ቍጠባካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 13 2 2024

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ቍጠባ እዩ። ቍጠባኻ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ዝሓዘ እዩ። ኣታዊታት ንኣብነት ደሞዝን ቍጠባዊ ሓገዝን እዩ። ወጻኢታት ንኽትነብር እተውጽኦ ገንዘብ እዩ። እዚ ንኣብነት ንኽራይ ገዛ፡ መግቢን ክዳውንትን ዝወጽእ ገንዘብ እዩ።

ሓደ ሰብ ካብ ማሕፍድኡ ገንዘብ የውጽእ ኣሎ።

መዓልታዊ ህይወትካ ከም ዝግብኦ ንኽኸውን ቍጠባኻ ምቍጽጻር ኣገዳሲ እዩ። ንቝጠባኻ መደብ እንተ ገርካሉ፡ ነቲ ገንዘብ ከም ዝተኣኻከል ንኽትገብሮ ዝቐለለ ይኸውን። ኣብዚ ጽሑፍ ንኣብነት ብዛዕባ ናይ ስድራ ቤት ቍጠባ፡ ክፍሊታትን ብዓል መዚ ኣስፈጻምነትን (Kronofogden) ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ንርትዓዊ ደረጃ መነባብሮ መሰል ኣለዎ። እዚ ንኣብነት ንስኻን ስድራ ቤትካን ጽቡቕ ንኽትህልዉ እኹል ገንዘብ ክትረክብ ወይ ከተእቱ መሰል ኣለካ ማለት እዩ።

ምግብን ክዳውንትን ክትዕድግ ክትክእል፡ ገዛ ክህልወካ ከምኡ’ውን ንሕክምና ዝኸውን ገንዘብ ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። እንተ ሓሚምካ ወይ ስራሕ ኣልቦ ኴንካ ሕብረተ ሰብ ርትዓዊ ደረጃ መነባብሮ ንኽህልወካ ክሕግዘካ ኣለዎ። ቈልዑ ንናይቲ ቈልዓ ምዕባለ ዘድሊ ማሕበራዊ ውሕስነትንን ደረጃ መነባብሮን ክህልዎም መሰል ኣለዎም።

ጾታዊ ማዕርነት ዘለዎ ናይ ስራሕ ዓለምን ቍጠባን

ገንዘብ እትረኽበሉ እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ገንዘብ ከተእቱ እትኽእለሉ ኣዚዩ ልሙድ መገዲ ብስራሕ እዩ። ስራሕ ንተኽእሎ ቍጠባዊ ውሕስነት የዛይዶ። ኣብ ሽወደን ዳርጋ ማዕረ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ኣለዉ። ኣብ መጀመርታ 1970ታት መንግስቲ ሽወደን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቤተን ወጻኢ ክሰርሓ ዘቕለለንን ንደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ቍጠባዊ ሓርነት ዘውሃበንን ሓያሎ ፖለቲካዊ ለውጥታት ገይሩ። እዞም ፖለቲካዊ ለውጥታት እዚ ዝስዕብ ከም ዝኸውን ጌይሮም፦

  • ክልተ ዓበይቲ ዘለውዋ ስድራ ቤት፡ ካብ እቲ ሓደ ዝሰርሕ እቲ ሓደ ኣብ ገዛ ምስ ቈልዑ ዝኸውን ንላዕሊ ክልቲኦም እንተ ሰሪሖም ብዝያዳ ኣርባሒ ኾይኑ።
  • ወለዲ ቈልዓ ክወልዱ ከለዉ ነቲ ዝወሃቦም ዕረፍቲ ንኽማቐልዎ መሰል ረኺቦም። ሽወደን ሰብኡት ምስ ደቆም ኣብ ቤቶም ክዀኑ መሰል ዝሃበት ናይ መጀመርታ ሃገር ኮይና።
  • ብዙሓት ቈልዑ ናብ መውዓሊ ህጻናት ክኸዱ ክኢሎም።

