ሽወደን - ሓንቲ ደሞክራስያዊትን ቅዋማዊት ሃገርን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 3 5 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ደሞክራሲን ኣብ ቅዋማዊት ሃገር ዘለው መሰረትዊ ስርዓታትን እዩ።

ብዛዕባ ናይ ሽወደን ደሞክራሲ ብኸመይ ከም እተወደበ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ቅዋም ናይ ሽወደን ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ደሞክራሲ ሽወደን እተመስረተሉ መሰረታዊ ስርዓታት ንኣብነት ብዛዕባ መሰል ምድማጽ፡ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ከምኡ’ውን ናጽናት መራኸቢ ብዙሓንን ሕትመትን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ብዙሓት ሓፍ ዝበላ እተፈላለየ ሕብርታት ቈርበት ዘለወን ኣእዳው።

ሽወደን ሓንቲ ደሞክራስያዊት ሃገር እያ። ደሞክራሲ ማለት እቶም ህዝቢ መን ሕግታት ከም ዝሰርዕን ነታ ሃገር ከም ዘመሓድራን ክውስኑ ኣለዎም ማለት እዩ። ኣብ ሽወደን ህዝቢ ዓቢ ስልጣን ኣለዎ። ኣብ ኵለን ሃገራት ግን ከምኡ ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ጥራይ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ ሃገር ትፈልጥ'ዶ? ቀደም እቲ ንጉስ ምሉእ ስልጣን ኣብ ዝነበሮ እዋን እውን ኣብ ሽወደን ከምኡ እዩ ነይሩ።

ኣብ ሽወደን ዘሎ ዲሞክራሲ ንልዕሊ 100 ዓመት ዝማዕበለ እዩ። እዚ ኣብ ሽወደን ኣገዳሲ እዩ። ህዝቢ እዮም ነቶም ፖለቲከኛታት ዝመረጸ። ፖለቲከኛታትን ሰበ-ስልጣንን እቶም ህዝቢ ጽቡቕ ምእንቲ ክህልዉ ክሰርሑ ኣለዎም። እንተ ዘይኮነ ግን ካብ ስራሖም ክእለዩ ይኽእሉ እዮም። ፖለቲከኛታትን ሰበ-ስልጣንን ስልጣኖም ተጠቂሞም ንነብሱ ወይ ንኻልኦት ምእንቲ ከርብሑ ካብ ሓደ ጽልዋ ኸሕድረሎም ዝደሊ ሰብ ገንዘብ ክቕበሉ ክልኩልእዩ። እዚ ብልሽውና ይበሃል። ፖለቲከኛታት ነቲ ህዝቢ ክሕግዝዎ ደኣ እምበር ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወት ከመሓይሹ የብሎምን።

ደሞክራሲ ግን ብዛዕባ ፖለቲካ ጥራይ ኣይኰነን። ደሞክራሲ ኣብ ኣብያተ - ትምህርቲ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታን ኣብ ማሕበራትን እውን ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ። እዚ ማለት ተመሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይውስኑ ወይ ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእሶም ዕዮ ይውስኑ ማለት ኣይኰነን። ግን ሓደ መምህር፡ ኣካያዲ ስራሕ ወይ ካልእ ሰብ ጌጋ እንተ ገይሩ እሞ ንዓኻ ወይ ንኻልእ ሰብ ሕማቕ ኣተሓሕዛ እንተ ሒዝኩም፡ ደሞክራሲ ደው ንኸተብሎ የኽእለካ እዩ።

ፖለቲከኛታት ወይ ሰበ-ስልጣን ጌጋ ብምግባር ንዅሉ ሰብ ብማዕረ ዘይረኣዩሉ ኵነት ኣጋጢሙካ'ዶ ይፈልጥ?

