ናብ ሽወደን ምስዳድ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 25 1 2024

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ናብ ሽወደን ምስዳድ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናብ ሽወደን እተገብረ ምስዳድን፡ እዚ ንሽወደን ብኸመይ ከም ዝጸለዋን ከተንብብ ኢኻ።

ባልጃታት ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ሰባት ዘለዎ ስእሊ ናይ ግሎብ።

ብዛዕባ ንኣብነት ከም ስደት ሸቃሎን ስደት ዕቝባን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓይነት ስደት እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ብዛዕባ እቶም ንዓኻ ናብ ሽወደን ዝመጻእካ ዝጸልዉኻ ሕግታትን መምርሒታትን ብዝያዳ ኽትፈልጥ ኢኻ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ፍቓድ ስራሕ፡ ፍቓድ መንበሪን ዜግነት ሽወደንን እውን ከተንብብ ኢኻ።

ኵሉ ሰብ ዕቝባ ክሓትትን ካብ ምስጓግ ዕቝባ ክረክብን መሰል ኣለዎ። ዕቝባ ከሕትተካ ዝኽእል ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ፣ ሓደ ሰብ እንታይ ዓይነት ዕቝባ ከም ዘድልዮ ድማ ይፈላለዩ።

ሽወደን ንውዕል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፈሪማትሉ እያ። እዚ ኵሎም ዕቝባ ዝሓቱ ሕቶኦም ብተመሳሳሊ መገዲ ክርኣየሎም ኣለዎ ማለት እዩ። እቲ ኣወንታዊ መልሲ ዝመጾ ሰብ ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦ፣ ናብ ሃገሩ ንኸይጥረዝ ድማ ዕቝባ ይረክብ።

ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ዓለም ካብ ኣባይቶም ክወጹ ዝግደዱ ሰባት እንዳ ወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ 2020 ልዕሊ 80 ሚልዮን ሰባት ነይሩ። እዚ ሓደ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም እዩ።

ሓጺር ታሪኽ ብዛዕባ ስደት ናብ ሽወደን

ኣብ ካልኣይ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ሽወደን ብዙሓት ስድራ ቤታት ድኻታት እየን ነይረን። ብዙሓት ሓረስቶት እዮም ነይሮም፡ እቲ ቘራሪ ወርሓት ሓጋይ ከኣ ሓደሓደ ግዜ ነዊሕን ዛሕልን እዩ ነይሩ። እኹል ምግቢ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ 1.5 ሚልዮን ሽወደናውያን ካብ ሽወደን ግዒዞም። ብዙሓት ኣብ ኣመሪካ ዝሓሸ ህይወት ክነብሩ እዮም ዝሓልሙ ነይሮም፡ ብመርከብ ድማ ንኣትላንቲክ ሰጊሮም ተጓዒዞም። ኣብቲ ግዜ እቲ ሽወደን ስደተኛታት ካብኣ ዝስደዱላ ሃገር እያ ነይራ።

ብኣንጻሩ ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብመርከብ መዲተራነያን ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳን ሽወደንን ክመጹ ይሓልሙ ኣለዉ። ካብ ሽወደን ካብ ዝግዕዙ ንላዕሊ ናብ ሽወደን ዝገዓዙ ሰባት ይበዝሑ። ኣብዚ ግዜ እዚ ሽወደን ስደተኛታት ናብኣ ዝስደዱላ ሃገር እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ስደት ናብ ሽወደን እተፈላለየ እዩ ኾይኑ ጸኒሑ። ሓደ ሓደ ግዜ ብዙሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ይመጹ ነይሮም። ብዙሓት ካብ ዓዶም ክሃድሙ ስለ ዝነበሮም እዮም መጺኦም። ካልኦት ከኣ ክሰርሑ መጺኦም።

