መሰል ሸመትቲ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 13 2 2024

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ መሰል ሸመትቲ እዩ። ኣብ ሽወደን ኣቕሑን ኣገልግሎትን ክትዕድግ ከለኻ ዝከላኸሉልካ ሕግታት ኣለዉ። እቶም ሕግታት ንኣብነት ብዛዕባ ዕድግኻ ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ኣብ ገሊኡ ኵነት ክትጥዓስ መሰል ይህቡኻ።

ንኣብነት ብዛዕባ ንዕድግኻ ክትጥዓሰሉ ከመይ ከም ትገብር፡ ንግጉይ ገብኸመይ ከም ትቃወም ከምኡ’ውን ብዛዕባ ከም ዓዳጊ መጠን ዘለዉኻ ካልኦት መሰላት ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ንርትዓዊ ደረጃ መነባብሮ መሰል ኣለዎ። እዚ ንኣብነት ንስኻን ስድራ ቤትካን ጽቡቕ ንኽትህልዉ እኹል ገንዘብ ክትረክብ ወይ ከተእቱ መሰል ኣለካ ማለት እዩ።

ምግብን ክዳውንትን ክትዕድግ ክትክእል፡ ገዛ ክህልወካ ከምኡ’ውን ንሕክምና ዝኸውን ገንዘብ ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። እንተ ሓሚምካ ወይ ስራሕ ኣልቦ ኴንካ ሕብረተ ሰብ ርትዓዊ ደረጃ መነባብሮ ንኽህልወካ ክሕግዘካ ኣለዎ። ቈልዑ ንናይቲ ቈልዓ ምዕባለ ዘድሊ ማሕበራዊ ውሕስነትንን ደረጃ መነባብሮን ክህልዎም መሰል ኣለዎም።

ብኢንተርነት ምዕዳግ

ብኢነተርነት ምዕዳግ ቐሊል ክኸውን ይኽእል እዩ። ብኢነተርነት ዝተገብሩ ዕድግታትካ ብዝተኻእለ መጠን ውሑሳት ንምግባር ግን ክትሓስበሎም ዘለካ ነገራት ኣለው።

ሓበሬታ ብዛዕባ እታ ትካል ኣክብ።

እታ ትካል ኣድራሻን ቍጽሪ ቴለፎንን ከም ዘለዋ ኣረጋግጽ። ንኣገልግሎት ዓሚል ናይታ ትካል ክትራኸቦም ፈትን። ናይታ ትካል ኣገልግሎት ዓሚል ንክተረኽቦም ቀሊል ክኸውን ኣለዎ።

ካልኦት ሰባት ብዛዕባ እታ ትካል እንታይ ርእይቶ ከም ዝሃቡ ፍለጥ። ብኢንተርነት ካልኦት ሰባት ኣየናይ ጽቡቕ ኣየናይ ሕማቕ ጎድኒ ናይቲ ትካል ኢሎም ከም ዝጠቐሱ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኮድካ ጨሪሽካ ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይትሃብ

ብዙሓት ሰባት ብኢንተርነት ንምዕዳግ ወይ ኣብ ድኳን ገንዘብ ንምኽፋል ናይ ባንክ ካርዶምን ሞባይሎምን ይጥቀሙ እዮም። ኮድካ ወይ ቃል-ምስጢርካ (ለሰን ኡርድ) ጨሪሽካ ንዋላ ሓደ ሰብ ኣይትሃብ። ገንዘብ ንምትሕልላፍ ናይ ባንክ ሕሳብካ ንዋላ ሓደ ኣይተለቅሕ። እቲ ንኮድካ ወይ ቃል-ምስጢርካ (ሎሰንኡርድ) ክረክብ ዝደሊ ዘሎ ሰብ፡ ገንዘብ ከታልለካ ክፍትን ይኽእል እዩ። ምትላል ተባሂሉ ይጽዋዕ ገበን ድማ እዩ።

ክልተ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ ሓደ ጣውላ ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተር ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።

ብኢንተርነት ሸሚትካ ትፈልጥ'ዶ?