ሎሚ ጾታ ብዘየገድስ ኵሉ ሰብ ንናይ ስራሕ ኵነታት፡ ደሞዝ ከምኡ'ውን ክልቲኦም ወለዲ ክሰርሑን ደቆም ክሕዙን ክኽእሉ ንዝምልከት ማዕረ ተኽእሎ ክህልዎም ኣለዎ። ይኹን'ምበር ናይ ስራሕ ዓለም ገና ጾታዊ ማዕርነት ዘለዎ ኣይኮነን። ገለ ኣብነታት ናይዚ ከኣ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እተፈላለየ ሞያ ይሰርሑን ኣብቲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሓሉ ሞያ ካብቲ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ዝሰርሑሉ ሞያ መብዛሕትኡ ግዜ ዝወሓደ ደሞዝ ከም ዝኽፈሎም ምዃኑ እዩ። ካልእ ኣብነታት ከኣ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ይሰርሓ፡ ከምኡ'ውን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ዝበዝሓ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ይወስዳ። እዚ ነቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ እቶት ሳዕቤን ኣለዎ። ዝወሓደ ሰዓታት ክሰርሓ ከለዋ፡ ንመነባብሮ ዝኸውን ዝወሓደ ገንዘብን ዝተሓተ ጥሮታን ይረኽባ።

ብዝያዳ ጾታዊ ማዕርነት ምእንቲ ክህሉ፡ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን፡ ኣብ ሽወደን ሓደ ፖሊሲ ማዕርነት ጾታ ንኽህልዋ ወሲኑ። ሓደ ካብቲ ሸቶታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ማዕረ ዕድላትን ኵነታትን ንኽህልዎም እዩ። ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ኵሉ ሞያታት ክሰርሑ ንኽኽእሉ እዩ። ዝኾነ ሰብ ንደቂ ተባዕትዮን እዚ ንደቂ ኣንስትዮን እዚ ስራሕ እዚ እዩ ዝሰማምዖም ብዝበል ቅድመ-ፍርዲ ክዕገት የብሉን። ኵሉ ሰብ ካብ ብቕዓቱ፡ ክእለቱን ተገዳስነቱን ተበጊሱ ሞያ ክመርጽ ክኽእል ኣለዎ።

ናይ ገዛ ቍጠባ

ናይ ገዛኻ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ናትካ ናይ ገዛ ቍጠባ (hushållsekonomi) እዮም። ንጽቡቕ ናይ ገዛ ቑጠባ ኣብ ሞንጎ ወርሓዊ እተእትዎ ገንዘብን፣ እተውጽኦ ገንዘብን ምዕርይነት ክህልወካ ይግባእ።

ቑጠባኻ ንምቑጽጻር ሓደ ቕልል ዝበለ ባጀት ክህልወካ ጽቡቕ እዩ። ንኣታዊታትካን ወጻኢታትን ኣኪብካ ጽሓፎም፣ ነዚ ሓበሬታ እዚ ድማ ንናይ መጻኢት ወርሒ ባጀት ክትምድብ ከለኻ ተጠቐመሉ። ሽዑኡ ነገራት ክንደይ ከም ዝዋግኦምን ክንደይ ክትገዛእ ከም እትኽእልን ክተስተብህል ኢኻ።

ወጻኢታት ሓደ ባጀት ካብ ገዛ ናብ ገዛ ይፈላለ እዩ። ብዓል መዚ ሸመትቲ (Konsumentverket) ዓመታዊ ንኣብ ገዛ ዝርከቡ ገለ ክፋል ወጻኢታት ዝኣኽሉ ዋጋታት ቕማረ ይገብር እዩ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ባጀት ክትምድብ ከለኻ ነዞም ኣሃዛት ከም መበገሲ ክትጥቐመሎም ትኽእል ኢኻ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሃሎ ኮንሱምቨርከት ንናይ ገዛኻ ባጀት ንምቕማር ክትጥቐመሉ እትኽእል ናይ ባጀት ቐማሪ (ካልኩሌተር) ኣሎ።

ገንዘብካ እኹል እንተ ዘይኮይኑ፡ ንወጻኢታትካ ነየናይ ቀዳምነት ከም ትህብ ጌርካ ስርዓዮም። ክራይ ገዛን ኤለክትሪክን ምኽፋል ኣገዳሲ እዩ። ክትከፍል እንተ ዘይክኢልካ ምስቶም ዝእውዱኻ ተራኸብ።

በከፋፋል ወይ ቑልጡፍ ልቓሕ ብምጥቓም ገለ ነገር ክትገዝእ ከለኻ ተጠንቐቕ። ኣብ ክንድኡ ገንዘብ ከተዋህልል ትኽእል እንተኾንካ ሕሰብ። ቑልጡፍ ልቓሕን በከፋፋል ምግዛእን ዝበዝሕ ግዜ ንዋጋ ኣዝዩ ከም ዝኸብር ዝገብርዎ ወለድን ክፍሊታትን ማለት እዮም።

ባጀት ኣዳሊኻ'ዶ?

ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣየኖት ኣታውታትን ወጻኢታትን ኣለኩም?

ባንክታት: ሕሳብ ባንክን ካርድ ሕሳብን

መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ባንክ ሕሳብን ናይ ባንክ ካርድን ኣለዎም። በቲ ናይ ባንክ ካርድ ጌርካ ካብ ሕሳብካ ካብ ሃንቲ ባንኮማት ገንዘብ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ድኳን ወይ ኣብ ኢንተርነት ክትዕድግ ከለኻ እውን ነታ ካርድ ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ። ናይ ባንክ ሕሳብን ናይ ባንክ ካርድን ንኽትረክብ ምስ ባንክኻ ክትዘራረብ ኣለካ።

መብዛሕትኦም ሰባት ገዛ ወይ ማኪና ክዕድጉ እንተ ኾይኖም ካብ ባንክ ገንዘብ ይልቅሑ። ካብ ባንክ ገንዘብ ክትልቃሕ ንኽትክእል ቀዋሚ ኣታዊ ክህልወካ ኣለዎ። ቀዋሚ ኣታዊ፡ እቲ ባንክ ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ከም ዝመጸካ ዝፈልጥዎ እዩ፣ ንኣብነት ደሞዝ ካብ ሓደ ቀዋሚ ስራሕ።

ምምሕዳር ዞባ ኣብ ዳላና ሓደ ብዛዕባ ኣገልግሎታት መኽፈሊ (betaltjänster) ዝገልጽ ብሮሹር ኣድላዩ ኣሎ። ኣብኡ፡ ብካርድ ከመይ ጌርካ ከም ትኸፍል፡ ናብ ኢንተርኔትባንክ ከመይ ጌርካ ከም ትኣቱን ብዛዕባ ባንክኢደን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኢድ ኣብ ሓደ ዱኳን ኣብ ዚርከብ ናይ ክፍሊት ካርድ ተርሚናል ናይ መኽፈሊ ካርድ ትኣቱ ኣላ።

ስእሊ: Pixabay

ወጻኢታትካ ብ'ኣውቶጂሮ' ወይ ብኢንተርነት ምኽፋል

ወጻኢታት (ፋክቱራት) ንኽትከፍልን: ብኢንተርነት ኣብ ሕሳብካ ኣቲኻ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዘሎካ ክትፈልጥን፡ ፈለማ ግድን ናብ ባንክኻ ክትከይድ ኣሎካ። ኣብ ባንኪ ኢኻ ከመይ ክትገብር ከም ዘለካ ሓበሬታ እትረክብ።

'ኣውቶጂሮ' ማለት፡ እቲ ዝኽፈል ገንዘብ: ካብ ሕሳብካ ብቐጥታ ይሰሓብ ወይ ይውሰድ ማለት'ዩ።

ብኢንተርነት ክትዕድገሉ ወይ ናይ ባንክ ጕዳይካ ተሳልጠሉ ዝቐሊል መገዲ ከም ባንክኢደ ዝኣመሰለ ኤ-መንነት ምጥቃም እዩ። ኤ-መንነት፡ ሓደ ኤለክትሮኒካዊ ሰነድ መንነት እዩ። ምስ ተራ ሰነድ መንነት ክመሳሰል ይኽእል እዩ።

ባንክኢደ ብመገዲ ባንክኻ ትረኽቦ። እቲ ትእዛዝ ኣብ መንጎ እተፈላለያ ባንክታት ይፈላለ እዩ። ናብ ናይ ኢንተርነት ባንክኻ ኣቲኻ ከመይ ጌርካ ባንክኢደ ከም ትእዝዝ ብዝያዳ ኣንብብ።

