ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ እዩ። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኣብነት ክንክን ጥዕና፡ ሓልዮት ኣረጋውያንን ክትሰርሕ እንተ ዘይክኢልካ ሓገዝ መነባብሮ ምርካብን እዩ።

ገንዘብ፡ ናይ ትምህርቲ ክፍሊ፡ መገድታት፡ ክንክን ጥዕናን ክንክን ኣረጋውያንን ዝተሳእሎ ኮላዥ።

ብዛዕባ ናይ ሽወደን ማሕበረ ሰብ ድሕንነትን ማሕበራዊ ውሕስነት ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ሓሚምካ ክትሰርሕ እንተ ዘይክኢልካን፡ ወይ ቈልዓ ወሊድካ ናይ ግድን ካብ ስራሕ ተሪፍካ ኣብ ገዛ ክትከውን ኣለካ ኾይኑን እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከም ዘሎ ከተንብብ እውን ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ኮሙን ኣየናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም ዝቕርብ እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ንርትዓዊ ደረጃ መነባብሮ መሰል ኣለዎ። እዚ ንኣብነት ንስኻን ስድራ ቤትካን ጽቡቕ ንኽትህልዉ እኹል ገንዘብ ክትረክብ ወይ ከተእቱ መሰል ኣለካ ማለት እዩ።

ምግብን ክዳውንትን ክትዕድግ ክትክእል፡ ገዛ ክህልወካ ከምኡ’ውን ንሕክምና ዝኸውን ገንዘብ ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። እንተ ሓሚምካ ወይ ስራሕ ኣልቦ ኴንካ ሕብረተ ሰብ ርትዓዊ ደረጃ መነባብሮ ንኽህልወካ ክሕግዘካ ኣለዎ። ቈልዑ ንናይቲ ቈልዓ ምዕባለ ዘድሊ ማሕበራዊ ውሕስነትንን ደረጃ መነባብሮን ክህልዎም መሰል ኣለዎም።

ሰብኣዊ ድሕነት ዘለዎ ሕብረተሰ ማለት እንታይ ማለት’ዩ?

ኣብ ህይወትና ካብ ሕብረተሰብ ሓገዝ እንደልየሉ እዋናት ኣሎ። ኵላትና ክንሓምም ወይ ሓደጋ ከጋጥመና ይኽእል እዩ። ምናልባት መጥባሕቲ የድልየካ ይኸውን ወይ ክትሓርሲ ትኾኒ። ብኸቢድ ሕማም እንተ ሓሚምካ ንኣገልግሎት ጥዕና ብዙሕ ገንዘብ ከተውጽእ ኢኻ። ስራሕ ኣልቦ እንተ ዄንካ፡ ምናልባት ገንዘብካ ምግቢ ንምግዛእን ክራይ ገዛን ንምኽፋልን እኹል ከይከውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ እቲ ሓገዝ ከም እትረክብ ዝገብር ሕብረተሰብ ሃኒጽና ኢና።

ንዓኻ ኣብ ሽወደን ትነብር መንግስቲ ናትካ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎ። ዋላ ስራሕ ኣልቦ፡ ሕሙም ወይ ብዙሕ ደሞዝ ዘይብላ ኹን፡ መሰረታዊ ኣታዊ ክህልወካን ጽቡቕ ህይወት ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ። እተን ነቲ ማሕበራዊ ድሕነት ካብ ግብሪ ብዝተረኽበ ገንዘብ ክምውልኦ ዝመረጻ ሃገራት፡ ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት ተባሂለን እየን ዝጽውዓ።

ኣብ ሓደ ማሕበራዊ ድሕነት ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ኵሎም ሰባት ክሕግዙ ኣለዎም። ነዚ ብእተፈላለየ መገዲ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ሓደ ካብቲ ነዚ እንገብረሉ መገዲ፡ ኵሉ ሰብ ንዘድልዮም ነገራት ብሓባር ክንከፍሎም ክንክእል እዩ። ነዚ ግብሪ ብምኽፋል ንገብሮ። ኵሎም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ንመንግስቲ ግብሪ ክኸፍሉ ኣለዎም። ትካላት እውን ንመንግስቲ ግብርን ክፍሊትን ይኸፍላ እየን። ምስ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ከነጻጸር ከሎ ኣብ ሽወደን ብዙሕ ግብሪ ኢና ንኸፍል፣ ምኽንያቱ መንግስቲ ንቤት ትምህርቲ፡ ንኽንክን ጥዕናን ካልእ ብዙሕን ንኽሽፍን ስለ ዝመረጽና እዩ።

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ናይ ህይወት ካብ ሕብረተ ሰብ ሓገዝ ከድልየኩም ይኽእል?