ውሑስ ዕድጊ ከም ዝገበርካን ከም ዘይተታለልካን ከመይ ጌርካ ትፈልጥ?

ሕሱር ቀረብ

ኣብ ኢንተርነት ንዝርከብ ኣዝዩ ሕሱር ቀረብ ኵሉ ግዜ ብዓይኒ ጥርጣረ ርኣዮ። ኣዝዩ ዝስሕብ ሕሱር ዋጋ ሓደ ኣቕሓ ናብ ኣዝዩ ክቡር ዓሚል ምኳን ዘስዕብ ዕዳጋ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዓሚል ምኻን ( Prenumeration) ወርሓዊ ዓሚልነት( abonnemang) እውን ይበሃል እዩ። ነቲ ዓሚልነት ምቍራጽ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ጽሑፍ ካብ ዝተጠቕሱ መሰጥቲ ቀረባትን(ሬክላምን) ወርሓዊ ዓሚልነትን (ኣቦነማንግ) ዝገልጽ ኣብነታት ሃብ።

ሓደ ቀረብ (erbjudande) ጽቡቕ ወይ ሕማቕ እንተ ኾይኑ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል?

ነቶም ናይ ዕድጊ ቅድመ-ኩነት፣ ጠቕላላ ዋጋ፣ ናይ መብጽሒ ቅድመ-ኩነትን ናይ ክፍሊት ቅድመ-ኩነትን ኣንብቦም

ኩሉ ግዜ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ካብታ ትካል ምግዛእካ ነቶም ናይ ዕድጊ ቅድመ-ኩነት ወይ ናይ ስምምዕ ቅድመ-ኩነት ኣንብቦም።

ናይቲ ክትገዝኦ ትደሊ ዘሎካ ጠቕላላ ዋጋ ክንደይ ከምዝኸውን ኣረጋግጽ። ኣብቲ ዋጋ እንታይ ከም ዝጠቓለል ኣረጋግጽ፣ ንኣብነት ዋጋ መስደዲ ኣቕሑ ናባኻ።

መብጽሒ ግዜ፣ ማለት እቲ ኣቑሑ ኣብ ኢድካ ክሳዕ ዝበጽሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ኣረጋግጽ።

ነቲ ኣቑሑ ከመይ ጌርካ ከም ትኸፍሎ ኣረጋግጽ። ካብ ኢንተርነት ክትዕድግ ከልኻ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ። ኣየኖት መኽፈሊ ኣገባባት ከምዘለዉን እንታይ ማለት ምኻኖምን ኣረጋግጽ።

ብናይ ባንክ ካርድ እንተ ዄንካ ክትከፍል፡ ኣብ ዝተመስጠረ (krypterade) መርበብ ሓበሬታ ጥራይ ይኹን። ሓደ መርበብ ሓበሬታ ዝተመስጠረ ምስ ዝኸውን ኣድራሻ እቲ መርበብ ኣብ ክንዲ ብ 'http' ብ 'https' እዩ ዝጅምር። ምስኡ ናይ ሊኮቶ ምልክት ኣብ ጥቓ ኣድራሻ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ እቲ ትካል ኣዝዩ ውሑስ መርበብ ሓበሬታ ምኻኑ የርኢ።

ንዓኻ ወረቐት መንነት ዘይብልካ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዲኻ ካብ መዓል መዚ ግብሪ ውልቓዊ መለለዩ ቍጽሪ ተቐቢልካ? ወረቐት መንነትካ ከይተቐበልካ ካብ ኢንተርነት ዝኾነ ነገር ንከይትገዝእ ተጠንቐቕ። ኣቕሑትካ ካብ ወኪል ፓኼት ወይ ወኪል ጶስጣ ንምውሳድ ወረቐት መንነት ከድልየካ እዩ።

ኣቑሑትን ኣገልግሎትን ክትገዝእ ከለኻ ዘሎዉ መሰላት

ኣብ ሽወደን ኣቑሑትን ኣገልግሎትን ክትገዝእ ከሎካ ዝከለኸሉልካ ሕግታት ኣሎዉ። እቶም ሕግታት ንኣብነት ንዕድግካ ክትጠርዕ ኣብ ሓደ ሓደ ኵነት ድማ ክትጠዓስ መሰል ይህቡኻ እዮም።