ክፍሊታት

ክፍሊት፡ ሓደ ነገር ዋግኡ ክንደይ ምኳኑ ዘርኢ ሰነድ እዩ። ኣብቲ ክፍሊት ሓበሬታ ብዛዕባ ክንደይ ክትከፍል ከም ዝኾንካ ኣሎ። ንኣብነት ናይ ተለፎን ክፍሊት ወይ ሓደ ክፍሊት ካብ መውዓሊ ህጻናትን ፍሪቲስን ክመጻካ ይኽእል እዩ። ክፍሊት ናይ ቲቪ፡ ኤለክትሪክን መውዓይን እውን ከመጸካ ይኽእል እዩ። ክፍሊት ፋቱራ እውን ይብሃል እዩ።

ነቲ ክፍሊት ቅድሚ ናይቲ ክፍሊት መወዳእታ ዝኽፈለሉ ዕለት ክትከፍሎ ኣሎካ። ነቲ ገንዘብ ካብቲ ዝለኣኽካዮ ዕለት ክሳብ ናብቲ ተቐባሊ ዝበጽሕ ሒደት መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ዘክሮ። መብዛሕትኡ ግዜ "እቲ ክፍሊት ኣብ ኢድና ዝበጽሓና" ወይ "ዝወድቀሉ መዓልቲ"ን ዕለትን ሰፊሩ ኣሎ። እዚ እቲ ገንዘብ እንተ ደንጐየ ናይ ግድን ኣብታ ዕለት ክበጽሕ ኣሎዎ ማለት እዩ።

ናብ ባንክ ከድካ ክፍሊታትካ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ፡ እንተዀነ ግን ክቡር ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ባንክታት ብመገዶም እንተ ከፊልካ፡ ብዙሕ ክፍሊት የኽፍሉ እዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ ብኢንተርነት ኣቢልካ ምኽፋል ይቐልል። ዝሓሰረ እውን እዩ። ብኢንተርነት ክትከፍል ክትክእል ኣብ ባንክ ሕሳብ ክህልወካ ኣለዎ። ድሕሪኡ እቲ ባንክ ንሕሳብካ ምስ ኢንተርነት ባንክ የተሓሕዞ። ብኢንተርነት ባንክ ክፍሊታትካ ካብ ሃንቲ ኮምፕዩተር ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ፋቱራ ናይቲ ትኸፍለሉ ሓደ ናይ ባንክጂሮ ወይ ፕሉስጂሮ ሕሳብ ቍጽሪ ኣሎ። ናይቲ ብመንገዲ ኢንተርኔትባንከን ትኸፍለሉ ቍጽሪ ሕሳብ ባዕልኻ ኢኻ ትመልኦ።

ዘይቅኑዓት ፋቱራታት ወይ ናይ ሓሶት ፋቱራታት

ሓደ ሓደ ግዜ ትካላት ፋቱራታት ክሰዳ ከለዋ ጌጋ ክገብራ ይኽእላ እየን፡ ንስኻ ድማ ዘይቅኑዕ ፋቱራ ይመጸካ። ኣብ ብምልኡ ወይ ኣብ ክፋል እቲ ፋቱራ ጌጋ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ከምኡ'ውን ናይ ዘይኣዘዝካዮ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ፋቱራ ክመጸካ ከሎ፡ ናይ ሓሶት ፋቱራ ይብሃል እዩ።

  • ኵሉ ግዜ ምስታ ትካል ርክብ ብምግባር ጀምርን ናይቲ ጌጋ ጥርዓን ኣቕርብን።
  • ብጽሑፍ ተቓወም፡ ንኣብነት ብኢ-መይል፡ ቅዳሕ ናይቲ ኢ-መይል ወይ ደብዳቤ ድማ ዓቅቦ።
  • ነቲ ከይኣዘዝካዮ ዝመጸ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ኣይትጠቀመሉ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ናይ ምትላል ፋክቱራ መጺኡካ'ዶ ይፈልጥ?

ገንዘብ ከታልሉኻ ዝደልዩ ኮይኑ ዝተሰምዓካ ሸየጥቲ ተራኺቦምካ ይፈልጡ'ዶ?

