ታሪኽ ሽወደን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 13 12 2022

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ታሪኽ ሽወደን እዩ። ሽወደን ካብ ድኻ ሕብረተ ሰብ ገባሮ ናብ ሃገር ማሕበራዊ ድሕንነት ብኸመይ ከም ዝማዕበለት ከተንብብ ኢኻ።

ህዝቢ ሽወደን ንሕብረተ ሰብ ብኸመይ ክቕይሮ ከም ዝደለየን ንፖለቲከኛታት ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ንኽፈጥሩ ብኸመይ ክጸልውዎ ከም ዝጀመረን እውን ከተንብብ ኢኻ። ብዛዕባ ሽወደናውያን ሰራሕተኛታት ዝሓሸ ናይ ስራሕ ኵነታት ንምርካብ ብኸመይ ከም እተቓለሱን ምንቅስቓስ ሸቃሎ ሽወደን ብኸመይ ከም ዝጀመረን ብዝያዳ ክትፈልጥ ክትክእል ኢኻ።

ሓጺር ጽማቝ ታሪኽ ሽወደን

ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ሽወደን ካብቲ ሎሚ ዘላቶ ኣዝያ ዝዓበየት እያ ነይራ። ሽወደን ኣብ ውግእ ስዒሩ ሰፋሕቲ መሬት ዝሓዘ ገዚፍ ሰራዊት እዩ ነይርዋ። ንጉስ ሽወደን ኣብቲ እዋን እቲ ካርል መበል 12 እዩ ዝብሃል ነይሩ፣ ንሽወደን ድማ ካብቲ ዝነበረቶ ብዝያዳ ክትዓቢ ይደሊ ነይሩ። ስለዚ'ዩ ኸኣ ንሩስያ ክስዕራ ዝደሊ ዝነበረ። ወተሃደራት ሽወደን ግን ብ1709 ኣብ ከተማ ፖልታቫ ምስ ሩስያ ኣብ እተገብረ ውግእ ተሳዒሮም። ካብ ድሕሪኡ ንንየው ሽወደን ኣብ ኤውሮጳ ሓያል ሃገር ኮይና ኣይትፈልጥን እያ። ሽወደን ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ብዙሕ ውግኣት ተሳቲፋ ነይራ እያ፣ ካብ 1815 ኣትሒዙ ግና ኣብ ሽወደን ሰላም እዩ ዘሎ።

ቅድሚ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምንባብካ ሽወደን ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ኣብ እተፈላለየ ውግኣት ከም እተኻፈለት ትፈልጥ'ዶ ነርካ?

ቀደም ኣብ ሽወደን ንጉስ እቲ ዝለዓለ ስልጣን እዩ ነይርዎ። ሎሚ ኣብ ሽወደን መን እዩ ዝውስን? ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ንጉስ ኣብ ሽወደን ዝኾነ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘለዎ'ዶ ይመስለካ?

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሓንቲ ናይ ሓረስቶት ስድራ ቤት ኣብ ጥቓ ሓንቲ በብዑር እትጉተት ሓሰር ዝመልኣት ዓረብያ ጠጠው ኢሎም ኣለዉ።

ስእሊ፡ ናይ ኦደስሆግ ናይ ኣከባቢ ታሪኻዊ ቤት መዝገብ

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሽወደን ሓንቲ ድኻ ሕብረተሰብ ገባሮ እያ ነይራ። ኣብ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሕርሻ ሽወደን ብብዙሕ ሕማቕ ምህርቲ ተጠቂዑ ነይሩ። ምግቢ ንዅሎም ሰባት እኹል ኣይነበረን፡ እቲ ህዝቢ ድማ ጠምዩ ነይሩ። ሽዑ ብዙሓት ሰባት ዝሓሸ ናብራ ንምጥራይ ካብ ሽወደን ክግዕዙ መረጹ። ካብ 1850 ክሳብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብ1914፡ ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሽወደናውያን ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ግዒዞም። እዚ ልዕሊ ሓደ ሕምሲት ናይቲ ህዝቢ እዩ ነይሩ። እቶም ንኽግዕዙ እኹል ገንዘብ ዘይነበሮም ግን ኣብ ሽወደን ተሪፎም።

