ተቖጺርካ፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ሰብ ምስራሕ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ቍጹር ሰራሕተኛ ምዃን እዩ። ቍጹር ሰራሕተኛ ከም ምዃንካ መጠን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኻን ምስቲ ወሃብ ስራሕካን መሰላትን ግዴታን ኣለካ። ከም ቍጹር ሰራሕተኛ ንኣብነት ነቲ እትሰርሖ ስራሕ ደሞዝ ክትክፈለሉን ካብ ስራሕካ ዓመታዊ ዕረፍቲ ክትወስድን መሰል ኣለካ።

ብዛዕባ ስራሕ ክትቍጸር ከለኻ ንኽትፈልጦ ኣገዳሲ ክኸውን ዝኽእል ነገራት ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ንኣብነት ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ኣቈጻጽራ ስራሕን እንተ ሓሚምካን ክትሰርሕ እንተ ዘይክኢልካን እንታይ ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእልን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣካባቢ ስራሕን መሰል ንኣባል ማሕበር ሰራሕተኛ ናይ ምዃንን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ መሰል ናይ ስራሕ ምህላው ኣለዎ። እዚ መሰል ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘይምንጻል ማለት እዩ። ካበይ ከም ዝመጻእካ፡ እንታይ ጾታ ከም ዘለካ ወይ ክንደይ ዓመት ከም ዝገበርካ ነቲ ናይ ስራሕ ዕድልካ ክጸልዎ የብሉን።

ምስ ስራሕ ዝተተሓሓዙ ብዙሓት መሰላት ኣለዉ። ንኣብነት መሰል ንፍትሓዊ ኵነታት ስራሕ፡ መሰል ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝን መሰል ንኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ምዃንን ኣለካ። ካብ ስራሕ ከተዕርፍን ናጻ ግዜ ክህልወካን እውን መሰል ኣለካ።

ወለዲ ንናብራ ስድራ ቤት ምስ ስራሕ ከወሃህድዎ ክኽእሉ እውን ሓደ መሰል እዩ። ቈልዑ ጐዳኢ ወይ ንምዕባለኦምን ትምህርቶምን ዝዓግት ዕዮ ከይዓዩ ውሕስነት ክረኽቡ መሰል ኣለዎም።

መልክዓት ስራሕ

ክልተ ዓይነት መልክዓት ስራሕ ኣሎዉ:

  • ደረት-ኣልቦ ስራሕ (tillsvidareanställning)
  • ድሩት ስራሕ (tidsbegränsad anställning)

ደረት-ኣልቦ ስራሕ፡ ስሕት ኢሉ ቀዋሚ ስራሕ ተባሂሉ ይጽዋዕ'ዩ። እዚ ዓይነት ስራሕ'ዚ፡ ንግዚኡ ዝጸንሕ ወይ ምስ ግዜ ዝኸይድ ስራሕ እዩ። ዘብቅዓሉ ፍሉይ ዕለት የብሉን።

ድሩት ስራሕ፡ እዋናዊ ስራሕ (visstidsanställning) ተባሂሉ'ውን ይጽዋዕ'ዩ። ብሓፈሻ ግን ደረት ግዜ ዘሎዎ ስራሕ'ዩ።

ቪካርያት ወይ ተካኢ

ከም ቪካርያት ወይ ተካኢ ኴንካ ክትሰርሕ እንከለኻ፡ ናይ ካልእ ሰብ ስራሕ ኢኻ እትዓምም ዘሎኻ። እዚ ማለት ድማ፡ ንኣብነት ሓደ ብናይ በዓልቲ ቤቱ ምሕራስ ዕረፍቲ ዝወሰደ ሰብ።

ተሞክሮኣዊ ወይ ናይ ፈተነ ስራሕ (Provanställning)

ዝበዝሕ ግዜ፡ ደረት-ኣልቦ ስራሕ ክወሃበካ እንከሎ፡ ብናይ ምኮራኣዊ ስራሕ ኢኻ እትጅምሮ። ምኮራኣዊ ስራሕ፡ ሓደ ወሃብ ስራሕ፡ ከም ሰራሕተኛ ክፍትነካ ኢሉ ዝጥቀመሉ ሓደ ኣገባብ'ዩ። እቲ ምኮራኣዊ ስራሕ፡ ጸኒሑ ናብ ቀዋሚ(ቀዋሚ ስራሕ ክብሃል እንከሎ ትጅምረሉ እምበር ትውድኣሉ ኣይፍሉጥን። ስራሕ ወዲእካ ኣለኻ እንተተባሂልካ ግን ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ክምለሰልካ ኣለዎ።) ስራሕ ይቕየር። ምኮራኣዊ ስራሕ፡ ካብ ሽድሽተ ኣዋርሕ ንላዕሊ ክኸውን የብሉን። ኣቐዲሙ ግን ከብቅዕ ይኽእል'ዩ።