ማሕበራዊ ውሕስነታት

ማሕበራዊ ውሕስነት ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ማሕበራዊ ድሕንነት ሽወደን እዩ። እዚ ንስድራ ቤታትን ቈልዑን፡ ንስንክልና ዘለዎም ሰባት፡ ኣረጋውያንን ከምኡ’ውን ኣብ እዋን ሕማምን ናይ ስራሕ መጕዳእቲን ቍጠባዊ ሓገዝን ክፍሊታትን ዝህብ ቍጠባዊ ውሕስነት እዩ። ዳርጋ ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ወይ ዝሰርሑ ሰባት ብማሕበራዊ ውሕስነት ውሑሳት እዮም።

ዝተፈላለየ ዓይነት ማሕበራዊ ውሕስነታት ኣሎ። ማሕበራዊ ውሕስነታት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘርኢ ገለ ኣብነታት እንሆ፦

  • እንተ ሓሚምካን ክትሰርሕ ዘይክኢልካን መተካእታ ደሞዝ ሕማም ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
  • ንናእሽቱ ደቅኻ ንምክንኻን ኣብ ገዛኻ ክትከውን እንተ ኣድልዩካ፡ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።
  • ናብቲ ክትሰርሓሉ ዘይትኽእል ዕድመ ምስ በጻሕካ ጥሮታ ክወሃበካ ይኽእል።

ናይቶም ማሕበራዊ ውሕስነታት ሓላፍነት ዘለዎም፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነትን ብዓል መዚ ጥሮታን እዮም። ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ነቶም ቈልዑ ዘለውዎም ስድራ ቤት፡ ዝሓመሙን ስንክልና ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ቍጠባዊ ሓገዝ ይግብኦም እንተ ኾይኑ ይውስንን ይኸፍልን። ብዓል መዚ ጥሮታ ንኣረጋውያን ቍጠባዊ ሓገዛትን ጥሮታታትን ይኸፍል።

ፈለማ ግዜ ንቝጠባዊ ሓገዝ ከተመልክት ከለኻ፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ መሰል ዘለካ እንተ ኾይኑ ንምርኣይ መርመራ ይገብሩ።

ኣብነት፦ ሳራ ሕቘኣ ምስ ተጎድኣት ቍጠባዊ ሓገዝ ተዋሂባ

ሳራ ከም ተሓጋጋዚት ኣላዪት ሕሙማት ኮይና ኣብ ሓደ መናበዪ ኣረጋውያን እያ ትሰርሕ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ስራሕ ንኣካላታ ከቢድ እዩ፣ ሳራ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕቘኣ ቃንዛ ኣለዋ። እቲ ጸገም እናገደደ ይኸይድ፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ከም ቀደማ ንኽትሰርሕ ዓቕሚ የብላን። ኣዝዩ እዩ ዘቘንዙ። ሳራ ንሓደ ናይ ሕማማ ብኩራት (ዕረፍቲ) ክህባ ትደልዮ ሓኪም ክትበጽሖ ከደት። እዚ ማለት ንእተወሰነ ግዜ ንኸተዕርፍ ካብ ስራሕ ከተብኩር ኣለዋ ማለት እዩ። ከምዚ እንተ ጌይራ ግን እተወሰነ ክፋል ደሞዛ ክትስእኖ እያ ። ሳራ ሓገዝ ንምርካብ ምስ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ርክብ ገበረት። ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ነቲ ናይ ሕማም ብኹራት ኣጽደቖ፡ ነተን ናይ ግድን ተብኩረለን መዓልትታት ድማ ክፍሊት ይኽፈላ።

ኣብዚ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ከተመልክቶ ትኽእል ሓደ ሓደ ኣብነታት ናይ ቍጠባዊ ደገፍን ቍጠባዊ ሓገዝን ይስዕብ፦

