ምቕልቃል ናይ ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ማዕርነት ጾታን መሰረት ብምግባር

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 25 9 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ምዕባለ ናይ ሽወደን ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት እዩ።

ብዛዕባ እቲ ንሰብኣዊ መሰላትን ማዕርነት ጾታን ዝተገብረ ቃልሲ፡ ከምኡ’ውን እዚ ቃልሲ ንሽወደን ናብዚ ሎሚ ዘላቶ ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት ክትከውን ብኸመይ ከም ዝቐረጻን ከተንብብ ኢኻ። ብዛዕባ እተፈላለየ ኣገዳሲ ፍጻመታት፡ ሰባትን ዓመታትን ኣብ’ዚ ቃልሲ እውን ከተንብብ ኢኻ።

ምልላይ መስመር ግዜ ናይ ኣመዓባብላ ሃገር ማሕበራዊ ድሕነት

"ኵሎም ደቂ ሰባት ሓራ ኮይኖም ዝተውልዱ፡ ከምኡ'ውን ማዕረ ክብርን መሰላትን ዘለዎም እዮም።" እዚኣ እታ ኣብ ናይ 1948 ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትርከብ ናይ መጀመርታ ምሉእ ሓሳብ እያ። ገለ ካብቲ ኣብቲ ኣዋጅ ዝሰፈረ ኻልእ መሰላት እንሆ። ኵሎም ብእተፈላለየ መገዲ ብዛዕባ ማሕበራዊ ድሕነት እዮም፡

  • ንኽትምሃር መሰል ኣለካ
  • ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኵነት ንኽትረክብ መሰል ኣለካ
  • ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛትት ናይ ምዃን መሰል ኣለካ
  • ዘዕግብ ደረጃ መነባብሮ ንኽህልወካ መሰል ኣለካ (ንኣብነት ምግብን ክዳውንትን)
  • መንበሪ ቦታ ንኽህልወካ መሰል ኣለካ
  • ማሕበራዊ ድሕነት ንኽትረክብ መሰል ኣለካ (ንኣብነት ሓልዮት ኣረጋውያን)
  • ናይ ጥዕና መሰል ኣለካ (ንኣብነት ክንክን ጥዕና)

እዞም መሰላት እዚኣቶም ብዘይ ኣድልዎ ንዅሉ ሰብ ዝምልከቱ ክኾኑ ኣለዎም። ኣድልዎ ማለት ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ዝሓመቐ መሰላት ይረክብ ማለት እዩ፣ ንኣብነት ብሰንኪ ጾታ፡ ሕብሪ ቈርበት፡ ዕድመ ወይ ጾታዊ ዝንባሌ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ መሰላት ቈልዑ፡ ስንክልና ዘለዎም ሰባት፡ ደቀባትን ስደተኛታትን ዝገልጽ ፍሉይ ጽሑፋት ጽሒፉ ኣሎ፣ ምኽንያቱ ድማ እዚን ጕጅለታት እዚኣን ብዙሕ ግዜ ፍትሓዊ ብዘይ ኾነ ኣተሓሕዛ ይተሓዛ ብምንባረን እዩ። ካልኦት ጽሑፋት ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ኣድልዎን ዓሌታውነትን ንምጥፋእ ዝሓዘ ሕግታት ኣለዎ፣ ምክንያቱ እዞም ጸገማት እዚኦም እውን ብፍሉይ ኣስፋሕፊሖም ስለ ዘለዉ እዩ። እቶም ናይ መሰላት ጽሑፋት ውዕላት ተባሂሎም ይጽውዑ፡ ንማሕበራዊ ድሕነት እውን ኣገደስቲ እዮም። ካብኦም ውሑዳት ንምጥቃስ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ብምኽንያት ጾታ ካብ ዚፍጸም ኣድልዎ መከላኸሊ ምህላው
  • ቈልዑ ንኽሰምዑን ወትሩ ናይቲ ቈልዓ ጥቕሚ ክረጋገጽን መሰል ኣለዎም
  • ዋላ ስንክልና ይሃልካ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ሰባት ማዕረ ዕድላት ናይ ምርካብ መሰል

