መደብ መትከል እግሪ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 13 11 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ መደብ መትከል እግሪ እዩ። መደብ መትከል እግሪ ንገሊኦም ሓደስቲ መጻእቲ ወጻእተኛታት ብመልክዕ ንጥፈታትን ትምህርትን ዝወሃብ ሓደ ደገፍ እዩ።

ኣብቲ መደብ መትከል እግሪ መን ክሳተፍ ከም ዝኽእልን ኣየኖት ንጥፈታት ከም ዘጠቓልልን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ መሰል ናይ ስራሕ ምህላው ኣለዎ። እዚ መሰል ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘይምንጻል ማለት እዩ። ካበይ ከም ዝመጻእካ፡ እንታይ ጾታ ከም ዘለካ ወይ ክንደይ ዓመት ከም ዝገበርካ ነቲ ናይ ስራሕ ዕድልካ ክጸልዎ የብሉን።

ምስ ስራሕ ዝተተሓሓዙ ብዙሓት መሰላት ኣለዉ። ንኣብነት መሰል ንፍትሓዊ ኵነታት ስራሕ፡ መሰል ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝን መሰል ንኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ምዃንን ኣለካ። ካብ ስራሕ ከተዕርፍን ናጻ ግዜ ክህልወካን እውን መሰል ኣለካ።

ወለዲ ንናብራ ስድራ ቤት ምስ ስራሕ ከወሃህድዎ ክኽእሉ እውን ሓደ መሰል እዩ። ቈልዑ ጐዳኢ ወይ ንምዕባለኦምን ትምህርቶምን ዝዓግት ዕዮ ከይዓዩ ውሕስነት ክረኽቡ መሰል ኣለዎም።

መደብ መትከል እግሪ ካብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ

ንዓኻ ኣብ ቀረባ ግዜ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ካብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ሓደ ፍሉይ ደገፍ ኣሎ። እዚ፡ መደብ መትከል እግሪ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ዕላማ እቲ መደብ መትከል እግሪ ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ሽወደንኛ ክትመሃር፡ ስራሕ ክትረክብን ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ ከተእቱን እዩ።

መትከል እግሪ እንታይ ማለት እዩ?

ኣብቲ ትነብረሉ ማሕበረ ሰብ እግሪ ከም ዝተኸልካ ኮይኑ ንኽስምዓካ እንታይ የድልየካ?

ኣብዚ መደብ መትከል እግሪ ንኽትሳተፍ ነዚ ዝስዕብ ከተማልእ ኣሎካ፡

  • ኣብ መንጎ 20ን 64ን ዓመት ዝኾንካ።
  • ከም ስደተኛ፡ ተመቝኒኑ ዝመጸ ስደተኛ ( kvotflykting)፡ ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ (skyddsbehövande) ወይ ከም መቕርብ ናይ ገለ ካብዚኦም መጠን መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ኾይኑ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ መደብ መትከል እግሪ እንታይ ምኳኑ ዝገልጹ ፊልምታት ጌይሮም ኣሎዉ።

መደብ መትከል እግሪ እንታይ የጠቓልል?

እቲ ንዓኻ ዘድልየካ እዩ ኣብቲ ናትካ መደብ ኣየኖት ንጥፈታት ከም ዝኣትዉ ዝውስን። ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮታትካን ተገዳስነትን ተበጊስኩም ምስ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ብሓባር መደብ ንጥፈታትካ ተውጽእ።

እዞም ዝስዕቡ ንጥፈታት ኵሉ ግዜ እቱዋት እዮም።

  • ሽወደንና ንወጻእተኛታት፡ ኤስኤፍኢ።
  • ልልይ ምስ ሕብረተ ሰብ። ብዛዕባ ሕብረተ ሰብ ሽወደን መሰረታዊ ፍልጠት ትረኽበሉ ትምህርቲ እዩ።
  • ንስራሕ ዝቐራርቡኻ ጻዕርታት። እዚ ንኣብነት ልምምድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ናይ ሞያ ፍልጠታትካን ትምህርቲታትካን ከተገምግሞም ክትክእል ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብቕዓት ምርግጋጽ ይብሃል።

ኣየኖት ንጥፈታትን ኣየናይ ደገፍን ኣለካ?

እቶም ንጥፈታት ናይ መደብ መትከል እግሪ መዓስ እዮም ዝግበሩ?

እቶም ንጥፈታት ን40 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ይትግበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ን24 ኣዋርሕ ትሳተፍ።

ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት ኣብቲ መትከል እግሪ ኣብ ሰሙን ዝወሓደ ሰዓታት ወይ ዝወሓደ ኣዋርሕ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንኣብነት፡

  • ኣብቲ ናይ መትከል እግሪ መደብ እንዳ ተሳተፍካ ናይ ከፊል ግዜ ስራሕ እንተ ረኺብካ።
  • ገለ መዓልታት ኣብ ሰሙን ናይ ወላዲ ዕረፍቲ እንተ ወሲድካ ኣሎኻ ኾንካ።
  • ስንክልና እንተ'ላካ ኾይኑ።
  • ስለ ዝሓመምካ ኣብ ሰሙን ን40 ሰዓታት ክትሳተፍ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ

