ትምህርቲ ንዓበይቲ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 25 1 2024

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ትምህርቲ ንኣባጽሕ እዩ። ኣብ ሽወደን ምስ ዓበኻ ምምሃር ልሙድ እዩ። ብዙሓት ሰባት ሓደ ሞያ ከጥርዩ ስለ ዝደልዩ ይምሃሩ። ካልኦት ኣብ ሞያኦም ክምዕብሉ ስለ ዝደልዩ ይምሃሩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ሓድሽ ነገራት ምምሃር መሳጥን ዘሐጕስን ስለ ዝኾነ ይምሃሩ።

ኣብዚ ጽሑፍ ኣብ ሽወደን ከም በጽሒ መጠን ንኽትምሃር ኣየኖት ዕድላት ከም ዘለዉ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ናይ ምምሃር መሰል ኣለዎ። መባእታዊ ትምህርቲ ግዴታውን ብናጻን ክኸውን ኣለዎ። ሞያዊ ትምህርትን ተክኒካዊ ትምህርትን ኵሉ ሰብ ዝረኽቦ ክኸውን ኣለዎ። ከም ኮለጅን ዩኒቨርሲቲን ዝኣመሰለ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንዅሉ ሰብ ክፉት ክኸውን ኣለዎ።

ሽወደን ማሕበረ ሰብ ፍልጠት እያ። ትምህርቲ መሰል ጥራይ ዘይኮነ መብዛሕትኡ ግዜ ስራሕ ንምርካብ ዕድላትካ ንምዝያድ ግዴታ እውን እዩ።

ትምህርቲ ምምራጽ

ክትምሃር እንተ ደሊኻ እንታይ ክትማሃር ከም ትደሊን ቅድሚ ሕጂ ተማሂርካ እንተ ኔርካን ኣየናይ ኣገባብ ኣመሃህራ ንዓኻ ከም ዝሰማማዕን ዝውስኖ ካብ መንጎ ብዙሕ ትምህርትታት ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

ኵሎም ዝምሃሩ ሰባት ማዕረ ትምህርቲ ናይ ምርካብን ከከም ዓቕሞም ናይ ምምዕባልን መሰል ኣለዎም። ንኣብነት ስንክልና እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ብልክዕ ኵነት ከምቶም ካልኦት ተመሃሮ ነቲ ትምህርቲ ክትካፈሎ ንኽትክእል ዘድልየካ ናውቲ ሓገዝ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ኵሎም ተመሃሮ እተፈላለየ ድሌት ስለ ዘለዎም ኣብ ትምህርቶም ንኽዕወቱ እተፈላለየ ደገፍ የድልዮም ይኸውን።

ጾታ ብዘየገድስ ኵሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድል ክህልዎ ኣለዎ። ይኹን እምበር ኣብ ሕብረተ ሰብ ነቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝደልይኦ ትምህርቲ ዝጸሉ መዐቀኒታት ኣሎ። ንኣብነት ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ኣብ ክንክን ጥዕና፡ ቤት ትምህርትን ሓልዮትን ንምስራሕ ዝምሃራ ደቂ ኣንስትዮ ይበዝሓ። ደቂ ተባዕትዮ ዝበዝሓ ግዜ ናይ ተክኒክንን ሕሳብን ትምህርቲ ይምሃሩ።

ኣብታ ቅድሚ ሕጂ ትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት በጽሕታት እንታይ ናይ ትምህርታዊ ዕድላት ኣለዎም?