ኣብ ሽወደን ደቂ ኣንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ኵሉ ግዜ ማዕረ መሰላት ኣይነበረንን። ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫ ክመርጻ ኣይፍቀደለንን እዩ ነይሩ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኵሉ ሞያ ክዓያ እውን ኣይፍቀደለንን እዩ ነይሩ። ንመን ከም ዝምርዓዋ ክውስና ኣይፍቀደለንን እዩ ነይሩ፡ ከምኡ'ውን ምርዕዋት ኣንስቲ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ገንዘብ ክውስና ኣይፍቀደለንን እዩ ነይሩ። ኣንስቲ ማዕረ ሰብኡት መሰላት ንኽረኽባ ተቓሊሰን እየን።

ኣንስትን ሰብኡትን ኣብ ህይወቶም ሓደ ዓይነት መሰላትን ዕድላትን ክህልዎም ከሎ፣ ጾታዊ ማዕርነት ይበሃል። ንኣብነት ኣንስቲ ማዕረ ሰብኡት ቀልጢፈን ክንክን ክረኽባ ኣለወን፡ ከምኡ'ውን ሓደ ዓይነት ስራሕ ክሰርሓ ከለዋ ማዕረ ብዝሒ ደሞዝ ከምኦም ክኽፈለን ኣለዎ። ማዕርነት ጾታ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወት ኣብ መዓላ ክውዕል ኣለዎ።

ከም ሓደ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሓደ ዓይነት ክብደት ዘለዎም ሰበይትን ሰብኣይን ዘለዎ ሚዛን ዝተሳእለ ጾታዊ ማዕርነት።

ኣብ ሽወደን ኣብ መንጎ ኣንስትን ሰብኡትን ገና ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ኣብነታት ክትህብ ትኽእል'ዶ?

ማዕርነት ጾታ ክህሉ ስለምንታይ እዩ ኣገዳሲ ኢልካ ትሓስብ?

ናይ መንግስቲ ሓላፍነት

ኣብ ሽወደን ዝነብር ኵሉ ሰብ መሰሉ ከም ዝማልእ ከረጋግጽ ዘለዎ መንግስቲ ሽወደን እዩ። መንግስቲ፡ ሰበ-ስልጣን፡ ኮሙናትን ዞባታትን ናይዚ ሓላፍነት ኣለወን። እንተዀነ ግን ኣብ ሽወደን እንነብር ኵላትና እውን እዚ ማሕበረ ሰብ ምእንቲ ምሉእ ኣገልግሎት ክህብ ከነበርክት ግዴታ ኣሎና። ንኣብነት ብምስራሕን ግብሪ ብምኽፋልን።

ከም ካልእ ሰብ ማዕረ መሰላት እንተ ዘይረኺብካ፡ ኣድልዎ ኣጋጢሙካ ኣሎ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሰባት ምእንቲ መሰሎምን ማዕርነትን ጾታዊ ማዕርነትን ወትሩ ምስ ተቓለሱ እዮም። ኣብ ሽወደን እውን ከምኡ እዩ ነይሩ። እዚ ቓልሲ እዚ ሽወደን ከምዚ ሎሚ ዘላቶ ሕብረተ ሰብ ንኽትከውን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣገዳሲ ፍጻመታትን ዓመታትን