ኣብ ከባቢ ካልኣይ ውግእ ዓለም (1939-1945) ብዙሓት ካብ ሃገራት ኖርዲክ፡ ባልቲክን ምብራቓ ኣውሮጳን ዝሃደሙ ሰባት መጹ። ኣብ 1950ታትን 1960ታትን ሽወደናውያን ትካላት ሸቃሎ የድልየን ስለ ዝነበረ ብዙሓት ንኽሰርሑ ናብዚ ግዒዞም። መብዛሕትኦም ካብ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ዩጎዝላቭያ፡ ቱርኪን ካብ ሃገራት ኖርዲክ ዝመጹ እዮም ነይሮም። እቲ ናብዚ ዝነበረ ስደት፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንቝጠባ ሽወደን ኣጸቢቑ ጽቡቕ ንኽከይድ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ባልጃታት ዘለዎም ናብ ሽወደን ገጾም ዝጐዓዙ ዘለዉ ሰባት ዘለዎ ናይ ኤውሮጳ ስእላዊ ካርታ።

ሽወደን ቅድሚ ሕጂ ስደተኛታት ካብኣ ዝስደዱላ ሃገር ምንባራ ትፈልጥ'ዶ ነርካ? ብዛዕባ እዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ?

ሽወደን ንሰባት ናብዚ መጺኦም ንኺሰርሑ ንምትብባዕ ከመይ ዝገበረት ይመስለካ?

ካብ ስደት ሸቃሎ ናብ ስደት ዕቝባ

ኣብ 1970ታት ቍጠባ ሽወደን እንዳ ኣንቈልቈለ ከይዱ፡ ከም ቀደም ብዙሕ ስራሕ እውን ኣይነበረን። ሽዑ ከም ቅድሚኡ ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ናብዚ ኣይገዓዙን። እንተዀነ ግን ኣብ ከም ቺለን ኢራንን ዝኣመሰላ ሃገሮም ግጭት ስለ ዝነበረ ብዙሓት ናብዚ መጺኦም። ኣብ ሽወደን ዕቝባ ሓቲቶም። ምስ ኣባላት ስድራ ቤቶም ንኽነብሩ እውን ናብዚ ዝገዓዙ ብዙሓት ሰባት ነይሮም እዮም።

ብ1975 ባይቶ ሽወደን ሓድሽ ፖለቲካዊ መምርሒታት ኣውጺኡ። እዚ ሓድሽ መምርሒታት እዚ ንወጻእተኛታት ቋንቋኦምን ባህሎምን ብቐሊሉ ከም ዝዕቅቡ ገይርዎም። ወጻእተኛታት ምስ ሰበ-ስልጣን ሽወደን ኣብ ዝራኸብሉ እዋን ኣስተርጓሚ ናይ ምህላው መሰል ረኺቦም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቈልዑ ቋንቋ ኣዲኦም ንምምሃር ክኢሎም። ስደት ብዙሕነት ፈጢሩ፡ ንሕብረተ ሰብ ሽወደንን ባህሊ ሽወደን ኣብ ምምዕባል እውን ሓጊዙ እዩ።

ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዓለም ውግእን ዘይምርግጋእን ነይሩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ሽወደን ዕቝባ ዝሓተቱ ካብ ኢራን፡ ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ቱርኪ፡ ሶማልያ፡ ከምኡ'ውን ናይ ሽዑ ዩጎዝላቭያ ዝመጹ እዮም ነይሮም።

ሎሚ 10.3 ሚልዮን ሰባት ኣብ ሽወደን ይነብሩ ኣለዉ። 2.6 ሚልዮን ካብዚኣቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ወይ ከኣ ሓደ ወይ ክልተ ካብ ወለዶም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ እዮም። እዚ 25 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ሽወደን ናይ ወጻኢ መበቈል ኣለዎ ማለት እዩ።

እናወሰኸ ዝኸይድ ምንቅስቓስን ዝሓየለ ቍጽጽርን

ካብ መወዳእታ 1980ታት ኣትሒዙ እቲ ናብ ሽወደን ምግዓዝ ዝምልከት ዝነበረ ሕጊ እንዳ ተረረ ከይዱ። ኣብ ዶባት እዛ ሃገር ዘሎ ቝጽጽር እናሓየለ ከይዱ፡ ናብ ሽወደን ንምእታው ድማ ናይ ግድን መንነት ሰነዳት ክህልወካ ኣለዎ።

እቶም ሕግታት ስለምንታይ ተሪሮም ይመስለካ?