ሰባት ብዛዕባ ደሞክራሲ ንኣሽሓት ዓመታት ተመያይጦም እዮም። ንደሞክራስያዊ ኵሉ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ብዝሰማምዓሉ ኣገባብ ምግላጹ ኣጸጋሚ እዩ። ይኹን'ምበር መብዛሕትኦም ሰባት፡ ሰባት ኣብ ውሳነ ክሳተፉ ከም ዘለዎም ምዃኑ ይሰማምዕሉ እዮም። ከምኡ'ውን ብዛዕባ ስልጣን ኣብ መንጎ መንግስቲ፡ ተቐማጦን ፖለቲከኛታትን ምምቕራሕን እቲ ምምቕራሕ ብሓደ ፍትሓዊ፡ ማዕረን ሕጋውን ብዝኾነ ኣገባብ ክግበር ከም ዘለዎን እዩ።

ናይ ክበብ ዳኛ ኣብ ልዕሊኡ ዘለዎ ናይ ሕጊ መጽሓፍ።

መሰረታውያን ሕግታት ወይ ቅዋም

ቅዋም ዝለዓለ ደረጃ ሕጊ ኾይኑ፡ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ኣብ ሕድሕዱ ዘለዎ ርክብ ዝገልጽ መሰረታዊ ሕግታት እዩ። ዝኾኑ ካልኦት ሕግታት ንዕኦም ዝጻረሩ ክኾኑ የብሎምን። ኣብ ሽወደን ኣርባዕተ መሰረታውያን ሕግታት ኣለዉ፡

  • ወግዓዊ ሰነድ መንግስቲ (regeringsformen) (መንግስቲ ብኸመይ ክውደብ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሽቶታትን ሕግታትን)
  • ሕጊ ናጽነት ሕትመት (tryckfrihetsförordningen) (ነቲ ናጻ ቓል ብመልክዕ ሕትመት የውሕስ)
  • ሕጊ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት (yttrandefrihetsgrundlagen) (ርእይቶኻ ናይ ምግላጽን ምንጻርን መሰል)
  • ሕጊ ምውራስ ዓራት (successionsordningen) (ዝፋን ንጉስ ብኸመይ ከም ዝውረስ)

መሰረታውያን ሕግታት ወይ ቅዋም ንደሞክራሲ ከውሕስ ኣለዎ። ስለዚ እዩ ድማ ካብ ካልእ ሕግታት ንላዕሊ ንምቕያሮም ኣጸጋሚ ዝኸውን። ደሞክራሲ ኣብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዝወሓስ ዘርኢ ኣብነታት እንሆ፡

ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት

ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ማለት፡

  • ኵሉ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣረኣእያ ከማዕብል ይኽእል እዩ
  • ኵሉ ሰብ ሓበሬታ ከካፍልን ክቕበልን ክኽእል ኣለዎ
  • ኵሉ ሰብ ርእይቶ ናይ ምዝርጋሕ መሰል ኣለዎ።

ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ብዘይ ቍጽጽር ወይ ሱቕ ክትብል ከይተገደድካ ሓሳባትካ ክትገልጽ ክትክእል ማለት እውን እዩ። ብዛዕባ ሃገርካን ዝተወለድካሉ ቦታን ዜና ክትከታተል ክትክእል ኣለካ። ኣብ ማሕበራት ክትሳተፍ ክትክእልን ሰለማዊ ሰልፊ ክትገብር ክትክእልን ኣለካ። ከምኡ'ውን ብዛዕባ ርእይቶኻ ክትመያየጥን ናብ ፖለቲከኛታት ክትጽሕፍን ክትክእል ኣለካ።

ክብርታት ካልኦት ሰባት ወይ ጕጅለታት ተቐማጦ ንምንካይ ተባሂሉ ዝፍጸም ገበን ክልኩል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ገበን፡ ገበን ጽልኢ (hatbrott) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ዓይነት ገበን ጽልኢ፡ ዓሌታዊ ጽልኢ ዘለዓዕል ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናይ ጽልኢ ዘረባ ዘለዎ መልእኽትታት እዩ። ንኣብነት ንሓደ ፍሉይ ዓሌት ዝግህስ ገለ ነገር ክትዛረብ ኣይፍቀደልካን እዩ።

ኣብ ሽወደን ንድሕንነት ዘስግእ ዝዀነ ይኹን ነገር ክትዛረብ ወይ ንኻልእ ሰብ ገበን ንኽፍጽም ከተተባብዕ እውን ኣይፍቀደልካን እዩ። ከምኡ እንተ ገርካ ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ።


መንእሰይ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሰማዕቲ ኣብ ኣደባባይ ይዛረብ ኣሎ።

ስለምንታይ ቅዋም ብዛዕባ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣሎ?