ብ1809 እቲ ሽዑ ዝነበረ ሽወደናዊ ንጉስ ብዕልዋ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ሽወደናውያን ነገስታት ማዕረ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበሮም ስልጣን የብሎምን። ህዝቢ ክውስን ዝያዳ ስልጣን ምስ ረኸበ፡ ሽወደን ተቐይራ። ንዅሉ ሰብን ንብምልእታ እዛ ሃገርን ዝጠቅም ብዙሕ ነገራት ኣጋጢሙ። ንኣብነት ኵሎም ቈልዑ ምንባብ፡ ምጽሓፍን ምቝጻርን ናይ ምምሃር መሰል ከም ዘለዎም ተወሲኑ። ሽወደን ብዙሓት ቈልዑ ምእንቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ዝያዳ ኣብያተ ትምህርቲ ክትሃንጽን ንብዙሓት መምህራን ከተሰልጥንን ክኢላ። እንተዀነ ግን ኵሎም ቈልዑ ኣይኰኑን ክመሃሩ ክኢሎም። ብዙሓት ስድራ ቤታት ሓረስቶት እዮም ነይሮም፡ እቶም ቈልዑ ድማ ኣብቲ ሕርሻ ኣብ ቤቶም ክሕግዙ የድልዮም ነይሩ።

ንዓበይቲ ዝኸውን ኣብያተ - ትምህርቲ እውን ተጀሚሩ፡ እዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ዓይነት ቤት ትምህርቲ እዩ ነይሩ። ድሮ ዩኒቨርሲቲታት ነይሩ እዩ፡ እንተዀነ ግን ኵሉ ሰብ ኣብኦም ክኣትዉ ኣይክእልን ነይሩ። ንኽትኣቱ ቅድሚ ሕጂ ዝተማሃርካ ክትከውን ኣለካ፡ ኣብ መጀመርታ ኸኣ ሰብኡት ጥራይ እዮም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክምሃሩ ዝፍቀደሎም ነይሩ። ኣብዞም ዝተከፍቱ ሓደሽቲ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ኵሉ ሰብ ክኣቱ ይኽእል ነይሩ። እቲ ኣብያተ ትምህርቲ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ (folkhögskolor) ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ፡ ንዅሉ ሰብ እዩ ድማ ነይሩ፡ ንህዝቢ። ሓደ ፍትሓዊ ሕብረተ ሰብ ንምምስራት ኵሉ ሰብ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ክኽእል ኣድላዪ እዩ።

ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ብዙሓት ሰራሕተኛታት ነዊሕ ናይ ስራሕ መዓልትን ትሑት ደሞዝን ነይርዎም። እቶም ሰራሕተኛታት ዝሓሸ ናይ ስራሕ ኵነታት ንምርካብ ብሓባር ክቃለሱ ማሕበራት ኣቝሞም። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ክሳዕ ሕጂ ኣለዋ፡ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ድማ ይበሃላ። እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ ዘይፍትሓዊ ዅነታት ስራሕ ንምቅዋም ሓደ ሓደ ግዜ ምስራሕ ይኣብዩ ነይሮም፣ ኣድማ ይገብሩ ነይሮም። ኣድማ ምግባር ዝሓሸ መሰላት ንምርካብ እትቃለሰሉ ሓደ ኣገባብ እዩ ነይሩ።

ብ1889 ሓደ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ ማለት ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ሰራሕተኛታት (Socialdemokratiska arbetarpartiet) ቈይሙ። ነቲ ሰልፊ ዝጀመርዎ፡ ኵነታት ሰራሕተኛታት ከመሓይሹ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት እዮም። ኣብ ሽወደን ማዕርነት ክዓብን ሓደ ፍትሓዊ ሕብረተ ሰብ ክህሉን ይደልዩ ነይሮም።

ኣብቲ ግዜ እቲ ሓደ ሓደ ጕጅለታት ኣብ ሕብረተሰብ ጥራይ እዮም ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ ክመርጹ ዝፍቀደሎም ነይሩ። ንኣብነት ኣታዊኻን ጾታኻን ክትመርጽ ትኽእል እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ይውስን ነይሩ። ብዙሓት ሰባት እዚ ዘይፍትሓዊ ኮይኑ ስለ እተሰምዖም፡ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ እተፈላለየ ማሕበራት ተጸምቢሮም። ዝበዝሑ ሰባት ክመርጹ መሰል ምእንቲ ክህልዎም ተቓሊሶም። ግዜ እኳ እንተ ወሰደ ኣብ መወዳእታ ግን ለውጢ ተገይሩ።