ደሞዝ

ወርሓዊ ዝኽፈል ቀዋሚ ደሞዝ፡ ወርሓዊ ደሞዝ ይብሃል። ሰዓታዊ ደሞዝ ምስ ዝኸውን ግን ኣብ ሰዓት ንዝሰራሕካዮ ዕማም ኢኻ ትኽፈል።

ውዕል ስራሕ

ስራሕ ምስ ረኸብካ፡ ውዕል ስራሕ ወይ ኮንትራት ስራሕ ትፍርም። ኣብቲ ዝፍረም ውዕል ስራሕ፡ እዞም ዝስዕቡ ክህሉዉ ኣለዎም።

  • ስምን መለለዪ ቁጽሪ መንነትን (ፐርሾንኑመር)
  • ዕማምን መዝነት ስራሕን
  • ስም ወሃቢ ስራሕን ቦታ ስራሕን
  • ስራሕ እትጅምረሉ ዕለት
  • እንታይ ዓይነት ስራሕ ምዃኑ
  • ግዜ ስንብታ፡ (uppsägningstid) ማለት ካብ ስራሕ ግድን ከም እትሰናበት ካብ እትሕበረሉ መዓልቲ ክሳብ ስራሕ እተብቅዓሉ ዘሎ መዓልቲ።
  • ቅድሚ ግብሪ ምኽፋልካ እትረኽቦ ደሞዝ
  • ንኽንደይ እዋን ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ዓመት መሰል ከም ዘሎካ

ሰዓታት ስራሕ

ኣብ ሓደ ቦታ ስራሕ፡ እቲ ልሙድ ግዜ ስራሕ 40 ሰዓታት ንሰሙን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሰሙን 40 ሰዓታት ምስ እትሰርሕ፡ ናይ ምሉእ ሰዓታት ስራሕ ይብሃል። ኣብ ካልእ ሰዓታት፡ ንኣብነት ለይቲ ምስ እትሰርሕ፡ እቲ ሰሙናዊ 40 ሰዓታት ክጎድል ይግባእ። ሓደ ሰብ ልዕሊ'ቲ 40 ሰዓታት ንሰሙን ምስ ዝሰርሕ፡ እዚ፡ 'ኦቨርቲድ' ወይ 'ኦቨርታይም' ይብሃል። ልዕሊ ግቡእ ሰዓታት ምስ እትሰርሕ ካሕሳ ይግብኣካ እዩ።

ስንክልና እንተ'ለካ ኾይኑ፡ ሕሙም ወይ ዝተጐዳእካ እንተ ዄንካ

ንዓኻ ብኣካላ ወይ ብኣእምሮ ዝጸልወካ ድኽመት ተግባራዊ ዓቕሚ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ እዚ ስንክልና ምህላው ይብሃል። እዚ ንመዓልታዊ ሂወትካ ወይ ስራሕ ንኽትክእሎ ናውቲ ሓገዝ ወይ ደገፍ የድልየካ ይኸውን ማለት እዩ።

ዝነከየ ናይ ስራሕ ዓቕሚ ዘሎዎም ሰባት፡ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ዕማማት ወይ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ዝሰማማዕ ንኽኸውን ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ምስምማዕ ማለት፡ ከምቶም ካልኦት ኣብቶም ንጥፈታት ንኽትሳተፍ ወይ ንኽትሰርሕ ማዕረ ኵነት ምእንቲ ክህልወካ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ወይ ዕማም ገለ ምልዋጥ እዩ።