ኣብቲ ናይ መትከል እግሪ መደብ እንዳ ተሳተፍካ ብምሉእ ግዜ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ እንተ ወሲድካ፡ እቲ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ምስ ተወድኣ ተመሊስካ እንደገና ክትቅጽል ተኽእሎ ኣለካ።

ክፍሊት መትከል እግሪ

ነቲ ኣብ መደብ እግሪ መትከሊ ዘሎ ውጥን እንተ ስዒብካዮ ገንዘብ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። እዚ ክፍሊት መትከል እግሪ ይብሃል።

ከምኡ'ውን ንዝተፈላለዩ መወሰኽታታት መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

  • ቈልዓ እንተ’ለካ ኾይኑ፡ መሰል ናይ መወሰኽታ መትከል እግሪ ክህልወካ ይኽእል እዩ።
  • በይንኻ እንተ ዄንካ ትቕመጥ፡ መሰል ናይ ክፍሊት ገዛ ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት እዮም ብዛዕባ ዝኾነ ክፍሊት ክኽፈለካ እንተ ኾይኑ ዝውስኑ። ከምኡ'ውን ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይ ክንደይ መጠን ገንዘብ መሰል ከም ዘሎካ ይውስኑ።

ናይ ንጥፈታት ጸብጻብ ሃብ

ኣብ መደብ መትከል እግሪ ክትሳተፍ ከለኻ ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሓዊ ጸብጻብ ንጥፈታት ከተእቱ ኣለካ። እዚ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ኣብ እትኸዶ መገዲ ግቡእ ደገፍ ምእንቲ ክትረክብ፡ ከምኡ’ውን ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክፍሊትካ ምእንቲ ክትረክብ ኣገዳሲ እዩ።

ግዴታ ትምህርቲ

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘይብልካ እንተ ዄንካ እሞቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ እዚ ስራሕ ክትረክብ ኣየኽእለካን እዩ ኢሎም እንተ ገምጊሞም፡ ናይ ግድን ክትመሃር ኣለካ። እዚ ናይ ትምህርቲ ግዴታ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መላለዪ ምስ ሕብረተ

ልልይ ምስ ሕብረተሰብ፡ ንዓኻ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ናይ ናጻ ትምህርቲ እዩ።

እቲ ትምህርቲ ብናይ ኣዴኻ ቋንቋ፡ ብቐሊል ሽወደንኛ ወይ ብኻልእ ትኽእሎ ቋንቋ ክትምሃሮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ትነብረሉ ኮሙን እዩ ነዚ ትምህርቲ ዘዳልዎ። እቲ ትምህርቲ ናይ 100 ሰዓታት ንውሓት ኣሎዎ።

እቲ ትምህርቲ ናይዚ ዝስዕብ ፍልጠት ይህበካ፡

  • ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት
  • መሰረታውያን ደሞክራስያዊ ክብረታት
  • ግዴታታትን መሰላትን
  • ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ብኸመይ ከም ዝተወደበ
  • ግብራዊ መዓልታዊ ሂወት

መን ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ክምሃር ይኽእል?

ከምዚ ዝስዕብ እንተ ዄንካ ኣብ ትምህርቲ ልልይ ምስ ሕብረተ ሰብ ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ፦

  • ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝተወሃብካ
  • ኣብቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ምነራኸብቲ ስራሕ ዝወሃብ መደብ መትከል እግሪ ትሳተፍ ኣለኻ
  • ሓደ ካብ ስድራ ቤትካ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡ ኾይኑ ወይ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ይሳተፍ ኣሎ ኾይኑ።

ስለምንታይ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ክትምሃር ኣሎካ?

ብዛዕባ ዘለዉኻ ግዴታታትን መሰላትን፡ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ደሞክራሲን ብዛዕባ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ብኸመይ ከም ዝተወደበን ፍልጠት ትረክብ። እቲ ትምህርቲ ብዛዕባ ግብራዊ መዓልታዊ ሂወት፡ ንኣብነት ንትምህርትን ስራሕን ዚምልከት ሕቶታት፡ መንበሪ፡ ክንክን ጥዕናን ቈልዑን ስድራን እዩ።

ዕላማ ናይቲ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ፡ ኣብቲ ናይ ሽወደን ሕብረተሰብ ንኽትኣቱ ንዓኻ ቀሊል ንኽገብረልካ እዩ።

ነቲ ትምህርቲ ምስ ወዳእካዮ ሓደ ወረቐት ምስክር ክወሃበካ እዩ።

ናብቲ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ብኸመይ ተመልክት?

ኣብዚ ቐረባ ግዜ መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካን ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ናይ እግሪ መትከሊ መደብ ኣሎካ ኾይኑን፡ ናብቲ ትምህርቲ ንኸተመልክት ምስ ተሓዝ ጕዳይካ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ተዘራረብ።

ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ተሓዝ ጕዳይካ ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ትምህርቲ ከመልክተልካ ይኽእል እዩ።

ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ብዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ ምስቲ ትነብረሉ ኮሙን ርክብ ግበር።