ትሑት ኣታዊ እንተ ኣልዩካን ኣብ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ኴንካን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ-ውሕስነት (Försäkringskassan) ንኽራይ ገዛኻ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ሓገዝ ክራይ ገዛ (bostadsbidrag) ይበሃል። ቈልዑ ዘለዉኻ፡ ሓገዝ ክራይ ገዛ ንኽወሃበካ ከተመልክት መሰል ኣለካ። ሓገዝ ክወሃበካ እንተ ኾይኑን፡ እንተ ተፈቒዱካ ክንደይ ከም ትወሃብን ዝውስኖ፡ ብዝሒ ስድራ ቤትካ እዩ። ከምኡ’ውን ክራይ ገዛ ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ምዃኑን ክንደይ ገንዘብ ከም ተእትዉን እውን ይውስኖ እዩ። ዕድሜኻ ካብ 18 ክሳዕ 28 ዓመት ዝኾንካ እውን ሓገዝ ክራይ ገዛ ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ገለ ነገር እንተ ተቐይሩ ንኣብነት ሓድሽ ስራሕ እንተ ረኺብካ፡ ዝለዓለ ደሞዝ እንተ ረኺብካ ወይ ምስ ሓደ ሰብ እንተ ክትነብር እንተ ተጠርኒፍካ ንቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክትሕብሮም ኣገዳሲ እዩ። እንተ ዘይኰይኑ ነቲ ዝወሰድካዮ ገንዘብ ክትመልሶ ክትግደድ ኢኻ።

ንዓኻ ወላዲ ዝኾንካ ወይ ወላዲ ንእትኸውን ዝወሃብ ቍጠባዊ ደግፍ ኣሎ።

  • ነፍሰ ጾር እንተ ዄንኪን ስራሕካ ከቢድ እንተ ዀይኑን ስራሕካ ኽትቅይሪ ዘይትኽእሊ ዄንክን ናይ ነፍሰ ጾር መተካእታ ደሞዝ ክወሃበኪ መሰል ኣለኪ።
  • ቈልዓ እንተ ወሊድካ መተካእታ ደሞዝ ወለድን ደሞዝ ምእላይ ዝሓመመ ቈልዓን ክትረክብ መሰል ኣለካ።

መተካእታ ደሞዝ ወለዲ፡ ኣብ ክንዲ ንስራሕ ትወፍር፡ ስራሕ ትደሊ ወይ ትምሃር ምስ ውላድካ ኣብ ገዛኻ ንኽትከውን ዝኽፈለካ ገንዘብ እዩ።

  • ደሞዝ ምእላይ ዝሓመመ ቈልዓ፡ ንዝሓመመ ቈልዓ ንኽቋሊ ካብ ስራሕካ ከተብኩር ከለኻ ክኽፈለካ ይኽእል እዩ። እዚ ክንክን ናይ ቈልዓ (vård av barn, vab, ቫብ) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
  • ኵሎም ወለዲ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዑ (barnbidrag) እውን ይወሃቡ እዮም። ካብ ሓደ ቈልዓ ንላዕሊ እንተ ኣልዮምካ ተወሳኺ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዑ ይወሃበካ። እዚ ናይ ብዙሓት ቈልዑ ወሰኽ (flerbarnstillägg) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንስኻን እታ ኻልእ ወላዲትን ናይ ሓባር ናይ ምዕባይ ሓላፍነት (ሞግዚትነት) እንተ ኣልዩኩም ኮይኑ፡ ነቲ ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዑ ትማቐልዎ ኢኹም።
  • ውሉድካ ስንክልና እንተ ኣልይዎ፡ መሰል ናይ ዝተፈላለየ ክፍሊታት ክህልወካ ይኽእል እዩ። ስንክልና ዘለዎ ቈልዓ ዘለዎም ወለዲ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንቍጠባዊ ሓገዝ ክንክንን (omvårdnadsbidrag)፡ ንተወሳኺ ወጻኢታት ክፍሊትን (merkostnadsersättning) ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።

ሓሚምካ ክትሰርሕን ስራሕ ክትደልን ወይ ንውሉድካ ክትከናኸኖ እንተ ዘይክኢልካ ክፍሊት ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ይበሃል። እቲ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ንኣብነት ትሰርሕ እንተ ኔርካ ኴንካ፡ ስራሕ ትደሊ ኔርካ ወይ ውላድካ ትከናኸን ኔርካ እትረኽቦ ዝነበርካ ገንዘብ ክትክኦ ኣለዎ። ንስኻ መተካእታ ደሞዝ ሕማም ክትወስድ ትደሊ ዘለኻ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ሕማም ክትሕብርን ንመተካእታ ደሞዝ ሕማም ከተመልክትን ኣለካ። ናይ ትምህርቲ ደገፍ እንዳ ወሰድካ ትምሃር ዘለኻ፡ ሓሚምካ ኣብ ዘለካሉ እዋን ነቲ ናይ ትምህርቲ ደገፍካ ክትዕቅቦ ንኽትክእል ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ንመተካእታ ደሞዝ ሕማም ዝምልከቱ ሕግታት፣ ስራሕ ኣልቦ፡ ስራሕ ተቖጺርካ ዘለኻ፡ ናይ ባዕልኻ ትካል ዘለካ፡ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ዝወሰድካ ወይ ተመሃራይ እንተ ዄንካ ተመርኵሶም ዝተፈላለዩ እዮም።