ብዓል መዚ ኣህለኽቲ (Konsumentverket) ብዛዕባ መሰላትካን ግዴታታትካን ከም ኣህላኺ መጠን ዝምልከት ሓደ ፊልም ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ፊልም ብሽወደንኛ፡ ዓረብኛ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝኛ፡ ፋርስኛ፡ ሶማልኛን ትግርኛን ተዳልዩ ኣሎ።

ካብ ዱኳን ክትዕድግ ከሎኻ፡ ቅብሊት ክወሃበካ መሰል ኣሎካ። ብኢንተርኔት እንተ ዄንካ ዓዲግካ፡ ናይቲ ትእዛዝካ መረጋገጺ ክወሃበካ መሰል ኣሎካ። ነቲ እንታይ ከም ዝዓደግካን ክንደይ ከም ዝኸፈልካን ዘርኢ መርትዖ ክትዕቅቦ ጽቡቕ ምኳኑ ዘክር።

እቲ ቅብሊት ካልእ ገዲፍካ ናይ ዕለት፡ ዋጋ፡ ስም ኣቕሓን ብዝሒ ኣቕሓን ትሕዝቶ ክህልዎ ኣሎዎ። ከምኡ'ውን ስም፡ መለለዪ ቅጽሪ ትካልን ኣድራሻ ናይ ትካልን ክህሉ ኣሎዎ።

እቲ ዝዓደግካዮ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ጌጋ (ኣበር) እንተ ኣሎዎ ኾይኑ፡ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ከተቕርብ መሰል ኣሎካ። ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ፡ ብዛዕባ እቲ ኣበር ጥርዓን ምቕራብ ማለት እዩ። እቲ ሸያጢ ነቲ ጌጋ ከዐርዮ ዕድል ክረክብ ኣሎዎ። መብዛሕትኡ ግዜ መተካእታ ናይቲ ዝተሰበረ ኣቕሓ ሓደ ሓድሽ ኣቕሓ ይወሃበካ እዩ። ሓደ ኣገልግሎት ክትዕድግ ከሎኻ እቲ ሸያጢ ነቲ ጌጋ ከዐርዮ ኣሎዎ።

መሰል ምቕያር ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ብዘየገድስ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ከተቕርብ መሰል ኣሎካ። ዋላ ዋግኦም ዝጎደለ ኣቑሑት ኣበር እንተ ኣለዎም ኾይኑ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ከተቕርብ መሰል ኣሎካ። ኣብ ሽወደን ንሰለስተ ዓመት ናይ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ምቕራብ መሰል ኣሎካ።

ድሕሪ እቲ ዕድጊ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስቲ ሸያጢ ብምርኻብ እቲ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት እንታይ ጌጋ ከም ዘሎዎ ሓብሮ። ካብታ እቲ ጌጋ ዝረኸብካሉ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ እንተ ኣቕሪብካ፡ ከም ምኽኑይ ግዜ እዩ ዝቝጸር። ምኽኑይ ግዜ ቅቡል ግዜ ማለት እዩ።

  • ገለ ነገር ክትገዝእ ከሎኻ ኵሉ ግዜ ነቲ ቅብሊት ዓቅቦ። ሽዑ ነቲ ኣቕሓ ንኽትመልሶ ዝቐለለ ይኸውን።
  • ነቲ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ብጽሑፍ ኣቕርቦ፡ ንኣብነት ብኢ-መይል።

ምእንቲ ጥርዓን ከም ዘቕረብካን መዓስ ከም ዝጠራዕካን መርትዖ ከተቕርብ ክትክእል፡ ናይቲ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓ ዘቕረብካሉ ቅዳሕ ዓቅቦ።

ብክፉት ሸመታ ምዕዳግ፡ ነቲ ዝዓደግካዮ እንተ ዘይደሊኻዮን ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ መሊስካዮን፡ ገንዘብካ ይምለሰካ ማለት እዩ።