ብዛዕባ እንታይ ኣገዳሲ ነገር ኢና ክንዘራረብ ክንክእል?

መሰል ድምጺ

መሰል ድምጺ ከምዚ ዝስዕብ ማለት እዩ፡

  • ኵሉ ሰብ ኣብ ሓፈሻውን ስሩዕን ምርጫ ከድምጽ ይኽእል እዩ
  • ኵሉ ድምጺ ክቝጸርን ማዕረ ክብሪ ክህልዎን ኣለዎ
  • እቶም ኣብቲ ምርጫ ዝተሳዕሩ ፖለቲከኛታት ነቶም ተዓወትቲ ብፍታው ስልጣን ከረክብዎም ኣለዎም

ኵሉ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ምርጫ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ኣለዎ። ኣየኖት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ነዛ ሃገር ከም ዘመሓድርዋ ዝውስን ውጽኢት እቲ ምርጫ እዩ። ድምጽኻ ማዕረ ናይ ኵሉ ሰብ ክብሪ ኣለዎ። ኵሉ ምርጫታት ብምስጢር እዩ ዝግበር። እዚ ማለት ከኣ፡ ብኸመይ ከም እትመርጽ ንዝኾነ ሓደ ሰብ ክትነግሮ ኣየድልየካን እዩ። ፈጺምካ ንኸይተድምጽ እውን መሰል ኣለካ።

መሰረታዊ ስርዓት ሕጋውነት

መሰረታዊ ስርዓት ሕጋዊነት ከምዚ ዝስዕብ ማለት እዩ፡

  • ፖለቲከኛታትን ሰበ-ስልጣንን ብሕግታት እዮም ዝመሓደሩ
  • ብልሽውና ክልኩል እዩ
  • ግጉይ ውሳነታት ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክበሃለሉ ይኽእል እዩ

ሽወደን ሓንቲ ቅዋማዊት ሃገር እያ። ብመሰረት ቅዋም ሽወደን ኵሎም ተቐማጦ ንናጽነቶምን ማዕረ ክብሮምን ብኣኽብሮት ክተሓዙ ኣለዎም። ፖለቲከኛታትን ሰበ-ስልጣንን ንገሊኦም ተቐማጦ ብምኽንያት ጾታ፡ ሕብሪ ቈርበት፡ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ዕድመ፡ ተግባራዊ ዓቕሚ፡ ጾታዊ ዝንባሌ ወይ ስግረ ጾታዊ መንነት ካብ ካልኦት ዝኸፍኣ ኣተሓሕዛ ክገበርሎም ኣይፍቀዶምን እዩ። ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ተቐማጦ ዝፍጸም ዓመጽን ምሽጋርን ንኣብነት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ወይ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ክልኩል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚ ዓይነት ተግባር ዘቕጽዕ ገበን እዩ።

ኣብ ሕጊ፡ ውሕስነት ማዕረ ኣተሓሕዛ (Likabehandlingsskyddet) ካልእ ገዲፍካ ከምዚ ዝስዕብ ማለት እዩ፡

  • እቲ ሕግታት ንዅሉ ሰብ ማዕረ እዩ። ሃብታም ኩን ድኻ፡ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ፡ ሕሙም ወይ ጥዑይ ከገድስ የብሉን።
  • ኵሉ ሰብ ነቲ ዘሎ ሕግታት ክስዕቦ ኣለዎ። ዋላ ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ፖሊስ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንግስቲ ዝሰርሑ ኵሎም ሰባት ነቲ ሕግታት ክስዕብዎ ኣለዎም።
  • ፖሊስ ብዘይ ምኽንያት ክኣስሩኻ ኣይክእሉን እዮም። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩ ክትፈልጥ መሰል ኣለካ።
  • ገበን እንተ ፈጺምካ ወይ ገበን ፈጸምካ ተባሂልካ እንተ ተኸሲስካ ክምርመረልካ መሰል ኣሎካ። ከምኡ'ውን ዝሕግዘካን ዝከላኸለልካን ጠበቓ ንኽግበረልካ መሰል ኣለካ።