ሽወደን ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ (EU) እያ። እዚ ማለት ከኣ ሃገራት ኣውሮጳ ንስደት፡ ናብዚ ምስዳድን ካብዚ ምስዳድን፡ ንዝምልከት እተወሰነ ነገራት ብሓባር ይውስና ማለት እዩ።

ንኣብነት ብ1990ታት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ሓንቲ ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ ዕቝባ ክሓትት ዝደልይ ሰብ ኣብታ ቐዳመይቲ ዝኣተወላ ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ ክሓትት ኣለዎ ኢሎም ወሲኖም። እዚ ሕጊ እዚ ስርዓት ዳብልን ይበሃል።

ስርዓት ዳብልን እንታይ ምዃኑ ትፈልጥ'ዶ?

ብዛዕባኡ እንታይ ተወሳኺ ነገር ትፈልጥ?

እዚ ሕግታት እዚ ነቶም ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝሃደሙ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል?

ኣብ 2000ታት እቶም ናብ ሽወደን ንስራሕ ምግዓዝ ዝምልከቱ ሕግታት ተቐይሮም። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣውሮጳ ንምግዓዝ ዝቐለለ ክኸውን ስለ ዝወሰና እዩ። ካልእ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ትካላት ሽወደን ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ወጻኢ ንዝመጹ ሰባት ብቐሊሉ ስራሕ ክቘጽራ ሽወደን ስለ ዝወሰነት እዩ።

ብ2016 ብዙሓት ሰባት ኣብ ክንዲ ቀዋሚ መንበሪ ፍቃድ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ዘፈቅድ ሓድሽ ግዝያዊ ሕጊ ወጸ።

ሓደ ሰብ ግዝያዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ምርካቡ እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል?

ኣየኖት ክፋላት ህይወት ናይቲ ሰብ እዩ ዝጽሎ?

ሕግታትን ስርዓታትን

ኣብ ሽወደን ሕጊ ወጻእተኛታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ ኣሎ። ብዛዕባ ዕቝባ፡ ፍቓድ መንበሪ፡ ፍቓድ ስራሕ፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራቤት ዝገልጽ ሕግታት ዝሓዘ እዩ።

ዕቝባን መንበሪ ፍቓድን

ኣብ ገሊኣን ሃገራት ዝደለኻዮ ርእይቶ ክህልወካ ኣይፍቀደልካን እዩ። እተወሰነ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ስለ ዘሎካ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣቱ ወይ ክሳብ ክትቅተል ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ፍሉይ ሃይማኖት ትኣምን እንተ ዄንካ ወይ ሓደ ፍሉይ ጾታዊ ዝምባሌ እንተ ኣልዩካ እውን ክትእሰር ወይ ክትቅተል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስግኣት ትነብር እንተ ዄንካ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ዕቝባ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ ጸወን እዚ ዕቝባ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሰባት ኣብ ሽወደን ዕቝባ ክሓቱን ናይ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡን ይኽእሉ እዮም።

ናይ መንበሪ ፍቓድ ብብዙሕ ምኽንያታት ክወሃብ ይከኣል። ንኣብነት ኣብታ እትነብረላ ሃገር ውግእ ምስ ዝህሉ፡ ምስ ስድራ ቤትካ እንደገና ንኽትጥርነፍ፡ ንኽትምሃር ወይ ንኽትሰርሕ።

ነቲ ሕቶ ዕቝባኻ "ሕራይ" ዝብል መልሲ እንተ ተዋሂቡካ፡ ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ማለት እዩ።

  • ግዝያዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ (TUT)፡ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ሽወደን ክትነብር ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ።
  • ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ (PUT)፡ ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ሽወደን ክትነብርን ክትሰርሕን ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ።

ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ሰባት ኣብ ሽወደን ዕቝባ ይሓቱ። ኣብ 2010ታት ብዙሓት ዕቝባ ሓቲቶም፣ ብዙሓት ከኣ ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም። ካብ2010 ክሳብ 2019 ዓመታዊ ብድምር ካብ 95,000 ክሳዕ 150,000 ዝኾኑ ሰባት ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቦም። ካብዚኣቶም እቶም ካብ 12 000 ክሳብ 72 000 ዝኾኑ ብምኽንያት ዕቝባ ዓመታዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቦም።

ሰባት ስለምንታይ ኣብ ሽወደን ዕቝባ ዝሓቱ ይመስልካ?