ኣብቲ ግዜ እቲ ቤተ-ክርስትያን ሽወደን ካብ መጠን ንላዕሊ ስልጣን ኣለዋ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ናይ ቀደም ሓሳባትን ክብርታትን ሒዛ ነቕ ምባል ምእባያ ግዚኡ ዝሓለፎን ዘይፍትሓውን እዩ ዝብል ርእይቶ ዝነበሮም ገለ ሰባት ነይሮም። እቲ ንጉስ ካብ መጠን ንላዕሊ ስልጣን ነይሮዎ ዝብል ርእይቶ ዝነበሮም እውን ነይሮም እዮም። ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሰብኡት እዮም ዳርጋ ኵሉ ስልጣን ዝነበሮም። ኣብ ማሕበረ ሰብን ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትን። እቶም ዘይተቐበልዎ ካብ ፈተውቶምን ስድራቤቶምን ክንጸጉ ይኽእሉ ነበሩ።

ቤተ-ክርስትያን ሽወደን ንኣብነት ኣብ ሽወደን ሓደ ሓደ ሕግታት ከመይ ክኾኑ ከም ዘለዎም ኣብ ዝኣመሰለ ንብዙሕ ነገራት ጸልያ እያ። ብዙሓት ልምድታትን ባህልታትን ካብ ቤተ-ክርስትያን ዝተወርሱ እዮም።

ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ሽወደን ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ስቶክሆልም ዮተቦርይን ማልሞን ቍጽረን እናወሰኸ ዝኸይድ ኢንዱስትሪታት ተበጊሰን። እቶም ሰራሕተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ትሑት ደሞዝን ነዊሕ ናይ ስራሕ መዓልትን ነበሮም። ዕጉባት ስለ ዘይነበሩ ድማ ምስቶም ነዘን ትካላት ዝውንኑ ሰባት ይጋራጨዉ ነበሩ። እቶም ሰራሕተኛታት ንዅነታቶም ክቕይርዎ እኳ እንተ ደለዩ፣ ግን ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። እቶም ነተን ትካላት ዝውንኑ ዝነበሩ ብዙሕ ገንዘብን ዓቢ ስልጣንን ነይርዎም። ግን እቶም ሰራሕተኛታት ብዙሓት ስለ ዝነበሩ፣ ብሓባር ንሕይል እውን ኢና ኢሎም ሓሰቡ። ንገዛእ ርእሶም ወዲቦም ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ጀመሩ። ብኸምዚ ኣገባብ ኵነታት ሰራሕተኛታት ክቕይሩ ክኽእሉ ጀሚሮም።

ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ሽወደን ምስ ካልኦት ሃገራት ዝያዳ ምልውዋጥ ክትገብር ጀሚራ። ምስ ካልኦት ሃገራት ዝግበር ንግዲ እናወሰኸ ኸደ፡ ሰባት ከኣ ብዘይ ፓስፖርት ኣብ መንጎ ሃገራት ክጕዓዙ ክኢሎም።

ኣብ መበል 19 ዘመን ሰባት ኣብ መካኒካዊ ቤት ዕዮ ኣብ ጥቓ ማሽናት ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።

ስእሊ፡ ቤተ-መዘክር ዞባ ኦረብሩ

ሽወደን ኣብ 150 ዓመት ካብ ሓንቲ ድኻ ናይ ሕርሻ ሃገር ናብ ሃብታም ናይ ኢንዱስትሪ ሃገር ማዕቢላ። ምስታ ቅድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት ቁሩብ ተመሳሳልነት ክትርኢ ትኽእል'ዶ?