ዅሉ ሰብ ናይ ምምራጽ መሰል ንምርካብ ቃልሱ ቀጺሉ። በብደረጃኡ ፍትሓዊ ኾነ፡ ኣብ መወዳእታኡ ከኣ ዳርጋ ኵሉ ሰብ፣ እቶም ሃብታማትን እቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎምን ጥራይ ዘይኮኑ ዳርጋ ኵሉ ሰብ ክመርጽ ክኢሉ ነይሩ።

ሰራሕተኛታት ዝሓሸ ዅነታት ስራሕ ንምርካብ ቃልሶም ይቕጽልዎ ነይሮም፡ ብ1909 ድማ ሓደ ዓብዪ ኣድማ ገበሩ። ኣብታ መዓልቲ ብድምር 300,000 ሰራሕተኛታት ኣብ ምሉእ ሃገር ኣድማ ገይሮም። ብ1931 ኣብ ኦዳለን ወተሃደራት ኣብ ሓደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣድማ ዝገብሩ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ተኵሶም ቀቲሎም። እዚ ኣብ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ክሳዕ ክንደይ ሓያል ግርጭታት ከም ዝነበረ ዘርኢ ሓደ ፍጻመ እዩ።

ግብረ ሰዶማውያን ምእንቲ መሰላቶምን ኣድልዎ ከይግበረሎምን እተቓለሱ ካልእ ጕጅለ እዮም። ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሓደ ሰብኣይ ምስ ካልእ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ እንተ ገይሩ ንኽልተ ዓመት ናይ ስራሕ መቕጻዕቲ ይፍረዶ ነይሩ። ብ1944 ኣብ ሽወደን ግብረ ሶዶማዊ ምዃን ሕጋዊ እኳ እንተ ኾነ፣ ገና ግን ከም ሕማም ጌርካ እዩ ዝምደብ ነይሩ። ካብ 1979 ኣትሒዙ ግብረ ሶዶም ከም ሕማም ጌርካ ምምዳብ ኣቋሪጹ።

ርግጽ ሰብኣዊ መሰላት ንቘልዑ እውን ይምልከቶም እዩ፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ቈልዑ። መሰላት ቈልዑ፡ ኣብቲ ውዕል መሰላት ቈልዑ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብኡ ኵሉ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ቈልዓ ከም ዝዀነን፡ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ቈልዑ ዝግበር ውሳነታት ነቲ ቈልዓ ዝጠቅም ክኸውን ከም ዘለዎን ሰፊሩ ኣሎ። ውዕል መሰላት ቈልዑ ዝጸሓፈ ው. ሕ. ሃ. እዩ። 196 ሃገራት ነዚ ሰነድ እዚ ፈሪሞምሉን ከም ዝስዕብዎ ተመባጺዖምን እዮም።

ሽወደን ቈልዑ ምውቃዕ ክልኩል ምዃኑ ዝወሰነት ናይ መጀመርታ ሃገር ኣብ ዓለም እያ። ብ1979 እዩ ተወሲኑ።

ብ1994 ሕጊ ደገፍን ኣገልግሎትን ንገሊኦም ስንኩላን (LSS) ወጺኡ። ንስንክልና ዘለዎም ሰባት መሰል ናይ ደገፍን ኣገልግሎትን ከም ዝረኽቡ ዝገብር ሕጊ እዩ።