ዕዳታትን ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳን

ሓደ ነገር ክትእወድ ከለኻ ብኡንብኡ ዕዳ ይህልወካ። ኣብ ኣዚዮም ብዙሃት ኵነታት እቲ ዕዳ ብዛዕባ ገንዘብ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዘይተኸፍለ ፋቱራን ለቃሕን እዩ።

ትካል "ክሮኖፎግደን" (Kronofogden)፡ ዝበዝሕ እዋን፡ "ክሮኖፎግደን" ጥራይ ተባሂሉ ይፍለጥ'ዩ። "ክሮኖፎግደን"፡ ንዘይተኸፍሉ ዕዳታት ምምሕዳር እዩ ስርሑ። ሓደ ሰብ፡ ዝግባኣኩም ገንዘብ ምስ ዝኣብየኩም፡ እዚ ትካል እዚ፡ ገንዘብኩም ንኽወሃበኩም ይሕግዘኩም። እዚ ትካል'ዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዕዳታት ምጽራይ (skuldsanering) 'ውን ይሰርሕ'ዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ነቶም ብዙሕ ዕዳ ዘሎዎም፡ ቊጠብኦም ከስተኻኽሉ ይሕግዞም።

ክፍሊታት ኣብ ጊዜኦም ክኽፈሉ ኣሎዎም። ነቲ ክፍሊት ኣብ ጊዜኡ ምኽፋል እንተ ኣምሊጡካ፡ በቲ ሸያጣይ ትዕደ። ሽዑ እቲ ሸያጣይ ናይ መዘኻኸሪ ክፍሊትን ናይ ምድንጓይ ወለድን ክወስድ መሰል ኣሎዎ። እዚ ክፍሊታት ኣብ ልዕሊ እቲ ዘይከፈልካዮ ክፍሊት ይውሰኽ። ስለዚ ኣብ ግዜኻ እንተ ዘይከፊልካ እቲ ዕዳ ይውስኽ እዩ። እቲ ዕዳ ኣብ ሓጺር ግዜ ክዓቢ ይኽእል እዩ።

መዘኻኸሪ እንተ ተዋሂቡካ ኣብ ዝዓበየ ዕዳ ምእንቲ ከይትኣቱ ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ክትከፍል ኣሎካ።

ፋክቱራታት ብጶስጣ ከይበጽሕ እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ። ፋክቱራ ከም ዝመጸካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ እሞ እቲ ፋቱራ እንተ ዘይመጺኡ፡ ምስታ ገንዘብ ትእውደካ ትካል ናይ ግድን ክትራኸብ ኣለካ። ዘየድሊ ናይ መዘኻኸሪ ክፍሊታት ክተርፈካ ምእንቲ ነታ ትካል ሓድሽ ፋክቱራ ክሰዱልካ ሕተታ።

ጌና ሕጂ'ውን ድሕሪ እቲ መዘኻኸሪ ምምጽኡ ነቲ ክፍሊት እንተ ዘይከፊልካዮ፡ እታ ትካል ወይ ወኪል ናይታ ትካል ሓደ ናይ ዕዳ እከባ ጠለብ ክሰዱልካ ይኽእሉ እዮም። እዚ፡ ቅድሚ እቲ ናትካ ጕዳይ ናብ ብዓል መዚ ኣስፈጻምነት (Kronofogdemyndigheten) ምሕላፉ ናይቲ ክፍሊት ወጻኢታትን ተወሳኺ ክፍሊታትን ወለድን ንምኽፋሉ ናይ መወዳእታ ዕድል ትወሃብ ማላት እዩ።

ትካላት ዕዳ ንምእካብ ሓገዝ ንምርካብ፡ ትካላት ኣከብቲ ዕዳ (inkassobolag) ይጥቀማ። ሓደ ትካላት ኣከብቲ ዕዳ ነቲ ጠለብ ምኽፋል እንተ ወሲድዎ፡ እቲ ዕዳ ነቲ ትካላት ኣከብቲ ዕዳ ኢኻ ትኸፍሎ። ትካላት ኣከብቲ ዕዳ፡ ክትከፍሎ ዘለካ ሓደ ክፍሊት እውን ይውስከሉ እዩ።

ዕዳ ናይ ምኽፋል ጠለብ እንተ መጺኡካ ነቲ ዕዳን ናይ ዕዳ መኣከቢ ክፍሊትን ክትከፍሎም ኣገዳሲ እዩ፣ እንተ ዘይኰይኑ እቲ ዕዳ ናብ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ። ሽዑ ኣብ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ክትኣቱን፡ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ነቲ ጕዳይካ ንኽሕዞ ክኽፈል ስለ ዝኽእል ካብቲ ናይ መጀመርታ ዝበዝሓ ወጻኢታት ክመጸካ ኣብ ሓደጋ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ዘይኰነስ ዝተፈላለያ ናይ ለቓሕ ሓበርቲ ትካላት (kreditupplysningsföretag) እየን ነቲ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ዘዳልወኦ።