ብዙሓት ዝተፈላለዩ ንዓብይቲ ዝኾኑ ትምህርትታት ኣሎዉ

ናይዞም ዝስዕቡ ትምህርታት ኣሎዉ፡

  • ብደረጃ መባእታዊ
  • ብደረጃ ካልኣይ ደረጃ
  • ብደረጃ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ

እንታይ ከም ትመሃር ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ምስ ሓደ ሓባሪ ትምህርትን ሞያን (studie- och yrkesvägledare) ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ካብኦም ንትምህርታውን ሞያውን ሸቶታትካ ንምውሳን ዘድልዩ ሓገዛትን ሓበሬታታትን ክትርክብ ትኽእል ኢኻ። ናይ ትምህርትን ሞያን ሓበሬታ፡ ኣብ’ቲ ትነብረሉ ኮሙን ኣባጽሕ ዝመሃሩሉ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣብነት ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ(ኮንቩክስ)፡ ኮለጃትን ዩኒቨርሲቲታትን ክህሉ ዝውቱር እዩ። ብዝያዳ ንምፍላጥ ምስ ኮሙንካ ርክብ ግበር።

ካብ ናይ ትምህርትን ሞያን ሓበርቲ ናይ’ዚ ዝስዕብ ሓገዝ እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦

  • ናይ ትምህርኻ ወረቐት ምስክር ክትእዝዝ
  • ናይ ዝተፈላለየ ትምህርትታትን ኮርሳት ቦታ ንምርካብ ከተመልክት
  • ሓበሬታ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ትምህርቲ ወይ ኮርስ ክትኣቱ እንታይ ከም ዘድልየካ
  • ካልእ ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርትን ዕዳጋ ስራሕን

ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ወይ ካልኣይ ደርጃ ቤት ትምህርቲ ንምምሃር ልዕሊ ዕድመ እንተ ዄንካ ኣብ ክንድኡ ኣብ ኮሙናላዊ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ወይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ብደረጃ መባእታ ነቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ መባእታ ዝምሃሩ ዓይነት ትምህርትታት ዝዳረጉ ዓይነት ትምህርትታት ትምሃር። ብደረጃ ካልኣይ ደረጃ ነቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደርጃ ዘሎዉ ትምህርትታት ዝዳረግ ትምሃር።

ኮሙናላዊ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ መብዛሕትኡ ግዜ ኮምቩክስ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።

ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማርካ ምእንቲ እቲ ትምህርቲ ኣብ ቕኑዕ ደረጃ ክጅምር ፍልጠትካ ይግምገ እዩ። ኣብ ኮምቩክስ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኮርሳት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ናይ ምሉእ ግዜ ወይ ናይ ክፍለ-ግዜ ትምህርቲ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኮምቩክስ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት፡ ኤስኤፍኢ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህበካ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ሽወደንኛ ክትመሃር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኣብ እዚ ሕብረተሰብ ቀልጢፍካ እግሪ ክትተክል ንኽትክእል ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ናትካ ኮሙን ናይ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት ዕድል ክህበካ እዩ። እዚ ኤስኤፍኢ ይብሃል። ነዚ ዝስዕብ ተማልእ እንተ ኾንካ ትምህርቲ ናይ ኤስኤፍኢ ክትምሃር መሰል ኣሎካ፡

  • 16 ዓመት ዝመላእካ ኢኻ።
  • ኣብ ናይ ሽወደንኛ ቋንቋ መባእታዊ ፍልጠት የብልካን።
  • ኣብ ሓደ ኮሙን ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊብካ ኢኻ ወይ ክትምዝገብ ኢኻ።

ኤስኤፍኢ ንዓኻ መባእታዊ ፍልጠት ኣብ ሽወደንኛ ዘድልየካ እዩ። ኣብ መዓልታዊ ሂወትካ፡ ማሕበረሰብኣዊ ሂወትካን ናይ ስራሕ ሂወትካን ሽወደንኛ ክትዛረብን ክትጽሕፍን ንኽትክእል ሽወደንኛ ትምሃር።

