ናብ ሽወደን ምምጻእ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።
ባልጃታት ዘለዎም ናብ ሽወደን ገጾም ዝጐዓዙ ዘለዉ ሰባት ዘለዎ ናይ ኤውሮጳ ስእላዊ ካርታ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ናብ ሽወደን ምምጻእ እዩ።

መሰረት ደሞክራሲ ሽወደን እንታይ ምዃኑ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ታሪኽ ሽወደንን እዛ ሃገር ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ብኸመይ ከም ዝማዕበለትን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ታሪኽ ስደት ናይ ሽወደንን ብዛዕባ እቲ ስደት ናብ ሽወደን ዝቈጻጸር ሕግታትን መምርሒታትን እውን እዩ። ብዛዕባ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ዘለዉ መሰላትን ግዴታታትን ከምኡውን ንመዓልታዊ ህይወትካ ብኸመይ ከም ዝጸልውዎ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ናብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ምምጻእ ከመይ ምዃኑን ምስ ሕብረተሰብ ምውህሃድ (integration) ንዓኻ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።