ኣብ ሽወደን ጸላዊ ሰብ ምዃን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።
ኣብ ኣደባባይ ኣብ ቅድሚ ሰባት ዝዛረብ ሓደ መንእሰይ፡ ሓደ መርኣያን ሃደ ናይ መድመጺ ኣዳራሽ ኣብ ምርጫን ዝተሳእሎ ኮላዥ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ጽልዋ ምግባር እዩ።

ብዛዕባ ደሞክራሲ ኣብ ሽወደን እንታይ ማለት ምዃኑ ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ንማሕበረሰብ ብኸመይ ክትጸልዎ ከም እትኽእል ንዝምልከት ክትሓስብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ምዕባለ ደሞክራሲ ኣብ ኣውሮጳን ሽወደንን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ። ብዛዕባ ሽወደን ብኸመይ ከም እትመሓደርን ኣብ ናይ ሽወደን ባይቶ ኣየኖት ፖለቲካውያን ሰልፊታት ከም ዘለዋን እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ነቕፌታዊ ኣረኣእያ ምንጪ እውን እዩ። ነቕፌታዊ ኣረኣእያ ምንጪ እንታይ ምዃኑን ኣየናይ ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ ንምፍላጥ ከመይ ክትገብር ከም እትኽእልን ክትሓስብ ክትክእል ኢኻ።