ክትሰርሕ ከለኻ እንተ ሓሚምካ

ተቖጺርካ ትሰርሕ እንተ ኣለካ ዄንካን እንተ ሓሚምካን፡ ኣብታ ዝሓመምካላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ንወሃብ ስራሕካ ክትሕብሮ ኣለካ። እቲ ወሃብ ስራሕ ኣብተን መጀመርታ 14 መዓልታት ደሞዝ ሕማም (sjuklön) ይኸፍለካ። እቲ ናይ ሕማም ደሞዝ፡ 80% ናይ ስሩዕ ደሞዝካ እዩ። እቲ ወሃብ ስራሕካ ነቲ ናይ ብቕዓት ተቖራጺ (karensavdrag) ዝብሃል ካብቲ ናይ ሕማም ደሞዝ ተቖራጺ ይገብር።

ሓሚምካ ንልዕሊ ሸውዓተ መዓልቲ ካብ ስራሕ እንተ ኣብኵርካ፡ ቀጻሊ ደሞዝ ሕማም ንኽትረክብ ሓሚምካ ከም ዘለኻ ካብ ሓደ ሓኪም ወረቐት ምስክር ክህልወካ ኣለዎ። እዚ ምስክር ወረቐት ሓኪም (ሕክምናዊ ሰነድ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ካብ 14 መዓልቲ ንላዕሊ እንተ ሓሚምካ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ይበሃል።

ንመተካእታ ደሞዝ ሕማም ከተመልክት ከለኻ ስለምንታይ ክትሰርሕ ከም ዘይትኽእል ዘርኢ ናይ ሓኪም ወረቐት ምስኽር ከተእቱ ኣለካ። ድሕሪ ናብ ሓኪም ምብጻሕካ እቲ ሓኪም ነቲ ናትካ ወረቐት ምስክር ሓኪም ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክሰዶ ልሙድ እዩ ። ንሓኪምካ ብኸመይ ከም ዝግበር ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ሓደ ግዜ ዋላ ሓመምካ ከለኻ ንመዓልቲ ሒደት ሰዓታት ክትሰርሕ ዓቕሚ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ኣብ ክትሰርሕ ትኽእል እንተ ዄንካ ዘይዄንካ ተመርኵሱ፡ 25 ሚእታዊት 50 ሚእታዊት 75 ሚእታዊት ወይ 100 ሚእታዊት ናይ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ስራሕን ቈልዑን

ናእሽቱ ቈልዑ ዘለዉኻ ናብ ስራሕ ከይከድካ ኣብ ገዛኻ ኮፍ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ውላድካ ወዲ 18 ወርሒ ክሳብ ዝኸውን ካብ ስራሕካ ምሉእ ብምሉእ ዕረፍቲ ክትወስድ መሰል ኣለካ።

ድሕሪኡ ክትሰርሕ ከለኻ እቲ ቈልዓ ናብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ናብ ኣለይቲ ቈልዑ (dagbarnvårdare) ክኸይድ ይኽእል እዩ። ኣለይቲ ቈልዑ (dagbarnvårdare)፡ ኣብ ገዝኦም ቈልዑ ዝሕዙ እዮም።

ምስ ውላድካ ኣብ ገዛ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ገንዘብ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ። እዚ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ ይብሃል።

ውላድካ ምስ ዚሓምም

ክንክን ዝሓመመ ቈልዓ (vab)፡ ዝሓመመ ቈልዓ ንኽትኣሊ ካብ ስራሕ ኣብኵርካ ኣብ ገዛኻ ክትጸንሕ ከለኻ ወይ ኣ-ካሳ ምውሳድ ክትሓድጎ ከለኻ እዩ። ካብቲ ኣብ ገዛኻ እንተ ዘይትጸንሕ ኔርካ ክትረኽቦ ዝነበርካ ኣታዊ 80% ዝኸውን ክፍሊት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ክፍሊት መተካእታ ደሞዝ ንምእላይ ዝሓመመ ቈልዓ (tillfällig föräldrapenning) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ዓመት እንተ በዝሓ 120 መዓልቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ቈልዓ ክህልወካ ከሎ ዝወሓደ ሰዓታት ስራሕ

ከም ናይ ናእሽቱ ቈልዑ ወላዲ መጠን፡ ንውላድካ ዝያዳ ግዜ ንኽትረክብ ዝወሓደ ሰዓታት ስራሕ ክትሰርሕ መሰል ኣለካ። ውላድካ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ክሳብ ዝኸውን ወይ ናይ መጀመርታ ዓመት ትምህርቱ ክሳብ ዝውድእ ካብቲ ንቡር ናይ ስራሕ ሰዓታት ክሳብ 25 ሚእታዊት ዝሓጸረ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክትሰርሕ መሰል ኣለካ።