ናጽነት መራኸቢ ብዙሓንን ሕትመትን (Press- och tryckfrihet)

ናጽነት መራኸቢ ብዙሓንን ሕትመትን ከምዚ ዝስዕብ ማለት እዩ፡

  • ፖለቲከኛታትን ሰበ-ስልጣንን ብቐረባ ክረኣዩ ወይ ክፍተሹ ክኽእሉ ኣለዎም
  • ዜና ብፖለቲከኛታት ኣይምእዘዝን እዩ
  • ናይ ሓሶት ክስን ቤላ ቤለውን ተቓውሞ ክገጥሞም ኣለዎ

ናጽነት መራኸቢ ብዙሓን፡ ረድዮ፡ ተለቪዥንን ጋዜጣታትን ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣቐዲሙ ከይፈቐደሎም ዜናታትን ሓበሬታን ከሓትሙን ክዝርግሑን ይፍቀደሎም ማለት እዩ። ንስኻ እውን ከም ውልቀ-ሰብ መጠን ናይ ግድን ኣቐዲሙ ከይተመርመረ ጽሑፋት ናይ ምሕታምን ምዝርጋሕን መሰል ኣለካ። እዚ ናጽነት ሕትመት ይበሃል። ይኹን'ምበር ዝኾነ ክትዝርግሕ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ትዝርግሖ ነገራት ንኻልእ ዓሌት ዝግህስ፡ ንድሕንነት ሃገር ሽወደን ዘስግእ ወይ ንኻልእ ሰብ ገበን ንኽፍጽም ዘተባብዕ እንተ ዀይኑ ክትቅጻዕ ትኽእል ኢኻ።

መድያ ንኣብነት ራድዮ፡ ተለቪዥንን ጋዜጣታትን ንፖለቲከኛታት ዝጸልወኦም'ዶ ይመስለካ?

ፖለቲከኛታት'ከ ንመድያ ክጸልውዎ ይኽእሉ'ዶ? ከምኡ እንተ ኾይኑ ብኸመይ?

እዚኦም ንሓደ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣገደስቲ ዝዀኑ ሒደት ነገራት እዮም ነይሮም። ሽወደን ደሞክራስያዊት ሃገር ንኽትከውን ህዝቢ ሽወደን ኣበርቲዑ ጽዒሩ እዩ።

ኣብ ኵለን ሃገራት እቲ ህዝቢ ዝወሓደ ስልጣን ክህልዎን ኣለዎ ኢሎም ዝሓስቡን ንኻልኦት ሰባት ክጸልዉ ዝደልዩን ሰባት ኣለዉ። ኣብ ሽወደን እውን ኣለዉ። እዚ ቐልጢፉ ክቕየር ስለ ዝኽእል፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ደሞክራሲ ዘሎ ሰናይ ነገራት ፈጺምካ ክትቃለሰሉ ዘይምቍራጽ ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት ሓንቲ ደሞክራሲ ዝነበራ ድሓር ዘጥፍኣቶ ሃገር ትፈልጥ ትከውን?

ንደሞክራሲ ብሓባር ኴንና ኢና ንሃንጾ፡ ንስኻ ድማ ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ናቱ ኢኻ። ኣባል ሓደ ማሕበር ወይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክትከውንን ንገለ ኣገዳሲ ኾይኑ ዝስምዓካ ነገር ብሓባር ምስ ካልኦት ኴንካ ክትቃለስን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣኼባታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ክትሳተፍ ወይ ከተዳልዎም መሰል ኣለካ። ህላወ ደሞክራሲ ቀጻልነት ንኽህልዎ ናይ ግድን ኵልና ናቱ ተሳተፍቲ ክንከውን ኣለና። ኣብ እዋን ፖለቲካዊ ምርጫ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኵሉ ግዜ ክኸውን ኣለዎ።

ንሕብረተሰብ ብኸመይ ክትጸልዎ ትኽእል?