ ወይ ምስምማዕ ከም ዘድልየካ ምሳኻ ብሓባር ኮይኖም ክምርምርዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ስንክልናን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሓገዛትን ከም ዘለዉ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ይሰርሑ እዮም። ምሳኻ ብሓባር ኮይኖም ከመይ ጌርካ ኣብቶም ንጥፈታት ክትሳተፍ ንኽትክእል ውጥን ከውጽኡ እዮም።

ሰነዳት ምልክታ

ስራሕ ከተመልክቱ እንከለኹም፡ ወሃቢ-ስራሕ ዝጠልቦም ወረቓቕቲ ምስቲ ምልክታኹም ኣሰኒኹም ክትሰድዎ ኣለኩም። ዝበዝሕ እዋን፡ ወሃብቲ-ስራሕ፡ ውልቃዊ ደብዳበን ሰነድ መድለዪ ስራሕ ወይ ሲቪ (CV) ክትሰዱሎም ይደልዩ።

ደብዳበ ምልክታ-ስራሕ/ውልቃዊ ደብዳበ

ኣብቲ ስራሕ እትሓተሉ ደብዳበ ወይ ውልቃዊ ደብዳበ፡ እታ እተመልክተላ ዘለኻ ስራሕ ወይ ትካል፡ ስለምንታይ ከም ዘገደሰትካ ትሕብር። ንስኻ ነታ ስራሕ ስለምንታይ ብቑዕ ከም ዝኾንካን ኣቐዲሙ ዝነበረካ ተመሳሳሊ ተመኲሮን'ውን ትገልጽ። እታ ደብዳበ ነታ ስራሕ ተባሂላ ብልክዕ ዝተጻሕፈት ክትከውን ኣገዳሲ'ዩ።

እታ ደብዳበ ክትነውሕ የብላን፡ እንተነውሐት ሓንቲ ገጽ A-4 ኣኻሊት እያ።

(CV) ሴቨ

ሴቨ፡ ካብ ላቲን ዝመጸ ቃል ኮይኑ፡ "ታሪኽ ህይወት" ማለት እዩ። ኣብ ሴቨ፡ ንዘለካ ተመኲሮ ስራሕ፡ ደረጃ ትምህርትን ካልእ ክእለትካን ትጽብጽብ። ብዛዕባኻን ከመይ ዝበልካ ሰብ ምዃንካን ድማ ቁሩብ ትትርኽ።

ኣብቲ ዝነበረካ ስራሕ፡ እንታይ ትሰርሕ ከም ዝነበርካን ትሕዝቶ ትምህርትኻን'ውን፡ ኣብ ሴቨ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ክትትርኽ ትኽእል ኢኻ። ወሃብ ስራሕ ምስ ዝሓተካ፡ ነጥብታት ትምህርትን (Betyg) ምስክር ወረቐትን ድሒርካ ወይ ቃለ-መጠይቕ ምስ ገበርካ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ምልክታ ተገዳስነት ወይ ድሌት(Intresseanmälan)

ኣብ ሓደ ቦታ ስራሕ ክትሰርሕ ምስ እትደሊ'ሞ ብዛዕባ ክፉት ቦታ ምንም ረክላም ዘየለ ምስ ዝኸውን ናይ ተገዳስነት ደብዳበ ክትልእኽ ትኽእል። ምስቲ ደብዳበኻ ሲቪ(CV) ልኣኽ። ስለምንታይ ነቲ ስራሕ ከም እተገደስካሉን እንታይ ዓይነት ክእለት ከም ዘሎካን ድማ ግለጽ።

ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ(Anställningsintervju)

ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ፡ ወሃብ ስራሕ፡ ንስራሕ ዝሓትት ሰብ ሕቶታት ዘቕርበሉ ዝርርብ እዩ። ቃለ መጠይቕ ክትገብር ኣብ እትቀራረበሉ እዋን፡ ሓደሓደ ክትሓስበሎም ዝግበአካ ኣገደስቲ ነገራት ኣሎዉ። ብዛዕባ'ታ ስራሕ ትሓተላ ዘለኻ ትካል ምንባብ ጽቡቕ‘ዩ። ነታ ትሓተላ ዘለኻ ስራሕ ዝኸውን ብቑዕ ተመኲሮ ግለጽ። ንኣብነት ኣብ ኢንተርነት ሓበሬታ ክትፍትሽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ፡ ኣብታ ተመልክተላ ዘለኻ ስራሕ፡ ተገዳስነት ከም ዘሎካ የርኢ።

ኣየኖት ሕቶታት ኢኻ ክትሕተት ትኽእል?