ኣብ ሽወደን እተፈላለየ ዜግነት ዘለዎምን ብዙሓት ጕጅለታት ሰባትን ይነብሩ። ሓሙሽተ ካብዘን ጕጅለታት እዚኣተን ኣብ ሽወደን ንኣዚዩ ነዊሕ እዋን ዝጸንሓ እየን። ንሶም፡ ኣይሁድ፡ ሮማኒ፡ ላፕላንደታውያን፡ ሽወደናዊ ፊንላንዳውያንን ቶርነዳላውያንን እዮም። እዚኦም ኣብ ሽወደን ተፈላጥነት ዝረኸቡ ሓሙሽተ ሃገራዊ ታሪኻውያን ውሑዳን ኢዮም። ላፕላንደታውያን እውን ከም ደቀባት ተፈላጥነት ዝረኸቡ እዮም። ላፕላንደታውያን ምስቲ ሳፕሚ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ፊንላንድን ሩስያን ዝርከብ ሰፊሕ መሬት ንነዊሕ እዋን ድልዱል ምትእስሳር ዘለዎም እዮም።

ላፕላንደታውያንን ካልኦት ሃገራውያን ውሑዳንን ከም ካልኦት ሽወደናውያን ሕደ መሰላት ዘይነበሮምን ፍትሓዊ ብዘይኮነ ኣገባብ ዝተታሕዙን እዮም። ንኣብነት ስራሕ ንምርካብ ይኸብዶም ነይሩ፡ ከምኡ'ውን ገሊኣቶም ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ምስ ካልኦት ንኽኸዱ ኣይፍቀዶምን ነይሩ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ልዕሊ እዘን ጕጅለታት እዚኣተን እተፈጸመ ግህሰታትን ዓመጽን ተኣሚንሉ እዩ። ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመንመሰላት ናይቶም ሃገራውያን ውሑዳን ተመሓይሹ እዩ።

ብ2009 ብምኽንያት ጾታ፡ ዓሌትነት፡ ሃይማኖት፡ ስንክልና፡ ጾታዊ ዝንባሌ ወይ ዕድመ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ኣድልዎ ምግባርን ካብ ካልኦት ብዝሓመቐ ኣገባብ ምሓዝን ክልኩል ኮይኑ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ሕደ ጾታ ዘለዎም ጽምዲ ማለት ክልተ ሰብኡት ወይ ክልተ ኣንስቲ ቈልዓ ናይ ምርዓም መሰል ረኺቦም።

ብ2013 ንሰባት ሕጋዊ ጾታኦም ክቕይሩ ምእንቲ ክኽእሉ ክመኽኑ ዘስገድድ ዝነበረ ሕጊ ተሰሪዙ። ሕጋዊ ጾታ፡ እቲ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ፡ ኣብ ፓስፖርትካን ኣብ ሰነዳት ናይ ካልኦት መንግስታውያን ትካላት ሰፊሩ ዘሎ ጾታ እዩ።

ብ2020 ሽወደን ኵሉ እቲ ኣብ ውዕል መሰላት ቈልዑ ሰፊሩ ዘሎ፡ ኣብ ሽወደን እውን ብመሰረት ሕጊ ንኸገልግል ወሲና።

ንዓበይቲ ዝኸውን ኣብያተ ትምህርቲ ምህላዉ ስለምንታይ ጽቡቕ ይመስለካ?

ሰራሕተኛታት ብዙሓት ብሓባር ኮይኖም ምእንቲ መሰሎም እንተ ተቓለሱ በየናይ ኣገባብ እዩ ዝቐለለ ክኸውን ዝኽእል?

ኣብ ገሊኣን ሃገራት ዓለም ንሰራሕተኛታት ማሕበር ሰራሕተኛታት ክምስርቱ ክልኩል እዩ። ከምኡ ስለምንታይ ኮይኑ ይመስለካ?

ምስ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎ ሰብ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዓለም ኣብ ኣስታት 80 ሃገራት ዘይሕጋዊ ምዃኑን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከኣ ብሞት ከቕጽዕ ከም ዝኽእልን ትፈልጥ’ዶ? ኣብታ ቕድሚ ሕጂ እትነብረላ ዝነበርካ ሃገር ወይ ሃገራት እዚ ሕጋዊ ድዩ ገበን?