መሰል ናይ ክፉት ሸመታ ዝህበካ ዝኾነ ሕጊ የለን። ዕድል ናይ ክፉት ሸመታ ብድልየት ዝወሃብ ኾይኑ እተን ዱኳናት ባዕለን ዝውስንኦ ናተን ሕጊ እዩ። እዚ፡ ገለ ዱኳናት ናይ 30 መዓልታት ክፉት ሸመታ ዕድል ክህባ ከለዋ ገሊኤን ድማ ጨሪሸን ናይ ክፉት ሸመታ ዕድል ኣይህባን ማለት እዩ።

  • ኵሉ ግዜ ኣየኖት ኣየኖት ኵነት ከም ዘገልግሉ ኣብቲ ዱኳን ሕተት።
  • ንኽንደይ እዋን ክፉት ሸመታ ከም ዘሎካ ኣብቲ ቅብሊት ተነጺሩ ከም ዘሎ ርኣዮ።
  • ነቲ ቅብሊት ዓቅቦን ቅድሚ እቲ ናይ ክፉት ሸመታ ዕለት ምውዳቑ ነቲ ኣቕሓ ምለሶን።
  • ነቲ ኣቕሓ ልክዕ ከምቲ ክትገዝኦ ከለኻ ዝነበሮ ኵነት ምለሶ።

መሰል ምቕያር ኣቕሓ ምህላው፡ ንዝዓደግካዮ ሓደ ኣቕሓ መሊስካ ኣብ ክንድኡ ካልእ ምምራጽ ማለት እዩ። መሰል ምቕያር ኣቕሓ ክከውን ከሎ ገንዘብ ኣይምለሰካን እዩ።

መሰል ምቕያር ኣቕሓ ኣሎካ ዝብል ዝኾነ ሕጊ የለን። መሰል ምቕያር ኣቕሓ ብድልየት ዝወሃብ ዕድል ኾይኑ እተን ዱኳናት ባዕለን ዝውስንኦ ናተን ሕጊ እዩ።

  • ኵሉ ግዜ ኣየኖት ኣየኖት ኵነት ከም ዘገልግሉ ኣብቲ ዱኳን ሕተት።
  • ንኽንደይ እዋን መሰል ምቕያር ኣቕሓ ከም ዘሎካ ኣብቲ ቅብሊት ተነጺሩ ከም ዘሎ ርኣዮ።
  • ነቲ ቅብሊት ዓቅቦን ቅድሚ እቲ ናይ መሰል ምቕያር ኣቅሓ ዕለት ምውዳቑ ነቲ ኣቕሓ ምለሶን።
  • ነቲ ኣቕሓ ልክዕ ከምቲ ክትገዝኦ ከለኻ ዝነበሮ ኵነት ምለሶ።

ካብ ሓንቲ ዱኳን ክትዕድግ ከሎኻ ዝኾነ መሰል ምጥዓስ የብልካን። ብርሑቕ ንኣብነት ብመንገዲ ኢንተርኔት፡ ካብ ብተለፎን ሸየጥቲ፡ ወይ ትእዛዝ ብጶስጣ ገለ ነገር እንተ ዓዲግካ ንኽትጠዓስን ገንዘብካ ክምለሰካን መሰል ኣሎካ። ከምኡ'ውን ምስ ሓደ ሸያጣይ ካብቲ ናይ ሸያጣይ ናይ ንግዲ ኣዳራሽ ወጻኢ ውዕል እንተ ጌርካ፡ ንኽትጠዓስ መሰል ኣሎካ። ውዕል፡ ብጽሑፍ ወይ ብኣፍ ዝተሰማማዕካሉ ነገር እዩ።