እቲ ትምህርቲ ብናጻ እዩ። ብምሉእ ግዜ፡ ብኽፋል ግዜ ወይ ምስ ልምምድ፡ ልልይ ሂወት ስራሕ፡ ምርግጋጽ ብቕዓት ወይ ምስ ካልእ ትምህርቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣተሓሒዝካ ክትምሃሮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈፈላለየ ደረጃ ይፍጸምን ሓደ ደረጃ ምስ ሓለፍካ ናብ ቀጻሊ ደረጃ ክትቅጽል ትኽእልን። ኤስኤፍኢ ኣብቲ ዓመት ኣብ ዝኾነ እዋን ክትጅምር ትኽእል። ሓደ ውልቃዊ ናይ ትምህርቲ መደብ ክትስዕብ ኢኻ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ኤስኤፍኢ ምስ ናትካ ኮሙን ርክብ ግበር። ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ምዝጉብን ኣብ መደብ መትከል እግሪ ትሳተፍን እንተ ዄንካ ነቲ ተሓዝ ጕዳይካ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ክትራኸቦ ትኽእል ኢኻ።

ኮምቩክስ ከም ፍሉይ ትምህርቲ ንዓኻ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለካ ወይ ናይ ሓንጐል ጕድኣት ዘጋጠመካ ሰብ እዩ።

ኣብ ኮምቩክስ ከም ፍሉይ ትምህርቲ ነዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል፦

  • መባእታዊ ወይ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክትምሃር፡
  • ካብ መንጎ ዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ ክትመርጽ፡
  • ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት ክትምሃር፡
  • ናብ ሞያ ዘተኮረ ትምህርቲ ተምሃር
  • ምስ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝዳረግ ክትምረቐሉ ትኽእል ትምህርቲ ተምሃር
  • ናይ ቀደም ትምህርትኻ ብቕዓቱ ኣረጋግጽ

ናይ ሽወደን ዘይኮነ ናይ ካልእ ሃገር ናይ ሓደ ሞያ ትምህርቲ እንተ’ለካ ኾይኑ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ብሓደ ሞያ ሰሪሕካ እንተ ኔርካ ዄንካ፡ መማልእቲ ትምህርቲ ክትምሃር ከድልየካ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ሽወደን ብሓደ ሞያ ንክትሰርሕ ዝጠልቦ ክትምሃሮ ዘለካ ሓደ ትምህርቲ እዩ።

መማልእቲ ትምህርቲ ኣብ ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ኣለዉ። ንኣብነት ናይዞ ዝስዕቡ ትምህርትታት ኣለዉ፡

  • ስነ-ቍጠበኛ
  • መሃንድሳት
  • ኣለይቲ ሕሙማት
  • ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት
  • ክኢላታት ተክኖሎጂ ሓበሬታ
  • ሓኻይም
  • መማህራን

እቶም ትምህርትታት ካብ 1 ክሳብ 2 ዓመት ንውሓት ኣለዎም። እቲ ትምህርቲ ኣብ ትምሃረሉ እዋ ካብ ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ፡ ሲኤስኤን ደገፍ ትምህርቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሞያዊ ትምህርቲ ናይ ሓደ ፍሉይ ሞያ ትምህርቲ እዩ። ሞያዊ ትምህርቲ ኣብ ኮምቩክስ ወይ ኣብ ፍሉይ ትምህርቲ ንኣባጽሕ ክትምሃሮ ትኽእል። ከምኡ'ውን ሞያዊ ትምህርቲ ኣብ ገለ ካብቶም ናይ ሞያ ኮለጃት ክትምሃሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ እዋን ትምህርቲ ምስ ብዙሓት ትካላት ርክብ ክትገብር ኢኻ። ንኣብነት ልምምድ ክትገብር ክትክእል ኢኻ። እዚ ድሕሪ ትምህርቲ ምውዳእካ ስራሕ ንኽትረክብ ዕድልካ የዛይዶ።

ብዛዕባ ሞያዊ ትምህርትታት ሕቶታት እንተ ኣለካ ኾይኑ፡ ምስቲ ኣብ ኮሙንካ ዘሎ ሓባሪ ትምህርትን ሞያን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ትምህርቲ ተልሜደን ኣብ ኮምቩክስ ዘሎ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ እዩ። ትምህርቲ ተልሜደን መባእታዊ ናይ ሞያ ትምህርትን ኣብ ሞያ ዝያዳ ተመክሮ ንምርካብን ክትምሃሮ እትኽእል ትምህርቲ እዩ። መብዛሕትኡ ክፋል ናይቲ ትምህርቲ ተልሜደን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኢኻ ክትከውን። ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ነቲ ሞያ ንኽትመሃሮ ዝሕግዘካ ሓደ ዓላሚ ኣለካ።