ኣብ ሽወደን ከም ካልኦት ማዕረ መሰላት ኵሉ ግዜ ዘይነበሮም ዓሌት ከም ዘለዉ ትፈልጥ'ዶ ነርካ? ብዛዕባ እዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ?

ንጾታዊ ማዕርነት ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ ኣገዳሲ ፍጻመታትን ዓመታትን

ብ1801 ፍረድሪካ ብረመር ዝስማ ሰበይቲ ተወልደት። ንሳ ምእንቲ መሰል ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ፡ ከም እኹላት ሰባት ንኽቝጸራን ካልኦት መሰላትን ማለት ነቲ ድሮ ደቂ ተባዕትዮ ዝነበሮም ተቓሊሳ እያ። እዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ከቢድ ቃልሲ እዩ ነይሩ፡ ፍረድሪካ ብረመር ከኣ ንብዙሓት ካልኦት ኣንስቲ ኣርኣያ ኮይና እያ። ካልኦት ኣንስቲ ንዅነታትን ህይወትን ኣንስትን ኣዋልድን ንምቕያር ከም ዝቃለሳ እውን ገይራ እያ።

ቅድሚኡ ሰብኡት ኣብ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ነገራት ይውስኑ እኳ እንተ ነበሩ ኣብዘን ዓመታት እዚአን ግን ኣንስቲ ባዕለን ናይ ምውሳን ዝያዳ መሰል ረኺበን። ንኣብነት ምርዑዋት ኣንስቲ ንገንዘበን ባዕለን ክውስና ክኢለን። ብዘይካ'ዚ ደቂ ኣንስትዮ መን ከም ዝምርዓዋ ባዕለን ናይ ምውሳን መሰል ረኺበን፣ ከምኡ'ውን ሰብኣይ ንሰበይቱ ክወቕዓ ዘይሕጋዊ ኾይኑ።

ብ1919 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫ ናይ ምድማጽ መሰል ረኺበን። ኣብቲ ብ1921 እተገብረ ባይቶኣዊ ምርጫ ደቂ ኣንስትዮ ንመጀመርታ ግዜ ኣባላት ባይቶ ክዀና ክምረጻ ክኢለን። ፖለቲከኛታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታትን ሕጂን ካልእ ገዲፍካ ኣብ ጕዳያት ማዕርነት ጾታን መሰላት ቈልዑን ኣገዳሲ ቦታ ሒዘን ጸኒሐን እየን።

ኣብ 1930ታትን 1940ታትን ንነፍሰ-ጾራት ኣንስቲ ኣገዳሲ ዝዀኑ ብዙሓት ነገራት ተወሲኖም እዮም። ኣብ ሆስፒታል ክሓርሳ ብናጻ ኾይኑ፡ ከምኡ'ውን ነፍሰ-ጾር ስለ ዝዀና ካብ ስራሐን ክሰናበታ ክልኩል ኮይኑ። ንቘልዑ ዝኸውን ፍሉይ ማእከል ክንክን ጥዕና ተመስሪቱ፡ ቈልዑ ንዘለዉዎም ስድራቤታት ከኣ ዝሓሸ ኣባይቲ ተሃንጹ።

ብ1960 ደቂ ኣንስትዮ ከም ሰብኡት ተመሳሳሊ ስራሕ እንተ ሰሪሔን ማዕረ ብዝሒ ገንዘብ ከእትዋ ኣለወን ዝብል ሕጊ ወጺኡ።

ብ1960ታት ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብ ልዕሊ ኣካላተን ናይ ምውሳን ዝያዳ መሰል ረኺበን። ንኣብነት ምእንቲ ከይጠንሳ ከኒናታት (መከላኸሊ ጥንሲ) ናይ ምውሳድ መሰል ረኺበን። ሓደ ምርዑው ሰብኣይ ንሰበይቱ ጾታዊ ርክብ ንኽትፍጽም ከገድዳ ክልኩል ኮይኑ። ብ1970ታት ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ከቋርጻ መሰል ዝህብ ሕጊ ወጺኡ። እዚ ምንጻል ጥንሲ ይበሃል።