ኣብ ገሊኡ ናይ ስራሕ ቦታታት እቲ ሓባራዊ ውዕል ክሳብ ናይቲ ቈልዓ 12 ዓመት ልደቱ ክፍለ-ግዜ ንኽትሰርሕ መሰል ክህበካ ይኽእል እዩ።

ዕረፍቲ ኣብ መንጎ ስራሕ፡ ዕረፍቲ ኣብ መንጎ ናይ ስራሕ መዓልታትን ነዊሕ ዕረፍትን

ኣብ እዋን ስራሕ፡ ዕረፍቲ ኣብ መንጎ ስራሕን ሓጺር ዕረፍትን ክትረክብ መሰል ኣለካ። ኣብ መንጎ ናይ ስራሕ መዓልትታት እውን ከተዕርፍ መሰል ኣለካ። ብዘይ ዕረፍቲ ካብ ሓሙሽተ ሰዓታት ንላዕሊ ኣከታቲልካ ክትሰርሕ ኣይፍቀደካን እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ (ለይትን መዓልትን) እንተ ወሓደ ዘየቋርጽ ናይ ዓሰርተ ሓደ ሰዓት ዕረፍቲ እውን መሰል ኣለካ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰሙን እንተ ወሓደ ዘየቋርጽ ናይ 36 ሰዓታት ዕረፍቲ እውን መሰል ኣለካ። እዚ ዅሉ ኣብ ሕጊ ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰፊሩ ኣሎ።

ሕጊ ዕረፍቲ ዓመት

ብመሰረት 'ሕጊ ዕረፍቲ'፡ ሓደ ሰብ፡ እንታይ ዓይነት ስራሕ ይሰርሕ፡ ብኸፊል ወይስ ምሉእ መዓልቲ ይሰርሕ ብዘየገድስ፡ ኩሉ ሰብ፡ እንተዋሓደ፡ ናይ 25 መዓልቲ ዕረፍቲ ዓመት ክወስድ ኣለዎ።" ዝብል ሕጊ ኣሎ። እዚ ግን ነቶም ብሰዓታት ዝሰርሑ ኣይምልከቶምን እዩ። ብሰዓታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ኣምሳያ ዕረፍቶም፡ 12 ሚእታዊ ናይ ምሉእ ደሞዞም(ቅድመ-ግብሪ) ከም ካሕሳ ናይ ዕረፍቲ ዓመት ይወስዱ።

ኣከባቢ ስራሕ

ዝበዝሐ ክፋል ናይ ህይወትና ንሰርሕ ኢና። ስለ'ዚ ኣብ ስራሕ ጽቡቕ ክስምዓናን ድሕንነት ክስምዓናን ኣብ ስራሕ ከይንጕዳእን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣብ ስራሕ ዝጸልወና ነገራት ኣከባቢ ስራሕ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናይ ስራሕ ኣከባቢ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ቦታታት ክፈላለ ይኽእል። ገሊኡ ስራሕ ኣካላዊ፣ ኣካላትካ ተጠቂምካ ትሰርሓሉ። ካልእ ስራሕ ድማ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተር ኮፍ ኢልካ ትሰርሓሉ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እተፈላለየ ናይ ስራሕ ቦታታት ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኣካባቢ ንኽህልዋ ዝተፈላለየ ነገራት ይሓትት። ንኣብነት እቲ ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተር ኮፍ ኢሉ ዝሰርሕ ሰብ ምእንቲ ንነዊሕ ግዜ ኮፍ ክብል ክኽእል ምቹእ ሰድያ የድልዮ ይኸውን። ንኣብነት እቲ ኣብ ዘቤታዊ ኣገልግሎት ዝሰርሕ ሰብ ምእንቲ ነቶም ኣረጋውያን ካብ ዓራት ንምትሳእ ክሕግዞም ናውቲ ሓገዝ የድልዮ ይኸውን።

ናይ ስራሕ ኣካባቢ ብዛዕባ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጕዳያት እውን እዩ። ስራሕካ ተሰማሚዑካ ከምኡ'ውን መሳርሕትኻ ተሰማሚዖምኻ ክህልዉ።