ክልተ ውግኣት ዓለም

ኣብ መጀመርታ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን ክልተ ዓበይቲ ውግኣት ኣጋጢሙ። እቲ ውግእ ኣብ ኣውሮጳ እኳ እንተ ተጀመረ ሃገራት ካብ ዝተረፈ ክፋል ዓለም እውን ኣብኡ ተኻፊለን እየን። ስለዚ እዩ እቲ ውግኣት ውግእ ዓለም ተባሂሎም ተጸዊዖም።

ብ1914 እቲ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተጀመሩ። ብዙሓት ሃገራት ኣብ ኣውሮጳ ኣብቲ ውግእ ተኻፊለን። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ብ1918 እንደገና ሰላም ኮይኑ። ድሮ ሽዑ 20 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ነይሮም።

ሽወደን ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እኳ እንተ ዘይተኻፈለት፡ እቲ ውግእ ግን ንሽወደን ጸልይዋ እዩ። ኣብቲ እዋን ውግእ ንዅሉ ዝኸውን እኹል ምግቢ ኣይነበረን። ብዙሓት በዚ ዕጉባት ስለ ዘይነበሩ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማታት ዘይምርግጋእን ባእስን ኮነ። ብዙሓት ሰባት ሰራሕተኛታት ሽወደን ዕልወት ክገብሩ እዮም ኢሎም ይኣምኑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ፖለቲከኛታት ግን ነቲ ህዝቢ ክሰምዕዎ ተገደዱ፡ እተፈላለየ ዓበይቲ ለውጥታት ክገብሩ ድማ ወሰኑ። ብ1919 ባይቶ ሃገር ሓንቲ መዓልቲ ስራሕ ካብ ሸሞንተ ሰዓት ንላዕሊ ክትከውን ከም ዘይብላ ወሲኑ። ከምኡ'ውን ኣብታ ዓመት እቲኣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ ንኽመርጻ መሰል ተዋህበን።

ባይቶ ሃገር ነዞም ለውጥታት እዚኦም ስለምንታይ ወሲኖም ይመስለካ?

ኣብ መንጎ እቲ ካብ 1919 ክሳዕ 1939 ናይ ውግእ እዋን ዝነበረ ግዜ

ኣብ መበል 1920 ክፍለ ዘመን ብዙሓት ሽወደናውያን ዝሓሸ ናብራ ክረኽቡ ክኢሎም። ህዝቢ ንማሕበረ ሰብ ኪጸልውዎ ስለ ዝደለዩ፡ ከም ዝሓሸ ኣባይቲ ንምርካብ ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ነገራት ብሓባር ኴይኖም ክቃለስሎም ጀመሩ። ብዙሓት ኣብ ቈራርን ሕማቕን ኣፓርተማታት ይነብሩ ስለ ዝነበሩ፡ ወነንቲ ኣባይቲ ንንብረቶም ብዝሓሸ ኣገባብ ንኽሕዝዎም ጠለቡ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብዙሓት ህዝባውያን ኣብያተ ትምህርትን (folkhögskolor) ማሕበራት መጽናዕትን (studieförbund) እውን ተኸፊተን። እዘን ኣብያተ ትምህርቲ እዚኣን ኵሉ ሰብ ክምሃረለን ዝኽእል እየን ነይረን። እዚ ከኣ እቶም ኣብ ኮለጅን ዩኒቨርሲቲታትን ክምሃሩ ገንዘባዊ ዓቕሚ ዝነበሮም ጥራይ ዘይኮኑ ብዙሓት ሰባት እውን ከም ዝመሃሩ ገይሩ እዩ። ህዝቢ ንዕብየቱን ዕብየት እዛ ሃገርን ክጸልዎ ከም ዝኽእል ኣስተውዓለ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሽወደን ዝነበረ ደሞክራሲ ኣደልደሎ።

ኣብ መበል 1920 ክፍለ ዘመን ኵነታት ሽወደን ጥራይ ኣይኰነን ጽቡቕ ዝኸይድ ነይሩ። ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ቍጠባ ተመሓይሹ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ከኣ ኣጋጢሙ እዩ። ሓደስቲ መድሃኒታት ተማሂዙ፡ ህዝቢ ፈነወ ረድዮ ክሰምዕ ክጅምር ክኢሉን ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ኣውሮጳን እውን ተለፎን ክድወል ተኻኢሉ እዩ። ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ንዓለም ዝሓሸት ክገብርዋ ጽዒሮም።