ንመተካእታ ደሞዝ ሕማም ከተመልክት ከለኻ ስለምንታይ ክትሰርሕ፡ ስራሕ ክትደሊ ወይ ውላድካ ክትከናኸን ከም ዘይትኽእል ዘርኢ ናይ ሓኪም ወረቐት ምስኽር ከተእቱ ኣለካ። ድሕሪ ናብ ሓኪም ምብጻሕካ እቲ ሓኪም ነቲ ናትካ ወረቐት ምስክር ሓኪም ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክሰዶ ልሙድ እዩ ። ንሓኪምካ ኵሉ ግዜ ብኸመይ ከም ዝግበር ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ።

ጡረታ ምስ ሸምገልካን ስራሕ ኣቋረጽካን እትረኽቦ ገንዘብ እዩ። ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝሰርሑን ዝነብሩን ሰባት ናይ ጥሮታ መሰል ኣለዎም። ክንደይ ዝኣክል ጡረታ ከም ዝወሃበካ ይፈላለ እዩ። እዚ ካልእ ገዲፍካ ኣብ ክትሰርሕ ከለኻ እትኸፍሎ መጠን ብዝሒ ደሞዝን ንኽንደይ ዓመት ከም እትሰርሕን ዝተሞርኰሰ እዩ። ንነፍስ ወከፍ እትሰርሓላ ዓመት፡ ዝለዓለ ጡረታ ኢኻ ትረክብ።

ብዓል መዚ ጥሮታ ሓደ መንግስታዊ ብዓል መዚ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግቡእ ጥሮታ ከም ዝረክብ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎም። እተፈላለየ ዓይነት ጥሮታ ኣሎ። ካብ ብዓል መዚ ጥሮታ እቶታዊ ጥሮታ (inkomstpension) ፡ክፍሊታዊ ጥሮታን(premiepension) ውሕስነታዊ ጥሮታ (garantipension) ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ስንክልና እንተ'ለካ ኾይኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ቍጠባዊ ሓገዝ ክወሃበካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ገንዘብ ክወሃበካ ይክእል እዩ፦

  • መዓልታዊ ሂወትካ ንኽትመርሕ ውልቃዊ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ
  • ክትሰርሕ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ
  • ክትሰርሕ ንኽትክእል ናውቲ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ
  • ትምህርትኻ ክትቅጽል ትደሊ እንተ ኾንካ
  • ትሰማምዓካ ማኪና ተድልየካ እንተ ኾይና

ንዓኻ ስራሕ ትደሊ ዘለኻ ዝወሃብ ክፍሊት

ከምኡ’ውን ስራሕ ክትደሊ ከለኻ ክወሃበካ ዝኽእል ዝተፈላለየ ክፍሊታት ኣሎ።

ክፍሊት መትከል እግሪ

ክፍሊት መትከል እግሪ ኣብ ናይ እግሪ መትከሊ መደብ ክትሳተፍ ከለኻ ክኽፈለካ ዝኽእል ገንዘብ እዩ። ኣብቲ ናይ መትከል እግሪ መደብ ምስ ተመዝገብካ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይ እግሪ መትከሊ ክፍሊት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ ካሳ ውሕስነት መርበብ ሓበሬታ ከተመልክት ዝቐለለ እዩ።

ናይ ጥፈታት ደገፍን ናይ ምዕባለ ክፍሊትን

ንስኻ ስራሕ ኣልቦ ዝኾንካን ኣብ ሓደ ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ መደብ ትካፈል ዘለካን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝወሃበካ ክፍሊት ናይ ንጥፈታት ደገፍ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ እዩ ኣብ ሓደ መደብ ቦታ ክትረክብ ትኽእል እንተ ዄንካ ዝምርምር።

