ግብርን ናይ ግብሪ ጸብጻብ ምቕራብን (Skatt och deklaration)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 1 2024

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ግብርን ዓመታዊ ጸብጻብ ግብርን እዩ። እቲ ትኸፍሎ ግብሪ መንግስቲ ምእንቲ ካልእ ገዲፍካ ሓገዝ ቀለብ ቈልዓ፡ ሓገዝ ክራይ ገዛን ክፍሊት ሕማምን ክኸፍል ክኽእል ናብ መንግስቲ እዩ ዝኣቱ። እቲ ግብሪ ገንዘብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕና፡ ፖሊስን ኣብያተ መጻሕፍትን እውን ይሽፍን እዩ።

ጸብጻብ ኣታዊኻ ትመልእ

ኣብዚ ጽሑፍ ናይ ሽወደን ስርዓተ-ግብሪ ብኸመይ ከም ዝዓዪ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ዓመታዊ ጸብጻብ ግብርን ዓመታዊ ጸብጻብ ግብሪ ከመይ ገርካ ከም ትገብርን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ መሰል ናይ ስራሕ ምህላው ኣለዎ። እዚ መሰል ካብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘይምንጻል ማለት እዩ። ካበይ ከም ዝመጻእካ፡ እንታይ ጾታ ከም ዘለካ ወይ ክንደይ ዓመት ከም ዝገበርካ ነቲ ናይ ስራሕ ዕድልካ ክጸልዎ የብሉን።

ምስ ስራሕ ዝተተሓሓዙ ብዙሓት መሰላት ኣለዉ። ንኣብነት መሰል ንፍትሓዊ ኵነታት ስራሕ፡ መሰል ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝን መሰል ንኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ምዃንን ኣለካ። ካብ ስራሕ ከተዕርፍን ናጻ ግዜ ክህልወካን እውን መሰል ኣለካ።

ወለዲ ንናብራ ስድራ ቤት ምስ ስራሕ ከወሃህድዎ ክኽእሉ እውን ሓደ መሰል እዩ። ቈልዑ ጐዳኢ ወይ ንምዕባለኦምን ትምህርቶምን ዝዓግት ዕዮ ከይዓዩ ውሕስነት ክረኽቡ መሰል ኣለዎም።

ግብሪ እንታይ እዩ?

ግብሪ ንህዝባዊ ወጻኢታት ኢልካ እትኸፍሎ ክፍሊት እዩ። ግብሪ ካብ ኣታዊታትና፡ ኣቕሑትን ኣገልግሎታትን ንኸፍሎ።

ግብሪ ንሓንቲ ሃገር ዓብዪን ኣገዳስን ኣታዊ እዩ። ኣብ ሽወደን እቲ ገንዘብ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መገድታት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ኣብያተ ንባብን ወዘተን ይውዕል።

እተፈላለየ ዓይነት ግብሪ ኣሎ። ሓደ ኣብነት እቲ ክትሰርሕ ከለኻ ካብ ደሞዝካ እትኸፍሎ ግብሪ እዩ። እዚ ግብሪ፡ ግብሪ እቶት ይበሃል። እቲ ግብሪ ቅድሚ እቲ ደሞዝ ንዓኻ ምኽፋሉ ካብ ደሞዝካ ብቐጥታ ይቝረጽ። እቲ ኣብ ሕሳብካ እትረኽቦ ደሞዝ እቲ ኽትነብረሉ ዝተረፈካ ገንዘብ እዩ።

ስርዓት ግብሪ ሽወደን፡ እቶም ዝያዳ ገንዘብ ዘእትዉ ዝያዳ ግብሪ ከም ዝኸፍሉ ተገይሩ ቅርጺ ዝሓዘ እዩ። ኣብቲ ንነብረሉ ኮሙንን ዞባን ኢና ግብሪ ንኸፍል። ግብሪ ኣብ ነፍስ ወከፍ ኮሙን ዝተፈላለየ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ 29-35% ካብ ኣታዊ እዩ። እቶም ልዕሊ እተወሰነ መጠን ኣታዊ ዘለዎም ንመንግስቲ እውን ግብሪ ይኸፍሉ እዮም።