ገሊኦም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ግን ደቂ ሰብ ብዓሌት ክመቓቐሉ ይኽእሉ እዮም፣ ከምኡ'ውን ገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ዝበለጹ እዮም ኢሎም እዮም ዝሓስቡ ነይሮም። እዞም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እዚኣቶም፡ ተመራመርቲ ስነ ህይወት ዓሌት ተባሂሎም ይጽውዑ ነይሮም። ገሊኦም ሰባት ምስኦም ይሰማምዑ እኳ እንተ ነበሩ ብዙሓት ግን እዚ ሓሳባት እዚ ናብ ዓሌታውነትን ኣድልዎን ከም ዘመርሕ ተረዲኦምዎ ነይሮም። እቲ ስነ ህይወት ዓሌት ዘስዓቦ ዓሌታውነትን ኣድልዎን ኣብ ሽወደን ብፍላይ ንኣይሁድ፡ ላፕላንደታውያን (ሳሚ) ህዝቢ ሮማኒን ግዳያት ገይርዎም እዩ።

ብ1922 ኣብ ሽወደን ሓደ መንግስታዊ ዓሌታዊ ስነ ህይወት ተቕዋም ተመስሪቱ። ዕማም ናይቲ ተቕዋም ጠንቂ ገበን፡ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ካልእ ንማሕበረ ሰብ ሽወደን ከም ጸገም ገይርካ ዝርአ ነገራትን ንምርካብ እዩ ነይሩ። ብ1934 ኵሎም ሰባት ቈልዑ ክወልዱ ከም ዘይብሎም ዝገልጽ ሕጊ ወጺኡ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብኣስገዳድ ከም ዝመኽኑ ተገይሩ። እዚ ምእንቲ ቈልዓ ከይወልዱ ብዘይድልየቶም መጥባሕቲ ተገይርሎም ማለት እዩ። ሎሚ እቲ ተቕዋም ዓሌታዊ ስነ ህይወት የለን። ብ1976 ኣብ ሽወደን ንሰባት ምምካን ተከልኺሉ።

ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ዓበይቲ ሰባት ኣብ ናይ ኣባጽሕ ትምህርቲ ኣብ ክፍሊ ኣብ እተፈላለየ ሰደቓታት ኮፍ ኢሎም ከለዉ።

ስእሊ: stadslexikon.helsingborg.se

ኣብ 1920ታት ኣብ ሽወደንን ኣውሮጳን ብዙሓት ሰባት ግዳያት ኣድልዎ ኾይኖም ነይሮም እዮም። ምስ ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ዘጋጠመ ካልእ ኣድልዎ ዝመሳሰል ገለ ነገራት ትርኢ'ዶ ኣሎኻ?

ብ1929 ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኣክስዮን ዕዳጋ ዕንወት ኣጋጠመ። ኣክስዮን ብቕልጡፍ ዋጋኡ ነከየ ብዙሓት ሰባት ከኣ ብዙሕ ገንዘብ ከሰሩ። ኩባንያታት ጠፊሻ ብዙሓት ከኣ ስራሕ ኣልቦ ኮኑን ኣባይቶም ኪሸጡ ተገደዱን። እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝነበረ ቍጠባ ጸልይዎ፣ ኣብ መጀመርታ 1930ታት ከኣ ኣብ ኣውሮጳ ቍጠባዊ ቕልውላውን ልዑል ስራሕ ኣልቦነት ንኽህሉ ኣኽኢሉ እዩ። ብዙሓት ሰባት ደኸዩን ብዛዕባ መጻኢኦም ተጨነቑን።