ኣ-ካሳ

ካሳ ስራሕ ኣልቦነት መብዛሕትኡ ግዜ ከም ኣ-ካሳ ይሓጽር እዩ። ኣባል ናይ ሓደ ኣ-ካሳ እንተ ዄንካ፡ ከም ስራሕ ኣልቦ መጠን ሓደ ሓድሽ ስራሕ ኣብ ትደልየሉ እዋን ገንዘብ ክትክፈል ትኽእል ኢኻ። ኣባል ክትኮነለን ትኽእል ብዙሓት ዝተፈላለያ ኣ-ካሳ ኣለዋ። ገሊካን ኣ-ካሳ ብሓደ ውሱን ናይ ሞያ ጕጅለ ፍሉይ ክእለት ዘጥረያ እየን። ካልኦት ኣ-ካሳ ኣበየናይ ጨንፈር ስራሕ ከም ትሰርሕ ብዘየገድስ ኣባለን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣባል ናይ ሓደ ኣ-ካሳ ንምዃን ኣብ ሽወደን ዝሰራሕካ ክትከውን ኣለካ። ካብ ኣ-ካሳ መሰል ናይ ገንዘብ ምውሃብ ክህልወካ እንየ ኾይኑ ሓደ ሓደ ኵነት ከተማልእ ኣለካ። ኣብ ምሉእ እቲ ኣ-ካሳ ተመልክተሉ እዋን እውን እተወሰነ ጠለባት ከተማልእ ኣለካ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ሰብ ከመይ ጌይሩ ቝጠባዊ ደገፍን ሓገዝን የመልክት?

ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክወሃበካ መሰል ክህልወካ ዝክእል እተፈላለየ ዓይነት ቍጠባዊ ደገፍ ኣሎ። ገሊኡ ቍጠባዊ ደገፍ ሓፈሻዊ ስለ ዝዀነ ንዅሉ ሰብ ብማዕረ ይኽፈል፣ ንኣብነት ቍጠባዊ ሓገዝ ቈልዑ።

ንኻልት ቍጠባዊ ደገፋት ከተመልክት ኣለካ። ድሕሪኡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት መሰል ናይቲ ክፍሊት ንምርካብ እቲ ዝሕተት ተማልእ እንተ ዄንካ ይግምግም።

ቍጠባዊ ደገፍ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት መርበብ ሓበሬታ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ንኸተመልክት፡ ናይ ግድን ኤ-መንነት (e-legitimation) ክህልወካ ኣለዎ። ኤ-መንነት እንተ ዘይብልካ ኾይኑ ናይ ወረቐት ቅጥዒ ኣሎ፣ ኣብ ገሊኡ ጕዳያት ነቲ ናይ ወረቐት ቅጥዒ ንምእዛ ናብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ምድዋል የድልየካ እዩ። ኣብ ካልእ ጕዳያት ነቲ ናይ ወረቐት ቅጥዒ ካብቲ መርበብ ሓበሬታ ክትሓትሞ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ምምልካት ሃገዝ እንተ ደሊኻ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ንቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነትን ካልኦ ብዓል መዝታትን ኣብ ዝለዓል ሕቶታት ክሕግዙካ ይኽእሉ እዮም።

ሽወደንኛ ምርዳእ ዘጸግመካ እንተ ኾይኑ ምስ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነትን ካልኦት ብዓል መዝታትን ክትራኸብ ከለኻ ኣስተርጓሚ ክግበረልካ ክትሓትት መሰል ኣለካ።

ብዙሓት ነገራት ነቲ ናይ ክፍሊት መሰልካ ክጸልውዎ ይኽእሉ እዮም። ስለ’ዚ ኣታዊኻ ወይ ኵነታት መንበሪኻ እንተ ተቐዪሩ ንቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ናይ ግድን ክትሕብሮም ኣለካ። ንኣብነት ኣታዊኻ ወይ ክራይ ገዛኻ እንተ ተቐዪሩ፡ ሓደ ሰብ ምሳኻ እንተ ኣትዩ ወይ እንተ ተመርዒኻ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ግቡእ ቍጠባዊ ደገፍ ምእንቲ ክህበካ ኣገዳሲ እዩ። መሰይ ዘይብልካ ገንዘብ እንተ ተዋሂብካ ንቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ተመሊስካ ክትከፍሎም ትግደድ ኢኻ።

በቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ዝወሃበካ ውሳነ ዕጉብ እንተ ዘይኴንካ

በቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ዝወሃበካ ውሳነ ዕጉብ እንተ ዘይኴንካ፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ነቲ ውሳነ ዳግማይ ክርእይዎ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ንርእይቶኻ ኣብ ግምት ኣእትዮም ነቲ ጕዳይካ ሓድሽ መርመራ ይገብርሉ ማለት እዩ። ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ምናልባት ሓድሽ ሰነድ እንተ ኣሎ ኾይኑን ንዅሉ ኣብቲ ጕዳይ ኣቐዲሙ ዝነበረን ይርእይዎ።

በቲ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ዳግማይ ርእዮም ዝወሰንዎ ውሳነ ዕጉብ እንተ ዘይኴንካ፡ ናብ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት መርበብ ሓበሬታ ከመይ ጌርካ ዳግመ ምርኣይ ናይ ሓደ ውሳነ ከም ትሓትትን ናብ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ይግባይ ትብልን ሓበሬታ ኣሎ።