እቲ ስራሕ ኣዝዩ ውጥረት ዝመልኦ፡ ኣብ ማሽናት መከላከሊ ዘይምህላው፡ ሓደ ሰብ ብኻልኦት ህደሃል ከሎ ወይ ብጾታዊ ምሽጋር ከጋጥማ ከሎ ወይ ብርቱዕ ድምጺ ምህላዉ እቲ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ሕማቕ ከም ዘሎ ዝሕብሩ ምልክታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኣካባቢ ክህሉ ናይቲ ወሃብ ስራሕ ሓላፍነት እዩ። ከምኡ'ውን እቲ ወሃብ ስራሕ ነቶም ዘለዉ ሕግታትን መምርሒታትን ናይ ምስዓብ ሓላፍነት ኣለዎ።
ስንክልና እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ዕዮኻ ምእንቲ ክትፍጽም ክትክእል እቲ ናይ ስራሕ ኣካባቢ ከም ዝሰማምዓካ ክግበር መሰል ኣለካ። ንወሃብ ስራሕካ እንታይ ከም ዘድልየካ ክትነግሮ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ህንጻታት እንታይ ዓይነት ቅርጺ ከም ዘለዎም፡ ሓበሬታ ብከመይ ከም ዝወሃብን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኻ እንታይ ሜላታት ከም እትጥቀም ክኸውን ይኽእል እዩ። ዕዮኻ ከምቶም ስንክልና ዘይብሎም መሳርሕትኻ ብዝመሳሰል መገዲ ክትፍጽም ክትኽእል ኣለካ። ብመገዲ ፍሉይ ስጕምትታት ናይ ንዝተዳኸመ ዓቅሚ ስራሕ ከስዕብ ዝኽእል ስንክልና ንዘለዎም ሰባት ዝምልከት መደብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ፖሊስታት፡ ብዙሕ ክትረኽቦ ትኽእል ደገፋት እውን ኣሎ።

ንኣብነት እቲ ሰራሕተኛ ነቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕግታት ብምስዓብን ነቲ ዘሎ መከላኸሊ መሳርሒታት ብምጥቃምን ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኣካባቢ ንኽህሉ ክሕግዝ ኣለዎ። ኣብ ስራሕካ ገለ ነገር ጽቡቕ እንተ ዘየለ ኾይኑ ምስ ኣካያዲ ስራሕካ ወይ ምስ ሓደ ወኪል ድሕንነት (skyddsombud) ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ስራሕ ቦታታት ወኪል ድሕንነት (Skyddsombud) ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ወኪል ድሕንነት (Skyddsombud) ዝመርጹ ማሕበራት ሰራሕተኛታት እዮም። ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ማሕበር ሰራሕተኛታት እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ወኪል ድሕንነት ክመርጹ ይኽእሉ እዮም።

ዕማም ናይቲ ወኪሊ ድሕንነት ኣብ'ቲ ናይ ስራሕ ቦታ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኣካባቢ ንኽህሉ እዩ። ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ገለ ነገር ሕማቕ ወይ ሓደገኛ እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ እቲ ወኪሊ ድሕንነት ነቲ ወሃብ ስራሕ እቲ ነገር ጽቡቕን ውሑስን ንኽከውን እንታይ ክግበር ከም ዝኽእል ይሕብሮ።

ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኣከባቢ እንታይ እዩ?

መሰል ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ምዃን

ሓደ ማሕበር ሰራሕተኛታት ወይ ሕብረት ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ሓደ ሞያ፡ ሃደ ዓይነት ጨንፈር ንዝነጥፉ ወይ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ንዘለዎም ሰራሕተኛታት ዝቖመ ውዱብ እዩ። ሕብረት ሰራሕተኛታትን ማሕበራት ሰራሕተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ "ፋከት" ተባሂሉ ይሓጽር እዩ።

ፋከት ኣብ ስራሕካ ጸገም እንተ ኣጓኒፉካ፡ ንኣብነት ግጉይ ደሞዝ እንተ ተኸፊልካ ወይ ካብቲ ኣብ ውዕል ስራሕ እተጠቕሰ ንላዕሊ ዝበዝሓ ሰዓታት ክትሰርሕ እንተ ተገዲድካ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ፋከት ንኣባላቱ ነቲ ኣብ ስራሕ ኣገዳሲ እዩ ዝብልዎ ንኽሕግዞም ዘሎ እዩ።

መብዛሕትኦም ኣብ ሽወደን ዝሰርሑ ሰባት ኣባላት ናይ ፋከት እዮም። ኣብ ሽወደን ዝነብር ኵሉ ሰብ ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ናይ ምዃኑ መሰል ኣለዎ።