ኣብ ጀርመን ብ1933 ኣባላት ናዚ ስልጣን ሓዙ። ኣባላት ናዚ ከም ኣይሁድ ሮማኒን ግብረ ሶዶማውያንን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ሰባት ማዕረ ካልኦት ክብሪ የብሎምን ዝብል ኣረኣእያ ነይርዎም። መራሒ ናዚ ዝነበረ ኣዶልፍ ሂትለር ኣይሁድ ንጀርመን ሓደገኛታትን ጐዳእትን እዮም ኢሉ ይዛረብ ነይሩ። ብዙሓት ጀርመናውያን ቍጠባዊ ዅነታት እናኸፍአ ስለ ዝኸደ እንደገና ዝሓሸ ግዜ ክኾነሎም ተስፋ ይገብሩ ነበሩ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ሂትለርን ሰልፊ ናዚን ይኣምኑ ነይሮም፣ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ሰባት ከኣ ንኣይሁድ ክጸልእዎም ጀመሩ። ንኣይሁድ ምጽላእ ጸረ-ሴማዊነት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣባላት ናዚ ንኣይሁድን ንሮማኒን ከም ዜጋታት መጠን ዝነበሮም መሰላት ኣሕዲጎሞምን ብዙሓት ተኣሲሮምን ተቐቲሎምን።

እቲ ቝጠባዊ ቕልውላው ንሽወደን እውን ኣጥቂዕዋ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ሓደ ሲሶ ካብ ኵሎም ናይ ሽወደን ሰራሕተኛታት ስራሕ ኣልቦ ነይሮም። ብዙሓት ለውጢ ክግበር ደለዩ፣ ድሕሪ እቲ ኣብ 1932 እተገብረ ምርጫ ድማ ረኸብዎ። እቲ ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰራሕተኛታት፡ እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ኮይኑን ምስ ካልእ ሰልፊ ማለት ምስ ማሕበር ሓረስቶት (Bondeförbundet)ኾይኖም ድማ ብዙሕ ነገራት ክቕይሩ ጀመሩ። ሓደ ካብቲ ከምዚ ዓይነት ለውጢ፡ መድሕን ስራሕ ኣልቦነት እዩ ነይሩ። እዚ፡ ሰራሕተኛታት ዋላ እውን ስራሕ ኣልቦ እንተ ኾኑ ካብ መንግስቲ ገንዘብ ምርካቦም ክቕጽሉ ይኽእሉ ነይሮም ማለት እዩ። ኵሉ ሰብ መሰል ናይ ዓመታዊ ዕረፍቲ ክህልዎ ከም ዝኾነን ኵሉ ሰብ ዝሓሸ ጡረታ ክወሃብ ምዃኑን ካልኦት ለውጥታት እዮም ነይሮም። ጡረታ ምስ ኣረግካን ስራሕ ምስ ኣቋረጽካን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ካብ መንግስቲ እትረኽቦ ገንዘብ እዩ።

ሓሳብ ናይዞም ብዙሓት ለውጥታት እዚኦም፡ እቶም ዝሓሸ ቍጠባ ዝነበሮም ነቶም ብዙሕ ገንዘብ ዘይነበሮም ክሕግዝዎም ዝብል እዩ ነይሩ። ነዚ ዝያዳ ግብሪ ብምኽፋል እዮም ዝገብርዎ ነይሮም። ድሕሪኡ ፖለቲከኛታት ነቲ ብግብሪ ዝኣተወ ገንዘብ ኣብቶም ዝያዳ ገንዘብ ዘድልዮም ጕጅለታት ሕብረተሰብ የመቃርሕዎ ነይሮም። እቶም ፖለቲከኛታት ሓደ ፍትሓውን ማዕርነት ዘለዎን ሕብረተ ሰብ ክፈጥሩ ከም ዝደልዩ ይገልጹ ነይሮም። እዚ ማሕበረ ሰብ እዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ስም እውን ተዋሂብዎ እዩ። ፎልክሄመት ተባሂሉ ተጸዊዑ። እንተዀነ ግን ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ኣብ ፎልክሄመት ተቐባልነት ዝረኸበ። ከም ላፕላንደታውያን ሮማኒን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ጕጅለታት ሰባት ተመሳሳሊ ደረጃ ኣይነበሮምን።

ኣብ ሽወደን ከም ካልኦት ማዕረ መሰላት ኵሉ ግዜ ዘይነበሮም ዓሌት ከም ዘለዉ ትፈልጥ'ዶ ነርካ? ስለምንታይ ከምኡ ነይሩ ይመስለካ?