ነቲ ናይ ስራሕ ምቝጻር ቃለ መጠይቕ ብኸመይ ከም እትዳሎ ትፈልጥ ዲኻ?

ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ስራሕ ዘጋጥም ኣድልዎ

ስራሕ ንምርካብ ከተመልክት ከለኻ ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ክግበረልካ ኣለዎ። ስራሕ ንምርካብ ከተመልክት ከለኻ ኣድልዎ ከጋጥመካ የብሉን። እዚ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። ይኹን’ምበር ሰባት ስራሕ ንምርካብ ከተመልቱ ከለዉ ኣድልዎ የጋጥሞም እዩ።

ኣድልዎ እንታይ ምዃኑ ካብ ጕዳይ ናብ ጕዳይ ክፈላለ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ቤት ፍርዲ ኣድልዎ ኣጋጢሙ እንተ ኾይኑ ክውስን ኣለዎ። ኣብ ቤት ፍርዲ እተፈትሐ ክልተ ጕዳያት ኣድልዎ እንሆ፦

ኣብነት፦ ኤቫ ጓለንስተይቲ ስለ ዝኾነት እቲ ስራሕ ኣይተዋህባን

ኤቫ ኣብ ሃደ ናይ ምግቢ ድኳን ስራሕ ንምርካብ ኣመልከተት፣ ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ንምግባር ድማ ከይዳ። ቃለመጠይቕ እንዳ ገበረት ከላ እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ ሰበይቲ ስለ ዝኾነት ነቲ ስራሕ ክትረኽቦ ከም ዘይትኽእል ነጊርዋ። እቲ ኣካያዲ ስራሕ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እንተ ሃልየን ብዙሕ ክዛረባ እየን ማለቱ እዩ። ኣብ ክንዳኣ እቲ ስራሕ ንሓደ ሰብኣይ ተዋሂቡ። ሓደ ቤት ፍርዲ ነቲ ናይ ምግቢ ድኳን ኣብ ልዕሊ ኤቫ ኣድልዎ ከም ዝፈጸመ ገይሩ ፈረዶ።

ኣብነት፦ ናዲራ ኢድ ብምጭብባጥ ሰላም ክትብል ኣይደለየትን – ስራሕ ተኸሊኣ

ናዲራ ከም ተርጓሚት ስራሕ ንምርካብ ኣመልከተት፡ ናይ ስራሕ ቃለ መጠይቕ ንምግባር ድማ ከይዳ። ናዲራ ቃለ-መጠይቕ ክትገብር ምስ መጸት ነቲ ወዲ ተባዕታይ ሓላፊ ስራሕ ኢዳ ኣብ ኣፍ ልባ ብምግባር ሰላም በለቶ። እቲ ሓላፊ ስራሕ ሰብኣይ ስለ ዝኾነ ምስኡ ኢድ ብምጭብባጥ ሰላም ክትበሃሃል ኣይደለየትን። ሽዑ እቲ ሓላፊ ስራሕ ነቲ ቃለ መጠይቕ ኣቋሪጹ፡ ኣብ መንጎ ሰብኡትን ኣንስትን ፍልልይ ዝገብር ሰላምታ ገሃስን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ናብ ግጭታት ከምርሕ ከም ዝኽእልን ነገራ። ሓደ ቤት ፍርዲ ነቲ ሓላፊ ስራሕ ኣብ ልዕሊ ናዲራ ኣድልዎ ከም ዝፈጸመ ገይሩ ፈረዶ። እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ሓላፊ ስራሕ ንናዲራ ብእተወሰነ መገዲ ሰላም ክትብል ክትግደድ ክሓታ ኣይክእል እዩ ማለቱ እዩ።

ኣድልዎ እንተ ኣጋጢሙካ

ኣድልዎ ከም እተገብረልካ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ ንኣብነት ምኽርን ደገፍን ንምርካብ ምስ ቤት ጽሕፈት ጸረ ኣድልዎ (antidiskrimineringsbyrå) ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ናብ ተሓላቕ ፍትሒ ኣድልዎ (Diskrimineringsombudsmannen (DO)) እውን ሓበሬታ ክትህብን ጥርዓን ከተእቱን ትኽእል ኢኻ።

ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ሰራሕተኛታት እንተ ዄንካ ምኽርን ሓገዝን ንምርካብ ምስኦም ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።