ጽሑፋዊ መፍለጢ (Deklaration)

ብዓል መዚ ግብሪ፡ እቲ ኣብ ሽወደን ውልቀ ሰባትን ትካላትን ግብሪ ከም ዝኸፍሉ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ዘለዎ ብዓል መዚ እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ኩሎም እትዋት ገንዘብ ዝነበሮም ንበዓል መዚ ግብሪ ክነግሩ ኣለዎም። እዚ ብጽሑፍ ምፍላጥ (deklarera) ይበሃል። ንውልቐ ሰባትን ንትካላትን ድማ ይምልከት።

ኣብ መጀመርያ ናይ ዓመት በዓል መዚ ግብሪ ናብቲ ብጽሑፍ ከፍልጥ ዘለዎ ሰብ ናይ ኣጽሑፋዊ መግለጺ ቅጥዒ ይሰድድ። ኣብቲ ቅጥዒ፡ ኣብታ ዝሓለፈት ዓመት ክንደይ እትዋት ከምዝነበረካ ተዘርዚሩ ይርከብ። ንስኻ እቲ ሓበሬታ ቑኑዕ ከምዘሎ ተረጋግጽ።

እቲ ሓበሬታ ቑኑዕ እንተ'ሎ ኾይኑ፡ ንስኻ ነቲ ጽሑፋዊ መፍለጢ ተጽድቖ። ነቲ ጽሑፋዊ መፍለጢ፡ ኤስኤምኤስ ብምስዳድ፣ ተለፎን ምድዋል፣ ናይ በዓልመዚ ግብሪ ናይ ሞባይል ፕሮግራም ወይ ብኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ በዓል መዚ ግብሪ ዝርከብ ኤለክትሮኒካዊ- ኣገልግሎት ምጥቃም ከተጽድቖ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኤለክትሮኒካዊ- ኣገልግሎት ብሽወደንኛ ጥራይ እዩ ዘሎ።

ኣብቲ ጽሑፋዊ መፍለጢ ዘሎ ሓበሬታ ቕኑዕ እንተዘይኮይኑ ክትቕይሮ ኣለካ። ነቲ ናትካ ጽሑፋዊ መፍለጢ በቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ በዓል መዚ ግብሪ ዝርከብ ኤለክትሮኒካዊ- ኣገልግሎት ተጠቒምካ ክትቕይሮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኤለክትሮኒካዊ- ኣገልግሎት ብሽወደንኛ ጥራይ እዩ ዘሎ።

ኤሰኤምኤስ ብምስዳድ፣ ብምድዋል ወይ ብናይ ሞባይል ቴለፎን ፕሮግራም ወይ ብኤለክትሮኒካዊ- ኣገልግሎት ብምጥቓም ብጽሑፍ ከተፍልጥ ምስ ዘይትኽእል ነቲ ናይ ወረቐት ቅጥዒ ናብ በዓል መዚ ግብሪ ብምልኣኽ ብጽሑፍ ከተፍልጥ ትኽእል ኢኻ።

ዋላ እኳ ዝኾነ ናይ ብጽሑፍ መፍለጢ ቅጥዒ ናብ ገዛኻ እንተ ዘይተላእከልካ፡ ብጽሑፍ ምፍላጥ ከድልየካ ይኽእል እዩ።

መአዘዚ-ኣገልግሎት ዝብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ብዓል መዚ ግብሪ ብምጥቓም ናይ ብጽሑፍ መፍለጢ ቅጥዒ ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ። መአዘዚ-ኣገልግሎት ብሽወደንኛ ጥራይ እዩ ዘሎ።

ንጸብጻብ ግብሪ ዝምልከት ሕቶታት እንተ ኣልዩካ ኾይኑ ምስ ብዓል መዚ ግብሪ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ክትድውል፡ ኢ-መይል ክትልእኽ ወይ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣገልግሎት፡ ከም ብዓል መዚ ግብሪ፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነትን ብዓል መዚ ጥሮታን ዝኣመሰሉ ዝህዝዎ ጕዳያት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ንቕጥዕታት መመልከቲታትን ዝምልከት ሓበሬታ፡ ምኽርን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።