  • ብርሑቕ ወይ ካብቲ ናይ ሸያጣይ ኣዳራሽ ወጻኢ ክትዕድግ ከሎኻ ናይ 14 መዓልታት ናይ ምጥዓስ መሰል ኣሎካ።
  • እቲ ናይ ምጥዓስ እዋን ካብ ጽባሕ ናይ እቲ ኣቕሓ ዝተቐበልካሉ ዕለት ይጅምር። ሓደ ኣገልግሎት እንተ ዄንካ ዓዲግካ፡ እቲ ናይ ምጥዓስ እዋን ካብ ጽባሕ እቲ ውዕል ዝኣተኻሉ ዕለት ክሓስብ ይጅምር። ናይ ምጥዓስ እዋን ንሓደ ዕድጊ ንኽትጠዓሰሉ ዘሎካ ግዜ እዩ። ኣብ ናይ ተለፎን መሸጣ፡ ድሕሪ ነቲ ውዕል ብጽሑፍ ምርግጋጽካ፡ ነቲ ውዕል ትኣትዎ። ጠለብ ናይ ብጽሑፍ፡ ንኽልቲኡ ናይ ወረቐት ኣገባብን ኤለክትሮኒካዊ ኣገባብን ንኣብነት ብኢ-መይል ወይ ኤስኤምኤስ የጠቓልል።
  • እቲ ሸያጣይ ቅድሚ ነቲ ውዕል ምእታውካ ከመይ ጌርካ ነቲ ዕድጊ ከም ትጠዓሰሉ ሓበሬታ ክህበካ ኣሎዎ። እቲ ሸያጣይ እኹል ሓበሬታ እንተ ዘይሂቡካ ኾይኑ እቲ ናይ ምጥዓስ እዋን ይናዋሕ እዩ።
  • ናይ ምጥዓስ መሰል ንዅሉ ዓይነት ዕድጊ ኣየገልግልን እዩ። ንኣብነት ሓደ መገሻ ወይ ብፍሉይ ዝፈረየ ፍርያት ክትዕድግ ከሎኻ ኣየገልግልን እዩ። እቲ ሸያጣይ ነዞም ዕድግታት መሰል ምጥዓስ ከም ዘይምልከቶም ክሕብረካ የድልዮ እዩ።
  • ብጽሑፍ ንኣብነት ብኢ-መይል ከም ዝተጣዓስካ ምሕባር ዘክር። ሓደ ቅዳሕ ከም መርቶኦ ዓቅብ።
  • ነቲ ኣቕሓ ካብታ ከም ዝተጠዓስካ ዝሓበርካላ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ናብቲ ሸያጣይ ምምላስ ከድልየካ እዩ። ቅድሚ ውዕል ምእታውካ እቲ ሸያጣይ ብዛዕብኡ ሓቢሩካ እንተ ኾይኑ፡ ናይ መምለሲ ወጻኢታት ባዕልኻ ኢኻ ትኸፍሎ። ነቲ ኣቕሓ ናብቲ ሸያጣይ ተመሊስካ ከም ዝለኣኽካሉ ከተርኢ ክትክእል ይግብኣካ እዩ። ስለዚ ነቲ ኣቕሓ ዝመለስካሉ ቅብሊት ከም መርትዖ ዓቅቦ።

ውዕል

ንስኻን ሓደ ካልእ ወገንን ብዛዕባ ሓደ ነገር ክትሰማምዑ ከለኹም፡ ሓደ ውዕል ትገብሩ። እቲ ውዕል ንክልቲኦም ወገን ቀያዲ እዩ። እዚ ድማ ክልቲኦም ወገን ነቲ ኣብ ውዕል ክገብርዎ ዝተመባጽዑ ናይ ግድን ክገብርዎ ኣሎዎም ማለት እዩ። ንኣብነት እቲ ካልእ ወገን ዳሕራይ ክኸፍለሉ ዘለዎ እቲ ሓደ ወገን ሓደ ኣቕሓ ከረክብ እንተ ኣሎዎ ኾይኑ።

ካብ ሓደ ድኳን ገለ ነገር ክትገዝእ ወይ ብኢንተርኔት ሓደ መገሻ ክትሕዝ ከለኻ፡ ውዕል ትኣቱ ኣሎኻ። ባዕልኻ ውዕል ክትኣቱ ወዲ 18 ዓመት ክትከውን ኣሎካ። ብዙሕ ዓይነት ውዕላትን እንታይ ዓይነት ውዕል ከም ትኣቱ ዘሎካ ዝውስኖ ዝተፈላለየ ሕግታትን ኣሎ።