ካብ ብዓል መዚ ኣስፈጻምነት ሓደ ጠለብ፡ ሓደ ናይ ምኽፋል ትእዛዝ ዝብሃል፡ እንተ መጺኡካ እሞ ቀልጢፍካ ከፊልካ፡ ዝኾነ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ኣይግበረልካን እዩ።

እቲ ጠለብ ጌጋ እዩ ኢልካ እንተ ሓሲብካ፡ ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ምስ ብዓል መዚ ኣስፈጻምነት ተራኺብካ ነቲ ጌጋ ምግላጽ ማለት እዩ።

ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ፡ ክፍሊታትካ ከም ዘይከፈልካ ኣብ ሓንቲ ኣታውን ዕዳን ትሕብር ትካል ምምዝጋብ እዩ። ኣታውን ዕዳን ዝሕብራ ትካላት ካብ ብዙሕ ውሑድ ካብ ብዓል መዚ ኣስፈጻምነት ሓበሬታ ይእክባ። ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ምስ ተመዝገበካ ገዛ ንምክራይ፡ ኣቑሑት ብኣራታ ምዕዳግ ወይ ካብ ባንክ ልቃሕ ምሕታት ከጸግመካ ይኽእል እዩ። ስለዚ ንዕዳኻ እንታይ ገደሰኒ ክትብሎ ኣይትኽእል ኢኻ።ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ንሰለስተ ዓመት ኣብ መዝገብ ይጸንሕ።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ግዜካ ክትከፍል ዘየኽእለካ ኵነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ። እዚ ሕማም፡ ሓደጋ ወይ ንስኻ ብኻልኦት ምኽንያታት ነቲ ዕዳታትካ ክትከፍል ዘድልየካ ብዝሒ ገንዘብ ከተእቱ ስለ ዘይከኣልካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ እዋን ምስቲ ወይ ምስቶም ውዕል ወይ ዕዳ ዘሎካ ኣቕረብቲ ብቕልጡፍ ርክብ ግበር። ከምዚ ብምግባር ምናልባት በብእዋኑ ናይ ምኽፋል መደብ ክትገብሩ ክትሰማምዑ ትኽእሉ ትኾኑ።

ኣብነት፦ ረዛ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ኣለዎ

ረዛ ዝካረ ሓድሽ ኣፓርተማ ይደሊ ኣሎ። ዝደለዮ ኣፓርታማ ረኺቡ፡ ንኽካረዮ ድማ የመልክት ኣሎ። እቲ ዋና ገዛ ዝሃቦ ምላሽ ግን ኣጕህይዎ እዩ። እቲ ኣፓርታማ ኣይተዋህቦን። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ስለ ዘለዎ እዩ።

ቅድሚ እተወሰነ እዋን ረዛ ብዙሕ ገንዘብ ኣይነበሮን። ክፍሊታቱ ንኽኸፍል ዓቕሚ ኣይነበሮን። እዚ ኣብ መወዳእታ ኣብ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ከም ዝኣቱ ገይርዎ። ስለዚ እዩ እቲ ዋና ገዛ ነቲ ኣፓርተማ ክካረዮ ዘይከኣለ።

ብዛዕባ ውዕል፡ ወርሓዊ ዓሚልነት፡ ክፍሊታትን ዕዳታትን ብናጻ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ካብታ ትቕመጠሉ ኮሙን ብዛዕባ ቍጠባኻ ሓገዝን ምኽርን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኵለን ኮሙናት ብናጻ ናይ ባጀትን ዕዳን ምኽሪ የወፍያ እየን።

ሓያሎ ኮሙናት ምኽሪ ሸመትቲ (konsumentvägledning) ይህባ እየን። ብዛዕባ ሓደ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ጥርዓን ንምቕራብ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ናብኡ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ' ከም ሸማቲ ኣየኖት መሰላትን ግዴታታትን ከም ዘለዉኻ ሓበሬታ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ንዕድጊ ኣቑሑትን ኣገልግሎትን፡ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓን ካልእ ንስኻ ከም ኣህላኺ መጠን ዘድልዩካ ሓገዛትን ንዚምልከት ምስ Hallå konsument (ሃሎ ኮንሱመንት) ተራኸብ።