ኮምዩንካ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይሰርሕ

ኮሙናት ናይ መብዛሕትኡ ኣብቲ እትነብረሉ ሰፈር ዘሎ ኣገልግሎት ሓላፍነት ኣለወን። ኣብ ቤትካ ኣብ ቡምባ ማይ ከም ዝመጽእን ንቘልዑ ዝኸውን ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘሎን ዘረጋግጽ እቲ ኮሙን እዩ። እቲ ኮሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ሕሙማትን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ነብሶም ክኣልዩ ኣብ ዘይክእልሉ እዋን ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ እውን የረጋግጽ እዩ።

ኵሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ፡ ኣብ ሓንቲ ኮሙን ይነብር። ኣብ ሽወደን እተን ኮሙናት ተቐማጦ ነቲ ኮሙን ክንደይ ግብሪ ከም ዝኸፍሉን እቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ምዓላ ከም ዝውዕልን ባዕለን ይውስና። ኮሙናላዊ ርእሰ-ምምሕዳር ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ብዛዕባ ገለ ካብቲ ኮሙናት ሓላፍነት ዘለወን መዳያት ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፦

ክንክን ቆልዑ፡ ነቲ ናብ ቆልዑ ዝዓለመ ትምህርታዊ ንጥፈታት ዝሽፍን ስም እዩ። ክንክን ቈልዑ፡ ቆልዑ ዝእለዩሉ፡ ንኣብነት ከም ቤት ትምህርቲ ህጻናትን ማእከል ትርፊ ግዜን (fritidshem) ዝኣመሰለ የጠቓልል።

ትምሃር፡ ትሰርሕ ወይ ስራሕ እተናዲ እንተ ዄንካ: ንውላድካ፡ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ መውዓሊ ህጻናት ክትገድፎ መሰል ኣሎካ። መውዓሊ ህጻናት፡ ካብ 1-5 ንዝዕድሚኦም ህጻናት'ዩ ዝምልከት።

ኣብ ኵለን ኮሙናት ኣብ መንጎ ሽዱሽተን 16ን ክሊ ዕድመ ንዘለዉ ቈልዑ ዝከውን ኮሙናላዊ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣሎ። ብግብሪ ዝምወላ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርትን ምሉእ ብምሉእ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርትን እውን ኣለዋ። ኣብ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ እንተ ትኸይድ ዄንካ ክፍሊት ትከፍል ኢኻ። እተን ኮሙናላውያን ብግብሪ ዝምወላ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርትን ብግብሪ ብዝኣታዊ ገንዘብ ዝምወላ።

ዕድመ ዝደፍአ ሰብ፡ ኣብ ማዓልታዊ ህይወቱ ሓገዝ የድልዮ። ብመሰረት ሕጊ ሽወደን፡ ዝኣረገ ሰብ፡ ካብቲ ሕብረተሰብ፡ ሓገዝን ደገፍን ክግበረሉ መሰል ኣሎዎ።

ብዙሓት ኣረጋውያን ኣብ ቤቶም ምቕማጥ ክቕጽሉ እዮም ዝደልዩ። ኣብ ቤትካ ምእንቲ ምቕማጥ ክትቅጽል እቲ ዝቕመጥሉ ኮሙን ኣብ ምክንኻንን ኣገልግሎትን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ዘቤታዊ ኣገልግሎት (hemtjänst) ይበሃል። ዘቤታዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ኣብ ኮሙንካ ኢኻ ተመልክት። ናይ ዘቤታዊ ኣገልግሎት ክፍሊት ኣብየናይ ኮሙን ከም ትቕመጥ ተመርኵሱ ይፈላለ እዩ። ከምኡ’ውን ናውቲ ሓገዝን ኣብ ቤትካ ምቕማጥ ንኽትቅጽል ዝቐለለ ዝገብሩልካ ካልኦት ነገራትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንኣብነት ሩላቱር፡ ዝዓበየ ናይ ነብሲ መሕጸቢብ ክፍሊ ወይ ታሕት ዝበለ ድርኵዂት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ብውልቂ ክትነብር ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ መንበሪ ገዛ ንኣረጋውያን (äldreboenden) ኣሎ። እዚ መንበሪ ገዛ ኣረጋውያን'ዚ፡ ክንክንን ኣገልግሎትን ዝረኽቡሉ ገዛ‘ዩ። ኣብተን ኮምዩናት፡ ዝተፈላለየ ናይ ኣረጋውያን ናይ ብሕቶም መንበሪ ኣባይቲ ኣለዉ። ኣብኡ፡ ናይ ክንክን፡ መግብን ጽርየትን ኣገልግሎት ዝህቡ ሰራሕተኛታት ኣለዉ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኮሙን ኵሉ ሰብ ዘድልዮ ደገፍን ውሕስነትንን ንኽረክብ ሓላፍነት ዘለዎ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣሎ። እዚ ሓልዮት፡ ክንክንን ኣገልግሎትን፡ ሓበሬታ፡ ቍጠባዊ ሓገዝን ካልእ ሓገዝን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንከም ቈልዑን ስድራ ቤታትን ዝኣመሰሉ ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ሰባት እተፈላለየ ዓይነት ሓገዝን ደገፍን ንምሃብ ይሰርሕ።