ንሓደ ውዕል ብኽልቲኡ ብኣፋውን ብጽሑፍን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ሓደ ውዕል፡ እቲ ውዕል ቀያዲ ንኽኸውን ብጽሑፍ ክኸውን ኣሎዎ።ንኣብነት ገዛ ክትገዝእ ከለኻ።

ንዘይኣዘዝካዮ ነገር ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ

ሓደ ውዕል ኣብ ግብሪ ንኽውዕል፡ ነቲ ኣቕርቦት ክትቅበሎ ወይ ብንጹር ገለ ነገር ክትእዝዝ ኣሎካ። ሓንቲ ትካል ገለ ነገር ኣዚዝካ ኢኻ እንተ ኢላ፡ እታ ትካል ጭብጢ ከተቕርብ ክትክእል እውን ኣሎዋ።

ንዘይኣዘዝካዮ ነገር ምኽፋል ኣየድልየካን እዩ። ግን ኵሉ ግዜ ምስታ ትካል ተራኺብካ ክትቃወሞ ከድልየካ እዩ። ምቅዋም ማለት፡ ነቲ እታ ትካል ካባኻ ትሓቶ ዘላ ዘይቅኑዕ ክፍሊት ትከራኸረሉ እዩ።

ብጽሑፍ ተቓወም፡ ንኣብነት ብኢ-መይል፡ ቅዳሕ ናይቲ ኢ-መይል ወይ ደብዳቤ ድማ ዓቅቦ። ናይ ዘይኣዘዝካዮ ነገር መምለሲ ዋጋ ጽዕነት ምኽፋል እውን ኣየድልየካን እዩ። ናይ መምለሲ ዋጋ ጽዕነት፡ ንሓደ ነገር ናብቲ ሸያጢ ንምምላስ ዝኽፈል እዩ። እታ ትካል ነቶም ኣቑሑት ክምለስ እንተ ደልያ፡ ናይ መምልሲ ዋጋ ጽዕነት ሰነድ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

መሸጣ ብተሌፎን

ትካላት ሓደ ነገር ንምሻጥ ትካላት ክድውላካ ልሙድ እዩ። እዚ መሸጣ ብተሌፎን ይበሃል።

ካብ ናይ ብተሌፎን ሸየጥቲ ዝድወለልካ ብዝሒ ክትንክዮ እንተ ደሊካ ንተሌፎንካ መዕገቲ ክትግብረላ ትኽእል ኢኻ። ንተሌፎንካ መዕገቲ ንክትገብረላ ምስ NIX-Telefon ተራኸብ። ግን ንዅሉ መሸጣ ብተሌፎን ደው ከም ዘየብሎ ዘክር። ቍጽሪ ተሌፎንካ ኣብ ናይ መዕገቲ ኣገልግሎት ክትምዝገብ ከለኻ፡ መብዛሕትአን ትካላት ናብ መሸጣ፡ መወዓውዒ ወይ ገንዘብ ንምእካብ ክድውላኻ ኣይክእላን እየን። ሓደ ሓደ ትካላት ንኣብነት እተን ዓሚለን ዝኾንካ ወይ ዝነበርካ ግን ክድውላልካ ይኽእላ እየን። ትካላት ቅድሚ ናባኻ ምድዋለን ቍጽሪ ተሌፎንካ ኣብ NIX-Telefon ኣሎ እንተ ኾይኑ ክርእይኦ ግዴታ ኣለወን።

ሓደ ብተሌፎን ሸያጢ ምሳኻ ርክብ ጌይሩ'ዶ ይፈልጥ?

ምእንቲ ከይትታለል መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ ትብል?