ፍቓድ ስራሕ

ከም ናይ ወጻኢ ዜጋ መጠን ኣብ ሽወደን ናይ ምስራሕ መሰል ንኽህልወካ፡ ሓደ ፍቓድ ስራሕ የድልየኩም እዩ። ናይ ስራሕ ፍቓድ ንምርካብ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን (Migrationsverket) ተመልክት።

ሕቶ ዕቝባካ እንተ ተነጺጉ፡ ግን ዕቝባ ሓቲትካሉ ኣብ ዝነበርካ እዋን ትሰርሕ ኔርካ ዄንካ ኣብ ክንዲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

ምጥርናፍ ስድራ ቤት ማለት፡ ሓንቲ ተፋላልያ ዝነበረት ስድራ ቤት ኣብ ሽወደን ብሓባር ንምንባር ከተመልክት ትኽእል እያ ማለት እዩ። እታ ስድራ ናብ’ቲ መንበሪ ፍቓድ እተዋህቦ ኣባል ስድራ ቤት ክትግዕዝ ክፍቀደላ ይኽእል እዩ።

ስድራ ቤትካ ናባኻ ናብ ሽወደን ንኽግዕዙ መንበሪ ፍቓድ ከመልክቱ ዝኽእሉ፦

ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ እንተ ዄንካ
ከም ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቑባ ዘድልዮ ሰብ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካን፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽውሃበካ ጽቡቕ ተኽእሎታት ዘለካ ዝመስል እንተ ኾይኑን
ብምኽንያት ዕንቅፋት ኣስፈጻምነት ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ፡ ማለት ንሓደ ናይ ምንጻግ ወይ ምጥራዝ ውሳነ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዕንቅፋት ምስ ዝህሉን፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃበካ ጽቡቕ ተኽእሎታት ዘለካ ዝመስል እንተ ኾይኑን
ብምኽንያት ኣዚዩ ተኣፋፊ ኵነታት ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካን፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽውሃበካ ጽቡቕ ተኽእሎታት ዘለካ ዝመስል እንተ ኾይኑን
ናይ ቀረባ ስድራ ቤትካ ጥራይ እዮም ናባኻ ክግዕዙ ዝኽእሉ። እዚ ማለት ድማ ብዓልቲ ቤት፡ ብዓል ቤት፡ ብጸይቲ ወይ ብጻይ፡ ብሓደ መናብርትን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቅኻን ማለት እዩ።
ስድራ ቤትካ ናባኻ ክግዕዙ ንኽፍቀደሎም ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንነብስኻን ስድራ ቤትካን ንኽትናቢ እኹል ገንዘብ ከም ተእቱ ምርኣይ ከድልየካ ይኽእል እዩ። እዚ ጠለብ ምንባይ (försörjningskrav) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምኡ’ውን ናይ ግድን ንምሉእ ስድራ ዝኣክል መንበሪ ክህልወካ ኣለዎ።

ምስ ስድራ ቤትካ ምንባር ሰብኣዊ መሰል እኳ እንተ ኾነ፡ ምስ ስድራ ቤትካ ኣብ ሽወደን ክትጠራነፍ ንኽትኽእል ከተማልኦ ዘለካ ኵነትን ጠለባትን ኣሎ። ከምኡ ዝኾነሉ ስለምንታይ ይመስለካ?

ዜግነት ሽወደን

ሽወደናዊ ዜጋ ክትከውን እንተ ደሊኻ ናብ ብዓል መዚ ኢሚግራሽን (Migrationsverket) መመልከቲ ከተእቱ ኣለካ። 18 ዓመት ዝመላእካ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለካን ንእተወሰነ እዋን ድማ ኣብ ሽወደን ክትነብር ተፈቒዱልካ ዝነበረን ክትከውን ኣለካ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ዄንካ ምስ ሓደ ካብ ወለድኻ እንተ ኣመልኪትካ ሽወደናዊ ዜጋ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብዓል መዚ ኢሚግራሽን (Migrationsverket) ዜግነት ክወሃበካ እንተ ኾይኑ ይውስን።