ሓደ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንኣባጽሕ ተምሃሮ እዩ። ኣብኡ ናይ መባእታዊ ደረጃን ካልኣይ ደረጃን ትምህርታት ትምህርቲ ትምሃር። ኣብ መብዛሕትኡ ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ትምሃረሉ እዋን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክትቕመጥ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ትምህርትታት ወይ ፍሉይ ትምህርትታት ክትምሃር ትኽእል። ኣብ ክንዲ ትምህርትታት ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ሓደ ሓደ ግዜ እውን ኣብ ክንዲ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲን ሓፈሻዊ ትምህርትታት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ናብ ሓደ ፍሉይ ኣርእስቲ ዝዓለሙ ፍሉያት ትምህርትታት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ሙዚቃ ወይ ስነ-ጥበብ ክትምሃር ትኽእል። ከምኡ'ውን ሓደ ፍሉይ ሞያ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ነፍስ ወከፍ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ መን ከም ዝመሃር ይውስን። እተን ህዝባውያን ቤት ትምህርትታት ናይ ባዕለን ስርዓት ወረቐት ምስክር ኣሎወን። ትምህርትታት ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ዘእቱ መባእታዊ ብቕዓት የውህበካ እዩ። መባእታዊ ብቕዓት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ክትምሃር ንኽትክእል ዘድልይኻ ፍልጠታት ኣሎዉኻ ማለት እዩ።

ሓደ ትምህርቲ ዕዳጋ ስራሕ ናብ ዋሕዲ ብዙሓት ዝተማህሩ ሞያተኛታት ዘሎዎ ስራሕ ዝተኮረ ትምህርቲ እዩ። ኣየኖት ትምህርትታት ከም ዘለዉ እቲ ስራሕ ዕዳጋ ኣብቲ እዋን እቲ ከመይ ከም ዘሎ እዩ ዝጸልዎ።

ሓደ ትምህርቲ ዕዳጋ ስራሕ እንተ ተማሂርካ ብርግጽ ኣይኮነን ሓደ ስራሕ ክትረክብ፡ ግን እቲ ትምህርቲ ብምምሃርካ ሓደ ስራሕ ንኽትረክብ ዕድልካ ይዛይድን ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ብዝያዳ ሰሓቢ ትኸውንን።

ሓደ ኣገባብ ናይ ምምሃር ብርሕቀት ምምሃር እዩ። ብርሕቀት ትምሃር እንተ ዄንካ ናብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ወይ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ንኽትምሃር ኣይትኸይድን ኢኻ። ኣብ ክንድኡ ኣበይ ኴንካ ከም ተጽንዕ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ገዛኻ ወይ ቤት ንባብ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ሓደ ሓደ ትምህርትታት ሰብ ኢንተርኔት ጥራይ ይጥቀም። ካልኦት ትምህርትታት ንኣብነት ኣብ ዓመት ምስ መምህርን ካልኦት ተምሃሮን ትራኸበሉ ገለ ኣጋጣሚታት ኣሎዎም።ኣብ መንጎ እቲ ርክባት ዘሎ ግዜ ብመንገዲ ኢንተርኔት፡ ኢ-መይል ወይ ተለፎን ርክብኩም ትቕጽሉ።

ብዙሃት ዝተፈላለዩ ብርሕቀት ዝወሃቡ ትምህርትታት ኣሎዉ። ሓጸርቲ ኮርሳትን ነዋሕቲ መደባት ትምህርትን ብርሕቀት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ናይ ርሕቀት ትምህርትታት ብምሉእ ግዜ ወይ ብኽፋል ግዜ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቲ እንተ ወዲእካ ዄንካ ኣብ ድሕረ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቲ ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርሲቲ፡ ኮለጅ ወይ ሞያዊ ኮለጅ ምምሃር ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ።