ክሳብ 1974 ሓደ ናይ ኣደነት ክፍሊት (moderskapspenning) ዝብሃል ነይሩ። እዚ ኣብ ገዛ ምስ ናእሽቱ ቈልዑ ንዘለዋ ኣንስቲ ዝወሃብ ዝነበረ ቍጠባዊ ክፍሊት እዩ ነይሩ። ብ1974 ናብ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ (föräldrapenning) ተቐይሩ። ብኸምዚ ሰብኡት እውን ምስ ደቆም ኣብ ቤቶም ክኾኑን ናቱ ክፍሊት ክረኽቡን ክኢሎም። ንቘልዑ ዚኸውን ተወሳኺ መውዕሊ ህጻናትን መጽንሒ ድሕሪ ትምህርቲን (fritidshem) እውን ተሃኒጹ። እዚ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ምውላደን ናብ ስራሕ ዓለም ተመሊሰን ናይ ገዛእ ርእሰን ገንዘብ ንኽረኽባ ዝቐለለ ገይሩለን።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ደሞዝ ግብሪ ክኸፍለሉ እውን ተወሲኑ፣ እዚ ኸኣ ፍሉይ ምግባር (särbeskattning) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ቅድሚኡ ሰብ ሓዳር ናይ ድምር ኣታዊኦም ግብሪ እዮም ዝኸፍሉ ነይሮም። እቲ ሓድሽ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ካብ ደሞዘን ንኸትርፋ ኣኽኢልወን።

ደቂ ኣንስትዮ ከም ሰብኡት ሓደ ዓይነት ሞያ ክህልወን ኵሉ ግዜ ኣይፍቀደለንን እዩ ነይሩ። እቲ ሰብኡት ጥራይ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ናይ መወዳእታ ሞያ ወተሃደር ምዃን እዩ ነይሩ። ካብ 1989 ኣትሒዙ ግን ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብ ውትህድርና ክዓያ ተፈቒዱለን። እዚ ማለት ድማ ሕጂ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኵሉ ኣብ ሽወደን ዘሎ ሞያ ክዓያ ተፈቒዱለን ኣሎ ማለት እዩ።

ብ1999 ገንዘብ ከፊልካ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዘይሕጋዊ ኾይኑ።

ብ2018 እቲ ምስ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ዝደሊ፡ ኵሉ ግዜ እቲ ካልእ ሰብ ዝደሊ እንተ ኾይኑ ከረጋግግጽ ከም ዘለዎ ተወሲኑ። እቲ ሰብ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ከም ዝደሊ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ምስ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዘይሕጋዊ እዩ።

መተካእታ ደሞ ወለዲ እናማዕበለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ብዙሓት ሰብኡት ከኣ ደቆም ናእሽቱ ከለዉ ምስኦም ኣብ ቤቶም ይጸንሑ ኣለዉ። ይኹን'ምበር ገና ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ መተካእታ ደሞዝ ወለዲ ዘለዎ መዓልታት ይወስዳ ኣለዋ።

ቅድሚኡ ኣንስቲ ከም ሰብኡት ማዕረ መሰል ዘይነበረን ስለምንታይ ይመስለካ?

ደቂ ኣንስትዮ ንመሰላት ኢለን ዝቃለሰኦ ቃልሲ፡ ብብዙሕ መንገድታት ብዛዕባ ሓርነት ኢዩ። ኣንስቲ ነቲ ቕድሚ ሕጂ ሰብኡት ጥራይ ዝነበሮም መሰላት ምስ ረኸባ ብኸመይ ብዝያዳ ሓራ ኾይነን?