ንምምሃር ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ምውሳድ

ክትምሃር ክትጅምር እንተ ደሊኻ ካብ ስራሕካ ክትወጽእ ኣየድልየካን እዩ። ብመሰረት ሕጊ ዕረፍቲ ንትምህርቲ፡ እተወሰነ ጠለባት ተማልእ እንተ ዄንካ ካብ ስራሕካ ዕረፍቲ ክትወስድ መሰል ኣለካ። ኣብዘን ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ወይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብድምር እንተ ወሓደ ን12 ኣዋርሕ ምስ ሓደ ወሃብ ስራሕ ትሰርሕ ዝነበርካ ክትከውን ኣለካ።

ካብ ስራሕ እንተ ወጺእካ

ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ኣለዎም። ኣብ ሽወደን ነቲ ስራሕ ዘይብሉ ሰብ ዘውሕስ ሓደ መድሕን ኣሎ። እዚ መድሕን፡ስራሕ ኣልቦነት ተባሂሉ ዝጽዋዕ መድሕን፡ ንሓደ ስራሕ ዘይብሉ ሰብ ስራሕ ክደሊ ኸሎ ኣታዊ ንኽህልዎ የኽእሎ። ኣባል ናይቲ ንስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ኣባላቱ ገንዘብ ዝኸፍል ቍጠባዊ ማሕበር ዝኾነ ካሳ-ስራሕ ኣልቦነት፡ ኣ-ካሳ ኣባል ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣባል ናይ ሓደ ኣ-ካሳ ክትከውን እንተ ደሊኻ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ናይ ኣባልነት ክፍሊት ክትከፍል ኣለካ።

ኣባል ናይ ሓደ ኣ-ካሳ እንተ ዄንካ፡ ከም ስራሕ ኣልቦ መጠን ሓደ ሓድሽ ስራሕ ኣብ ትደልየሉ እዋን ገንዘብ ክትክፈል ትኽእል ኢኻ። ኣባል ክትኮነለን ትኽእል ብዙሓት ዝተፈላለያ ኣ-ካሳ ኣለዋ። ገሊኤን ኣ-ካሳ ብሓደ ናይ ሞያ ጕጅለ ፍሉይ ክእለት ክህልወን ከሎ፡ ካልኦት ኣ-ካሳ ኣበየናይ ጨንፈር ስራሕ ከም ትሰርሕ ብዘየገድስ ኣባለን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ንዅለን ኣ-ካሳ ዝምልከት ሓደ መሰረታዊ ጠለብ፡ ኣባል ንኽትከውን ኣብ ሽወደን ዝሰራሕካ ክትከውን ኣለካ ዝብል እዩ።

ስራሕ ንጡረታ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ

ጡረታ ምስ ሸምገልካን ስራሕ ኣቋረጽካን እትረኽቦ ገንዘብ እዩ። ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝሰርሑን ዝነብሩን ሰባት ናይ ጥሮታ መሰል ኣለዎም። ክንደይ ዝኣክል ጡረታ ከም ዝወሃበካ ይፈላለ እዩ። እዚ ካልእ ገዲፍካ ኣብ ክትሰርሕ ከለኻ እትኸፍሎ መጠን ብዝሒ ደሞዝን ንኽንደይ ዓመት ከም እትሰርሕን ዝተሞርኰሰ እዩ። ንነፍስ ወከፍ እትሰርሓላ ዓመት፡ ዝለዓለ ጡረታ ኢኻ ትረክብ።

መጠን ጡረታኻ፡ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ጡረታ ዝኸውን ዝኸፍል ወሃብ ስራሕ እንተ ኣለካ ኾይኑን ባዕልኻ ንጡረታኻ ዝኸውን ተዋህልል እንተ ዄንካ እውን ዝተሞርኰሰ እዩ።

ናኣሽቱ ቈልዑ ስለ ዘለዉኻ ኣብ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ እንተ ኣለካ ወይ ናይ ስራሕ ሰዓታት ነኪኻ እንተ ዄንካ፡ እቲ ተእትዎ ገንዘብ ንጥሮታኻ ስለ ዝጸልዎ ክትሓስበሉ ኣገዳሲ እዩ። ሰዓታት ስራሕካ እንዳ ወሓደ ብዝኸደ ዝወሓደ ጥሮታ ይመጸካ።