ንስኻ ትምህርትኻ ንኽትቅጽል ትደሊ ዘሎኻ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ንጽል ኮርሳት ወይ ምሉእ መደብ ክትመሃር ዕድል ኣሎካ። ክትመርጾ እትኽእል ብዙሕ ኮርሳትን መደባትን ኣሎ። ግን ኣብኦም ንኽትጅምር ዝተፈላለየ ናይ መእተዊ ጠለባት እዩ ዘሎ። እተን ዝተፈላለያ ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን፡ ዝተፈላለየ መደባትን ኮርሳትን ይቕርባ። ኣየኖት ኮርሳትን ትምህርትታትን ኣበየኖት ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ከም ዝቕረቡን ንነፍስ ወከፍ ኮርስ ወይ ትምህርቲ ኣየኖት ናይ መእተዊ ጠለባት ክማልኡ ከም ዘለዎምን ንምርካብ ነብዞም ዝስዕቡ መርበብ ሓበሬታ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ፦

ብቕዓት ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ንምምሃር

ኣብ ኮለጅ ክትምሃር ንኽትኽእል ገለ ኣቐዲምካ ዘጥረኻዮ ፍልጠት የድልየካ እዩ። ሓደ መባእታዊ ብቕዓት ብመንገዲ ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ኮሙናላዊ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ወይ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ዝረኸብካዮ ምሉእ ወረቐት ምስክር የድልየካ እዩ። ነቲ ተለብ ናይ መባእታዊ ብቕዓት ንኸተማልእ ብተወሳኺ ሓደ ሓደ ፍሉያት ኮርሳት ዝተመሃርካ ክትከውን የድሊ እዩ።

እቶም መብዛሕትኦም ትምህርትታት፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ትምህርትታት ክፈላሊ ዝኽእል፡ ፍሉይ ብቕዓት ይጠልቡ እዮም። እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሓደ ፍሉያት ናይ ካልኣይ ደረጃ ኮርሳት ዝተምሃርካን መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸብካን ማለት እዩ። ግን ጠለብ ናይ ስራሕ ተመኩሮ፡ ምፍታን ናይ ስራሓት ወይ ናይ ኮለጅ ኮርሳት ማለት ክኸውን እውን ይኽእል እዩ።

ኣማልእ

ነቲ ንስኻ ትደልዮ ኮርስ ወይ ትምህርቲ ንኽትምሃር ብቑዕ እንተ ዘይኴንካ፡ ከተማልእ ተኽእሎ ኣሎካ። ኣብ ኮሙናላዊ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ወይ ትምህርትታት ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ጌርካ ከተማልኦ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ትምህርቲ ደረጃታት ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን

ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ኵሎም ኮርሳትን መደባትን ኣብ ሰለስተ ደረጃ ይምቀሉ እዮም። እዞም ደረጃታት፡ መባእታዊ ደረጃ፡ ዝለዓለ ደረጃን ናይ ምርምር ደረጃን እዮም። ኵሎም እቶም ደረጃታት እቲ ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ ደርጃ እዮ መሰረቶም። ንስኻ ንመጀመርታ ግዜኻ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ክትምሃር ዝኾንካ፡ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ኢኻ ትጅምር።

መባእታዊ ደረጃ

ኣብ ሓደ ናይ ቅድሚ ሕጂ ትምህርትታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ዘይሓትት ኮርስ ናይ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ዓውዲ ምምሃር ትጅምር። እቶም ኣዚዮም መብዛሕትኦም ኣብ መባእታዊ ደረጃ ዝወሃቡ መደባት፡ ብምሉእ ግዜ ትምሃር እንተ ዄንካ ናይ ሰለስተ ዓመት እዮም።

ዝለዓለ ደረጃ

ኣብ ሓደ መደብ ብዝለዓለ ደረጃ ክትምሃር ንኽትክእል፡ ናይ ግድን እንተ ወሓደ ብናይ ሰለስተ ዓመት ናይ መባእታ ደረጃ ዲግሪ ወይ ምስኡ ዚመጣጠን ናይ ወጻኢ ሃገር ዲግሪ ወይ ተመጣጣኒ ብቕዓት ክህልወካ ኣሎዎ።