እኹል ገንዘብ ዘይብለን ስድራ ቤታት ክዀና ይኽእላ እየን። መንበሪ ዘይብሎም፡ ናይ ወልፊ ጸገም ዘለዎም፡ ወይ ንምፍርራሕንን ዓመጽን እተቓልዑ ሰባት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝወሃብ ሓገዝ፣ ዝርርብ፡ ትምህርቲ ንወለዲ፡ ናይ ርክብ ሰባት (kontaktpersoner) ንመንእሰያት ወይ ንብምሉኦም ኣባላት ስድራ ቤት ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ናይ ርክብ ሰብ (kontaktperson)፡ ከተዘራርቦ ወይ ምስኡ ኴንካ ደስ ዝብል ነገራት ትገብር ከም ሓደ ተወሳኺ ዓርኪ ወይ ዘመድ እዩ።

ሓደ ሰብ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ሓደ ቈልዓ ኣብ ቤቱ ጽቡቕ ከም ዘየለ እንተ ሓቢሩ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ቈልዓ ከመይ ከም ዘሎ ናይ ግድን ክምርምሮ ኣለዎ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትረኽቦም እትኽእል ኣገልግሎታት፦

  • ምኽርን ሓገዝን፡ ንመንእሰያትን ንስድራቤታት ቆልዑን።
  • ሕማቕ ኣታሕዛ ወይ ምግፋዕ ዘጋጥመካ እንተኾይኑ፡ ምኽርን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
  • ምኽርን ሓገዝን ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን።
  • ቊጠባዊ ደገፍ።
  • ምኽርን ሓገዝን ንዓመጽ ተቓሊዕካ እንተ ኣለኻ ዄንካ።
  • ሓገዝ ንኣረጋውያን፡ ንኣብነት ዘቤታዊ ኣገልግሎት።
  • ኤል. ኤስ. ኤስ (ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገሊኦም ስንኩላን) ንምምልካት ሓገዝ።

ምኽርን ሓገዝን ንግዳያት ዓመጽ

ኮሙን ነቶም ግዳያት ዓመጽ ዝኾኑ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ፡ ንኣብነት ቀረብ ናይ ሓደ ስቱር መንበሪ (skyddat boende) ክኸውን ይኽእል እዩ። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘቤታዊ ዓመጽን ምስ ክብሪ እተተሓሓዘ ዓመጽን ጭቈናን ኣብ ዘለዎ ህይወት ንዝነብሩ ቘልዑ፡ ኣንስትን ሰብኡትን ሓገዝን ደገፍን ይህቦም ኢዩ።

እቲ ኮሙን ብድልየት ናይ ነፍስ ወከፍ ውልቀ ሰብ ነቲ ሓገዝ የሰማምዖ። ምኽሪ ኣብ ምርካብ፡ ናይ ቅልውላው ዝርርብ፡ ስቱር መንበሪ፡ ናይ ዝርርብ ርክብ፡ ቍጠባዊ ሓገዝ፡ ደገፍ ኣብ መስርሕ ዳንነት፡ ደገፍ ምስ ሰብ መዚ ኣብ ዝግበር ርክብ፡ ወይ ደገፍ ኣብ ናይ ወላዲ ግደ እውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኤል. ኤስ. ኤስ፡ ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገሊኦም ስንኩላን

ኤል. ኤስ. ኤስ ሓደ ሕጊ እዩ። ኣሕጽሮት ቃል ኤል. ኤስ. ኤስ፦ ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገሊኦም ስንኩላን ማለት እዩ።

እቲ ሕጊ፡ ከቢድ ስንክልና እንተ ኣልዩካ ኾይኑ ብእተኻእለካ መጠን ጽቡቕን ነብስኻ ክኢልካ ትነብረሉን ህይወት ምእንቲ ክትነብር ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት መሰል ኣሎካ ይብል። እቲ መሰል ንጽቡቕን ነብስኻ ክኢልካ ትነብረሉን ህይወት፡ ንኣብነት ንኽትሰርሕ፡ ክትምሃር ወይ ትርጕም ዘለዎ ካልእ ስራሕ ንኽህልወካ ተኽእሎ ክህልወካ ዘጠቓለለ እዩ።

መን ንኤል. ኤስ. ኤስ ከመልክት ይኽእል?