ወርሓዊ ዓሚልነት

ወርሓዊ ዓሚልነት፡ ሓደ ኣቕራቢ ብስሩዕ ሓደ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ንሓደ ዓሚል ዘረክበሉ ውዕል እዩ። እቲ ወርሓዊ ዓሚልነት ንዝተወሰነ ግዜ ወይ ንዘይተወሰነ ግዜ ከገልግል ይኽእል እዩ። ሓደ ኣቕራቢ፡ ሓደ ኣቕሓ ወይ ሓደ ኣገልግሎት ዘቕርብ ሓደ ሰብ ወይ ሓንቲ ትካል እዩ።

ወርሓዊ ዓሚልነት ንኣብነት ኣቕርቦት ናይ ኤለክትሪክ፡ ንሓደ ፍሉይ ናይ ሞባይል ኦፐረይተር ተጠቂምካ ምድዋል ወይ ብከይብል ተለቪዥን ወይ ሳተላይት ዝኽፈሎ ተለቪዥን ምርኣይ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣቕራቢ እዩ ነቲ ውዕል ኣዳልይዎ። እቲ ውዕል መብዛሕትኡ ግዜ ንብዙሓት ተመሳሰልቲ ናይ ንግዲ ኵነታት ክትጥቀመሉ ብዝከኣል ኣገባብ እዩ ዝጸሓፍ። እዚ ንስኻ ከም ዓሚል መጠን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ውዕል ከመይ ከም ዝመስል ክትጸልዎ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት እዩ። ንስኻ ከም ዓሚል ነቲ ውዕል ክትቅበሎ ክትመርጽ ወይ ካልእ ኣቕራቢ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ዓሚል መብዛሕትኡ ግዜ ብዓሚልነት ዝተወዓዓለ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ

ናይ ወርሓዊ ዓሚልነት መጻወድያ

ናይ ወርሕዊ ዓሚልነት መጻወድያ ብሓደ ሰሓቢ ኣቕርቦትን መብዛሕትኡ ግዜ ብሓደ ጽቡቕ ጌይሩ ዝተሓብኤ ወርሓዊ ዓሚልነትን ዝቖመ እዩ። ኣብ ኢንተርኔት ከምኡ'ውን ብቐዳምነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን፡ ናብ ክቡር ወርሓዊ ዓሚልነት ዝመርሕ ናይ ሕሱራት ፍርያታት ኣቕርቦት ልሙድ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ግምገማ ምስታፍን ንሓንቲ ተለፎን ካብ መጠን ንላዕሊ ሕሱር ብዝኾነ ዋጋ ንምዕዳግ ዕድል ምሃብ። እዚ፡ ንስኻ ከም ሸማቲ መጠን ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ጥራይትኸፍለሉ ዝመስል ሓደ ናይ ጥዕና ምግቢ ዝሓዘ መፈተኒ ጥቕላል ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ወርሓዊ ዓሚልነት መጻወድያ ኣብ እዋን ናይ ተለፎን መሸጣ እውን የጋጥም እዩ።

ሃሎ ኮንሱመንት (Hallå konsument) ብዛዕባ ናይ ወርሓዊ ዓሚልነት መጻወድያ ዝገልጹ ፊልምታት ጌይሮም ኣለዉ። እተን ፊልምታት ብሽወደንኛ ጥራይ እየን ዘለዋ።

ብዛዕባ ውዕል፡ ወርሓዊ ዓሚልነት፡ ክፍሊታትን ዕዳታትን ብናጻ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

ካብታ ትቕመጠሉ ኮሙን ብዛዕባ ቍጠባኻ ሓገዝን ምኽርን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኵለን ኮሙናት ብናጻ ናይ ባጀትን ዕዳን ምኽሪ የወፍያ እየን።

ሓያሎ ኮሙናት ምኽሪ ሸመትቲ (konsumentvägledning) ይህባ እየን። ብዛዕባ ሓደ ኣቕሓ ወይ ኣገልግሎት ጥርዓን ንምቕራብ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ናብኡ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ' ከም ሸማቲ ኣየኖት መሰላትን ግዴታታትን ከም ዘለዉኻ ሓበሬታ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ንዕድጊ ኣቑሑትን ኣገልግሎትን፡ ኣቤቱታ ሰባር ኣቕሓን ካልእ ንስኻ ከም ኣህላኺ መጠን ዘድልዩካ ሓገዛትን ንዚምልከት ምስ Hallå konsument (ሃሎ ኮንሱመንት) ተራኸብ።