ዝተፈላለየ ናጻ ኮርሳት ኣብ ናይ ዝለዓለ ደረጃ እውን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ኣብ ማባእታ ደረጃ ዝተመሃርካ ክትከውን ይጠልብ እዩ። ዲግሪ ንኽህልወካ ኣይጠልብን እዩ።

ናይ ምርምር ደረጃ

ኣብ ደረጃ ዶክተረይት ክትመሃር እንተ ደሊኻ ናይ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዲግሪ ክህልወካ ኣለዎ። እቲ ናይ ዶክተረይት ትምህርቲ ናይ ክልተ ወይ ኣርባዕተ ዓመት እዩ። ትምህርቲ ምስ ወዳእካ ሊሰንስያት ዲግሪ (ቅድሚ ናይ ዶክተረይት ዲግሪ ዘሎ ደርጃ) ወይ ናይ ዶክተረይት ዲግሪ ኽትረክብ ኢኻ።

ማሕበራት መጽናዕትን ዓንኬላት መጽናዕትን

ክትምሃረሉ ወይ ፍልጠትካ ከተዕብየሉ ትኽእል ካልእ መገድታት እውን ኣሎ። ንኣብነት ብማሕበር መጽናዕቲ ኣቢልካ ብዛዕባ ሓደ ተገዳስነት ዝያዳ ክትመሃር ወይ ሓድሽ መሕለፍ ግዜ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ፈደረሽን ትምህርቲ፡ ነባጽሕ ትምህርቲ ዘዳሉ ውድብ‘ዩ። ክበብ መጽናዕቲ (studiecirkel) ባህላዊ ፕሮግራምን (kulturprogram) ካልእ ትምህርትን ነባጽሕ ዘዳልዋ ሓያለ ፈደረሽናት ትምህርቲ ኣሎዋ። ክበብ መጽናዕቲ፡ ማለት ከም ስነ ጥበብ: ሙዚቃ: ቋንቋን ባህልን ብሓደ ኮይኖም ዘጽንዑ ጒጅለ ሰባት ማለት‘ዩ። ኣበኤፍ (ABF): መድቦርያርስኩላን (Medborgarskolan): ፎልክኡኒቨርሺተት (Folkuniversitetet)፡ ማሕበር መጽናዕቲ ኣባጽሕ(Studieförbundet Vuxenskolan) ዝኣመሰላ፡ ገለ ካብ ፈደረሽናት ትምህርቲ እየን። እዘን ፈደረሽናት ትምህርቲ'ዚኣተን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ኣስታት 300 000 ዝኾና ክበባት መጽናዕቲ የዳልዋ። ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተሳተፍቲ ድማ ኣሎዉወን።

ኣብ ናይ መጽናዕቲ ዓንኬል ወይ ኣብ ካልእ ብማሕበራት መጽናዕቲ እተወደበ ትምህርቲ ምስ ተመሃርካ ኣይትምረቕን ኢኻ። እንተዀነ ግን ሓድሽ ነገር ክትመሃርን ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ክትራኸብን ትኽእል ኢኻ።

ቍጠባዊ ሓገዝን ልቓሕን ካብ ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ (CSN)

ኣብ ሽወደን ክትምሃር መብዛሕትኡ ግዜ ብናጻ እዩ። ኣብ ትምሃረሉ እዋን ወጻኢታትካ ንምሽፋን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቍጠባዊ ሓገዛትን ልቓሓትን ካብ ማእከላይ ኮሚተ ደገፍ ትምህርቲ፡ CSN ምሕታት ትኽእል ኢኻ ።

እቲ ከተመልክተሉ ትኽእል ቍጠባዊ ደገፋትን ልቓሕን፡ ኣብ ዕድሜኻን ኣብ ኣየናይ ደረጃ ትምሃር ከም ዘለካን እዩ ዝምርኰስ ።