ወዲ 14 ዓመት ከለኹ ከም ስደተኛ ኮይነ ናብ ሽወደን መጺኣ። ስድራ ቤተይ ናይ መንበሪ ፍቓድ ቅድሚ ምርካቦም፡ ንሰለስተ ዓመት ኣብ መደበር ስደተኛታት ተቐሚጥና። ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲን ድሕሪኡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርተይን ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ 2007 ኣብ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ከም ተቘጻጻሪ ኮይነ ክሰርሕ ጀሚረ። ካብ 2013 ኣትሒዘ ብዛዕባ ቍጠባዊ ውሕስነት ናይቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ወጻእተኛታት ምርምር እገብር ኣለኹ። ዶክተርነት ይገብር ኣለኹ፡ ማለት ኣብ ናይ ሉንድ ዩኒቨርሲቲ በቲ ኣርእስቲ ናይ ዶክተርነት ዲግሪ ንምርካብ እምሃር ኣለኹ።

ክፍሊታተይ ምኽፋል የጸግመኒ ኣሎ። ኣብ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ንኸይምዝገብ እንታይ ክገብር ኣሎኒ?

ኣብ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ንኸይትምዝገብ ትገብሮ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ፡ ንጡፍ ኴንካ ነቲ ኵነታት ክትፈትሖ ክትፍትን እዩ። ብቐጥታ ስጕምቲ ክትወስድን ንኸም ክራይ ገዛ፡ ኤለክትሪክ፡ ምግቢ ወይ ሞባይል ተሌፎን ዝኣመሰለ ናይ ግድን ክኽፈል ዘለዎ ነገራት ቀዳምነት ክትህቦ ኣሎካ።

ምስቲ ዝእውደካ ተራኺብካ፡ እቲ ሓቂ ንገሮ ። ምናልባት ነቲ ክፍሊት መቓቒልካ ክትከፍሎ ክትሰማምዑ ወይ ካልእ መፍትሒ ክትረክቡ ትኽእሉ ትኾኑ። ነቲ ካልእ ወጻኢታትካ እውን ክትከፍል ከም ዘለካ ኣይትረስዕ።

ካልእ ኣገዳሲ ምኽሪ፡ ንዅሉ እተቐበልካዮ ደብዳቤታት ክትከፍቶ ከም ዘለካ እዩ። ምስ ኣዕሩኽካ ትቕመጥ እንተ ዄንካ እሞ ደብዳቤኻ ናብ ካልእ ኣድራሻ ዝኸይድ እንተ ኾይኑ፡ ብዙሕ ግዜ ንደብዳቤኻ ኬድካ ኣምጽኣዮ። ብኢንተርነት ባንክ ንመብዛሕትኦም ፋክቱራታት ናብ ኤለክትሮኒካዊ ፋክቱራ፡ ኤ-ፋክቱራ ክትቅይሮም ወይ ብኣውቶጂሮ (ቐጥታ ካብ ሕሳብካ ዝሰሓብ) ከም ዝኽፈል ክትገብሮም ትኽእል ኢኻ። እዚ፡ ፋክቱራታትካ ኵሉ ግዜ ኣብ ናይ ኢንተርነት ባንክኻ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ኣውቶጂሮ እንተ መሪጽካ ናይታ ፋክቱራ መጠን ገንዘብ ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ ካብ ሕሳብካ ይሰሓብ። ስለ’ዚ እቲ እትኸፍሎ ገንዘብ ምእንቲ ክኽፈል ወትሩ ኣብ ሕሳብካ ገንዘብ ከም ዘሎካ ኣረጋግጽ።

ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ዕዳ ንምእካብ ኣካላዊ ጐነጽ ክጥቀሙ ይኽእሉ ድዮም?

ኣይፋልን። ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ዕዳ ንምእካብ ብዝኾነ መገዲ ጐነጽ ክጥቀሙ ኣይፍቀዶምን እዩ።

እቲ ንገብሮ፡ ነቲ ዕዳ ንምኽፋል እቲ ብዓል ዕዳ ንሕና ክንቈጻጸሮ ንኽእል ዝውንኖ ነገር እንተ ኣለዎ ኾይኑ ምምርማር እዩ። ምናልባት ነቲ ዕዳ ክኸፍል ዝኽእል ገንዘብ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብ ወይ ገለ ክፋል ደሞዝ ይህሉ ይኸውን። ማካይን፡ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከምኡ’ውን ከም ሰዓታት ወይ ቅብኣ ዝኣመሰለ ነቲ ዕዳታት ክኸፍል ዝኽእል ነገራት እውን ክንሸጦ ንኽእል ኢና።

ክፍሊታተይ እንተ ዘይከፊለ ናብ ማእሰርቲ የኣቱ ድየ?

