ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ምንጪ ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 2 2 2023

ብዛዕባ ሽወደን - ሓደ ንልልይ ምስ ሕብረተሰብ ዝኸውን ጽሑፍ።

ኵሉ እቲ ኣብ ኢንተርነት፡ ኣብ ጋዜጣታት፡ ኣብ ቲቪ ከምኡውን ረድዮ እንሰምዖ፡ እንርእዮ፡ ከምኡውን እነንብቦ ነገራት ሓቂ ድዩ? ንሓደ ምንጪ ክንኣምኖ ከም እንኽእል ብኸመይ ንፈልጥ? ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ምንጪ ክህልወካ እንታይ ማለት እዩ?

ናይ መጻሕፍቲ፡ ራድዮ፡ ተለቪዥን፡ ጋዜጣታትን ክልተ ኣእዳው ኣብ ልዕሊ እቲ ስእሊ ዓብዪ ምልክት ሕቶ ዝገብራ ክልተ ሞባይል ተሌፎን ዝሓዛ ኣእዳውን ዘርኢ ስእላዎ ኮላዥ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብቐጥታ ወይ ንተወከልቱ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ብምምራጽ ኣብ ምምሕዳር ሃገሩ ናይ ምክፋል መሰል ኣለዎ።

ናጽነት ርእይቶን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን እውን ኣለካ። እዚ ዝደለኻዮ ርእይቶ ክህልወካን ክትሓስብን መሰል ኣለካ ማለት እዩ። ሓሳባትካን ርእይቶካን ናብ ካልኦት ንኣብነት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክትዝርግሕ እውን ትኽእል ኢኻ። ግን ነቲ ናይ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባትን ጕጅለታትን ጽልእን ጸለመን ንምዝርጋሕ ክትጥቀመሉ ኣይፍቀደካን እዩ። ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ማሕበራትን ክትሳተፍን ከተዳልዎምን እውን መሰል ኣለካ። ይዅን’ምበር ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ንኸትሳተፍን ኣባል ናይ ሓደ ማሕበር ንኸትከውንን እውን መሰል ኣለካ።

ምንጪ፡ ሓበሬታ ወይ ጭብጥታት ንረኽበሉ ነገር ወይ ሰብ እዩ። ኵሉ ግዜ ብእተፈላለየ መገድታት ሓበሬታ ንረክብ ኢና። ጋዜጣታት ነንብብ፡ ረድዮ ንሰምዕ፡ ቲቪ ንርኢ ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ነንብብ። ሓበሬታ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እውን ይመሓላለፍ እዩ፡ ንኣብነት ኣብ መንጎ የዕሩኽ።

እቲ እንረኽቦ ሓበሬታ ፈጺሙ ገለልተኛ ኣይኰነን። ዛንታታትን ስእልታትንን ዘተኣማምንን መሳጥን ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር እቲ እንረኽቦን እንዝርግሖን ሓበሬታ ቕኑዕ እንተ ኾይኑ ወይ እንተ ዘይኾይኑ ወትሩ ክንሓስበሉ ኣሎና። ስለዚ እነንብቦ፡ እንሰምዖ ወይ እንረኽቦ ሓበሬታ፡ ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ምንጪ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ሓበሬታ ቕኑዕ ወይ ጌጋ እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት እዚ ንርእስኻ ክትሓታ ትኽእል ኢኻ፡

  • ብድሕሪ እቲ ሓበሬታ መን ኣሎ? ሓደ በዓል መዚ፡ ሓንቲ ትካል፡ ሓንቲ ማሕበር ወይስ ተመራመርቲ? ነቲ በዅሪ ምንጪ ክትረኽቦ ትኽእል'ዶ ?
  • እቲ ሓበሬታ ስለምንታይ ኣሎ? ሓበሬታ ንምሃብ ድዩ፡ ረክላም ንምግባር፡ ገንዘብ ንምርካብ ወይስ ካልኦት ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ከም ዝሓድሮም ንምግባር?
  • እቲ ሓበሬታ ካብ ዝወጽእ ክንደይ ግዜ ገይሩ? ገና ብቑዕ ድዩ ዘሎ? ንኣብነት ኣረጊት ዜና ድዩ?
  • ነቲ ሓበሬታ ብኸመይ ረኺብካዮ? ካብ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ቅኑዕ ሓበሬታ ዝሃበ ክትኣምኖ እትኽእል ምንጪ ድዩ መጺኡ?
  • ነቲ ሓበሬታ ካብ ካልእ ምንጭታት ክትረኽቦ ትኽእል ዲኻ? ካብ ኣብ ሓደ ምንጪ ጥራይ ንእትረኽቦ ሓበሬታ ተጠንቀቐሉ። ኵሉ ግዜ ካብ ክልተ ዘይራኸቡ ምንጭታት ጭብጥታት ንምርካብ ፈትን።

ድሒሩ ልክዕ ከም ዘይኮነ ዘረጋገጽካዮ፡ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ነገራት ብኸመይ ከም ዚሰርሕ ሓበሬታ ረኺብካ’ዶ ትፈልጥ?

ካብቲ እትረኽቦ ሓበሬታ ኣየናይ ብርግጽ ሓቂ ምዃኑ ከመይ ጌርካ ከተረጋግጽ ትኽእል?