  • ስንክልና ኣእምሮኣዊ ዘለዎም ሰባትን ኣውቲዝም ወይ ከም ኣውቲዝም ዝኣመሰለ ዅነታት ዘለዎም ሰባትን።
  • ሓደጋ ወይ ሕማም ምስ ኣጋጠሞም ከቢድ ናይ ሓንጐል ጕድኣት ዝወረዶም ዓበይቲ ሰባት።
  • ካልኦት ከቢድ ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ጽቡቕ ህይወት ንምንባር ብዙሕ ደገፍ ዘድልዮም ሰባትን። እቶም ሰባት ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ እቲ ስንኩላን ክህልዎም የብሉን።

ኤል. ኤስ. ኤስ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ዘሎ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ዘለዎ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኮሙን እዩ። እቲ ኮሙን መን ናይ ደገፍ ጻዕርታት ክረክቡ ከም ዝኾኑ ክከታተል፡ ዘድሊ ደገፍን ኣገልግሎትን ክፈልጥን ብዝተኻእለካ መጠን ዘድልየካ ብዝሒ ደገፍን ኣገልግሎትን ክቕርበልካ ኣለዎ።

ኤል. ኤስ. ኤስ ደገፍን ኣገልግሎትን ንምሃብ እተፈላለየ ዓይነት ሓገዝ ዝሓዘ እዩ ። ካብ ብዙሕ ውሑድ ነዚ ደገፍ ናይዚ ዝስዕብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦

  • ምኽርን ካልእ ውልቃዊ ደገፍን።
  • ውልቃዊ ሓገዝ (Personlig assistans) ወይ ንኸምኡ ዓይነት ሓገዝ ዝኸውን ቍጠባዊ ሓገዝ።
  • ኣገልግሎት መሰነይታ።
  • ናይ ርክብ ሰብ (Kontaktperson)።

እዚ ደገፍ ካብ ኮሙንካ፡ ዞባኻ ወይ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት ክወሃብ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ኤል. ኤስ. ኤስ ሓበሬታ ንምርካብን መምርሒ ንምርካብን ምስ ኮሙንካ ተራኸብ።

ቊጠባዊ ደገፍ

ቊጠባዊ ደገፍ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ እትነብሩሉ ከተማ ኬድኩም እትሓቱዎ ሓገዝ'ዩ። ነዚ ደገፍ'ዚ እትሓቱ፡ ነብስኹም ናይ ምኽኣል ጸገም ምስ ዝህልወኩም እዩ። እዚ ኸኣ፡ "ሓገዝ መናበሪ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንኻልእ ጎድንኣዊ ወጻኢታት ንምሽፋን ዘኽእለኩም ገንዘባዊ ደገፍ'ውን ክውሃበኩም ይኽእል እዩ። ገለ ካብዚ ወጻኢታት ንኣብነት፡ ወጻኢታት ክንክን ህጻናት፡ ሕክምና፡ መድሃኒታትን ክንክን ስንን ክጥቀስ ይክኣል።

ኣታዊኻ ወይ ኵነታት መንበሪኻ እንተ ተቐዪሩ ንኣብነት ሓድሽ ስራሕ እንተ ጀሚርካ ወይ ዝለዓለ ኣታዊ እንተ ረኺብካ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትሕብሮም ኣገዳሲ እዩ። ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ምሕባር እንተ ረሲዕካዮ፡ ብዙሕ ገንዘብ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ሽዑ ነቲ ዝወሰድካዮ ገንዘብ ክትመልሶ ክትግደድ ኢኻ።

ኣገልግሎት መጓዓዝያ

በይንኻ ወይ ብስሩዕ ህዝባዊ መጓዓዝያ (ኣውቶቡሳት፡ ባቡራት፡ ቱነልባና፡ ወይ ስፖርቫግን) ክትጐዓዝ ዘጸግመካ እንተ ኾይኑ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ብታክሲ ወይ ብንእሽተይ ኣውቶቡስ ክትጐዓዝ ትኽእል ኢኻ። ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንምርካብ ብኸመይ ከም እተመልክት ንምፍላጥ ምስ ኮሙንካ ተራኸብ።