እንተዀነ ግን እቶም ፖለቲካውያን ለውጥታት ብብዙሕ መገድታት ዕዉታት ኮይኖምን ንሽወደን ከኣ ዝሓሸ ኮይኑን። ኣብ ሕብረተ ሰብ ዝርከባ እተፈላለያ ጕጅለታት ነንሓድሕደን ስለ ዝተደራደራሉን ብዛዕባ እቲ ንሽወደን ዝጠቅም ነገራት ስለ እተሰማምዓሉን፡ መብዛሕትኡ እቲ ለውጥታት ክትግበር ክኢሉ። ብ1938 ሓደ ህቡብ ድርድር ተገይሩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ክልተ ዓበይቲ ማሕበራት ብዛዕባ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ንምምይያጥ ካብ ስቶክሆልም ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ሳልትሾባደን ተራኺበን ነይረን። ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ሃገራዊ ማሕበር ኣብ ሽወደን (LO) ከምኡ'ውን ማሕበር ወሃብቲ ስራሕ ሽወደን (SAF) እየን ነይረን። ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ንኽሰማምዓ ብሓባር ብኸመይ ከም ዝሰርሓ ወሲነን። እዚ ኣብ መንጎ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዘሎ ምትሕብባር "ሽወደናዊ ሞደል" ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ንምዕባለ ቍጠባ ሽወደን ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እቲ "ሽወደናዊ ሞደል" እቶም ዝተሓተ ደሞዝ ዝነበሮም ሰባት ዝሓሸ ኵነት ከም ዝኾነሎምን ቍጠባዊ ፍልልያት ሕብረተ ሰብ ከም ዝንክን ገይሩ።

ካልኣይ ውግእ ዓለም 1939–1945

ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ። እዚ ድማ ናዚ ጀርመን ንፖላንድ ብምውራራ እዩ ጀሚሩ፣ እንተዀነ ግን ብዙሓት ሃገራት ናብቲ ውግእ ተሳሒበን እየን። በቲ ሓደ ሸነኽ ናዚ ጀርመን፡ ጃፓንን ኢጣልያን ነይረን። እቶም ተጻረርቲ ሕብረት ሶቭየት፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምኡውን ካልኦት ሓያሎ ሃገራት እየን ነይረን።

እቲ ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ንኣይሁድ እናገደዶም እዩ ኸይዱ። ኣባላት ናዚ ኣሲሮም ናብቲ መብዛሕትኦም እተቐትሉሉ ዓበይቲ መዓስከራት ወሲደሞም። እዞም መዓስከራት መዝገቲ ዘሪባ ተባሂሎም ይጽውዑ። ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብቲ ብ"ጽንታ" ዝፍለጥ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣይሁድ ብኣባላት ናዚ ተቐቲሎም። ሮማኒን ፖላንዳውያንን እውን ግዳይ ጃምላዊ ቕትለት ኮይኖም እዮም። ናዚ ጀርመን ስንኩላን፡ ፖለቲካውያን ተጻረርትን ግብረ ሶዶማውያንን ዝርከብዎም ካልኦት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ቀቲላ እያ።

ሽወደን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣይተሳተፈትን። መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብቲ ውግእ ሽወደን ክትሳተፍ ኣይደለየትን፣ ኣብ መጀመርታ እቲ ውግእ ከኣ ሽወደን ናዚ ጀርመን ዝሓተቶ ብዙሕ ነገራት ትገብር ነይራ እያ። ንኣብነት ሽወደን ነቶም ናብ ሽወደን ክሃድሙ ዝፍትኑ ዝነበሩ ጀርመናውያን ኣይሁድ ደው ኣቢላቶም። ግን ሽወደን ነቶም ንናዚ ጀርመን ኣብቲ ውግእ ዝቃወምዋ ዝነበሩ እውን ትሕግዝ ነይራ እያ። ሽወደን ካልእ ገዲፍካ ነቶም ምስ ስድራ ቤቶም ክነብሩ ዘይክእሉ ዝነበሩ 70,000 ፊንላንዳውያን ቈልዑ ምስ ሽወደናውያን ስድራ ቤታት ከም ዝነብሩ ብምግባር ንጐረቤት ሃገር ፊንላንድ ሓጊዛታ ነይራ እያ።