ኣይፋልን። ኣብ ሽወደን ዕዳ ክህልወካ ገበን ኣይኰነን።

ነቶም ፋክቱራታትካ እንተ ዘይከፊልካዮም ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ክምዝገቡ ይክእሉ እዮም። እቶት ወይ ክንሸጦ ንኽእል ትውንኖ ነገር እንተ’ለካ ኾይኑ ንምርምር። ንኽራይ ገዛ፡ ንምግቢን ንኣብነት ናብ ስራሕ ክትከይድን ክትምለስን መጓዓዝያ ዝከውን እኹል ገንዘብ ከም ዝተርፈካ ወትሩ ነረጋግጽ ኢና። ስለ’ዚ ምእንቲ ቅኑዕ ሓበሬታ ክህልወና ንኣብነት መንበሪኻ ክንደይ ከም ዘውጽእ፡ ነቲ ንሰደልካ ደብዳቤታት ክትምልሶ ወይ ክትድውለልና ኣገዳሲ እዩ።

ወለድ ኣይርድኣንን እዩ። ስለምንታይ ወለድ ክኸፍል ኣለኒ? ስለምንታይ እዩ እቲ ወለድ ኣዝዩ ልዑል ኮይኑ?

ካብ ሓደስቲ መጻእትን ካብ ኣብ ሽወደን ዝተወልዱን ሰባት ብዛዕባ ወለድ ብዙሕ ሕቶታት ይመጸና እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ኣብ ግዚኡ ክኽፈሉ ዘይከኣሉ ክፍሊታትን እቲ ክኽፈል ዝደሊ ወለድ ስለ ዝሓትትን እዩ። ምስ ሓደ ኩባንያ ውዕል እንተ ጌርካ፡ ንኣብነት ብኢንተርነት ጽምዲ ጫማ ክትዕድግ ከለኻ፡ ነቲ ፋክቱራ ኣብ ግዚኡ እንተ ዘይከፊልካዮ እተወሰነ ወለድ ክትከፍል ውዕል ክትኣቱ ከለኻ ተሰማሚዕካሉ ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ ቦታ ወይ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይቲ ፋክቱራ ሓበሬታ ክህሉ ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ ንኣብነት ብኢንተርነት ክትዕድግ ከለኻ፡ እትሰማምዓሉ ዘለካ ነገራት ወትሩ ተጠንቂቕካ ከተንብቦ ኣገዳሲ እዩ።

ዋላ ምስ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ዕዳ ወይ ምስ ናይ ለቓሕ ሓበርቲ ትካላት (kreditupplysningsföretag) ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ይሃልወኒ ሽወደናዊ ዜጋ ክኸውን እኽእል ድየ?

ዕዳ እንተ ኣለካ ኾይኑ ነቲ ሽወደናዊ ዜጋ ናይ ምዃን ዕድልካ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ሽወደናዊ ዜጋ ክትከውን እንተ ዄንካ ዝውስን ብዓል መዚ ኢሚግረሽን እዩ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዕዳ ከም ዘይብልካ ወይ ምስ ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ዝነበረካ ዕዳ መወዳእታ ምዓስ ከም ዝኸፈልካዮ ክፈልጡ እንተ ደልዮም ካብ መዝገብና ጽማቝ ጸብጻብ ኣብ ምውጻእ ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና።

ምዝገባ ናይ ዘይተኸፍለ ዕዳ እንተ ኣለካ ኾይኑ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ምስ ሓደ ናይ ለቓሕ ሓበርቲ ትካላት (kreditupplysningsföretag) ተራኸብ። እቶም ናይ ለቓሕ ሓበርቲ ትካላት (kreditupplysningsföretag) እዮም ንምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ዝሕዝዎ፡ ንሕና ኣስፈጻሚ ትእዛዝ (ክሮኖፎግደን) ኣይኮናን።