ድሕሪ ውግእ ዓለም ዝነበረ ግዜ

ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ1945 ኣብቂዑ። ናዚ ጀርመን ኣብቲ ውግእ እኳ እንተ ተሳዕረት ኵሉ ግን ከሲሩ እዩ። ብዙሓት ከተማታት ብቦምብ ዓንየንን 50–60 ሚልዮን ሰባት ሞይቶምን እዮም።

ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ክህሉ ዝደለየ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ሃገራት ሓድሽ ውግእ ንኸወግዳ ክተሓባበራ ጀሚረን። እዚ ምትሕብባር እዚ ክሳብ ሎሚ ኣሎ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ውሕሃ) ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዓለም ሰላምን ጸጥታን ንኽህሉ፡ ከምኡ'ውን ሰብኣዊ መሰላት ንኽሕለዉን ክምዕብሉን ይሰርሕ። ብ1948 ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ኣጽዲቐነኦ። ዳርጋ ኵለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እየን።

ሽወደን ኣብቲ ውግእ ስለ ዘይተኻፈለት ሽወደናውያን ትካላት ኣቕሑተንን ኣገልግሎተንን እንደገና ቀልጢፈን ከፍርያን ክሸጣን ክኢለን ነይረን። ብዙሓት ሃገራት ካብ ሽወደንን ክገዝኣ ይደልያ ስለ ዝነበራ ሽወደናውያን ትካላ ብዙሕ መኽሰብ ክረኽባ ከኣላ። ኣብቲ ግዜ እቲ ስራሕ ኣልቦነት ኣዝዩ ትሑት እዩ ነይሩ። ሽወደን ሃብታም ሃገር ኮነት፡ መንግስቲ ድማ ብዙሕ ፖለቲካዊ ለውጥታት ገበረ። ኵሎም ዜጋታት ሕክምናዊ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ረኸቡ። እቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ኣርባዕተ ሰሙን ዝኽፈሎ ዓመታዊ ዕረፍቲ ክረኽቡ ክኢሎም። እተን ምስ ናእሽቱ ቈልዑ ኣብ ቤተን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ካብ መንግስቲ ገንዘብ ይወሃበን ነበረ። ከምኡ'ውን ደቀንስትዮ ምእንቲ ንኽሰርሓ ዝዓበየ ተኽእሎ ክረኽባ ሓልዮት ቈልዑ (ከም መውዓሊ ህጻናት) ከም ዝምዕብል ተገይሩ። መንግስቲ ህዝቢ ጽቡቕ ቍጠባ፡ ጽቡቕ ጥዕና፡ ጽቡቕ ኣባይቲ ወዘተ ከም ዘለዎ ንምርግጋጽ ሓላፍነት ወሲዱ። ድኽነት እናነከየ ኸደ፡ ሽወደን ከኣ ናብቲ ብልምዲ ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት (välfärdsstat) ዝጽዋዕ ማዕበለት።

ሎሚ ኣብ ሽወደን ንሰባት ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት እኳ እንተሃለወ፡ ኵሉ ግዜ ግን ከምኡ ኣይኰነን ነይሩ። ናይ ሰባት ቃልሲ ናብ ለውጢ ኣምሪሑ። እንታይ ዓይነት ለውጢ ክትርኢ ምደለኻ?

ኣብታ ቕድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት፡ ሰባት ንኽረኽብዎ ዝተቓለስሉ ገለ ኣብነት ክትህብ ትኽእል'ዶ?